
ኣኼባ ኣባላት ክልተ ውድባትና፡ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ሃድኤ-ሕድሪ)ን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ብ1 ሰነ 2019 ተኻይዱ። ኣብ መእተዊ እዚ ኣኼባ ኣቦ-መንበራት ክልቲኡ ውድባት ብጾት መንግስተኣብ ኣስመሮምን ክፍለዝጊ ገ/መድህንን፡ ናይ እንኳዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽትን ናይ ሓድነት ኣድላይነት ዝምልከት ሓጺር ቃልን ኣቕሪቦም። ድሕሪ’ዚ ኣኼባ ናብቲ ኣቐዲሙ ናብ ኩሎም ኣባላት ክልቲኡ ውድባት ተመሓላሊፉ ዝጸንሐ ኣጀንዳ ኣትዩ። ኣጀንዳ እዚ ዝስዕብ ሰለስተ ዛዕባታት ነይሩ።
- ኣጀማምራን ኣመዓባብላን ርክብ ክልቲኡ ውድባት፡
- ንሓባራዊ ጕባኤ ተገይሩ ዘሎ ምድላዋትን
- ድሕሪ ጕባኤ ዝጽበየና ቃልስን ዕማምን።
በዚ መሰረት ነቲ ቀዳማይ ኣጀንዳ ብዝምልከት፡ ብናይታ ዳርጋ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ግዜ ንመስርሕ ሓድነት ክልቲኡ ውድባት ዝምልከት ምቅርራብ ክትሰርሕ ዝጸንሐት ናይ ሓባር ናይ ዘተ/ኣወሃሃዲት ሽማግለ፡ ኣቦመንበር ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)ን ጸሓፊኣ ብጻይ ብርሃነ ደበሱን እቲ መስርሕ ከመይ ከም ዝተጀመረ፡ ኣብቲ መስርሕ ዝነበረ ብድሆታትን ዝተሰግረሉ ኣገባባትን ሕጂ መጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ብዝምልከት ኣዝዩ ሰፊሕን ዓሚቑን መብርሂ ተዋሂቡ። በቲ ዝተዋህበ መብርሂ መሰረት ኣብዚ እዋንዚ ኩሉ’ቲ ክድህሰስ ዝግበኦ ዛዕባታት ተመዚኑ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ተበጺሑ ከም ዘሎ ተመልኪቱ።
ኣደመንበር ኣሰናዳኢ ሽማግለ ብጸይቲ ኣድያም ተፈራን ምክትል ሽማግለ ብጻይ ሃይለ ወልደሚካኤን ከኣ መስርሕ ምድላው ዕዉት ጉባአ ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም። ኣብቲ መብርሂኦም ናይ ነፍሲ ወከፍ ንኡስ ሽማግለ ዝርዝር ስረሓትን ተበጺሑ ዘሎ ደርጃን ኣነጺሮም። ኣብ መግለጺኦም ኣባላት ክልቲኡ ውድባት ዘበርክትዎ ዘለዉ ኩለ መዳያዊ ወፈያን ኣበርክቶን ዝነኣድን ዘተባብዕን ምዃኑ ጠቒሶም። ንቐረብ (ሎጂስቲክ) ጉባአ ዝምልከት ዝርዝር እውን ሓቢሮም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ምድላው ሰነዳት ዳርጋ ከም ዝተወደአን መስርሕ ምርጫ ተሳተፍቲ ጉባአ’ውን ይገማገም ከም ዘሎን ገሊጾም።
