ቃል ደገፍ ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን ኣብ ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ

2015-07-22 20:06:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2390 times

بسم الله الرحمن الرحيم

ክብርቲ ሓውቲ ኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ 2 ውድባዊ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣

ክቡራት ኣሕዋት ኣቦመንበርን ኣባላት መርሕነትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣

ክቡራትን ክቡራንን ዕዱማት ጉባኤ፣

ክቡራትን ክቡራንን ኣባላት 2 ጉባኤ፣

ኣሰላሙ ዓለይኩም ወራሕማቱላሂ ወበረካቱሁ፣

ብመጀመርታ፡ ኣብ መኽፈቲ’ዚ ጉባኤኹም’ዚ ንኪንሳተፍ ብዘቅረቡልኩምና ክቡር ዕድመ፡ ብሽመይን ብሽም መርሕነት ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ማዕርነትን፡ እመስግነኩም። ከምኡ’ውን ብ’ጋጣሚ ምግባእ ጠቕላላ 2 ጉባኤኹም ዮሃና ብምቕራብ፡ ኣብ ኩሉ ዉዕሎታት ዕዮታት ጉባኤኹም ኣሳልጦ እምነየልኩም።

ክቡራትን ክቡራንን፣

ጉባኤታት ንገዛእ ርእሱ ናይ ዲሞክራሲ ክብሪታት፣ ሃገራዊ ሽርክነት፣ ምሕዝነታዊ ሓላፍነትን ሓባራዊ ዕዮን ዘስርጽን ዘዕዝዝን መርሓ ኣተሕሳስባ’ዩ። ኣብ ርእስኡ ድማ ኣብ ጊዜታቶም ምክያድ፡ ናይ ውድብ ምእዙዝነትን ኣብ ፕሮግራሙን ፖለቲካዊ ድርሳኑን መርሕነቱን ኣድላይ ሕዳሴታት ንምትእትታው ዘሎዎ ሓልዮቱን፡ ሽግራት እንተልዮም’ውን ኣብ እዋኑ ንምእላይን ዘርኢ ምስክርነት’ዩ። ንሕና ከም ኤርትራውያን ኣብ ኣዝዩ ተሃዋሲ መድረኽ እንነብር ብምህላውና፡ ሃገርና ብሓደገኛ ለዋይ መንገዲ ትሓልፍ ስለዘላ’ውን፡ ጉባኤታት ምክያድ፡ ምናልባት ንድሕነት ሃገርን መንእሰያትን ዝሕግዝ ሓባራዊ ራእዪ ንምፍላቕ ኣገዳሲ ዓውዲታት’ዮም።

ክቡራንን ክቡራትን፣

ፖለቲካ ሓይልታትን ሰፊሕ ሓፋሽን ኤርትራ፣ እንኮላይ መላእ ኣባላትኩም፡ ኣብ ርእሲ’ዚ ጉባኤኹም’ዚ፡ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ዘሕይል፣ ሃገራዊ ናጽነትን ዘዕቅብን ዘውሕስን፣ መሳርዕ ፖለቲካ ሃገራዊ ሓይልታት ዝጥርንፍ፣ ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘቀላጥፍን፡ ውሳኔታትን መደባትን ሒዙ ክወጽእ ኩቱር ባህጊ ኣሎዎም።

ክቡራንን ክቡራትን፣

ምብትታንን ምጭርራምን ሕዱር ፍልልያትን ፖለቲካዊ ሓይልታት እንክረአ እንከሎ፡ ቀዳምነታትና ከም’ቲ ዝግብእ ብዕቱብ መልከዕ ከም ዘይሰራዕና’ዩ ዘመልክት። ኩላህና ናይ በበይኑ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣተሓሳስባን መደባትን ንኸብር’ኳ እንተዂንና፡ የግዳስ እዚ ህልው ፍልልያትዚ፡ ምስ’ቲ ኣተሓሳስባን መደባትን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት እንክነጻጸር እንከሎ፡ ምስ’ቲ ተደላይነታት ቀዳምነታት ድሕነት ሃገርን ጭካን ስደት ዘብልዮም ዘሎ መንእሰያትን ዝመጣጠን ኮይኑ ኣይርከብን ኣሎ። እዚ ኩነታት’ዚ እንተ ዳኣ ከምቲ ዘሎዎ ከምኡ ኢሉ እንተ ቐጽሉ፡ ደቂ ህዝቢ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ገንሸል ዲክታቶርያዊ ስርዓት ስለዝኾኑ፣ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ዝውላዕ ዘይፍትሓዊ ኲናት ግዳያት ስለ ዝኾኑ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝጭወዩን ዝስወሩን፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዚዳጒኑን ንጹሃት ዜጋታት ደሃዮም ምስዚ ዝጠፍእ፣ ባሕሪታትን ሰሃራን ዚውሕጦም ዘርሞ ዘርሞ ኮይኖ ምስ ዚተርፉ፣ ኣደዳ ንግዲ ሰብን ሸበርትን ምስ ዝኾኑን’ውን፡ ንረብሓ መን ዳኣ ኢኹም ትጋደሉ ዘሎኹም ኢሎም ዚሓቱ ኪመጹ ምዃኖም ዘይተርፍ’ዩ። ምእንቲ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝወቅዕ ሓይሊ ኪንከውንን፡ ምእንቲ ሃገርና ዘጨራርምን ድልየት ህዝቢና ዘህስስን እማመታት ንምፍሻልን፡ ስለ ምንታይ ኢና ክንዲ ደረጃ ህልው መድረኽ ክብ ዘይንብል ዘሎና? ኣብ’ቲ ብዝተሓተ ደረጃ ዘራኽቡና ብዙሕ መሰረታዊ ሃገራዊ ጉዳያት ስለ ምንታይ ኢና ዘንምቅለልን ዘይንሳነን ዘሎና?።

