
ብምኽንያት ናይ’ዚ ኣብ ዕለት 28 ሚያዝያ 2019 ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ-ዓለማት ዝርከቡ ምእመናን ክርስትና ብሓፈሻ፥ ህዝቢ ኤርትራን ኣህዛብ ከባቢናን ድማ ብፍላይ ዘኽብርዎ ዘለው በዓል ፈሲካ እንቋዕ ሓጐሰኩም ዝብል ናይ ዮሃና መልእኽተይ ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከመሓላልፍ እፈቱ።
በዚ ኣጋጣሚ ድማ፡ ጭቆና፡ ስደትን ሓሳረ-መከራን ህዝቢ ኤርትራ ከእክል፥ ምልካዊ ስርዓት ተማሕዩ ኣብ ቦታኡ ሰላም፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ክሰፍን ኩሉ ዜጋ እጃሙ ከበርክት ጻውዒተይ አቕርብ።
ይኣክል ንምልክን ምብትታንን
ፍቕሪ፡ ራህዋን ሰላምን ዝነግሰሉ ዓመት ይግበረልና።
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)
27 ሚያዝያ 2019
ደቂ ሰባት ኣብ ህይወቶምን ዕለታዊ ተመኩሮኦምን ክርስዕዎም ኮነ ክገድፍዎም ዘይኽእሉ ኣብ ኣእምሮኦም ዝተቐርጹ ሃይማኖታዊ፡ ልምዳውን ሃገራውን ናይ ሓጎስን ደስታን ዕለታት ኣለዉዎም። ብኣንጻሩ ባህርያውን ሰብ ዝፈጥሮምን ናይ ሕሰምን ስቓይን ዕለታት ድማ ኣለዉ። ገለ መዓልታትን ዕለታትን ከኣ ክልቲኡ ተረኽቦታት ሓጎስን ፍሳሃን በቲ ሓደ ሸነኽ፡ በቲ ካልእ ድማ ስቓይን መከራን ዝበራረይሉ ምህላዎም ህዝቢ ዓለም ዘነብሮ ዘሎ እዩ።
ንሎሚ ኣብ ተመኩሮ ናይ ቃልሲ ዕለት 26 ሚያዝያ 1992 ሓንቲ ካብተን ብሃይማኖታዊ እምነት በዓለ ትንሳኤ ዝተኸብረላ ናይ ሓጎስ ማዓልቲ ክትከውን ከላ፣ኣብ ኤርትራዊ መዳይ ሰብ ብዝፈጠሮ ግብረ ሽበራ፤ ሓዘንን ጓህን ዝተራእዩላ ዕለት ምንባራ ክንጠቕስ እንከለና ንምዝኽኻር እምበር፡ ብዓለም ደረጃ እውን ልደት መዓልቲ እቲ ብሱናሚ ዝፍለጥ ባህሪያዊ ሽግር ዝጥፍኦ ህዝቢ ኤስያን ንብጽሖት ዝኸዱ ግያሾን መርኣያ ናይቲ ጽቡቕን ሕማቕን ዝፈራረቐሉ ማዓልታት ኣብነት እዩ። ዓለምና ድማ ብተጻረርቲ ነገራት ዝቆመት ምዃና ንምርዳእ ዘጸግም’ኳ እንተዘይኮነ፡ ነፍሰ-ይምሓር ኣብራሃም ኣፈወርቂ ዝተባህለ ህቡብ ኤርትራዊ ሙዚቐኛውን “ ነቲ ሕሱም ዝጣዓመ ኣለዎ፡ ነቲ ማዓር ዝመረረ ኣለዎ ----- “ ክብል ብዝቐለለ መረዳእታ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ብቃልስን፡ ጽንዓትን ጽሮትን ክቅየር ከምዝግባእ ገሊጽዎ ነይሩ።
ዕለት 26 ሚያዝያ 1992 ስድራ-ቤታትን፡ ፈተውትን፡ መቕርብን በዓለ ትንሳኤ እየሱስ ክርስቶስ ንምኽባር ካብ ርሑቕን ቀረባን ተኣኻኺቡ ብታሕጓስ ክስሕቕን ከውግዕን ዝዋዓለሉ ማዓልቲ ኮይኑ፡ እዚ ክሳብ ለይተ-ሎሚ ግዝያዊ ዝመለለይኡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣረሜናዊ ጨቛኒ ስርዓትን መጋበርያታቱን ግን፡ ነዚ ሃይማኖታዊ በዓል ናይ ቅጽያ መደባቶም ንምዕዋት ከምጽቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ብዘጻወድዎ መፈንጠራ ክልተ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝነበሩ ብጾት ተጋደልቲ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ካብ ከሰላ ሱዳን ብምጭዋይ ነቲ ሓጎስ ናብ ጓህን ሕሰምን ዝቐየርላ ዕለት እያ። እዞም ክልተ ብጾት እዚኣቶም ኣባላት ፈጻሚ ሽምግለ ናይ ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ኮይኖም ዲሞክራስያዊ ብዙሕነትን ስርዓተ ሕግን ኣብ ኤርትራ ክቐውም ኣንጊሆም ካብ ዝጸውዑ ተቓለስቲ ብምዃኖምን ምንባሮን ጥራሕ እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ዝፈጸምዎ ውልቃዊ ኮነ ውድባዊ ኣበሳ ኣይነበሮምን። ብሰንኪዚ ቅዱስን ቅኑዕን ናይ ቃልሲ ምርጭኦምን ዕላማኦምን ድማ ክሳብ ለይተ ሎሚ ን27 ዓመታት ዝኣክል መንጠቢኦምን ሃለዋቶም ዝፈልጥ ሰብ ዋላ ሓደ የለን። “ ሕግን ዲምክራስያዊ ምሕደራን ንኤርትራ” ዝብል ጸዋዒቶም ኣብ ኤርትራ ክረጋገጽ ስለዘይከኣለ ድማዩ፡ ህዝብናን ሃገርናን ኣብዚ ሕጂ ወዲቐምዎ ዘለዉ ህሞት በጺሖም ዘለዉ።
