EPDP News

ገለ ካብ ግዳያት ማእሰርቲ፡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት (ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ)

ኮሚተ ምክልኻል መሰል ጋዜጠኛታት/CPJ፡ ኣብ ዘውጸኦ ዓመታዊ ጸብጻብ 2023፡ ኤርትራ ብደረጃ ዓለም 7ይ ቦታ ሒዛ ኣብተን 10 ቀዳሞት ኣሰርቲ ጋዜጠኛታት ዝኾና ሃገራት ከምዘላ ገሊጹ። ኤርትራ ብምእሳር ጋዜጠኛታት ካብ ዓለም ኣብ 7ይ ካብ ኣፍሪቃ ድማ 1ይ ደረጃ ሒዛ ዘላ 16 ጋዜጠኛታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዳጐነት ሃገር  ብምዃና እያ። ብዘይካዚ ኤርትራ ብደረጃ ዓለም ኮነ ኣፍሪቃ ንዝነወሐ ግዜ ጋዜጠኛታት ዝኣሰረትን ንዋላ ሓደ ካብቶም ግዳያት ናብ ቤት ፍርዲ ዘየቕረበትን ብምዃና ብፍሉይ ጭካነ ከም እትረአ ከኣ እቲ ጸብጻብ ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት ኣፍሊጡ።

በቲ ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ፡ ብዝሒ እሱራት ጋዜተኛታት ብ2021- 30፡ ብ2022- 31 ዝነበረ ኮይንኑ ኣብ 2023 ግና ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ጽዑቕ ማእሰርቲ  ጋዜጠኛታት እቲ ኣሃዝ ናብ 47 ደይቡ ኣሎ።

ኣብ ዓምተ-2023 ክሳብ ባሕቲ ታሕሳስ፡ ብደረጃ ዓለም 320 ጋዜጠኛታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝነበሩ ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ ካብዚኣቶም እተን 47 ደቂ ኣንስትዮ እቶም 273 ድማ ደቂ ተባዕትዮ እዮም። በቲ ካልእ ወገን ድማ 303 ኣብ ሃገሮም ዝተኣስሩ ኮይኖም፡ 17 ድማ ካብ ሃገሮም ወጻኢ ሞያዊ ግበኦም እናፈጸሙ ዝተኣስሩ እዮም። እዞም ኣብ ኣያተ-ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዘለዉ ጋዜጠኛታት፡ ሓፈሻ እኹል መሰረታዊ ቀረብ ዘይረኽቡ ክኾኑ እንከለዉ፡ ብፍላይ እቶም 94 ብስእነት ሕክምና ኣብ ክቱር ስቓይ ከም ዝርከቡ ዓመታዊ ጸብጻብ ኮሚተ ምክልኻል መሰል ጋዜጠኛታት ኣፍሊጡ።

ብደረጃ ዓለም ካብተን ቀዳሞት 10 ኣሰርቲ ሃገራት ዓለም፡ ቻይና፡ ማየማርን ቤላሩስን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ክሕዛ እንከለዋ፡ ኤርትራ፡ ግብጽን ቱርክን ከኣ ኣብ መወዳእታ ዝተሰርዓ እየ። እዚ ናይ እሱራት ጋዜጠኛታት ኣሃዝ ኣብ ሞያዊ ስረሖም እንከለዉ ንዝተስሩ እምበር፡ ንዝተሰወሩ ወይ ብኻልእ ክሲ ንዝተኣስሩ ከምዘይምልከት እቲ ኮሚተ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ  ጀርመን፡ ኣናርቦክ

A321LR፡ ዝተመዝገበት ነፋሪት ጀርመን፡ ብ24 ጥሪ 2024፡ ናይታ ሃገር ወጻኢ ሚኒስተር ጉዳይ ኣናሌና ርቦክ ዝመርሕኦ ልኡኽ ኣሳፊራ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እናተጓዕዘት ኣብ ሰማይ ኤርትራ ምስ በጸሐት ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ከም ዝኾለለትን ድሕሪኡ ኣቕጣጫኣ ቀይራ ሳዑዲ ዓረብያ ከም ዝዓረፈትን ሮይተርስ ካብ በርሊን ዝረኸበቶ ሓበሬታ ብምጥቃስ ኣፍሊጣ።

