ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ መኽሰብ ኣልቦ ማሕበን ብጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን ዝዳሎ ፈቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ኣብ ከተማ ፍራክፎርት ቦከንሃይመር ቫርተ Mertonstr. 26 - 28 Frankfurt am Main ካብ ዕለት 03 ክሳብ 05 ነሓሰ 2018 ኣብ ሓድሽ ኲነታት ሃገርና ክካየድ ምዃኑ ኣቐዲሙ ዝተሓበረ እዩ። ካብኡ ዝነቐለ ንፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣካቢብዎ ዘሎ ሓድሽን ኣዝዩ ዘደንጹን ተደራቢ ፍሉይ ኲነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ፡ “ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ክልተ ኣህዛብ እዩ ዝብል እንተሎ፡ ሓቂ ዘይፈልጥ እዩ” ዝብል መበገሲ ዝገበረ፡ “ካብ ሕጂ ንዳሓር ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፡ እዚ ንቐላዓለም ዝብሎ ዘለኩ ዘይኮነስ ብሓቂ እዩ” ክብል ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፣ ነቲ ዋንነት ህዝቢ ኤርትራ ክነሱ ብኢደ ወነኑ መንዚዑ ሃገርን ህዝቢን ክረግጸሉን ከብርሰሉን ዝጸንሐን ዘሎ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ክናቈተሉን ዝጸንሐ በትረ-ምልኪ ንቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ከረክብ ዝተሰለመ ፈረስ ምስራኣየ ናይ ዕብዳን ቃል ዝኣተወሉ እዋንዩ ዝካየድ ዘሎ። ሽማግለታት ህዝቢ ሃዋሳ ዝተሰለመ ፈረስ ንኢሳያስ ከቕርብሉ እንከለዉ ምናልባሽ ዝፈተዉዎ መሲልዎ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ኣብ ባህሊ ህዝቢ ሃዋሳ ግን ካብ ዕርቂ/ሽምግልና ሓንጊዱ ንዝኸደ፡ ዝተሰለመ ፈረስ ኣምሪሖም እዮም ኣብ መንገዲ ዝኽርፍዎ። ብሓጺሩ እስኪ ሕለፋ ዝብል ካልእን ዓብይን ትርጉምን እዩ ዘለዎ።

ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ፣ ንጠባያትን ፖለቲካዊ ሃምን ኢሳያስ ዘንጊዑ፣ ማዕረ ኢሳያስ ኣብ ደልሃመት ይኣቱ እዩ እኳ እተዘይተባህለ፣ ኩሎም መለኽቲ ግደፍዶ ስልጣን ብፍቶቶም ንካልእ ከረክቡስ፣ ህዝቢ ኣገዲዱ ምስ ሳዓሮም እውን፣ ብኣኣ ክግነዙ ከምዝጽዕሩ ዝፍለጥ እዩ። ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ድማ፣ ነቲ መራሒ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍ ዝመጣጠሮ ዘሎ ብሂላት ብሓባራዊ ርድኢትን ተበግሶን ክዓጽፎ ኣብዚ ሰፊሕ መድረኽ ፈስቲቫል ኤርትራ ጅማርኡ ከርኢ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን ድማ፣ ይንኣስ ይዕበ ዘይኮነስ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዘንጸላሉ ዘሎ ጥልመት ደው ንምባል፡ እወንታዊ ጅማሮታት ስለዝብህግ እዩ፣ ኣብ ከባቢኡ ንዝርከቡ ተወከልቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቃሳትን ንኸሳትፍ ክጽዕር ዝጸንሐን ዘሎን።

ንኣገዳስነት ናይዚ ንነብረሉ ዘለና ፖለቲካዊ ኲነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ብዙሓት ካብ ዕዱማት እወንታዊ መልስታት ለጊሶም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይዘን ዝስዕባ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ምንቅስቓሳትን ኣብ ፈስቲቫል 2018 ክሳተፉ ምዃኖም ዘመልክት ሕድሽ ሐበሬታ ዝተረኽበ ምህላዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።

  1. ሰልፊ ኣልናህዳ ኤርትራ
  2. ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓ ኤርትራ
  3. መድረኽ ኤርትራውያን ንዘተ
  4. ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ
  5. ድሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ
  6. ምንቅስቓሳት ደቂ ኣንስትዮ
  7. ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

     ኣብዝሓለፈ ዜና ፈስቲቫል ኤርትራ 2018 ከምዝጠቐስናዮ፡

  1. ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ
  2. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
  3. ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ
  4. ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሕን ክሳተፉ ምዃኖም እውን ሓቢርና ምንባርና ዝዝከር እዩ። ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክሳብ ሎሚ ዘይመለሱ እንተኮነ እውን፣ እቲ ውራይ ሓባራዊ ስለዝኾነ ፡ ኣብ ዝተመደበ ሃገራዊ ጉዳይ ግዲኦም ከበርክቱ ዳግማይ ጸዋዒት ዘድሊ ኣይመስለናን።

ብዘይካዚ፡ተወከልቲክልተጀርመናውያንሰልፍታት፣CDU Frankfurt Fraktionvorsitzender Herr Michael zu Löwenstein und Gießen Bundinis 90 die Grünen vertreter Herr. Dr. Klaus Dieter Gothe ኣብ ፈስቲቫል 2018 ክሳተፉ እዮም።

ድሕሪ ቀዳማይ ፖለቲካዊ ዕማም ፈስቲቫል 2018 ምፍጻሙ፡ ካልኣይ መደብ ፈስቲቫልና ባህልን ልምድን ህዝብና ምዕቃብን ምዝውታርን ስለዝኮነ ወናማት ሙዚቐኛታትን ገጠምትን ብዘቕርብዎ ዜማታትን ሙዚቓን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ክዘናግዑ ምዃንም ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ብደሓን የራኽበና!!!