27 ዓመታት ህጻን ተወሊዱ ዓብዩስ፣ ናብርኡ ሰሪዑ ዝወልደሉን ዝዝምደሉን ወርቃዊ ዓመታት ናይ ወዲ ሰብ እዩ። ኣብ ኤርትራ ግን ስድራቤታት ዝብተነሉ፡ ሓባራዊ ናብራ ዝባሃል ሕልሚ ዝኾነሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ህዝብን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ዝተንጠልጠለሉ መዋእል ኢና ዘለና። 27 ናይ ጭቆንን ምልክን ዓመታት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ንከምዚ ዓይነት ሕሰም ምቅልዑ፡ ሎሚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድራን ቤት-ቆጸረን ስለ ዝበጽሐ ኩሉ ዝዛረበሉን ዝሳቐየሉንኳ ይኹን እምበር፡ ከምኒ ስድራታት ብጻይ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ዝኣመሰሉ ግን ፖለቲካዊ ጥራሕ ዘይኮነ፡ በቲ ስርዓት ዝወርዶም ማሕበራውን ስነ-ኣምራውን ማህሰይትታ ሓለፋ ኣለዎ።
ጊላይ ወልደማርያም፡ ወላዲኡ ወልደማርያም ባህልቢ ክጭወ እንከሎ ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናጽላ እዩ ነይሩ፡ 27 ዓመታት ሕቁፊ ወላዲኡ ከይጠዓመ ዘኽቲሙ ክዓቢ፡ እንትርፎ ተጨውዩ፡ ሃለዋቱ ኮነ ዳሃዩ ሓቲቱ ክረኽበሉ ኣብዘይክእለሉ ኲነታት ክዓቢ እንከሎ፡ ብዘይካቲ ነዚ ኣራዊታዊ ተግባራት ዝፈጸመ ዲክታቶር፣ ካልእ ፍጡር ወዲ ኣዳም ዝቕበሎ ከምዘየለ ፍሉጥ እዩ። ዋላ እቶም መሲልዎም ኣብቲ እዋንቲ “ሕራይ ገበሮም” ዝበሉ ዝነበሩ እውን፡ ኣደራዕ ምልኪ ኣብ ውልቀ ሰባት ጥራሕ ዝውዳእ ከምዘይኮነ ተገንዚቦም “ከምዚ ይመሰለና ኣይነበረን” ክብሉን ኣብ ቃልሲ ክስርዑን ምኽኣሎም ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ኩልኻ ንነገራት ብሓደ ስለዘይትበጽሖምን ጠቅምታትካ እውን ስለዝፈላለን ንጉዳያት በብእዋኑ ክትግንዘቦም ልሙድ ስለ ዝኾነን’ዩ።
ናይ ሎሚ ምልካዊ ስርዓት፡ ኩሉ እኩይ ተግባራቱ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ስድራታት እንዳፈላለየን ኣብ ውሽጦም ብዝዘራኦ ናይዘይምትእምማን እሾኽ ዘሪኡ እንዳኣገረሀ እዩ ንዜጋታት ክጨውን ክቐትልን ጸኒሑን ዘሎን። ንገለ ብርክት ዝበሉ ተሓባበርቲ ገበናቱ ክገብሮም ከሎ፡ ፖለቲካዊ ጉዳያት ካብ ሕውነትን ማሕበራዊ ጉዳያት ፈላለዮም ብምርኣይ ዝነጸጉ ብምብዝሑ ድማዩ ኣብ ልዕሊ ተቓወምትና ዝብሎም ዝሃቀኖ ብዙሕ ካብ ናይ ጥፍኣት ፈተነታቱ ዝመክን ዝነበረ። መጭወይቲ ብጻይ ወልደማርያምን ተኽለብርሃንን ምስ ብትሕብባር ናይ መቅርብ ዝተፈጸመ እዩ። ቀቅድሚዚ እውን ሓደ ርእሶም ዝተባህለ ተጋዳላይ ተ.ሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ መራሕ መኪና፡ ክበጽሖ ኣብ ዝኸዶ ናይ ቀረባ ስድራ-ቤቱ ገዛ እንከሎ አዐንዚዞም፡ ከይተፈለጦ ተሰነይ ምብጽሑ ከም ኣብነት ዝጥቀስ ናይ ስድራ ምትሕብባራት እዩ። ከምቲ ንድሕነት ተቓለስቲ ክብሉ “እምቢ ኣብ መደባትኩም ኣይንኣቱን” ዝበሉ ኣስተውዓልቲ ዜጋታት፡ ንድሕነቶም ክንብል ኣስማቶምን ሞይኦምን ብሂይወቶም እንከለዉ ክንጠቅሶ ዘይምኽኣልና ግን ዘሕዝን እዩ።
ኤልሳ ዳኞው ዝተባህለት መምህር ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ከሰላ ዝነበረት ሎሚ ብሂይወት የላን ኣብ ሓምለ 2018 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 1992 እዩ ነይሩ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ መሪሕነትን ካድራትን ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ዝዝምቢ ዝነበረ ሓደጋታት የስጋኣ ስለዝነበረ፡ ሓደ ምሸት ኣብ ገዝኣ ብጺሖም ንዝምለሱ ዝነበሩ ብጾት ስዒባ፡ “ኣታ ወዲ ባሻይ፣ እዚ ሓወይ እዃ ኣይሰምዓንን እዩ፡ ኣነ ዝተዛረብኩዎ ኩሉ ዋዛ እዩ ዝወስዶ፡ እዞም ሰባት ንስልጣኖም ክብሉ ንዝኮነ ሰብ ከጥፍኡ ድሕር ኣይብሉን እዮም፣ ምድሪ ምስመሰየ ምውጻእ ኣይትፍተዉዎ፣ ጸሓይ ምስዓረበት ዋላ ናብ ገዛይ ከትመጹኒ ኣይደልን እየ፣ በበይንኻ ምኻድ ግደፍዎ፡ ኣብዛ እንዳ ከሊፋ ዑስማን ተኣኪብካ ምምሳይ ድማ ግደፉዋ፡ እዚ ሰብኣይ ስድርኡ ከይትልክምሉ” ክትብል ናይ ድሕነትን ጥንቓቐን መልእኽቲ ምብጻሓ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ኤልሳን ንዓኣ ዝመስል ህዝቢ እንተዘይነብር ድማ ኲነታት ተቓለስቲ ካልእ ምኾነ ነይሩ።
ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ እሱር እዩ እንተተባህለ ብሓቕታት ክስነ ዝኽእል እዩ። እቲ ፍልልይ ተወዝ ኢሉ ክንቀሳቐስ ዝኽእልን እዚ ዕድልዚ ዘይብሉን ምረት መቁሕ ዝፈጥሮ ስቓይን ምህላዉን ጥራሕ እዩ። ዕማም ደለይቲ ለውጢ እምባኣር፡ ብዓብያኡ ኣብ ዑናታት ምልኪ ሓራን ልኡላውን ህዝቢ ምርግጋጽ ክኸውን ከሎ፡ በብዝጥዕመና ኣገባብን ኣብዝጥዕመና ግዜን ንእሱራትን ሰማእታትን ኤርትራ ንኸይርስዑ ኩሉ ግዜ ምዝኽካር ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ሓደ ካብጠባያት ምልኪ ንዝፈጸሞ ግፍዕን በደልን ምርስሳዕን ሓራ ንኽኸውን ዘቕርቦ ምስምስን እዩ። ግዜ እንተወሲዱ ድማ ዘይምሕር ታሪኽ ኣሎ እዃ እንተተባህለ ክርሳዕ ዘይኽእል ነገር የለን። ስለዚ መን ቀዲሙ ተኣስረን ተገፍዐን ወይ መን ዝያዳ ተበዲሉን ዘይኮነስ፡ ኣብ ሓደ ዜጋ ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ስጉምቲ፡ ኣብ መላእ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ከምዝተፈጸመ ጌርና ክንወስዶን ክንሕለቐሉን ከለና እዩ ጥዑይ ጐደና ዝህልወና። ኣብዚ እዋንዚ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ድማ፡ ከምቲ ብሰሪ ዘይምሕባርና ዘምለጠና ናይ ለውጢ ዕድላት ንድሕሪት ከይምለስ፣ ኣጽኒዕና ክንሕዞን ኣብዝላዓለ ጥርዙ ከነብጽሖን ንሕተት ኣለና።
እሱራትናን ህዝብናን ሓራ ንኽኮኑ እምባኣር፡ ንስርዓተ ምልኪ ጠቕሊልና ክንድርብዮ ከለና ምዃኑ ተገንዚብና፡ ናይ ቃልሲ መሳርዕና ኣዋሃሂድና ሃየ ኢደይ ኢድካ ንበል።
EPDP Reminds Africa of Failure to Address Plight of Eritrean Youth
Friday, 26 April 2019 18:54 Written by EPDP Information OfficeAs 400 African youth gathered in Addis Ababa on 24 April 2019 for the Second African Youth Forum, Mr. Moussa Faki Mahamat, Chairman of the African Union Commission (AUC), received an Eritrean message reminding him of Africa’s forgetfulness of the plight of Eritrean youth who are scattered all over the globe.
The four-day youth conference opened by the AUC chairman is convened under the theme of “One Million by 2021 Initiative” aiming to boost what it called the 4Es (Employment, Enterpreneurship, Education and Engagement) for the benefit of African youth.
The EPDP memorandum to Mr. Moussa Mahamat welcomed the initiative but reminded the continental organization of its continued failure address the societal breakdown in Eritrea. It cited a recent study showing that nearly two million Eritreans live outside their country, a vast majority them being youth below the age of 35 and that they will not for sure benefit from “the AU’s commitment to promote the 4Es for African youth as long as the repressive Eritrean regime is in absolute grip of power”.