ኣቦመንበራት ክልቲኡ ውድባት ከኣ ነቲ ብሳልሳይ ደረጃ ተታሒዙ ዘሎ ኣጀንዳ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ መስርሕ ሓድነት ኣብ ምጽንባር እዚ ክልተ ውድባት ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ማዕባሊ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ድሕሪ ጉባአ እውን ንዝሰፍሐ ሓድነት እቲ ጻዕሪ ቀጻሊ ምዃኑ ገሊጾም። ኣብ መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ ጸገማትን ብደሆታትን ከጋጥምን’ኳ ንቡር እንተኾነ፡ እቲ መፍትሒ ንጸገማት ብመትከላዊ እምንቶ፡ ጽንዓትን ምክእኣልን ምግጣሙ ምዃኑ ብሰፊሑ ገሊጾም። ግደ እዚ ዝሰምር ዘሎ ሓይልታት ኣብ ምዕዋት እቲ ተስፋ ህዝብና ኣለምሊሙ ዘሎ ናይ ለውጢ ንቕሎ “ይኣክል” እንታይ ክመስል ከም ዝግበኦ’ውን ኣመልኪቶም። ኣተሓሒዞም ከኣ ብዝከኣል መጠን መንእሰይ ኣብ መሪሕነት ግደኡ ዝፍጽመሉ መድረኽ ምጥጣሕ ከም ዕማም ክተሓዝ ከም ዝግበኦ በቶም ኣቦመንበራት ተጠቒሱ።
ኣቦመንበር ሓጻይት ሽማግለ ብጻይ ገ/እግዝኣብሄር ተወልደ እውን ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፡ መስርሕ ምሕጻይ ንኣባላት መሪሕነት ብዝምልከት ሰፊሕ መብርህን ኩሎም ኣባላት ኣብቲ ተመዲብሎም ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ሕጹያቶም ከቕርቡን መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።
ድሕርዚ ሰፋሕቲ መግለጽታት፡ ተሳተፍቲ ሕቶታት ኣቕሪቦም ብቑዕ መልስታት ከኣ ተዋሂብዎም። ብዘይካዚ ተሳተፍቲ ነቶም ኣብ ቀዳማይ መስርዕ መስርሕ ሓድነት ተሰሊፎም ኣድላይ ምድላዋት ኣጻፊፎም ንዘለዉ ኣካላት ኣመጒሶም ካብኣቶም ትጽቢት ዝግበረሉ ኣበርክቶ ከወፍዩ ቅሩባት ምህላዎም ኣረጋጊጾም። ውጽኢት ሓድነት ብመንጽር ህዝብን ሃገርን እምበር ብጸቢብ ውድባዊ መዕቀንታት ክረአ ከምዘይግባእ እውን እቶም ርኢቶ ዝሃቡ ተሳተፍቲ ኣነጺሮም።
ኣፍቂርና ዘይጸገብናያ ምጭውቲ ጓልና ፈለግ ኣንገ ሦም ገ /መስቀል ብዘጋጠማ ሓደጋ ኣብ ዕሸል ዕድሜኣ ብዕለት 23.05.2019 ሓሙስ መዓልቲ ብፅዋእ ሞት ተፈልያትና። ነ ዚ ወሪዱና ዘሎ ክንጸሮ ዘይንኽእል ጓህን ሓዘንን ብፀሎት ከተሰንዩና ንምሕጸን።
ሥነ -ስርዓት ቀብሪ ፡ ንዕለት 31.05.2019 ዓርቢ መዓልቲ ሰዓት 10፡ 00 ቅ.ቀ
ኣ ብ Friedhof weg 17, D-88239 Wangen im Allgau, BW ክፍጸ ም ኢዩ ።
ሓዘ ንተኛታት እንቕበለሉ፡ ኣብ Rudolf Steiner straße 10, D-88239 Wangen im Allgau, BW ኢዩ ።
ሕሰም ኣይትርከቡ!
ኣ ቶ ኣ ንገ ሦም ገ /መስቀል
ወ/ሮ ወይኒ መምህር ሰመረ
ምስ ምሉኣ ት ሥድራቤት
Einladung zur Trauerfeier:
Unsere geliebte Tochter, Saron Feleg Ghebremeskel,
ist von uns gegangen.
Die kirchliche Trauerfeier findet am Freitag, dem 31. Mai 2019 um 10:00 Uhr
Im Friedhofweg 17
88239 Wangen (Allgäu) statt.
Anschließend findet sich die Trauergemeinde im
Neue Adresse:
Rudolf Steiner Straße 10, 88239 Wangen ein.
ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ንፍርቂ ዘመን ዝኸውን ዘካየዶ ሰላማውን ዕጥቃውን ቃልሲ፡ ድሕሪ ብዙሕ ዋጋ ዝተኸፍሎ መስዋእትን ሓሳረ-መከራን ብ1991 ዓ.ም ንመሬቱ ካብ ጐበጣ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ሓራ ኣውጺኡ፡ ብግንቦት 1993 ኣብ ዝተኻየደ ሪፈረንደም ድማ፡ ኤርትራ ናጻን ልዑላዊት ሃገርን ብምዃን ኣህጕራዊ ተፈላጥነት ረኺባ።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ነቲ ምእንቲ ናጽነቱን ልዑላውነትን ክቡር ዋጋ ዝኸፈለን ጌና እውን “ይኣክል” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፡ ንናይ ምድማር ፖለቲካ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝቃወም ዘሎ ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብስም መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዮሃናን መጐስን መልእኽተይ ከመሓላልፍ ከለኹ ክብርን ሓበንን ይስምዓኒ።
ነዚ ብኢሳያስን ውሑዳት መሳርሕቱን ዝተወስደ ንልዑላውነት ኤርትራን ህዝባን ንሓደጋ ዘሳጥሕ ናይ ጥልመት ውዕላትን መግለጺታትን ብምቅዋም ከም ቆፎኡ እተነኽአ ንህቢ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ንምድሓን “ይኣክል” ዝብል ድምጺ ኣምሪሑ ሰላም፡ ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን ንምንጋስ ተበጊሱ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ሽቶኡ ክሳብ ዝሃርም፡ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ዕጣቑ ሸጥ ኣቢሉ ንቕድሚት ክምርሽ ኣብ ዝጥለበሉ መድረኽ ምህላውና ከዘኻኽር ይፈቱ።
ካባ ናጽነትን ልዑላውነት ተሸፊንካ ንውልቃዊ ስልጣንካን ረብሓኻን ንምቕዳም ክግበር ዝጸንሐ ስዉር ሸርሕን ጥልመትን ተቓሊዑ፡ ድምጺ ናይ’ቶም ንናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ዝቃለሱ፡ ዝእሰሩ፡ ዝስደዱን ዝስወሩን ዝነበሩን ዝነበራን ንጹሃት ደቂ ኤርትራ ከም ብርሃን ጽሓይ ተዀሊዑን በሪኹን ምውጽኡ፡ ዝተቓለሰ ይዕወት ኢዩ እሞ እንቋዕ ሓጐሰና። ናብ’ዚ ደረጃ’ዚ ንምብጻሕ ነቲ ናይ ህዝብና ኣውያትን ጸሎትን ዝሰምዐ ሰማያዊ ኣምላኽ ድማ፡ ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኤርትራውያን ምሁራትን ሞያተኛታትን ኣብ ጐድኒ ጭቍን ህዝቦምን ናይ ለውጢ ባህግታቱን ደው ኢሎም፡ ንዕምሪ ናይ’ቶም፡ ንመጻኢ ዕድል ናይ መንእሰያት ዘጸልመቱ፡ ንምስሊ ኤርትራ ዝደወኑ፡ ንህዝብና ኣደዳ ሞት፡ ምፍንቓል፡ ስደት፡ ድሕረትን ድኽነትን ዝገበሩ ካብ ሕፍንቲ ኢደ ዘይበዝሑ ውሑዳት ከድዓትን ፈተውቲ ነብሶምን ከሕጽሩ መጸዋዕታይ አቕርብ።
ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንዅሎም’ቶም ምእንቲ ናጽነትን ክብረትን ህዝቦም ህይወቶም ዝበጀዉ ሰማእታትና!!!
ውድቀትን ስዕረትን ንምልካዊ ስርዓት
ክሳብ ምሉእ ዓወት ንቕድሚት
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
24 ግንቦት 2019
EPDP Leadership Holds Yet Another Public Seminar in Sweden
Wednesday, 15 May 2019 07:00 Written by EPDP Information OfficeThe fairly well-attended public seminar held in central Stockholm on 11 May 2019 was yet another event of the little appreciated chain of public and organizational meetings the EPDP leadership convenes in different parts of the world in order to increase political awareness of the public and to keep alive the spirit of struggle for a better Eritrea. Headed by EPDP chairman, Mr. Menghesteab Asmerom, the leadership team at the podium, included Mr. Rezene Tesfazion, Executive Committee member, and Ms Alganesh Yisaak, Central Council member.
After introductory remarks by Mr. Medhanie Neraio, chairman of the EPDP Stockholm Branch, Mr. Menghesteab Asmerom spoke in great length about the political developments in Ethiopia an their impact on the peoples of two countries; the unclear peace-pact signed by the two leaders of Eritrea and Ethiopia and their continually disquieting pronouncements on that agreement; the origin and status of the growing wave of “Enough is Enough”by diaspora Eritreans all over the globe; the importance of public mobilization and the realignment of justice seeking forces for effective work; and the volatile political situation in the Horn of Africa and the role of external forces.
