ኣብ ጐንደር ክካየድ ዝጸንሐ ቀዳማይ ክፋል ሰዲህኤ ተዛዚሙ፤ ካልኣይ ክፋል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ጀርመን ክጅመር ኢዩ

2015-07-22 07:11:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2705 times

ካብ 15-19 ሓምለ 2015 ኣብ ጐንደር ክካየድ ዝጸንሐ ጕባኤ ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብዓወት ተዛዚሙ። ኣብ ኣመሪካ፡ ኣውሮጳ፡ ኣውስትራልያ፡ ካናዳ ዝርከቡ ጨናፍር ሰልፊ ዝሳተፍዎ ጕባኤ ድማ ብ26 ሓምለ 2015 ኣብ ጀርመን ክጅመር ኢዩ።

Participants 1

ኣብ ጐንደር ዝተኻየደ ጕባኤ፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፣ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት፡ ሓው ወልደሱስ ዓማር፣ ሓላፊ ገንዘባዊ ጕዳያት ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤልን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጕዳይን ኣቦ መንበር ሓጻዪት ሽማግለን ሓው ረዘነ ተስፋጽዮን ዝርከብዎም 31 ኣባላት ኢዮም ተኻፊሎሞ።

SecretariatofSecondCongress

ድሕር'ቲ ብ15 ሓምለ 2015 እተኻየደን ዕዱማት ኣጋይሽ እተሳተፍሉ ናይ መኽፈቲ ጕባኤ ስነ-ስርዓት፡ ጕባኤኛታት ኣብ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓታት ንጕባኤ እትመርሕ ሰክረታርያ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጾም። ሰክረታርያ ጕባኤ ድማ፡ ንሓው ደበሳይ በየነ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ካድራት ሰልፊ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣቦ ወንበራ ክኸውን መሪጻቶ።

ElectionCommitteeSecond Congress

ስዒቡ ፡ ጕባኤ ብማእከላይ ባይቶ ዝቐረበ ናይ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ጽብጻብ፣ ከምኡ ውን ናይ መጻኢ 4 ዓመታት ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ንድፊ ቅዋምን ተመያይጡ ዘድሊ ምምሕያሻት ድሕሪ ብምግባር ብምሉእ ድምጺ ደገፉ ንዝቐረበ ሰነዳት ገሊጹ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ለበዋታትን ኣመሓላሊፉ።

Voting

ኣብ ኵሉ ውሳኔታት ዝተዋህቡ ድምጽታት ብግቡእ ተመዝጊቦም ናብ'ቲ ኣብ ጀርመን ዝካየድ ካልኣይ ክፋል ክልኣኹ ኢዮም። ኣብ መወዳእታ ኣብ ነፍስወከፍ ጕዳይ ኣብ ክልቲኡ ጕባኤታት ዝተዋህቡ ድምጽታት ተደማሚሮም ናይ መወዳእታ ውሳኔታት ክዀኑ ኢዮም።

ኣብ 18 ሓምለ 2015፡ ጕባኤ፡ 6 ዝኣባላታ ኣምራጺት ሽማግለ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ። ንሳ ድማ ንሓው ግርማይ ክፍለ፡ ሓደ ካብ'ቶም ላዕለዎት ካድራት ሰልፊ ኣብ ሱዳን ኣቦ መንበራ ክኸውን መረጸቶ። ብድሕር'ዚ ጕባኤኛታት ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ኰይኖም ንሰልፊ ዝመርሑ 31 ኣባላት ብምስጢራዊ ድምጺ መሪጾም።

መስርሕ ምርጫ ከመይ ክምዝኸውን ብሓው ግርማይ ክፍለ፡ ኣቦ መንበር ኣምራጺት ሽማግለን ብሓው ረዘነ ተስፋጽዮን፡ ኣቦ መንበር ሓጻዪት ሽማግለን ብዝርዝር ሓበሬታ ተዋሂቡ። ሓው ረዘነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ 5 ክፍለ-ዓለማት ዝርከባ ጨናፍር ሰልፊ ኣብ ምምራጽ ሕጽያት ንማእከላይ ባይቶ ተኻፊለን ኢሉ።

RezeneTesfazion

ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም ዝርከቡ ኣባላት ዝሃብዎ ድምጽታት ድማ ብቅድመ-ተኸተል ናይ ብዝሒ ድምጽታት ናብ ጕባኤኛታት ቀሪቡ። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ብጨናፍሮም ተመሪጾም ናብ ጕባኤ ዝተኻፈሉ ኣባላት ውን ከመርጹን ክምረጹን ምሉእ መሰል ተዋሂብዎም ኢዩ። ነፍስወከፍ ኣባል ጕባኤ 31 ንመሪሕነት ይበቕዑ ኢዮም ዝበሎም ኣባላት ንመሪሕነት መሪጹ። እቲ ድምጽታት ተዓሺጉ ናብ'ታ ኣብ ጀርመን እትቐውም ኣምራጺት ሽማግለ ካልኣይ ክፋል ጕባኤ ክልኣኽ ኢዩ። ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ነዚ ደብዳበ'ዚ ካብ ኣምራጺት ሽማግለ ተቐቢልዎ ኣሎ።

Election Process

ኣብ ርእስ'ዚ ጕባኤ ብዛዕባ ንድፊ ፖለቲካዊ ጸብጻብን ንድፊ ደምዳሚ መግለጽን ተመያይጡ ደገፉ ብምሉእ ድምጺ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ምስ'ቲ ኣብ ጀርመን ዝካየድ ካልኣይ ክፋል ጕባኤ ዝገብሮም ምምሕያሻትን ደገፋትን ተደማሚሩ ናይ መወዳእታ መልክዕ ክሕዝ ምዃኑ ድማ ብሩህ ኢዩ።

Last modified on Wednesday, 22 July 2015 09:33