ኣምበሳደር እስጢፋኖስ ናብ ኤርትራ ክምለስ ከም ዝተኣዘዘ ተሓቢሩ

2024-01-19 19:57:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 402 times

ኣምበሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እስጢፋኖስ ሃብተማርያም፡ ካብታ ሃገር ክወጽእ ከም ዝተኣዘዘ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣፍሊጣ። ንኣስታት 30 ዓመታት ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዝጸንሐን ኤርትራን ዓብይ ብሪንያን ብዛዕባዚ ቢቢሲ ዝሃብቶ ሓድሽ ምዕባለ ዝሃበኦ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

መርበብ ሓበሬታ ኤምባሲ ህግደፍ ኣብ ለንደን፡ ኣብዚ እዋንዚ እቲ ኤምባሲ ተግባሩ ከምዘየቋረጸ ብምጥቃስ፡ ንኣምበሳድር እጢፋኖስ ተኪኡ ቆንስላዊ ተልእኮ ዝፍጽም ዘሎ ሳልሕ ዓብደላ ዝተባህለ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ። እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ ብሪጣንያ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደት፡ ኤርትራ ካብ ለንደን ናብ ኣስመራ ተመዚዙ ዝነበረ ኣምበሳደር ብሪጣንያ፡ ጉቡእ ምኽንያት ብዘይምሃብ  ናብ ኣስመራ ክጐዓዝ ብዘይምፍቃዳን መግስቲ ብሪጣንያ እቲ ሓቀኛ ምኽንያት ናይቲ ኣብያ ክፈልጥ ዝገበሮ ጻዕሪ ብዘይምዕዋቱን እዩ።

ካብ ኤርትራ ብዛዕባዚ ጉዳይ “መብርሂ ሓቲተ መልሲ ኣይረኸብኩን” ዝበለ ቢቢሲ፡ ኣምበሳድር እስጢፋኖስ ሃብተማርያም ኣብ ብሪጣንያ ብኣምበሳድርነት 8 ዓመታት ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ ካብዚ ቀረባ ዓመታት ድማ  ደሪቡ ናይ ኣየርላንድ ኣምበሳድር እውን ከም ዝነበረ ጠቒሱ።

ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዝፍጸሙ ግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ካብ ዝነቕፋ ሃገራት ኤውሮጳ ሓንቲ እያ። ብዘይካዚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሃሰ 2023 ኣምበሳደር ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ “ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ከተውጽእ ኣለዋ” ዝብል፡ ተሪር መልእኽቲ ብምትሕልላፉ ኣምበሳደ ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ብሓለፍቲ ህግደፍ ተጸዊዑ ከም ዝተሓተ ዝፍለጥ እዩ።

Last modified on Friday, 19 January 2024 21:02