ኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣኼባ ኣካይዱ *ኣኼባ ሚኒስተራት ዓረብሊግ መግለጺ ኣውጺኡ

2024-01-18 09:58:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 537 times

ኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ዓረብሊግን ብ17 ጥሪ 2024 ብጉዳይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ኣኼባ ኣካይዶም መግለጽታት ድማ ኣውጺኦም።

ኣኼባ ኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምኽታም መሰማምዒ ሰነድ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ክልቲአን ኣባልቲ ሕብረት ዝኾና ኢትዮጵያን ሶማሊያን ካለኦት  ኣባል ሃገራትን ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ናጽነትን ንክዕቀብ ሕብረት ኣፍሪቃ  ንዘለዎ ዘይቅየር መርገጽ ኣነጺሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ዘጋድድ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ክቑጠባ ጸዊዑ።

እቲ መግለጺ ኩሎም ናይ ግዳም ሓይልታት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ብመንጽር ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ናይ ሃገራት ኢድ ዘይምእታው ክሕዝዎን ብዓለም ለኻዊ ሕግታት ክቕየዱን ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሙሳ ፋቂ፡ ፍሉይ ልኡኽ ናይቲ ሕብረት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን  ናይ ቅድም ፕረሲደንት ጀርያን ኤሊሶጉ ኦባሳንጆ   ንክልቲአን ሃገራት ከመያይጡን ናብቲ ሕብረት ቀጻሊ ጸብጻባት ከቕርቡን ንክመዝዎም ጸዊዑ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣኼባ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ዓረብ ሊግ፡ ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሶማሊያ ዝተዋህቦ መግለጺ ምስ ሰምዐ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ንሶማሊያ ዘለዎ ዕዙዝ ደገፍ ኣረጋጊጹ፡ ነቲ ኣስፋሕፋሒ ዝበሎ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ መረዳድኢ ሰነድ ብትሪ ኮኒንዎ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ዓለም ለኻዊ ሕግን ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ዝጥሕስ እዩ ኢሉ፡ ሶማሊላንድ ዓለም ብዝፈልጦ ኣካል ግዝኣት ሶማሊያ እያ ኢሉ።

እቲ መግለጺ ኣስዒቡ ሶማሊያ፡ ብመሰረት ዓንቀጽ 51 ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ቻርተር ኣረብ ሊግን ንገዛእ ርእሳ ናይ ምክልኻል መሰል ከም ዘለዋ ጠቒሱ፡ ዓረብ ሊግ ድማ ኣብ ዝኾነ ሶማሊያ እትውስኖ ሱምቲ ኣብ ጐና ከም ዝስለፍ ኣረጋጊጹ። ሓድነት መሬታ፡ ማያን ሰማያን ኣብ ምዕቃብ ኣብ ጐና ከም ዝኸውን ከኣ ኣስፊሩ።

ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኣንበሳድራት ሃገራት ዓረብ ሊግ ናይቲ ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ኩነታት ክከታተሉ ከም ዝወሰነ  ከኣ በቲ መግለጺኡ ኣረጋጊጹ።

Last modified on Thursday, 18 January 2024 12:30