ብዕለት 14-03-2015 ኣብ ፓል ሓርነት ሓው ኢያሱ ዓንደማርያም ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ መሰረታዊ መሰል ወዲሰብ ዝብል እርእስቲ ሒዙ ቀጺሉ። ሓው ኢያሱ ነቲ ብ1949 ዝጸደቐ ውዑል ሕቡራት ሃገራት 30 ዓንቀጻት ዝሓዘለ ኣብ ክልተ ከፍፊሉ፡ ሎሚ እቶም 15 ቀዳሞት ዓንቀጻት ምንባብን መግለጽን ክህበሉ ከለኹ ኣሕጽር ኣቢለ ስለዘብርሆ ተኻፈልቲ ምሉእ ተሳትፎ ንኽህልዎም ንገዛ ክገድፎ ምዃነይ ብወገነይ ኣኻሊ ምርድዳእ ዘለዎ ዘተ ከም ነካይድ ርግጸኛ ኢየ ክብል መደርኡ ጀሚሩ።
ከም እትፈልጡ ኣነ መነባሮይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኢዩ። ኣብዚ እነካይዶ ዝተፋላለዩ ተበግሶታት ካብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ካብ ካልኦት ክፍልታት ዓለም እናመጹ ዝተፈላለዩ ኣርእስትታት ብምልዓል ሰሚናራት ነካይድ ኢና። እዚ ሎሚ ምሳኹም ተራኺበ ሓሳብ ንሓሳብ ክንወሃሃብ ምብቃዕ ሓደ ካብቲ ምልውዋጥ ሓሳብን ተመኩሮን ምስክር ኢዩ። ነዚ ምድላው ዝገበሩ ምምሕዳር ሓርነት ፓል ከኣ አመስግን።
ካብቶም ኣባና መጺኦም ሰሚናር ዘካየዱልና ዶክተር ኣሕመድ ብርሃን ኣብ ኣእምሮይ ተቐሪጹ ዝተረፈ፡ ኩላትና ደቂ ሰባት ኣብ ውሽጥና ንእሽቶይ ዲክታቶርያዊ ባህሪ ኣላትና። ማለት ኣብ ውሽጥና ንእሽቶይ ኢሳያስ ዘይዓበየት ጠባይ ኣላትና ማለት እኳ ኢዩ’’ ምስ በለና ብሓቂ ኣተሓሳሲቡና። ሓቅነት ከም ዘለዎ ንምብራህ ኩነታትን ኣካይዳን ኩሎም ንፍትሕን ዲሞክራስን ግዝኣተ ሕግን ንቃለስ እንብል ሓቢርና ክንሰርሕን ሰፊሕ ጽላል ንኹላትና ዝጥርንፍ ዘይምብቃዕና ካብዚ ባህርያት ስለ ዘይወጻእና ዘብርህ ኢዩ ዝብል መደምደምታ ኢዩ ዝብጽሕ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ዑቕበኛታት ናብራ ብጣዕሚ ኣጸጋሚ ኢዩ። ከም ኣብ ኤውሮጳ -ኣመሪካ ኣይኮነን፡መሰልዑቕበኛታትንኽትረክብብሓቂመወዳእታዘይብሉግዜወረንምርካብዘይከኣልክትብሎየብቅዕጸገምኢኮኖሚኢዩኢሉዝርድኦእቲመንግስቲስለዚንኽትርድኦእተደራረበጻዕርንቃልስንኢዩዝሓትት።ካብቲእንገብሮወርክሾፕሰሚናራትምስማሕበራትሰብኣዊመሰላትተጣበቕቲ፣ ናትናናይቁጠባዘይኮነስፖለቲካዊኢዩ።ህዝብናዝነብሮዘሎግፍዕታትዘለዉፖለቲከኛእሱራትንሓለፍቲሜድያንሃይማኖታትዓገብዝበሉዓበይቲዓድንማእሰርቲመቕተልቲ፣መንእስያትነቲመወዳእታዘይብሉሃገራዊኣገልግሎትከምልጡናብጐረባብቲሃገርዝስደዱስጋብኣብኩሉሃገራትኣፍሪቃ፡ ኣስያ፡ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካን ኣውስትራልያንፋሕጭንግራሕዝብሉዘለዉምስክርኢዩክንብሎምከለናእዚኩሉጸገማትካብወረደኩምስለምንታይደኣሽግርኩምመፍትሒሓቢርኩምዘይተናድዩ? እቲህዝቢእምቢንምልኪዘይብል? እዝንከምዝንዝኣመሰሉሕቶታትይቐርብና።ነዚሕቶክንምልስእንተደኣኮይኑብመሰረታዊመሰልደቂሰባትዘይተሃነጽና፣ታሪኽናከምዝምህረናናይምክልኻልንእምቢንመግዛእቲኮታሃገርንሓድነትህዝብንዝብል፣ልዑልሃገርነትሓርበኝነትዘመስከርናክነስናብመሰልደቂሰባትግንክንህነጽዕድልዘይረኸብናህዝቢምዃናክትርድኦኣጸጋሚኣይኮነን።ንኣብነትህዝቢቦርኪናፋሶዝገበርዎእምቢንውልቀመላኽነትንምስኡዝተጠላቐዩንኣፍሪቃዊኣብነትክንክተልይግባእ።እዚከምመእተዊኮይኑኣጸቢቕናዘየጽናዕናዮኣብኣፍሪቃናይዲሞክራሲነካይዶዘገምታዊይኹንእምበርከምዘሎኣብዚእዋንእዚፕረሲደንትናሚብያሂፈክፑንየፓሃምባኣብነታዊመራሕኣህጉርኣፍሪቃተባሂሉክሽለምከሎ፣ኣብኤርትራከኣእቲዝገደደዲክቶታርያዊስርዓትክበሃልኣብዓለምለኻዊመጋባእያይዝረበሉኣሎ።ብሕጽርዝበለምስቶምኣብዓለምብዲሞክራሲዝነብሩዘለዉምንጽጻርዘይኮነስእቲኣብኣፍሪቃዝካየድዘሎዲሞክራሲያዊጉዕዞከነራእእዮከሎናብሓቂዘገርምጥራይዘይኮነስፈንቂልናክነልግሶዝጽውዕእውንኢዩ።
ኣብኣርእስትናብምምላስዓለምለኻዊዋዕላሰብኣዊመስላት ብ 10 ታሕሳስ 1947 ዓ.ም.ፈብሓፈሻዊጉባኤውድብሕቡራትመንግስታትዝጸደቐቅጥዒ 217 ኤ 111 ኢዩ።ሃንስ-ደየትሪኽገንሸር (Hans sietrich Genscher) 1927 ዝበሎሓሳብ፣ "መሰልደቂሰባትዘይዕገትሓይሊናይዓለምኮይኑንመጻኢእውንዘይዕገትኢዩ።ናቱኣብግብሪምትርጓምከኣመዐቀኒናይምዕባሌንግስጋሰንኢዩ።’’ ኣብዓለምናንናይኩሎምደቂሰባትተፈጥራኦዊክብረትንንማዕርነትዘይገሃሱን፡ሰብኣዊመስላትንምቕባልን፣መሰረትናጽነትሰላምንስለዝኾነ።
- ንሰብኣዊ መሰላት ምንጻግን ምጽቃጥ መሰል ደቂ ሰባት ሳዕቤኑ፣ ምንዕዓብ ህዝቢ ስለዘስዕብ፣ ናይ ዘረባን እምነትን ናጽነት ዘለዋ፣ ካብ ፍርሕን ጸገምን ናጻ ዝኾነት ዓለም ንኽትህሉ ዝልዓለ ትምኒት ደቂ ሰባት ምዃኑ ስለ ዝተኣምነሉ፣
- ወዲ ሰብ ምልኪን ወጽዓን ንምውጋድ ሓይሊ ንኽጥቀም ምእንቲ ከይግደድ፣ ሰብኣዊ መሰላት ብሕጊ ክኸበሩ ኣድላዪ ስለዝኾነ፣
- ኣብ መንጎ ሃገራት ምሕዝነታዊ ዝምድናታት ንኽዓቢ ምሕጋዝ ኣድላዪ ስለዝኾነ፣
- ህዝብታት፣ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ኣብ ቻርተር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት፣ ንኽብርን ልዕልነትን ሰብኣዊ ፍጡር፣ ንማዕረ መሰላት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘለዎም እምነት ምርግጋጽን ምርግጋኦምን ኣብ ዝሰፍሐ ናጽነት ከኣ ማሕበራዊ ምዕባለን ዝሓሸ ደረጃ መነባብሮን ንምዝርጋሕ ዝወሰኑን ስለዝኾነ፣
- ኣባል መንግስታት ምስ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምትሕጋጋዝ ሰብኣዊ መሰላትን መሰረታዊ ናጽነታትን ዓለምለኻዊ ጠመተን ሓለዋን ምእንቲ ክረኽቡ ንምጽዓር ዝጠልቡ ስለዝኾነ፣
- እዚ ጠለብ እዚ መሊኡ ንኽረጋገጽ ብዛዕባ እዞም መሰላት እዚኣቶም ሓባራዊ ተረድኦ ወይ ፍልጠት ምህልው ወይ ምሓዝ ብጣዕሚ ኣድላዪ ስለዝኾነ፣
ስለዚ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ንኹሎም ህዝብታትን ኩሎም ሃገራትን ክሳብ ንነፍሲወከፍ ውልቀሰብን ክሳብ፣ ንነፍሲወከፍ ክፍሊ ማሕበረ-ሰብን ነዚ ውዕል እዚ ኩሉ ግዜ ብምዝካር እዞም መሰላት እዚኣቶም ኣኽብሮት ንኽረክቡ ንኽፈልጥዎ ክማሃርዎን ንኽጽዕሩ፣
ከምኡ እውን ብሃገራውን ዓለምለኻውን ቀጻልን ምዕቡልን ስጉምትታትን ኣብ ህዝብታት ኣባላት ሃገራትን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሮም ዘለዉ ህዝብታት ሓፈሻዊን ግብራውን ተቐባልነትን ሓለዋን ምእንቲ ክረኽቡ ነዚ ዓለምለኻዊ ውዑል ሰብኣዊ መሰላት ኣዊጅዎ ኣሎ።
ዓንቀጽ-1
ኩሎም ደቂ ሰባት ክውለዱ ከለው ናጻን ማዕረ ክብርን መሰልን ኢዩ ዘለዎም። ምስትውዓልን ሕልናን ዝተዓደሎም ብምዃኖም መጠን ንሕድሕዶም ብሕውነታዊ መንፈስ ክትሓላለዩ ኣለዎም።
ዓንቀጽ-2
ንነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብዘርኢ፣ ብሕብሪ፡ ብጾታ፡ብባንቅቋ፡ ብሃይማኖት፡ ብፖለቲካ ወይ ብካኦት ኣራኣእያታት ብብሔራዊ መበቆአል፣ብሃብቲ፣ ብትውልዲ ወይ ብኻልኦት ደረጃታት ኣድልዎ ከይህልዎ ኣብዚ ውዑል (ሪም፣ቅቡል ቅጥዒ) እዚ ሰፊሮም ዝርከቡ ኩሎም መሰላትን ናጽነታትን ተጠቕምቲ ኢዮም።
ብተወሳኺ ንፍጡር ወዲ ሰብ ዘርኢ፡ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ምሕደራ ፖለቲካዊ፡ ሕጋዊ ወይ ዓለምለኻዊ ውሳኔ ዝተወስደን ሃገራት ብዘየገድስ ከም ናጽነትን ዝተጓናጸፋ፡ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ጽላል ሓንቲ ሃገር ዝርከባ፣ ዋላ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እውን ይኹና፣ ነዚ ውዑል ሕቡራት ሃገራት መሰረታዊ መሰል ወዲሰብ ክኸብርን ብምኽንያት ናይ ሃገሩ ፖለቲካ ክርገጽ ኣይግባእን።
