EPDP News

ምክትል ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን፡ ማሊክ ኣጋር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዞባውን ዓለምለኻውን ተበግሶታት ፖለቲካዊ ፍታሕ ሱዳን ከም ዝነጸገ ኣፍሊጡ። ኣጋር ነዚ ዝገለጸ ብ8 ሓምለ 2023 ከም ኣካል ዞባዊ ዑደቱ ኣብ ኣስመራ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ምርኻቡ እዩ

ማሊክ ኣጋር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ርክቦም፡ ንኢሳያስ ንህልዊ ኩነታት ውግእ ሱዳን ብመንጽር መዳያት ፖለቲካን ቁጠባን ዘሕደሮ ሰብኣዊ ሳዕቤንን ብዝርዝር ከም ዝሓበሮ ኣረጋጊጹ። ኣተሓሒዙ ድማ ኢሳያስ ብዛዕባ ምሕዝነቱ ምስ ህዝቢ ሱዳንኳ እንተ ኣረጋገጸ፡ ነቲ ብዝተፈላለዩ ወገናት ውግእ ሱዳን ብሰላም ንምፍታሕ ዝግበር ዘሎ ተበግሶታት ግና ናይ ፖለቲካዊ ንግዲ ምርኢት እዩ ከም ዝበሎ ጠቒሱ።

እቲ ማሊክ ኣጋር ዘለዎ ወገን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ነቲ ብኣቦመንበርነት ኬኒያ ብኢጋድ ተጀሚሩ ዘሎ፡ ኤርትራ ኣባል ዘይኮነትሉ ተበግሶ ሰላም፡ ኣይደገፎን። በዚ መሰረት ነቲ ብኣቦመንበርነት ኬንያ ዝግበር ተበግሶ ብምቅዋም ኢሳያስ ክፈርስ ምድላዩ  ኣይጸልኦን።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ንኢጋድ ወኪሉ ንጉዳይ ሱዳን ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምርካብ ዝተመዘ ኮሚተ ኢጋድ ብ10 ሓምለ 2023 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ከም ዘካየደን ምስቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሱዕዲ ዕረቢያ ኣቐዲሙ ዝተጀመረ ጻዕሪ ንምውህሃዱ ተመያይጡ። ኣብ ወጻኢ  ጉዳይ ኣሜሪካ ሓላፊት ኣፍሪቃዊ ጉዳያት ሞሊ ፊ  ድማ ኣብቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ርክብ ከም ዝተሳተፋ  ተፈሊጡ።

እተን ኣሜሪካዊት ዲፕሎማት ምስ ሲቪላዊ ኮሚተ ሱዳን ተራኺበን፡ ብዛዕባ ኣብ ሱዳን ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ዝትከለሉ ከም ዝተዘራረባ ተሓቢሩ።

ኢሳያስ ኣብዚ እዋንዚ “ሱዳናውያን ባዕላቶም ጸገሞም ይፍትሑ” ዝብል ዘሎ፡ ሓጋዚ ከም ዘድልዮም ጠፊእዎ ዘይኮነ፡ ንሱ ካብቲ ተበግሶታት  ብምንጻሉ ስግኣት ስለ  ዝሓደሮ  እዩ።

ኤርትራውያን ብ8 ሓምለ 2023 ኣብ ሃገር ጀርመን ከተማ ጊሰን፡ ብሪገድ ንሓመዱ ዝወደቦን ኣሸሓት መንእሰያት  ዝተሳተፍዎን፡ ኣንጻር ፈስቲቫል ህግደፍ ሓያል ተቓውሞ ከም ዘካየዱ ዝተፈላለያ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለወን ማዕከናት ዜና  ገሊጸን። እተን ማዕከናት ዜና ብዘቕረበኦ ጸብጻብ መሰረት ኤርትራውያን ዝተቓወምዎ  እቲ ፈስቲቫል ባህላዊ  ዘይኮነ መንግስቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ  መርዛምን ፈላላይን  ምልዕዓላት ዘካይደሉን ገንዘብ ዝእክበሉን ብምዃኑ እዩ።

ኣብዚ ቅድም ብጸጥታዊ ምኽንያታት ብምምሕዳር ከተማ ጊሰን ንኸይካየድ ዝተኣገደ፡  ደሓር ግና ብቤት ፍርዲ ክካየድ ዝተፈቕደ ፈስቲቫልን ኤርትራውያን መንእሰያት ሓያል ተቓውሞ ዘርኣይሉን ሰላማዊ ሰልፊ፡ ንሓለዋ  ብግቡእ ዝተዓጥቁን ብሄሊኮፕተራት ከይተረፈ ዝተሰነዩን ኣሸሓት ኣባላት ፖሊሲ ጀርመን ዝተመደቡ ኮይኖም፡ ኣብቲ ሰልፊ ብዝተፈጥረ ግብግብ፡  ካብቶም ኣባላት  ፖሊስ 26 ከም ዝቖሰሉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ከባቢ  100 ኤርትራውያን ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱ ድማ ከም ዝተኣስሩ ተፈሊጡ።

