
ፍሉይ ልኡኽ ኣሜርካ ናብ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ካብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክትወጽእ
Saturday, 03 September 2022 11:55 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ማይክ ሃመር ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝመጹን ካብ 4 ክሳብ 15 መስከረም 2022 ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝጸንሑን ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሓቢሩ። ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሪን ጂን ፒየሪ ብወገነን ኣሜሪካ ንናይ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ምእታው ከም እትኹንን ምግላጸን መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ኣፍሊጣ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሕሉ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ተራኺቦም እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብህጹጽ ጠጠው ኢሉ ናይ ሰላም ዘተ ንክጅመር ዝጽውዕ መልእኽቲ ኣሜሪካ ከም ዘቕርቡ ተፈሊጡ።
እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ፍሉይ ልኡኻ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መግስትን ሕብረት ኣፍሪቃን ብዛዕባቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘሻቕል ኩነታት ክዘራረቡ እዮም። ብዘይካዚ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ ሲቪላዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ባእታታትን ተራኺቦም ኣብ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ሰላም ክመጸሉ ብዛዕባ ዝኽእል መንግዲ ከም ዝዛራረቡ ተሓቢሩ። እቲ መግለጺ ኣሜሪካ ናይ ኢትዮጵያ ሓድነትን ልኡላውነትን ክሕለው ከም እትደሊ ተመልኪቱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እተን ወሃቢት ቃል ኣተሓሒዘን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ጠጠው ከብልን ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልሎም ወጻኢ ዘካይድዎ ውግእ ከቋርጹን ጸዊዐን።
ብኻልእ ወገን ድማ ሚኒስተር ኣፍሪቃዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪታንያ፡ ኤርትራ ካብ ትግራይ ክትወጽእ፡ ሓይልታት ትግራይ ድማ ካብ ትግራይ ወጻኢ ካብ ዘሎ ቦታታት ክስሕብን ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዝነበረ ሰብኣዊ ረዲኤት ክቕጽልን ተማሕጺነን።
ማሕበር መማህራንን ጥምረት ሲቪል ማሕበረሰብን ኢትዮጵያ: ውግእ ጠጠው ክብል ጸዊዖም
Friday, 02 September 2022 09:05 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤማሕበር መማህራን ኢትዮጵያ ብ1 መስከረም 2022 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዳግማይ ካብ ዝባራዕ ሰሙን ገይሩ ዘሎ ውግእ ጠጠው ኢሉ ናብ ሰላማዊ መፍትሒ ንክኣትዉ ጸዊዑ። እቲ ማሕበር ብተወሳኺ ከምዚ ዝኣመሰለ ህውከት ብዘይካ ድኽነት፡ ምርሕሓቕን ታሪኻዊ ተሓታትነትን ካልእ ፋይዳ ከምዘይህልዎ በቲ ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ዝለኣኾ መግለጺ ኣፍሊጡ ።
.ናይ ኢትዮጵያ ጥምረት ሲቪላዊ ማሕበራት ብተመሳሳሊ ናብቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ፡ ብዛዕባቲ ከም ሓድሽ ዝጀመረ ሓደገኛ ውግእ ከቢድ ሻቕሎት ከም ዝሓደሮ ገሊጹ። እቲ ጥምረት እቲ ውግእ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ማሕበረሰብ ብፍላይ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት፡ ኣካለ ስንኩላን፡ ብዕድመ ዝደፍኡን ደቂ ኣንስትዮን ከቢድ ጉድኣት ከም ዘኸትል በቲ መገልጺ ሓቢሩ።
ክልቲኡ ማሕበራት ኣብ ትግራይ ቀረብ ሰብኣዊ ረዲአትን መሰረታዊ ኣገልግሎትን ብዘይዕንቅፋት ዝቕጽለሉ ኩነታት ክፍጠር ተማሕጺኖም። ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብሰላማዊ መንገዲ ብቐጻሊ ንምፍታሕ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካለኦት ዓለምለኻዊ ውድባትን ማሕበራትን ጻዕሪ ከካይዱ ብፍላይ ማሕበር መማህራን ኢትዮጵያ ጸዊዑ። ጥምረት ሲቪላዊ ማሕበራት ኢትዮጵያ እውን ነዚ ናይ ማሕበር መምሃራን ናይ ሰላም መጸዋዕታ ደጊምዎ።
ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ቱርክ፡ ዓባይ ብሪታንያን ካለኦት ወገናትን እውን በብዝምልከቶም ኣካላቶም ኣቢሎም ውግእ ጠጠው ኢሉ ናብ ሰላማዊ መፍትሒ ክእተው ተደጋጋሚ መጸዋዕታ የቕርቡ ኣለዉ።
ነዚ ብ24 ነሃሰ 2022 ከም እንደጋና ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዳግማይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ “መን ጀመሮ?” ኣብ ዝብል፡ ዝካሰስሉ ዘለዉ እዩ።
ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ንመጀመርያ ግዜ ብናጽነት ኣብ 27 ነሃሰ 2022 መሪሕነቱ ከም ዝመረጸ ዝተፈላለያ መዲያታት ናይታ ሃገር ሓቢረን። ኣብ ግዜ ምምሕዳር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ትሕቲ ካለኦት በርገሳዊ ማሕበራት ተጸጊዑ ዝሰርሕ ብኣባልነት ደገፍቲ መንግስቲ ጥራይ ዝሓቁፍ ማሕበር ከም ዝነበረ እቲ ዜና ጠቒሱ።
እቲ ተመስሪቱ መሪሕነቱ ዝመረጸ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን፡ መሰል ኣባላቱ ኣብ ምሕላው ጥራይ ከይተወሰነ፡ ኣብታ ብተደጋጋሚ ብወተሃደራት ክትምራሕ ዝጸንሐት ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ፕረስ ንዝፍጠር ተጽዕኖን ጸቕጥን እውን ክቃለሶ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ 1164 ኣባላት ዘለዉዎ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ኣብ ሮይተርስ ንዝሰርሕ ኣቡ እድሪስ ንዝተባህለ ጋዜጠኛ ኣቦመንበሩ ንክኸውን ከም ዝመረጾ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።