His colleagues at the dopium added remarks on these topics as well as the challenges and responsibilities facing Eritrea’s young generations both at home and abroad.
After a lively discussion on those and other timely issues affecting Eritrea, the seminar was concluded with a call on all Eritrean political organizations, civic societies, media outlets, intellectuals and national figures to plan for organizing an all-inclusive conference within the shortest time possible.
The seminar was concluded with moving slogans on “Enough is Enough” as led by youthful Awet.
Bonn, Germany
As noted in the opening sentence, the Stockholm seminar was preceded by a similar EPDP event that Mr. Menghesteab Asmerom chaired in Bonn, Germany, last March 2.
Opened by welcoming remarks of the EPDP Bonn region chairman, Mr. Andebrahan Yohannes, the public seminar was addressed by the EPDP Chairman who informed the audience on details of what has been going on between Eritrea and Ethiopia during the previous 10 months and what Eritreans must do to avert any threats to their sovereign existence. He also spoke about the EPDP proposal for joint work and strengthening of relations among political actors in the opposition.
This year, numerous EPDP organs as well as study and preparatory committees, zonal and specific country branches are continually holding meetings to discuss both the hot developments affecting the nation as well as their internal party issues. The leading internal party topics under continued discussion include the draft documents for the third and untiy congress scheduled for the coming summer and issues related with the unity process being worked out between the EPDP and the Eritrean National Salvation-Hidri.
ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝመርሖ፡ ሓው ረዘነ ተስፋጽዮን፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጕዳያት፡ ሓውቲ ኣልጋነሽ ኢሳቕ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ሓው መድሃኔ ንርኣዮ ኣቦ መንበር ጨንፈር ስቶክሆልምን ከባቢኡን ዝርከብዎ መሪሕነታዊ ኣካል ብ11 ግንቦት 2019 ክፉት ናይ ህዝቢ ሰሚናር ኣካይዱ።
ሓው መድሃኔ ንርኣዮ፡ ንኣኼበኛታት ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ኢዩ ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ። ብድሕር’ዚ፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብዛዕባ፡ ህልዊ ኵነታት ሃገርናን ከባቢናን ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ኣቕሪቡ። ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ካብ ዝተዛረበሎም ኣርእስታት፡-
1. ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ናይ ለውጢ መስርሕን ኣሰራቱ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ህዝብታትን
2. ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ዘይንጹር ውዕላትን ብመራሕቲ ክልቲኡ ሃገራት ዝተዋህቡ ንህዝቢ ዘሻቕሉ መግለጺታት
3. ናይ ይኣክል ምንቅስቓስን መንቀሊታቱን
4. ህዝባዊ ምጥርናፋትን ኣድላዪነቱን
5. ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ዘይርጉእ ሃለዋትን ተራ ናይ ግዳም ሓይልታትን
ዝብል ነበረ።
ሓው ረዘነ ተስፋጽዮን፡ ግደ መንእሰያት ቀደም ከመይ ከምዝነበረ ድሕሪ ምግላጽ፡ ናይ ሎሚ መንእሰያት ድማ፡ ነቲ ናይ ቃልሲ ሽግ ተቐቢሎም ኣብ’ቲ ዕላምኡ ከብጽሑ ሓላፍነት ክወስዱ ክብገሱ ከምዘለዎ ገሊጹ። ቃልሲ ምእንቲ ዲሞክራሲ፡ ምስ’ቲ በትሪ እናተቐባበልካ ትወዳደረሉ ቅድድም እግሪ ብምዝማድ፡ መንእሰያት ሕጂ ኣብ’ቲ ቃልሲ ብምጽንባር ነቲ ሓላፍነት ክወርስዎ ከምዝግባኦም ኣዘኻኺሩ። ሓው መድሃኔ ንርኣዮ ድማ፡ መንእሰያት ብኣተሓሳስብኦምን ተሳታፍነቶምን ኣብ ቃልሲ ደኣ’ምበር ብዕድመ ጥራሕ ሓላፍነት ክስከሙ ከምዘይክእሉ መብርሂ ሂቡ።
ብድሕር’ዚ ኣኼበኛታት ንግደን ራኢን ሰዲህኤን ዝካየድ ዘሎ ናይ ይኣክል ምንቅስቓሳትን ዝምልከቱ ሕቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም። ከምኡ’ውን፡ ኵሎም ደለይቲ ፍትሒ ዝዀኑ፡ ፖለቲካውያን ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ጽላላት፡ ሲቪላውያን ማሕበራት፡ ኣገደስቲ ውልቀሰባትን ናይ ሚድያ ትካላትን ዝሳተፍዎ ዋዕላ ሓባራዊ ስራሕ ምድላው ክድፍኣሉ ዝግባእ ህጹጽ ዕማም ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ መወዳእታ ንዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ደው ድሕሪ ምባል ኣኼበኛታት ብመንእሰይ ዓወት ተመሪሖም ይኣክል ዝብል ጭርሖ ብምቅላሕ ኣኼባ ብናይ ምርድዳእን ሓድነትን መንፈስ ተዛዚሙ።
Swedish-Eritrean Solidarity Group Holds Another Awareness Seminar in Gothenburg
Wednesday, 08 May 2019 09:39 Written by EPDP Information OfficeSpeaking at an awareness seminar in the Swedish city of Gothenburg on 4 May 2019, the Honourable Johan Buser, member of the Swedish Parliament and a senior official of the Swedish Social Democratic Party, expressed his deep sadness about the unchanging human rights and political situation in Eritrea.
