
ሓፍትና ኣልማዝ ሃብተ ሰለሙን፡ ብዕለት 15 ጥሪ 2019 ብዘጋጠማ ሃንደበታዊ ሕማም ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ሽወደን፡ ብሞት ካብ’ዛ ዓለም ተፈልያትና ኣላ። ስውእቲ ኣልማዝ ሃብተ ብ15 ሚያዝያ 1965 ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ። ብለካቲት 1978 ናብ ተሓኤ ተሰሊፋ፡ ኣብ ብሪገድ 72 ተመዲባ ተቓሊሳ። ተሓኤ፡ ተደፊኣ ኣብ መሬት ሱዳን ድሕሪ ምእታዋ ድማ፡ ከም ኣባል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኰይና ግቡኣ ፈጺማ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣባል ሰዲህኤ ኰይና ክትቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ ቅድሚ 5 ዓመታት ኣቢላ ናብ ሽወደን ተሰዲዳ ክትነብር ጸኒሓ።
በዚ ዘሕዝን ተረኽቦ፡ ንስውእቲ መንግስተ-ሰማይ፡ ንስድራቤታ፡ ቤተሰባን መቓልስታን ድማ እግዚኣብሄር ጽንዓት ይሃቦም፡ ጠሉ ድማ የውርደሎም እናበልና ብስም መሪሕነትን መሰረታትን ሰዲህኤ ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ክንገልጽ ንፈቱ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
መንግስቲ፡ ብህዝቢ ዝተመርጸን ህዝቢ ናተይ ብዝብሎ ሕግን ስርዓትን ዝምራሕን ክኸውን እንከሎ ኣብ ቅድሚኡ ካብ ዝጽበይዎ ብደሆታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ግሉጽ ተሓታቲ ምዃንን ዘይምዃንን እዩ። እቲ ተሓታትነት ኣብ ዙርያ ኣተገባብራ ናይቲ ብህዝቢ ንመንግስቲ ዝተዋህበ ሓላፍነት ዝካየድ እዩ። ብህዝቢ ሓላፍነት ዝተዋህበ መንግስቲ እንታይ ክገብርን እንታይ ከይገብርን ከም ዝግበኦ ዝተድረተ ሓላፍነት ኣለዎ። ካብቲ ተደሪቱ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ቀይሕ መስመር እንተሰጊሩ ብህዝቢ ይሕተት ጥራይ ዘይኮነ ይቕጻዕ እውን። እቲ መቕጻዕቲ “ደጊም ካብ ፈቓድና ወጻኢ ስለ ዝኸድካ ካብ ስልጣን ውረድ” ክሳብ ምባል ይድይብ። ካብ ፈቓድ ህዝቢ ወጻኢ ከይከድ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ምስ ሰናይ ግሉጽ ተሓታትነት ዝመርሕ መንግስቲ ከኣ ይነኣድ። እቲ ናእዳ “ኣገናዕ ጽቡቕ ኣለኻሞ በቲ ሒዝካዮ ዘለኻ ኣገባብ ቀጽል” ዝብል ይኸውን።
ብህዝቢ ሓላፍነት ዝተዋህበ መንግስቲ ንህዝባዊ ተሓታትነት ይፈርሕን ካብኡ ንምድሓት ብጥቃቐ ይሰርሕን። ከም በዓል ኢሳይያስ ዝኣመሰለ ብዘይሕፍረት ጉዳይ ህዝቢ ክለዓል እንከሎ “እንታይዶ ምስ ህዝቢ ዝኣተኹዎ ኩንትራት ኣለኒ እዩ” እንዳበለ ዝብዳዕ ግና ኣግሂዱ ኣንጻር ህዝቢ ስለ ዝዓዪ፡ ብህዝቢ ከይሕተት ኣይፈርሕን እዩ። ህዝብን ብህዝቢ ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ሕግታትን ዘኽብር መንግስቲ ብንጹር ዝሰፈረ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ክህልዎ ይግባእ። እዚ ንጹር መንግስታዊ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ስረሓት ንምስላጥ ጥራይ ዘይኮነ ንግሉጽነትን ተሓታትነት ኣብ ቅድሚ ህዝብን እውን ጥጡሕ እዩ። ከም ኩነታት ኤርትራ ነዚ ኩሉ ኣካላት መንግስቲ ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ዘይኮነ ሓደ ውልቀሰም ዓምጢሩ ክሕዞ እንከሎ ግና ንኣሳልጦ ስራሕ ኮነ ንተሓታትነት ዘይጥዕም ጥራይ ዘይኮነ ዘየኽእል እዩ።
ግሉጽነት ወይ ሓበሬታ መንግስቲ ከከም ዝጥዕሞ ንህዝቢ ቆንጢሩ ዝህቦ ወይ ጠቕሊሉ ዝኸልኦ ዘይኮነ፡ ከም ሓደ መሰረታዊ መሰል እሞ ድማ ብስሩዕ ኣገባብን ብኣገደስቲ ትካላትን ቀጻልነት ብዘውሓሰ መስርሕ ዝወሃብ እዩ። ግሉጽነት ወይ ስሩዕ ዋሕዚ ሓበሬታ ኣገዳሲ ዝኾነሉ፡ ህዝቢ ኣብ መንግስቱ ዝህልዎ ናይ ምቁጽጻር ግደ ኣብዚ ሓበሬታ ዝምርኮስ ስለ ዝኸውን እዩ። ዘይግሉጽ መንግስታት ምስ ህዝቦም ብጎቦ ዓይኒ እዮም ዝረኣኣዩ። ዘይግሉጽ ኣካይዳኻ ሓቢእካ፡ ከምዚ ናይ ህግደፍ ባዶ መዝሙር “ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና” ምዝማር ግና ሕማምካ ምሕባእ እዩ። ሕማሙ ዝሓብእ ከኣ ሓባእ ፈውሱ እዩ።