ጌና ምስ ስርዓት ዑመር ኣልበሽር ዝደናገጹ ዝተባህሉ ነባራት ጋዜጠኛታት፡ እቲ ናይ ቅድም ማሕበር ከይፈረሰ ኣብ ልዕሊኡ ካልእ ማሕበር ክምስረት የብሉን ብዝብል ንመስርሕ እቲ ምርጫ ጠጠው ከብልዎ ፈቲኖም ነይሮም። እንተኾነ ተጣበቕቲ ማሕበራዊ መሰላትን ናይቲ ምርጫ ተዓዘብትን እቲ መስርሕ ምርጫ ናጻን ርትዓውን ብምንባሩ ስለ ዝደገፍዎ ከም ዘይተዓናቐፈ ተፈሊጡ።
ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣይኮነንዶ ኣብ ብሕታዊ መድያ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ዝሳተፍዎ ማሕበር ክምስረት እቲ ማሕበር ኮነ እቲ ናይ ግሊመድያ ከም ዘየለዉ ዝዝከር እዩ።
ጋዜጣዊ መግለጺ መበል 11፡ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ
Sunday, 28 August 2022 21:36 Written by ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ27 ነሓሰ 2022 መበል 11 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ፈጻሚ ሽማግለ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብሰፊሑ ዝዳህሰሶም እሞ ብፈጻሚ ሽማግለ ንክትግበሩ መምርሒ ዝሃበሎም እዋናዊ ዛዕባታት ብደቂቕ ተመያይጡ። ኣብዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ዛዕባታት ድማ፡ ውሳነታት ወሲኑ፡ ናይ ኣተገባብራ ዝርዝር ስኢሉ።
1) ሰልፋዊ ዓቕሚ ንምሕያልን ተሳትፎ ኣባላት ንምዝያዳን መሰረት ብምግባር ተተሊሙ ኣብ ቀረባ ግዜ ክትግበር ትጽቢት ዝግበረሉ፡ ሰልፋዊ ሰሚናር ዝዕወተሉ ኣገባብን ዝካየደሉ ግዜን ወሲኑ። ከምኡ ከኣ ኣባላት ዝሳተፍሉ መንገዲን ዘድሊ ቀረባትን ብዝምልከት ዳህሲሱ ውሳነታት ኣሕሊፉ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ድማ ኣባላት ሰልፊ መጻኢ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ንምዕዋት፡ ከምቲ ዝተለምደ ክሳትፍሉ ብዛዕባ ዝኽእልሉ ንኣሰራርሓ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝምልከት ተወሳኺ መምርሒታት ኣውጺኡ።
2) ብሓፈሻ ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ዘገምታዊ ጉዕዞ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ኣብ ዝምልከት ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣብ ቀጻሊ ግደ ሰዲህኤ እንታይን ብኸመይን ክኸውን ከም ዝግበኦ፡ ንሚዛን ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ መሰረት ብምግባር፡ ክሳብ ንካእባዊ ርክባት ምስ ዝተፈላለዩ ሰልፍታት፡ ውድባትን ካልኦት ናይ ለውጢ ባእታታትን ምድህሳስ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣሰራርሓ ሓንጺጹ።
3) መበል 11 ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ንዝተዳህሰሰ ናይ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ዓመተ- 2021-2022 ጸብጻባትን ካለኦት እውናዊ ጉዳያትን ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ናይ 2022-2023 ዓመታዊ ትልምታት ተመያይጡ ኣጽዲቑ።
4) ፈጻሚ ሽማግለ ብዛዕባቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝፈሽል ዘሎ ዳንኬራ ፈስቲቫላት ህግደፍ እውን ብሰፊሑ ተመያይጡ ሚዛኑ ኣንቢሩ። ኣብቲ ምይይጡ ህግደፍ ነቲ ፈስቲቫላት ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ኤርትራዊ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጣዊ ኤርትራዊ ጉዳዩ ዝጥምት፡ ናብ ደገ ጥራይ ክርኢ ዝጥቀመሉ መህደሚ ምዃኑ መዚኑ፡ በዚ መሰረት ብሓፈሻ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ብፍላይ ድማ ግዳይ ህግደፍ ዝኾኑ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ንመደባት ህግደፍ ብሕጋዊ ኣገባባት ረቲዖም ከፍሽልዎ ምብቀዖም፡ ቃልሲ ሓይልታት ለውጢ ኣንጻር ህግደፍ ኣብ ዲያስፖራ ናብ ፍሉይ መድረኽ ከም ዝኣተወ ዘረድእ ምዃኑ ተረዲኡ። ንኹሎም እቶም ነዚ ዓወት ዘመዝገቡ ኣመጒሱ፡ ቃልሶም ክቕጽልዎ ዘለዎ እምነት ኣረጋጊጹ። ናይተን ቃልሲ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ፍትሓውነት ተገንዚበን ነቲ ፈስቲቫላት ናይ ምእጋድ ስጉምቲ ዝወሰዳ ሃገራት ኣካላት ጸጥታን ፍትሕን ኣመስጊኑ ምትሕብባሮም ቀጻሊ ክኸውን ድማ ጸዊዑ።
5) ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣሻቓሊ ከም ዘሎ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ዳግማይ ተረዲኡ። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዓፋር፡ ከምኡ’ውን ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን፡ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ተወሲኽዎ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከቡ ተገንዚቡ። ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ሃለዋት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሻቓሊ ምዃኑ መዚኑ። ኣብ ሱዳንን ጅቡትን ዘሎ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት እውን ከምኡ ፍሉይ ቆላሕታ ዘድልዮ ምዃኑ ተገንዚቡ። በዚ መሰረት ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ሰዲህኤ ፍሉይ ምክትታል ክግበረሉ ወሲኑ። ኩሎም እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ዞባውን ኣህጉራውን ኣካላት ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ኩሉ ዝከኣሎም ክገብሩ ጸዋዒት ኣቕሪቡ።
ብዘይካዚ መበል 11 ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ውሳነታት ወሲኑ። መጽናዕቲ የድልዮም ንዝበሎም ጉዳያት ዝከታተሉ ሽማግለታት‘ውን መዚዙ።
ኣባላት ሰልፊ ናይ ክሳብ ሒጂ ቅሩብነቶም፡ ተወፋይነቶምን ተሳትፎኦምን ንኢዱ ኣብ መጻኢ ድማ ብፍላይ ኣብዚ ካብ ናይ ተላባዒ ሕማም ኮቪድ ንወጸሉ ዘለና መድረኽ ኣበርክተኦም ኣብ ኩሉ መዳያት ብተዓጻጻፊ ከዛይዱ ጸዊዑ።
“ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ንምዕባለን ንቃለስ!”