23 ጁላይ 2018

ሰልፍታት

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጽባሕ ሽመቱ፡ ንመራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ናብ ቤተ መንግስቱ ፀዊዑ እንግዶት ድራር ገይሩ ነይሩ።

ፖለቲካዊ ውድባት 'ተነሓናሕቲ እምበር ተቓወምቲ ኣይኮኑን' ዝብል ዘረብኡ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፈላላይ ሓሳብ ዘኽብር እዩ ኢሎም ክንእድዎ ምኽንያት ኮይኑ።

ትማሊ ሰንበት ድማ እቲ ቐዳማይ ሚኒስተር ቁፅሮም ካብ ሓምሳ ምስ ዝዛይዱ መራሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዘተ ገይሩ።

ኣብቲ ዘተ ኣድላይነት ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ዛዕባታት'ዮም ተላዒሎም ይብሉ ተሳተፍቲ።

ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ዓረና ትግራይ፡ መምህር ጎይተኦም ፀጋይ ክልተ ዘልዓልዎም ሕቶታት በቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ከይተመለሱ ከምዝተረፉ ይዛረብ።

እቲ ቀዳማይ ጉዳይ ምስ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ዕርቂ ክኸዉን ከሎ፡ "እቶም ኣብ ዶባት ዝረከቡ ነበርቲ መጻኢኦም እንታይ ኢዩ ክኸዉን? ክፈናቐሉ ድዮም? ኣብ ዘለዉዎ ድዮም ክቕጽሉ? እቲ ጉዳይ ዶብ ብኸመይ ኢዩ ዝፍታሕ" ዝብል ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ካልኣይ ዘይተመለሰ ሕቶ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ኣዲስ ኣበባ ተፈፀመ ናይ ቡምባ መጥቃዕቲ ምርመራ ከም ዝካየድን ዉጽኢቱ ንህዝቢ ክግለጽ ምዃኑን እኳ ተተሓበረ፤ ክሳብ ሕጂ ሰለምንታይ ንህዝቢ ዘይተገለጸ?" ዝብል ኮይኑ ናይዚ'ዉን መልሲ ከም ዘይተዋህበ መምህር ጎይትኦም ሓቢሩ።

ንምዃኑ፡ ካብዚ ብተወሳኺ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት እንታይ ጠለባት ኣልዒሎም?

ሰማያዊ ፓርቲ ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ እዩ፤ ውሃቢ ቃል እቲ ውድብ ኣይተ ኣበበ ኣካሉ፡ ኣብቲ ዘተ ኣድላይነት ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ሓዊሱ "ብርክት ዝበሉ ዛዕባታት'ዮም ተላዒሎም" ይብል።

"ቦርድ መረፃ፣ ሓባሲ ንብዓት፣ ኮሚሽን ፀረ ግዕዝይና ዝኣመሰሉ ትካላት ለውጢ ክግበረሎም ኣድላዪ እዩ። እቲ ሕገመንግስቲ ብዙሓት ዝመሓየሹ ዓንቀፃት ኣለውዎ። ሕግታት ፀረ ራዕዲ፣ ንሚድያን ንዘይመንግስታዊ ትካላትን ዝምልከቱ ኣዋጃት ክመሓየሹ ከምዘለዎም እዩ ብዋናነት ተላዒሉ" ይብል ኣበበ።

ካብ ወገን እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ከ እንታይ ምላሽ ተዋሂቡ ንዝብል ሕቶና እንትምልስ፡ ቅኑዕን ዘሐጉስን ምላሽ እዮም ሂቦምና ይብል።

ኣኼባ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ተቓወምቲ

"ኢህወዴግ 27 ዓመት ሙሉእ ካብ ዝነበሮ ፅዕንቶ ተናጊፉ ጠንኪሩ እዩ ዘሎ፤ ከይትዘናግዑ ኢሉና።" ክብል ገሊጹ።

"ድሕሪ ሕዚ'ውን በቲ ንገብሮ ዘለና ለውጢ ኣሐይልና ስለእንቕፅል፤ ህዝቢ ድማ ናባና ይመፅእ ስለዘሎ ተበታቲንኩም ምሳና ክትነሓንሑ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ስለዝኾነ ድማ ሕብረትን ናይ ሓባር ግንባርን ፍጠሩ" ኢሉ ከምዝመዓዶም ይዛረብ።

ተቓወምቲ ውድባትን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ንድሕሪ ሓደ ወርሕን ፈረቓን ዳግም ክራኸቡ ቆፀራ ሒዞም ተፈላልዮም።

ኣብቲ እዋን ተቓወምቲ ጠለባቶም ብፅሑፍ ሒዞም ክቐርቡ፤ ብፍላይ ኣብ ኣወዳድባ ፌደራላዊ ስርዓት፣ ዛዕባ ሰንደቕ ዕላማን ምምሕያሽ ዘድልዮም ዓንቀፃት ሕገመንግስትን ኣመልኪቶም ንዘተ ዝቐርብ ፅሑፍ ከዳልዉ ዕዮ ገዛ ከምዝወሰዱ መምህር ጎይተኦም ይገልፅ።

መራሒ ኦነግ ነበርን ሕዚ ድማ ንዴሞክራሲያዊ ግንባር ኦሮሞ ሒዙ ናብ ዓዲ ዝኣተወ ኣይተ ሌንጮ ለታ፡ እቲ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣይ ዘሎ ለውጢ ብኸመይ ሓቛፋይ ክኸውን ይግበኦ ዝብል ፅሑፍ ከዳልዉ እዩ።

ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ኣብ ምምሕያሽ ሕገመንግስቲ፣ ውድብ ዓረና ኣብ ዛዕባ ሃገራዊ ምርድዳእን ጉዳይ ሰንደቕ ዕላማን ንዘተ መልዓሊ ዝኸውን ፅሑፍ ከዳልዉ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ኣሎ።

ውድባት ሰማያውን ኢዴፓን ድማ ኣብ ኣወዳድባ ስርዓት ፌደራሊዝም ኣድሂቦም፡ ሕፅረታት እቲ ሕዚ ይትግበር ዘሎ ፌደራሊዝምን ኣማራፂ እዩ ዝብልዎ ምኽርን ሒዞም ክቐርቡ'ዮም።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/44931142

 

 

Asmara’s feud with Ethiopia’s had a huge bearing on Eritreans in the country and diaspora. Now there’s peace, we have a lot of questions.

Eritrea peace: What will peace in Eritrea mean for ordinary citizens. Credit Andrea Moroni.

What will peace in Eritrea mean for ordinary citizens? Credit Andrea Moroni.

Like many Eritreans, the sudden warming of relations between the Eritrean and Ethiopian governments has filled me and my loved ones with both hope and fear. The no-war no-peace stalemate that defined the politics and identity of my country for 20 years is apparently over.