ጉድለታት ህግደፍ ኣብ ቅድሚ ኤርትራን ህዝባን በብሓደ ዘርዚርካ ስለ ዘይውዳእ ብድብድቡ ኩሉንተናኡ ዘይቅርዑይ እዩ ኢልካዮ ምሕላፍ ዘጸግም ኣይኮነን። እንተኾነ ከከም እዋኑ ሓደ ሓደ ጉዳያት እንዳመዘዝካ ምጥቃስ’ውን ይከኣል። ዘይግሉጽነትን ኣተሓባባእን ባህሊ ህግደፍ ኣብዚ እዋንዚ ክለዓሉ ካብ ዝግበኦም ነጥብታት እዮም። ጉጅለ ህግደፍ ግሉጽነት የብሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢሉ ኣብ ዘይግሉጽ ዓለም ክነብር ዝወሰነ ኣካል እዩ። እዚ ጉጅለ ካብዚ ዝኸደሉ ዘሉ ኣተሓባባእ ንክወጽእ ዓቕምን ጉልበትን ከም ዝሓጽሮ ንጹር ኮይኑ፡ ዋላውን ህዝቢ ብናቱ መንገዲ ሓበሬታ ከይረክብ ኮነ ኢሉ ኣፍደገታት ዝዓጹ ምዃኑ ከኣ እቲ ጉዳይ ናይ ዓቕሚ ዘይኮነስ ናይ ባህሪ ምዃኑ የነጽረልና። እዚ ኩሉ ተጠቕሊሉ ከኣ ናብቲ “ጉዳይ ሃገር ነዓና ከም ጉጅለ እምበር ንህዝቢ ስለ ዘይምልከቶ፡ ብዛዕባ ሃገርን ህዝብን ሓበሬታ ምርካብ እንታይ ክገብረሉ” ኣብ ዝብል ትምክሕትን ንዕቀት ህዝብን ዝጠቓለል እዩ። ኣብዚ እቲ ሓበሬታ ምርካብን ዘይምርከብን ህዝቢ ባዕሉ ፈንጢሱ ከረጋግጾ ዝግበኦ እምበር ብህግደፍ ዘይትኮቦ ምዃኑ ግንዛበ ክረክብ ይግበኦ። ካብዚ ከይወጻእና እቲ ብናይ ሓበሬታ ስእነት ሃገሩ ናበይ ገጻ ትጐዓዝ ከም ዘላ ጠፊእዎ ኣብ ሰንፈላል ዘሎ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዙርያ ኢሳይያስ ዘለዉ ኣካላት እውን ግዳይ ናይዚ ሰንፈለል ይኾኑ ከም ዘለዉ ሎሚ ናይ ኣደባባይ ሚስጥር እዩ።
እቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ጉዳይ ሃገረይ ጓና ይኸውን ኣለኹ ክብል ዝጸንሐ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ንክወጽእ ኣብ ቃልሱ ቀጺሉ ኣሎ። እቶም ነቲ ዘይግሉጽነት ከም ክዕቀብ ዝግበኦ ውርሻን ዘሕብን ባህልን ገይሮም ዝሕብሕብዎ ዘነበሩ ንጡፋት ደገፍቲ ኢሳይያስ፡ ሎምስ ናይ “ክሳብ መዓስ ብዘይግሉጽነት ንሕመስ” ድምጺ ከስምዑ ዝጀመሩ ይመስሉ። እዚ ምዕዝምዛም ሓደ ካብ ውጽኢት ምፍራስ ናይቲ ብጉዳይ ኣይውግእ ኣይሰላም ዝምድና ምስ ኢትዮጵያን ስማዊ ማዕቀብን ተፈጢሩ ዝጸንሐ መሕብኢ በዓትታት ዝውሰድ እዩ። ኢሳይያስ ኣብዚ እዋናዊ ጉዳይ ኤርትራን ከባቢኣን ንህዝቢ ክበሃሎ ዝግባእ ዘይምሕባሩ፡ ንዘይግሉጽነቱ ሰማይ ኣዕሪግዎ ዘሎ እዩ። ሎሚ ኢሳይያስ ስቕ መሪጽሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ምዝራብ ስኢኑ ወይ መልእኽቲ ዘመሓላልፈሉ ኣገባብ ስለ ዘይረኸበ ዘይኮነ፡ እቲ ዝዛረቦ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ቅቡል ከምዘይከውን ስለ ዝተረደአ እዩ። ክሳብ መዓስ እዩ ብኸምዚ ዓይነት ትም ክቕጽል ደጊም ኢሳያስ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ክውስኖ ዝግበኦ እዩ። እዚ ሰብኣይ ኣብተን ውሱናት ብፍላይ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ መገሻኡ ወስ ዝብለን ቃላት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ሒዝዎ ዝቐርብ ናይ ሓሳብ ስንቂ ከም ዝወደአን ህዝቢ ኤርትራ ኣሕዲርሉ ዝነበረ እምነት ከም ዝተጸንቀቐን ተዓዚብናዮ ኢና።
ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባላት ኣካይዱ
Friday, 18 January 2019 08:52 Written by ቤ.ጽ ዜናን ባህልን ዞባ ሰሜን ኣመሪካብቀዳም 12 ጥሪ 2019 ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምሉኣት ኣባላት ናይ ቴለኮንፈረንስ ኣኼባ ኣካይዱ።
ኣኼባ በዚ ዝስዕብ ኣጀንዳ ተመያይጡ፡
- ሓፈሻዊ ኩነታት ሰልፊን ንጥፈታቱን
- መስርሕ ምስንዳእ ሓባራዊ ጉባኤ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ፤ ሓበሬታ ካብ ንኡሳን ሽማግለታት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቐሪቡ
- ንጉዕዞ ሰልፍናን ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ሕድሪን ብዝምልከት፡ ብንኡስ ሽማግለ ሰነድ ናይ ሓባራዊ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ተመምዩ ዝተዳለወ ንድፊ ቅዋም ኩሉ ኣባል ብዕምቆት ክመያየጠሉን ርእይቶኡ ክህበሉን ናብ ኩሉ መሰረታት ተላኢኹ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ኩሉ ኣባል ብመሰረት ተዋሂቡ ዘሎ መምርሒ፡ ብዓቢ ተገዳስነት ክርእዮን ኣብ ምምዕባሉ ክሳተፍን ናይ ዞባ ሽማግለ ኣጥቢቑ ተላብዩ።
- ጸብጻብ ካብ ናይ ዞባ ገንዘባዊ ቤት-ጽሕፈት
እኼባ ሓደ ብሓደ ናይ ኣጀንዳ ነጥብታት ኣልዒሉ ተመያይጡ። ከምቲ ልሙድ ኣባላት ዘለዎም ሃነጽቲ ሕቶታትን ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም። ከም ወትሩ እዚ ሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ ሓፈሻዊ ኣኼባ፡ ተስፋ ዝህብን ፍናን ኣባላት ሓፍ ዘበለን ኮይኑ ተዛዚሙ።
ብደም ጀጋኑ ዝተረጋገጸ ልዑላውነት ሃገርና፡ ብዋጋ ዕዳጋ ኣይድፈርን’ዩ!
ክንዕወት ኢና!
ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣትና!
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ.
