መኽፈቲ ቃል ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ማሕበር ጀርመን ኣብ ፈስቲቫል 2015

2015-08-03 21:37:06 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2783 times

EDAlogo

 

 

 

 

 

ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ ብሓበራ

ዝኸበርኩም ኣቶ ፐተር ፈልድማን ከንቲባ ከተማ ፍራንክፎርት(Oberburgermeister)

ዝኸበርኩም ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦ መንበር ሰደህኤ(EPDP)

ዝኸብርኩም ኣቶ ሎቨንሽታይን ኣ/መ/ ሰደኡ(CDU) ፍራንክፎርት

ዝኸበርኩም ኣቶ ሚካኤል ሩበን ልኡኽ ኤፍደፐ(FDP)

ዝኸበርኩም ዶክ. ክላውስ ዲተር ኣ/መ/ግሩነን ጊሰን (Grunen)

ዝኸበርኩም ተወከልቲ ሰልፍታትን ውድባትን ስቪካዊ ማሕበራትን

ዝኸበርኩም ኣባላት ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል2015: ኣባላት ኤደማ

ንብሕታዊ ዋኒንኩም ኣጸጊዕኩም፡ ክብሪ ንዘለዎ ግዜኹም ከፊልኩም ፡ንጉዳይ ሃገርኩምን ህዝብኹምን ዝለዓለ ኣቓልቦ ሂብኩም፡ ንዝገበርናልኩም ዕድመ ኣኽቢርኩም፡ ኣብዚ ኤርትራዊ ፈስቲቫል እዚ ኣካል ምስታፍኩም፡ ዝስማዓና ሓጎስ ደረት የብሉን።ነዚ መዳርግቲ ዘይብሉ ተግባራዊ መልሲ፤ ብስም ኤደማን ብስም እቲ ንኣዋርሕ ኣብ ምድላው ዝጸንሐ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል 2015፡ መርሓባ እንቋዕ ብደሓን መጻእኹም እናበልኩ ክብ ዝበለ ምስጋና የሕልፍ።

ኤደማ ጀርመን ዓመት መጸ፡ ነዚ ፈስቲቫል እዚ ከአንግድ እንከሎ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘይ ኣድልዎ ከዋስእ ፡ ከም ዕላማ ስለዝሓዞ እዩ።ካብቲ ዘለዎ ማሕበራዊ ቅጥዕታትን ሰብኣዊ ሓልዮትን ተበጊሱ ንኤርትራዊ ስደተኛ ከገልግል ቀዳማይ ቦታ ስለ ዘትሓዞ ጥራሕ እዩ። ክብዚ ቅዱይ ሓሳብ ተበጊስና ኢና እምበኣር ንስቪካዊ ማሕበራት ሰልፍታትን ውድባትን ውልቀ ሰባትን ክተት ኢልና ዳርጋ ሓምሳ ናይ ዕድመ ደብዳቤታት ናብ ወጺኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ዝላእኽና። ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ካባኻትኩም ጀሚሩ፡ ኣብ መላእ ክፍለ ዓለምና ዝርከብ ብዓል ውራይ ምዃኑ ኣለልዩ ብሕላናኡ ተቐቢሉ፡ ብዛዕባ ሃገሩን ህዝቡን፡ ናይ ገዝእ ርእሱ ናይ ስደት ሃለዋቱን መሰረት ገይሩ ክላዘብ፡ ካብዚ ውዕሎ እዚ ድማ እኹል ስንቂ ሒዙ ናብ ቦታኡ ክምለስን ክግልገለሉን ምስ ብዙሕ ሃንቀውታ እነዳልዎ ውራይ እዩ።

ኣብዚ ዘለናዮ ህንዱድ መድረኽ፡ ድሕሪ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጀነቭ፡ ዝላዓል ዘሎ ሕቶ (ሕጂ,ኸ ናበይ) ዝብል ንዓና ፡ንነፍሲ ወከፍና ዝትንክፍ ሕቶ እዩ።ካብ ዓጺቕ፡ ከም ክልተሰሜንን ደቡብን ፖል ናይ ዓለምና ዝመስል ዝሓዘ ፍልልያት ፡እነውግደሉ እዋን ብጺሕና ኣሎና።እዚ ግን ብዊንታ ወይ ብሕልሚ ዝረጋግጽ ዘይኮነስ ብምዕቡል ሕልናዊ ለውጢ ምስ ዝስነ ጥራሕ እዩ።ንዘይ ረብሕ ኣረጊት ኣተሓሳስብ ተመኩሮን ኣወጊድና፡ ንእንጽበዮ ልውጢ ዘቃላጥፍ ፈልግ ክንስዕብ ንግደድ።

ንሕና ከም ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ማሕበር ብጉዳይ ኤርትራዊ ስደተኛ ነዞም ዝስዕቡ ዓበይቲ ነጥብታት ዕቃቤና ነስፍር፤

