EPDP News

ስእሊ ካብ ዜና ሲኤንኤን/CNN

ብምክትል ሓላፊ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ተግባራት ኣብ ኢትዮጵያ ዝምራሕ ተወከልቲ ትካል ጥዕና ዓለምን ካልኦት ዘይመንግስታዊ ትካላትን ዝርከብዎ ጉጅለ፡ ኣብ ትግራይ ናብ ዓድታት ታሕታይ ኣድያቦ ኣትዩ ኣገልግሎት ከይህብ ብ25 ጉንበት 2023 ብሰራዊ ኤርትራ ከም ዝተኸልከለ ሲኤንኤን/ CNN ሰራሕተኛታት ዘይመንግስታዊ ትካላት ብምጥቃስ ሓቢራ።

እቶም ገበርቲ ሰናይ ኣካላት፡ ጉዕዘኦም ከይቅጽሉ ብሰራዊ ኤርትራ ዝተዓግተ፡ ካብ ከተማ ሸራሮ ኣስታት 16 ኪ/ሜ ተጓዒዞም፡ ኣብ ከባቢ ዋዕላ ንህቢ ዝበሃል ቦታ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ። እቶም ነቲ ጉዕዞ ዝዓንቀፉ ኣባላት ሰራዊ ኤርትራ፡ ኣብ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ ሓሙሽተ ቀበለታት ሰፊሮም ዘለዉ ምዃኖም እውን እቲ ዜና ጠቒሱ። ሪፖርተራት ሲኤንኤን/ CNN ፡ ኣብቲ ከባቢ ብሰራዊት ኤርትራ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮን ካልእ ግህሰታትን ከም ዝፍጸምን ህዝብቲ ከባቢ ሰብኣዊ ረዲኤት ከይረክብ ከም ዝኽልክሉን እውን ኣብቲ ጸብጻቦም ኣስፊሮም።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ እቲ ኮሚተ ብወግዒ ዝሃቦ መግለጺኳ እንተዘየለ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ኣተገባብራ ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዕጥቂ ምፍታሕ ሰራዊ ትግራይን ምውጻእ ዘይኢትዮጵያዊ ሰራዊትን ዕጡቕ ኣምሓራን ካብ ትግራይ ንምቁጽጻር ብሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ዝተመዘዘ ወተሃደራዊ ኮሚተ፡ ምንቅስቓስ ከም ዝዓንቀፈ እውን ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸብታት ክግለጽ ዝጸንሐ እዩ። ብወገን ምምሕዳር ህግደፍ ነዚ ብዝምልከት ዝተዋህበ ሓበሬታ ስለ ዘየለ፡ ነቲ ክሲ ከም ምቕባል ከም ዝቑጸር ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝገልጽዎ ዘሎ እዩ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ብተደጋጋሚ ንክወጽእ ክጽውዑ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር እዩ።

ኤርትራ ምስ ሰሜን ኮርያን ማውር፡ ብዓለም ደረጃ ዘመናዊ ባርነት ዝረኣየለን ሃገራት ምዃነን፡ ግሎባላዊ መዝገብ ባርነት/ Global Slavery Index፡ ዝተባህለ ትካል ናይ 2023 ጸብጻቡ ብዝምልከት ብ23 ጉበት 2023 ኣብ ድሮ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብዝዘርግሖ መጽናዕቲ ምሕባሩ ኣገልግሎት ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ/ Agence France-Presse ኣስፊሩ። እቲ ጸብጻብ ነቲ ኰነታት ምስ ናይ ቅድሚ 5 ዓመታት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ክወዳድሮ እንከሎ፡ እናገደደ ከም ዝቐጸለ ኣፍሊጡ።

እቲ ጸብጻብ፡ ናይቶም ብዓለም ደረጃ ብዘመናዊ ባርነት ዝሰቐዩ ሰባት ኣሃዝ ብ2016, 50 ሚልዮን ክነብር እንከሎ፡ እዚ ኣሃዝ ብ2021, ብ10 ሚልዮን ግዳያት ከም ዝወሰኸ ጠቒሱ። ካብቶም ጠቕላላ  ብዘመናዊ ባርነት ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት፡ 28 ኣብ ግዱድ ስራሕ ዝተጸምዱን 22 ሚልዮን ድማ  ኣብ ናይ ኣስገዳድ መርዓ ዝተቖርኑን ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።

እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ካብቶም ብዙሓት ንምግዳድ ዝመናዊ ባርነት ጠንቅታት ዝበሎም፡ ዝተሓላለኹ ወተሃደራዊ ጐንጽታት፡ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኣከባብያዊ ምንቁልቋልን ምስፍሕፋሕ ኮቪድ-19ን ከም ዝርከብዎም ኣስፊሩ። እቲ ሰብኣዊ ልገሳ ዝተባህለ ትካል እውን ዝተሓወሶ መጽናዕቲ፡ ናይ ዘመናዊ ባርነት መልከዓት ከመይ ከም ዝመስል ክጠቅስ እንከሎ፡ ግዱድ ስራሕ፡ ግዱድ መርዓ፡ ብልቓሕ ጉልበት ሰብ ምሓዝ፡ ግዱድ ወሲባዊ ንግዲ፡ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሰባትን ምስዋርን መሸጣን ህጽናትን ዝብሉ ዘርዚሩ።

ንስፍሓት ናይቲ ዘመናዊ ባርነት ብዝምልከት፡ ኣብ ዝተጠቕሰ፡ ኣብ ሰሜን ኮርያ 104.6፡ ኤርትራ 90.3፡ ማውርድማ 32 ሰባት ካብ 1000 ሰባት  ምዃኑ ኣረዲኡ። ኣብተን ንኤርትራ ወሲኽካ ዝለዓለ ዘመናዊ ባርነት ዝረኣየን ሃገራት፡ ምድራት ሲቪላዊ ሓለዋን ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰልን ንኹለን ዘመሳስለን መምዘኒ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ። እተን ሃገራት ኣብ ተሃዋስን ፖለቲካዊ ምርግጋእ ዘየብሉን  ከባቢ ዝርከባ፡ ከም ስደተኛታት ዝኣመሰሉ ንመጥቃዕቲ ዝተቓልዑ ሰባት ዝርከብወን ምዃነን ከኣ እቲ መጽናዕቲ የረድእ።

ብዘይካተን ኤርትራ ትርከበን ሰለስተ ዝገደዳ ሃገራት፡ ካብተን ዓሰርተ ዘመናዊ ባርነት ዝረኣየለን፡ ሰዑድ ዓረቢያ፡ ዓረብ ኤምረትስ፡ ኩወይት፡ ሶርያ፡ ታጃኪስታን፡ ሩሲያን ኣፍጋኒስታንን ይርከበአን። እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ኤርትራ ብደረጃ ዓለም 2ይቲ ኮይና ብደረጃ ኣፍሪቃ ድማ ቀዳመይቲ ዘመናዊ ባርነት ዝዝውተረላ እያ።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ንመስርሕ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመዘዘት ወተሃደራዊት ኮሚቴ ምክትታልን ምቁጽጻርን፣ ንጥፈታታ ብዝግባእ ንኸይተካይድ ዕንቅፋት ይፈጥረላ ከም ዘሎ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ከም ዝወቐሰ ማዕከናት ዜና ትግራይ ጠቒሰን።

ናይታ ኮሚተ መራሒ ኬንያዊ ጀነራል ስቴፈን ራዲና ብወገኖም፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሮተርያ፡ ንምውራድ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይን ምውጻእ ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራን ወጻእተኛታት ዕጡቓትን ካብ ክልልት ትግራይ ብዝምልከት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እናተዘዋወረት ትዕዘብ ከም ከምዘላ ኣብቲ ብ19 ጉንበት 2023 ኣብ ከተማ መቐለ ዝተገብረ ርክብ ኣፍሊጦም። ኣተሓሒዞም ድማ ዝመርሕዋ ኮሚተ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ናብ ምዕራብ ትግራይ ከም እትኸይድ ኣፍሊጦም።

ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ ኣብቲ ክልል ዝተፈጸመ ተግባራት፡ ኣብ ውግእ ከም ዘጋጥም እትጽበዮ ሰብኣዊ ዕንወት ጥራይ ዘይኮነ፡  ፍሉይን ህዝቢ ንምጽናት ዝዓለመን ተርኽቦ ምዃኑ ጠቒሱ። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ ትግራይ ዝወረደ ዕንወት ልዕሊ ዓቕሚ ክልል ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ስለ ዝኾነ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ንክሕግዝ ጸዊዑ።