The memorandum added: “The African Union has been requested by UN bodies, including the UN Commission of Human Rights, to address the problem of political and human rights in Eritrea” and that this could have started by AU “trying to find an appropriate mechanism of bringing to accountability members of the Eritrean ruling clique charged of grave violations of human rights, including “crimes against humanity”.
EPDP’s angry message expressed sadness of AU giving “deaf ears to repeated calls for help by Eritrean no-state actors and remaining silent on this disquieting situation for over quarter of a century now”. It also noted that AU’s “regrettable omission to act on time” can eventually lead to “another painful development disrupting the peace and security of the entire Horn of Africa region”.
ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ 2ይ ጕባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከም ተዓዛቢ ተኻፊሉ
Thursday, 18 April 2019 10:49 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮምን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት፡ ሓው ረዘነ ተስፋጽዮንን ዝርከብዎ ልኡኽ ኣብ’ቲ ካብ 16-21 ሚያዝያ 2019 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዝካየድ ዘሎ ካልኣይ ጕባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ንሰዲህኤ ወኪሎም ኣብ’ቲ መኽፈቲ ጕባኤ ከም ተዓዝብቲ ተኻፊሎም። ኣብ መዕጸዊ ናይ’ቲ ጕባኤ እውን ክሳተፉ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።
ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣብ’ቲ ብ16 ሚያዝያ 2019 እተኻየደ ኣኼባ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ: ከባቢናን ዞባናን ዝካየድ ዘሎ ለውጥታት ኣመልኪቱ ብኣሰናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጕባኤ ዝቐረበ ሕቶታት ርእይቶኡ ከም’ቲ ቅድሚ ሕጂ ብጽሑፍ ይኹን ብድምጺ ከመሓላልፎ ዝጸንሐ መግለጺ ኣቕሪቡ። ከምኡ’ውን፡ ኣብ’ቲ ብዕለት 17 ሚያዝያ 2019 ዝጀመረ መኽፈቲ 2ይ ጕባኤ ኤሃባደለ፡ ነዚ ዝስዕብ ናይ ደገፍ solidarity) መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ዝርዝር መግለጺ ናይ’ቲ ዘቕረቦ መግለጺ ብጽሑፍን ብድምጽን እንሆ።
https://facebook.com/677983857/videos/10158418956228858/?t=7
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
*************************
ዝኸበርኩም ኣባላት መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ
ዝኸበርኩም ኣባላት 2ይ ጉባኤን ዕዱማት ኣጋይሽን
ኣቐዲመ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ብኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለኡ፡ ሓው ክፍለሃንስ ወልደገርጊስ ኣቢሉ ንዝቐረበልና ወግዓዊ ዕድመ ብስም መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ክብ ዝበለ ምስጋናይ እናቕረብኩ፥ ዕዉት ካልኣይ ጉባኤ ክዀነልኩም ድማ እምነ።
ካልኣይ ጉባኤኹም፡ ብሓደ ሸነኽ ንልዑላውነት ኤርትራ ዝፈታተን ውሽጣውን ግዳማውን ብድሆታት ኣብ ዝተኸስተሉ፥ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ነዚ ብድሆታት’ዚ ከምክን ዝኽእል ኤርትራዊ ምጥርናፍ ኣብ ዝተዳኸመሉ ወይ ኣብ ዝበዀረሉ ኣዝዩ ተኣፋፊ ዝዀነ ወቕቲ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ስለ’ዚ ጉባኤኹም ኣብ ውሽጣዊ ሃለዋት ኤሃባደለ ጥራሕ ዘይኰነስ ክንዮኡ ከማዕዱን ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ቀዳምነት ክህብን ትጽቢት ክግበረሉ ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።