እቶም ምንጭታት ከም ዝጠቐስዎ እታ ነፋሪት ኣብ ሰማይ ኤርትራ ክትኮልል ዝተገደደት እናተጓዕዘት እንከላ ከምቲ ልሙድ ኣሰራርሓ ኣቬሽን፡  ካብ ኤርትራ ዝተሓተቶ ፈቓድ ብዘይምርካባ ምዃኑ ሓቢሮም። ናይታ ነፋሪት ኣብራሪ ብወገኑ፡ ንኣገልግሎት ዜና ጀርመን ከም ዝሓበርዎ፡ በቲ ልሙድ ኣገባብ ብተደጋጋሚ ፈቓድ ሓቲቶም መልሲ ክጽበዩ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ተጸቢዮም ብወገን ኤርትራ መልሲ ምስ ሰኣኑ መንገዶም ናብ ሱዕድያ ቀይሮም ነዳዲ ክመልኡ ከም ዝተገደዱ ሓቢሮም። ማዕከን ዜና ሮይተርስ  እቲ ጠንቂ ኣብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኤርትራ ኤለክትሪክ ስለ ዘይነበረ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ኣብ ድሕረት ከምዘላ  ኣቃሊዓ።

ናይተን ሚኒስተር መገሻ ብሓደ ወገን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንጉዕዞ ናይ ንግዲ መራኽብ ዝብልከት ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ንምድህሳስ ምንባሩ ተጠቒሱ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ብዛዕባ ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገምን ኣፈታትሕኡን ብዝምልከት ምስ መራሕቲ ጅቡቲ፡ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ንምርኻብ እዩ ነይሩ።

ናይቲ ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዝምራሕ ልኡኽ ጀርመን ናይ መገሻ ግዜ፡ ብሰንኪ ካብ ኤርትራ ፈቓድ ዘይምርካቡ  ካብቲ ዝመደቦ ወጻኢ ከም ዝተናውሐ ከኣ ተፈሊጡ።

ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝተኻየደ ሰልፊ

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ክልል ትግራይ፡ ከተማታት  ሸራሮ፡ ሽረ፡ ዓድዋ፡ ኣክሱምን  ዓዲ ግራትን ሰላማዊ ስልፍታት ክካየድ እንከሎ፡ ብ24 ጥሪ 2024 ድማ ኣብ ዋና ከተማ እታ ክልል መቐለ  ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝተኻየደ ናይቲ ክልል መድያታት ኣፍሊጠን። ኣብዚ ብሰንኪ ውግእ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ተጋሩ  ብብዝሒ ዝተሳተፍሉ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ውዕል ሰላም ፕረቶሪያ ምሉእ ብምሉእ ይተግበር፡ ናጻ ዘይወጸ መሬትና  ናብ ዋናኡ ይመለስ፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ይመለሱ፡ ጸላእቲ ካብ መሬትና ይውጽኡ ዝብሉን ዝኣመሰሉን ጭረሖታት ተቓሊሖም።

ኣብቲ ናይ መቐለ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተረኽበ፡ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ “ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክንድቲ ክሰርሖ ዝግበኦ ብዘይምስርሑ እቲ ውዕል ክንድቲ ዝደለ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን” ኢሉ። ኣተሓሒዙ እቲ ንሱ ዝመርሖ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እውን ተሓታቲ ምዃኑ ብምጥቃስ ይቕረታ ሓቲቱ።  “እቲ ናይ ተመዛበልቲ ቃንዛ ክድቲ ናትኩምኳ እተዘይኮነ ንዓና’ውንን  የሕመና እዩ” ከኣ ኢሉ። “ናብ መረበትኩም ዘይተመለስኩምሉ ምኽንያት ንሕና ክንድቲ ክንሰርሖ ዝነበረና ስለ ዘይሰራሕና ኢና” ክብል ብሰፊሑ ገሊጽሎም። ኣተሓሒዙ ድማ ድሕሪ ሕጂ ጉዳይ ተመዛበልቲ ከም ቀንዲ ዛዕባና ስለ እንሕዞ  ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ቦታኦም ክምለሱ ዘለዎ ተስፋ ገሊጽሎም።