15 ጥሪ 2019
ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ (ፓርላማ) ብ17 ጥሪ 2019 ኣብ ዘካየዶ መበል 19 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቒቦም ብወግዒ ንዝተመዝገቡ ስደተኛታት ዝያዳ መሰል ዝህብ ኣዋጅ ኣጽዲቑ። እዚ ኣብ ዝሓልፉ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ክንደፍ ዝጸንሐ ኣዋጅ፡ ስደተኛታት ብናጻ ክመሃሩን ክንቀሳቐሱን ምስ ክእለቶም ዝመጣጠን ስራሕ ክሰርሑን ከም ዘፍቅድ ተሓቢሩ።
ናይቲ ቤት ምኽሪ ምንጭታት ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ ናይ ስደተኛታት መሰል፡ ናይ ኢትዮጵያውያን ናይ ስራሕ ዕድል ከምዘይዕንቅፍ ኣብ ግምት ኣትዩ ከም ዝተጸንዐን ስደተኛታት ዘይኣትውዎ ንኢትዮጵያውያን ጥራይ ዝተሓዝአ ናይ ስራሕ ቦታታት ከም ዝህሉ እውን ተገሊጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ኣተገባብርኡ ዕንቅፋት ምእንቲ ከይፍጠር ምስቶም ስደተኛታት ሰፊረምሎም ዘለዉ ኣከባብታት ኣቐዲምካ ልዝብ ከም ዝተገብረሉ ኣብቲ እዚ ኣዋጅ ዝጸደቐሉ ኣኼባ በሪሁ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ስደተኛታት ዝለዓለ ብዝሒ ዝሕዙ፡ ኤርትራውያን፡ ሶማላውያንን ደቡብ ሱዳናውያንን እዮም። በዚ ኣጋጣሚ ኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ስደተኛታት ብምዕቋብ ቀዳምነት ከም እትሕዝ ተጠቒሱ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሽዱሽተ መደበራት ከም ዝርከቡን ድሕሪቲ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምኽፋቱ ጥራይ 27 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝተመዝገቡ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ክጠቕሱ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር እዩ።
ብኻልእ ወገን ዋላ’ኳ ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝምድና ናይ ምምሕያሽ ምልክት እንተ ኣርኣየትን ኣብ ልዕሊኣ ዝነበረ እገዳ እንተ ተላዕለላን፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ዝኾነ ይኹን ምምሕያሽ ኣየርኣየትን።
ብዕለት 13.01.2019 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ዘካየዶ ኣኼባ፡ ብናይ ኣቦ መንበር ጨንፈር ብናይ እንቋዕ ብደሓን መያእኩም ሰዓት 14.00 ምስ ተኸፈተ፡ ኣብ ዝስዕብ ኣጀንዳታት ተእትዩ፡-
1 - ነዚ ዓመትዚ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ 3ይን ሓድነታውን ጉባአን ፈስቲቫልን፤
2 - ንእኡ ብዝምልከት ኣባላት ክገብርዎ ዝግብኦም ኩሉ መዳያዊ ተሳትፎታትን፤
3 - ህልዊ ጸገማት ህዝብናን መንእሰያትን ዝብሉ ኮይኖም መሪሕ ግደ መንእሰያትን ዘለዎም ዕማምን ሓላፍነትን ዘጠቓለሉ ነይሮም።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ሕድሪን) ኣብ ሓደ ንምምጻእ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርታትን ንምዕዋት 3ይን ሓድነታውን ጉባኤን ዝሰላሰል ዘሎ መስርሕ ኣብዝተጠቕሰ ቀዳማይን ካልኣይን ኣጀንዳታት፡ ንድፊ ቅዋምን መምርሒ ሓጻይት ሽማግለ ናብ ኣባላት ተዘርጊሑ ምህላዉን ብምምሕዳር ጨንፈር መብርሂ ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣባላት ጨንፈር ብሰፊሑ ተዘራሪበሙሉ። ኣኼበኛ እዚ መጸናበሪ ጉባአ‘ዚ ብዓወት ክዛዘምን ምስ ካልኦት ተቓወምቲ ሓይልታት እውን፤ እተኽእለ ኣብ ሓደ ንምጥርናፍን ሓቢርካ ንምስራሕን ኣተባባዕን ክኸውን ከም ዝኽእል ተስፍኡን ትጽቢቱን ብምግላጽ፤ ኩሉ ዝከኣሎ ንክገብር መብጽዓ ብምእታው ኣበርክትኡ ክገብር ከምዝኽእል ብምርኣይ ኣብ ኣወንታዊ ጅማሮታት ኣትዩ።
ኣብቲ ዝሰዓበ ኣጀንዳታት እቲ ቀንዲ ምኽንያት ምብትታንን ስደት መንእሰያትን ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ዝፈጠሮ ጸገማት ሕብረተ-ሰብና፡ ከም ዝኾነን፡ እዚ ዝተበደለ መንእሰይ ድማ ኣብ ስደት ከይተረፈ ገና ሽግሩ ብመጋበርያታት ህግዲፍ እናገደደ እኸይድ ከም ዘሎን፡ መንእሰይ ሓው ክብሮም ዓንዶም ኣባል ጨንፈር ሽማግለ ብዝርዝር መግለጺ ኣቕሪቡ። መንእሰይ ክብሮም ኣብ መግለጺኡ፡ ሓይልታት ተቓውሞ‘ውን ተጠርኒፉ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ሽግር መንእሰያትን ብዓቢኡ ድማ ሽግር ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ምፍታሕ ዘለዎ ሓላፍነት ብግቡእ ከም ዘየማልአን ጠቒሱ። ወሲኹ‘ውን ኣብዚ ዘሎናዮ ግዜ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንውልቃዊ ረብሓኡ ክብል ህዝቢ ኣብ ዘይፈልጦ ውዲታት ዝፍጽመሉ ዘሎን እዋን ኮይኑ፡ ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ንኸይታኣቱ፡ መንእሰያትና ዝዓበየ ሓላፍነት ብምስካም፡ ብተወፋይነት ክብድሁዎ ዘለዎም ዕማም ምዃኑ ፈሊጦም ሓድነቶም ኣደልዲሎም ክብገሱ ከም ዘለዎም ተሪር ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።
ኣብዚ ጉዳይ‘ዚ እውን ኣኼበኛታት ርእይቶታትን ሃናጺ ሓሳባትን ብምልውዋጥ፡ ነዚ ዘሎ መድረኻዊ ዕማም ብኣና ብኤርትራውያን እምበር ካብ ዝኾነ ካልእ ኣካል ከይተጸበኻ፡ ከይተሓለልካ ብምቅላስ ጥራሕ ከም ዝኾነ ክፍታሕ ዝኽእል ኣስሚሮሙሉ።
ኣኼባ ኣብ ሰዓቱ ብዝክረ ሰማእታት ተዛዚሙ
ሽወደናዊ ዓርኪ ሰውራ ኤርትራ፡ ነብስሄር ሮልፍ ሳንድስትሮም: ብ4 ጥሪ 1941 ዓ.ም ተወሊዱ፤ ብዕለት 5 ታሕሳስ 2018 ድማ ካብ’ዛ ዓለም ተፈልዩና። ነብስሄር ካብ ሰብዓታት ኣትሒዙ ምስ ብጾቱ ክርስቲና ብዮርክ፡ ቡ ቡቨልስታም: ቶማስ በርግስትሮምን ካልኦትን ኰይኖም ኤርትርያን ግሩፐን (ናይ ኤርትራ ጕጅለ) ብዝብል ስም፡ ንፍትሓውነት ሰውራ ኤርትራ ደጊፎምን ተጣቢቖምን ኢዮም። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ንኤርትራውያን ዝኸውን ነገራውን ሰብኣውን ሓገዛትን ኣበርኪቶምና ናይ ተለቪዥን ፈነዋታትን ፊልምታትን እውን ኣቕሪቦም ኢዮም።
ነብስሄር ሮልፍ ሳንድስትሮም ብዕለት 4 ጥሪ 2019 ኣብ ስቶክሆልም: ሽወደን ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ’ቲ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ተረኺቦም/ን፡ ብስም ሰልፎም/ፈን ኣኽሊል ዕንባባ ኣብ መቓብሩ ኣንቢሮም/ን። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ንነብስሄር መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፣ ንክርስቲና ብዮርክን ወዶም ኡሎፍ ሳንድስትሮምን ድማ እግዚኣብሄር ጽንዓት ይሃቦም፡ ጠሉ ድማ የውርደሎም እናበልኩ ብስም ኣባላትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ክገልጽ እፈቱ።
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
4 ታሕሳስ 2019
Olof Sandström
Swedish friend of Eritrea, Mr Rolf Sandström was born on 4 January 1941 and has passed away on 5 December 2019. Mr Rolf Sandström, Ms Christina Björk, Mr. Bo Bovelstamm, Mr Thomas Bergström and others have from the begining of the seventies created an association under the name of “Eritrean Gruppen” and advocated for the Eritrean Revolution's legitimate and just cause. In addition they have delivered material and humanitarian aid to the needy Eritreans inside Eritrea and in the refugee camps in the Sudan. They have also contributed television and film reportages about the revolution to the Swedish and Eritrean public.