ዓንቀጽ 3
ነፍሲ ወከፍ ዜጋ፡ ውሕስነት ህይወቱ፡ ናጽነት፡ ውሕስነት ወናኔ ህይወቱ፣ መሰሉ ዝተሓለወ ይኸውን።
ዓንቀጽ 4
ኩሉ ዜጋ ብማንም ብባርነት ወይ ግዙእ (ኣገልጋሊ) ኩልኩል ኮይኑ፣ ባርነትን፣ ናይ ባራዩ ንግድን፡ ብዝኾነ መልክዕ ኩልኩል ከኽውን ኢዩ።
ዓንቀጽ 5
ዝኾነ ዜጋ ብማን ዓይነት ብኸቢድ ስቓይ፡ ጨካንን ዘይሰባዊን ስቅያት፣ ወይ ኣተሓሕዛ (ንእሱራት) ወይ ጨካን መቕጻዕቲ፡ ዘይሰብኣዊ ሕስረት ኣይፍጸሞን።
ዓንቀጽ 6
ኩሉ ዜጋ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ብሰብኣዊ መንነቱ ንኽፍለጥ መሰል ኣለዎ።
ዓንቀጽ 7
ኩሎም ደቂ ሰባት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማረ ኣብ ልዕሊ ምዃኖም ብዘይ ኣፈላላአይ ናይ ሕጊ ማዕረ ኣማዕቋብነት ወይ መጕዚትነት ኽገረሎም ብሕጊ መሰል ኣለዎም። ኩሎም ደቂ ሰባት ናይ ምክልኻል መሰል ኣንጻር ዝኾነ ይኹን ኣድልዎ ነዚ ውዕል እዚ ዝጥሕስን ከምኡ ዝኾነ ዓይነት ጐስጓስ ነዚ ዓይነት ኣድልዎ፣ መጕዚትነት፣ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ።
ዓንቀጽ 8
ንኹሎም ዜጋታት ብሕጊ መንግስቲ፣ ወይ ብሕጊ ዝፍቀድሉ መሰረታዊ መሰላት፣ እንተ ድኣ ተጣሒሶም፡ ጥራዓኑ ኣብቲ ዝነብረሉ ሃገር ዘሎ ቤት ፍርዲ ብምቕራብ ግቡእ ካሕሳ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ።
ዓንቀጽ 9
ዝኾነ ይኹን ዜጋ ብዘይ ሕጊ ብኢደወረዶ፣ ወይ ካብ ስርዓት ወጻኢ፣ ኣይእሰርን፣ ኣይተሓዝን ወይ ኣይሕየርን።
ዓንቀጽ 10
ኩሉ ዜጋ ኣብ ቅሚ ሕጊ ማዕረ ብምዃኑ ንዝቐርበሉ ክሲ ቅድሚ ንጉዳያቱ ምውሳን ኣብ ናጻን ዘይኣድላውነት ቤት ፍርዲ ብፍትሓውን ዕላውን መንገዲ ንኽርኣየሉ መስል ኣለዎ።
ዓንቀጽ 11
1- ህኾነ ዜጋ ብዘቕጽዕ ገበን ዝተኸሰሰ፣ ስጋብ ብሕጋዊ መገዲ ኣብ ቅሉዕ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ገበኑ ዘይተረጋገጸ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንጹህ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንክልኻል ዘድሊ ውሕስነት ክህልዎ እውን መሰሉ አዩ።
2- ዝኾነ ዜጋ ብዝገበሮ ወይ ዝጸንሔ ኣደቡ ስጋብ ብሃገራውን ዓለምለኻውን ሕጊ ተረጋጊጹን ወይ ተሰኒዱ ስጋብ ዘይጸንሐ ብሓላፍነት ኣይሕተትን። ከምኡ ኣውን ነቲ ገበን ዝፈጸመሉ እዋን ነቲ ገበን ተወሲኑሉ ካብ ዝነበረ መቕጻዕቲ ንላዕሊ ክውሰኖ ኣይግበኣን።
ዓምቀጽ 12
ነፍሲ ወክፍ ውልቀሰብ ካብቲ ቅጥዓዊ ስርዓተ ሕጊ ውጻኢ ኣብ ልዕሊ ውልቀ ህይወቱ፣ ቤተሰቡ፡ ኣብገዝኡ፡ ኣብ ናቱ ርክባት ወይ ምጽሕሓፍ ጣልቃ ምትእትታው ኣይግባእን፣ ኣብ ልዕሊ ክብሩን ያታኡን ጉድኣት ወይ ማህሰይቲ ኣይፍጸሞን፣ ኩሎም ደቂ ሰባት (መሰል ኣማዕቋብነት) ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ኢድ ምትእትታው ወይ በደል ዝከላኸለሉ ኣማዕቋብነት (ውሕስነት) ሕጊ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ።
ዓንቀጽ 13
1- ኩሉ ዜጋ ኣብ ውሽጢ ዝነብረሉ ሃገር ናይ ምዝዋርን ምንባርን መሰል ኣአዎ።
2- ኩሉ ዜጋ ኣብ ዝኾነት ትኹን ሃገር፣ ከምኡ ኣውን ካብ ሃገሩ ናይ ምውጻእን እንደገና ናብ ሃገሩ ናይ ምምላስን መሰል ኣለዎ።
ዓንቀጽ 14
1- ኩሉ ዜጋ ካብ ንህይወቱ ሓደገኛ ዝኾኑ ግፍዕታት ኣምሊጡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዑቕባ ናይ ምሕታትን፣ ናይ ምርካብን መስል ኣአዎ።
2- እዚ መሰ እዚ ብጭቡጥ ፖለቲካዊ ኣብ ዘይኮኑ፣ ገበናት ተፈሪዱ፣ብዓለምለኻዊ ዝድለ ምስ ዝኸውን ንዕላማታትን መምርሒታትን ውድባት ሕቡራት መንግስታት ዓለም፣ ኣብ ዝጻረሩ ተግባራት ኣየገልግልን።
ዓንቀጽ 15
1- ኩሉ ዜጋ ዜግነት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ።
2- ዝኾነ ዜጋ ብኢደወረዶ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዜግነቱ (ክቕንጠጥ) ክግደፍ ከምኡ ዜግነቱ ናይ ምልዋጥ መሰሉ ክኽልከል ኣይኽእልን።
ከምዚ ዝሰማዕናዮ ኣብ ሀገርና ካብዘን ዘንበብናየን ዋላ ሓንቲ ኣብ ግብሪ ዘይተተርጐመ ምዃኑ ኩላትና እንፈልጦ እዃ እንተኾነ ባህርን ጥባይን ናይ ውልቀ ማላኺ ምዃኑ ዘረጋግጸልና እውን ኢዩ። ብሕጸር ዝበለ እምበኣር መሰላት እንታይ ኢዮም ዝብል ሕቶ ክንምልስ ስለ ዘሎና ብዓቕምና ኽንፍትን ኢና ።
ትርጉም መሰል ናይ ስነ ምግባርን ተሳታፍን ሓርነት ወይ መሰል ስልጣን ናይ ተግባረ ኢዩ። መሰል ብሕጊ መሰረት ክትውንን፡ ክትገብር፡ ነቲ ዝብጽሓካ ካብ ካልኦት ጠሪዒካ ከምልስ የኽእለካ።
ሰብኣዊ መሰላት ካብ ግሪኻዊ ፍልስፍና ኣትሒዞም ክቀላቐሉ ጀሚሮም። ኣብ ብዙሕታ ሃይማኖትታት (እምነታት) ዓለም እውን ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ኣብ ታሪኽ ይዝረበሉ ነይሩ ኢዩ። ኣብ መዋእል ምንቕቓሕ ናይ 18 ክፍለ ዘመን ግን ከም ፍሉጥ መዛረቢ ኮይኑ። ወዲ ሰብ ብተፈጥሮ ዝተዓደሎም ዘይተሓንጸጸ መሰረታውያን መሰላት ከምዘለውዎ መንግስታት ክረግጽዎን ክግህስዎን ከምዘይግባእ፡ ቅድም-ኩነት ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ዝለበሰ ህልው ምዃንኖም ተፈልጡን ተቐባልነት ረኸበን።
ቅድሚ 18 ክፍለ ዘመን እንተኾነ ኣውን ብ1215 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሰነድ ማግና ካርታ፣ ካልኦት ናይ ብዙሓት ሃገራት ሰንዳት ብዛዕባ ሕግን መሰላትን ተእውጆም ኢዮም።
እቲ ኣብ ኣመሪካ ብ4 ሓምለ ዝተእወጀ ናጽነት፡ ኣብ ፈርንሳ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት 1978 እውን ዓበይቲ ሰነዳት ሰብኣዊ መሰላት ኢዮም። ሰብኣዊ መሰላት እምበኣር ንብዙሓት መሰላት ዘጣቓልል ኣብ መሰል ምንባር ህላወ፣ ክሳብ ባህላዊ መሰል ዝዝርጋሕ ሰፊሕ ዓውዲ ኢዩ። ውልቀ ጥርዓን ኣንጻር መንግስቲ ድማ ኢዩ።
ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮም ዓለም፣ብካልኣይ ኩናት ዓለም ምስ ዓነወትን ተቐዝፈትን ንሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝዓበየ፣ ግድል ኮይኑ ዘጨነቖም ስለምንታይ ኵናት ይውላዕ ምፍላጥን ብኸመይ መገዲ ኣቐዲምካ ዳግም ትከላኸልን ሰላም፣ ተንግስን ዝብል ኢዩ። ብዘይካ ግዝኣተ ሕግን ሰብእዊ መሰላት ምኽባርን ካልእ ተካኢ መገዲ ሰላም፣ ከምዘየለ ስለ ዝተገንዘቡ ድማ ብ1948 መስከረም፣ ታሪኣዊ ሰነድ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ስብኣዊ መሰላት ኣውጽኡ።