ሰራዊት ኤርትራ ንንጥፈታት ናይታ ኮሚቴ ዕንቅፋት ይኸውን ምህላዉ ከም ዘተሓሳስብ ዝጠቐሰ ኣቶ ጌታቸው ብሰንክዚ ዕንቅፋት ረዲአት ዘይበጽሖ ከባብታት ትግራይ ከምዘሎ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ንክወጽእ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ተጽዕኖኡ ንከሕይል ጸዊዑ።

ኣብዚ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ርክብ፡ ናይ ብዙሓት ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ዘለወን ሃገራት ወተሃደራዊ ኣታሺ ኦፊሰራት ከም ዝተሳተፉ ተፈሊጡ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ፕሮፈሶር መሓመድ በሽር ነቲ ሓይልታት ወኪሉ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣንበሳደር ማይክ ሃመር ዝገበሮ ርክብ ብዝምልከት ብ16 ጉንበት 2023 ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ። ፕሮፈሶር መሓመድ በሽር ኣብቲ ኣብ ካሊፎርንያ ከተማ ሎስኣንጆልስ ዝተኻየደ ርክቦም፡ ዕዙዝ ኣድላይነት ርክብ ቤት ጽሐፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ምስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ካለኦት ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራዊ ኣካላትን  ብዝምልከት ተመያይጦም። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘስፈሮ፡ ኣንበሳደር ማይክ ሃመር ብዛዕባ ኣተገባብራ ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃን ካልእ ኢትዮጵያዊ ጉዳያትን ንምምይያጥ እዮም ኣብ ካሊፎርኒያ ተረኺቦም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ደቡብ ካሊፎርኒያ ምስ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን ኣብ ዝተረኽብዎ ኣኼባ ኣንበሳደር ሃመር፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ግደ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ብዛዕባቲ ብ2 ሕዳር 2022 ዝተኸተመ  ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሰፊሕ መብርሂ ከም ዝሃቡ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣስፊሩ። ኣንበሳደር ማይክ ሃመር፡ ወኪል ፖሓኤ ኣብቲ ኣኼባ ብዛዕባ ብወጻዒ ምምሕዳር ኤርትራ  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ዘይሰብኣዊ በደላትን ዞባዊ ህውከትን ብዝምልከት ዘልዓሎ ሕቶ ብምድጋፍ፡ እቲ  ወጻዒ ጉጅለ በቲ ዝገብሮ ዘሎ ወተሃደራዊ ኢድ ምትእትታዋት ተሓታቲ ከም ዝኸውን ንምግባሩ ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ቅሩባት ምዃኖም ጠቒሱ።

ድሕሪ ምዝዛም እቲ ኮንፈረንስ፡ ወኪል ፖሓኤ ምስ ኣንበሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ዝገበሮ ርክብ ምዛዕባ ኣድላይነት ርክብ ቤት ጽሕፈቶምን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራዊ ኣካላትን ከም ዝተዘራረቡን ኣብ ሓጺር ግዜ ምስ ፖሓኤ ክራኸቡ ትጽቢት ከምዘሎን ጋዜጣዊ መግለጺ ፖሓኤ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኤርትራ ብ15 ጉንበት 2023፡ ከባቢ ሰዓት 10 ናይ ምሸት 4.7 ሬክተር ስኬል  ዝዓቕኑ ኣብ ስፍሓት መሬት 40 ኪሎሜተር ዝተዘርገሐ ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ ማዕከን ዜና ቢቢሲ/BBC፡ ኣፍሊጡ። እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት  ዘጋጠመሉ ከባቢ፡ ካብ ፎሮ ንወገን ሰሜናዊ ምብራቕ 15 ኪሎ ሜትር፡ ካብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ድማ ንወገን ሰሜናዊ ምብራቕ 38 ኪሎ ሜትር  ኣብ ዝርሕቀቱ ሰዓተር ኣብ ዝባሃል ቦታ ከም ዘጋጠመ እቲ ማዕከን ዜና ኣረዲኡ።

እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ከተማታት፡ ኣስመራ፡ ባጽዕ፡ ዓዲ ቀይሕን ሰንዓፈን ከም ዝተሰምዐ፡ እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከም ዘውረደ ዝሕብር ጸብጻብ ከምዘየለ ተፈሊጡ። ቢቢሲ ኣተሓሒዙ ብዛዕባዚ ተረኽቦ ንሚኒስተር ጸዓት ኤርትራ ተወኪሱ ከም ዘረጋገጽሉ ጠቒሱ።

እዚ ዝተጠቕሰ ከባቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብተደጋጋሚ ንኡስ ዓቐን ዘለዎ ምንቅጥቃጥ ከጋጥሞ ዝጸንሐ እዩ።

ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡  ብ13 ጉንበት 2023 ናብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳብ፡ ነቲ ውድብ በቲ ዝነበሮ ደረጃ ናብ ንቡር ከምዘይመልሶ ጠቒሱ። እቲ ቦርድ ነዚ ደብዳበ ዝጸሓፈ ህወሓት፡ ድሕሪ ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ተኸቲሙ ክትግበር ምጅማሩን፡ ብፓርላማ ኢትዮጵያ ካብ ዝርዝር ፈጠርቲ ራዕዲ ምውጽኡን ህልውናኡ ኣብ መዝገብ እቲ ቦርድ ህያው ክኾነሉን ተኣጊዱ ዝነበረ ንብረቱን ክምለሰሉ ብ7 ጉንበት 2023 ንዝጸሓፎ ደብዳበ ክምልስ እንከሎ እዩ።

እቲ ናብ ህወሓት ዝተላእከ ደብዳበ ቦርድ ምርጫ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብቲ ውግእ ዝነበረሉ ግዜ ብ18  ጥሪ 2021 ህወሓት ኣብ  ውግእ ኣንጻር መንግስቲ ስለ ዝኣተወ ከም ዝተሰረዘ፡ ኩሎም ኣባላቱ  ብስምቲ ውድብ ከይንቀሳቐሱ ከም ዝተኣገዱን ንብረቱ ከኣ ቅድም ዕዳ እንተይርዎ መኽፈል ዓዳ ክኸውን፡  ዝተረፈ ከኣ ናብ ካልእ ንምርጫ ዝምልከት መዓላ ክውዕል ከም ዝተወሰነ ይጠቅስ። ኣተሓሒዙ ድማ ብመሰረት ናይ ኢትዮጵያ ኣዋጅ 1162/2019  ብዛዕባ ዝተሰረዘ ውድብን ንብረቱን  ናብ ንቡር ምምላስ ዝጠቅስ ዓንቀጽ ከምዘየብሉ ጠቒሱ። ብመንፈስ እቲ ብቦርድ ምርጫ ዝተጻሕፈ ደብዳበ፡ ህወሓት ካብ መዝገብ ስለ ዝተሓኸኸ፡ ከም ሓድሽ ቀጥዕታት ኣማሊኡ ናይ ኣባልነት ጥርዓን ከቕርብ እሞ ጉዳዩ ተጻርዩ ክምለስ ከም ዝኽእል ዝእምት እዩ። ካልኦት ሰልፍታት ትግራይ እውን መራሕተን ኣብቲ ውግእ ምስታፎም ብዝተተሓሓዘ  ብቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ጸገማት የጋጥሞም ኣሎ።

እዚ ኩነታት፡ ድሕሪ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዓለም ለኻዊ ተዓዘብቲ ኣብ ዝተረኽብሉ፡  ምስ ህወሓት ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ምኽታሙ፡ ኣብ ትግራይ ህወሓት ብዝለዓለ ደረጃ ዝሳተፈሉ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ተመስሪቱ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣፍልጦ ምሃቡን ብዙሓት ናብ ሰላም ዘምርሑ ስጉምትታት ምስ ተወስዱን ምምጽኡ ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ እዩ።

