EPDP News

ሱዳናዊ ሲቪላዊ ግንባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክጋብኡ መደብ ተጣሒዙ ከምዘሎ ሱዳን ትሪቡን/SUDAN TRIBUNE ሓቢራ። እዚ 24 ጥቅምቲ 2023 ዝካየድ ኣኼባ ኣብቲ ቅድም ተታሒዝሉ ዝነበረ ናይ 22 ጥቅምቲ 2023 መደብ  ዳግመ-ግምት ብምግባር ዝካየድ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ።

እቲ ናይ ኣኼባ ዕለት ለውጢ ምግባር ዘድለየ፡ ብናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዶ/ር ዓብደላ ሓምዶክ ዝቐረበ ናይ ይናዋሕ ሕቶ እዩ። ሓምዶክ ዕለት ኣኼባ ክናዋሕ ዝሓተትሉ ምኽንያት ከኣ፡ ምስቲ ብዓብደል ዓዚዝ ዝምራሕ ሱዳናዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ምስቲ ብዓብደል ዋሂድ ኑር ዝምራሕ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳንን ንምምኽካር ዘኽእል ግዜ ንምርካብ ምዃኑ ኣብቲ ጸብጻብ ተሓቢሩ።

ናይቲ ኣኼባ ኣዳለውቲ ካብ ዝኾኑ ሓደ ጠይብ ማልካብ እቲ ናይ ኣኼባ ዕለት  ምትዕርራይ በቶም ተሳተፍቲ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብዶ/ር ሓምዶክ እናተመርሐት ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳን ናይ ኣፈጻጽማ ሕግታትን ከም ዘጽደቐት ኣፍሊጦም።

ሓደሓደ ተዓዘቲ’ኳ ኣብ ዝርዝር ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ዘይምርድዳእ ነይሩ ዝብል ሓበሬታ ናብ ማዕከን ዜና ሱዳን ትሪቡን እንተቕረቡ፡ ኣጣይብ ማልካቢ ግና ጸገም ከምዘየለን “መን ይሳተፍ?” ኣብ ዝብል 5 መዓልታት ቅድሚ ዕለት ኣኼባ ከም ዝተሰማምዑን ገሊጾም። ካብቶም ክሳተፉ ትጽቢት ዝግበረሎም ዘይክሳተፉ ይኽእሉ እዮም ዝበሃሉ ካብ 2% ከምዘይበዝሑ ኣፍሊጦም። ካብቶም ተሳተፍቲ ተወከልቲ ሲቪላዊ ማሕበር ከባቢ 20%፡ ተወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ወተሃደራዊ ምንቅስቓስን ድማ  ካብ13 ባእታታት ከም ዘይበዝሑ ኣፍሊጦም።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ድሕሪ ምስታፎም፡ ዕረፍቲ ተዋሂብዎም ኣብቲ ዝተባህልዎ ግዜ ናብ ኣሃዱታቶም ዘይተመልሱ ብዝብል ምስምስ ወተሃደራት 6 ኣዋርሕ ንክእሰሩ ከም ዝወሰነ ሬድዮ ኤረና ሓቢራ።

መብዛሕቶም ‘ቶም ዝተኣስሩ ኣባላት ሰራዊት፣ ናብ ኣሃዱታቶም ብዘይምምላሶም “‘ካብ ክድዓት ዘይፍለ’” ዝብል ክሲን ጸለመን ከምዝቐረቦም  እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ። ከም ሓቂ ግና መብዛእቶም ካብቶም ግዳያት ብዘይኣላዩ ሓዲጎሞም ናብ ውግእ ትግራይ ዝኸዱ ቤተሰብን ንብረትን ንምእላይ፣ ከምኡ እውን ሕርሻን ጥሪትን ንምክትታልን ዝተገደዱ ምዃኖም ተፈሊጡ።