ብሰንክቲ ናይ 2ተ ዓመታት ውግእ ትግራይ፡ ካብ ምዕራብ ትግራይ ጥራይ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ሰባት ከም ዝተመዛበሉን ክሳብ ሎሚ ኣብ ዘይውሑስ መጽለልታት፡ ብስእነት መግብን ሕክምናን ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ተወከልቲ ናይቶም ዝተሰለፉ ኣፍሊጦም። ምስዚ ብዝተተሓሕዘ፡ ካብቲ ዘድሊ ረዲአት 20% ጥራይ ይቐርብ ብምህላዉ ኣብ ትግራይ ናብ ሓደ ሺሕ ዝገማገሙ ሰባት ብጥሜት ከም ዝሞቱን ንመጻኢ እውን እቲ ኩነታት ከም ዘስግእ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ኣፍሊጦም። ፍደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብደረጃ ኢትዮጵያ ኮነ ክልል ትግራይ “ናብ ሞት ዘብጽሐ ጥሜት የለን” ዝብሉ መግለጽታት ብምውጽኡ ዘሰሓሕብ ኮይኑ ኣሎ።

ስእሊ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ

ሓዳስ ኣፍሪቃ/NEW AFRICA፡ ዝተባህለት መጺሐት ብዘካየደቶ ዳህሳስ ኤርትራዊ ተወዳዳሪ ብሽግለታ ቢንያም ግርማይ ሓደ ካብ 100 ናይ 2023፡ ጸለውቲ ኣፍሪቃውያን ከም ዝኾነ፡ ብፍሉይ ሕታማ ኣፍሊጣ። እዞም ሚእቲ ኣፍሪቃውያን ጸለውቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ተዋፊሮም ልሉይ ኣስተዋጸኦ ዘበርከቱ እዮም።

እዛ መጽሐት ከም ዘስፈረቶ፡ ብ2 ማዝያ 2000 ኣብ ኤርትራ ዝተወልደ ስፖርታዊ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግጥማት ብቕዓቱ ዘርኣየን ኣብ ዓለም ለኻዊ ውድድራት ብሽግለታ ኣንጸባራቒ ዓወታት ከመዝግብ ዝጸንሐን እዩ። ቢንያም ካብ መዳይቲ ዝወዳደረሉ ዓይነት ስፖርት ተመሪጹ ሓደ ካብቶም 100 ሰባት ክኸውን ዝበቐዐ፡ ከምቶም ካለኦት ስፖርተኛታት ልሉይ ኣበርክቶ ስለ ዘመዝገበ ምዃኑ  ተገሊጹ። ብመሰረት ትዕዝብቲ እታ መጽሐት ናይ ቢንያም ዓወት ንውልቁ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዕቤት ስፖርት ኣፍሪቃ ብደረጃ ዓለም’ው ዘተባብዕ ምዃኑ ተጠቒሱ።

እዞም ብመጽሐት ሓዳስ ኣፍሪቃ፡ ናይ 2023 ጸለውቲ ኮይኖም በታ መጽሐት ዝተመርጹ 100 ኣፍሪቃውያን፡ ካብ ዓውድታት፡ ፖለቲካ፡ ንግዲ፡ ሳይነስ፡ ኣካዳሚ፡ ሓለዋ ኣካባቢ፡ መዲያ፡ ስነጥበባዊ ምህዞን ስፖርትን ምዃኖም ተሓቢሩ። ነዚ ሓበሬታ ሒዛ ዝወጸት ናይዛ መጺሐት ፍልይቲ ሕታም፡ ናይቲ እዞም ጸለውቲ ዝተመረጽሉ ዓውድታት ቀዋሚት መወከሲት ከም እትኸውን  ተፈሊጡ።

ጨንፈር ስያትል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብ21 ጥሪ 2024  ወርሓዊ ኣኼባአ ከም ዘካየደት፡ ካብታ ጨንፈር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣኼባ ጨንፈር ብዛዕባቲ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ  ኣብ ናይ 13 ጥሪ 2024 ዘካየደቶ ኣኼኣን ዝተመያየጠትሎም  ነጥብታትን ብሰፊሑ መዚኑ።