ኣብቲ ኣዋጅ ተፈጥሮኣዊ ክብርን ማዕርነትን ዘይዕደሉን ዘይገሃሱን ዘይሕደጉን ዘይምንዝዑን መፋጥርቱን፡ መሰላት ወዲ ሰብ መሰረት ሓርነትን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ዓለም ምዃኖም ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ባራራዊ ኵናት ከም ዘኸትሉ፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንናዕብታት ጠንቅታት ኮይኖም ብግዝእተ ሕጊ ክኽበሩ ከም ዝግባእ ምግባር ኢዩ እቲ ኣማራጺ ። እዚ ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ፈጺሙ እዞም መሰላት ናይ ምትርጓም ስለዘይብሉ ን23ዓመታብ ትሕቲ ነቕ ዝይብል ፖሊሳዊ ምሕድራን ኣደራዕን ኣብ ህዝብና የውርዶ ዘሎ፡ ንኩላትና ፍሉጥ እኳ እንተኾነ ስለምንታይ ህዝቢ ናዕቢ ዘየሎል ዝብል ሕቶ ንምላስ ካብ ግዝኣት ናብ ግዝኣት ዝተሰጋገርና ብደምና ኣቢልና ናብ ናጽነት ምስ በጻሕና በቲ ብርሃን ሰላም ግዝኣተ ሕጊ ክህበና ዝብሎም ዝነበሩ ደቁ ተጠሊሙ ጥራይ ዘይኮነስ ብሓርበኝነት ናይ ናጻነት ንምምጻእን፣ ናጽነት ዝተረኽበት ምክልኻል ዝተሃንጸ ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነን፣ብመሰላት ወዲ ሰብ ዘይተድቀን፣ መሰልካ ክጐደልካ ከሎ ናይ ተቛውሞ ምስእተርኢ ኣብ ርእሲ እቲ ዝወርደካ ማእሰርቲ ናይ ሃገር ምኽሓድ ገይሩ ዘቕርበካ ስርዓት ካብ ምሉእ ሕብረተሰብ ከም ትፍንፈን ዝተገብረ፣ ዓቢ ስነ ኣእምርኣዊ ጐስጓሳት፣ ስርዓት ህግደፍ ዘይሕከኽ ጽልዋ የሕዲሩ፡ ኣብ ምንዳይ ውልቀ ናጽነት እንርከብ ዘሎና ኮይኑ ይርኤ። ስለዚ ነዚ ንብዙሕ ዓመታት ስነኣእምሮኣዊ ምሕጻብ ሓንጐል ዝተኻየደ በዚ ገባቲ ፈላላዪ ስርዓት ብስነ-ፍጠትን ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ሰባት መሰረት ሓርነትን ግዝኣተ ሕግን ምዃኑ ክተስርጽ ዘይተኣደነ ጻዕሪ ከም ዘድሊ እዚ እንርእዮ ዘለና ኣገባብ ኣቀላሳና ኣወዳድባናን ምስክር ኢዩ። ሓቢርካ ምስ እትቃለስ ንመሰላትካን ልኡላውነትካን ሓርነትካን ዘጠናኽርን ግዝኣተ ሕጊ ክህልወካ ከም ዘኻልን ሓቢርካ ሃገርካ ከተማዕብል ሰላም ክተንግስ ከም እትበጽሕ ዝተረዳእና ኣይመስለንን። ስለዚ ኩሉ ኣድህቦና ብመሰረት እቲ እንደልዮ ቅዋም ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝተመርኰሰ ክከውን እንተኾይኑ ብዝግባእ ክንፈልጦምን ክንመራመረሎምን ይግባእ ክብል መደርኡ ደመደመ።
ኣብ ገዛ ተረኺቦም ዝነበሩ ተሳተፍቲ ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ክትዕ ምሉእ ምስታፍ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ዘቐረበ እርእስቲ ኣገዳስነቱን ኣዋናውን ብምዃኑ ጥልቕ ዝበለ ሓሳባት ብምብርካት ሃብታም ናይ ዘተ ማእዲ ምንባሩ ተመሳጊኖም ንምዝመጽእ ካልኣይ ክፋል ተቐሪብናን ሰፊሕ ምይይጥ ክነካይድ ተላብዮም ተሰናበቱ።
ብምምሕዳር ፓል ሓርነት ዝቐረበ ጻሟቍ መደረ።
እታ ንግህሰት ሰብኣዊ-መሰላት ኣብ ኤርትራ ንምምርማር ብሕቡራት ሃገራት ቆይማ ዘላ ሽማግለ፡ ብዕለት 16 መጋቢት 2015 ብጉዳይ ሰብኣዊ-መሰላት ኣብ ሕቡራት-ሃገራት ኣብ ጀነቫ ተጋቢኡ ኣብ ዝወዓለ ሙሉእ ባይቶ፡ ግህሰታት ሰብኣዊ-መሰላት መንግስቲ ኤርትራ ብዝምልከት ንኣዋህሊላቶ ዘላ ሓበረታታት ኣፍኣዊ ጸብጻብ ኣቕሪባትሉ ኣላ። እዛ ሽማግለ’ዚኣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምእታው ዝድለ መጽናዕቲ ከተካይድ ብዘይምኽኣላ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዝትዕቑቡ ግፍዒ ዝወረዶም ስደተኛታት ኤርትራውያን፡ 500 ዝእኽሉ ምስክርነታቶም ብቓልን ብጽሑፍን ክትረክብ ክኢላ ምህላዋን፡ ኣብ ሃገር ኤርትራ “ኣዝዩ ዘሰክፍ ጽቕጠታት” ጌና ይቕጽል ምህላዉ ፈሊጣ ምህላዋን ሓቢራ። እቲ ጌና ስዒቡ ዝቐርብ ጽሑፋዊ ጸብጻብ’ውን፡ ኣብ ወርሒ ሰነ 2015 ክቐርብ ምዃኑን፡ እቲ ምእካብ ሓበረታት’ውን ጌና ትቕጽል ምህላዉን ተሓቢሩ።
እቲ ንኣመሉ ንስደት መንእሰያት ኤርትራ ወግሐ ጸብሐ ከላግጸሉ ዝስማዕ ነውራም ስርዓት ኣስመራ፡ ሕጂ’ውን ነዞም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ህሉው ምዃኑ ብግብሪን ብኣእጋሮምን ዘረጋግጹዎ ዘሎዉ ስደተኛታት መንእሰያት ኤርትራ፡ እቲ ንዓዶም ዘግድፎም ዘሎ ጸገማት ግህሰታት፡ ኤርትራዊ ዘይኮነስ፡ ብኮንትሮባንዶ ካብ ካባቢ ኤርትራ ሶሊኹ ዝኣቱ ዘሎ ግህሰት ከምዝኾነ ንምርኣይ እዮም ካን ትያትሮ ክሰርሑሉ ዝፍትኑ ዘሎዉ፡ ዝመስሉ።
ኣሰናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባአ ሰደህኤ 10ይ ስሩዕ ኣኼባኣ ኣካይዳ
Monday, 23 March 2015 19:06 Written by ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ2ይ ጉባአ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕዉት ኣገባብ ንምስንዳእ ዝቖመት ሽማግለ፡ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ከካይድዎ ዝጸንሑ ምይይጥ ከም ዝተፈጸመን፡ ንሰልፋዊ ቅዋም ዝምልከት ምይይጥ ድማ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከም ዝቕጽል ኣብ 21 መጋቢት 2015 ኣብ ዘካየደቶ 10ይ ስሩዕ ኣኼባኣ መዚና። በታ ጉዳይ ምድላው ሰነዳት ዝምልከታ ንኡስ ሽማገል ናብዚ ኣኼባ ብዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት፡ ናይቲ ንፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዝምልከት ክካየድ ዝጸንሐ ተኸታታሊ ምይይጥ ሃናጺ ውጽኢት ውዱእ ናብ ጉባአ ዝቐርብ ንድፊ ንክኸውን፡ ዳግማይ ናብ ኣባላት ቅድሚ ምዝርግሑ ናብ መሪሕነት ሰልፊ ክቐርብ እዩ።
እታ ሽማግለ ከም ዝመዘነቶ ናይ ክሳብ ሕጂ ኣበርክቶ ኣባላት ሰልፊ ኣብቲ መስርሕ ትጉህ ከም ዝነበረን ኣብቲ ቀጻሊ ንሰልፋዊ ቅዋም ብዝምልከት ዝካየድ ምምይይጥ ድማ እዚ ንጡፍ ተሳትፎ ኣባላት ሰልፊ ብናህሪ ክቕጽል ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢራ ኣላ።
ካብዚ ሓሊፉ ናይተን ዝተረፋ ንኡሳን ሽማግለታት ስረሓት እውን በቲ ዝወጸሉ መደብ መሰረት ቀጻሊ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይ ተሳተፍቲ ጉባአ ምርጫ ከም ዝጅመር ኣብዚ ኣኼባ ተገሊጹ ኣሎ። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ጉባአ ዘድሊ ኩሉ ሎጅስቲካውን ንዋታውን ምቅርራባት ኣብ ናይ ምጽፋፍ ደረጃ ከም ዝርከብ ናይታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ክሳብ ሕጂ ተሳትፎ መሰረታታት ሰልፊ ኣብ ኩሉ መዳያት ኣዝዩ ንኡድ ከም ዘሎ ገሊጻ፡ እዚ ተሳትፎዚ ኣብ ምዕዋት እቲ ጉባአ ወሳኒ ብምዃኑ፡ ክሳብ መወዳእታ ቀጻሊ ከም ዝኸውን ከም እትተኣማመን ሓቢራ ኣላ።
ኣሰናዳኢት ሽማግለ
22 መጋቢት 2015
Eritrean Refugee School at Wad-Sherifey in Sudan Successfully Ends 31st Academic Year
Wednesday, 18 March 2015 23:54 Written by Osman Ahmed, School SupervisorOn 15 March 2015, the Wad-Sherifey Refugee School on the Eritrea-Sudan border near Kassala, East Sudan, held another colourful school ceremony winding up its academic year for 2014-2015. The school-year started last June with 666 enrolled, of whom 577 students (262 of them female) continued their education till the final exams in which 89.25% were promoted to higher grades.