ውግእ ትግራይ  ይካየድ ኣብ  ዝነበረሉ እዋን፣ ብግፋን ካልእ ናይ ምግዳድ ኣገባብን፣ ኣዝዮም ብዕድመ ዝደፍኡ ኤርትራውያን ኣረጋውያን ከይተረፉ ተገዲዶም ከም ዝተወስዱ ዝዝከር እዩ። ኣጋጣሚ ረኺቦም ናብ ውግእ ዘይከተቱ ከኣ ኣባይቶም ይዕጾን ንብረቶም ይውረስን ከም ዝነበረ ዝፍለጥ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ውዕል ሰላም ኣብ ደቡ ኣብፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ምኽታሙ፡  ብዙሓት ደቆም ናብ ትግራይ ምስ ከዱ ደሃይ ዘይገበርሎም ኤርትራውያን ስድራቤታት  መርድእ ክሰምዑ ብስግኣት ይጽበዩ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ። ምስዚ ብዝተዛመደ ኣብ ክልል ትግራይ መርድእ ስዉኣት ብወግዒ ከም ዝተነግረን ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ምጽንናዕ ተግባር ከም ዝተኻየደን ዝፍለጥ እዩ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ20 ጥቅምቲ 2023 ብመሪሕነት ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ዘካየዶ ኣኼባ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ኤርትራውን ዞባውን ጉዳያት ዝምልከቱ ሓበሬታታት ተለዋዊጡ፡ ኣብ ኣገደስቲ ዛዕባታት ድማ ዓሚቕ ገምጋማት  ኣካይዱ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ንፍሉያት ኣገደስቲ እዋናዊ ጉዳያትዝምልከት ውሳነታት ወሲኑ።

1) መደረ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጉዳይ ወደብ ዓሰብ

ኤርትራ ድሕሪ ናጽነታ እውን፡ ኣጀንዳ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ካብ ምዃን ዓዲ ኣይወዓለትን። ብመሪሕነት ኢህወድግ ዝተመስረተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዝወላወል መርገጽ ኣይነበሮን። ኣብ ስልጣን ዘይነበሩ ዝተፈላለዩ  ጉጅለታትን ባእታታትን ግና “ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ኮይና” ብዝብል ምስምስ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ከመዘይተዋሕጠሎም ካብ ምግላጽ ዓዲ ኣይወዓሉን። ብ2018 ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ስልጣን ድሕሪ መሓዙ ከኣ “ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር ክነሳ ከመይ ኢላ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ትኸውን” ብዝብል ሰበብ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝፈታተኑ ሓያሎ ማሕበራዊ መራኸብታትን ፖለቲከኛታትን ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓያሎ ዘይቀጥታዊ ፈተነታት ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ 13 ጥቅምቲ 2023  ጀሚሩ ብወግዒ ቅድም ኣብ ኣኼባ ኣባላት ናይቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና፡ ደሓር ድማ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ከም ወግዓዊ ኣጀንዳ “ብሓይሊ ይኹን ብሰላም  ወደብ ዓሰብ ክንውንን ኢና” ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡስ ርኢቶኡ በቲ ትካላዊ መድረኻ ተቐባልነት ምርካቡ ፈጻሚ ሽማግለ ተመልኪቱ። መንግስታዊ መድያታት ኢትዮጵያ’ውን ኣቃሊሐነኦ። እዚ ሃቐነ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ጽኑዕ ሕጋዊ ባይታ ዝተሰረተ  ልኡላውነት ኤርትራ ዘምጸኦ ለውጢ’ኳ እንተዘይሃለወ ሓደገኛ ሳዕቤንን ምፍሳስ ደምን ከኸትል ከም ዝኽእል ፈጻሚ ሽማግለ ተገንዚቡ።

ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ድሕሪ’ቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራ ከርእዮ ዝጸንሐ ድፍረት፡  ኣብዚ ቀረባ  ዝሃቦ ወግዓዊ  መግለጺ፡ ብዓሚቕ ምግንዛብ መሬታዊ፡ ማያውን ሰማያውን ልኡላውነት ኤርትራ ብማንም ከምዘይድፈር ብምግንዛብ መራሒ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ዝበሎ ግጉይ ምዃኑ ተኣሚኑ ንክመልሶን ድሕሪ ሕጂ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ሓደጋ ከውድቕ ዝኽእል ድፍረት ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራን ህዝባን ኢዱ ከየእቱ ብትሪ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ እንኮ ሃገር ኣይኮነትን። ካለኦት ከምኣ ዝኣመሰላ  ሃገራት’ውን ኣለዋ። እንተኾነ ኣፍደገ ባሕሪ ስለ ዘድልየኒ ዘይናተይ ወደብ “ብዓመጽ ክወስድ እየ”  እትበል ሃገር ኣይተራእየትን። እንተ ብደረጃ  ተጠቃምነት  ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ዝምልከት፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ብዘይጻባእን ብዓለም ለኻዊ ውዕላት ብዝግዛእን ስምምዓት ክትጥቀም እሞ ክልቲኡ ህዝብታት ሓቢሩ ዝዓብየሉ ኩነታት ምፍጣር ከም ዝከኣል ርዱእ ምዃኑ ፈጻሚ ሽማግለ ተገንዚቡ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ከምቲ “ውደን ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን ይሓምያ” ዝበሃል፡  ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ጉዳይዚ ተሓታቲ ምዃኑ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ተገንዚቡ። ኢሳያስ ድሕሪ 2018 ኣብ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ከሰጉሞ ዝጸንሐ፡ ውልቃዊ፡ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ዝምድና፣ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ኢትዮጵያውያን ዕሉል ደጋፊ ፖሊሲ “መደመር” ብምዃን፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ መብጸዓታት ክህብ ምጽንሑ፡ ነዚ ሎሚ ዝኽሰት ዘሎ ጠንቂ እዩ። ድሕሪ መግለጺ ዶር. ኣብዪ ኣሕመድ ዘውጽኦ መግለጺ እውን ሓፋርን ዘይንጹርን እዩ። ስለዚ ፈጻሚ ሽማግለ እቲ ኢሳያስ “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት እዮም ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም” ክብሎ ዝጸንሐ ብምግንዛብ፡ ነቲ ኢትዮጵያውያን ብስም ኤርትራ ክንቀሳቐሱ ክህቦ ዝጸንሐ ሓላፍነት ብምዝካርን፡ ኢትዮጵያውያን ልኡላውነት ኤርትራ ዝደፍር ድምጽታት ንክስምዑ ከም ዘተባብዖም ብምስትብሃልን፡ ንዘይሓላፍነታውን ሃላልን ፖሊሲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ  ኣውጊዙ።

ኣብ መወዳእታ ልኡላውነት ኤርትራ ብሰንኪ ጉጅለ ኢሳያስ ዝኸፈቶ ኣፍደገ ናብ ዘተሓሳስብ ኣንፈት የምርሕ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ወሳኒ ምዃኑ ብምምዛን ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ሓቢርና ንቃለስ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

2) ኣብ መንጎ ፍልስጤምን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ውግእ

ኣብ መንጎ ፍልስጤማውያንን እስራኤልን ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ  ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግእ ፈጻሚ ሽማግለ ካልእ ብትኹረት ዝመዘኖ እዋናዊ ዛዕባ ነይሩ። ኣኼባ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዝወርድ ዘሎ ህልቂትን ዕንወት ትሕተ-ቅርጻን ኣዝዩ ከም ዘሕዝን ገምጊሙ። ካብዚ ቀጻሊ ዘሎ ህልቂት ንምውጻእ እቲ መፍትሒ ውግእ ከምዘይኮነ ብምእማን ድማ፡ ኣብቲ ውግእ ተጸሚዶም ዘለው ኣካላት ነቲ ብመሰረት ውሳኔታት ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ፍልስጤምን እስራኤልን ክልተ ነብሰን ዝኸኣላ ሃገራት ክኾና፡ ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ውዕላትን  ከኣ ከኽበሩ፡ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን  ቤት ምኽሪ ጸጥታን ተጽዕንኦም ከሐይሉ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ጸዊዑ።

ኣብ ርእሲዚ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ተራ ዜጋታት ፍልስጢማያን ተውርዶ ዘላ ቀጻሊ ደብዳብ ጠጠው ከተብል፣ ኣንቢራቶ ዘላ ዕጽዋ ክኽፈት፣ ናብ ፍልስጤማውያን ረዲአትን ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ጠለባትን ዝኣትወሉ መስመራት ነጻ ክኸውን፣ ኩሎም ዝምልከቶም  ኣካላት ተጽዕኖ ከሕድሩ ኣኼባ ጸዊዑ።

                     21 ጥቅምቲ 2023

ብዕለት 20.10.2023 ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣኼባ ብኦቦ መንበር ሰልፊ ሓው ገረዝግሄር ተወልደ ዝተመርሔ ኮይኑ፣ ኣብ መኽፈቲ ቃል ናይቲ ኣኼባ ንኹሎም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣሓትን ኣሕዋትን ብምምስጋን ሰናይ ትምኒቱ ብምግላጽ እዩ ጀሚሩ።

ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ኣብ እዋናው ዛዕባታት ዘትኮረ ኮይኑ፡ ብቀንዱ ንላኣላውነት ኤርትራ ዝፈታተን ዘሎ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብሓድሽ ተጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።