This newfound peace is undoubtedly a cause for celebration, and one that will transform politics across the region for years to come. Yet for many of us, the most pressing questions this new situation begs are far more immediate.

We are asking things like: Will my sister in school still be conscripted into compulsory military service next year? Will my cousin, who is looking for ways to be smuggled across the border, be allowed to leave legally instead? Will my aunt, who has criticised the Eritrean government from outside the country, be allowed back in? Will my uncle, languishing in jail for political reasons, finally be released?

[Isaias out of character: Why Eritreans are getting nervous]

[Ethiopia-Eritrea peace: Some unanswered questions]

Lives on hold

For two decades, Eritrea has been one of the world’s most secretive and isolated countries. To begin with, it has been extremely difficult to get in and out. The first time I applied for a visa to enter as a tourist, I was met with puzzled laughter at the consulate. I was only able to get a visa because I had some contacts that could pull strings in the capital Asmara.

Getting out of Eritrea is much harder and much more dangerous. Very few are permitted to exit by the government, and so most who want to leave rely on human-smugglers and risk being arrested or kidnapped for ransom. Everyone knows someone who has embarked on these uncertain and treacherous journeys. Thousands consider the conditions in the Eritrea to be so dire as to do so every single month.

Life in Eritrea is restricted and tough. The country is poor and the economy extremely closed. People are not allowed to access non-state media. There is practically no Internet or access to smart phones. And there has never been a single election. Asmara’s defining features – the crumbling, modernist architecture; wide, palm-lined avenues; Italian-style pastry shops; and classic 60s Volkswagen beetles – are all reminders of a vibrancy that has long ceased to exist.

Worse still, all young people in Eritrea are required to undergo compulsory national service. Their passports, university diplomas and lives are put on hold as they undergo military training, after which they may be sent off to labour in any outpost that the government sees fit.

At the moment, one of my relatives spends his days painting arrows and divider lines on the few one-lane roads of Asmara for virtually zero pay. Another, who was finally released from national service after over a decade, is still required to guard a government building from 10pm to 3am once a week. National service is indefinite. In his words, this serves “as a reminder that the government has power over me”.

Divided families

For 20 years, President Isaias Afwerki, who effectuates total control, has used the pretext of Ethiopian hostility to entrench his totalitarian rule and shut Eritreans off from the outside world. This has incurred huge political and economic costs, but the human costs of this enforced isolation have been just as high. They can be measured in every Eritrean family, each of which has its own stories to tell.

I had an aunt, for example, who lived in Addis Ababa. When she received a diagnosis of terminal cancer, her relatives in the US and Canada could visit her to say goodbye, but her loved ones just over the border in Eritrea were not allowed.

I have another friend nicknamed “Baby”. When the 1998-2000 border war began, he was in Eritrea with his mother. The rest of the family was visiting Ethiopia. With transit no longer permitted, they were suddenly split in two. In an instance, the tight-knit unit was unable to reunite and could only communicate with great difficulty. My friend was called Baby, because that’s what he was the last time the rest of the family saw him.

The separation between Eritrea and Ethiopia has never been of two nations, but of two populations made up of thousands of families. That’s why headlines such as the New York Times’ “After 20 Years of Silence, Strangers in Ethiopia and Eritrea Call to Say Hello” fail to capture an important element of Ethiopian-Eritrean relations. We are not strangers.

What now for us?

With war declared over, the status quo of the past two decades will fundamentally change. Asmara’s apparatus of control will necessarily shift, marking the end of Eritrea as we (don’t) know it. But this brings us back to the question of what will happen to the Eritreans’ lives both in the country and in the diaspora.

Now there is no longer an apparent threat of Ethiopian attack, will military conscription end? Now that flights are open to Eritrea, who will be allowed in? My dad, having written critically of the regime in the past, has not dared enter the country for the past ten years. Will there be a place for him and other dissidents in this new opening?

What about the thousands who have fled? Several of my family members have sacrificed the prime years of lives in refugee camps and transit countries for the chance to begin anew elsewhere. Will they be able to keep these lives that they’ve worked for?

Some Eritreans remain sceptical about Asmara’s genuine capacity to act differently. “Having seen the injustice in my country, I don’t think anything will change without a change in leadership,” a compatriot told me. That’s not the feeling of most Eritreans, but our new hope remains tinged with fear and uncertainty, our long-held fear and uncertainty now tinged with hope.

Source=http://africanarguments.org/2018/07/23/eritrea-peace-history-aside-mean-loved-ones/

ርእስ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ፖለቲካዊ ጉዕዞ ሃገርና ርግኣት ዝሓረሞ ኣብ ሓፍዞቕ ዝተመስረተ ምዃኑን ምንባሩን ተመኩሮና ይምህረና። ካብቶም ከምዚ መልክዕ ክሕዝ ዝድርኽዎ ምኽንያታት ወትሩ ኣቀማምጣ ሃገርና ናይ ዝመስጦም ሓይልታት ግዳም ረብሓ ዘንጸላልዋ ምንባሩን ምዃኑን እዩ። እዚ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ቀንዲ መርኣያ ታሪኽና ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ። ድሕሪ ምብቃዕ 2ይ ውግእ ዓለም፡ ኤርትራ ከም ኩለን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝጸነሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ግቡእ ናጽነታ ከይትረክብ ዝደረኸ ጠንቂ ከኣ እዚ ነዊሕ ኢድ ናይ ግዳም እዩ። ናይ ሽዑ ኮነ ናይ ሎሚ ሰብ ነዊሕ በትሪ ሓይልታት ወጻኢ፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ነነብሰን ኣኽኢልካ ዘይኮነ ንኤርትራን ህዝባን ግዳይ ብዝገብር ጐባጢ መልክዕ ዓምጺጽካ ምሓዝ ዝብል እምነት ከም ዝነበሮም ሎሚ’ውን ከም ዘለዎም ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን።