ኣብ ዋና ከተማ ሱዑድያ ጅዳ፡ ብኣላይነት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሱዕድ ዓረብን ክመያየጡ ዝጸንሑ ወከልቲ ሰራዊት ሱዳንን ተወርዋሪ ረዳኢ ሓይልን ብ11 ጉንበት 2023 ንምክልኻል ሲቪል ወገናት ዝምልከት ስምምዕ ከም ዝኸተሙ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ተሓቢሩ። ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ስምምዕ ንክበጽሑ ዝደረኾም፡ ሕቶ ኣድላይነት ሰብኣዊ ቀረብ ብፍላይ ንነበርቲ ከተማ ካርቱም ንምምላስ፡   ብዝተፈላለዩ ፈተውቲ ህዝቢ ሱዳንን፡ ግዱሳት ወገናትን፡ ንዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ንክምእዘዙ ብዝቐረበሎም መጸዋዕታ ክሰማምዑ ከም ዝተገደዱ በቲ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣረጋጊጾም።


እቶም ከተምቲ  ስምምዕ ጅዳ ኣተሓሒዞም፡ ኣብ ግዝኣታዊ ሓድነት ሱዳን ዘለዎም ጽኑዕ እምነት ኣረጋጊጾም። ኣተሓሒዞም ድማ እቲ ዝበጽሕዎ ስምምዕ፡ ንሕጋዊ ድሕንነት፡ ፖለቲካዊ ሕጋውነትን ተሳትፎን ኩሎም ወግናት፡ ዝጻባእ ከምዘይኮነ ኣረጋጊጾም። ነቲ ፈተውቲ ሱዳንን ህዝባን፡ ሰብኣዊ ሕግታት ተኸቲሎም ንክሰማምዑ ዘሕደርሎም ተጽዕኖ ከም ዘኽብርዎ ኣረጋጊጾም፡ ነቲ ስምምዕ ከተግብሩ ዘለዎም  ቅሩብነትውን ኣርእዮም።

ኣተሓሒዞም ድማ እዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለዉ ዝርዝር ስምምዓት፡ ምስ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታትን ግቡኣትን ዘይጻረሩ ምዃኖም ኣፍሊጦም። እዞም ዝተሰማምዕሎም ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ ኮይኖም፡ ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፎም ሰፊሕ ዝርዝር ኣለዎም።

1) ድሌታት ህዝቢ ሱዳን ቀዳምነትና ምዃኑ ንኣምን፡ ሲቪል ወገናት ኣብ ኩሉ መዳያት ሓለዋ ንክረኽቡ ድማ ተሰማሚዕና ኣለና። እዚ ስምምዕ እዚ ናይ ሰባት ካብን ናብን ውሑስ ምንቅስቓስ  ዘጠቓልል እዩ።

2) ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግን መሰልን ከነኽብር ቅሩብነትና ነረጋግጽ።

3) ነቶም ሰብኣዊ መሰል ዝሕልዉን ናይቶም ናይቲ ውግእ ኣካል ዘይኮኑ ሲቪል ወገናት ህይወት፡ ዝዕቅቡን ተበግሶታት ኣፍልጦ ንህብ። ነቶም ሰብኣውነትን ንብረትን ንምዕቃብ ዝግበሩ ንጥፈታት ድማ ነኽብር።

4) ኣብዚ ስምምዕ ዝተጠቕሱን ካለኦት ተዛመድቲ ዓለምለኻዊ ግቡኣትን ኣብ ኩሉ ደረጃ ሓላፍነትና ኣብ ግብሪ ከነውዕሎም ቅርቡነትና ነረጋግጽ።

5) ከም ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ሱዳንን፡ ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ዝኣመሰሉን ካለኦት ግዱሳት ሰብኣዊ ትካላትን ምስ ዝምልከቶም ትካላት ኮይኖም ኣድላይ ምንቅስቓሳት ከካይዱ ነፍቅደሎም።

6) ኩሎም ኣብ ትሕቲ ምምሕዳርና ዝንቀሳቐሱ ትካላትን ሰባትን በዚ ስምምዕ ከም ዝቕየዱን ከም ዝተሓባበሩን ክንገብር ኢና።

ኣብ መውዳእታ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ንዝተወሰነ ግዜ ቀጺሉ ድማ ንቀዋሚ ተኹሲ ጠጠው ምባል ዝሕግዙ ናይ ዘተ መደባት ክሰርዑ ቅሩባት ምዃኖም ቃል ኣትዮም።