ድሕሪ 1993 ዓ.ም. ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ምዃና ዘይተዋሕጠሎም ኢትዮጵያውያን ጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ብዝምልከት ካብ ነዊሕ ኣዋን ጀሚሮም ከልዕልዎ ዝጸንሑ’ኳ እንተኮኑ፣ እቲ 2018 ናብ ስልጣን ዝመጸን ንብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይዝኾነ ይኹን ኩነት ንምትግባሩ ቃል ዝኣተወን ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሎሚ ተመሊሱ ኣብ ፓርላማ ብምስምስ ዘይሓቀኛ ታሪኽን ብዝሒ ህዝብን ናይ ይግባኣና እዩ ሕቶ ምልዓሉን፡  ናብ ዘይውዳእ ምድማይ ዘእቱ ምዃኑ ኣኼባ ፈጻሚ ተገንዚቡ።

በዚ መሰረት፡ ሰዲህኤ ወደባት  ኮነ ባሕሪ ኤርትራ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይወርድ ልኡላዊ ኤርትራ ምዃኑ ይኣምን፡ ነዚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ዝኾነ ይኹን ብኢሳያስ ዝተገብረ ውዑላት ኮነ ስምሞዓት ከይምዘይቕበል፡ ንተጠቃምነትን ሓባራዊ ዕብየትን ሃገራት ዝምልከት ግን፡ ብሃገራዊ፡ ዞባውን ኣህጉራዊ ሕግታትን ስምምዓትን ዝተማእከለ ውዑላት ክፍታሕ ከምዝኽእል ኣኼባ ርእዩ።

ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግል፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ መንጎ ፍሊስጤማውያንን እስራኤልን ተጀሚሩ ዘሎ መወዳእትኡ  ዘይፍለጥ፣ ንህዝቢ ዘህልቕን ዘመዛብልን ዘሎ ኲናት ታሪኻዊ መንቀሊ ዘለዎን ንልዕሊ 75 ዓመታት ዝቐጸለንኳ እንተኾነ ውግእ ደው ኢሉ ናብ ዘተን ልዝብን ክኣቱ፡ በቲ ናይ 1948 ኮነ ናይ 1967 ብይን  ሕቡራት ሃገራት ክምእዘዙ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ቤት ምኽሪ  ጸጥታን ግደኦም ከበርክቱ  ጸዊዑ።  (ነዚ ዝምልከት ምሉእ ትሕዝቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ክስዕብ እዩ)

ሰንበት 15 ጥቅምቲ 2023 ብወይዘሮ ኣድያም ተፈራ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሓላፊት ቤት-ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ እተጸወዐ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባላት ተኻይዱ። ሓፍቲ ኣድያም ኣኼባ ኣብ ምኽፋታ ብጸይትና ኣልጋነሽ ያቆብ ብምዝካር ዝነበራ ዓቢ ኣስትአዋጽኦ ድሕሪ ምጥቃስ መስዋእታ ኣብ ሰልፍና ዓቢ ሃጓፍ ከምዝፍፈጠረ ኣብሪሃ። እዚ ድሕሪ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ዝተሰላሰለ ዕዉት ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ብምንባሩ ኣቃዉማ ምምሕዳር ቤት-ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮን ናይ ዝመጽእ ሓደ ዓመት ናይ ስራሕ ንድፊን ብሓፍቲ ኣድያም ቀሪቡ።  

ዝቐረበ ናይ ዝመጽእ ሓደ  ዓመት ናይ ስራሕ ንድፊ ድሕሪ እኹል ምምይያጥ ጸዲቑ። ብመሰረት ዝጸደቐ መደብ ድማ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ተገይሩ። ኣብ ምውዳብን ምምልማልን ሓደስቲ ደቂ-ኣንስትዮ ጽዑቕ ጻዕርታት ክካየድ ከምዘለዎ ኣኼባ ተመልኪቱ።

ብዘይካ’ዚ  ንቤት-ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ንምሕጋዝ ብቤት-ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትትዮ ዝተገብረ ሓገዛት ብምምጓስ ቀጻሊ ጻዕርታት ክካየድ ኣኼባ ተሰማሚዑ።

ምስ ካብ ሰልፊ ወጻኢ ዝካየድ ምንቅስቓስሳት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ዓቕምና ብዝፈቕዶ ምሉእ ምትሕብባር ክግበር ኣድላይነቱ ተራእዩ።

ኣብ መደምደምታ ሓፈሻዊ እኼባታት ደቂ-ኣንስትዮ ስሰልፊ ከም’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ሕጂ’ውን ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ክካየድ ኣኼባ ወሲኑ።

ብዘይተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዕምብብ ዲሞክራሲ የለን!