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!
27 ነሓሰ 2022
ዩኒሰፍ፡ ኣብ መቐለ ህጻናትን ሲቪልን ንዝተጐድእሉ ደብዳብ ነፈርቲ ኮኒኑ
Sunday, 28 August 2022 21:31 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤፈጻሚ ዳይረክተር ዩኒሰፍ፡ ካተሪን ሩሰል፡ እቲ ዝመርሐኦ ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ብ26 ነሃሰ 2022 ንዝተፈጸመ; ደብዳብ ነፈርቲ ብትሪ ከም ዝኹንኖ ብዘውጸአኦ መግለጺ ኣፍሊጠን። ኣተሓሒዘን ድማ ኩሎም ወገናት ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣካላት ብህጹጽ ኣብ ሰላማዊ ዘተ ንክኣትዉ ከም ዝጸውዓ፡ እቲ ኣብ መርበብ ዩኒሰፍ ዝመወጸ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ መውዓሊ ህጻናት ዝተፈጸመ ደብዳብ፡ ሓያሎ ህጽናት ከም ዝሞቱን ከም ዝቖሰሉን ኣስፊሩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝተኸታተሉ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና በቲ ደብዳብ 3 ህጻናት ዝርከብዎም 17 ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 30 ከም ዝቖሰሉን ዝገልጽ ጸብጻባት ኣቕሪቦም።
እተን ዳይረክተር በቲ መገለጺአን፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ መመሊሱ ይዓርግ ብዘሎ ጥሕሰታት ህጻናት ዝለዓለ ዋጋ ከም ዝኸፈሉ ሓቢረን። ኣብ ዝሓለፈ ናይ 2ተ ዓመታት ግዜ ህጻናትን ወለዶምን እቶም ዝኸበደ ዋጋ ዝኸፈሉ ምዃኖም ምስ ጠቐሳ፡ ካብ ሎሚ ንደሓር እቲ ናዚ ዘብጸሐ ውግኣት ጠጠው ንክብል ጸዊዐን።
ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሚኒስተር መንግስታዊ መራኸቢታት ዶ/ር ለገሰ ትሉ ብወገኖም ነቲ በቲ ኣብ ሲቪላዊ ትካላት ደብዳብ ተኻይዱ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ወገናት ጉድኣት ኣውሪዱ ዝብል ዜና ነጺጎም፡ ብኣንጻሩ ንክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከሲሰምዎ።
እዚ ደብዳብ ዝተኻየደ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ክልል ትግራይን መን ከም ዝጀመሮ ዘሰሓሓቦም ዘሎ ውግእ፡ ከም ሓድሽ ብ25 ነሃሰ 2022 ድሕሪ ምብርዑ ምዃኑ ይዝከር።
ኣህጉራዊ ትካላትን ሃገራትን ኣብ ኢትዮጵያ ውግእ ጠጠው ኢሉ: ዘተ ክቕጽል ጸዊዐን
Thursday, 25 August 2022 19:32 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሕብረት ኣፍሪቃ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካን ዓባይ ብሪታንያን ኣብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝተባርዐ ውግእ ኣዝዩ ከም ዝተሓሳስቦም ምግላጾም “ኢትዮጵያ ኢንሳይደር/ETHIOPIS INSIDER፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ገሊጻ። ኣቦመንበር ኮሚሽ ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቒ ማሃማት፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኣንቶኒዮ ብሊንከንን ሚኒስተር ጉዳያት ኣፍሪቃ ዓብይ ብሪታንያ ቪኪ ፎርድን ብ25 ነሃሰ 2022 በብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ውግእ ጠጠው ንክብል መጸዋዕታ ኣቕሪቦም
እቲ ዳርጋ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ጠጠው ኢሉ ዝጸንሐ ውግእ እንደጋና ምስተጀመረ፡ ካብ በበይኑ ኩርነዓት ናይ ስግኣትን ስንባደን ድምጽታት ይስምዑ ከም ዘለዉ እቲ ዜና ጠቒሱ። ኣብ መንጎ ፈደራልዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዘተ ክጅመር ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን ውግእ ምጅማሩ ንብዙሓት ከም ዘተሓሳስቦም እውን እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣስፊሩ።
ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቒ መሃማት፡ ትካሎም ምእንቲ ረብሓ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክብል ነቲ ዘተ ዝመርሕ ፍሉይ ልኡኽ መዲቡ ዝጀመሮ መስርሕ ከም ዝቕጽሎ ክጽውዑ እንከለዉ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን እቲ ውግእ ዳግማይ ብምጅማሩ ዝተሰመዖም ስንባደ ብምጥቃስ፡ መስርሕ ሰላም ክቕጽል ጸዊዖም። ኣተሓሒዞም ድማ ሓገዝን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ንዘድልዮም ዜጋታት ከም ዝበጽሖም ምግባር ወሳኒ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።
ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ፡ ከም ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን እቲ ውግእ ዳግማይ ምጅማሩ ከም ዘተሓሳስቦ ገሊጹ። ናይቲ ሕብረት ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት ጆሰፐ ቦሬል፡ እቲ ውግእ ኣብ ልዕሊቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰላም ክፍጠር ዝነበረ ተስፋ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘሕድር ዝሓደሮም ስግኣት ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ድማ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ጐንጺ ናብ ምሉእ ውግእ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ናብ ሰላማዊ ዘተ ናይ ምምላሱ ዕድሉ ሕጂ እዩ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
እዚ ኣብዞም ዓለም ለኻውን ኣህጉራውን ትካላትን ሃገራትን ዝሓደረ ስግኣት፡ ኣብ መንግስታት ኣሜሪካን ዓባይ ብሪታንያን እውን ተንጸባሪቑ። በዚ መሰረት ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣንቶኒዮ ብሊንከን ክልቲኦም ወገናት ናብ ብዘይቅድመ ኩነታት ተኹሲ ምቁራጽ ክመጹ ኣዘኻኺሮም። ናይ ዓባይ ብሪታንያ ሚኒስተር ጉዳያት ኣፍሪቃ ቪኪ ፎርድ ብወገኖም ናይቲ ውግእ ዳግማይ ምጅማር ነቲ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘጋድዶ ሓቢሮም።
ኣብዚ እዋንዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን “ነቲ ውግእ መን እዩ ጀሚርዎ?” ኣብ ዝብል ይካሰሱ ኣለዉ።
ቤት-ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ፡ ስእሊ ቢቢሲ/BBC
ብካቶካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ እትውነን፡ ብማሕበር ላሳለ ክትመሓደር ዝጸንሐት፡ ኣሕዳሪት ቤት ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ ብስርዓት ህግደፍ ከም ዝተወርሰት ቢቢሲ/BBC ኣብ ኣስመራ ዘለዉ ምንጭታታ ብምጥቃ ሓቢራ። ቤት ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ ንዝሓለፉ 23 ዓመታት፡ ኣብ ዓውዲታት ኣግሮ-መካኒክ፡ ስነ-እንስሳ፡ ስነ-ኣትክልቲ፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምኡ እውን ንልምዓት መስኖ ኣብ ዝምልከት ብክለሰ-ሓሳብን ተግባርን ትምህርትን ኣገልግሎትን ክትህብ ዝጸንሐት ምዃና እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እታ ቤት ትምህርቲ፡ ብሉጽ ፍረ ወይኒ፡ ማልማላታን ነቢትን ብምፍራይ፡ ከምኡ እውን ልዑል ምህርቲ ዝህባ ናይ ጸባ ከብቲ ብምርባሕን ካብቲ ጸባ ብቕዓቱ ዝተረጋገጸ ርግኦ፡ ሪኮታ፡ ፎርማጆን ጠስምን ብምቕራብ ከተገልግል ዝጸንሐት ትካል ልምዓት እያ። ኣብ ርእሲኡ ካብ ዝተፈለለዩ ዞባታት ኤርትራን ካብብ’ቲ ከባብን ንዝመጹ ሰባት ናይ ስራሕ ዕድል ዝኸፈተት ምንባራ ም፣ፍላጥ ተኻኢሉ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ደቀምሓረ እትርከብ፡ ብካቶካዊት ቤተ-ክርስትያን እትውነን ቤት ትምህርቲ ቴክኒክ ደንበስኮ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም 2022 ኣብ ኢድ ስርዓት ህግደፍ ክትኣቱ ምዃና ዝእምት ሓበሬታ ካብ ምንጭታታ ከም ዝረኸበት እቲ ዜና ቢቢሲ/BBC ሓቢሩ። ምምሕዳር ህግደፍ፡ ኣብ 2019 ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ እምነት ሚስዮን፡ ኦርቶዶክስን፡ እስልምናን ኤርትራ፡ ዝመሓደራ ዝነበራ ኣብያተ-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ምውራሱ ከም ዝፍለጥ ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ሰፊሩ።
ምምሕዳር ህግደፍ ነቲ ዝወሰዶ ናይ ትካላት ምውራስ ስጉምቱ ሕጋዊ መልኽዕ ከትሕዞኳ ዝፍትን እንተኾነ፡ ሓቀኛ ጠንቁ ‘ብፍላይ ብካቶልካዊት ቤተ-ክርስትያን ንህዝቢ ኤርትራ ይብድል ስለ ዘሎ፡ ኣካይድኡ ንከዕሪ ብተደጋጋሚ ከቕርቦ ዝጸሐ ነቐፈታዊ ምሕጽንታ ዘለዎ ቂም ንምግላጽ ምዃኑ ብዙሓት ተዓዘብቲ ዝረዳድእሉ ምኽንያት እዩ።
ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ብምምሕዳር ህግደፍ ን27 ነሃሰ 2022 ኣብታ ሃገር ክካየድ ተመዲቡ ብምስጢር ተታሒዙ ዘሎ፡ ኣዕናዊ ፈስቲቫል ንክስረዝ፡ ናብ ናይታ ሃገር ዳይረተር ኮንፈረንስ ንፍትሕን ፖሊስን ብጽሑፍ ምሕጽንታ ከም ዘቕረበ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ፡ ኣፍሊጣ። እቲ መልእኽቲ ምሕጽንታ፡ ነቲ ብህግደፍ ብጉልባብ ፈቲቫል ኣብ ስዊዘርላንድ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ካለኦት ሃገራት ኤውሮጳ እውን ዝዳሎ መደባት ህግደፍ ዝምልከቶም ኣካላት ብግቡእ ከቕልብሉ በቲ መልእኽቱ ኣዘኻኺሩ።