እቶም ኣኼባ ጨንፈር ስያትል ሚዝና ዘንበረትሎም፡ ኣብቲ ኣኼባ ዞባ ተላዒሎም ዝነበሩ ነጥብታት፡ ግዜን ኣገባብን መጻኢ ጉባአ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ፡ ናብቲ ጉባአ ሕጹያት ኣጻርያ እተቕርብ ሓጻይት ሽማግለ ምምዛዝ፡ ከምኡ እውን ጉባአ በየናይ ኣገባብ ከም ዝካየድ ምድህሳስ ከም ዝነበሩ ኣብቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ተጠቒሱ።

በዚ መሰረት ጉባአ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ማዝያ 2024 ክጋባእ ከም ዝወሰነን ነቲ ጉባአ እተዳሉ 5 ዝእባላታን 3  ዝኣባላታ ሓጻይትን ሽማግለታት ተመዚዘን ከም ዘለዋ  ምስተሓበረ ኣኼባ ጨንፈር ስያትል ብሰፊሑ ተመያይጥሉ። ኣባላት ጨንፈር ኣብዚ ኣኼበኦም ጉባአ ዞባ ንክዕወት እጃሞም ከም ዘበርክቱ ምርግጋጾም ድማ ተሓቢሩ።

ብዘይካብዚ እቲ ኣኼባ ጭንፈር፡ ብዛዕቲ ብድሮ ኣኼባኦም ኣብ ስያትል ዝተኻየደ ኣኼባ ብርጌድ ንሓመዱ ብሰፊሑ ተመያይጦም ሚዛኖም ከምዘንበሩ እቲ ዜና ኣረዲኡ።

ሚካኤል ሮቢን ዝተባህሉ ጸሓፍን ተመራማርን ብ17 ጥሪ 2024  ዋሽንግተን ኤግዛማይነር/Washington examiner ኣብ ዝተባህለት ጋዜጣ፡ ብሊንከን ነቲ ዝለዓለ ዲክታተርያዊ ምምሕዳር ኣፍሪቃ ይዕገስ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘስፈርዎ ጽሑፍ፡ ኤርትራ ንሰሜን ኮርያ ተኸቲላ  ካብዛ ዓለም ኣብ ትሕቲ ዝኸፈአ ዲክታቶር  እትነብር ዘላ ሃገር እያ ኢሎም። ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ህዝባዊ ተቓውሞ ስለ ዝሰግእ ምክያድ ምርጫ ዘየፍቅድ፡ ብኣንጻሩ ንዜጋታቱ ኣብ መወዳእታ ዘየብሉ ባርነትን ጭቆናን ዘንብር እዩ ኢለሞ።

ኢሳያስ ንኤርትራ ናብ ከም ናይ ሩሲያ ዝኣመሰል መዳጐኒ ቀይሩ፡ ጭካነኡ ክሳብ  ኣሚሪካ ዘርጊሑ ኣብኡ ካብ ዘለዉ ዜጋታቱ፡ ኣብ ሃገሮም ንዝርከቡ ቤተሰቦም ጅሆ ብምሓዝ ኣገዲዱ ገንዘብ የኽፍል፡ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት መንግስቲ ኣፍልጦ ዝሃቦን ዝምውሎን ራዕድን ዓመጽን ምዃኑ ኣቃሊዖም።

ንነዊሕ ግዜ ኣብ መንጎ መንግስትን ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያትን ኣሜሪካን፡ “ኤርትራ ኢሳያስ ክሳብ ዘሎ ሓደገኛ ኮይና ክትቅጽል እያ” ዝብል ስምምዕ ከም ዝነበሮም ብምጥቃ፡ ውሱን ጸቒጢ’ውን ይግበር ነይሩ  ዝበሉ ሮቢን፡ ናይ ኤርትራ ቁጠባዊ ድኽነት ክጠቕሱ እንከለዉ ከኣ፡ ኣብ 2022 ካብ ኤርትራ ናብ ኣሜሪካ ዝኣተወ ሰደድ ካብ ዋጋ ሓደ መንበሪ ገዛ ዘይበዝሕ 346 ሺሕ ዶላር ዘውጽእ ጥራይ ምንባሩ ኣስፊሮም።

