ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ንኣተሓሕዛ ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰል ኤርትራ ዝኹንን መግለጺ ኣውጺኦም

2019-03-31 08:29:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2464 times

18 ዝኣባላቱ ዓለም ለኻዊ ኮሚተ ተኸታታሊ ኣተገባብራ ውዕል ኣተሓሕዛ ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰል፡ ብ28 መጋቢት 2019 ኣብ ጀነቭ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ናይ 6 ሃገራት ንኤርትራ ወሲኹ ጸብጻቡ ኣውጺኡ። ናይቲ ኮሚተ ዛዛሚ ትዕዝብቲ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ኣተገባብራ ውዕል  ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰል ካብቲ ዝፈረመትሉ ዓመት 2002 ክሳብዚ ግዜዚ ኣብ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ደረጃ ከም ዘሎ ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ።

Eritrea in the Eyes of Independent Law Experts 1ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል፡ ጀነቫ

እዛ 18 ሻራ ዘየብሎም ክኢላታት ዝኣባላታ ኮሚተ፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ ብዛዕባ ጉዳይ ናይቶም ዝተኣስሩን ዝተሰወሩን ኤርትራውያን ቅልጡፍ ምላሽ ንክህቡ ሓቲቱ ኣሎ።

እቲ በቲ ኮሚተ ዝወጸ ጸብጻባዊ መግለጺ ንሰብ መዚ ኣስመራ በቲ ዝፍጽምዎ ደረት ዘይብሉ በደላት፡ ብፍላይ ኣብ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ባርነት፡ ጃምላዊ ምስዋር፡ ብዘይፍርዲ ምቕታልን ዓመጽን ከሲስዎም። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካውን ሕጋውን ትካላት ዘይምህላወን፡ ዘስካሕክሑ ገበናት  ከም ዝፍጸሙ ብምግባርን ነዚ ዝፍውስ ስጉምትታት ብዘይ ምውሳድን ወንጅልዎም።

መንግስቲ ኤርትራ ን17 ዓመታት ዝኣክል በዚ ኮሚተ ንዝቐረበሉ ሕቶታት መልሲ ካብ ምሃብ ሓንጊዱ እዩ ጸኒሑ። ኣብ ናይዚ ዓመትዚ ናይቲ ኮሚተ ኣኼባ ከኣ ዝተሰነደ ጸብጻብን መልስን ዘይሓዘ ልኡኽ ሰዲዱ። እቲ ኣዝዩ ዝገደደ ከኣ፡ ልኡኽ ኤርትራ ንዝተሓተቶ ዝሃቦ መልስታት ጻዕዳ ሓሶትን ክሕደትን ጥራይ ምንባሩ ምዃኑ እዩ  ጸብጻብ ናይዚ ኮሚተ ሓቢሩ።

እዚ 18 ዝኣባላቱ ኣተገባብራ ናይ ውዕል ምኽባር ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰል ዝከታተል ኮሚተ፡ በቲ ኤርትራ ካብቲ ዝፈረመትሉ ዓመት 2002 ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ምጽቃጣ ዝሓደሮ ጓሂ ጠቒሱ። ብዘይካዚ ኣብታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ዝሰርሕ ሕገመንግስቲ ዘይምህላዉ እቲ ውዕል ሰብኣዊ መሰል ንከይትግበር ዕንቅፋት ከም ዝኾነ ገሊጹ። ከምኡ እውን ብዛዕባቲ ይንደፍ ኣሎ ዝበሃል ሕገመንግስቲ ንጹር ናይ ግዜ ሰሌዳ ዘይምህላዉን ከቢብዎ ዘሎ ዘይግልጹነትን ኣዝዩ ከም ዘሰክፎ እቲ ኮሚተ ኣስፊሩ።