ቤት ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮ ሰ.ዲ.ህ.ኤ

15 ጥቅምቲ 2023

ብዕለት 14.10.2023 ዓ.ም. ፈ. ሰዓት 20.00 ድ. ቀ. ብመራኸቢ ብዙሓን ዙም ጨንፈር ቁ.2 ሰ. ዲ. ህ. ኤ. ሃገረ ሽወደን ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዶም`። ኣጀንዳ ኣኼባ ከኣ 1- ዉጺኢት 4ይ  ጉባኤ ሰ. ዲ. ህ. ኤ.  ብወከልቲ ጉባኤ ምቀራብ ፣ 2- ገምጋምን ዉጺኢት ፈስቲቫል ኤርትራ 2023 ብኣቦ መንበር ኣሳናዳኢት ሽማገለ ፈስቲቫል ።

ኣኼባ  ብኣቦ መንበር ጨንፈር ሙዉቅ ሰላምታ ብምቅራብ፣ ንብጻይ ኣረፋይነ እስቲፋኖስ ወኪል ጉባኤን ኣባል ሽማገለ ን ዝኾነ ሙሉእ ጥዕና ክህቦ ብምምናይ ከፈቶ። ኣስዒቡ ኣባላት እዚ ጨንፈር ቁ.2  ተሰኪሞሞ ዘሎዉ  ሰልፋዊ ሓላፍነት ካብቶም ቀንዲ ኣዕኑድ ጽንዓትን ንቅሓትን ተወፋይነትን ኣበርክቶን ብሓቂ ዓቢ ግናዕ ጽፈትን ብሩህ ምሕደራን ብምኻን፣ ከም ኣባል ሕቡንን ዕጉብን ብምባል ግደ ብጻይ ነጋሲ ሓምደን ብጻይ ፍጹም ኢሳቅን ኣመስጊኑ ። ኣብቲ ጉባኤ ስነበሩ መስራሓት ብቀደም ተኸተል ብምትንካፍ ከኣ እዚ ሰልፊ እዚ ጽኑዕን ንቁሕ ተረዳኦ ዝውንን ንዝኾነ ተርእዮታት ወይ ለውጥታት ኣብ ጎረበት ይኹን ኣብ ዓለም እውን  ብቁዕ ኣስተብህሎን ንቁሕ ሚዛንን ብምሃብ ብማንም ዘይክሰስ ሓያል ተባዕ መሪሕነቱ ኣመስኪሩ እዩ ኢሉ ፣ 4ይ ጉባኤ ዉህድ ሓድነቱ ዝዓቀበ ዕዉት ጉባኤ ምንባሩ ሓቢሩ። ቀጺሎም ኣብ ጉባኤ ዝተሳተፉ ሰለስተ ብጾት ኣዎንታዉን ገለ ጉድለታት ብምትንካፍ ንመጻኢ ክጽንዑ ተላብዮም  ዉሁድ ጉባኤ ምንባሩ ኣስሚሮምሉ። ብፍላይ ሓዲስ ኣቦ መንበር ብኩሉ ቅቡል ዝኮነ ባእታ ተስፋ ንዓወት ምኻኑ ኣስሚሮምሉ። ብምቅጻል ኣቦ ወንበር ኣሳናዳኢት ሸማገለ ፈስቲቫ 2023 ዕዉት ፈስቲቫል ፖሊቲካዊ ተልእኾ ዘማሓላለፈን ህዱእን ዓቅምና ዝኾነ በዓል ብዘሕለል ተወፋይነት ኣባላት ሰልፊ ዝተዓመ ኩሎም  ስራሓት ብዘይ ክሳራ ከም ዝነበረ ብዝርዝር ኣቅሪቡ። ኣኼባ ብሃነጽቲ ለዉባት ኣብ ገንዘባዊ ጉዳይ ብምቅራብ ኣኼባ ብዕጉብ መንፈስ ተዛዚሙ።

ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ምዕባለን ንቃለስ!!!