ግፍዕን ጭቆናን ዝመረሮም መንእሰያትን ዓበይትን፡ ደገፍትን ተቓወምትን ስርዓት ኢሳያስ፡ ክርስትያንን እስላምን ብዘይ ኣፈላላይ ተላዒሎም፡ “ይኣክል ንምልኪ”፡ ይኣክል ንምብትታን፡ ኣብ ዝብልሉ ዘለዉ እዋን ፖለቲካውያን ውድባት ኤርትራ ድማ ፍልልያቶም ከጻብቡን ማዕረ’ቲ መድረኽ ዝጠልቦም ዘሎ ደረጃ ክዀኑን ይግባእ።
ህዝቢ ሱዳን፡ ኣርዑት ምልኪ ንምድርባይ ዝኸፈሎ መስዋእትን ውጽኢቱን ድማ ንህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ውድባቱን ዓቢ ትምህርቲ ኢዩ። ህዝቢ ተላዒሉ ስርዓት ከውድቕ ይኽእል ኢዩ፡ ዘይተወደበን መራሒ ዘይብሉን ምልዕዓል እንተደኣኰይኑ ግን፡ እቲ ተወዲቡ ዝጸነሐ ብፍላይ ድማ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክሕዞ ናይ ግድን ኢዩ። ጕዕዞ ወተሃደራዊ ስልጣን ድማ ማንታ መገዲ ኢዩ። ወይ ነቲ ስርዓት ኣውዲቕካ ስልጣን ንህዝቢ ምሃብ (ከም ናይ ጀነራል ስዋር ኣድሃብ) ወይ ድማ፡ ነቲ ዝጸንሐ መሪሕነት ገለ ናይ መልክዕ ለውጥታት ጌርካ፡ ዕምሪ ስልጣኑ ምንዋሕ ኢዩ። ህዝቢ ሱዳን ሕጂ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ቃራና መንገዲ ኢዩ ዘሎ።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ዝዀነ ኤርትራዊ ተቓዋሚ ውድብ ወይ ጽላል፡ ኣብ ዝሰማምዕሉ ጉዳያት ሓቢሩ ንምስራሕ ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ድልዊ ምዃኑ ክረጋግጸልኩም እፈቱ። ስለ’ዚ ድማ፥ ኢና ኵላትና ዘይንፈላለየለን ነጥብታት ከም መበገሲ ሓባራዊ ስራሕናን መህነጺ ምትእምማናን ጌርና ክንወስደን ኣሎና ዝበልና። ብወገና፡ ንልዑላውነት ኤርትራ ምክልኻል፡ ንምልካዊ ስርዓት ምእላይ፡ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባርን ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካልን ዝብላ ነጥብታት ከበግሳና ይኽእላ ኢየን ዝብል እምነት ኣሎና። ካልእ ኵልና ንሰማማዓሉ ነጥብታት እንተልዩ እውን ክውሰኽ ይከኣል ኢዩ።
ኣብ መደምደምታ፡ እዛ ዓመት’ዚኣ ምልካዊ ስርዓት ዝወድቀላን ህዝብና ድማ ናይ ናጽነት፡ ሰላምን ፍትሕን ኣየር ዘስተንፍሰላ ዓመት ክትኰነልና እምነ።
ዝኽርን ዘልኣለማዊ ክብርን ንሰማእታትና
ዓወት ንህዝባውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ውድቀት ንምልኪ
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
16 ሚያዝያ 2019
ኤርትራዊ ባህላዊ ምሸት Eritreansk Afton امسية مسائة اريترية
Wednesday, 17 April 2019 23:10 Written by Menghisመጸዋዕታ ንክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም
Wednesday, 17 April 2019 21:18 Written by ጨንፈር ሰዲህኤ ቍ.1 (ስስቶክሆልምን ከባቢኣን)ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ብዕለት 14.04.2019 ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣቦ-መንበር ጨንፈር ሓው ታደሰ ኣስመላሽ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጨንፈር ካብ ዘካይዶ ንጥፋታት ሓደ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ዝመጽእ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 2019 ምስ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ- ሕድሪ ዝግበር ሳልሳይን ሓድነታዊ ጉባኤ፡ ብሓባራዊት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝቐረበ ንድፊ ቅዋም ተመያይጡ ርእይቶ ጨንፈር ኮነ ክማሓየሽ ኣለዎ ዝብሎ ዓንቀጻት ደምዲሙ ከምዘቕረበ ድሕሪ ምግላጽ፡ ናይቲ ዕለት ኣኼባ እውን ከም መቐጸልታ ናቱ ኮይኑ፡ ኣጀንዳ ኣኼባ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ዝበጽሓና ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮ ምዝርራብ ምዃኑ ገሊጹ። በዚ መሰረት ልቢ ኣኢልና ክንከታተልን ዓንቀጽ ብዓንቀጽ ነጥብታት እናዳሓዝና ምዝርራብ ኣብ ንባብ ተኣትወ። በዚ መሰረት ድማ ግዜ ዝወሰደ ምይይት ተገይሩስ ጽቡቕ ምርድዳእን ናይ ሓሳባት ምልውዋጥን ከምዝተገብረይለጥ።
