ናብ ፌስቲቫል ኤርትራ 2015 ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/ ዝቐረበ ውድባዊ መልእኽቲ!

2015-08-04 06:37:46 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2989 times

 

SagemLogoዝኽበርካ ኣቦ መንበርን ኣባላት መረሕነትን መስረታትን ስ.ደ.ህ,ኤ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላት ደሞክራስያዊ ማሕበር ኤርትራ!

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሳናዳኢት ሽማግለ ፌስቲቫል ኤርትራ 2015!

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ዕዱማት ኣጋይሽ!

 

ብቐዳምነት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ፌስቲቫል ኤርትራ 2015: ኣብ ፌስቲቫልኩም ክንሳተፍን ውድባዊ መልእኽትና ከነሕልፍን ንዝገበረትልና ዕድመ ብስም ደሞክራያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/ ልዑል ገድላዊ ምስጋናይ ኣቕራብ። ኣስዒበ ፌስቲቫልኩም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ሃገራውን ህዝባውን ዛዕባታት ኣትኪሉ ብምዝታይ ሓባራዊ ተረደኦ ብምሓዝ ብዓወት ክዛዘም ዘለኒ ሰናይ ምንዮት ክገልጸልኩም እፎቱ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ተሳተፍቲ ፌስቲቫል!

ፌስቲቫልኩም ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ታሪኻዊ ወቕቲ፡ ጭቡጥ ኩነታት ሃገርናን ህዝብታትናን ክንርኢ ከለና፡ ብሰንኪ ጸረ ህዝብን ጸረ ደሞክራስን ገባቲ ስርዓት ህግደፍ እናተኸተሎ ዝመጸን ዝቕጽለሉ ዘሎን ኣዕናዊ ፖሊሲታትን ተግባራትን ህዝብናን ሃገርናን ንሓደጋ ብርሰትን ምብትታንን ተሳጢሖም ሓሳረ-መከራ ይርእዩ ምህላዎም ከዊልካ ዘይክወል ናይ ኣደባባይ ሚስጢር ኮይኑ ምህላዉ ዘካትዕ ኣይኮነን።

ብሰንኪ’ዚ ሓደገኛ ተርእዮ’ዚ ድማ ህዝብታትና ኣብ ዓሚቚ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ወዲቖም፡ ስደት ከም እንኮ ግዝያዊ መፍትሒ ጸገሞም ብምውሳድ፡ ብዐሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ እናተሰደዱ ብሓደጋታት ጻምእ ምድረበዳታት፡ ኣብ ባሕሪ ምጥሓልን ብግብረሽበራውያንን ነጋዶ ሰብን ሂወቶም እናሰኣኑ ኣብ ዘየቋርጽ ስደት፡ ሓደጋታትን ሓዘንን ክነብሩ ይግደዱ ኣለዉ።

በቲ ካልእ መዳይ ድማ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምድኻምን ንህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልስና ኣብ ምቅልጣፍን ዝሕግዝ ፖለቲካዊ ሃዋህው ኣብ ዝራኣየሉ ትስፉው ኩነታት እዩ ፌስቲቫልኩም ዝሰላሰል ዘሎ። ስለ ዝኾነ ድማ ፌስቲቫልኩም ነዞም ኣብ ሃገርናን ህዝብታትናን ዝረኣዩ ዘለዉ ተኣፈፍትን ሓደገኛታትን፡ ተስፋ ዝህብ ተርእዮታትን ብጽሞናን ሓላፍነትን ክግምግምን፡ ንቃልሲ ዝሕግዙ ሓሳባትን ድልውነትን ተጣናኺሩ ክወጽእ ልዑል ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላትን ዕዱማት ኣጋይሽን!

