ዘይግሉጽነት ህግደፍ ዝተቃለዓሉ መዳይ

2019-01-20 10:15:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2772 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

መንግስቲ፡ ብህዝቢ ዝተመርጸን ህዝቢ ናተይ ብዝብሎ ሕግን ስርዓትን ዝምራሕን ክኸውን እንከሎ ኣብ ቅድሚኡ ካብ ዝጽበይዎ ብደሆታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ግሉጽ ተሓታቲ ምዃንን ዘይምዃንን እዩ። እቲ ተሓታትነት ኣብ ዙርያ ኣተገባብራ ናይቲ ብህዝቢ ንመንግስቲ ዝተዋህበ ሓላፍነት ዝካየድ እዩ። ብህዝቢ ሓላፍነት ዝተዋህበ መንግስቲ እንታይ ክገብርን እንታይ ከይገብርን ከም ዝግበኦ ዝተድረተ ሓላፍነት ኣለዎ። ካብቲ ተደሪቱ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ቀይሕ መስመር እንተሰጊሩ ብህዝቢ ይሕተት ጥራይ ዘይኮነ ይቕጻዕ እውን። እቲ መቕጻዕቲ “ደጊም ካብ ፈቓድና ወጻኢ ስለ ዝኸድካ ካብ ስልጣን ውረድ” ክሳብ ምባል ይድይብ። ካብ ፈቓድ ህዝቢ ወጻኢ ከይከድ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ምስ ሰናይ ግሉጽ ተሓታትነት ዝመርሕ መንግስቲ ከኣ ይነኣድ። እቲ ናእዳ “ኣገናዕ ጽቡቕ ኣለኻሞ በቲ ሒዝካዮ ዘለኻ ኣገባብ ቀጽል” ዝብል ይኸውን።

ብህዝቢ ሓላፍነት ዝተዋህበ መንግስቲ ንህዝባዊ ተሓታትነት ይፈርሕን ካብኡ ንምድሓት ብጥቃቐ ይሰርሕን። ከም በዓል ኢሳይያስ ዝኣመሰለ ብዘይሕፍረት ጉዳይ ህዝቢ ክለዓል እንከሎ “እንታይዶ ምስ ህዝቢ ዝኣተኹዎ ኩንትራት ኣለኒ እዩ” እንዳበለ ዝብዳዕ ግና ኣግሂዱ ኣንጻር ህዝቢ ስለ ዝዓዪ፡ ብህዝቢ ከይሕተት ኣይፈርሕን እዩ። ህዝብን ብህዝቢ ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ሕግታትን ዘኽብር መንግስቲ ብንጹር ዝሰፈረ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ክህልዎ ይግባእ። እዚ ንጹር መንግስታዊ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ስረሓት ንምስላጥ ጥራይ ዘይኮነ ንግሉጽነትን ተሓታትነት ኣብ ቅድሚ ህዝብን እውን ጥጡሕ እዩ።  ከም ኩነታት ኤርትራ ነዚ ኩሉ ኣካላት መንግስቲ ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ዘይኮነ ሓደ ውልቀሰም ዓምጢሩ ክሕዞ እንከሎ ግና ንኣሳልጦ ስራሕ ኮነ ንተሓታትነት ዘይጥዕም ጥራይ ዘይኮነ ዘየኽእል እዩ።

ግሉጽነት ወይ ሓበሬታ መንግስቲ ከከም ዝጥዕሞ ንህዝቢ ቆንጢሩ ዝህቦ ወይ ጠቕሊሉ ዝኸልኦ ዘይኮነ፡ ከም ሓደ መሰረታዊ መሰል እሞ ድማ ብስሩዕ ኣገባብን ብኣገደስቲ ትካላትን ቀጻልነት ብዘውሓሰ መስርሕ ዝወሃብ እዩ። ግሉጽነት ወይ ስሩዕ ዋሕዚ ሓበሬታ ኣገዳሲ ዝኾነሉ፡ ህዝቢ ኣብ መንግስቱ ዝህልዎ ናይ ምቁጽጻር ግደ  ኣብዚ ሓበሬታ ዝምርኮስ ስለ ዝኸውን እዩ። ዘይግሉጽ መንግስታት ምስ ህዝቦም ብጎቦ ዓይኒ እዮም ዝረኣኣዩ። ዘይግሉጽ ኣካይዳኻ ሓቢእካ፡ ከምዚ ናይ ህግደፍ ባዶ መዝሙር “ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና” ምዝማር ግና ሕማምካ ምሕባእ እዩ።  ሕማሙ ዝሓብእ ከኣ ሓባእ ፈውሱ እዩ።