ብዕለት  08 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ስያትል ዝርከብ ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ። ጨንፈር ስያትል ኣብቲ ሰለስተ ሳዓታት ዝውሰደ ኣኼባ ብቐዳምነት ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው ገረዝግሄር ተወልደ ኣብቲ ብዘተ ንሓባዊ ንቕሓት ዝተባህለ መራኸቢ ተዓዲሙ፣ ብዛዕባቲ ንምዕዋት ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ ዝተሓልፈ ቅዋማዊ መስርሕን ዝሰገሮም ብድሆታትን ጉባኤ ዝወሰዶም ሓደስቲ መድረኻውያን ፖለቲካዊ  ውሳኔታትን ንምብራህ ዝተኻየደ ኣኼባ እዩ ዘትዩ። ጨንፈር ኣብቲ ናይ ኣቦ መንበር ኣኼባ ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ኣገደስቲ ሕቶታትን ኣቦ መንበር ሰልፊ ብተደጋጋሚ ዘብርሆ ዝነበረ መልስን ንጹርን ግልጽን ምንባሩ መዚኑ። ከምኡ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ናይ ህዝብን ኣባላት ሰልፍን ቀጻሊ ክኸውን ድማ ርእዩ።

እቲ ካላኣይ ኣብ ኣኼባ ጨንፈር ዝቐረበ ዛዕባ ድማ፡ ሐፈሻዊ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሐመዱ ዝብል ኮይኑ: ኣብ ውጽኢት ራብዓይ ጉባኤን ነዚ ዝምልከት ውሳኔን ምርኩስ ብምግባር፣ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዘድሊ ምትብባዕን ደገፍን ንኽግበረሉ፣ ዘለዎ ናይ ኣመራርሓን ምምሕዳራዊ ሕጽረታትን ክምልእን ኩሉ ዓይነት ደገፍ ክረክብ ከምዝግባእ ኣኼባ ርእዩ።

እቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ኣኼባ ጨንፈር ዝተዛረበሉ ኣጀንዳ ድማ፡ ሓፈሻዊ ኲነታት ኤርትራን ከባቢኣን ዝብል ኮይኑ፣ ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ብፍላይ  ዘንጸላሉ አሎ ናይ ኲናት ሓደጋን ስቅያት ህዝብናን ዘጠቓለለ ነይሩ። ኣኼባ ብብጸይቲ ኤርትራ ኣልኣዛር  ኣደ-ወንበር ጨንፈር ተመሪሑ ብሓባራዊ ምርድዳእ ምድምዳሙ ተሓቢሩ።  

ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ምዕባለን ንቃለስ!!!

ብቀዳም ዕለት 07 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ከተማ ሲያትል ብኣባላት ምንቕስቓስ ይኣክልን ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱን  ዝተዳለወ መበል 10ይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ላምፓዱዛ ተኸቢሩ ውዒሉ። ኣብዚ ናይ ዝኽሪ ኣኼባ ብናይ ሰማእታት ናይ ሕልና ጸሎት  ድሕሪ ምጅማር ሓው መሓሪ ኣስራት መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ። ቀጺላ ኣደ መንበር ምንቅስቓስ ይኣክል ወ/ሮ ገነት ብርሃነ ሎሚ ን10ይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ላምፓዱዛ ከነኽብር ከሎና “ቃልስና ብምሕያል ሕድሪ እቶም ኩሎም ኣብ ሰሃራን ባሕርን ዝተቀዘፉና ሰማእታትና ከነተግብር ደጊምና ደጋጊምና ቃልና እነሐድሰሉ ክኸውን ይግባእ” ዝብል ናይቲ መዓልቲ መእከቢ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነ ሓጺርን ረዚንን መግለጺ ኣቕረበት።

ኣስዒቡ፡ ኣቦ መንበር ብሪጌድ ንሓመዱ ሲያትል ሓው መዓሾ ጎይትኦም ታሪኽ ህይወት ናይ ስዉእ ብሪጌድ ንሓምዱ ዝኾነ ሃይለ መስፍን ኣንበበ። ካብዚ ቀጺሉ እቲ ወናም ስነ-ጥበባዊ ገጣሚ ዳዊት ክፍልዝጊ ብዛዕባ ህልቂት ላምፓዱዛ መሳጢ ግጥሚ ምቕራቡ ይዝከር።