1. ብዳብሊን ሓደን ክልተን ዝፍለጥ ዓንቀጽ

2 ንሓደ መላኺ ቁጠባዊ ደገፍ ብምሃብ ስደተኛ ኣብ ሃገሩ ክጸንሕ ዝብል

3. ስደተኛ ናይ ዕቑባ ሕቶኡ ብዝሕጸረ ግዜ ክምለሰሉ

4. ብካርቱም ፕሮሰስ ዝፍለጥ ዓንቀጽ ኣብ ዶባት ኣፍሪቃ ኮንካ ምዕጋት ንዝብል

ኤደማ፡ ነጻነት ማሕበራዊ ልዝብ ኣብ ሃገሩ ንዝተሓሮሞ ህዝቢ፡ ብጉዳዩ ክዛተ ዕድል ምኽፋትና ከም ዓቢ ህያብ ንውጹዕ ህዝብና ኢና እንቕጽሮ። ብሓባር ዝተላዘበ ህዝቢ ናይ ሓባር ራኢ ሒዙ፡ ንናይ ሓባር ጸላኢኡ፡ ምልካዊ ስነምግባር ከምክኖ ይኽእል እዩ ዝብል ዕግበት ስለ ዘሎና፤ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ፤ ማሕበራዊ ጸገማቱ ብስኒትን ብምክብባርን ኮፍ ኢሉ ክላዘብን ፍታሕ ከናድየሉን መሰረታዊ ዊንታና እዩ።

ነዚ መደብ ፈስቲቫል እዚ ክንሰርዕ ከሎና ፡ ሓያል ገንዘባዊ ዓቕሚ ስለዘሎና ኣይኮናን። እንታይ ደኣ ኣብ ሞራልን ጉልበትን ተውፋይነትን ኣባላት ተኣማሚና እንዕጠቐሉ ሃገራዊ ውራይ እዩ። ኩሉ ተጠቃሚ ናይዚ ፈስትቫል እዚ፡ ካብ ውልቀ ሰብ ክሳብ ሰልፍታትን ማሕበራትን ዝደመረ፡ እዚ ማሕበር እዚ ንዝህቦ ዘሎ ኣገልግሎት ቆላሕታ ክትገብርሉ ንእግረ መንገድይ እናዳሓበርኩ፤ ነዚ ዘሕልፎ ዘለኹ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓሉ ሓላፍነት ግን ናይ ነፍሲ ወከፍና ናይ ሕልና ውሳኔ እዩሞ ሞራላውን ነገራውን ሓገዝኩም ተጸበይቲ ኢና።ሕሰብሉን ዓቕምኹም ኣበርክቱን ሓደራ።

እዚ ኤርትራዊ ፈስቲቫል እዚ ተግባራዊ ንክኸውን ዘኽኣሎ ሰናይ ድልየት ምምሕዳር ከተማ ፍራንክፎርት ስለ ዝተሓወሶ ጥራሕ እዩ።ብጠቕላልኡ ሃገረ ጀርመን ሰብኣዊ መሰላት ዝኸብረሉ፡ ሕግታትን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን ዝትግበረሉ ስለዝኾነ ተጠቀምቲ ናይዚ መሰላት እዚ ክንከውን ኪኢልና። ኣብ ሃገርና እዚ ስለዝቦኸረ ኢና፡ ውገሐ ጸብሐ ናብ ስደት እንውሕዝ፡ ኣደዳ ባርዕ ምድረበዳን ቀለብ ጨካናት ኣራዊት መሬትን ባሕርን እንኸውን ዘሎና። እዚ ጥራሕ ከይኣክል መፍቶ ሸቓጦ ውሽጣዊ ኣካላት ደቂ ሰባት ኮይና ተሪፍና። እዚ ኣረመናዊ ዓይነት ግፍዒ እዚ ኣብ ዓለምና ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ።

ሎሚ፡ ነዚ ሃንቀው ኢልና እንጽበዮ፤ሰላም፡ ፍትሒ፡ ጥዑይ ደሞክራሲያዊ ምሕደራ ኣብ ሃገርና ንምትካል፡ ዘቃላጥፍ ኣጀንዳ ተሰሪዕልኩም ኣሎ። ዝተፋላለየ ርእቶ ዘለዎም፡ ግንከ ናብ ሓደ ዕላማ ዘማዕድዉ ኣሕዋት፡ ተወከልቲ ስቪካዊ ማሕበራትን ውድባትን ሰልፍታትን ብሓባር ተዳልዩ ንዘሎ መደብ ብልቦና ተላዚብኩም፡ ናይ ሓባር ርድኢት ሒዝኩም ክትወጹን፤ ተጠቀምቲ ናይዚ ጸጋ እዚ ምስ እትኮኑን፤ ድኻምና በዚ ኣወንታዊ ውጽኢት ይድበስ።ብሩኽ ምጅማርን ምውዳእን ፈስቲቫል 2015 ይግበረልና።ጽን ኢልኩም ብምስማዕኹም የቐንየለይ።

ተስፋማርያም ክብራኣብ

ኣቦ መንበር ኤደማ 01.08.2015

Last modified on Monday, 03 August 2015 23:41