ጉድለታት ህግደፍ ኣብ ቅድሚ ኤርትራን ህዝባን በብሓደ ዘርዚርካ ስለ ዘይውዳእ ብድብድቡ ኩሉንተናኡ ዘይቅርዑይ እዩ ኢልካዮ ምሕላፍ ዘጸግም ኣይኮነን። እንተኾነ ከከም እዋኑ ሓደ ሓደ ጉዳያት እንዳመዘዝካ ምጥቃስ’ውን ይከኣል። ዘይግሉጽነትን  ኣተሓባባእን ባህሊ ህግደፍ ኣብዚ እዋንዚ  ክለዓሉ ካብ ዝግበኦም ነጥብታት እዮም። ጉጅለ ህግደፍ ግሉጽነት የብሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢሉ ኣብ ዘይግሉጽ ዓለም ክነብር ዝወሰነ ኣካል እዩ። እዚ ጉጅለ ካብዚ ዝኸደሉ ዘሉ ኣተሓባባእ ንክወጽእ ዓቕምን ጉልበትን ከም ዝሓጽሮ ንጹር ኮይኑ፡ ዋላውን ህዝቢ ብናቱ መንገዲ ሓበሬታ ከይረክብ ኮነ ኢሉ ኣፍደገታት ዝዓጹ ምዃኑ ከኣ እቲ ጉዳይ ናይ ዓቕሚ ዘይኮነስ ናይ ባህሪ ምዃኑ የነጽረልና። እዚ ኩሉ ተጠቕሊሉ ከኣ ናብቲ “ጉዳይ ሃገር ነዓና ከም ጉጅለ እምበር ንህዝቢ ስለ ዘይምልከቶ፡ ብዛዕባ ሃገርን ህዝብን ሓበሬታ ምርካብ እንታይ ክገብረሉ” ኣብ ዝብል ትምክሕትን ንዕቀት ህዝብን ዝጠቓለል እዩ። ኣብዚ እቲ ሓበሬታ ምርካብን ዘይምርከብን ህዝቢ ባዕሉ ፈንጢሱ ከረጋግጾ ዝግበኦ እምበር ብህግደፍ ዘይትኮቦ ምዃኑ ግንዛበ ክረክብ ይግበኦ። ካብዚ ከይወጻእና እቲ ብናይ ሓበሬታ ስእነት ሃገሩ ናበይ ገጻ ትጐዓዝ ከም ዘላ ጠፊእዎ ኣብ ሰንፈላል ዘሎ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዙርያ ኢሳይያስ ዘለዉ ኣካላት እውን ግዳይ ናይዚ ሰንፈለል ይኾኑ ከም ዘለዉ ሎሚ ናይ ኣደባባይ ሚስጥር እዩ።

እቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ጉዳይ ሃገረይ ጓና ይኸውን ኣለኹ ክብል ዝጸንሐ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ንክወጽእ ኣብ ቃልሱ ቀጺሉ ኣሎ። እቶም ነቲ ዘይግሉጽነት ከም ክዕቀብ ዝግበኦ ውርሻን ዘሕብን ባህልን ገይሮም ዝሕብሕብዎ ዘነበሩ ንጡፋት ደገፍቲ ኢሳይያስ፡ ሎምስ ናይ “ክሳብ መዓስ ብዘይግሉጽነት ንሕመስ” ድምጺ ከስምዑ ዝጀመሩ ይመስሉ። እዚ ምዕዝምዛም ሓደ ካብ ውጽኢት ምፍራስ ናይቲ ብጉዳይ ኣይውግእ ኣይሰላም ዝምድና ምስ ኢትዮጵያን ስማዊ ማዕቀብን ተፈጢሩ ዝጸንሐ መሕብኢ በዓትታት ዝውሰድ እዩ። ኢሳይያስ ኣብዚ እዋናዊ  ጉዳይ ኤርትራን ከባቢኣን ንህዝቢ ክበሃሎ ዝግባእ ዘይምሕባሩ፡ ንዘይግሉጽነቱ ሰማይ ኣዕሪግዎ ዘሎ እዩ። ሎሚ ኢሳይያስ ስቕ መሪጽሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ምዝራብ ስኢኑ ወይ መልእኽቲ ዘመሓላልፈሉ ኣገባብ ስለ ዘይረኸበ ዘይኮነ፡ እቲ ዝዛረቦ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ቅቡል ከምዘይከውን ስለ ዝተረደአ እዩ። ክሳብ መዓስ እዩ ብኸምዚ ዓይነት ትም ክቕጽል ደጊም ኢሳያስ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ክውስኖ ዝግበኦ እዩ። እዚ ሰብኣይ ኣብተን ውሱናት ብፍላይ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ መገሻኡ ወስ ዝብለን ቃላት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ሒዝዎ ዝቐርብ ናይ ሓሳብ ስንቂ ከም ዝወደአን ህዝቢ ኤርትራ ኣሕዲርሉ ዝነበረ እምነት ከም ዝተጸንቀቐን ተዓዚብናዮ ኢና።   

Last modified on Sunday, 20 January 2019 11:19