እቲ መልእኽቲ ምምሕዳር ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ነዚ ናይ ፈስቲቫል መድረኻት ብደርፍታት እናሸፈነ ከም መለዓዓሊ ናብ ውግእን መዝርኢ ጽልእን ከም ዝጥቀመሉ ኣስፊሩ። ብፍላይ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ናይቲ ጉጅለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣባላት ካቢነ እውን ዝተሳተፍሉ እሞ ንምዕራባውያን ዝጻረርን ንሩሲያ ዝድግፍን ምልዕዓላት ክካየደሉ ዝተሓስበ መድረኻት ምዃኑ ሓቢሩ። ከም ኣብነት ኣብ ናይ 2018 ፈስቲቫል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ተሳቲፉ ንተጋባእቲ ኣንጻር ምዕራባውያን ከም ዘለዓዓለ ጠቒሱ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ ጥርዓን ኣብዚ እዋንዚ ምምሕዳር ህግደፍ ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ይሳተፍ ምህላዉ ብምሕባር፡ ዕላማ ናይዚ ፈስቲቫላት ድማ ነቲ ኢድ ኣእታውነቱ ቅኑዕ ኣምሲሉ ንምቕራብን መካየዲ ውግእ ዝኸውን ገንዘብ ንምእካብን ክጥቀመሉ ከም ዝመደበ ኣቃሊዑ። ካብቲ ቀንዲ ናይ ፕሮፖጋንዳ ኣጀንዳኡ፡ ኣንጻር ትግራይ ናይ ጽልኢ መደረታትን ብናይ ሓይልታት ምክልኻል ጉጅለ ባህሊ ዝቐርብ ፋሽስታዊ ደርፍታትን ከም ዝርከቦ ኣብቲ መልእኽቲ ምሕጽንታ ሰፊሩ። ብዘይካዚ እቲ መድረኻት ፈስቲቫል፡ ንህግደፍ ዝቃወሙ ሓይልታት ኤርትራ ከም ዝጽልኡ ንምግባር መርዚ ዝንዝሓሉ ምዃኑ ተጠቒሱ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ነቲ ክካየድ ዝጸንሐ ፈስቲቫላት፡ ብኤርትራውያን ተቐወምትን ኣብ ስዊዘርላንድ ብዝርከቡ ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ፖለቲከኛታትን ተቐውሞ ክገጥሞ ከም ዝጸንሐ እቲ መልእኽቲ ጠቒሱ፡ ኣብዚ ዓመትዚ ድማ ንሆላንድን ጀርመንን ከም ኣብነት ወሲዱ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ይስረዝ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ከም መጠቓለሊ ናይቲ መልእኽቲ ድማ ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ኣስፊሮም።
1ይ፡ እዚ ናይ 27 ነሃሰ 2022 ፈስቲቫል ስዊዘርላንድ ክስረዝ፡ ኣብዚ እዋንዚ እገዳ ተበይንዎም ዘሎ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነይኹን ኩነታት ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ክኽልከሉ።
2ይ፡ ሰበ መዚ ሃገር ስዊዘርላን ሓንሳብ ንሓዋሩን ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓሳት ኣካላት ጉጅለ ህግደፍ እገዳ ክውስኑ።
3ይ፡ ንኹሉቲ ናይ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ግብሪ ብዝብል ጉልባብ ዝኸፍልዎ 2%ን ናይ ጣዕሳ ቀጥዒ መሊእካ ምኽታምን ኣብቲ ቀጥዒ መላእ ቤተሰብካ ኣበይ ከም ዝርከቡ ክትነግር ዘገድድን፡ በቲ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ዝካየድ ተግባራት ጠጠው ክብል።
እዚ ብስም “ኤርትራዊ መርበብ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዝዊዘርላንድ” ዝተዳለወ መልእኽቲ፡ ቅዳሑ ናብ ናይታ ሃገር ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽንን ሚኒስትሪ ፍትሕን እውን ከም ዝተላእከ ካብቲ ሰፊሕ ጸብጻብ ምርዳእ ተኻኢሉ።
ፈስቲቫል ህግደፍ ጀርመን ጊሰን፡ ብ20 ነሃሰ 2022 እውን ብሓያል ተቓውሞ ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ዝፈሸለ ዝዝከር እዩ።
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ13፡ 14ን 20ን ነሓሰ 2022፡ 4ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። እዚ ኣኼባ ኣብ ከባቢና ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ምቅይያራት ይረኣየሉ ኣብ ዘሎ፡ ተሃዋሲ ኩነታት ዝተኻየደ ብምዃኑ ኣኼባ ባይቶ ብመንጽርዚ ዘለዎ ዕዙዝ ሓላፍነት ኣብ ግምት ብምእታው ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናውን ኣገደስትን ዛዕባታት ብዕምቆት ዘትዩ፡ ውሳኔታት’ውን ኣሕሊፉ። ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) መእተዊ ቃል ኣስሚዑ፡ ኣኼባ ዝመያየጠሎም ኣጀንዳታት ቀሪቡ ብተሳተፍቲ ኣጽዲቑ።
ማእከላይ ባይቶ ከም ቀዳማይ ኣጀንዳ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ናብ ኣባላት ባይቶ ተዘርጊሑ ዝጸንሐ ንድፊ ጸብጻብ፡ ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ብሰፊሑ ተመያይጥሉ። ከምኡ እውን ብጠቕላሊ ተቖጻጻሪ ሰዲህኤ ንዝቐረበ ዓመታዊ ናይ ገንዘብን ንብረትን ጸብጻብ ሰሚዑ ዘትይሉ። ድሕሪ ኣገዳሲ ዝርርብ ድማ ምስ ኩሉቲ ዝተገብረ ምትዕርራያት ነቲ ጸብጻባት ከም ሰነድ ሰልፊ ኣጽዲቕዎ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ድማ ንመጻኢ ክዕመሙ ይግበኦም ኣብ ዝበሎም ኣገደስቲ ነጥብታት ውሳነታት ወሲኑ። ሓደ ካብቶም ኣኼባ ባይቶ ቆላሕታ ሂቡ ዝወሰኖም ጉዳያት ውሽጣዊ ዓቕሚ ሰልፊ ምሕያል ዝምልከት ኮይኑ፡ ንምዕዋት ናይቲ ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝካየድ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ብምሉእ ዓቕሚ ኣባላት ሰልፊ ክስረሓሉ ከም ዝግባእ ኣዕዚዙ ርእይዎ።