ክቡራንን ክቡራትን፣

እዚ ጉባኤኹም’ዚ፡ ስርዓት ህግደፍ ንክቡር ሃገርና ዝያዳ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝገዝኣሉን ወጽዓታት ዘስረጸን ንዜግነት ደረጃታት ዝስርዓሉን ሓጽር ኣተሓሳስባ፡ ዝስግር ንመጻኢ ሃገርና ዝበቅዕ ፕሮግራም ክውጥን ተስፋ ይንበረሉ’ዩ።

ክቡራንን ክቡራትን፣

ኣብ ከባብና ሃገራት ብኢድ ደቀን ክፈርሳ ንርእየን ኣሎና። ናይ ከምዚ ኣመሰለ ኩነታት ቀንዲ ጠንቂታቱ ድማ፡ ሕፍኖ ገዛእቲ ሓይልታት ናይ ሃገራት ጸጋታትን ስልጣንን ናብ ናይ ብሕቶም ዋኒነት ስለ ዚቀየርዎ’ዩ። ክንዲ ዝኾነ ካኣ ጸላእቲ ቅድም ተጻብኦ ንዘይነበሮ ፍልልያት ብቅርሕንትታት ንምምጋብ ጥጡሕ ዕድላት ብምርካብ፡ ናይ ዕንወትን ቅትለትን ሽበራዊ ጉጅለታትን ተርእዮታት ክዝርጋሕ ይኸውን ኣሎ።

ክቡራንን ክቡራትን፣

ከምቲ እትፈልጡዎ፡ ንሕና ኣብ ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን፡ ነቲ እስላማዊ ዳውላ ኣብ ዕራቅን ሻምን (ዳዕሽ) ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ደቂናን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ከባቢታት ኣብ ርእሲ ንጹሃት ዑላማእን፡ መንእሰያትን፡ ጋዜጠኛታትን ዝፈጸሞ ኣሰቃቒ ቅትለትን ዓዛባትን ኮኒንና ኢና። ንሕና ጸረ ኩሉ መልከዓት ሽበራ ምዃንና ደጊምና ነረጋግጽ። ሽበራ ኣብ ዝተወሰነ ሃይማኖት፣ ወይ ሃገር፣ ወይ ጉጀታት፣ ወይ’ውን ውልቀ ሰባት ዝሕጸር ጥራይ ዘይኮነስ፡ እንተላይ ሃገራት ዝፍጽምዎ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ምዃኑ ነርጋግጽ። ስለ’ዚ’ምበኣር፡ ቅድሚ ኣብ ውጽኢታቱ ምትኳር፡ ኣቐዲምና ኣብ መንቀልታቱ ከነትኲር ይግባእ። ምኽንያቱ ጭቆናን፡ ኣግላልነትን፡ ምህማሽን፡ ንካልእ ምንዓቅን፡ መሰረታዊ መሰላት ምግሃስን፡ ንሽበራን ሕድሕድ ምቅትታልን ዝፈጥር ጥጡሕ ድዂዒ ስለዝኾነ።

ክቡራንን ክቡራትን፣

ኣብ መወዳእታ፡ ንሕና ነዚ ጉባኤኹም’ዚ ደጊምና ዓወትን ኣሳልጦን፡ ንውድብኩም ድማ ገስጋስን ምዕባለን፡ ከምኡ’ውን ንሃገርና ሰላምን ምርግጋእን ንምነ።

ምስ ሰናይ ሰላምታና

ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን

14 ሓምለ 2015

Last modified on Wednesday, 22 July 2015 22:08