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንበሳድር ማይክ ሃመር፡ ካብ 10 ክሳብ 19 ጉንበት 2023 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ኣመሪካ ምስ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ተራኺቦም መብርሂ ከም ዝህቡ  ወጻኢ ጉዳይ ኣመሪካ ኣፍሊጡ። ማይክ ሃመር ኣብቲ ርክባት ዝተኩሩሉ ኣጀንዳ ሓፈሻ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ  ኮይኑ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ውዕል ሰላምን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን እዩ።

እቲ ርክብ ኣብ ግዝኣት ካሊፎርንያ ከተማ ሎስ ኣንጀሎስ ከም ዝካየድን ኣብቲ ርክባት ዝሳተፉ ብሓፈሻ ኢትዮጵያውያን ከም ዝኾኑን ብፍላይ ግና ናብ ተወለድቲ ኣምሓራ፡ ሶማልያ፡ ኦሮሞን ትግራይን ዘተኩር ከም ዝኾነ ተፈሊጡ። ብዘይካዚ  “ሓድነት ደቂ ኣንስትዮ ቀርኒ ኣፍሪቃ” ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘዳልዎ መድረኽ ምስ ማሕበረኮም ኢትዮጵያን ኣመሪካውያን ርክብ ከም ዘካይዱን ኣብዚ ርክብዚ ድማ ምድንፋዕ ሰላምን ምሕያል ሓድነትን ደቂ ኣንስትዮን ንዝብል ጉዳይ ዝያዳ ትኹረት ከም ዝወሃብ  እቲ መግለጺ ኣረዲኡ።

ፍሉይ ልኡኻ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንበሳደር ማይክ ሃመር፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይን ጐረባብቲ ክልላትን ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ወቐሳ ከቕርቡ ካብ ዝጸንሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓደ ኮይኖም፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ 2023፡ ምስ ትካል ሰላም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንምውጻእ ጻዕሪ ይግበር ምህላዉ ምጥቃሶም ዝዝከር እዩ።

ሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ብዘይብቑዕ ምኽንያት ኣሲርዎም ዝጸንሐ ኤርትራውያን ኣገዲዱ ገንዘብ እናኽፈለ ይፈትሖም ከም ዘሎ ተለቪዥን ኣሰና ሓቢራ። እታ ተለቪዥን እቶም ተኣሲሮም ብነፍሲ ወከፎም 50ሺሕ ናቕፋ እናኸፈሉ ክወጹ ዝተገደዱ፡ ኣብ  ምክትል ወረዳ ሰፍኣ ነባሮ ዓድታት፡ ዝባንሰጊ፡ ደንበ ጉዑፍ፡ ማየልቦ፡ ኣዛሒትን ዓዲ ፈለስትን ከም ዝርከብዎም ሓቢራ።

እዞም ዜጋታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድዋሩባ ተኣሲሮም ዝጸንሕሉ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኣብ ለይቶ ዝርከብ መሬትኩም “ከይትሓርስዎ ተኣዚዝኩም ከተብቅዑ፡ ነቲ ትእዛዝ ጥሒስኩም ሓሪስኩምዎ” ዝብል ዕባራ ምኽንንያት እዩ። እዞም እሱራት ሰብ ሓዳርን ነፍሰ ጾራትን ደቂ ኣንስትዮን ቤተ ሰብ ስዉኣትን ከም ዝርከብዎም ድማ እቲ ዜና ጠቒሱ።

 ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ 10 ዓመታት ተፈጺሙ ዝበሎ ጥሕሰት ጸባጺቡ ኣብዚ እዋንዚ ምእሳሩ፡ ነቲ ማእሰርቲ ከም ምንጪ ኣታዊ ክጥቀመሉ ስለ ዝደለየ ምዃኑ እውን እቲ ሓጺር ጸብጻብ ተለቪዥን ኣሰና ኣመልኪቱ። እቲ ዜና ካልእ ምስዚ ዝዛመድ ኣብነት ንምጥቃስ፡ እቲ ስርዓት ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጐደናታት ለሚንኩም ኢሉ ንዝኣሰሮም ድኻታት ገንዘብ ከፊልሎም ክፍትሑ ከም ዘገደደም ጠቒሱ።