ሚካኤል ሮቢን ከም ዝበልዎ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2023 ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ንኤርትራ ዝምልከት ሓድሽ ስትራተጂ ኣውጺኡ። እቲ ሓድሽ ስትራተጂ ነቲ ናይ ቅድም መርገጽ ኣሜሪካ ዝቐየረን ንብሊንከን ምስ ኤርትራ ዘስርሕ መሲሉ ዝተራእዮምን እዩ ኢሎም። ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ብሊንከን ኤርትራ ብገንዘብ ሓጊዝካን እገዳታት ኣልዒልካን ዲሞክራሲያዊ ኣሰራርሕን ምትዕርራይን ትቕበል ኮይኑ ከም ዝተራእዮም ጠቒሶም። እዚ ኣካይዳ ቅድሚ ሕጂ ንሓያሎ ጸሓፍቲ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ፡ ምስ ተመኩሮ ካለኦት ዲክታቶራት ተፈቲኑ ዘይተዓወተ እዩ ከኣ ኢለሞ። ሚካኤል ሮቢን ኣብ መወዳእታ ንሓድሽ ስትራተጂ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፡  ዘስቕ ዘይዕወት ተስፋ እዩ ክብሉ ገሊጸምዎ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ20 ጥሪ 2024፡  2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣቦመንር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ፡ “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2024 ኣብጸሓኩም  ኣብጸሓና ” ኢሉ። ሓድሽ ዓመት ናይ ዓወትን ኣሳልጦን ክትከውን ዘለዎ ተስፋን እምነትን ድማ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣጀንዳ ኣኼባ ኣፋሊጡ፡ መበገሲ ዝኾኑ ኣገደስቲ ሰልፋዊ፡ ኤርትራውን ዞባውን እውናዊ  ሓበሬታ ሂቡ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ብኹለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ኣቐዲሙ ዝቐረበን ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ሓጸርቲ መብርህታት ዝሃብሉን ጸብጻባት በብሓደ መዚኑ ኣድላይ ዝበሎ ምምሕያሻት ገይሩ ከም ናይ ሰልፊ ሰነድ ኣጽዲቑ። ኣብቲ ነዚ ጸብጻባት መሰረት ገይሩ ዘካየዶ ምይይጥ፡ ብመንጽርቲ ኣቐዲሙ ዝተታሕዘ  ዓመታዊ ትልሚ ብነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ክዕመሙ ብዛዕባ ዝግበኦም መጻኢ መደባት ኣቕጣጫ ኣትሒዙ። ኣባላት ሰልፊ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ስረሓት እኹል ሓበሬታ ዝረኽብሉን ተሳትፈኦም ዘበርኽሉን መድረኻት ምጥጣሕ ኣድላይ ምዃኑ ከኣ ኣሚቱ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ፈጻሚ ሽማግለ ነቲ ዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት ገይሩ፡ እቲ ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝካየድ ዘሎ ጻዕርን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ኣተባቢዑ። ዝያዳ ዝሰፍሐ ናይ ሓባር መድረኽን ምቅርራብን ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡  ሰዲህኤ ኣብ መጻኢ እውን ብዘለዎ ዓቕሚ ክደፍኣሉ ከም ዝኾነ ከኣ ፈጻሚ ሽማግለ ኣስሚርሉ።

ኣብ ርእሲዚ፡ ኣኼባ ኣብ ዝቐረበሉ ጸብጻብ ተመስሪቱ፡ ብዛዕባ ኣገደስቲ ምምሕዳራዊ ጉዳያት  ውሳነታት ኣመሓላሊፉ። ፈጻሚ ሽማግለ ብሓፈሻ ተሳትፎ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ዝነኣድ ደረጃ ከም ዘሎን እዚ ተሳትፎ ኣባላት ቀጻሊ ከም ዝኸውንን ርኡይ ምህላዉ ተገንዚቡ፡ ምስቲ ዘለናዮ መድረኽ፡ ብፍላይ ኣብ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ጭቆናን ኣብ ዞናና ዝረአ ዘሎ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ምዕባለታትን ተደራራቢ ሰልፋዊ ዕማማትን ንዝያዳ ኣበርክቶን ተሳትፎን  ቅሩብ ምዃን ከም ዘድሊ ተገንዚቡ።

ኣኼባ ኣብ መወዳእታ ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ውዳበታቱን፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ዝለዓለ ናህሪ ምንቅስቓስ ዝርከብ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ብክብደት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ጭቆናን ምንዋሕ ቃልስን ከይሰልከዩ እቲ ጭቆና ንምውጋድን ሕገመንግስታውን ህዝባውን ስርዓት ንምትካልን ብሓባር ቃልሶም ከሕይሉ ጸዊዑ።

ኣምበሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እስጢፋኖስ ሃብተማርያም፡ ካብታ ሃገር ክወጽእ ከም ዝተኣዘዘ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣፍሊጣ። ንኣስታት 30 ዓመታት ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዝጸንሐን ኤርትራን ዓብይ ብሪንያን ብዛዕባዚ ቢቢሲ ዝሃብቶ ሓድሽ ምዕባለ ዝሃበኦ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

መርበብ ሓበሬታ ኤምባሲ ህግደፍ ኣብ ለንደን፡ ኣብዚ እዋንዚ እቲ ኤምባሲ ተግባሩ ከምዘየቋረጸ ብምጥቃስ፡ ንኣምበሳድር እጢፋኖስ ተኪኡ ቆንስላዊ ተልእኮ ዝፍጽም ዘሎ ሳልሕ ዓብደላ ዝተባህለ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ። እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ ብሪጣንያ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደት፡ ኤርትራ ካብ ለንደን ናብ ኣስመራ ተመዚዙ ዝነበረ ኣምበሳደር ብሪጣንያ፡ ጉቡእ ምኽንያት ብዘይምሃብ  ናብ ኣስመራ ክጐዓዝ ብዘይምፍቃዳን መግስቲ ብሪጣንያ እቲ ሓቀኛ ምኽንያት ናይቲ ኣብያ ክፈልጥ ዝገበሮ ጻዕሪ ብዘይምዕዋቱን እዩ።

ካብ ኤርትራ ብዛዕባዚ ጉዳይ “መብርሂ ሓቲተ መልሲ ኣይረኸብኩን” ዝበለ ቢቢሲ፡ ኣምበሳድር እስጢፋኖስ ሃብተማርያም ኣብ ብሪጣንያ ብኣምበሳድርነት 8 ዓመታት ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ ካብዚ ቀረባ ዓመታት ድማ  ደሪቡ ናይ ኣየርላንድ ኣምበሳድር እውን ከም ዝነበረ ጠቒሱ።

ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዝፍጸሙ ግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ካብ ዝነቕፋ ሃገራት ኤውሮጳ ሓንቲ እያ። ብዘይካዚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሃሰ 2023 ኣምበሳደር ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ “ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ከተውጽእ ኣለዋ” ዝብል፡ ተሪር መልእኽቲ ብምትሕልላፉ ኣምበሳደ ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ብሓለፍቲ ህግደፍ ተጸዊዑ ከም ዝተሓተ ዝፍለጥ እዩ።

ኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ዓረብሊግን ብ17 ጥሪ 2024 ብጉዳይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ኣኼባ ኣካይዶም መግለጽታት ድማ ኣውጺኦም።

ኣኼባ ኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምኽታም መሰማምዒ ሰነድ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ክልቲአን ኣባልቲ ሕብረት ዝኾና ኢትዮጵያን ሶማሊያን ካለኦት  ኣባል ሃገራትን ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ናጽነትን ንክዕቀብ ሕብረት ኣፍሪቃ  ንዘለዎ ዘይቅየር መርገጽ ኣነጺሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ዘጋድድ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ክቑጠባ ጸዊዑ።

እቲ መግለጺ ኩሎም ናይ ግዳም ሓይልታት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ብመንጽር ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ናይ ሃገራት ኢድ ዘይምእታው ክሕዝዎን ብዓለም ለኻዊ ሕግታት ክቕየዱን ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሙሳ ፋቂ፡ ፍሉይ ልኡኽ ናይቲ ሕብረት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን  ናይ ቅድም ፕረሲደንት ጀርያን ኤሊሶጉ ኦባሳንጆ   ንክልቲአን ሃገራት ከመያይጡን ናብቲ ሕብረት ቀጻሊ ጸብጻባት ከቕርቡን ንክመዝዎም ጸዊዑ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣኼባ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ዓረብ ሊግ፡ ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሶማሊያ ዝተዋህቦ መግለጺ ምስ ሰምዐ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ንሶማሊያ ዘለዎ ዕዙዝ ደገፍ ኣረጋጊጹ፡ ነቲ ኣስፋሕፋሒ ዝበሎ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ መረዳድኢ ሰነድ ብትሪ ኮኒንዎ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ዓለም ለኻዊ ሕግን ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ዝጥሕስ እዩ ኢሉ፡ ሶማሊላንድ ዓለም ብዝፈልጦ ኣካል ግዝኣት ሶማሊያ እያ ኢሉ።