Attending the ceremony were, besides parents and family members of students, Sudanese education dignitaries Messrs Osman Ahmed and Isa Mohammed, as well as Wad-Sherifey residents, most of them youth. The conspicuous absence of Father/Abba Ghebrai Bedemariam, a friend of the school, was due to his travel outside the region.

The school closing ceremony, held in the morning hours, presented entertainment programs in the form of dramas, gags, folkloric songs and dances in Arabic, Tigrinia, Tigre and English.
Message of the students was read in Arabic my 5th grade student, Ms Meryem Adem Osman. In her message, Meryem extended warm gratitude to all those who are supporting their education, in particular the generous donors and the school administration that continues to link the school with those who can help it. Parents and regional Sudanese government authorities were also warmly thanks for their goodwill to help and promote the education given by the school in a suitable curriculum adapted to Eritrean needs.

The school director, Mr. Teklehaimanot Elfu, presented the message of the school administration in Tigrinia. The message was read in Arabic by Mohammed Saeed, a staff teaching member. The message provided information by the academic year that just ended and prospects ahead,
The school director also extended a heartfelt gratitude to supporters of the school, including the Dutch donors who funded the construction of the school buildings over a quarter of a century ago; the late Father Marino Haile of Milano, who with his team granted vital rehabilitation and revival assistance 10 years ago, and the Geneva-based charity, ASEE (Association Suisee-Enfance Erythree), which has been providing critical support to the continuation of the school since 2005. Likewise, the school director warmly thanks Abba Ghebrai Bedemariam for his unfailing closeness to the school; to the Eritrean Women’s Free Initiative in Germany which donated 1,000 of assistance in 2014 and the North America-based Eritrean Democratic Association (EDA) for its availability to respond to some needs of the school.
Mr. Teklehaimanot Elu also mentioned critical needs of the school from kind donors for the establishment of a school library and computer center for the students who have no access to expanded sources of education other than their limited textbooks.