ኣብ ብዙሕ ምዕራፋት ቃልስና ከም ዝይተራእየ፡ እቶም ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ በዓል ጉዳይ እንዳሃለወ “ንሕና ኣለናልካ” እንዳበሉ ናብቲ ንሳቶም ዝደልይዎ ዝጐትዎ ናይ ግዳም ሓይልታት ጥራይ ኣይነበሩን። ከምቲ “ገረብ ብሓኽላ ወይ መንገዲ ምስ ወዲ ዓዲ” ዝበሃል ህዝቢ ንምትላል ዝዋፈር ኤርትራዊ ሓይሊ እውን ነይሩ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ምናልባት ደኣ ድምጹ ዝሰምዓሉ ዓቕሚ ይስእን ነይሩን ኣሎን እምበር፡ ከቶ ረብሓኡን ዕላምኡን ካብ ልኡላዊ ክብሪ ሃገሩ ከምዘይፍለ ዘንጊዑ ኣይፈልጥን። ብሰንኪ ዕድል ምስኣኑ ግና ክሳብ ሕጂ ባህጉ ኣይሰመረሉን።

ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ቃልሱ ምእንቲ ናጽነት ካብ ዝጅምር፡ ብፍላይ ከኣ ድሕሪ ናጽነት ሃገሩን ክብራን ከም ብሌን ዓይኑ ክሕሉ ዝጸንሐ ህዝቢ እዩ። እቲ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ድሕሪ ናጽነት ንኤርትራ ዝመረሓ ናይ ሎሚ ህግደፍ ነዚ ሕኑን ኤርትራዊ ስምዒት ብኸመይ ከም ዝጥቀመሉ ብጉርሒ ክኸይድ ዝጸንሐ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ርእሲ ናጽነቱ መሰረታዊ መሰላቱ ንክሕለወሉ ዘቕርቦ ዝነበረ ጠለባት ምስ ባህሪ እቲ ገዛኢ ጉጅለ ስለ ዘይሳነ፡ እቲ ጉጅለ ካብኡ ንምህዳም ብዙሕ መዳህለሊ ተንኮላት ክምህዝ ጸኒሑ። ካብቲ ተንኮላቱ እቲ ብዝጐልሐ ክትርጎሞ ዝጸንሐ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ውሽጣዊ ጉዳዩ ምእንቲ ከይርኢ ብጉዳይ ፍቕሪ ሃገሩ ኣሰናቢድካ ናብ ግዳም ጥራይ ከም ዘመዓዱ ምግባሩ እዩ። ናይቲ ብየመንን ብሱዳንን ጀሚርካ ክሳብ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየድ ውግኣት ከኣ መልእኽቱ እዚ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣዞም ምስ ጐረባብቲ ዝተኻየዱ ውግኣት ምስቲ ምእንቲ ናጽነት ዝተኻየደ ውግእ ኣወዳዲርካ ክካየዱ ዘይግበኦም ከምዝነበሩ ደጋጊምና ክንብሎ ዝጸናሕና እዩ።

መንግስቲ ህግደፍ ድሕሪ’ቲ መሪር፡ ኣዝዩ ዘስካሕካሕ ጉድኣት ዘውረደን ዘይናይዶብ ክንሱ “ናይ ዶብ” ዝብል ስም ዝተዋህቦን ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ጠጠው ኢሉ፡ ናብ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ምስ ተመርሐን ምስ ተወሰነን፡ ቀራን ተሓላቓይ ናይቲ ውሳነ ኮይኑ ጸኒሑ። በቲ ካብ ልቡ ዘይነቐለ “ቅድሚ ኩሉ ጉዳይ ዶብ ተመልኪቱ ልኡላውነት ክዕቀብ ኣለዎ” ዝብል መኸተ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒዝዎ ጸኒሑ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ እቲ ጉጅለ ከምኡ ኢሉ ስለ ዝጨረሐ ዘይኮነስ፡ ኣብ ልዕልቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ዋጋ ዝኸፈለሉ ልኡላውነት ዘለዎ ክቱር ፍቕሪ፡ ንኩሉ ሳዕቤናቱ ክኢሉ ንናይ ሓሶት መርገጽ ጉጅለ ህግደፍ ክድግፎ ጸኒሑ። እዚ ከኣ ዝያዳ ኩሉ ህዝብና ሕጉግ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ብዘይህዝባዊ ወኸሳ፡ ብኣዝዩ ቅልጡፍ ፍጥነት፡ ብፍጹም ህዝብና ዘይተጽበዮ “ጉጅላዊ ረብሓይ ይሕልወለይ” ኣብ ዝበሎ ኩርናዕ ተኾይጡ እነሆ።

ኣቀያይራ መርገጽ ህግደፍ ቅልጡፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጉዳይ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከይከውን እውን ዓብይ ስኽፍታ ኣሕዲሩ ዘሎ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕልቲ ናይ ቅድም ኣሰካፊ ቀልባዕብዑ፡ ልኡኻቱን መራሒኡን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዶም፡ “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ እዩ፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ምቕሉል መራሒ ረኺብና፡ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዩ ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም፡ ሓድሽ ታሪኽ’ዩ ዝስራሕ ዘሎ፡ ዶር ኣብይ ክመርሓና ኣረኪበዮ ኣለኹ” ዝብሉ ሓረጋት ህግደፍ ብ “ናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ስረሓት ክሰርሕ ሓላፍነት ተረኪበ ኣለኹን ናይ ወሰን ጉዳይ ብናይ ፍቕሪ ድንድል ሰጊርናዮ ኢናን” ዝብሉ ጥቕስታት መራሒ ኢትዮጵያ ተቓሚሞም ምቕራቦም ከኣ ዓሚቝ ስግኣት ፈጢሮም ኣለዉ። ገለ ብዛዕባ ድሕረ-ባይታ መራሒ ህግደፍ ይፈልጡ ዝበሃሉ ወገናት፡ እዚ ጉዳይ ሓድሽ ዘይኮነስ ተሓቢኡ ግዜ ክጽበ ምስ ጸንሐ፡ ሕጂ ዝወጽእ ዘሎ ስምዒት ከም ዝመስል ምጥቃሶም ከኣ ነቲ ስኽፍታ ናብ ሓደገኛ ሻቕሎት ከምዘዕርጎ ዝሰሓት ኣይኮነን።