ኣብዚ እቲ ቀንድን ኣገዳሲ ናይቲ ኣኼባ፡ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ኣብቲ ዝቐረበ ንድፊ ቅዋምን ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮን ተሳታፊ ምዃኑ ከረጋገጽ ከሎ፡ ኣብ ጉባአ ዝጸድቕ ኩሉ መዳያዊ ውሳኔታትን ቅዋም ኮነ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮ ዝምልከቱ ሰነዳትን፡ ከምኡ‘ውን ምሕጻይ ኣባላት መሪሕነት፡ ነቶም ኣብቲ ጉባአ ብውክልና ዝሳተፉ ጥራሕ ዝተርፍ ዘይኮነስ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከብ ኣባል ሰልፊ በብጨንፈሩ ተረዳዲኡሉን ርእይቶኡ ኣስፊሩሉን፡ ብኣሰናዳኢት ሽማግለን ሓጻይት ኣካልን ኣቢሉ ናብ ጉባአ ክቐርብ ከሎ፡ ምሉእ ተሳታፍነት ኣባል ዘረጋግጽን፡ መርኣያ ናይ ግሉጽነት ሰልፋዊ ኣሰራርሓናን ከም ዝኾነ ዝሕብር‘ዩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ኣሰራርሓ ዲሞክራስያዊ ተሳትፎ ናይ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ዘረጋገጽ ኣብርእሲ ምዃኑ፡ ንመጻኢ እውን ምሉእ ዕግበትን ምትእምማንን ኣብ ሰልፋውን ሃገራውን መስርሕ ንምጥጣሕ ዝሕግዝ‘ዩ።
ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ኣብ ወውሽጡ ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓታት እንተደኣ ኣርእዩ ድማዩ ኣብ ነንሓድሕዱ ምትእምማን ክፈጠርን ኣብ ሓድነት ክበጽሕን ዝኽእል። ከምዚ እንተደኣ ኮይኑ ድማዩ ነታ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኢሳያስ እትምስረት ኤርትራ፡ ናይ ብሓቂ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ክህልዋ መሰረት ዘንጽፍ።
ኣኼበኛ ድማ ናብ ዝመጽእ ኣኼባኡ ነቲ ካልኣይ ክፋል ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮ ምጽፋፍ ወዲኡ ናይ ምምሕያሽ ርእይቶታቱ ኣብዝተወሰነሉ ጌዜ ከቕርብ ምዃኑ ተረዳዲኡ፡ ኣኼባ ኣብ ምዱብ ሰዓቱ ብዝክረ ሰማእታት ተደምዲሙ።
ብዕለት 07 04 2019 ኣብ ደቡብ ጀርመን ዝርከቡ ኣባላት ጨንፈር ሰዲህኤ ንኡስ ዞባ ጀርመን፡ መብዛሕተኦም ኣባላት ጨንፈር ኣብ ዝተረኽብሉ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ህሉዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርን ከባቢኣን ዝዳህሰሰ ስፊሕ ምይይጥ ኣካይዶም
- ኣባላት ጨንፈር ነቲ ሰዲህኤን ሃድኤ ሕድር ኣብ ፍጹም ሕድነት ንምብጻሕ ዝካየድዎ ዘለዉ ሰፊሕ ዘተ ዘለዎም ናእዳ እንዳገለጹ ንምዕዋቱ ድማ፡ ኩሉ ዝካኣሎም ዘበለ ክገብሩ ምዃኖም ከረጋግጹ እንከለዉ፣ እቲ መስርሕ መታን ዕዉት ኮይኑ ኽወጽእን ብኡ ኣቢሉ’ውን ምስ ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ንምቕርራብን ሓቢርካ ንምስራዕን መንገዲ ክፈጥር ስለዝኽእል፡ ኩሎም እቶም ንፍትሒ ዝጽዕቱ ዜጋታትን ሃይልታትን ንምዕዋቱ ፖለቲካዊ ይኹን ንያታዊ ኮታስ ዝካኣሎም ምትሕብባር ክገብሩ ተደላይነቱ ብምግንዛብ ኣኼባ ጨንፈር ጸዋዒቱ ኣቅሪቡ።
- ነቲ ይኣክል ዝብል ኣንጻር ኢሳያስን ስርዓቱን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ህዝብና ዝካየድ ዘሎ ስፊሕን ሓያልን ሰላማዊ ናይ ለውጢ ማዕበል ዘሎና ደገፍ እንዳገለጽና፡ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣብ ተግባር ንምስግጋሩ ሰፋሕቲ ሰላማዊ ስልፍታት ክውድቡን፡ ብምእኩልን ዝተወደበን ኣገባብ ብኪኢላታት ዝተመርሐ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ዝተሰነየ ምስዝግበር፡ ህዝብና ናይ ዓወቱ ብስራት ኮይኑ ስለ ዝረኽቦ ክም ዝስዕቦን ከም ዝሕብሕቦን ኣይንጠራጠርን ኢና። ንሕና ኣባላት ሰዲህኤ ጨንፈር ደቡብ ጀርመን እውን ምስ ኣብ ከባቢና ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ብምትሕብባር ኩሉ ዓቕምና ዝፍቅዶ ክንፍጽም ክም አንኽእል ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ብምርግጋጽ፡ ኣኼባ ጨንፈር ብዝላዓለ ናይ ቃልሲ ንያት ተደምዲሙ።
ብሓባር ንስራሕ ከነድምዕ፡ ብሓባር ነድምጽ ከነስምዕ።
ፈጸምቲ ኣካላት ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ብ6 ማዝያ 2019 ናይ ሓባር ኣኼባ ኣካይዶም። ኣብዚ ናይ ክልቲኡ ውድባት ኣባላት ፈጸምቲ ኣካላት ዝተረኽብሉ፡ ኣብዚ ሃገርናን ህዝብናን ብሰንኪ ወጻዒ ጉጅለ ህግዲፍ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ኩነታት ኣገዳስነት ሓድነት መተካእታ ዘይብሉ ምዃኑ መዚኖም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ውድባት ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሓድነት፡ ኣበጋግሳኡን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ብዝምልከት ብሰፊሑ ተመያይጦም።