The colourful ceremonies ended after listening to a poem in Tigrinai entitled Selam (Peace) and the disribution of prizes to 36 outstanding students by the school supervisor, Mr. Osman Ahmed.

The Wad-Sherifey Eritrean Refugee School was started by the Eritrean Red Cross-Crescent Society (ERCCS) in 1984, and for the last 31 years it has has been enrolling up to 800 children annually, mainly in grades 1 to 6 taught in Arabic and Tigrinia. A limited number of students attend grades 7 and 8, taught in English.
ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ወዲ-ሸሪፈይ ዕውት ናይ 2014 ን 2015 ዓመተ ትምህርቲ ምዝዛም በዓል ተኻይድ።
Wednesday, 18 March 2015 08:34 Written by ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይከምቲ ዓመት መጸት ብሃንቀውታታ እንጽበያ ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ወዲ-ሸሪፈይ ዓመታዊ ትምህርታ ብግቡእ ኣሰላሲላ ኣብታ መማህራን ፍረ ጻምኦም ዝርእዩላ፣ ተማሃሮ ውጽኢት ስርሖም ዝሓፍሱላ ዕለት 15.03.2015 ንርከብ ኣሎና። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ተማሃሮ ኣጋይሾም ንምሕጓሰ ኩሉ ምድላዋት ጌሮም ሸበድበድ ክብሉ ክትርኢ ኣብ ግዜ ንእስነትካ ተማሃራይ ከሎኻ ዘሕለፍካዮ ግዜ ትዝ ይብለካሞ ‘’ ኣየ ዝሓለፈ ግዜ ዝምለስ እንተዝኸውን ‘’ ትብል። ግን ዘይከውን ስለዝኾነ ‘’ ዘለናዮ ግዜ የጽብቐልና ‘’ ብምባል ክትሰግሮ ትፍትን።

ኣብቲ ቅንዲ ኣርእስተይ ክምለስ ‘’ ሎሚ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ኤርትራውያ ወዲ ሸሪፈይ ዕውት ናይ 2014 – 2015 ዓመተ ትምህርቲ ምዕጻው በዓል ተኻይዱ። ኣብቲ በዓል ዕድመ ዝተገብረሎም ሓለፊ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ ሱዳን፣ ወለዲ ተማሃሮን ኣሕዋት ዑስማን ኣሕመድ ፣ ዒሳ መሓመድ ወለዲ ተማሃሮን መንእሰያት ተቐማጦ መደበር ስደተኛታት ወዲ ሸሪፈይ ተሳቲፎም። እቶም ዓመት መጸት ካብዚ በዓል እዚ ተፈልዮም ዘይውዕሉ ኣቦና ኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ብምኽንያት መገሻ ክሳተፉ ዘይምኽኣሎም ስክፍተኦም ከምዝገለጹ ተሓቢሩ።

እዚ 2 ኣሳእል እዚ ናይቲ ቦታ ጸቢብዎ እከሎ ብትዕግስቲ ዝከታተል ዝነበረ ተሳታፋይ ናይቲ በዓል የሪኢ።
በዓል ልክዕ ሰዓት 8.30 ናይ ንግሆ ኢዩ ተጀሚሩ። ክሳብ ሰዓት 11.00 ቅ.ቀ. ከኣ ብድምቀት ቀጺሉ ኣአፊዱ። ኣብዚ ብኣባላት ክፍሊ ባህሊ ናይ ተማሃሮ ዝተዳለወ ብቛንቛታት ትግርኛ ፣ ዓረብ ፣ትግሬ ን እንግሊዝን ዝግለጽ መዛሙር ፣ ደርፍታት ፣ ተዋስኦን ዋዛ ምስ ቁምነገር ሓደ ድሕሪ ሓደ ብዘደንቕ ኣገባብ ይቐርብ ነይሩ። ተሳተፍቲ ናይቲ በዓል መግለጺ ናይ ሓጎሶም ብጣቒዕትን ዕልልታን የሰንዩዎ ነበሩ። ኣብ መንጎ ናይቲ ናይ ተማሃሮ መደባት ቃል ዳይርክተር ቤት ትምህርቲ ፣ ብዳትርክተር ተኽለሃይማኖት እልፉ ብትግርኛ ከቐርብ ከሎ ፣ ትርጉም ብዓረበኛ ከኣ ብመምህር መሓመድ ስዒድ ተነቢቡ ።ከምኡውን ንተማሃሮ ወኪላ ቃል ተማሃሮ ብቛንቛ ዓረበኛ ተማሃሪት ኣቕሪባ።