ዋላኳ ጓይላ ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ፖሊስን ፍርሕን እንተተኻየደ፡ እቲ ዝተፈጥረ ኩነታት፡  ጨቋኒ ባህርያት ህግደፍ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ጀርመንን ሕብረተሰብ ዓለምን ዝተቓለዓሉ ምንባሩ ተራእዩ። በዚ ድማ ከምቲ ክረኣያ ክብላ ይእረያ ዝበሃል፡ ህግደፍ መኽሰብ ዘይኮነ ክሳራ ዝሓፈሰሉ ምዃኑ ብዙሓት ተዓዘብቲ  ዝተረዳድእሉ ኮይኑ ኣሎ። ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ጀርመን ብወገኖም ሃገሮም ብሰንክቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭቋኒ ምምሕዳር ናይ ዕግርግር ቦታ ምዃና ከም ዘሕዘኖምን፡ ብዛዕባዚ ጉዳይ መንግስቶም   ንኣንበሳደር  ኤርትራ ተጸዊዑ ክሓቶ ክሳብ ምትሕስሳብ ዝበጽሑ፡ ናይቲ  ከባቢ ሓለፊት ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

እዚ ኣብ ጀርመን ከተማ ጊሰን ዝተራእየ መኸተ ኤርትራውያን ኣባላት ብሪገድ ንሓመዱ፡ ንካለኦት ሃገራት ኤውሮጳ እውን ትምህርቲ ከም ዝኸውንን ድሕሪ ሕጂ ህግደፍ ብጉልባብ ባህላዊ ፈስቲቫል ናይ ጽልኢ ምልዕዓል ናይ ምክያድን ገንዘብ ናይ ምዝማትን  ዕድሉ ከም ዝጸብብ  ዝግመት እዩ።

ፈስቲቫል ህግደፍ ሓያልን ተደጋጋምን ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ናብ ምምሕዳር ከተማ ፍራንክፎርት ይቐርብ ብዝነበረ መዘክራት ደለይቲ ለውጥን ካልእ ምኽንያታትን እዩ ካብ 2009 ጀሚሩ ካብ ፍራንክፎርት ወጺኡ ኣብ ጊስን ክካየድ ዝጀመረ።

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ8 ሓም 2023 ዓመታዊ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ነቲ ኣኼባ ዝመረሐ ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶ፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣብ መኽፈቲ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ለበዳ ኮቪድ-19ን ካልእ ዕንቅፋታትን ብምብዳህ ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ብሓፈሻ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ብፍላይ ከኣ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ንዘርኣይዎ ዕዙዝ አበርክቶን ተሳትፎን ኣመልኪቱ መርሂ ሂቡ። ኣብቲ መብርሂኡ ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት ካብ ዝተዓሙ ኣገደስቲ ስረሓት ንኣብነት ዝኾኑ ጠቒሱ።

ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብዚ ኣኼባኡ ብኣቦመንበር ንዝቐረበሉ ናይ 4ተ ዓመታት ጸብጻብ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለን ክፍሊ ምቁጽጻር ገንዘብን ንብረትን (ኦዲት) ሰዲህኤ  ብዝርዝር ምይይጥ ኣካይዱ። ኣብቲ ምይይጥ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈትን ክፍሊ ኦዲትን ንዝመርሕዎ ቤት ጽሕፈት ዝምልከቱ ሕቶታት መሊሶም። ብምቕጻል እቲ ጸብጻባት ናብ 4ይ ጉባአ ዝቐርብ ውዱእ ሰነድ ባይቶ ኮይኑ ጸዲቑ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ምድላው 4ይ ጉባአ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፡ ተሳተፍቲ ናይቲ 23 ሓምለ 2023 ዝጅመር ጉባአ፡ ካብ ጉዕዘኦም ጀሚሮም ክሳብ ቦታን ግዜን ጉባአ ክኽተልዎ ብዛዕባ ዝግበኦም ኣገባብ ብኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብጸይቲ ኣድያም ተፈራ መብርሂ ተዋሂቡ። ብጸይቲ ኣስገደት ምሕረተኣብ ኣደመንበር ሓጻይቲ ሽማግለ ብወገናውን ናይታ ዕማማታ ኣብ ምስልሳል ዘላ ሽማግለ ስረሓት በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ብዝምልከት ነቲ ኣኼባ መግለጺ ኣቕሪባ።

ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ሓደሓደ ኣገደስቲ ዝበሎም ጉዳያት ርእዩ፡ መደባት ሰልፎም ንምዕዋት ኣብ ኩሉ መዳያት ብትግሃት ክነጥፉ ንዝጸንሑ ኣባላትን ኣካላትን ሰልፊ ከምኡውን ጉባኤ ሰልፊ ንምዕዋት ተሓባበርቲ ሰልፊ ንዘበርከትዎ ግደ መጎሱ ገሊጹ ኣብ መጻኢ ንክቕጽልዎ ድማ ኣተባቢዑ።

ሲቪላዊ ልኡኽ ሱዳን ምስ ፕረሲደንት ዩወሪ ሞሶቪኒ

ሱዳናውያን መራሕቲ ሓይልታት ናጽነትን ለውጥን (FFC) ብ3 ሓምለ 2023 ኣብ ካምፓላ ምስ መራሒ ኡጋንዳ ዩወሪ ሞሶቪኒ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብ ሱዳን ውግእ ጠጠው ክብልን ሓደ ሰራዊት ጥራይ ክህሉን ዝብል ኣተሓሳስባኦም ከም ዘሕደሱ ማዕከናት ዜና ሱዳን ኣፍሊጠን። እዚ ልኡኽ ቅድሚ ሓደ ሰሙን እዩ ብዝለዓለ ምስጢር ካብ ሱዳን ወጺኡ።

እቲ ሃዲ እድሪስ፡ ጣህር ሓጃር፡ መሓመድ ኣልፋቒ፡ መሓመድ ሓሰን ናስር ኣል ዲኢን ዝተባህሉ ሱዳናውያን ፖለቲከኛታት ዝርከብዎ ልኡኽ፡ ኣብ ቤተመንግስቲ ኢንተበ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ድሕሪ ውግእ 15 ማዝያ 2023 ሰብኣዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ካርቱም ኣዝዩ የንቆልቁል ከም ዘሎ ገሊጾም።

ኣባላት እቲ ልኡኽ ኣብቲ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ውግእ ተቛሪጹ፡ ኣብ ሱዳን ኩሉ ሓቛፍን ሞያውን ሰራዊት፡ ሲቪላዊ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ቀጻሊ ሰላምን ዝረጋገጸሉ ሃዋህው ክፍጠር ጸዊዖም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብቲ መስርሕ ግደ ኣፍሪቃዊ መፍትሒ ወሳኒ ምዃኑ ጠቒሶም።

ነቲ መግለጺ ብጽሞና ዝተኸታተሉ ፕረሲደንት ኡጋንዳ ዩወሪ ሞሶቪኒ፡ ጸገም ሱዳን ንክፍታሕ ዝኽእልዎ ዘበለ ከበርክቱ ቅሩብ ምዃኖም ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ድማ፡ ምስ ወተሃደራዊ መራሕቲ ሱዳን ቀጻሊ ርክብ ከም ዘለዎም ብምሕባር፡ ሱዳናውያን ተዛትዮም ኣብ ፍታሕ ንክበጽሑ ንምዕጋቦም ይጽዕሩ ከም ዘለዉ ኣረዲኦም። እቲ መፍትሒ፡ ኣብ ህጹጽ ምቁራጽ ውግእ፡ ምምስራት ሲቪላዊ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ስሙር ሰራዊትን ዘትከለ ክኸውን ከም ዝግበኦ ገሊጾም።

ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ ኣባልነታ ኣብ ትካል ሳይነስ፡ ትምህርትን ባህልን/UNESCO  ክምለሰላ ብ30 ሰነ 2023 ዘቕረበቶ ሕቶ ብዝለዓለ ድምጺ ተሳተፍቲ ሃገራት ተቐባልነት ረኺቡ ከም ዝሓለፈ ቻይና ዕለታዊ/ CHINADAILY ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ።

ኣብቲ ኣመሪካ ኩሉ ቅድመ-ተደላይነት ዘረጋገጽትሉ  ኣጀንዳ ዘድመጻ 193 ሃገራት ኮይነን፡ 168 ደጊፈን 10 ተቓዊመን 15 ድማ ድምጸን ዓቂበን። እተን ኣንጻር ኣባልነት ኣመሪካ ኣብ ዩኒስኮ ዘድመጻ ኤርትራ እትርከበን 10 ሃገራት ሩሲያ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ፍልስጥኤም፡ በላሩስ፡ ቻይና፡ ኢንዶንዚያ፡ ኢራን፡ ኒካራጉዋን ሶርያን እየን። በዚ መሰረት ኣባልነት ኣሚሪካ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ክታሞም ምስ ኣንበርሉ፡ ካብ ወርሒ ሓምለ 2023 ጀሚሩ ህያው ክኸውን እዩ።