መስርሕ ምድላው 3ይን ሓባራውን ጉባአ ብዝምልከት ክሳብ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለን ኣብ ቀጻሊ ክዕመም ብዛዕባ ዝግበኦን ስረሓትን ብደቂቕ ገምጊሞም። ኣብዚ ገምጋሞም ናይ ሓባር ናይ ዘተ ሽማግለ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለን ሓጻይት ኣካልን ክሳብ ሕጂ ዝዓመምዎ ስረሓት ብዓሚቕ ተመዚኑ። ክሳብ ጉባአ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ኩሉ መዳያት ክዕመሙ ዝግበኦም ስረሓት ኣለልዩ ብኸመይ ከም ዝዕመሙ ንምንጻር ከኣ ሜላታት ሓንጺጹ።
እዚ ናይ ፈጸምቲ ኣካላት ኣኼባ፡ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሓድነት ሃድኤ-ሕድርን ሰዲህኤን ንድሕሪት ከምዘይምለስ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ክሳብ ግዜ ጉባአ ኣብ ዘሎ ግዜ ናይ ክልቲኡ ውድባት ተመሳሳሊ ዕማም ዘለወን ኣብያተ-ጽሕፈት ብሓባር ዝሰርሓሉ መንገድታት ዳህሲሱ ነንዝምልከቶም ግብራዊ መምርሒ ሂቡ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ መስርሕ ሓድነት ብናይዚ ክልተ ኣካላት ዝውዳእ ስለ ዘይኮነ፡ ድሕሪ ሓድነት እውን ንዝያዳ ሓድነት ምስ ካለኦት ኣካላት ክጽዕት ምዃኑ ኣመልኪቱ።
እዚ ኣኼባ መሰረታት ክልቲኡ ውድባት ነቲ ዘካይድዎ ዘለዉ፡ ናብ ጉባአ ዝቐርብ ሰነዳት ተመያይጥካ ሃናጺ ሓሳባት ብምሃብን ጉባአ ንምዕዋት ነገራውን ገንዘባውን ወፈያ ኣመስጊኑን ንኢዱን፡ ኣብ መጻኢ’ውን ብዝሓየለ ናህሪ ከም ዝቕጽልዎ ዘለዎ እምነት ገሊጹ። ብዘይካዚ እዚ ኣኼባ ብዛዕባ መሰረታት ክልቲኡ ውድባት ብሓባር ዝራኸብሉን ብዛዕባ ምድላው ፈስቲቫል ኤርትራ 2019 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርትን ተመያይጡ።
ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ንኣተሓሕዛ ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰል ኤርትራ ዝኹንን መግለጺ ኣውጺኦም
Sunday, 31 March 2019 10:29 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ18 ዝኣባላቱ ዓለም ለኻዊ ኮሚተ ተኸታታሊ ኣተገባብራ ውዕል ኣተሓሕዛ ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰል፡ ብ28 መጋቢት 2019 ኣብ ጀነቭ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ናይ 6 ሃገራት ንኤርትራ ወሲኹ ጸብጻቡ ኣውጺኡ። ናይቲ ኮሚተ ዛዛሚ ትዕዝብቲ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ኣተገባብራ ውዕል ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰል ካብቲ ዝፈረመትሉ ዓመት 2002 ክሳብዚ ግዜዚ ኣብ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ደረጃ ከም ዘሎ ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ።
ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል፡ ጀነቫ
እዛ 18 ሻራ ዘየብሎም ክኢላታት ዝኣባላታ ኮሚተ፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ ብዛዕባ ጉዳይ ናይቶም ዝተኣስሩን ዝተሰወሩን ኤርትራውያን ቅልጡፍ ምላሽ ንክህቡ ሓቲቱ ኣሎ።
እቲ በቲ ኮሚተ ዝወጸ ጸብጻባዊ መግለጺ ንሰብ መዚ ኣስመራ በቲ ዝፍጽምዎ ደረት ዘይብሉ በደላት፡ ብፍላይ ኣብ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ባርነት፡ ጃምላዊ ምስዋር፡ ብዘይፍርዲ ምቕታልን ዓመጽን ከሲስዎም። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካውን ሕጋውን ትካላት ዘይምህላወን፡ ዘስካሕክሑ ገበናት ከም ዝፍጸሙ ብምግባርን ነዚ ዝፍውስ ስጉምትታት ብዘይ ምውሳድን ወንጅልዎም።
መንግስቲ ኤርትራ ን17 ዓመታት ዝኣክል በዚ ኮሚተ ንዝቐረበሉ ሕቶታት መልሲ ካብ ምሃብ ሓንጊዱ እዩ ጸኒሑ። ኣብ ናይዚ ዓመትዚ ናይቲ ኮሚተ ኣኼባ ከኣ ዝተሰነደ ጸብጻብን መልስን ዘይሓዘ ልኡኽ ሰዲዱ። እቲ ኣዝዩ ዝገደደ ከኣ፡ ልኡኽ ኤርትራ ንዝተሓተቶ ዝሃቦ መልስታት ጻዕዳ ሓሶትን ክሕደትን ጥራይ ምንባሩ ምዃኑ እዩ ጸብጻብ ናይዚ ኮሚተ ሓቢሩ።