Mr. Johan Buser, who is chairman of the transport committee, said he will make efforts to again raise the problems of Eritrea and its people at the Swedish Parliament. Concerning the reception and housing problems of Eritrean refugees in Gothenburg, he said promising contacts have been made with city authorities and other party structures in the region.
The educative event was organized by the Swedish-Eritrean Solidarity Association in Gothenburg and was held under the motto: “Let us voice in unison to be heard, and work jointly to be effective.”
The meeting was opened by introductory statements of the association president, Mr. Thomas Magnusson, and Mr. Zehaie Keleta, association board member. Adding colour to the opening session was a poetic rendition in Tigre language entitled ‘my country’ by Artist Mussa Nashih. Attending the event included two secretaries of the Mayor of Gothenburg, Mr. Ruben Maelstrom and Mr. Joseph Akarn, as well as the chairman of International Folk Skolan, Mr. Yoni Aderson.
Another key speaker at the awareness seminar was a young Eritrean lady, Milio Tekle, who is an integration expert and public relations advisor in the city council of Gothenburg. She presented an educational speech on social development and childcare of Eritrean families in Sweden today.
The awareness and solidarity gathering was concluded after a tea party with sweets and kitcha/bread prepared by Eritrean ladies and Somali friends. Also at the closing session, which was graced by Eritrean folkloric music, Artist Mussa Nashih presented another moving poem in Tigrigna about the plight of Eritrean refugees.
ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ካብ ኩሉ ኩርነዓት ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ብ4 ጉንበት 2019 ተኻይዱ። ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ኣኼባ፡ አቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ናይ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” መልእኽቱ ብምቕዳም መእተዊ ቃል ኣስሚዑ። ኣብዚ መእተዊ ቃሉ ዕላማ ናይቲ ኣኼባ፡ ብሓፈሻ ህልዊ ሰልፋዊ ኩነታት ዝድህስስ፡ ብፍላይ ከኣ መስርሕ ምድላው 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሃድኤ-ሕድርን ሰዲህኤን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ብዝምልከት ሓበሬታ ምሃብን ርኢቶ ኣባላት ንምስማዕን ከም ዝኾነ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ብሓፈሻ ናብ ኩሎም ኣመንቲ ክርስትናን እስልምናን ብፍላይ ከኣ ናብ ኤርትራውያን ናይ በዓል ትንሳኤን ምጅማር ጾመ-ረሞዳንን ሰናይ ትምኒት መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።