ቀጺሉ ንዝኽሪ ኩሎም ዝሓለፉ  ሰማእታት ብተሳተፍቲ ናይ ሽምዓ መብራህቲ ተገይሩ። ስዒቡ ንኣዳለውቲ በዓል ኮነ ፈጸምቲ ኣካላት ዝምልከቱ ካብ ኣባላት ዝተፈላለየ ርእይቶታትን ለበዋታት ቀሪቡ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንናይ እስራኤል ብሪጌድ ንሓመዱን ናብ ኤሪሳት ዝኸይድን ብፍላይ ንስድራ ስዉእ ጅግና ሃይለ መስፍን ዝለኣኽን ናይ ገንዘብ ወፈያ ብምግባር እቲ ኣኼባ ተደምደመ።

እዛ መዓልቲዚኣ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ሲያትል ፍልይቲ ዝገብራ ድማ፡ ቅድሚ 10 ዓመታት በቲ ኣብ ላምፓዱዛ ዘጋጠመ ህልቂት፡ ክሳብ 800 ዝኣክል ብዝሒ ዝነበሮም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ሲያትል፤ ሓዘኖም ንምግላጽን ንናይ ሓባር ቃልሲ ክዕጠቑን ተኣኪቦም  ዝተበገሱላ መዓልቲ ብምዃና እያ።

 ወናም ስነ-ጥበባዊ ሰመረ ኣብርሃም ናይ ላምፓዱሳ ህልቂት ብምዝካር ዘቕረቦ ናይ ሓዘንን ቆራጽነትን ዜማታት ነቲ በዓል ፍሉይ ድምቀት ከምዝሃቦ‘ውን ተሓቢሩ። እተን ዘይሕለላ ኣዴታትን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ድማ ንኹሉ ኣኼበኛ ሻህን ሕብስትን ብምቕራብ ዝምስገን ዕማም ምብርካተን ዝዝከር እዩ።

 ሓው መሓሪ ኣስራት ከም ኩሉግዜ ነቲ ኣደራሽ ናይ መለይ ባንዴራታትን ስልማትን ናይ ድምጺ መጉልሒ መሳርሒታትን ብምትካል ነቲ ኣኼባ ኣማዕሪጉዎ ወዓለ። ንኹሎም ኣብ ምድላውን ምስታፍን ናይቲ ኣኼባ ዝተኻፈሉ መንእሰያት፡ ዓበይትን ኣዴታትን ድማ ልባዊ ምስጋና ብምቕራብ እቲ ዝኽሪ ተደምዲሙ።

ነበርቲ ከተማ ሎንዶን ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኾኑ ኤርትራውያን ወለዲ፤ ነዚ ብኤርትራውያን መንእሰያት ተጀሚሩ ብልዑል ናህሪ፣ ዕብየትን ስፍሓትን እንዳ ኣመዝገበ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል በርጌድ ንሓመዱ ንዋታውን ሞራላውን ሓገዛት ብምባርካት፣ ኣብ ጎኑ ምህላዎም ብግብሪ ከረጋግጹን፣ ሓላፍነቶም ከልዕሉን ከምዝተሰማምዑ ሓቢሮም። ንሳቶም ነዚ ዝገለጹ፡ ካብቲ ንውሳኔኦም ግብራውነቱ ንምልባስ ንዕለት 7 ን 8 ጥቅምቲ 2023 ክካየድ ብጽሑፍ ዝዘርግሕዎ ጻውዒት  እዩ። ኣብቲ  ዝተዘርግሐ ጻውዒት፣ ደቂና ነታ እንፈትዋ ሃገርና ዘማሰነን፣ ህዝብና ዘጥፍእ ዘሎን ጨቋኒ ስርዓት ንምእላይ ክሳብ ህይወቶም እንዳኸፈሉ ኣብ ምርብራብ እንክርከቡ ዘለና እዋን፣ ንሕና ከም ወለዲ ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ክንዕዘብ፣ ጌጋ ጥራሕ ዘይኮነ ንጽባሕ  ዘሕትተና እዩ ዝብል ረዚን መልእኽቲ እውን ሒዙ ይርከብ። በዚ ኣጋጣሚ ነዞም ናይ ወለዲ ሓላፍነት ተሰኪሞም ንተበግሶ ግብራውያን ደቅና ክነሕይል ኢና ዝብሉ  ኣብነታውያን ወለዲ ተቀማጦ ሎንዶን እናደገፍና፣ ኣበየ ኩርናዕ ዓለምና ዝርከቡ  ኩሎም ወለዲ እውን ነዚ ሰናይ መርኣያ ክስዕብዎን፡ ሕጽረታት ምንቅስቓስ ናይዚ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ምምላእን ምስራዕን ግዲኦም ከበርክቱን ንጽውዕ።   