ኣመሪካ ኣባልነታ ምስ ተመልሰ ካብቲ ስሩዕ ዓመታዊ በጀት ዩኒስኮ 22% ክትሽፍን እያ። ኣብ ርእሲዚ 619 ሚልዮን ዶላር ስሩዕ ክፍሊት በጀት፡ እቲ ትካል ኣብ 2023 ሒዝዎም ካብ ዘሎ  መደባት፡ ትምህርቲ ኣብ ኣፍሪቃ፡  ንምሕጋዝ  534 ሚሊዮን ዶላር ዓመታዊ ወለንታዊ ክፍሊት ከም እተበርክት ድሕሪቲ ምድማጽ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ንቻይና ኣብ ዩኒስኮ ወኪሎም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ያንግ ጂን፡ ኣመሪካ  ናብዚ ዓለም ለኻዊ ትካል ካብ ተመልሰት፡  ምሕዝነት ዘደልድል ኣስተዋጸኦ ከተበርክትን ልኡላውነት ሃገራት ከተኽብር እምበር፡ ኣብቲ ትካል ምክፍፋል ክትፈጥር ከም ዘይግበኣ ምትሕስሳቦም ተፈሊጡ።

ኣመሪካ ኣብ 1984ን 2017ን ካብቲ ማሕበር ስሒባ ነይራ። ብ2011 ድማ ዩኒስኮ ኣባልነት ፍልስጤም ተቐቢሉ ምስ ኣጽደቐ፡ ፕረሲደንት ኦባማ ነቲ ትካል ዝኽፍሎ ዝነበረት ገንዘብ ኣቋሪጸምዎ።

ዝተፈላለያ ሃገራት ዝድህሰስን ዘይድህሰስን ውርሻታተን ናብ ዩኒስኮ  ኣመዝጊበን ሓገዝ ዝረኽባሉ ኮይነን፡ ኣብ ኤርትራ ግና ከተማ ኣስመራ  ብዓባያ በቲ ዘለዋ ጥንታዊ ህንጻታት ኣብ ዩኒስኮ ምዝግብቲ ክነሳ፡ ብሰንኪ ናይቲ መንግስቲ ግቡእ ምክትታል ዘይምግባር ኣብ ምስሕሓብ ምእታውን ዝተገብረላ ጽገና የለን።

ስርዓት ህግደፍ “ፈስቲቫል” ብዝብል ጉልባብ ተሓቢኡ፡ ገንዘብ ንምእካብን ጸረ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ፕሮፖጋንዳ ንምንዛሕን ኣብ ሃገር ጀርመን ከተማ ጊሰን ክካየድ መዲብዎ ዝነበረ መደብ፡ ብምምሕዳር ናይታ ከተማ ከም ዝተሰረዘ ዝተፈላለያ መድያታት ደለይቲ ለውጢ ኤርትራ፡ ኣብቲ መስርሕ ክነጥፉ ዝጸንሑ ባእታታትን ነዚ ጉዳይ ዘቃልሓ ጋዜጣታት ጀርመን ብምጥቃስ ሓቢሮም።

እዚ 8ን 9ን ሓምለ 2023 ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ኣዕናዊ ፈስቲቫል ንክስረዝ፡ ብሓፈሻ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ከምኡ ድማ ድሕርቲ ናይ 2022 ምርጻም ዝተሓዎሶ ሰላማዊ ሰልፊ ጊስን ዝቆመ ናይ ርክብን ሕጋዊ መስርሕን ሓይሊ ዕማም ብዘካየድዎ ቀጻሊ ሕጋዊ  መስርሕ ምዃኑ ነቲ ኰነታት ብቐረባ ክከታተሉ ዝጸንሑ ወገናት’ውን ሓቢሮም። ህግደፍ መዲብዎ ዝነበረ ፈስቲቫል ብወግዒ ምስተገልጸ፡ እቲ ሓይሊ ዕማም ምስ ናይ ሕጊ ክኢላታት ብምምኽኻርን ጻዕርታት ብሪገድ ንሓመዱን ኣብ ግምት ብምእታውን እዩ   ክሰርሕ ጸኒሑ።