Mr Rolf was buried on 4 January 2018 in Stockholm, Sweden. EPDP members in Sweden have laid a bunch of flowers to his memory on his burial ground.
May the deceased soul rest in peace in God’s hand.
In the name of Eritrean People’s Democratic Party’s rank and file I convey my condolences to Ms Kristina Björk and their son Olof Sandström.
Menghesteab Asmerom
EPDP Chairman
4 January 2019
ኣካል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሓባራዊ ጉባአ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ) ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን (ሃድኤ) ዝኾነት ንኡስ ሽማግለ ሰነዳት ዘዳለወቶ ንድፊ ቅዋም፤ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ መሰረታት ክልቲኡ ወገናት ቀሪቡ ምምይይጥ ከም ዝካየደሉ፡ ካብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተረኽበ ሓበሬታ ገሊጹ። እዚ ንዝያዳ ጽፈትን ተሳትፎ ኣባላትን ናብ መሰረታት ዝቐርብ ንድፊ ቅዋም፡ እታ 18 ዝኣባላታ ንኡስ ሽማግለ ሰነዳት፡ ክልቲኡ ውድባት ክምረሓሉ ዝጸንሐ ውሽጣዊ ሕግታትን ተወሰኽቲ ጠቓሚ ሰነዳትን መሰረት ገይራ ክትነድፎ ዝጸንሐት እዩ። ናይ ክልቲኡ ወገናት ቅዋማት መሰረታዊ ፍልልያት’ኳ እንተዘይነብሮ ነቲ ዝጸንሐ ንኡስ ፍልልያት ናብ ሓደ ንምምጻእ በዛ ንኡስ ሽማግለ ሰነድት ተኸታታሊ ስረሓት ክዕመም ከም ዝጸንሐ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ንድፊ ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ መሰረታት ተመያይጦም ጠቓሚ ዝበልዎ ርኢቶታት ምስ ሃብሉ፡ ናብዛ ንኡስ ሽማግለ ተመሊሱ ኣድላይ ምትዕርራይ ምስ ተገብረሉ ኣብ ጉባአ ንኽጸድቕ ውዱእ ንድፊ ኮይኑ ክቐርብ እዩ። እዛ ንኡስ ሽማግለ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስንዳእ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ክትጅምር እያ።
ብዘይካዚ ናይታ 14 ኣባላት ዘለውዋ ካብ ክልቲኡ ወገናት ዝተመዘዙ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ኣካል ዝኾነት ንኡስ ሽማግለ ቀረብን ፋይናንስን ብወገና እቲ ጉባአ ብግቡእ ንክካየድ ዘኽእል፡ ቦታ ጉባአን ካልእ ኣድለይቲ ምቅርራባት ተካይድ ከም ዘላ ካብታ ንኡስ ሽማግለ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። ኣባላት ክልቲኡ ውድባት ኣቐዲሙ ብመሪሕነት ውድባቶም ብዝተመሓላለፈሎም መጸዋዕታ መሰረት፡ እቲ ጉባአ ዕዉት ንክኸውን ዘድሊ ገንዘባዊ፡ ንዋታውን ክኢላውን ኣበርክቶ ንምግባር ቅሩብነቶም የርእዩ ምህላዎም ንኡስ ሽማግለ ቀረብ ፋይናንስን ሓቢራ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ንኡስ ሽማግለ ኣሰታትፋ ኣባላት ኣብ ጉባአን ዜናን፡ ናይ ክልቲኡ ውድባት ተመኩሮ ብምድህሳስ “ኣብ ጉባአ መን’ዩ ዝሳተፍ፡ ብኸመይ ኣገባብከ?” ዝብል ሕቶ ንምምላስ ትሰርሕ ኣላ። እዛ ንኡስ ሽማግለ ከም ዝገለጸቶ ኣብዚ ጉባአ ብቐጥታ ክሳተፉ ዝግበኦምን ካብ መሰረታት ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ተመሪጾም ዝሳተፉን ብዝምልከት መጽናዕቲ ኣቕሪባ ኣላ። እዚ መጽናዕቲ ብዓባይ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ምስ ጸደቐ ብመንገዲ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ ክልቲኡ ወገናት ከምዝትግበር ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እዘን ንኡሳን ሽማግለታት ካብታ ዓባይ ኣሰናዳኢት ሽማግለ መምርሒ ዝቕበላን ጸብጻባተን ናብኣ ዘቕርባ እየን። በዚ ኣጋጣሚ ብዘይተሳትፎ ኩሎም መሰረታት ዝዕወት መስርሕ ስለ ዘየለ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ኣባላት ክልቲኡ ውድባት ከይሰልከዩ ካብኣቶም ዘድሊ ተሳትፎ ክገብሩ ጸዊዓ ኣላ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ንመስርሕ ሓድነት ከተጣጥሕን ከተቀላጥፍን ዝተመዘት ሓባራዊ ናይ ዘተ (ኣወሃህዲት) ሽማግለ እውን ብቐጻሊ መስርሕ ሓድነት ዘዕውት ስረሓት ተካይድ ምህላዋ ተሓቢሩ ኣሎ።
ህቡብነት ኣብ ኣመሪካ
2018 ዓ.ም ብደረጃ ዓለም ኰነ ብደረጃ ዞባናን ሃገርናን ዓበይቲ ክስተታትን ለውጥታትን ዝተጋህዱላ ዓመት ኢያ ነይራ። ብደረጃ ዓለምና ክንርእዮ እንከለና፡ ብሄርተኛነትን (nationalism) ህቡብነትን (populism) ሰማይ ዝዓረጉላ ዓመት ኢያ ነይራ ክበሃል ይከኣል። ፕረሲደንት ትራምፕ “ኣመሪካ ትቕደም” ብዝብል መርሖ፡ ስልጣን ድሕሪ ምጭባጡ፡ ኣመሪካ ዘይትረብሓሉ ዝምድና ገደል ይእቶ እናበለ ምስ ሩስያን ቺናን ኣብ ቍጠባዉን ፐለቲካውን ውድድርን ወጥርን ክኣቱ ተራእየ። እዚ ጥራሕ ዘይኰነስ: ካብ ኵሉ ብዙሕ ዝኣንፈቱ (multi-lateral) ትካላትን ውዕላትን ወይ ንረብሓ ኣመሪካ ተቐድማ፡ ወይ ዝህቦ ዝነበርኩ ኣገልግሎትን ሓገዛትን ኣይክህብን ኢየ እናበለ ከጕባዕብዕን ኣባልነቱ ክስሕብን ተራእየ። ብተወሳኺ፡ ንሕቡራት ሃገራት ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ ደው ኣቢሉ፡ ካብ ዓለማዊ ከባብያዊ ውዕልን (Global environment agreement) ካብ ናይ ንግዲ ውዕላትን (NAFTA) ክስሕብ ተራእዩ። ንብዙሕ ኣንፈት ብእንኮ ንረብሓ ኣመሪካ ዝውዕል ኣንፈት (unilateral) ክትክኦ ኢዩ ዝፍትን ዘሎ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ካብ’ቲ ኣመሪካ፡ ሃገራት ኣውሮጳን ኢራንን ኣትዮሞ ዝነበሩ ኑክልያራዊ ውዕላት እውን ምስሓቡ ዝፍለጥ ኢዩ።