ንተማሃሮ ወኪላ ዝተዛረበት ተማሃሪት 5ይ ክፍሊ መርየም ኣደም ዑስማን እያ። እቲ ዝሃበቶ ቃል ከኣ ተማሃሮ ኣብ መዓልታዊ ሂወቶም ከዘውትሩዎ ዘለዎም ጠባያት ብሰፊሑ ብምግላጽ፣ ምኽባር ወለዶምን መማህራን፣ ምኽባር ካባኻ ብዕድመ ዝበልጹ ሰባት፣ ካብ ንሰውነትካ ከባላሹ ዝኽእል ዝተፈላለየ መርዝታትን ወልፍን ምርሓቕ ፣ ኮታ ኣብ ከነውረኻ ዝኽእል ቦታታት ኮፍ ዘይምባል፣ ብዓቕምኽ ንስድራቤት ምሕጋዝ ዝብል ይርክርቦ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ነዚ ናይ ትምህርቲ ዕድል ንኸረክብ ፍቃድ ዝሃቡና ህዝብን መንግስትን ፍሉይ ምስጋና ይብጻሓዮም። እቶም እዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ ህያው ዝገበሩን፣ ትምህርቲ ንኸይቛረጽ ቀዳማይ ዕማሞ ወሲዶም ሓገዛት ንምርካብ ድቃስ ዘይወስዶም ሓለፍቲ ናይዛ ቤት ትምህርቲን እቶም ድምጾም ሰሚዖም ዝተፈላለየ ሓገዛት ዘቕርቡ ዘለው ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ልባዊ ምስጋናና ይብጻሓዮም። ብዓቢኡ ከኣ መማህራና ንኹሉ ዝተፈላለየ ጠባያትና ጸይሮም ፍልጠት ከቕሱምና ዝከኣሎም ዝጽዕሩ ክብርን ሞጎስን ንዓኦም ይኹን። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ናይ ወለድና ግደውን ከይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይደልን። ንምንታይሲ ወለድናውን ጥቕሚ ናይ ትምህርቲ ተረዲኦም ናብ ትምህርቲ ዓለም ምልኣኮም ብቀሊል ዝረኤ ኣይኮነን። ክንደዮ ብሰንኪ ወለዶም ትምህርቲ እንዳደለዩ ኣብ ዘይጠቅም ሕማቕ ስራሓት ተዋፊሮም ዝርከቡ። ኩቡራት ወለድና ሞጎስ ንዓኹም ይኹን። ንሕና ከኣ ጻማኹም ክንህበኩ ረቢ ይሓግዘና ። ብምባል ዘረባኣ ዛዚማ።
ዳይርክተር ቤት ትምህርቲ መምህር ተኽለሃይማኖት እልፉ ብወገኑ ፣ መጀመርያ ንተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ሓደ ብሓደ ናይ ክብሪ ሰላምታን ናይብ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ኣማሓላሊፉ። ቀጺሉ ዓመታዊ ጸብጻብ ናይ ቤት ትምህርትና ከቕርብ ኣፍቁድለይ። ብምባል ኣብ ትሕዝቶ ናይ መልእኽቱ ኣትዩ።

ንጸልማት ቀንጢጣ ብርሃን እተንግስ ፣ ንድንቁርና ጉሒፋ ፍልጠት እተልብስ ፣ ንዘሎኻ ዕቑር ፍልጠት እተስፍሕ ፣ ንኸለሳዊ ሓሳብ ናብ ተግባር እትቕይር ንሳይንስን ተክኖሎጀን ኣዋሃሂዳ ኣብ ረብሓ ደቂ-ሰባት እተውዕል ፣ ኣብ ኩሉ ጨንፈራት ምዕባሌ ሕ\ስብ ወሳኒ ግደ እትጻወት ትምህርቲ ከምዝዀነት ኩሉ ሰብ ዝግንዘቦ ንመስለኒ። ከምኡ ስለዝዀነት ኢዩ ኻኣ ብዘይትምህርቲ ዝመጽእ ምዕባሌ የለን ዝበሃል። ብምባል እዩ ዘረብኡ ጀሚሩዎ።
ስለዚ ጥቕሚ ትምህርቲ እዚ ካብ ኰነ ወለዲ ንደቆም ና ቤት ትምህርቲ ክልእኩ እንከለው ፍልጠት ንኽቐስሙ ድኣ’ምበር ካብ ሹቕ ምእንቲ ክርሕቑ ወይ ከኣ ኣብ ዙረት ከይውዕሉ ብማለት ክኸውን የብሉን። ንተማሃራይ ተማሃራይ ዘብሎ እኮ ግቡእ ክዳን ቤት ትምህርቲ ለቢሱ ብግዜ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝርከብ፣ ትምህርቱ ብግቡእ ዝከታተል፣ ዝወሃቦ ትምህርቲ ብጥንቓቐ ዝቕበል፣ ዕዮ ክፍልን ዕዮ ገዛን ብግቡእ ዝሰርሕ፣ ብስነ ስርዓት ዝመላለስ ፣ ዘይድንጕ ፣ ዘየቡክር ፣ ኣብ ፈተናታት ኮነ ኣብ መርመራታት ኣደናጊሩ ዘይቀድሕ፣ ኣብ ነፍሱ ዝተኣማማን ፣ ንወለዱ ይኹን ንመማህራኑ ምእዙዝ ፣ ዘይሕሱ ሓቀኛ ምስ ዝኸውን ኢዩ። ጠባይ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ካብ ገዛን ከባብን ኢዩ ዝጅምር። ኣብዚ ከኣ ወለድ ይኹኑ መማህራን ተማሃራይ ኣብ ምህናጽ ዓቢ ተራ ክጻወቱ ይግባእ።
ዝኸበርኩም ወለዲ ፣- ኣብ መኣዲ ትህምርቲ ምሕላፍን ምትራፍን ክህሉ ባህርያዊ ኢዩ’ሞ ንዝተዓወተ ተማሃራይ ምንኣድ፣ ንዘይተዓወተ ድማ ተስፋ ምሃብስራሕና ክኸውን ይግባእ። ሎሚ ዘበን ቤት ትምህርትና ብ666 ተማሃሮ ጀሚራ ብ577 ተማሃሮ ዓመታዊ ትምህርታ ትዛዝም ኣላ። ኣብዚ እቶም 315 ደቂ ተባዕታይ ክኾኑ ከለው እተን 262 ከኣ ደቂ-ኣንስትዮ ኢየን። ዝሓለፉ ብዝሒ ተማሃሮ 515 ክኾኑ ከኣው ፣እቶም እቶም 280 ደቂ ተባዕትዮ እተን 235 ከኣ ደቂ ኣንስትዮ ኢየን።ኣብ ዝነበርዎ ክፍሊ ዝደገሙ ተማሃሮ 62 ክኾኑ እንከለው ካብዚኣቶም 35 ደቂ ተባዕትዮ 27 ደቂ ኣንስትዮ ኢየን። ዝሓለፉ ተማሃሮ ብሚእታዊት ክግለጽ ከሎ 89.25% ኢዩ። ናይ ዘይተዓወቱ ድማ 10.75% ኢዩ።

ኣብ መጨረሻ እዛ ቤት ትምህርቲ ‘ዚኣ ኣብ ውሽጢ 31 ዓመታት ብዙሓት ተማሃሮ ዘፍረየት ክትከውን እንከላ እዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ ዝተሃንጸት ብገንዘባዊ ሓገዝ ሆላንዳዊት ገቢረ-ሰናይ ማሕበር ቫስተን ኣክቴ ከም ዝኾነት ክዝንጋዕ የብሉን። ምሉእ ምሓዳስን ካልእ ተወሳኺ ሓገዛትን ዝገበሩልና ነፍስሔር ኣቦና ኣባ ማሪኖ መንግስተ ሰማያት የዋርሶም ። ግብረሰናይ ማሕበሮም ከኣ ዕላምኦም ብምኽታል ንሰደተኛታት ህጻናት ንምምሃር እጃምም ከበርክቱ እጽውዕ። ከምኡውን ተወሰኽቲ ክፍልታት ብምህናጽን መካየዲ ነዛ ቤት ትምህርቲ ዝኸውን ገንዘብ ብምቕራብን ዘይተፈለየትና ማሕበር ረዲኤት ስዊዝ ንህጻናት ኤርትራውያ ኣሰ (ASEE )ብስመይን ብስም ተጠቀምቲ ናይዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ ዝዀኑ ኩሉም ልዑል ምስጋናይ እቕርበሎም።