ማእከላይ ባይቶ ጉዳይ ጸብጻባት ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ነቲ ኣኼባ ክትመርሕ ብዝመዘዛ ሽማግለ እናተመርሐ፡ ነዞም ዝስዕቡ ኣገደስትን እዋናውያንን ዛዕባታት ፍሉይ ግምት ብምሃብ ዘትዩን ኣድለይቲ ዝበሎም ውሳነታት እሕሊፉን።
1) ጉዳይ ሓባራዊ ዕዮ ደንበ ተቓውሞ
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሕቶ ሓድነትን ሓቢርካ ምቅላስን መሰረታዊ ጉዳይ ብምዃኑ ኣብ ስሩዓትን ፍሉያትን ትካላዊ ኣኼባታቱ ዝሓለፉ ውሳኔታት ተሞርኲሱ ሰፊሕ ገምጋም ኣካይዱ።
ኣብዚ ገምጋሙ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ሰነ 2017 ሰዲህኤ ብወግዒ ዘውጽኦ 4ተ ነጥብታት ዝሓዘ ናይ ብሓባር ምስራሕ እማመ ብምዝካር፡ ብፍላይ ከኣ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ጀሚሩ ምስ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ብምሉእ ዓቕሙ፡ ክሰርሓሉ ከምዝጸንሐ መዚኑ። ውጽኢቱ ግን ክንድቲ ዝተጸበዮ ከምዘይኮነ ተረዲኡ። እዚ ማለት ግን እቲ ክዋሰኣሉ ዝጸንሐ መስርሕ ምፍጣር ናይ ሓባር ጽላል ምሉእ ብምሉእ ናይ ክሳራ ግዜ ነይሩ ዝበሃል ከምዘይኮነን፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ነንሕድሕዶም ብግቡእ ኣብ ምልላይን ሓቢርካ ኣገደስቲ ሰነዳት ኣብ ምጽዳቕን ኣወንታዊ ተሞኩሮ ዝተመዝገበሉ ምንባሩ ኣኼባ ተገንዚቡ።
ኣብ መጻኢ እውን ጉጅለ ህግደፍ ስዒርካ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላስ፡ ንሓቢርካ ምቅላስ መተካእታ ዘይብሉ ስለ ዝኾነ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ካልኦት ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ባእታታትን ሓቢሮም ዝቃለስሉ ሰፊሕ መድረኽ ንምፍጣር ዝግበር ጻዕሪ ከም ዝቕጽሎን ኩሉ ነዚ ዘዕውት ዳህሳሳት ካብ ምክያድ ከምዘይበኩርን ኣረጋጊጹ። ከምኡ’ውን ንውጻኢት ሕድሕድ ምርድዳእ ዓቂቡ፡ ካእባዊ ዝምድናታት ንምሕያል ከም ዝጽዕት ርእዩ። ንናይ ሓቢርካ ምቅላስ ኣሰታትፍኡ ንምሕያልን ምድልዳልን ውሽጣዊ ሰልፋዊ ዓቕሚ ብዘይዕንቅፍ ክተሓዝ ምዃኑ ድማ፡ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ወሲኑ። ሕቶ ሓድነትን ሓቢርካ ምቅላስን ናይ ኩሉ ናይ ለውጢ ሓይሊ ሓላፍነት እምበር፡ ናይ ዝተወሰነ ወገን ጥራይ ከምዘይኮነ ብምርዳእ ኩሎም ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ኣብዚ መዳይዚ ካብ ነፍሲ ወከፎም ዝድለ ኣስተዋጽኦ ከበርክቱ ኣኼባ ጸዊዑ።
2) ኣብ ከባቢና ዘሎ ምዕባሌታትን ሕቶ ዝምድናታትናን
ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኣብዚ ኣኼባኡ ሰፊሕ ግዜ ሂቡ ዝመዘኖ ካልእ ጉዳይ ኣብ ከባቢና ክምዕብል ዝጸንሐ እሞ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና ጽልዋን ተጽዕኖን ዘለዎ፡ ፖለቲካዊ ምቅይያራትን ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ብሓደ ወገን ኣብ ትግራይ ውግእ ምዝሓሉን ናይ ሰላማዊ መፍትሒ ተስፋታት ይረአ ምህላውን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መስርሕ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ቀንዲ ዕንቅፋት ይኸውን ብምህላዉን ካብ ዝሓዞም ቦታታት ትግራይ ንኽወጽእ ሕብረተሰብ ዓለም ንዘቕረበሉ ጻውዒት ዘይምቕባሉን ኣኼባ ተገንዚቡ።
ሰዲህኤ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝተፈጥረ፡ ፍልልይ፡ ብዘተ ክፍታሕ ዝግብኦ ክነሱ፡ ንውግእ ከም መፍትሒ ምውሳድ ግጉይ ምርጫ ምንባሩ ብምግንዛብ፡ ንኢድ ኣእታውነት ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ከባቢታት ዝርከብ ህዝብን ንብረትን ክወርድ ዝጸንሐ ህልቂትን፡ ዕንወትን ዕጽዋታትን ብምኹናን ክወስዶ ዝጸንሐ መርገጻቱ ቅኑዕ ምንባሩ 4ይ ኣኼባ ባይቶ ኣረጋጊጹ። ኣብዚ እዋንዚ ኩሉዚ ግህሰታትን ዕጽዋታትን ክሃድእን በዂሩ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ቀረባትን ክቐርብ ምጅማሩን ናይ ምዝታይ ተስፋ ክቀላቐል ምኽኣሉን ምስቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ናይ ሰዲህኤ ሚዛናትን ምሕጽንታን ዘሳኒ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ደገፉ እናገለጸ፡ እቲ ናይ ሰላም ጻዕሪ ቀጺሉ ብዓወት ንኽዛዘም ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።
ፖለቲካዊ ውሳነን ዝምድናን ዝምልከት ፖሊሲ ሰዲህኤ መሰረት ብምግባር፡ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን፡ ንናይ ክልቲኦም ሰላምን ረብሓን ከምኡውን ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ግምት ብዘእተወ ክተሓዝ፡ ቅድሚ ሕጂ ሰዲህኤ ዘሕለፎ ውሳኔ ህያው ኮይኑ ክቕጽል ጥራይ ዘይኮነ፡ ሰዲህኤ ንምትግባሩ ብምሉእ ዓቕሙ ክሰርሓሉ ኣኼባ ባይቶ ዳግማይ ወሲኑ።