እዚ ጥራሕ ዘይኰነስ ነተን ታሪኻውያን መሓዙት ኣመሪካ ዝዀና ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ እውን፡ ነብሰን ባዕለን ክከላኸላ ወይ ድማ ምስኡ ዝመጣጠን ረብሓ ንኣመሪካ ክህባ ብዝብል ምኽንያት ካብ ስምምዕ ሰሜን ኣትላንቲክ (NATO) ክስሕብ ምዃኑ ክህድድ ተራእዩ ኢዩ። ከምኡ’ውን፡ ምስ ካናዳ ዝነበረ ንግዳዊ ውዕል ከፍርስ፣ ብኣሸባርነት ኣመኽንዩ ኣስላም ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ክኽልክል፣ ኣመሪካ፡ ብስደተኛታት ተጐቢኣ፡ ዜጋታታ ስራሕ ስኢኖም፡ ብዝብል ምስምስ፡ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክንመልሶም ኢና፡ እናበለ ክፍክር፣ ኣብ መንጐ ኣመሪካ መክሲኮን መንደቕ ክህነጽ ኣለዎ እናበለ ክህድድን ከጕባዕብን ጸኒሑን ኣሎን።
ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ (House of represntatives) ክቆጻጽር እንከሎ ሪፑብሊካዊ ፓርቲ ድማ ንሰነት (senate) ተቖጻጺሩ ኣሎ።
ብኻልእ ሸነኽ፡ ብዙሓት ሰበስልጣን ኣመሪካ ብፕረሲደንት ትራምፕ ክባረሩ ወይ ብገዛእ ድሌቶም ክሰናበቱ ተራእዮም።
ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ሱርያ ክስሕቡ ኣዚዙ ኣሎ። ጂም ማቲስ፡ ነዚ ውሳኔ’ዚ ብምጽራር ካብ መዝነቱ ክሰናበት ምውሳኑ እውን ዝዝከር ኢዩ።
ካልእ ኣብ ኣመሪካ ዝተራእየ ዓቢ ለውጢ፡ እቲ ጸረ ኣሸበርቲ ዝብል ዝነበረ ፖሊሲ፡ ብጸረ ረብሓታት ቺናን ሩስያን ዝብል ናይ ንግድን ውድድርን ፖሊሲ ምትካኡ ኢዩ። ስለ’ዚ ኢያ ድማ ኣመሪካ፡ ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን፡ ሱርያ፡ ዒራቕ ንኸተውጽእ ወይ ከተጕድል ትርአ ዘላ። ኣብ ሶማል ድማ፡ ናይ ኣልሸባብ ሓደጋ እናነከየ፡ ሶማል ድማ ናብ ንቡር ገጻ ከተምርሕ ስለዝጀመረት፡ ኣመሪካ ንጽልዋ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ንምዕጋት ኢያ ቀዳምነት ሂባ ትሰርሓሉ ዘላ። ስለ’ዚ ኢያ ድማ፡ እቲ ንኢህወደግ ብመሪሕነት ህወሓት ትህቦ ዝነበረት ደገፍ ድጋፍ ኣብ 2018 ናብ’ቲ ብምሕዝነት ኦሮሞ ደሞክራስያዊ ፓርትን (ኦደፓ) ኣምሓራ ደሞክራስያዊ ፓርትን (ኣደፓ) ዝምራሕ ዘሎ ኢህወደግ ገጻ ከተቅንዖ ዝተራእየት። ኣመሪካ፡ ኣብ’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ለውጥን ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕን ዓቢ ተራ ከምዝነበራ ብመግለጺ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቶ ማይክ ራይነርን ኣምባሳደር ዶናልንድ ያማማቶ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ከንያ፡ ኤርትራን ጅቡቲን ዝገበሮ ዑደታትን ተረጋጊጹ ኢዩ።
ህቡብነት ኣብ ኣውሮጳ
ኣብ እንግሊዝ ዝተጋህደ ህቡባዊ ምንቅስቓስ እውን፡ ፈለግ ናይ’ቲ ትራምፕ ዝተኸተሎ ፖሊሲ ብምስዓብ፡ ሃገርና ካብ ብሩክሰል ኣይትመሓደርን ኢያ፡ እንግሊዝ ብእንግሊዛውያን ክትመሓደር ኣለዋ፡ ወጻእተኛታትን ስደተኛታትን ከይሰርሑ ንጸጋታትና ይጫረቱና ኣለዉ ብዝብል የማናዊ ህቡባውዊ ጐስጓስ፡ ብ2016 ስልጣን ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ዳቪድ ካመሩን ዝተረከበት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ተረዛ መይ፡ ንዓዲ እንግሊዝ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ንምውጽኣ ኣብ ጽዑቕ ናይ ፍትሕ መስርሕ ተጸሚዳ ትርከብ።
ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ኣንጻር ስደተኛታት ዘቅንዐ ናይ የማን ህቡብነት ዝንባሌ ኢዩ ኣብ 2018 ጐሊኡ ተራእዩ። ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ ዶባተን ስደተኛታት ከይሰግርዎ ክሳብ ሓጹር ምግባር በጺሐን ኢየን። ሃንጋርን ፖላንድን ድማ ከም ኣብነት ናይ’ዚ የማናዊ ህቡብ ዝምባሌ ክግለጻ ይኽእላ።
ኣብ ድቡብ ኣውሮጳ ግን፡ ፋይናንስያዊ ቅልውላዋት ዝፈጠሮ ናይ ጸጋም ህቡብ ዝንባሌ ኢዩ ተጋሂዱ። ኣብ ኢጣልያ፡ ላሊጋ ዝተባህለ ህቡብ ፓርቲ ብልፍንቲ ክመርሕ ከሎ፤ ኣብ ሆላንድን ስፓኛን እውን ናይ ጸጋም ህቡባት ፓርትታት ዓበይቲ ዓወታት ኣመዝጊቦም ኢዮም።
ኣብ ፈረንሳ፡ ሰብ “ብጫ ሰደርያ” ብዝብል ስያመ ዝተፈልጡ፡ ኣብ እንግድዓ ፕረሲደንት ማክሮን ተሓንጊሮም ዝመጹ ሁቡባውያን ኢዮም ኣብ ዝሓለፉ ቍሩብ መዓልታት ኣብ ፈረንሳ ደሞዝ ይወሰኸና ዝብል ዓመጽ ዝተወሰኾ ሰላማዊ ሰልፊ ዘበገሱን ዝመርሑን።
ኣብ ጀርመንን ሽወደንን ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ ዝተኻየዱ ምርጫታት እንተዀነ እውን ህቡባውያን ፓርትታት ብዙሕ ናይ ህዝቢ ደገፍ ወይ ድምጺ ክረኽቡ ክኢሎም ኢዮም።