ኩሉቲ ካልእ ገዲፍካ ነቲ ናይ መራሒ ህግደፍ ንቡር ዘይኮነ ቀልባዕባዕ፡ ካብ ኣካይዳኡ ጀሚርካ ክሳብ ኣሰሓሕቓኡ፡ “እገለ ካባይ ይሓይሽ” እትብል ቃል ወጺኣቶ ዘይትፈልጥ፡ ሕጂ ዶ/ር ኣብይ ይምረሓና ክብል ዝሰምዑ ወገናት፡ ኩሉ እቲ ዲክታቶር ክገብሮ ዝቐነየ ናቱ ዘይኮነስ፡ ናይቶም ምስ ኣብይ ጸሚዶም ዝሓርስዎ ዘለዉ፡ ካሮትን በትርን ዝዓተሩ ሓይልታት ድፍኢት እዩ ኢሎም ዝድምድሙ ብዙሓት እዮም።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ኣስመራ 5 ነጥብታት ዝሓዘ ኣቐዲሙ ብካለኦት ወሓላሉ ክኽሸን ዝጸንሐ ስምምዕ ተፈራሪሞም። ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዕ እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ከቕረቦ ዝጸንሐ ኣብ ኩነታት ናብ ንቡር ምምላስ ዘድሃበ እማመ ኮይኑ፡ እታ ንውሳነ ኮሚስሽን ዶብ እትምልከት እሞ ኢሳያስ ንዝሓለፈ 17 ዓመታት ከም ሽግ ዓቲሩዋ ዝጸነሓ ሓሳብ ግና ኣብቲ ሓደሓደ ዝተርፉ ንኡሳን ጉዳያት ዝሓዘ ዘንቢል ምስፋራ መመሊሱ የገርመካ።

እቲ ቀንዲ ጉዳይ እምበኣር ኢሳያስ ብዛዕባ ሕንኩ ቀንጢጡ ዝመረጾ ርቡጽ መንገዲ ደጋጊምካ ምዝንታውን ምግራምን ኣይኮነን። እቲ ቀንድስ ንሕና እቶም ክብሪ ህዝብናን ሃገርናን ብሓደ ወገን ለውጢ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ከኣ በቲ ካልእ ወገን ዝምልከትና ወገናት ክንገብሮ ዝግበኣና ክንገብር ምብቃዕ እዩ። ስለዚ ዓው ኢልና እሞ ከኣ ንህግደፍ ብዝምችእ ፋሕፋሕ ኢልና ዘይኮነ፡ ብስሙርን ሕቡርን ሓላፍነታዊ ድምጺ፡ “ኤርትራ ብቕዋምን ግዝኣተ-ሕግን ክትመሓደር፤ ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ክፍትሑ፤ ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክተርፍ ብሕግን ብግዜን ዝተወሰነ ኣገልግሎት ጥራሕ ክኸውን፤ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራዊ ዜጋ ከይተሽራረፉ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ፤ ተቓወምቲ ስርዓት ህግዲፍ ብናጻ ኣብ ሃገሮም ዝንቀሳቐስሉ ባይታ ምፍጣር፤ ናይ ዕርቅን ይቕረ ምብህሃል መድረኽ ምኽፋት።” ናብ ዝብሉ ህልውና ሃገር ዘውሕስን ለውጢ ዘረጋግጽን ቃልሲ ከነሕይል ይግበኣና።

ብሰንበት ዕለት 22 ሓምለ 2018 ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ.) ናይ ምሉእ ኣባላት ናይ ተለኮንፈረንስ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ካብ ሰለሰተ ሰዓት ንላዕሊ ዝወሰደ ኣኼባ፣ እኸበኛታት ብዛዕባ ስምምዕ ሰላም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝካየድ ዘሎ ኣስፊሖም ተመያይጦም። ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታትውን ተሰማሚዖም፤

1. ሰላም ንኩሎም ህዝብታት ጠቃሚ ስለ ዝኾነ ብመትከል ንድግፎ

2. ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንጥቅሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝውክል ኣይኮነን፣ ኣብ ዝኾነ ውዕልውን ክኣቱ ኣይክእልን እዩ።

3. ዝኾነ ስምምዕ ንልዑላውነት ኤርትራ ዘኽበረ ምስዝኽውን ጥራሕ እዩ ቅቡል ዝኸውን

4. ሃገር ነድሕን ዝብል ኣምር ቀዳማይ ዕማምና ከምዝኾነ ነፍልጥ

5. ምስ ኩሎም ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከቡ ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ውድባትን፣ ሲቪክ ማሕበራትን፣ ዜጋታትን ሃገር ንምድሓን ክንስርሕ ኢና

 

ታሪኽ ስውኣትና ህያው እዩ

ክንዕወት ኢና

“ባዕላ መምጽኢት ደርፊ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ” ከምዝተባህለ፥ ባህሪ ኢሳያስ እታ ስልጣኑ ጥራሕ ኣይትተንከፍ እምበር ካልእ ዝግድሶ ኣይኮነን። ንስልጣኑ ክብል ግን ዝገላበጥ ባህሪ ኣለዎ። ቅድሚ ሎሚ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምስ ወያኔ ተሻሪኹ ክሃርም እንከሎ ባድመ ንወያኔ ከም ጸበረኸት ኣሕሊፉ ሂቡዋ። ባዕሉ ብዘምጽኦ ሰበብ ድማ ምስ ወያኔ ኣብ ዝኸፍአ ወተሃደራዊ ጐንጺ ኣትዩ። እታ ዝዘረኣ ክፍኣት ከኣ ተመሊሳ ኣብ ርእሱ ደኣ ተጠምጠመት። ስለዚ “ሓልሓል እንከሎካ ጽሩይ መሬት፥ ሰናድር እንከሎካ ጽሩይ ብረት እንታይ ኣእተወካ ኣብ ሰንሰለት” ደኾን የምስሎ ይኸውን።?