ምምሕዳር ከተማ ጊሰን ካብ ጀርመን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኢውሮጳ ኤርትራውያን መንእሰያት መደባት ህግደፍ ንምፍሻል ናብታ ከተማን ከም ዝመጹ ተረዲኡን ጸጥታዊ ሳዕቤኑ  ሓደገኛ ከም ዝኸውን ተገንዚቡን ነዚ ዝከላኸል ሓይሊ ፖሊስ ክምድብ ከምዘይክእል ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዝሰረዞ ተፈሊጡ።

እዚ ፈስቲቫል ናይ ምስራዝ ስጉምቲ፡ ንህግደፍ ሰፍ ዘይብል ስዕረት ክኸውን እንከሎ፡ ነቶም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራዊ ሓይልታት ድማ ፍናን ዝህብ እዩ። እቶም ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ዘለዉ ወገናት ህግደፍ ኣንጻርቲ ውሳነ “ይግባይ” ክብል ስለ ዝኽእል፡ ቀጻሊ ምክትታል  ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቦም።

ቅድሚ ሎሚ፡ ኤርትራውያ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ሃገር ሆላንድ  ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023፡ ኣብ ኣዳራሽ ኢቨንት ፕላዛ/EVENT PLAZA  መዲበምዎ ዝነበሩ ኣኼባታት ክካየድ ከምዘይደልያ፡ ከንቲባ ከተማ ራይስዊክ  ሃገረ ሆላንድ ሁሪ ሳሂን ምግላጸን ዝዝከር እዩ።

 

ጉጅለ ኣፍሪቃውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ህልዊ ኩነታት ሱዳን ዘመልከተ ናብ ኣቦመንበር ቤት ምኽሪ ጸጥታን ናብ ኣንበሳደር ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኮና ላና ኑሰይበህን ጥርዓን ኣቕሪባ። እታ ጉጅለ ኣብ ጥርዓና እቶም ኣንበሳደራት ብዘለዎም ድርብ ሓላፍነት፡ ብስም ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ብስም ሃገሮምን ብሓፈሻ ኩሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ሱዳን ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ በደል ንምዕጋት ዘኽእል ስጉምቲ ክወስዱ ጸዊዓ።

ናይታ ጉጅለ መጸዋዕታ ብዛዕባ ምስዚ ሓላፍነትዚ ተተሓሒዙ ዝመጽእ  ምቕሉልነት ብምጥቃስ፡ ብሰንኪ ኣብ ካርቱምን ዞባ ዳርፉርን ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ተወርዋሪ ፍሉይ ሓይልን ዝተኸስተ ውግእ ብዝተተሓሓዘ ስጉምቲ ንክወስድ ንመንግስቲ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

እቲ መልእኽቲ ኢምሬትስ ናይቲ ንጽንተት ደቂ ሰባት ዝምልከት ዓለም ለኻዊ ሕጊ ፈራሚት ምዃና ኣዘኻኺሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኤምረትስ ነቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጽሞ ዘሎ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ በደላትን ብምኹናን ግቡኣ ንክትፍጽም ጸዊዑ።

ኣብቲ መልእኽቲ፡ ሰራዊት ሱዳን እውን በቲ ሓደ ወገን እቲ ውግእ ንክናዋሕ ዝኸዶ ዘሎ ግጉይ መንገዲ ከቋርጽ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ካርቱም ይኹን ዳርፉር መሰል ሲቪላውያን ኣብ ምሕላው ሕገመንግስታዊ ሓላፍነቱ ክፍጽም ኣተሓሳሲቡ። ኣካላት ተወርዋሪ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ዝተፈጸመ በደል ዝምልከት መርተዖታት ንምጥፋእ የካይድዎ ንዘለዉ ተግባራት ተቓውመኡ እቲ መልእኽቲ ጠቒሱ።

እቲ ናብ ኣቦመንበር ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተጻሕፈ መልእኽቲ፡ ብደረጃ ኣፍሪቃ ንዝተፈላለያ ዓበይቲ ትካላት ዝውክላ ደቂ ኣንስትዮ ዝኸተማሉ ምዃኑ  ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ።

ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ግደ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ዕዙዝ ነይሩ” ተባሂሉ ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ብመሰረቱ እቲ  ወሳኒ ባእታ ባዕሉ እዩ ነይሩ። እዚ ግን፡ እተን ብሳላ’ቲ ህዝቢ ሰዊደን ኣብ መስርዕ እቲ ቃልሲ ዝተዋሰኣ ፖለቲካዊ ውድባት እውን ግደ ኣይነበረንን ዘስምዕ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ዘይተወደበ ከምዘይዕወት፡ ካብቲ ቅድሚ ምብሳር ብረታዊ  ቃልሲ  ዝነበሮ ተመኩሮ ተገንዚቡ  ውድባቱ ንምሕያል ዘይከፈሎ ዋጋ ኣይነበረን። እዚ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ ከኣ ንውድባት “ዘይጥለም” ዝበሎ ሕድሪ ብምስካም እዩ። ካብተን ህዝቢ እምነት ኣንቢሩ ሕድረይ የተግባራ እየን ኢሉ  እምነት ዘንበረለን ውድባት ሓንቲ እታ ብናይ ሎሚ ህግደፍ ዝተተክአት ምንባራ ታሪኽ ጉዕዞ ቃልስና ዝምስክሮ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ንውድባት ኤርትራ ዝሃበን ሕድሪ ዓሚቕን ሰፊሕን ምስጢር ዝነበሮ ኮይኑ፡ ካብ ኣርዑት መግዛእቲ ተናጊፉ ናጽነቱ ንምጉንጻፍን ኣክሊል ሓርነት ንምድፋእን ዘኽእል መሰረታዊ ሕቶይ ይምልሳለይ እየን ካብ ዝብል ዝነቅል እዩ ነይሩ። ህግደፍ ምስ ኩሉቲ ሓቢእዎ ዝጸንሐ ጉርሕን ተንኮልን ኣብቲ ቅድም ሕድሪ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝፍጽም መሲሉ ቃል ክኣቱ ዓይኑ ኣይሓሰየን። ናጽነት ተረጋጊጹ፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራሲያዊ ሕቶ ምምላስን ዝዓነወት ሃገር ብወሳኒ ተሳትፎ ህዝባ ምህናጽ ቅድሚት ምስ ተሰርዐ ግን፡ ቃል ህግደፍ ብተግባር ዝፍተነሉ ኩነታት ዓይኑ ኣፍጢጡ ተጋህደ። ህግደፍ ግና ኣይኮነንዶ ብዝኣተዎ ሕድሪ ሓርነታዊ መልሲ ክህብ፡ ካብ ገዛእቲ ብዘይፍለ ኩሉ መሰላት ክጉዕጽጽን ክዓጽፍን ድሕር ኣይበለን። ኣብ ጽባሕ ናጽነት ነዚ ዘጋጠመ ጥልመት ምእማኑ ዝተጸገሙ ብዙሓት ነይሮም። ደሓር ግና ብህዝቢ ጸዲቑ ዝተባህለ ቅዋም ክሳብ ምስራዝን ክምረሓሉ እየ ኢሉ ዘጽደቖ ቻርተር ክሳብ ምቕዳድ ምስ በጸሐን፡ “ኣደስ ትሓብእ እሞ ሓበላ ዓይንስ ነይትሓብእ” ከም ዝበሃል፡ ርኡይ ጥልመት ዝያዳ ተቓለዐ።

ህግደፍ መንገዲ ክሕደትን ጥልመትን ዝመረጸ፡ ድሕሪ ናጽነት ብዘማዕበሎ ስሱዕ ባህርይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ቅድም ብረቂቕ ተንኮላት ሓቢእዎ ዝጸንሐ ምዃኑ፡ ነባራት ፈለጥቱን ናይ ሽዑ ግዳያትን ሎሚ ምስክርነቶም ዝህብሉ ዘለዉ እዩ። ይኹን እምበር፡ ናይ ህግደፍ ከምቲ ኮይንዎ ዘሎ ጨካንን ሓድገኛን ምዃን ምእማኑ ዘጸገሞም ብናይ ቀደም ዘይትግበር መብጸዓታቱ ዝተዳህለሉ፡ ናብ ንቡር ዝምለሰሉ ግዜ ምሃቡ ዝመረጹውን ውሑዳት ኣይነበሩን። ህግደፍ ግና ነቲ ቃሉ ከኽብር ዝተዋህቦ ዕድል ብኣንጻሩ ናይ ጭቆና መሓውሩ ንምድልዳልን ምትራርን እዩ ተጠቒምሉ። መሰረታውን ርትዓውን ሕቶ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ምምላስ፡ ናብ ሕቶ ንዘቕረቡ ዜጋታት ከም ገበነኛ ቆጺርካ፡ ምእሳር፡ ምስዋርን ምሕቃቕን ክሰግር እውን ግዜ ኣይወሰደሉን።