እዚ ዝስዕብ ነጥብታት ካብቲ ሰፊሕ ደምዳሚ መግለጺ ናይቲ ኮሚተ ዝተጸምቘ  እዩ።

  • ኤርትራ ክሳብቲ ሓድሽ ይንደፍ ኣሎ ዝተባህለ ሕገመንግስቲ ዝጸድቕ፡ ነቲ ናይ 1997 ሕገመንግስቲ ከተተግብሮ ጸዊዑ።
  • ኤርትራ ናጻን ሓያል ሓላፍነት ዘለዎን ሃገራዊ ትካል ሰብኣዊ መሰል ከተቕውም።
  • ሰብ መዚ ኣስመራ ነቲ ዝፍጸም ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝዓግት ስጉምቲ ንክወስዱ ይጽውዑ።
  • እቲ ኮሚተ ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ምስ ራዕዲ ኣተኣሳሲርካ ብምኽሳስ ኣብ ልዕሊ ኣብ ምስልምና ዝኣምኑ ሰባት ዝፍጸም፡ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ምስቓይን ብዘይፍርዲ ምቕታልን ዝሓደሮ ሻቕሎት ኣስፊሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ ንዝኾነ ጉጅለ ምስ ምፍጣር ራዕዲ ካብ ምዝማድ ክቑጠብ ጸዊዑ።
  • እቲ ኮሚተ ኣብ ኤርትራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መንግስቲ ዘይምህላወን ካልእ ሻቕሎት ዝሕደረሉ ምዃኑ ገሊጹ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ንግዜኡ እውን እንተኾነ ኣብቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ረብሓ ደቂ ኣንስትዮ ዝሕሉ ኣብ ሓጋግን ፈራድን ኣካላት ዝሳተፋሉ ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዑ።
  • ካብዚ ሓሊፉ እቲ ኮሚተ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ፍትሕን ዘይተመጣጣኒ ሓይሊ ካብ ምጥቃም ዝግድቡ ኣገባባትን ዘይምህላዎም ዓሚቕ ሻቕለቱ ኣስፊሩ። ሰለዚ ብሰንኪ’ቶም በዂሮም ዘለዉ ኣገባባት ብፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ንዝውሰድ ዘይሚዛናዊ ተግባራት ምዕጋት ዘኽእል ስጉምቲ ክውሰድ ሓቲቱ።
  • ኮነ ኢልካ ኣብ ኣብ ወተሃደራውን ሲቪላውን ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ኣብ ልዕሊ ንኣሰራርሓ መንግስቲ ዝነቐፉ፡ ኣመንቲ ናይቲ መንግስቲ ኣፍልጦ ዘይተዋህቦ ሃይማኖታት ብምዃን፡ ካብ ሃገር ክትወጽእ ብምፍታንን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከይፈጸምካ ክትሰርሕ ብምህቃንን ንዝውሰዱ ምስቓይን መቕጻዕትን ዘሓደሮ ሻቕሎት እውን እዚ ኮሚተ ገሊጹ።
  • እዚ ኮሚተ ኣብዚ መግለጺኡ ሓያሎ ንምስዋርን ቅትለትን ዝምልከቱ ብኣካላት መንግስቲ ዝተፈጸሙ ተግባራት ኣብዚ ጸብጻቡ ዘርዚሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ብዛዕባቲ ብሰፊሑ ዝተጸብጸበ ሰፊሕ ማእሰርትን ምስዋርን  ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብዝተሓተ ደረጃ እውን ናይ ሕጊ ሓላዋ ኣብ ልዕሊ ዘይብሎም ወገናት ዝፍጸም ገበናት ሻቕለቱ ኣስፊሩ።
  • ኩነታት ኣብያተ ማእሰርትን ኣብኡ ብዛዕባ ዘሎ ብዝሒ እሱራትን ዝርዝር ኣቕርቦት ንእሱራትን ብዝምልከት ከም ሓደ ዘስካሕክሕ ሚዛን ቀሪቡ። በቲ ነዚ ብዝምልከ ዝቐርበ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ኣብያተማእሰርቲ፡ ዘይብቑዕ ኣመጋግባን ጽሬትን፡ ዘይእኹል ኣቕርቦት ማይን ስእነት ሕክምናን ከምዘሎ ኣብዚ ጸብጻብ ሰፊሩ።
  • እዚ ኮሚተ በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡ ብኩራት መሰረታዊ ሓርነታት፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት፡ ምእካብ፡ ምክያድ ምርጫ፡ መሰል ምንቅስቓስን ዝኣመንካሉ ሃይማኖት ምምላኽን ዝሓደሮ ስግኣት’ውን ገሊጹ።

እዚ ኮሚተ ሰብ መዚ ኤርትራ፡ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኣጋጣሚ ከም መጀመሪ ክጥቀምሉ ኣብ ዘተሓሳሰበሉ፡ እዚ ኩነታት ኣብ ኤርትራ ናይ ዝያዳ ሰላምን ብሩህ ተስፋን መኽፈቲ ንክኸውን ተመንዩ።

Last modified on Sunday, 31 March 2019 20:24