እዚ 18 ዝኣባላቱ ኣተገባብራ ናይ ውዕል ምኽባር ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰል ዝከታተል ኮሚተ፡ በቲ ኤርትራ ካብቲ ዝፈረመትሉ ዓመት 2002 ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ምጽቃጣ ዝሓደሮ ጓሂ ጠቒሱ። ብዘይካዚ ኣብታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ዝሰርሕ ሕገመንግስቲ ዘይምህላዉ እቲ ውዕል ሰብኣዊ መሰል ንከይትግበር ዕንቅፋት ከም ዝኾነ ገሊጹ። ከምኡ እውን ብዛዕባቲ ይንደፍ ኣሎ ዝበሃል ሕገመንግስቲ ንጹር ናይ ግዜ ሰሌዳ ዘይምህላዉን ከቢብዎ ዘሎ ዘይግልጹነትን ኣዝዩ ከም ዘሰክፎ እቲ ኮሚተ ኣስፊሩ።
እዚ ዝስዕብ ነጥብታት ካብቲ ሰፊሕ ደምዳሚ መግለጺ ናይቲ ኮሚተ ዝተጸምቘ እዩ።
- ኤርትራ ክሳብቲ ሓድሽ ይንደፍ ኣሎ ዝተባህለ ሕገመንግስቲ ዝጸድቕ፡ ነቲ ናይ 1997 ሕገመንግስቲ ከተተግብሮ ጸዊዑ።
- ኤርትራ ናጻን ሓያል ሓላፍነት ዘለዎን ሃገራዊ ትካል ሰብኣዊ መሰል ከተቕውም።
- ሰብ መዚ ኣስመራ ነቲ ዝፍጸም ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝዓግት ስጉምቲ ንክወስዱ ይጽውዑ።
- እቲ ኮሚተ ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ምስ ራዕዲ ኣተኣሳሲርካ ብምኽሳስ ኣብ ልዕሊ ኣብ ምስልምና ዝኣምኑ ሰባት ዝፍጸም፡ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ምስቓይን ብዘይፍርዲ ምቕታልን ዝሓደሮ ሻቕሎት ኣስፊሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ ንዝኾነ ጉጅለ ምስ ምፍጣር ራዕዲ ካብ ምዝማድ ክቑጠብ ጸዊዑ።
- እቲ ኮሚተ ኣብ ኤርትራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መንግስቲ ዘይምህላወን ካልእ ሻቕሎት ዝሕደረሉ ምዃኑ ገሊጹ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ንግዜኡ እውን እንተኾነ ኣብቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ረብሓ ደቂ ኣንስትዮ ዝሕሉ ኣብ ሓጋግን ፈራድን ኣካላት ዝሳተፋሉ ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዑ።
- ካብዚ ሓሊፉ እቲ ኮሚተ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ፍትሕን ዘይተመጣጣኒ ሓይሊ ካብ ምጥቃም ዝግድቡ ኣገባባትን ዘይምህላዎም ዓሚቕ ሻቕለቱ ኣስፊሩ። ሰለዚ ብሰንኪ’ቶም በዂሮም ዘለዉ ኣገባባት ብፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ንዝውሰድ ዘይሚዛናዊ ተግባራት ምዕጋት ዘኽእል ስጉምቲ ክውሰድ ሓቲቱ።
- ኮነ ኢልካ ኣብ ኣብ ወተሃደራውን ሲቪላውን ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ኣብ ልዕሊ ንኣሰራርሓ መንግስቲ ዝነቐፉ፡ ኣመንቲ ናይቲ መንግስቲ ኣፍልጦ ዘይተዋህቦ ሃይማኖታት ብምዃን፡ ካብ ሃገር ክትወጽእ ብምፍታንን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከይፈጸምካ ክትሰርሕ ብምህቃንን ንዝውሰዱ ምስቓይን መቕጻዕትን ዘሓደሮ ሻቕሎት እውን እዚ ኮሚተ ገሊጹ።
- እዚ ኮሚተ ኣብዚ መግለጺኡ ሓያሎ ንምስዋርን ቅትለትን ዝምልከቱ ብኣካላት መንግስቲ ዝተፈጸሙ ተግባራት ኣብዚ ጸብጻቡ ዘርዚሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ብዛዕባቲ ብሰፊሑ ዝተጸብጸበ ሰፊሕ ማእሰርትን ምስዋርን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብዝተሓተ ደረጃ እውን ናይ ሕጊ ሓላዋ ኣብ ልዕሊ ዘይብሎም ወገናት ዝፍጸም ገበናት ሻቕለቱ ኣስፊሩ።
- ኩነታት ኣብያተ ማእሰርትን ኣብኡ ብዛዕባ ዘሎ ብዝሒ እሱራትን ዝርዝር ኣቕርቦት ንእሱራትን ብዝምልከት ከም ሓደ ዘስካሕክሕ ሚዛን ቀሪቡ። በቲ ነዚ ብዝምልከ ዝቐርበ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ኣብያተማእሰርቲ፡ ዘይብቑዕ ኣመጋግባን ጽሬትን፡ ዘይእኹል ኣቕርቦት ማይን ስእነት ሕክምናን ከምዘሎ ኣብዚ ጸብጻብ ሰፊሩ።
- እዚ ኮሚተ በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡ ብኩራት መሰረታዊ ሓርነታት፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት፡ ምእካብ፡ ምክያድ ምርጫ፡ መሰል ምንቅስቓስን ዝኣመንካሉ ሃይማኖት ምምላኽን ዝሓደሮ ስግኣት’ውን ገሊጹ።
እዚ ኮሚተ ሰብ መዚ ኤርትራ፡ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኣጋጣሚ ከም መጀመሪ ክጥቀምሉ ኣብ ዘተሓሳሰበሉ፡ እዚ ኩነታት ኣብ ኤርትራ ናይ ዝያዳ ሰላምን ብሩህ ተስፋን መኽፈቲ ንክኸውን ተመንዩ።