ኣኼባ ባይቶ ነቲ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዘለዎ ጽኑዕን ንጹርን መርገጽ ብዝምልከት ከውጽኦ ንዝጸንሐ መግለጽታት ኣመጒሱ። ብኣንጻሩ ገለ ተጋሩ፡ ብውልቀን ብእኩብን ናይ ብሕቲ መዲያታትን ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራን ሓድነት ህዝባን ዘካይድዎ ዘይሓላፍነታዊ ጐስጓሳት፡ ንክልቲኡ ህዝብታት ስለ ዘይጠቕሞ ክቑጠብሉ ኣትሪሩ ተማሕጺኑ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ድማ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባታት ኣብ ምውጋድ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ግደኡ ከበርክት ኣኼባ ኣዘኻኺሩ።
ኣኼባ ባይቶ ንዝምድና ኣብ ዝምልከት ቆላሕታኡ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ/ትግራይ ከይተደረተ፡ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ሱዳንን ካለኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ዘርእዮ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት፡ ኣንጻር ረብሓን ሰላምን ኤርትራን ህዝባን ምዃኑ ብምርዳእ፡ ሰዲህኤ ነዚ’ውን ግቡእ ኣቓልቦ ብምሃብ ከም ዝከታተሎ ተገንዚቡ።
ስርዓት ህግደፍ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝፈጠሮ ወጥርታት ከይኣኽሎ፡ ምስ ወረርቲ ተመሓዝዩ ንሃገርና ኣብ ካልእ ጸሊም መዝገብ የእትዋ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተፈጸመ ወራር ደጊፉ ምስ ሩስያ ምውጋኑ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ታይዋን እውን ምስታ ክትውሕጣ እትደሊ ዘላ ቻይና ምስላፉ፡ ኣኼባ ነዚ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ህግደፍ ኣውጊዙ።
3) ኤርትራውያን ስደተኛታት
ኣኼባ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ብዛዕባ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ኣጸጋሚ ህይወት ብዝምልከት ተመያይጡ። ብፍላይ ከኣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሰንክቲ ኣብ ትግራይ ዝተባረዐ ውግእ ዘጋጠሞም ጸገማት ብሰፊሑ ዳህሲሱ።
ኣብዚ እዋንዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንክቲ ውግእ ተመዛቢሎም፡ ኣብ ኩሉ ከተማታት ይሳቐዩ ንዘለዉ፡ ብፍላይ ከኣ፡ ኣለምዋጭ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዳባት/ጎንደር ዝርከብ ሓድሽ መደበር ዝሓልፍዎ ዘለዉ ህይወት ኣዝዩ ኣስጋኢ ምዃኑ ተረዲኡ። ብዘይካዚ ኣብ ከተማታት ሱዳን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቐጻሊ ብናይ ሱዳን ናይ ጸጥታ ሓይልታት እናተኣስሩ ልዕሊ ዓቕሞም ገንዘብ ንክኸፍሉ ይገደዱ ምህላዎም ኣዝዩ ከም ዘተሓሳስቦ ተረዲኡ። በዚ መሰረት ኣኼባ መንግስታት ናይተን ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዓቖብለን ሃገራትን እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ዓለም ለኻዊ ትካላትን ንጉዳይ’ዞም ኣብ ስቓይ ኮይኖም ኣውያቶም ዘስምዑ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግቡእ ቆላሕታ ክገብርሉ ጻዋዒት ኣቕሪቡ።
4) ፈስቲቫላት ህግደፍ
ኣኼባ ነቲ ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ኣንጻር ኩሉ ምንቅስቓሳት ህግድፍ፡ ብፍላይ ከኣ ኣንጻርቲ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ዝእክበሉን ናይ ጽልኢ ጐስጓሳት ዝነዝሓሉን ፈስቲቫላት ንምፍሻል ዝተኻየደ ቃልሲ ንኢዱ። በዚ መሰረት ነቶም ፈስቲቫላት ህግደፍ ኣብ ሽወደንን ዳላስን ከምቲ ዝተመደቦ ከምዘይከይድ፡ ኣብ ሆላንድ ከኣ ከም ዝስረዝ ዝጸዓቱ ኤርትራውያን ኣመጒሱን ቃልሶም ከሕይሉ ኣተባቢዑን።
ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ኣኼባኡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ ዓንቀጽ፡ 6.1.15፡ ንመጻኢ ሓደ ዓመት ዝመርሕ 9 ዝኣባላቱ ፈጻሚት ሽማግለን ተቖጻጻሪ ገንዘብን ንብረትን ብዲሞክራስያዊ መንገዲ መሪጹ።
ኣብ መዛዘሚ ኣኼኡ፡ ማእከላይ ባይቶ፡ ኣባላትን ደገፍትን ሰዲህኤ፡ ከበርክትዎ ንዝጸንሑ ንዋታውን ንያታውን ኣበርክቶ ንኢዱ። ኣብ መጻኢ እውን ብሓፈሻ ንምዕዋት መትከላት ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ መዳያት፡ ብፍላይ ከኣ ንምዕዋት መጻኢ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ኣበርክተኦም ከዕዝዙ ጸዊዑ። ህዝቢ ኤርትራ እውን ነቲ ንሓርነቱን ሰላሙን ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ብዝተዓጻጸፈ ከይተሓለለ ብናህሪ ክቕጽሎ ተማሕጺኑ።
ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ንምዕባለን ንቃለስ!