ሕጂውን እንተኾነ ተማሃሮ ናይ ምንባብ ባህሎም ዘማዕብልሉን ፍልጠቶም ዘስፋሕፍሑሉን ቤተ ንባብን ነቲ ብኽለሰ ሓሳብ ዝተማህርዎ ብተግባር ዝርእይሉ መባእታ ቤተ-ፈተነ ከምኡውን ትምህርቲ ኮምፒተር ስለዘድሊ ንደገፍትና ብትሕትና ክንሕብርት ንፈቱ። አንፈሳዊ ኣቦና ኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ዋላኳ ብዝተደራረበ ስራሕ ምኽንያት ኣብ ሞንጎና እንተደይ ተረኽቡ ወዲ ሰብ ክመሃር ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ ዕላማ ተዓጢቖም ኩሉ ግዜ ኣብ ጎንናን ኣብ ጎድኒ ተማሃሮን ጠጠው ብምባል ዘይሕለል ጻዕሮም ስለዘይፍለየና ልባዊ ምስጋናይ ይቕርበሎም። ከምኡውን ንተበግሶ ነጻ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ንመግዝኢ ክዳን ቤት ትምህርቲ ተማሃሮ ዝውዕል 1000 ሐደ ሽሕ ዮሮ ዘወፈያልና ከመስግን ይፈቱ። ነቶም ኣብ ጎንና ኮይኖም ኣጆኹም ኣብ ጎንኹም ኣሎና ብምባል ዓቕሞም ዘፍቕዶ ዘበርክቱ ማሕበር EDA ሰሜን ኣመሪካ ብኣወንታ ከይዘከርኩ ክሓልድ ኣይደልን።
መማህራን እውን ዝናብን ጭቃን ውሕጅን ቁርን ሃሩርን በብእዋኑ ተጻዊሮም፣ ተማሃሮና ከይተማህሩ ክውዕሉ የብሎምን ብማለት ንዝገብርዎ ጻዕሪ ከመስግኖም እፈቱ።
ንማሕበር ቀይሕ ወርሒ ሱዳን ጨንፈር ወዲ ሸሪፈይ ንመማህራና ይኹን ንተማሃሮና ብዝህቡና ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣዝየ አመስግኖም። ልዕሊ ኩሉ ድማ እዛ ቤት ትምህሪ እዚኣ ህጻናት ተማሃሮ ብዘይ ስኽፍታ ከም ገዝኦም ብሓጎስ ዝመሃሩላን ዝዕንድሩላን ፍልጠት ዝቐስሙላን ዘለው ሳላ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ስለዝዀነ ኣብ ትምህርቲ ንዘለዎም ክብሪ እናኣድነቕኩ ብስመይን ብስም ህጻናት ተማሃሮ ልዕል ምስጋናይ ክቕርበሎም እፈቱ፣፣ ሊቃውንቲ ይኹኑ ተመራመርቲ ስንቆም ትምህርቲ ብምባል ዘረብኡ ዛዚሙ።
ድሕሪ ሰላም ዘርእስታ ግጥሚ ብቛንቛ ትግርኛ ብሓደ ተማሃራይ ምስማዕ ከኣ ፣ ነቶም ካብ ነፍስወከፍ ክፍሊ ብትምህርቶም ጸብለልትነት ዘርኣዩ 36 ንፍዓት ተማሃሮ ፍሉይ ናይ ብልጫ ምስክር ወረቐትን ንዓኦም ዝተዳለወ ዝተፈላለየ ህያባትን ብኢድ ኣኻያዲ ቤት ትምህርቲ ሓው ዑስማን ኣሕመድ ብምዕዳል ናይቲ በዓል ፍጻሜ ኮይኑ።

እዚ እቲ በዓል ምስ ተዛዘመ ኣብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ፋሕ ኢሎም ክወጹ ከለው ዘርኢ ስእሊ ኢዩ።
UN Commission of Inquiry Presents its Oral Report on Human Rights Situation in Eritrea
Wednesday, 18 March 2015 08:06 Written by EPDP Information OfficeThe UN Commission of Inquiry on Eritrea presented its oral report on Monday, 16 March, in Geneva to a plenary session of the UN Commission for Human Rights revealing that evidences they so far collected from intensive interviews with 400 and written reports from other 140 victims are “very compelling and worrisome” and that even February 2015 escapees from the country attest that the human rights situation in the country is far from improving.

The Commission members, Mr. Mike Smith, the head of the Inquiry Commission; Ms Sheilla Keetharuth, UN Human Rights Rapporteur for Eritrea, the Ghanaian lawyer Victor Dankwa, spoke in turn to tell the unhappy reports they were receiving and hearing from victims. They said they were denied access to Eritrea. Instead, the representative of the repressive regime said “he and his regime reject the report” thus closing the door for any hope of visiting Eritrea. Even the regime’s representatives in Geneva were not willing to meet the Inquiry Commission.
The UN Commission of Inquiry on Eritrea visited several countries with big concentration of Eritreans for direct interviews. Its investigators are currently visiting Sweden and Germany, and others will visit the US soon to continue collecting evidences on the gross violations of human rights in Eritrea in the past 24 years. The final written report will be submitted to the Human Rights Council in June 2015 and that more victims are expected to be interviewed and to send their written submissions.
A good number of Eritrean human rights activists were attending the session. Ms Elsa Chyrum, who had the opportunity to make a statement at the session said that the creation of the Commission of Inquiry “appropriately reflected the gravity of the situation in Eritrea” and urged call concerned bodies and countries to continue supporting the Commission to successfully accomplish its work.
Meron’s `Sound of Torture` Documentary on Sinai again Watched and Debated in Geneva
Wednesday, 18 March 2015 07:56 Written by EPDP Information Office“Eritrea is one of the tragedies of our times. What is there is an unacceptable situation”. These were the opening words of Professor Vincent Chetail of the Graduate Institute of International and Development Studies, which together with Human Rights Watch, organized a debate over the film ‘Sound of Torture’ on the suffering of Eritreans in the Sinai.
The documentary film by journalist Meron Estefanos captured the full attention of the audience and ended with perceptible sounds of shock and sobs from many kind hearted watchers. (This is a small clip from the Sound of Torture: https://www.youtube.com/watch?v=bwXSsCWeSyk). The film was first watched in Geneva during the June 2014 session of the UN Commission of Human Rights.

At the end of the film show, Prof. Chetail, the moderator, introduced the panelists: Ms Meron Estefanos herself, Mr. Gerry Simpson of the Human Rights Watch and Ms Janice Maishall of UNHCR.
Ms Meron Estefanos narrated the Sinai tragedy in an eloquent presentation which gave more life to the film show by graphically describing the suffering of so many human beings because of the failure of their own government in Asmara. She revealed that up to 25,000 Eritreans were affected by the human trafficking networks in the Sinai and that 4,000 of them died in the hands of their abusers. She also told in great detail the suffering of those 35,000 Eritreans in Israel who are insulted and demonized as “infiltrators”.
Mr. Simpson of the Human Rights Watch added that the suffering of Eritreans in the hands of human traffickers was aggravated by the complicity of Sudanese and Egyptian security members. It was also revealed that no protection is being given to Eritrean refugees by Ethiopia and the Sudan both of which keep refugees away in the remote zone without adequate shelter and other needs.