ኢሰያስ ካብ ተሓኤ ክፍንጨል እንከሎ ዘቕርቦ ዝነበረ ምኽንያት ተሓኤ ዲሞክራሲያዊት ውድብ ኣይኮነትን ዝብል እዩ። ተሓኤ ክትጅምር እንከላ ብውሑዳት ምሁራትን ዝበዝሑ ሓረስቶትን ወተሃደራት ነበረን እያ ተመስሪታ። ይኹን እምበር ሳላ ትኩራት ተጋደልቲ ዝነበሩ ንተሓኤ ኣብ ናይ ሃገራውን ዲሞክራሲያውን ሰውራ ዝመጣጠን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ክሳብ ምሕንጻጽ ኣብጺሖማ እዮም። በዚ ድማ ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ፋልማይ ተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ መሪሕነት ዝተመርጸሉን ሃገራዊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዝተሓንጸጸሉን ባይታ ወይ መድረኽ እዩ ነይሩ። ነቲ ሱር ሰዲዱ ዝነበረ ዲሞክራሲ ነጺጉ እዩ እምበኣር ኢሰያስ እታ ብዓንተብኡ ንተሓኤ እንተኸኣለ ብውሽጢ ኮይኑ ከበዅቡኻ እንተዘይከኣለ ከኣ ተፈንጪሉ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክንጽላ ዝነበረ ተልእኾኡ። ስለዚ እቲ መስመር ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት እናዓኾኸ ክመጽእ ዝጸንሐ ሕቒኡ መሲሱ ናብ ጸረ ዲሞክራሲ ተግባራት ተበጊሱ።

ይኹን እምበር በቲ ተንኮሉ ንውሱን ኤርትራዊ ምሁር ኣካል ዲሞክራሲያዊት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከምዝቃለስን ኣብ ጎኑ ደው ከምዝብልን ገይሩ’ዩ። ኣብቲ እዋን እቲ በዚ ኣብ ዝተጠቕሰ ንኣእምሮ ኤርትራውያን ጸልዩ ኣንጻር ሃገራዊ ሓይሊ እውን ኣሕሊፉ ሂቡ እዩ። ስልጣን ምስ ሓዘ ከኣ ጸረ-ዲሞክራሲ ባህርያቱ ብዘቃልዕ “ንዲሞክራሲ ኣብ ሰማይ ከድኩም ድለይዋ” ኢሉና፡፥ ዲሞክራሲ ንኸይጥጥዕን ንከይትግበርን ህዝቢ ከይሓቶን ብማለት ውግኣት ከፊቱ። ግርም ምኽንያት ረኺቡ ድማ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይተሓንጸጸ ኢትዮጵያ መሬትና ጎቢጣ እንከላ ብማለት ቅዋም ከየተግበረ ብሓይሊ ይጭቊን ኣሎ።

ኣብዚ እዋን እዚ ነቲ ናይ ኢትዮጵያ መጸዋዕታ ሰላም ሕራይ ኢሉ ምቕባሉ ንኣእምሮ ደቂ ሰባት ክዘምት ምዃኑ ርዱእ እዩ። ድሮ እኳ እነሆ ካብቶም መዳኽርቱን ደገፍቱን ሰላም ተረኺቡ እንዲዩ ሕጂ ዓድና ኣቲና ንህነጽ እንዳበሉ ንኣእምሮኦም የታልሉን ይጥብሩን ኣለዉ። እዚ ከምታ ፈለማ ናጽነት ዝተረኽበትላ ዕለት ሆሆሆ እናበለ ሳዕቤኑ ከይፈለጠ ኣጣቒዑን ሳዕስዑን እዩ። ኣበይ ኣለዉ ዝተረፉ ደቅና ኢሉ’ኳ ክሓትት ኣይሓሰቦን። ልክዕ እዩ ሰላም ፈጺሙ ኣይጽላእን እዩ፡ እንተወሓደ ህዝብና ቁሩብ ትንፋስ እኳ ይረክብ። ኮይኑ ግን ንመገዲ ሰላም ህድእ ኢልካ ብምኻድ ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኩናት ዘእተወና ብኽንድሕነሉ ንኽእል ኣገባብ ክተሓዝ ኣለዎ። ደሓር ድማ ኢሰያስ ንሰላም እንድሕሪ ደጊፉ፥ እታ ሰላም ብውሽጢ ይኹን ብደገ ትጠልቦ ነገራት ብዙሕ ከምዘሎ ክርስዕ የብሉን። ምኽንያቱ ሰላም ክበሃል እንከሎ ኢትዮጵያ ነዚ ሰላም ኣብ ምንታይ ፖለቲካዊ ወይ ቁጠባዊ ረብሓ እያ ክትተሓሓዞ ምፍላጥ ኣድላይነት ኣለዎ። ምኽንያቱ ተመሊሱ እንጥቀዓሉ ከይከውን ርግእ ኢልና ንነገራት ሓደ ብሓደ ክንመራመረሉን ክንጥቀመሉን ኣድላዪ እዩ።

ብውሽጢ እቲ ንሰላም ክኸልእ ዝጸንሐ ኢሉ ኢሰያስ ዘመኽንዮ ዝነበረ ድሕሪ ሕጂ ኣይክህሉን እዩ። ግን ከኣ እቲ ሰላም ኣብ ረብሓኡ ዘይውዕል እንተኾይኑ፡ ናይ ምብርዓኑ ኣንፈት ክህሉ ይከኣል እዩ። ብዝኾነ ግን እሱራት ክፈትሕ፥ ህዝቢ ከምድሌቱ ክነግድን ክንቀሳቐስን፥ ህዝቢ ሓሳባቱ ክገልጽን፥ ተኣጊደን ዝነበራ ጋዜጠታት ስርሐን ክጅምራን ምስዘይገብር ግን ሃገር ኣብ ዝገደደ ደልሃመት ከእትዋ ስለዝኽእል ካብ ስልጣኑ ክለቅቕ ኣለዎ። ምኽንያቱ ኢሰያስ ናይ ምምራሕ ብቕዓታቱ ናይ ዲክታቶርያ ብምዃኑ ከብቅዕ ኣለዎ። ግደ ሓቂ እታ “ጌም ኦቨር” ዝበላ ንኣኡ እያ ትግባእ።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተበጽሐ ሰላም ኢሰያስ ወያኔ ካብ ስልጣን ምስ ኣልገሰ ዝሰማማዓሉ ዘሎ ምዃኑ እቲ ኣብ ሳዋ ዝበሎ፡ ”ናይ ወያኔ ኣሽካዕላል ኣብቂዑ እዩ “ጌም ኦቨር” ዝበሎ እኹል ምስክር እዩ። ነዚ ከም ምኽንያት ዝጥቀመሉ ዘሎ ድማ ስለምንታይ ነቲ ቅድሚ ሎሚ ዝተሓሰምካዮ ሕራይ ኢልካ ተቐቢልካ ከይበሃል ዝመሃዞ ሽጣራ እዩ። ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ “ዓሳ ነታ ትብላዕ እምበር ነታ እትሓንቆ ኣይርእያን” ዝብሃል ከይንኸውን እሞ ሎሚ’ውን ኣብ ዘይደለናዮ ከይንኣቱ ደጋጊምና ክንሓስብን ክነስተውዕልን የድሊ። ሰላም ጽቡቕ’ኳ እንተኾነ ስዒቡ ከይፈለጥናዮ ብዛዕባ ክመጽእ ዝኽእል ክንግራህ የብልናን። ምኽንያቱ ወዲ ሃገር ፍትሒ ስኢኑ ክስደድ፡ ጓና ድማ ብስም ወፍሪ ንመሬት ኤርትራ ክመልኣ ሳዕቤኑ ኣሉታዊ እዩ ክኸውን። ሎሚ ኢሰያስ ዘዝበለና ሰሚዒዕናን ተቐቢልናን ክንደግሞ ጽባሕ ኣብ ህጉም ክንኣቱ ምዃንና ኣይንረስዕ።