ምስዚ ብዝዛመድ እቲ ጉጅለ፡ ቅድሚ ሕጂ፡ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ፡ እሞ ድማ ካብ ወተሃደራዊ ኣሃዱታቱ ንዝሃደሙ መንእሰያት ስድራቤቶም 50 ሺሕ ናቕፋ ክኸፍሉ  የገድድ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ከኣ “ውላድኩም ኣይከተተን” ብዝብል ስድራቤቶም ክኣስርን ኣባይቶም ዓጽዩ ከከላብቶም ከም ዝጸንሐን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

ዘጋርዲያን/THE GUARDIAN ዝተባህለት ዕለታዊ ጋዜጣ ዓብይ ብሪታንያ፡ ኣብ ሱዳን ካብ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣስታት 3500 ብህግደፍ ብሓይሊ ተወሲዶም፡ ዝተወሰኑ ካብኣቶም ከም ዝተኣስሩ ኣብ ናይ 7 ጉንበት 2023 ሕታማ ከሲሳ። እታ ጋዜጣ ከም ዘስፈረቶ፡ ካብዞም ብሓይሊ ዝተወስዱ ኤርትራውያን 95 ሽዑ ንሽዑ ኣብ ከተማ ተሰነይ ከም ዝተኣስሩን ካብኣቶም 9 ደቂ ኣንስትዮ ምዃነንን ነቲ ኩነታት ክከታተልዎ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ነጠፍቲ ሰብኣዊ መሰል ብምጥቃስ  ጽሒፋ። ካብዞም ዝተኣስሩ ዝተወሰኑ ንህግደፍ ክቃወሙ ዝጸንሑ ምዃኖምን እቶም ዝተረፉ ግና ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ውትሕድርና ኣገልጊሎም ዝተሰዱ ምዃኖም ተሓቢሩ።

እቶም ነቲ ኩነታት ዝተኸታተሉ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዝግደሱ ኤርትራውያን ካብ ከተማ ካርቱም ነታ ጋዜጣ ከም ዝገለጹላ፡ እቶም ስደተኛታት ካብቲ ተዓቚበምሉ ዝነበሩ መደበር ብኣውቶቡሳት ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳናንን ናብ እትርከብ ኣፍደገ 13/ Gate 13 እትበሃል ቦታ  ከም ዝተወስዱን፡ ድሕሪኡ ብዘይድሌቶም ናብ ኤርትራ ከምርሑ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ከም ዝተገደዱን ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ውግእ ካርቱም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ናይታ ከተማ 9 ኤርትራውያን ከም ዝሞቱ ኣብታ ጋዜጣ ተጠቒሱ።

ሓደ ኣብ ውትህድርና ኤርትራ ዘገልገለ ሓዉ ተገዲዱ ናብ ኤርትራ ዝተወስዶ ኤርትራዊ፡ ነታ ጋዜጣ ከም ዝጠቐሰላ፡ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ስድራቤት ናይቲ ብሓይሊ ዝተወስደ ግዳይ፡ ኣብ ኣስመራ ሓቲቶም ደሃይ ስለ ዘይረኸቡ፡ ከቢድ ሻቕሎት ከም ዝሓደሮ ሓቢሩ። ካልእ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝተኸታተለ ኤርትራዊ ብወገኑ፡ እዞም ተገዲዶም ምስተወስዱ ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ግዳያት ንሓዋሩ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ከየጋጥሞ ዝሓደሮ ስግኣት ከም ዝጠቐሰላ እታ ጋዜጣ ኣስፊራ፡

ኣብ መደበር ስደተኛታት ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ነቶም ስደተኛታት ዝነበሮም ቀረብ ከም ዝተወደአ ነጊረምዎም ከም ዝነበሩን  እቲ ኩነታት ካብቲ ቦታ ክወጹ ከም ዘገደዶምን ሓደሓደ ካብቶም ስደተኛታት ሓቢሮም።

ብኻልእ ወገን ከኣ ካብ ካርቱም ናብ ደቡብ ሱዳን ክኸዱ ዝፈተኑ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዶብ ናብ እትርከብ ከተማ ዋዩ ንምብጻሕ ጥራይ ብነፍሲ ወከፍ 410 ዶላር ክኸፍሉ ይግደዱ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ኣብ ከተማ መተማ ዝበጽሑ ኤርትራውያን ካብኡ ከይቅጽሉ ብሓይልታት ጸጥታ ናይታ ሃገር ከም ዝተኸልከሉ  ይሕብሩ ኣለዉ።