ንድፊ ቅዋም መጻኢ ጉባአ፡ ናብ መሰረታት ክቐርብ እዩ

2019-01-02 21:11:17 Written by  ክፍሊ ዜና ኣሰናዳኢት ሽማግለ Published in EPDP News Read 2818 times

ኣካል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሓባራዊ ጉባአ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ)  ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን (ሃድኤ) ዝኾነት ንኡስ ሽማግለ ሰነዳት ዘዳለወቶ ንድፊ ቅዋም፤ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ መሰረታት ክልቲኡ ወገናት ቀሪቡ ምምይይጥ ከም ዝካየደሉ፡ ካብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተረኽበ ሓበሬታ ገሊጹ። እዚ ንዝያዳ ጽፈትን ተሳትፎ ኣባላትን ናብ መሰረታት ዝቐርብ ንድፊ ቅዋም፡ እታ 18 ዝኣባላታ ንኡስ ሽማግለ ሰነዳት፡ ክልቲኡ ውድባት ክምረሓሉ ዝጸንሐ ውሽጣዊ ሕግታትን ተወሰኽቲ ጠቓሚ ሰነዳትን መሰረት ገይራ ክትነድፎ ዝጸንሐት እዩ። ናይ ክልቲኡ ወገናት ቅዋማት መሰረታዊ ፍልልያት’ኳ እንተዘይነብሮ ነቲ ዝጸንሐ ንኡስ ፍልልያት ናብ ሓደ ንምምጻእ በዛ ንኡስ ሽማግለ ሰነድት ተኸታታሊ ስረሓት ክዕመም ከም ዝጸንሐ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ንድፊ ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ መሰረታት ተመያይጦም ጠቓሚ ዝበልዎ ርኢቶታት ምስ ሃብሉ፡ ናብዛ ንኡስ ሽማግለ ተመሊሱ ኣድላይ ምትዕርራይ ምስ ተገብረሉ ኣብ ጉባአ ንኽጸድቕ ውዱእ ንድፊ ኮይኑ ክቐርብ እዩ። እዛ ንኡስ ሽማግለ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስንዳእ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ክትጅምር እያ።

ብዘይካዚ ናይታ 14  ኣባላት ዘለውዋ ካብ ክልቲኡ ወገናት ዝተመዘዙ  ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ኣካል ዝኾነት ንኡስ ሽማግለ ቀረብን ፋይናንስን ብወገና እቲ ጉባአ ብግቡእ ንክካየድ ዘኽእል፡ ቦታ ጉባአን ካልእ ኣድለይቲ ምቅርራባት ተካይድ ከም ዘላ  ካብታ ንኡስ ሽማግለ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። ኣባላት ክልቲኡ ውድባት ኣቐዲሙ ብመሪሕነት ውድባቶም ብዝተመሓላለፈሎም መጸዋዕታ መሰረት፡ እቲ ጉባአ ዕዉት ንክኸውን ዘድሊ ገንዘባዊ፡ ንዋታውን ክኢላውን ኣበርክቶ ንምግባር ቅሩብነቶም የርእዩ ምህላዎም ንኡስ ሽማግለ ቀረብ ፋይናንስን ሓቢራ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ንኡስ ሽማግለ ኣሰታትፋ ኣባላት ኣብ ጉባአን ዜናን፡ ናይ ክልቲኡ ውድባት ተመኩሮ ብምድህሳስ “ኣብ ጉባአ መን’ዩ ዝሳተፍ፡ ብኸመይ ኣገባብከ?” ዝብል ሕቶ ንምምላስ ትሰርሕ ኣላ። እዛ ንኡስ ሽማግለ ከም ዝገለጸቶ ኣብዚ ጉባአ ብቐጥታ ክሳተፉ ዝግበኦምን ካብ መሰረታት ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ተመሪጾም ዝሳተፉን ብዝምልከት መጽናዕቲ ኣቕሪባ ኣላ። እዚ መጽናዕቲ ብዓባይ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ምስ ጸደቐ ብመንገዲ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ ክልቲኡ ወገናት ከምዝትግበር ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እዘን ንኡሳን ሽማግለታት ካብታ ዓባይ ኣሰናዳኢት ሽማግለ  መምርሒ ዝቕበላን  ጸብጻባተን ናብኣ ዘቕርባ እየን። በዚ ኣጋጣሚ ብዘይተሳትፎ ኩሎም መሰረታት ዝዕወት መስርሕ ስለ ዘየለ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ኣባላት ክልቲኡ ውድባት ከይሰልከዩ ካብኣቶም ዘድሊ ተሳትፎ ክገብሩ ጸዊዓ ኣላ።

 እዚ ከምዚሉ እንከሎ ንመስርሕ ሓድነት ከተጣጥሕን ከተቀላጥፍን ዝተመዘት ሓባራዊ ናይ ዘተ (ኣወሃህዲት) ሽማግለ እውን ብቐጻሊ መስርሕ ሓድነት ዘዕውት ስረሓት ተካይድ ምህላዋ ተሓቢሩ ኣሎ።

Last modified on Wednesday, 02 January 2019 22:22