The fast unfolding and still unclear Ethio-Eritrean relations will be the main agenda of the Public Discussion on Saturday, 4 August, at the annual Eritrea Festival in Frankfurt which is expected to conduct various political and cultural activities between 3-5 August 2018.

The fast unfolding and still unclear Ethio-Eritrean relations will be the main agenda of the Public Discussion on Saturday, 4 August,  at the annual Eritrea Festival in Frankfurt which is expected to conduct various political and cultural activities between 3-5 August 2018.

Organized by the Eritrean Democratic Association (EDA), a non-profit charity in Germany, in collaboration with Europe branches of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP), the 2018 Festival is expected to be unique of its kind.

Mr. Tesfamariam Kibreab, the EDA chairman, announced recently that a good number of Eritrean political organizations and civil society movements have positively responded to invitations to take part in the Festival Panel as represented by high-level delegations.

The Panel will dwell on the mixed messages being received from Eritrea and Ethiopia  these days. The absolute dictator in Eritrea has been doing whatever he wanted for decades in the past. Now, the big question to be answered is: who and how can the Eritrean dictator be stopped from making hard-to-reverse deals affecting the sovereignty and territorial integrity of Eritrea?

Besides panel talks, Eritrean political and civic figures attending the festival are expected to hold bilateral and group consultations on what is to be done to confront the pending dangers to the nation in the hands of the dangerous one-man dictatorship.

Cultural, Artistic Events

Eritrea Festival 2018 will not only be long political presentations and friendly chit-chats.

Eritrea Festival 2018 under Preparation in Frankfurt 2

Singers, musicians and persons of artistic caliber are announcing their determination to be at the Festival to entertain and educate. Among the so far reported entertainment personalities coming from Germany include Artist Eyob Haile, known for his traditional songs with his 'krar/wata' instrument and Ahmed (Hamada) Ibrahim, who will be expected to come with moving poetic narrations of what is going on between the hopeless dictator in Eritrea and the new-found 'saviour' Ethiopian friend, Dr. Abiy Ahmed, who appears to be willing to appease and go along (at the cost of the entire Eritrean nation) with a person accused of perpetrating crimes against humanity. Other musicians/singers coming from other places will include two young men from Switzerland - Tesfai Jentile and Aliton.

Saturday, 21 July 2018 15:20

Creeping paranoia in Djiboutian diplomatic circles

Written by

Postby Waachis » Fri Jul 20, 2018 2:45 pm

Creeping paranoia in Djiboutian diplomatic circles
 
THE INDIAN OCEAN NEWSLETTER ISSUE 1478 DATED 19/07/2018
Image result for Mahmoud Ali YoussoufIn a missive addressed to his ambassadors which The Indian Ocean Newsletter has obtained a copy of, the Djiboutian foreign minister Mahmoud Ali Youssouf has expressed himself in very undiplomatic terms, reflecting the anxiety of the Djiboutian authorities in the face of the current rapprochement between Addis Ababa and Asmara. The minister is of the view that the Ethiopian prime minister Abiy Ahmed Ali is guilty of 'reckless haste' and is using his country's status as a non-permanent member of the United Nations Security Council to secure the lifting of sanctions on Eritrea, without giving due thought to the negative impact this may have on Djibouti...
 
After this diatribe against the rapprochement between Ethiopia and Eritrea and the policies of the Ethiopian prime minister, Mahmoud Ali Youssouf goes on to express his concern at 'the interference and meddling of the United Arab Emirates in this reconfiguring of alliances in the sub-region'. He describes this Gulf state as 'the armed wing and bankroller of the strategy of the new US administration' and claims that the crown prince of Abu Dhabi, Mohammed bin Zayed al-Nahyan (MbZ), has pledged 'billions of dollars in deposits and investments' in exchange for Ethiopia extending the hand of friendship to Asmara.
 
He then seizes the opportunity to criticise the Frud arme, 'hosted and supported by Eritrea', a country which will soon be seeing Ethiopian businesses setting up shop and operating out of the port of Assab rather than the port of Djibouti. He therefore recommends 'a clear and unambiguous statement to Ethiopia of our position and our displeasure'.
 
The end of this memo reads almost like a threat to Ethiopia, 'this country [which] has not yet left its turbulent times behind' and where 'the risk of implosion is not to be underestimated [...] given[the forthcoming] operations to harness the oil and gas resources of the Ogaden'.
 

ህልዋት መራሕቲ ህግዲፍ ይኹኑ ቀዳሞት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንጸላእየይ ጸላኢኡስ ፈታውየይ ኢዩ ዝብል ፖሊሲ እዮም ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ጸኒሖምን ጌና እውን ዘውዕሉ ዘለዉን። ኣብ 1980ታት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ነታ ሽዑ መቓናቕንቶም ዝነበረት ሃገራዊት ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንምድምሳስ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተመሓዝዮም ንሓደ ዓመት ዝቐጸለ ናይ ሓባር መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊኣ ኣካየዱ።

