ፈስቲቫል ፍራንክፎርትን ኣሳታፍነቱን

2015-07-23 06:38:27 Written by  ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2015 Published in EPDP News Read 2841 times

EDAlogoብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳን ኣብ መስርሕ ምድላው ዘሎ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2015፡ ካብ ዕለት 31 ሓምለ ክሳብ 2 ነሓሰ 2015 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ክካየድ ምዃኑ ክሕበር ጸኒሑ እዩ። ሰፊሕ በዓል ኤርትራ "መኣዲ ዘተ፡ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ብዘይ ቅድመ ኲነት" ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ እዩ ዝዳሎ ዘሎ። እዚ ዘመልክቶ፣ እቲ ናይ እንካን ሃባን መጋባእያ ብስም ውሱን ትካልን ኣባላት ሓደ ሰልፍን ኣብ ምድላው ይሃሉ ደኣ'ምበር፡ ካብዚ ዝጥቀምስ መላእ ተቓላሳይ ህዝቢ እዩ። ንራህዋን ቅሳነትን መላእ ህዝቢ ምግልጋል ከኣ፣ ብሃገርን ህዝባን ካብ ምሕሳብ ሓሊፉ ካልእ ፍሉይ ኣዳለውቲ በዓል ዝረብሕሉ ነገር ከምዘይብሎም ርዱእ ክኸውን ይግባኣ።

ኣውራ ዕላማ ፈስቲቫል/ሰፊሕ በዓል ፍራንክፎርት፡ ተሳታፋይ ህዝብን፡ መራሕቲ ፖለቲካውያን ሓይልታቱን፡ መራሕቲ በርጌሳውያን ማሕበራትን ኣገደስቲ ውልቀ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣራኺቡ፣ ሓባራዊ ልዝብ ብምፍጣር፡ ሕሰም ህዝብና ንምንጋፍ እዋናውያንን ብተግባር ክትጋሃሎም ዘለዎም ሓሳባትን ንምጥርናፍ ዝካየደሉ መኣዲ ዝርርብ ክኸውን እዩ። ብፍላይ እውን ነዚ ኣብ እስራኤልን፡ ጀነቫን ካልኦት ቦታታትን ዝተራእየ ሰፊሕ ምልዕዓል ንድሕሪት ንኸይምለስን፡ ኣብ መስርሕ ውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ብኸመይ ኣገባብ ይጥርነፍን፡ ኣብ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ይውዕልን ዝብሉ መኸተታት ፍታሓት ክርከበሎን መረዳዳኢ ሕሳባት ከጥሪን ትጽቢት ዝገበረ እዩ።

ምኽንያቱ ኣብዘን ዝሓለፋ 11 ዓመታት ብሓፈሻ፣ ኣብዘን ሽዱሽተ ዓመታት ድማ ብፍላይ፡ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ንረብሓ ውልቀ ስርርዓተን ክብላ፡ ንመንእሰያትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ደቂ-ኣንስትዮን መመናዝዒ እንተዘይኰይኑ፡ ቅኑዕ ናይ ቃልሲ መንገዲ ከትሕዛ ከምዘይካኣላ ተመኩሮ ኣርእዩና እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ተረሲዑስ፣ ቃላትን ቃልስን ኣብ መንጎ ኣረጊትን መንእሰይን ዝብሉ ሓሳባት ኰይኑ ነይሩ። ካብዚ ዝረብሐ እንተሎ ድማ እቲ ብሓደ ሰብ ዝዝወር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍ ጥራሕ እዩ ነይሩ። እዚ ዝሓለፈ ግጉይ ብሂላትዚ ተኣሪሙ ቅኑዕ ናይ ቃልሲ ጐደና ንምትሓዝ እምበኣር፡ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት

1. ግደ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ሓርነታዊ ቃልስ ብኸመይ ይውደብ

2.. ተሳትፎ ኤርትራዊት ጓለ ኣንስተይትን እትኽተሎ ፈለግ ናይ ቃልስን

3. ተራ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲን                                       

ዝብሉን ካልኦት ምስዚ ዝተኣሳሰሩ ነጥብታትን እውን፡ ነቲ ናይ ጀነቫ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፍን ውጽኢቱን ንቅድሚት ከንህሩ ይኽእሉ እዮም ዝብሎም ነጥበ ልዝባት ኣታኣታትዩ ይርከብ። ነዚ ንምዕዋትን ኣብ ውሱን ክልታት ተሓጺሩ ከይተርፍን ከኣ፡ ኣዳለውቲ ፈስቲቫል 2015 ሰፊሕ ናይ ዕድመ ወረቓቕቲ ንውድባትን ስልፍታትን፡ ንበርጌሳውያን ማሕበራትን ምንቅስቃሳትን ንኣገደስቲ ውልቀ ሰባትን ከይተረፈ ዘርጊሑ ኣሎ። በዚ መሰረት ካብ ጀርመናውያን ሰልፍታት፡ ተወካሊ CDUን FDPን   ካብ ፍራንክፎርት፡ ተወካሊ ላዕለዋይ ከንቲባ ፍራንክፎርትን፡ ዶክተር ክላውስ ዲተር ዝተባህሉ ውልቀ ኣክቲቪስትን ኣባል ሓምላይ ሰልፍን ክሳተፉ ምዃኖም ተረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ንምስታፍ ዕድመ ካብዝቐረበሎም ኤርትራውያን ፖለቲካውን በርጌሳውን ትካላት እንተኾነውን፡ ኣብ ሰፊሕ በዓል 2015 ክሳተፉ ምዃኖም ክሳብ ሎሚ ኣረጋጊጾምልና ካብ ዘለዉ፣ ሰልፍታትን ውድባትን ምንቅስቓሳትን እዞም ዝስዕቡ ክዀኑ እዮም።

1. ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ

2. መድረኽ ኤርትራውያን

3. እስላማዊ ሰልፊ ኤርትራ ንፍትሕን ልምዓትን

4. ኤርትራዊ ዲምክራስያዊ ሓድነት ኤርትራ

5. ኤርትራዊ ስምረት ንዲሞክራስያዊ ንለውጢ

6. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

7. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ

8. ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ

ተሳትፎ ወከልቲ ፖለቲካውያን ሓይልታትስ ነጊርኩምና፡ ግደን ተሳትፎን ስቪላውያን ማሕበራት ከኣ ከመይ ዳኣ ክኸውን እዩ ዝብል ሕቶ ቅድሚ ምልዓሉ፡ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል እዘን ዝስዕባ ማሕበራትን ውልቀ- ዜጋታትን ኣብ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ክሳተፉ ምዃኖም ተበሲርናስ ንህዝብናውን ንሕብር ኣለና።

1. ተበግሶ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን

2. መርበብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ Network Eritrean women

3. EYSC

4. CIDRIE

5. Suwera መደበር ሱወይራ ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ

6. ዶክተር ሳህለ ወርቀ

7. ብቐንዱ ድማ ሓደ ካብቶም ኣብ ምውዳብን ምዕዋትን ናይ ጀነቫ ሰላማዊ ሰልፊ ግዙፍ ተራ ዘበርከቱን፡ ሓቅታት መርማሪት ኮሚተ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንኽረግእ ተወሳኺ መብርሂታት ካብዝቕረቡን ኤርትራውያን፥ ዶክተር ዳኒኤል ረዘነ ኣብዚ ተዳልዩ ዘሎ መኣዲ ዘተን ልዝብን ክሳተፉ ምዃኖም ፈሊጥና ኣለና።