እቲ መግለጺ ኣስዒቡ ሶማሊያ፡ ብመሰረት ዓንቀጽ 51 ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ቻርተር ኣረብ ሊግን ንገዛእ ርእሳ ናይ ምክልኻል መሰል ከም ዘለዋ ጠቒሱ፡ ዓረብ ሊግ ድማ ኣብ ዝኾነ ሶማሊያ እትውስኖ ሱምቲ ኣብ ጐና ከም ዝስለፍ ኣረጋጊጹ። ሓድነት መሬታ፡ ማያን ሰማያን ኣብ ምዕቃብ ኣብ ጐና ከም ዝኸውን ከኣ ኣስፊሩ።

ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኣንበሳድራት ሃገራት ዓረብ ሊግ ናይቲ ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ኩነታት ክከታተሉ ከም ዝወሰነ  ከኣ በቲ መግለጺኡ ኣረጋጊጹ።

ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፤ ብ17 ጥሪ 2024 ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዋና ከተማ ሶማሊላንድ ሃርጌሳ እናበረረት ከባቢ ከተማ ጅጅጋ ምስ በጸሐት ናብቲ ዝተበገሰትሉ ኣዲስ ኣበባ ክትምለስ ከም ዝተገደደት ፍላይት-24/FLIGHT-24፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። እዛ ነፋሪት ክትምለሰ ዘገደዳ በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን መንገዲ ኣየር ሶማሊያ ክኸውን እንከሎ፡ ምኽንያቱ ድማ ካብ መቃድሾ ወሳኒ ፈቓድ ከይሓተተት ጉዕዞ ስለ ዝጀመረት ምዃኑ ተፈሊጡ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣቶ መስፍን ጣሰው፡ ነዚ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ብርግጽ እታ ናብ ከተማ ሃርጌሳ ትጐዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ካብ መንገዲ ተመሊሳ እያ፡ ናይ ምምላሳ ምኽንያት ድማ ካብ ሰብ መዚ መንገዲ ኣየር ሶማሊያ ፈቓድ ስለ ዘይነበራ እያ” ከም ዝበለ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ብወገና ኣፍሊጣ።

ካብ ራዳር ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ ብዘካታ ካብ ጉዕዞ ዝተመልሰት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካልእ፡ ብሰብ መዚ መቃድሾ ኣፍልጦ ዝተሃብዋ ብስሩዕ ቁጽሪ በረራ ኢቲ-372 ዝተመዝገበት ብቲ ዕለት ካብ ኣዲስ ኣበባ ብሰላም ሃርጌሳ ዓሪፋ እያ። እታ ብዘይፈቓድ ናብ ሶማሊላንድ ክትኣቱ ክትብል ዝተኸልከለት ሃቪላንድ-400 ዝዓይነታ ነፋሪት ከኣ ብቒጽሪ በረራ ኢቲ- 8372 ዝተመዝገበት ምንባራ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

ዋና ኣካያዲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው ብዛዕባ ዝርዝር ምኽንያትን ኣብታ ዝተመልሰት ኣብታ ፈቓድ ዘይነበራ ነፋሪት ዝነበሩ ተሳተፍቲ መንነት ዝርዝር መብርሂ ክህብኳ ፈቓደኛ እንተዘይነበረ፡ ድሕሪ ኣብ መንጎ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝተገብረ ምርድዳእ ግና ተመሊሳ ጉዕዞኣ ከም ዝቐጸለት ኣፍሊጡ። ሚኒስተር ትራንስፖርት ሶማሊያ ግና እታ ነፋሪት ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ኣሳፊራ ዝነበረት ምዃና ኣፍሊጡ።

ብኻልእ ወገ ድማ፡ ገለ ወገናት፡ ምስቲ ኤርትራ ኣብ ጎኒ ሶማሊያ ምስላፋ፡  መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ እትገብሮ በረራ ከይተቋርጽ ስግኣት ከም ዘለዎም ይገልጹ ኣለዉ።