እቲ ዘገርም ህግደፍ ካብቲ ምእንቲ ናጽነት ክቡር ዋጋ ዝኸፈለን ድሕሪ ናጽነት ምሉእ ዘይጉዱል ሰላም፡ ምዕባለን ዲሞክራሲን ዝተጸበየን ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ኩሉ ርኡይ ገበናቱ ዝተወሰኑ ዘጣቕዕሉ ግሩሃት ምርካቡ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕብረተሰብ ዓለም እውን ኣገራሚ ተርእዮ ኮይኑ ቀጺሉ ዘሎ እዩ። በዚ ኩነታት ናይ ዝተገረሙ እሞ “ኤርትራውያንሲ ስለምንታይ እዮም ኣብ ጓይላታት ናይቲ መወዳደሪ ዘይብሉ በዳሊኦም ጉጅለ ከይዶም ዝስስዑ?” ኢሎም ንዝሓቱ ናይ ፖለቲካዊ ሳይነስ ተመራመርቲ ምላሽ ምሃብ ክሳብ ክንደይ ኣጸጋሚ ኮይንዎም ከም ዘሎ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክንዕዘቦ ዝጸናሕናን ዘለናን እዩ። ነዚ ተዓዚቦም ንህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ንህግደፍ ተቓሊሱኳ ክስዕሮ እንተ ዘይከኣለ፡ ሰለምንታይከ “ንበረልና ይብሎ” ዝብሉ  ተዓዘብቲ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። እቲ ቁምነገር ግና መግለጽን መርኣያን ህዝቢ ኤርትራ ዘይዓሚቕ ግንዛበ ናይቶም ውሑዳት  ዘይኮነ፡ ናይቲ ዝበዝሐ ኣብ መስርዕ ቃልሲ ንለውጢ ተሰሊፉ  ዘሎ ሕራነ እዩ።

ህግደፍ በዚ ዝኸዶ ዘሎ ጠላም መንገዲ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝኣልሞም ተንኮላት ብዙሓት እዮም። እቲ መሰረታዊ መርሆኡ ከኣ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብምድኻም ኣብ ክንዲ ሓቢሩ ዝጻረሮ ኣብ ሕድሕዱ ከም ዝተፋነን ምግባሩ እዩ። ነዚ ንምትግባር በብግዜኡ ዝፍሕሶም ተንኮላት ብዙሓት ኮይኖም፡ ኣብዚ እዋንዚ ኮነ ኢሉ ዝሰርሓሉ ዘሎ ከኣ ተቓዋምን ደጋፍን ተበሃሂሉ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዝርከቡ ኣብ ኣብያተ-ጸሎት ከይተረፈ ከም ዝጋጮ’ሞ፡ ከምቲ “ሰብኣይን ሰበይትን ዝተበኣስሉ መኣዲ ይሃበኒ” ዝበሃል፡ ሓድነት ህዝቢ ከይዓጠጦን እምነትን ፖለቲካዊ ምሕደራን ደባሊቑ ዝፈጥሮ ዘሎ ዕድል እዩ።  እዚ ህግደፍ ዝዕንገለሉ ምርሕሓቕ ህዝቢ፡ ኣጋጣምታት ዝኽሪ ናጽነትን ሰማእታትን መዝሚዝካ ብዝካየድ ዳንኬራታት ዝንጸባረቕ እዩ። ወዮም ደገፍቲ ህግደፍ  ኢና በሃልቲ ኣይተሰወጦምን እምበር፡ ህግደፍ ዝምረሓሉ ፖሊሲ “ዝኣመነ ብሴፍ ዝኸሓደ ብሴፍ” ስለ ዝኾነ ግዜ እናጽነዐ ከም ዘረኻኽበሎም ኣይረስዑ። ሰለዚ ህዝቢ ኤርትራ እውን ህግደፍ ነናብ ዝዀዓቶ ህጉም ካብ ምእታው ክዕቀብ ይግበኦ።

ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ዝወርዶ ዘሎ በደላት ምዝርዛር ስለ ዘጸግም “ኩሉ መሰላት ዝተነፈጎ ህዝቢ እዩ” ምባሉ ገላጺ እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ኣዝዩ ምዕቡል ዘመን፡ ካልእ ይጽናሕሞ፡ ዝስተ ጽሩይ ማይ፡ ሓይሊ መብራህቲ፡ ኢንተርኔት፡ ኣገልግሎት ባንክን ዝኣመሰሉን መሰረታዊ ቀረባት ምርካብ ንህዝቢ ኤርትራ “ብርቂ” ምዃኑ ምጥቃሱ ኣገዳሲ እዩ። ወዮ ካብዚ ኩሉ ሕጽረታትን ጸገማት መዋጽኦ ንምርካብ ተሓቲቱ ክምልስ ዝግበኦ ክቱር መላኺ ኢስያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ደረቱ ዝሓለፈ ንዕቀቱ ንምርኣይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፡ “ምጽዋዕ ሉል ቀይሕ ባሕሪ ተበሃል ነይራ፡ ሎሚ ኣበይ ኣላ?፡ ኣብ ኤርትራ ምዕቡል ፋብሪካ ጥርሙዝ ነይሩ፡ ሎሚ ኣበይ ኣሎ?፡ ኣብዛ ሃገር ዝነበረ ፋብሪካ ዓለባ መወዳድርቲ ኣይነበሮን፡ ሎሚ ደኣ ናበይ ከይዱ?፡ ኣብዛ ሃገር ዝነበረ ፋብሪካ ቆርበት መዘና ኣይነበሮን፡ ሎሚኸ ኣብይ ኣሎ?፡ ኣብ ዓመት ካብ 80 ክሳብ 120 ሺሕ ቶን ዓሳ ምግፋፍ ዘኽእል ሃብቲ ኣለና፡ እንተኾነ 10% እውን ኣይተጠቐምናሉን፡ ካብቲ እነምህሮ መንእሰይ 85% ኣበይ ከም ዝኣቱ ኣይንፈልጥን፡ ብሓጺሩ ኤርትራ ካብ ዓቢ ፋብሪካ ዝውንን ጤለበጊዕ ዝጓሲ ዝሕሸላ ሃገር እያ …….ወዘተ” ክብል እንከሎ፡ ኣካይድኡ ክሳብ ክንደይ ግምጥልሽን ኣሽካዕላልን ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

እቲ ካልእ ዘስደምም ከኣ ነዚ ኣሽካዕላል ሰሚዖም ኣብ ክንዲ ዘስተንትኑ ዘጣቕዑ ምህላዎም እዩ። ስለዚ ኩሉ ተግባራቱ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ንህግደፍ ምእማን ካብ ማይ ምሕቋን ፈሊኻ ዝረአ ስለ ዘይኮነ፡  እቲ መዋጸኦ ኣብ ክንዲ ትንፋስ ትዘርኣሉ ብሓባር ተቓሊስካ ምውጋዱ ጥራይ እዩ።

ብፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ዝተመዘት  ኣዋሃሃዲት ኮሚተን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይቲ ካብ ዕለት 28 ክሳብ 30 ሓምለ ኣብ ፍራንክፎት ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራ 2023:  ብ26 ሰነ 2023 ናይ ሓባር ኣኼባ ኣካይደን። ኣብዚ ብሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ጠርናፊ ኣዋሃሃዲት ኮሚተ ዝተመርሐ ኣኼባ፡  ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ኣብቲ መስርሕ ምድላው በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ዝሕብር ጸብጻብ ቀሪቡ ተመዚኑ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ንናይ ምዝንጋዕ መደባትን ካልእ  ኣድለይቲ ጉዳያትን ብዝምልከት ናይ ስራሕ ብጽሒት ወሲዶም ዝጸንሑ ኣባላት ዝዓመምዎን ጌና ዘይወድእዎን ስረሓት ዝምልከት ጸብጻብ ብዝርዝር ተሰሚዑ፡  

ኣብዚ  ኣኼባ ነቲ ፈስቲቫል ዘድሊ በብዓይነቱ ቀረባትን ካልእ  ምድላዋትን፡ በጺሕዎ ዘሎ ናይ ምስንዳእ ደርጃ ተገምጊሙ፡ ዘይተወደአ ስረሓት ዝማለኣሉ መንገድታት እውን ተሓንጺጹ። ካብዚ ሓሊፉ መጠን ዝተፈላለዩ ክፍለ ስራሓት ንምውሳን  ዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ተኻይድሉ ዝያዳ መጽናዕቲ ዘድልዮም ጉዳያት ድማ ተነጺሮም። ዝተረፉ ዕማማት ዝጻፈፍሉ ኣገባባት ተተሊሙ።

ካብዚ ሓሊፉ እዚ ፈስቲቫል ውጽኢት 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ዝብሰረሉ መድረኽ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ፈስቲቫል ብዛዓብ ዝዕመሙ መደባት ዝሕብር ዝርዝር ተዳልዩ ናብ ዝምልከቶ ቀሪቡ ክጸድቕ ኣብዚ ኣኼባ ሓሳብ ቀሪቡ። ንተሰላሲሉ ዘሎ ዕድመ ኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያንን ኣጋይሽ ዝምልከትን ኣቀባብላኦምን ዝምልከት ኣቐዲሙ መደብ ክስራዕውን እቲ ኣኼባ ዝተመያየጠሉ ካልእ ዛዕባ ነይሩ።