ስርዓት ብልጽግና ኣብ ኣዳም ዝገበሮ ናይ ዕለት 24 መስከረም 2023 ሰሚናር ውዕልኡ ጉዳይ ወደብ ዓሰብ ምንባሩ ጸጸኒሑ ዝቃላዕ ዘሎ ምስጢራት እዩ። ሓደ ካብቶም ኣውራ ነዚ ጉዳይዚ ናይ ጥፍኣት ምልዕዓል ዘካየደ ድማ፡ ኣንጻር’ቲ ብኢህወደግ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ትዮጵያ ብምዃኑ ጥራሕ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ትሽቱሽ ህግደፍ ተዓቚቡ ዝጸንሐ፡ ብገንዘብን ንብረትን ኤርትራውያን  ፖለቲካዊ ምንቅስቓሱ ዘዕበየ፡ ቀደም ናይ ጉንበት ሸውዓተ መራሒ ዝነበረ ናይ ሎሚ መራሒ ኢዜማ ዘሎ ዶክተር ብርሃኑ ነጋ እዩ።

መግለጺ ሚኒስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ብርሃቡ ነጋ ኣብ ኣዳማን  ዝተዘባረቐ ቋንቋኡን “ኣንዳንደቹ ጥያቄዎች እኮ ቑ`ጭ ብላቹ ደይ ቱ ደይ ስለሆነ ብደምብ ፎሎው ኣናርገውም እንጂ፣ ኣይ ቲንክ ባለፉት ሁለት ሰዎስት ወር እዚህ ትልቁ ጥያቄ የወደብ ጥያቄ ነበር። 120 ምናምን ሚሊዮን ህዝብ ያለባት ትልቅ ኣገር ኢንደፍኒትሊ ሰኵርድ የሆነ፡ ከሌላው ኣለም የምትገበያይበት ፖርት ከሌላት ኣደጋ ውስጥ ትገባለች፡ ኣንገታችንን ነው የምንታነቀው” ክብል’ዩ ቃል ብቓሉ ተሰሚዑ።

ብርሃኑ ነጋን ንሱ ዝመርሖ ውድብን ሓደ ካብቶም ንናጽነት ኤርትራ ዘይቅበሉ ጽንፈኛታት ኣምሓሩ ምዃኑ ንጹር ክነሱ፡  ብፍላይ ወያኔ ንኢትዮጵያ ወደብ ዘይብላ ክሳዳ ዝተቆርጸት ሃገር ገይርዋ ዝብል ፖለቲካዊ መደባቱ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኑ ንኸካይድ ህግዲፍ ዝሓገዞን ነጻ ዝገደፎን መራሒ ውድብ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ነዚ ሕዱር ሕልምን ሕማምን ኣብ ቃልሲ ዝተሳዕሩ ትምክሕተኛትት ተወለድቲ ኣምሓራ ንምልዕዓል ድማዩ ኣብ ናይ ኣዳማ ሰሚናር፣ ኢትዮጵያ ምውናን ወደብ ብቐዳማይ ደረጃ እትሰርዖ መንግስታዊ ጉዳይ ምዃኑ ዝገለጸ። እዚ ነቲ ኢሳያስን  እቶም ኩሎም ነጻነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ግን ከኣ ኣብ ኤርትራ ዓስኪሮም ዝሕብሐቡ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ሓይልታት ዝነበረ ስምምዕ ዝእንፍት እዃ እንተኮነ፡ ድሒሩ ኣብይን ኢሳያስን ብዝፈጠርዎ ዝምድና ዝተኸፍተ ነቓዕን ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ክሕደትን እዩ ዘነጽር።

ኣብዚ እዋን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ ውነና ወደብን ኣፍደገ ባሕርን ድማ፡ ዋላዃ ስርዓት ብልጽግና ካብ ውሽጣዊ ሽግራቱ ንምህዳም ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶ’ዩ ክባሃል ዝካኣል እንተኾነ፣ ንህግደፍ ዝግደፍ ውራይ ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፣ ድልየትን ሕቶን ዓበይትን ወሰንት መንግስታትን ትካላትን ክኸውን ከምዝኽእል ኣስተውዒልና፣ ንደለይቲ ልውጢ ኤርትራውያን ዝያዳ ስለዘገድሰና ሓቢርና ኣንጻር ጨቋኒ ህግደፍን ወስታታት ጽንፈኛታት ኢትይጵያውያን ድምጽና ከነስማዕሉ ዝግባኣና ጉዳይ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።