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!
20 ነሓሰ 2022
ቅድሚ ኣብ ትግራይ ውግእ ምጅማሩ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 100 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝነበሩ፡ ሳራ ሚለር ዝተባህለት፡ ናይ ጆርጅታውን ዩኒቨርስቲ ተመራማሪት ኣብ መጽሐት ዘ ኮንቨርዘሽን/ THE CONVERSATION ኣብ ዘሕተመቶ ጽሑፋ ሓቢራ።
እዞም ኤርትራውያን ክስደዱ ዘገደዶም፡ እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ብደረጃ ዓለም እውን ዝኸፈ፡ ሰብኣዊ ኩነታት ምዃኑ እዛ ተመራማሪት ገሊጻ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕማቕ ሰብኣዊ ኩነታት፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸም ሰፊሕ በደልን ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርናን ከም ዝርከቦ ብምጥቃስ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ጨቋኒ ምምሕዳር ዘላ ሃገር እያ ኢላታ። እቶም ፖሊሲ መንግስቲ ንምቅዋም ዝዛረቡ ወይ ከምኡ ይሓስቡ ተባሂሎም ዝጥርጠሩ፡ ንሓያሎ ዓመታት ከም ዝእስሩ፡ ከም ዝሳቐዩን ዝስወሩን’ውን እታ ተመራማሪት ኣብቲ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምልከት መጽናዕታ ኣስፊራ
ምስዚ ኩሉ፡ እቶም ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብ2020 ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሕዝቱ ከባብያዊ ሓይልታትን ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ ኣብ ጽንኩር ወጥሪ ኣትዮም ኢላ፡ እቲ ውግእ ዓሌታዊ መልክዕ ብዘለዎ ቀልጢፉ ምስ ሰፍሐ፡ መብዛሕትኡ ከባብታት ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ዘይውሑስ ኮይኑ ኢላቶ።
ኣብዚ እዋንዚ ነቲ ውግእ ኣብ ዝምልከት ናብ ሰላም ዝወስድ ምዕባለ ዘሎ ይመስል፡ ዝበለት ሳራ ሚለር፡ እንተኾነ ነቶም ስደተኛታት ኮነ ነቶም ኣዕቊበምዎም ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ሰብኣዊ ድሌት ምቕራብ ጌና ኣጸጋሚ ከምዘሎ ኣስፊራ። ምስዚ ብዝተጠሓሓዘ ትካል መግቢ ዓለም ብወገኑ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥቅምቲ ንደሓር ሓገዝ ከቕርብ ከምዘይክእል ሓቢሩ ኣሎ ኢላ።
ስራ ሚለር፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ፍልይቲ ክኢላ ምዃና ጠቒሳ፡ ናይዚ ጽሑፍዚ ምቕራባ ዓላማ ከኣ ፍሉይ ድሌት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምቅላሕ ምዃኑ ገሊጻ። መበገሲ ሓበሬታኣ ቃለ መጠይቓት ምስ ስደተኛታት፡ ኣካላት ሕቡራት መንግስታት፡ ዘይመንግስታዊ ማሕበራትን መንግስታዊ ኣካላትን ምዃኑ ኣብቲ ጽሑፋ ኣስፊራ። ኣብቲ ዝገበረቶ መጽናዕቲ ብኹሎም ኣብቲ ውግእ ዝተሳተፉ ኣካላት ዝተጠቕዑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዘጋጠምዋ ኣረጋጊጻ።
ሳራ ሚለር ከም ዝገለጸቶ፡ ቅድሚ ውግእ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ሰላማዊት ነይራ። በዚ መሰረት ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ስደተኛታት ዘዕቆባ ሃገራት ኣፍሪቃ ምንባራጠቒሳ፡ ብቑጠባ ደሓንን ነይራ ኢላ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ኤርትራውያን ኮኑ ካለኦት ስደተኛታት ከምኡ እውን ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላማዊ ከባቢ ክረኽቡ ኣብ ዝሽገርሉ ደረጃ ምሃልዎም ኣብቲ ሰፊሕ ጽሑፋ ጠቒሳ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኢትዮጵያ ሕቶ ስደተኛታት ናይ ምምላስ ግደታኳ እንተለዋ ዓቕሚ ግና ከምዘየብላ መስኪራ።