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብታትናን ኣጋጢሙ ዘሎ ኩሉ-መዳያዊ ሓደጋን ዝተፈላለዩ ጸገማትን ንምፍታሕ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልስና ዘይሰልጥ ዘሎ፡ ብሰንኪ ናይ ተቓዋማይ ሓይልታትና ዘይውህደት፡ ዘይምትእምማንን ተደጋጊፉን ተመላሊኡን ክቃለስ ዘይምብቅዑን እዩ። ብኣንጻሩ ብናይ ትምክሕትን ጽበትን ኣተሓሳስባታት ዝፈጥርዎም ድኽመታትን ጸገማት እናተሓልኩ፡ ኣብ ሕድሕዶም ስለ ዘይሳነዩን ዝሰሓሓቡን። ፍሉይ ፖለቲካዊ ዕላማ ፍኹን መልክዕ ውደባ ዘየብሎም ክነሶም፡ ኣብ ብዙሕን ዘየድማዕን ውደባታት ተኸፋፊሎም ስለ ዝቃለሱ። ዘይወድዓውን ዘይእዋናውን ዝኾነ ናይ ፖለቲካዊ ስልጣን ሕቶ ብምቁማት ንምጭባጡ ስለ ዝነጥፉ። ንመትከላትን ዕማማትን ናይ ስሙር ግንባራት/ ስትራቴጂካውን ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባርን/ ብምጭባጥ እሙናትን ምእዙዛትን ብምዃን ክቃለሱ ይበቕዑ ብዘምህላዎም። ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ውድባትን ስቪክ-ማሕበራትን ካልኦት ተቓወምቲ ኣካላትን ክህሉ ዝግበኦ ናይ ቃልሲ ዝምድና ብከምቲ ዝድለ ክውደብን ክወሃሃድን ዘይምኽኣሉ። ከምኡ’ውን ኣብ ህዝባዊ ቃልስና ልዑል ተራ ዝጻወቱ ኣገደስቲ ሕብረተ-ሰብኣዊ ክፍልታት ማለት ደቂ-ኣነስትዮ፡ መንእሰያትን ምሁራንን ነብሶም ብምውዳብ፡ ብከምቲ ካብኣቶም ዝጥለብ ኣብ ቃልስና ይዋስኡን የበርክቱን ብዘይምህላዎምን ወዘተ ተደማሚሮም፡ ህዝባዊ ቃልስና ኣዕናዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝሕጸረ ግዜን ውሑድ መስዋእትን ብምውጋድ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ብምርግጋጽ ናብ ሰላም፡ ደሞክራስያዊ ለውጥን ልምዓትን ከይበጽሕ በዞም ወድዓውያን ጸገማትን ድኽመታትን እዚኣቶም እዩ ዝደናጎን ዝዕገትን ዘሎ።

ስለ ዝኾነ እዞም ንተቓዋሚ ሓይልና ሓሊኾም ብምሓዝ፡ ወጽዓናን ጸገማትናን ክብደትን ዕድመን ክረኽቡ ብምግባር ህዝባዊ ቃልስና ቀልጢፉ ከይዕወት ዝገብሩ ዘለዉ ወድዕውያን ጸገማትን ዕንቅፋታትን ብግሉጽ ዘተን ቃልስን ከይፈታሕና ህዝብን ሃገርን ብምድሓን፡ ዝተማለአ ነጻነትን ሓርነትን ብምጭባጥ ናብ ኩሉ መዳያዊ ርሁው ኩነታት ክንበጽሕ ስለ ዘይንኽእል፡ ናይ ተቓዋሚ ሓይልና ድኽመታትን ጸገማትን ናብ ካልእ ከየጸጋዕናን ካልእ ክፈትሓልና ከይተጸበናን፡ ቀዳምነት ሂብና ንምፍተሖም ክንቃለስ እዩ ዝግባኣና።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንንተሰተፍቲ ፌስቲቫል!

ኣብዚ ዘለናዮ ወቕቲ ዲፕሎማስያዊ ዓለም ንቃልስና ዝሕግዝ፡ ንጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ድማ ዘዳኽም ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ኩነታት ተኸሲቱ ምህላዉ ካብ ኩላትና ዝተሰወረ ኣይኮነን። ነዚ ሓጋዚ ፖለቲካዊ ምዕብልና’ዚ ከም ጽቡቕ ዕድልን ሓጋዚ ረቛሕን ብምውሳድ ህዝባዊ ቃልስና ንምሕያል ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ካብ ተናጸልን ምጉጅጃልን ዝደሓነ ብስሙርን ዝተወሃሃደን ኣገባብ ክንጥቀመሉ እዩ ዝህልወና።

ስለ ዝኾነ ድማ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/ ኩላትና ተቓወምቲ ኣካላት፡ ኣብ ዘሰማማዓናን ብሓባር ከቃልሰና ዝኽእል ዕላማታትን ዓሲልና፡ ንህልዊ ህዝባውን ሃገራውን ጭቡጥ ኩነታት ብሓባር እናገምገምና፡ ንዝምዕብል ዘሎ ሓጋዚ ፖለቲካዊ ተርእዮታት እናተጠቐምና፡ ዓቕምናን ፍልጠትናን ኣወሃሂድና፡ ካብ ዝኾነ ግዜ ዝያዳ ዓቲብና ክንቃለስ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ናይ ቃልሲ ጸዋዒቱ ከቕርብ ይፎቱ።

ኣብ መደምደምታ፡ ደሞክራስያዊ ማሕበር ኤርትራ ኣብ’ዚ ፌስቲቫል’ዚ ክንሳተፍን ውድባዊ መልእኽትና ከነሕልፍን ንዝገበርልና ዕድመ ደጊምና እናኣመስገና፡ መድረኽ ፌስቲቫል ብስኒትን ምርድዳእን ክካየድ፡ ንቃልሲ ዝሕግዙ ኣገደስቲ ሓባራዊ ተረደኦታትን ሓሳባትን ርእዩ ብዓወት ክዛዘምን ድማ ደጊምና ንምነየሉ።

ስኒትን ድልዳለን ንደምበ ተቓውሞና!!

ውድቀት ንጸረ ህዝብን ደሞክራስን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.!!

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!!

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/

31 ሓምለ 2015

Last modified on Tuesday, 04 August 2015 08:42