ድሕሪ መኸፍቲ ቃል ኣቦ መንበር፡ ብወገን ሰዲህኤ ነቲ መስርሕ ሓድነት ከተግብር ዝተመዘዘ ኮሚተ ዝመርሕ ዘሎ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ካብ ኣበጋግሳ ናይቲ ሓድነታዊ መስርሕ ጀሚሩ ክሳብ ዕለተ ኣኼባ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ብሰፊሑ ኣብሪሁ። ኣብ መብርሂኡ እቲ ናይ ሓድነት ድሌትን ቅርቡነትን ብክልቲኡ ወገናት ሃድኤ-ሕድርን ሰዲህኤን ልዑል ስለ ዘሎ፡ ሓልዮትን ስኒትን ብዝመልኦ ኣገባብ ተኻይዱ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፉ በጺሑ ከም ዘሎ ብዝርዝር ጠቒሱ። ነዚ ሰፊሕ መብርሂ ብጽሞናን ተገዳስነትን ዝተኸታተሉ ኣባላት ከኣ ዝተፈላለዩ ነቲ ዝተሰግረን ኣብ መጻኢ ዝካየድ ኣፈጻጽማን ዝምልከት ሕቶታትን ኣዝዮም ሃነጽቲ ርኢቶታትን ኣቕሪቦም። ኣባላት ናይቲ ኮሚተን ኣቦመንበር ሰልፍን ከኣ ዓሚቕ መልስታት ሂቦም፡ ነቲ ንመጻኢ ዝምልከት ሃናጺ ርኢቶታትን ለበዋታትን መዝጊቦም። ጐኒንጐኒ እቲ መስርሕ ሓድነት ንምድላው ብዝምልከት ይቐርቡ ንዝነበሩ ዝርዝራዊ ሕቶታት ከኣ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ካብ ብዝነበሩ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ መብርሂ ተዋሂቡ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣኼበኛታት ነቲ ኣብዚ እዋንዚ ብጭረሖ “ይኣክል” ተማእኪሉ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ለውጢ ማዕበል ዝምልከቱ ሕቶታትን ኣብ ኣቀጻጽላኡ ይሕግዝ ዝበልዎ ሓሳባትን ኣቕሪቦም ኣገዳሲ ምይይጥ ተኻይድሉ። እዚ ማዕበል ንድሕሪት ከይምለስን ስሩዕን ውዱብን መልክዕ ሒዙ ኣብ ለውጢ ንክበጽሕን፡ ነቲ በብኹርንዑ ዘርእይዎ ዘለዉ ተሳትፎኦም ኣሕይሎም ክቕጽልዎ ከኣ ቅርቡነቶም ኣርእዮም።
ድሕሪዚ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብሓፈሻ መሪሕነት ሰልፊ፡ ብፍላይ ከኣ ኣወሃሃዲት ኣካል ኣብ ኣተሓሕዛ መስርሕ ሓድነት ንዘርኣይዎ ዕቱብ ኣተሓሕዛ ንኢዶም፡ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ንምዕዋት ኣብ ኩሉ መዳያት ካብኣቶም ዝድለ ንምብርካት ቅሩባት ምህላዎም ኣረጋጊጾም።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣቦመንበር ሰልፊ ኮነ፡ ሓላፊ ኣወሃሃዲት ኮሚተ፡ በቲ ሓልዮትን ሓላፍነትን ዝመለኦ ሃናጺ ተሳትፎ ኣባላት ሰልፊ ሕጉሳት ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ኣብ መጻኢ እውን እዚ ኣበርክቶን ሓልዮትን ብዝሓየለ ክቕጽል መጸዋዕታኦም ኣቕሪቦም።
ኣገዳሲ ሓበሬታ ንዅሉ ግዱስ ኤርትራዊ
Saturday, 04 May 2019 12:09 Written by Eritrean EPDP Youth Disscussion Cornerኣገዳሲ ሓበሬታ ንዅሉ ግዱስ ኤርትራዊ
Saturday, 04 May 2019 12:05 Written by Eritrean EPDP Youth Disscussion Cornerብምኽንያት ናይ’ዚ ኣብ ዕለት 28 ሚያዝያ 2019 ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ-ዓለማት ዝርከቡ ምእመናን ክርስትና ብሓፈሻ፥ ህዝቢ ኤርትራን ኣህዛብ ከባቢናን ድማ ብፍላይ ዘኽብርዎ ዘለው በዓል ፈሲካ እንቋዕ ሓጐሰኩም ዝብል ናይ ዮሃና መልእኽተይ ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከመሓላልፍ እፈቱ።
በዚ ኣጋጣሚ ድማ፡ ጭቆና፡ ስደትን ሓሳረ-መከራን ህዝቢ ኤርትራ ከእክል፥ ምልካዊ ስርዓት ተማሕዩ ኣብ ቦታኡ ሰላም፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ክሰፍን ኩሉ ዜጋ እጃሙ ከበርክት ጻውዒተይ አቕርብ።
ይኣክል ንምልክን ምብትታንን
ፍቕሪ፡ ራህዋን ሰላምን ዝነግሰሉ ዓመት ይግበረልና።
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)
27 ሚያዝያ 2019