ንፍጻሜታት ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2015 ካብ ምቕባል ኣጋይሽ ክሳብ ምፍጻሙ ሓያልን ድኹም ጐንታት በዓልን ተሳተፍትን፡ ንህዝቢ ግቡእ ሓበሬታ ከስንቕ ተዳልዩ ዘሎ ጋዜጠኛ ሓው ሳሙኤል ገብረሂወት /ዓካዓካ/ ክሳተፍ ምዃኑውን ፈሊጥና ኣለና። ግደን ኣበርክቶን ነጻ ናይ ዜና ትካላት ድማ፡ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ሂይወት ናይ ቃልሱ ክጥቀመሎም ካብ ዝግብኦም ምስክርነታት እዮም።  

ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብን ዕላማታትን ሒዙ ዝዳሎ ዘሎ ሰፊሕ በዓል ብምዃኑ ድማ'ዩ፡ ካብቲ "ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና" ብዝብል ቃና ዝተወደበ፡ ቃላትን ኣራግጻ እግርን ውልቀ መላኺ ዝቐድሑ መሳሰይቲ ዲክታቶርነት ዘዳልዉዎ በዓላት ዝፈልዮ።

መደባትን ተሳተፍትን ፈስቲቫል 2015 ሰፊሕ ምህላዉ ካብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዝርዝር ዛዕባታትን ዝሳተፍዎ ኤርትራውያንን ጀርመናውያን ትካላትን ካብተገንዘብና፡ ዕላማታት ፈስቲቫል ፍራንክፎርት መንጠሪ ባይታ ስኒትን ሓባራዊ ተግባራትን ኰይኑ ብዓወት ክወጽእ ተደላይነት ኣለዎ። ነዚ ተዳላይነትዚ ኣብ ምርግጋጽ ተወከልቲ ኣባላት ኣብዚ ፈስቲቫል'ዚ ብዛዕባ ውዳቤታቶም ንህዝቢ ኣብ ምልላይ ግዝያኦም ምብኻን ከምዘይኮነ ተገንዚቦም፡ ንህልዊ ናይ ለውጢ ተበግሶታት ብሓሳብን ብግብርን ብኸመይ ንቅድሚት ነሰጉሞ ኣብዝብሉ ሓሳባት ክመርሑና ትጽቢኢት ኣዳለወትን ተሳታፋይ ህዝብን ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ እዩ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካልኣይ ጉባኤኡ፡ ሓድነት ኣብ ውልቀ ጠባያት ናይ ሰባት ዘይኮነስ፡ ሓድነት ኣብ ፖለቲካዊ መደባቱን ኣሰራርሕኡን ኣደልዲሉ ብዓወት ኣሰላሲሉ ዝወጸሉ ዕለታት ብምዃኑ፡ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ጉባኤ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ንሓባራዊ ስራሓት ደምበ ተቃውሞ ዝጠመተ ራኢኡ ንህዝቢ ከነጽር ትጽቢት ይግበረሉ። ሒዝናዮ ዘለና ወቕቲ፡ እዋን ስኒትን ሓባራዊ ዕዮን ክንገብሮ ስለዝግባኣና ድማ፣ ቀራና መንድታት ዝሓልሙ'ውን፡ ካብ ቂምን ቅርሕንትን ወጺኦም፡ ኣሉታዊ ነገራት ምትኹታዀ ንረብሓ ሕዝብና ከምዘይኮነ ተገንዚቦም፡ ናብ ቀልቦም ተመሊሶም 'ቅኑዕ ናይ ቃልሲ ጐደና እንተዝሕዙ ክንደይ እዃ መምሓረሎም ነይሩ። ምኽንያቱ ንነብሶም ካብ ተደጋጋሚ ስዕረት ምዳሓኑ፡ ምድኻም ፖለቲካውያን ሓይልታትን ምፍልላይን መዕንደርሪ መለኺ ስርዓት ምዃኑ እውን ዝርዳኡ ስለዝመስለና።

ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ!

ዓወት ንፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2015

ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍ

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2015

Last modified on Thursday, 23 July 2015 08:43