ብኣንጻር’ዚ እናዓበየን እናሰሰን ዝኸይድ ዘሎ ናይ ህቡባውያን ፓርትታት ተቐባልነት፡ ኵለን ያታውያን ሰልፍታት ሃገራት ኣውሮጳ ደገፈንን ተቐባልነተንን እናንቆልቆለ ክኸይድ ስለዝጀመረ፤ መንግስታት ኣውሮጳ ዶባተን ክዓጽዋን ኣብ እስያን ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ንዘለዉ ዲክታቶርያውያን ስርዓታት እናመወላ ንዋሕዚ ናይ ስደተኛታት ናብ ሃገርን ክዓግታን ክጽዕራ ይርኣያ ኣለዋ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ናብ ኣውሮጳ ዝኣትዉ ብዝሒ ስደተኛታት ኣብ 2018 እናነከዩ ክመጹ ተራእዮም ኢዮም።
ማእከላይ ምብራቕን እስያን
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ቀልቢ ናይ ዓለም ስሒቡ ዘሎ ፍጻሜ፡ ውግእ የመንን ኣብ ቱርኪ ዘጋጠመ መቕተልቲ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሹግጂ ኣብ ኤምባሲ ሃገሩን ኢዩ።
ኣብ መንጐ ሓይልታት ሖቲይን ኣብ መንጐ ብልፍንቲ ስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ በማእት ኣሽሓት ዝቝጸሩ የመናውያን ዝሃለቑሉን ዝተፈናቐሉሉን ኰይኑ፡ ልዕሊ 85,000 ህጻናት ድማ ብጥሜት ከምዝሞቱ ኢዩ ዝንገር። እዚ ተረኽቦታት’ዚ ብዘሕደሮ ተጽዕኖ፡ ኣመሪካ ንሓይልታት ልፍንቲ ትህቦ ዝነበረት ወተሃደራውን ፖለቲካውን ደገፍ ክትንክን፣ እቲ ስዓርን ተስዓርን ዘይብሉ ውግእ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕን ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ልፍንቲ ተጽዕኖ ክትገብር ትርአ ኣላ። ከምውጽኢቱ ክልቲኦም ሸነኻት ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ተራኺቦም፡ ናይ እሱራት ምቅይያር ክካየድ፡ ኣብ ወደብ ሑደይዳ ናይ ተዅሲ ምቍራጽ ስምምዕ ክግበር፡ ረዲኤት ናብ ክልቲኡ ሸነኻት ዝርከብሉ ቦታታት ክባጻሕ፡ ውደብ ሑደይዳ ድማ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ኣሎ።
ኣብ መንጐ ኣመሪካን እስራኤልን ብሓደ ሸነኽ ሱርያ፡ ኢራን፡ ሩስያን ቱርክን ድማ ብኻልእ ሸነኽ፡ ዘሎ ወጥሪ ኣብ 2018 እናበረኸ ክመጽእ ኢዩ ተራእዩ። ኣመሪካ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ካብ’ቲ ምስ ኢራን ኣትያቶ ዝነበረት ኑክልያራዊ ውዕል ምስሓባ፡ ብመሓዙታ ዝዀና ሃገራት ኣውሮጳ ተቐባልነት ኣይተረኽበን።
እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ዕላማታት ናይ ብኣሸበርቲ እትፈልጦም መንግስታት ሱርያን ኢራንን ሓሓሊፋ መጥቃዕትታት ከተካይድ ተራእያ ኢያ።
መንግስቲ ኣመሪካ ንየሩሳሌም ከም ርእሰ-ከተማ እስራኤል ብምፍላጥ፡ ኤምባሲኡ ኣብ የሩሳሌም ከግዕዝ ምፍታኑ፡ ናይ ፍልስጤማውያን ሓያል ቍጥዓን ተቓውሞን ኣስዒቡ ኢዩ።
ኣብ መራሕቲ መንጐ መንግስቲ ኣመሪካን መራሒ መንግስቲ ሰሜን ኮርያን ብተደጋጋሚ ዝተገብሩ ርኽክባት ድማ ዋላ’ኳ ውጽኢቱ ንጹር እንተዘይኰነ፡ ነቲ ዝነበረ ናይ ኑክልያራዊ ውግእ ሓደጋ ኣህድእ ዘበሎ ኢዩ ዝመስል።
ቀርኒ ኣፍሪቃ
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ 2018 ዝተጋህደ ለውጥታት ናይ ስሕበት ማእከሉ ኢትዮጵያ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኣዲስ ኣበባ ንምስፋሕ ዝተተለመ ማስተርፕላን ዝጀመረ ናይ ህዝቢ ኦሮሞ ተቓዉሞ እናተጓሃሃረ፡ ኣብ ደብረዘይት ኣብ ዝተኸብረ ባህላዊ ናይ ኤሪቻ ጽንብል ብዘጋጠመ ተቓውሞ ናብ ዓቢ ባርዕ ተቐይሩ። እዚ ተቓዉሞታት’ዚ ናይ ውሽጥን ግዳምን ደገፍ እናረኸበ፡ ኣብ ካልኦት ብሄራትን ክልላትን እናለሓመ ከደ።
ነዚ ተቓውሞታት’ዚ ንምህዳእ ተባሂሉ ክልተ ግዜ ናይ ህጹጽ ኵነታት ኣዋጅ ተኣዊጁ ግን ነቲ ዝተበገሰ ባርዕ ክህድኦ ኣይከኣለን። ኣመሪካ ድማ፡ እቲ ጕዳይ ዝያዳ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባርን ባይታ ናይ ተቓውሞ ምስፋሕን ኢዩ ዘድልዮ እምበር፡ ብህጹጽ ኣዋጅ ዝፍታሕ ኣይኰነን ዝብል ተቓውሞኣ ከተስምዕ ተራእየት። ብገለ ኣባላት ኮንግረስ ዝተመርሐ HR-128 ዝብል ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኸስስ ምንቅስቓሳት ተጀመረ። ብድሕር’ዚ ኢህወደግ፡ እቲ ጸገም ጕድለት ሰናይ ምሕደራ ዝፈጠሮ ምዃኑ ብምእማን ዓሚቝ ተሓድሶ ክግበር ወሰነ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ኢህወደግ እሱራት ክፍትሑ፡ ኣብ ስደት ዝርከቡ ተቓወምቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብሰላማዊ ኣገባብ ክወዳደሩ ከፍቅድን ንውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ብዘይ ቅድመ-ኵነት ኣብ ግብሪ ከውዕል ምዃኑ ገለጸ። ከም ውጺኢቱ ድማ፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኤርትራን መንግስቲ ፈደራላዊ ሪፑብሊክ ኢትዮጵያን ናይ ሰላም ውዕል ኣብ ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ተኸተመ። ኣብ መስከረም 2018 ድማ ኣብ ስዑዲ ዓረብ መራሕቲ ክልቲኡ ሃገራት ብወግዒ ተፈራረሙ።
