ኣብ መቐለ ኣብያተ-ፍርዲ ስረሐን ኣቋሪጸን
2025-05-22 18:36:22 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 47 timesሓንቲ ካብተን ዝተዓጽዋ ኣብያተ-ፍርዲ መቐለ
ኣብ ዋና ከተማ ትግራይ መቐለ ዝርከባ ሓንቲ ላዕለወይትን 7 ናይ ክፍለ ከተማን ኣብያተ-ፍርዲ ካብ 20 ጉንበት 2025 ጀሚረን ከም ዝተዓጽዋ መርበብ ሓበሬታ ኢትዮ-ኢንሳይደር ንማሕበር ዳያኑ ትግራይ ብምጥቃስ ሓቢራ። ነዚ ብዝምልከት በተን ኣብያተ- ፍርዲ ዝወጸ ስምዕታ ከም ዝሓበሮ፡ ጠንቂ ናይቲ ምዕጻውን ምቁራጽ መስርሕ ፍርድን ናይ ዳያኑ ድሕንነት ውሕሰት ብዘይምርካቡ ምዃኑን እቲ ስግኣት ክሳብ ዝፍታሕ እቲ ዕጽዋ ከም ዝቕጽልን ተሓቢሩ።
ፕረሲደንት ማሕበር ዳያኑ ትግራይ ኣቶ ዳዊት ሃይለስላሴ፡ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ከም ዝገለጾ፡ ናብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ መፍትሒ ንክረክብ ኣቒረበምዎ ካብ ዘለዉ ሕቶታት ምስ ድሕንነት ዳያኑ ዝተሓሓዝ ኮይኑ፡ ብፍላይ ከኣ ንሓለዋ ኣብ ዝምደቡ ኣካላት ጸጥታ ዝምልከት ምዃኑ ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ መገባእያ ዝምደቡ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ጥራይ ስለ ዝኾኑ፡ ቁጽሪ ኣባላት ፖሊስ ወሲኹ ዘተኣማምን ሓለዋ ንክህሉ ከም ዝሓተቱ እቶም ፕረሲደንት ጠቒሶም።
እቶም ፕረሲደንት ብተወሳኺ ከም ዝጠቐስዎ፡ ቤተሰብ ተኸሰስቲ፡ ኣብ መገባእያ ኮነ ካብኡ ወጻኢ ነቶም ዳያኑ ስለ ዘፈራርሕዎም ነዚ ዝምልከት ውሕስነት ንክረኽቡ ከኣ ኣካልቲ ናብ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣቕሪበምዎ ዘለዉ ሕቶ እዩ። ብዘይካዚ ዳያኑ ብባህሪ ስረሓሖም፡ ክሳብ ናይ ሞት ብይን ክህቡ ስለ ዝኽእሉ፡ ብሰንክዚ ኣካረይቲ ካብ ዝተኻረይዎ ከም ዘውጽእዎም ኣብቲ ጥርዓን ካብ ዝተጠቕሱ እዩ።
እቶም ዳያኑ ናብ ከምዚ ደረጃ ንክበጽሑ ካብ ዝገበሮም፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ብዛዕባ ቅትለት ዘውዱ ሃብቱ ዝተባህለት መንእሰይ ጓለንስተይቲ ዳያኑ ኣብ ልዕሊ ብቕትለታ ዝተኸሱ ጥርጡራት ናይ መወዳእታ ብይን ንክህቡ ኣብ ዝተጋብእሉ፡ ብቤተሰብ ጥርጡራት ኣብ ልዕሊ ዳያኑ ናይ መጥቃዕቲ ፈተነ ተሃቂኑ እቲ መስርሕ ስለ ዝተበተነ እዩ። ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ንምዝራግ ዝተገብረ ፈተነ ላዕለዋይ መዝነት ዘለዎም ከም ዝሳተፉ’ውን ኣብቲ እቲ መርበብ ዝተጠቕሰ ስምዕታ ተመልኪቱ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እውን ነቲ ዝቐረቦ ጥርዓን ኣጻርዩ፡ ኣብ ልዕሊቶም ኣብ መስርሕ ፍርዲ ዕንቅፋት ዝፈጠሩ ኣጻርዩ ስጉምቲ ከም ዝወስድ ቃል ኣትዩ’ሎ።