The UNHCR was blamed of not doing enough for Eritrean refugees. The UNHCR representative admitted that Eritreans escaping from their country are genuine refugees and deserve protection everywhere, and that the European Union is expected to come with adequate safety measures for these victims of forced displacement.
Limited time was given for discussion in the two-hour event in which Dr. Daniel Rezene, an Eritrean human rights activist and expert on transitional justice, got the opportunity to say “what is going on in Eritrea is a human and humanitarian disaster” and expected the international community to call the situation by its appropriate name.
ሽማግለ ዞባ ኣውሮጳ፡ ምስ ንኡስ ዞባ ጀርመንን ጨናፍር ኣውሮጳን ሰዲህኤ ኣኼባ ኣካይዱ
Monday, 16 March 2015 13:37 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሽማግለ ዞባ ኣውሮጳ ዝመርሖ ኣኼባ ንኡስ ዞባ ጀርመንን ጨናፍር ኣውሮጳን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ብ15 መጋቢት 2015 ተኻይዱ። ሓው ብርሃነ ገብረክርስቶስ፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ዞባ ኣውሮጳ፡ ንኣኼበኛታት ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምምሕላፍ፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰልፊ ኣብ'ቲ ኣኼባ ምርካቦም ሓጐሱን ናእዳኡን ገሊጹ።
ኣስዒቡ፡ ኣኼባ ዝተጸውዓሉ ምኽንያት ብዛዕባ ምድላው 2ይ ጕባኤ ሰልፍን ሰፊሕ ፈስቲቫል ኤርትራ 2015 ዝምልከት ገምጋም ምዃኑ ሓቢሩ።
ቅድሚ ናብ'ዚ ኣጀንዳ'ዚ ምእታዉ ግን፡ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ኤርትራ ኣመልኪቱ፡ መነባብሮ ህዝብና ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበኣሰ ይኸይድ ከምዘሎ ኣብሪሁ። እቲ ስርዓት፡ ኣብ ቤት መኻእ፡ ኣርባዕተ ኣስመራ፡ ጐዳይፍ፡ ጸሎት ኣብ ዓዲቐይሕ ኣባይቲ ከምዘፍረሰ ገሊጹ። ኣብ ዓዲ ቀይሕ፡ ህዝቢ ንብረቱ ንምክልኻል ኣብ ዝገበሮ ተቓውሞ ክሳብ 4 ዝዀኑ ሰባት ከምዝተቐትሉ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ክዛረባሉ ምጽንሐን ውን ጠቒሱ።
ብወገና፡ ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ምቅላዕን ናይ ህዝብና ኣበያታት ክዓብን ክሕይልን ከይተሓለልና ክንቃለስ ኣሎና ኢሉ። ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ሰልፍና ምስ ኵሎም ደለይቲ ፍትሒ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዙ ክሰርሕ ድልዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ብዛዕባ ምድላው ጕባኤ ብዝምልከት፡ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ናብ ኵሎም ኣባላት ዞባ ኣውሮጳ ወሪዱ ኣዝዩ ጠቓሚ ክትዓት ከም እተኻየደን ርእይቶታት ኣባላት ኣብ'ቲ ንድፊ ናብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ከምዝተላእከን ሓቢሩ። ኣብ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዝተኻየደ ምይይጥ ብምምጓስ፡ ንንድፊ ቅዋም ውን ብተመሳሳሊ መንፈስ ብዕዙዝ ተኻፋልነት ናይ ኣባላት ብሃነጽቲ ርእይቶታት ምቕራብን ከምዝዛዘም ዘለዎ ተስፋን እምነትን ገሊጹ።
ንፈስቲቫል ኤርትራ 2015 ኣመልኪቱ ድማ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምርኻብ መደባት ተሓንጺጹ ናብ ኵለን ጨናፍር ክለኣኽ ምዃኑ ኣብሪሁ። ኣባላት ድማ፡ ኣብ ፈስቲቫል ምድላው ዘለዎም ርእይቶን ለበዋታትን ናብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ክልእኩ ጸዊዑ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣኼበኛታት ኣብ'ቲ ዝቐረበ ዛዕባ ኣገደስቲ ርእይቶታትን ሓሳባትን ብምቕራብን ንስራሕ ዘለዎም ቅሩብነትን ብምግላጽ ኣኸባ ብክብ ዝብለ ፍናን ተዛዚሙ።
BBC Documentary on Eritrea, and on ‘Why Nations Fail’
Sunday, 15 March 2015 10:33 Written by By a Contributor to Harnnet.orgDid you watch the recent BBC documentary on Eritrea? Whoever you may be – hater, lover of Isayas and his regime - it is good for you to see it. Not really to watch a “success” story because there is none of that sort in our country temporarily held hostage by PFDJ gang. But it is good to watch the documentary because one can get a clue about how and why nations fail. The ‘how’ part of a nation’s path to failure is concretely provided in the documentary – of course in the clearly noticeable fear, repression and shaken confidence of the people, including the minders watching over BBC’s Yalda Hakim. You better watch or re-watch a YouTube version of the documentary.
But of more interest here is the ‘why’ part in the painful process that leads towards total failure of nations. The documentary does help us where to find the answer: just displayed in the room where Mr. Yemane Ghebreab was interviewed. Look carefully at the BBC screen and you will find the title of a wonderful book on Why Nations Fail. Although one can be amazed to learn that the book is in Mr. Yemane Ghebreab’s book shelf, one can for sure remain assured that this senior political advisor of the Eritrean leader did not yet read a single page out of it.

Yemane Ghebreab’s bookshelf and the unread book
One dare say this because a person who read could have valued that book and its contents and would not dismiss the usefulness of national elections and talk about “a fixation” on “useless” elections. Simply put, he was saying there is no value in democratic participation and inclusiveness, and this will never see the light of the day in PFDJ’s Eritrea.
However, the book, Why Nations Fail, first published in 2012 as authored by MIT economics professor, Daron Acemoglu and Harvard’s political scientist James Robinson, is all about democracy, inclusiveness, freedom and the rule of law that build the right institutions. One of the eloquent reviewers of the book summed the content of the book when he wrote: “It is freedom that makes the world rich”.
It is a review of the past 400 years in the life of nations and why some prosper while others get poorer and poorer. The why, analyzed in the 529 pages of the book, can be captured in this quotation from the book: “Nations fail when they have extractive economic institutions supported by extractive political institutions that impede and even block economic growth”. It is obvious that the thesis is that economic growth and prosperity are associated with inclusive economic and political institutions, while extractive institutions eventually lead to stagnation and poverty a la nostra Eritrea.
In other words, the good authors believe that the choice of institutions – the politics of institutions – is central to our quest for understanding the reasons for the success and failure of nations.
It is asserted that it is inclusive and not extractive institutions that shape the incentives of businesses and individuals: the incentive to be educated, to innovate, and to adopt new ways of doing things.
The book argues that it is not geography, or culture or ignorance of putting down the right policies that matter in the success or failure of nations but freedom. This freedom allows space for “creative destruction” or replacing the old with the new. It allows for the good use of critical junctures – like the (lost) opportunity for change Eritrea had in 2000-2001.
All absolutist and participatory systems that existed in the world (east, west, north, and south, including old Abyssinia) since the historic 1619 Virginia General Assembly of new settlers in America are narrated to tell the story of success or failure of nations. It is a must read book to many, including to Mr. Yemane Ghebreab, who already has it collecting dust in his bookshelf.
UN High Commissioners for Human Rights and Refugees Talk on Current World Challenges; Miss to Mention Eritrea by Name
Saturday, 14 March 2015 10:22 Written by EPDP Information OfficeMessrs Zeid Ra’ad al-Hussein and Antonio Guterres, High Commissioners for Human Rights and refugees, respectively, held a joint public meeting in the evening hours of 12 March in Geneva in which they warned all repressive regimes in the world to be mindful of what they are doing now because the sword of law will always hang over their heads until “justice is done”. They referred to Syria and many other notorious refugee producing regions of the world but failed to mention Eritrea and dictator Isayas Afeworki by name.
UN High Commissioners al Hussein of Jordan and Guterres of Portugal talking to public in Geneva
Held at the UN General Assembly hall in Geneva with over 1,000 people attending, the public meeting was moderated by CNN’s Christiane Amanpour. The theme of the meeting was “leadership challenges in a world in turmoil”.
High Commissioner Guterres said the world now has 51 million refugees and displaced people, a figure that was reached only during World War II. He said “people move (out of home) only because they are desperate” and know well that there are high risks like death in the Mediterranean Sea.
Mr. al-Hussein said he was heartbroken by the magnitude of suffering of peoples but promised victims that “total impunity will not be allowed” anywhere and at any time in the future.
Both UN officials stressed that resources are declining at a time when the needs for refugees are sky-rocketing everywhere.
Some Eritreans, including Dr. Daniel Rezene, democracy activist, and Woldeyesus Ammar of EPDP, attended the meeting but could not obtain access to the mic at the event crowded mainly by students from the post-graduate institute for higher studies in Geneva which organized the debate together with the Sergio Viera de Mello Foundation. The late Sérgio Vieira de Mello was a Brazilian United Nations diplomat who was killed in Iraq in 2003. He worked for the UN for more than 34 years, earning respect and praise around the world for his efforts in the humanitarian and political programs of the UN. He was posthumously awarded a United Nations Prize in the Field of Human Rights in 2003.