እዚ ኣብ ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ዓቢ እፎይታ ፈጠረ። ብፍላይ ድማ ህዝቢ ኤርትራ፡ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ለውጥታት ኣብ ኤርትራ ክግበር’ዩ ዝብል ተስፋ ነበሮ። ማለት ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ክፍትሑ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፈጸሙ ናብ ስድራቤቶምን ስርሓቶምን ትምህርቶምን ክምለሱ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዓመትን መንፈቕን ጥራሕ ክኸውን፡ ቅዋም ክትግበር፡ ተቓወምቲ ስርዓት ናብ ሃገሮም ክምለሱ፡ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ዝብል ፖሊሲ ክሰፍን ይትስፎ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝነበረ ማዕቀብ ምልዓሉ ድማ፡ ንትጽቢታት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ኣበረኾ። ስርዓት ኢሳያስ ግን፡ እዚ ኵሉ ኣይዓጠጦን።
እቶም ዶብና ከይተሓንጸጸ ዝምድናና ናብ ንቡር ኣይምለስን ኢዩ እናበሉ ዝምሕሉን ዝጥሕሉንን ዝነበሩ መራሕትን ደገፍትን ስርዓት ኢሳያስ፡፡ ንመብጽዓታቶም ጠሊሞም፡ ጕዳይ ዶብ ዘሀውኽ ኣይኰነን፡ ካብኡ ዝዓብዩ ብዙሓት ጕዳያት ኣለዉና፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ እግሪ ክሳብ ዝተክል ከነጻብበሉ የብልናን እናበሉ ምስምስ ከብዝሑ ተራእዩ። ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምስ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን የማነ ገብርኣብን ዝርከብዋ ጋንታኡ ከም ፍታሕ ኩርኩር፡ ንተኣሲሩላ ዝነበረ ገመድ በቲኹ፡ ንመቓብር ስዉኣቱ ረጊጹ፡ ካብ ክልል ናብ ክልል ክዕንድርን እምበር’ዶ ጥዑይ’ዩ ዘብል ባህርያት ከንጸባርቕን ዘየድሊ ዘረባታት ከስምዕን ደኣ ተራእየ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ካብ’ታ ብጽምዋ ተኣሲሩላ ዝነበረ ዓዲ ሃሎ ወጺኡ፡ ናብ ስዑዲ ዓረብ፡ ዓረብ ዓማራት ምምልላስ ጀመረ። ንሶማልያን ጅቡትን እውን ብጽሖት ገበረ።
እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ፡ ጩራ ናይ ለውጢ ከይተራእየ፡ እቲ ስርዓት ንተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ናይ ቀደም ሚኒስተር ፋይናንስ ዝነበረ፡ መጽሓፍ ጽሒፍካ ኢሉ ምእሳሩ ኢዩ።
ካልእ ኣገዳሲ ተረኽቦ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም እተፈተነ ናይ ቅትለት ፈተነ ኢዩ። መን፡ ስለምንታይ ዝብሉ ሕቶታት ዘይተመለሱ እኳ እንተዀኑ፡ እቲ ስጕምቲ ነቲ ስርዓት ብዝቃወም ሰብ ወይ ውድብ ከምዝተፈጸመ ንምርዳኡ ዘጸግም ኣይኰነን። እዚ ከኣ፡ እታ መሸንቆቛ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናጸበበት ትኸይድ ከምዘላ ዝሕብር ምልክት ኢዩ።
ልዕሊ 27,000 ዝዀኑ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣዋርሕ ማለት፡ ካብ ሓምለ ክሳብ ታሕሳስ 2018 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ዑቝባ ምሕታቶም ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ተሸጊሩ ከምዘሎ ዝሕብር ብሩሁ ምልክት ኢዩ። እዚ ተርእዮ’ዚ፡ ሰላም ሰፊኑ፡ ማዕቀብ ተላዒሉ ኣብ ዝብሃሉ ዘሎ እዋን ምግሃዱ ድማ ንህዝቢ ዓለም ኣስደሚሙ ዘሎ ተረኽቦ ኢዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ድማ፡ እቲ ጽቡቕ ጅማሮ ምሉእ ኣይኰነን ዘሎ። ብሰንኪ መንነትን ዶባት ናይ ክልላትን ኣብ መንጐ ብሄራትን ዓሌታትን ተኸሲቱ ዘሎ ጐንጽታትን ውግኣትን፡ ተፈጢሩ ዘሎ ቂምን ጽልእን ንጸጥታን ድሕነትን ኢትዮጵያ ንሓደጋ ዘሳጥሕ ኢዩ። ብሰንኪ’ዚ ጐንጽታት’ዚ ልዕሊ 2.4 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መረበቱ ተፈናቒሉ፡ ማእለያ ዘይብሎም ዜጋታት ሃሊቖም፡ ንብረቶምን ገዝኦምን እውን በሪሱ ኢዩ። እዚ ኰነታት’ዚ ኣብ ቍጠባውን ማሕበራውን ስነኣእሙራውን መዳይ ዘሕድሮ በሰላታት ድማ ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኰነን።
ኣብ ሱዳን ኣብ’’ዚ ቀረባ መዓልታት ዝተኸስተ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ኣካል ናይ’ቲ ኣኣብ ከባቢንና ዝርአ ዘሎ ለውጥታት ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ማዕበል’ዚ ናብ ኤርትራ ገጹ ምንፋሱ ዘይተርፍ ኢዩ።
ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራ
ብሸነኽ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ድማ፡ 2018 ዓ.ም ናይ ምትእኽኻብን ምውዳብን ንጸገማትካ ናይ ምፍታሽን ብርክት ዝበሉ ሰሚናራት፡ ስይምፖስዩማትን ዋዕላታትን ዝተኻየዱላ ዓመት ኢያ ነይራ። ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ፡ ኣብ ኣትላንታ ጆርጅያ፡ ኣብ ጀነቭ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ብራሰልስ በልጅዩም፡ ኣብ ፍራንክፈርት ጀርመን፡ ዝተኻየዱ ንውድባትን ህዝብን ንምጥርናፍ ዝዓለሙ ምንቅስቓሳት ተስፋ ዝህቡ ኢዮም ነይሮም። ኣብ 2018 ናይ ኵሉ ደላይ ፍትሒ ቃልን ባህግን ምጥርናፍ ትብል ቃል ኰይና ምህላዋ ዝከሓድ ኣይኰነን። እዚ ተርእዮ’ዚ ተስፋ ዝህብን ክድፍኣሉ ዝግባእ ቅዱስ ዕማምን ምዃኑ ድማ ከስምረሉ እፈቱ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ብደረጃ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክርአ እንከሎ ድማ፡ ኣብ 2018 ዝጀመረ ኣገዳሲ ርክብን ልዝብን ኣብ መንጐ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ) ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሓምለ 2019 ብምጽንባር ክዛዘም ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ምዃኑ ክሕብር ደስ ይብለኒ። ከምኡ’ውን፡ ኣብ መንጐ ሰዲህኤን ኣብ መንጐ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሕን ንምጽንባር ዝዓለመ ሃናጺ ልዝብ ይካየድ ምህላው ዝፍለጥ ኢዩ። ካብ’ዚ ፍልይ ዝበለ ድማ፡ ኣብ’ተን ኣብ እማመ ሓበራዊ ዕዮ ሰዲህኤ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ሰፊረን ዘለዋ 4 ነጥብታት፡ ማለት፡-
1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፤
2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ ናይ ጭቆና መሓውራቱን፤
3. ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፤
4. ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል።
ዝተሰረት ልፍንቲ ንምቛም ምስ ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ ልዝባት ክካየድ ጀሚሩ ኣሎ። ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ፡ ብኣርባዕተ ውድባት ዝቖመ ኢዩ።
ርሑስን ለውጢ ንርእየሉን ሓድሽ ዓመት ይግበረልና
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
31 ታሕሳስ 2018
ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመስከረም 2018 ድሕሪ ምኽፋቱ ልዕሊ 27,500 ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዑቝባ ከምዝሓተቱ ንሰነዳት ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ዝርኣየ ኣጃንስ ፍረስ እተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።
ልዕሊ 24,000 ዝዀኑ ኤርትራውያን ኣብ እንዳባጉና ዝተባህለ መቐበል ስደተኛታት ዑቝባ ክሓቱ ከለዉ፣ ተወሳኺ 3,500 ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ዑቕባ ከምዝሓተቱ እቲ ምንጪ ኣረጋጊጹ።
ካብ 1993 ኣትሒዛ ብፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ትምራሕ ሃገረ ኤርትራ፡ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዘይ ፍርዲ ብምእሳር፡ ንገለገለ ሃይማኖታት ብምኽልካልን ብደረት ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ክትክሰስ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኢዩ።
ብሰንኪ’ዚ ዓፈና እዚ በማእት ኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ሃገሮም ራሕሪሖም ክኸዱ ከምዝተገደዱን ግዳይ ናይ ነጋዶ ደቂ ሰባትን ውቅያኖሳትን ከምዝዀኑ ዝፍለጥ ኢዩ።
ካብ 31 ነሓሰ ኣትሒዙ 174,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቝቦም ከምዘለዉ ሰነዳት ሕብረት ኣውሮጳ የረጋግጹ።
ናብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ብዝሒ ኤርትራውያን ካብ 53 ኣብ ሓደ መዓልቲ ናብ 390 ከምዝብበረኸ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
ድሕር’ቲ ብሓምለ 2018 ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ዝርዝራቱ ዘይፍለጥ ስምምዓት፡ ብመስመር ሰርሓምባ-ዛላንበሳ ንህዝቢ ተኸፊቱ ዝጸንሐ መስመር ብ26 ታሕሳስ 2018 ከም እተዓጽወ፡ ሓላፊ ጸጥታ ምምሕዳር ወረደ ጉሎመኸዳ፡ ኣብ ትግራይ፡ ኣቶ ግርማይ ሓድሽ ገሊጹ።
ብመሰረት መግለጺ ኣቶ ግርማይ ሓድሽ፡ እቲ ውሳኔ ምዕጻው ዶብ ብመንግስት ኤርትራ ዝተወስደ ስጕምቲ ምዃኑ ኢዩ ተረጋጊጹ።
ኣቐድም ኣቢሎም ናብ ኤርትራ ዝሰገሩ ኢትዮጵያውያን ይኹኑ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ኤርትራውያን ነናብ ሃገሮም ክምለሱ ይኽእሉ ኢዮም። ሓደስቲ ሰገርቲ ግን ካብ’ዚ ዕለት’ዚ ጀሚሮም ክሰግሩ ከምዘይፍቀደሎም እቲ ምንጪ ሓቢሩ።
ስርዓት ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ሰባት ክኣስር ከሎ ይኹን ክፈትሕ፣ ክሸይም ከሎ ይኹን ክስዕር፣ ዶባት ክኸፍት ከሎ ይኹን ክዓጹ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝህቦ ሓበሬታታት የለን። ሓበሬታ ከም መሰል ዘይከነስ ከም መቆጻጸሪ ስልቲ ገይሩ ኢዩ ዝጥቀመሉ። ስለ’ዚ ድማ ኢዩ ናጽነት ናይ ፕረስ ከም ቍሪ ኣስሓይታ ዝፈርሖ።