27,500 ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዑቝባ ሓቲቶም

2018-12-27 14:57:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2495 times

ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመስከረም 2018 ድሕሪ ምኽፋቱ ልዕሊ 27,500 ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዑቝባ ከምዝሓተቱ ንሰነዳት ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ዝርኣየ ኣጃንስ ፍረስ እተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ልዕሊ 24,000 ዝዀኑ ኤርትራውያን ኣብ እንዳባጉና ዝተባህለ መቐበል ስደተኛታት ዑቝባ ክሓቱ ከለዉ፣ ተወሳኺ 3,500 ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ዑቕባ ከምዝሓተቱ እቲ ምንጪ ኣረጋጊጹ።

ካብ 1993 ኣትሒዛ ብፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ትምራሕ ሃገረ ኤርትራ፡ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዘይ ፍርዲ ብምእሳር፡ ንገለገለ ሃይማኖታት ብምኽልካልን ብደረት ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ክትክሰስ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኢዩ።

ብሰንኪ’ዚ ዓፈና እዚ በማእት ኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ሃገሮም ራሕሪሖም ክኸዱ ከምዝተገደዱን ግዳይ ናይ ነጋዶ ደቂ ሰባትን ውቅያኖሳትን ከምዝዀኑ ዝፍለጥ ኢዩ።

ካብ 31 ነሓሰ ኣትሒዙ 174,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቝቦም ከምዘለዉ ሰነዳት ሕብረት ኣውሮጳ የረጋግጹ።

ናብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ብዝሒ ኤርትራውያን ካብ 53 ኣብ ሓደ መዓልቲ ናብ 390 ከምዝብበረኸ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

Last modified on Thursday, 27 December 2018 15:59