ቅድሚ ሰማንያታት ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ባድመ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ተሓኤ ኢያ ነይራ። ንተሓኤ ንምጥቃዕ ኣብ ዝወጠንሉ እዋን ግን፡ ባድመ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ክትኣቱ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ኩሉ ዝከኣሎም ገበሩ። ሃይለማርያም ማሞ ዝተባህለ ናብ’ቲ ከባቢ ዝተመደበ ካድር ህዝባዊ ግንባር፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ባድመ እንተፈቲኹም ስቕ ኢልኩም ብወያነ ተመሓደሩ፡ እንተጸሊእኩም ድማ መሬቶም ለቒቕኩም ናብ ዝደለኽምዎ ቦታ ኪዱ እናበለ ንብዙሓት ኤርትራውያን ንስደትን ምፍንቃልን ከምዘዳረጎም ነበርቲ ባድመ ዝፈልጥዎ ሓቂ እዩ። ባድመ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ወያነ ምስ ኣተወት እውን እቶም ዝተረፉ ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ሜላታት ካብ ባድመ ከምዝባረሩ ተገይሩ ኢዩ። ኣብ መደበራት ስደተኛታት ሱዳን ዝርከቡ ደቂ ባድመ ድማ ህያው ምስክርነት ናይ’ዚ ታሪኽ’ዚ እዮም። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ተገዲዶም ንውሽጢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግዓዙ ኤርትራውያን ተቐማጦ ባድመ ድማ ማእለያ የብሎምን።

ምሕዝነት ህዝባዊ ግንባርን ህወሓትን ጽቡቕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ደገፍቲ ህዝባዊ ግንባር ህወሓት ኣብ ውግእ ኣይተኽፈለን እናበሉ ብመራሕቶም ዝተዋህቦም ፕሮፓጋንዳ ክደጋግሙ ንተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድማ ከም ሓሰውቲ ክገልጹ እዮም ዝውዕሉ ነይሮም።

ኣብ’ቲ ክሳብ 1997 ዝቐጸለ ምሕዝነቶም ከኣ ኣብ መንጐኦም ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ጸጥታውን ዲፕሎማስያውን ስምምዓት ገይሮም ምንባሮም እውን ዝዝከር ኢዩ። ዶባትና ናብ ትርጉም ዘይብሉ ብርኪ ተሰጋጊሩ ኢዩ እናበሉ ክጅሃሩ እውን ተሰሚዖም እዮም። ኢሳያስ ኣፍወርቂ መራሒ ናይ ዝሓበራ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክኸውን ባህጊ ከምዝነበሮ ክንፈልጥ ምኽኣልና ድማ “ምቕናይ ግርም” ዝብል ኣበሃህላ ጥራሕ እዩ ዘዘኻኽረካ። ነብስሄር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊኸ፡ እንታይ ኮን ተሰሚዕዎ ይኸውን?

ጽንሕ ኢሎም ግን፡ እቶም መሓዙ ዝነበሩ ክልተ ውድባት ንዝገበርዎ ስምምዓትን ውዕላትን ገዲፎም ብዶብ ኣመሳሚሶም ናብ’ቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ናይ 1998-2000 ዓ.ም ኣዕናዊ ውግእ ኣተዉ። ኣብ’ዚ ውግእ’ዚ ዝሃለቐን ዝሰንከአልን ሰብ፡ ዝበረሰ ንብረት፡ ዝጠፍአ ገንዘብ፡ ዝተሰደን ዝተፈናቐለን ህዝቢ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ማእለያ የብሉን።

ውግእ ኢትዮ-ኤርትራ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ደው ድሕሪ ምባሉን ኮሚሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ቀያድን ናይ መወዳእታ ብይን ድሕሪ ምሃቡን ድማ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ …..ብይን ኮሚሽን ዶብ ኢትዮጵያ ቀያድን ናይ መወዳእታን ስለዝዀነ፡ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ…. ዶባትና ከይተመልከተ፡ ኣብ ልዝብ ኣይንኣቱ ኢና…ብይን ኮሚሽን ዶብ ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ ግን፡ ንሕና ንጽባሒቱ ዝምድናና ምስ ኢትዮጵያ ከነሐድሶ ኢና… ክብል ከሎ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፡ ንሕና ውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ብመርህ ደረጃ ተቐቢልናዮ ኣሎና ንምትግባሩ ግን ቅድም ናብ ልዝብ ክንኣቱ ኣሎና ይብል ነበረ። ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት በዚ ሓሓሊፉ ተዅሲ ዝኽፈተሉ፡ ንዕምሪ ስልጣን መራሕቶም ንምንዋሕ ዝዓለመ ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ኣሰልቻዊ ፖሊሲ ን20 ዓመታት ዝኣክል ብናይ ጽልኢ ዓይኒ እናተጠማመቱ ክኸዱ ተገደዱ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተኸስተ ህዝባዊ ማዕበል ዘስዓቦ ለውጥታት፡ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ድሕሪ ምዃኑ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ከኣ፡ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ክፍትሑ፡ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ክለዓል፡ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብሰላማዊ ኣገባብ ክወዳደሩ ዘኽእል ማዓጹ ከፈተ። ብ5 ሰነ 2018 ድማ፡ ንውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ኣብ ግብሪ ንኸውዕል ድልዊ ምዃኑ ኣፍለጠ። ካብ’ዚ ተበጊሱ ብ8 ሓምለ 2018 ድማ ናብ ኤርትራ ብጽሖት ገበረ። ብወገን ህወሓት ድማ፡ ጕንጺ ኢትዮ-ኤርትራ ብሰላም ክፍታሕ ንድግፍ፡ ኣብ ግብሪ ኣወዓዕላኡ ግን ብልዝብ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ምስ’ቲ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘይሳነ፡ ናይ መርገጻት ከንጸባርቕ ተሰምዐ።

ስርዓት ኤርትራ፡ ነቲ ጸላኢ ጸላኢየይ ፈታውየይ ዝብል ስልቱ ኣብ ግብሪ ዘውዕለሉ ዕድል ስለዝረኸበ፡ ነቲ ዶብና ከይተመልከተ ወይ ከይተሓንጸጸ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይንላዘብን ዝብል እውጅ መርገጹ ገዲፉ፡ ብመንጐኝነት ኣመሪካ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ካብ ህዝቢ ተኸዊሉ ብምስጢር ክራኸብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ20 ሰነ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ክሰድድ ምዃኑ ኣፍለጠ። ንኻልኣይ ግዜ ድማ፡ “ጸላኢ ጸላእየይ ፈታውየይ” ካብ ዝብል ፖሊሲኡ ተበጊሱ፡ ብዑስማን ሳልሕ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት ኤርትራን የማነ ገብርኣብ፡ ኣማኻሪ ፕረሲደንት ኤርትራን ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ለኣኸ።

ስዒቡ ድማ፡ ንኢትዮጵያ ብጽሖት ድሕር ምግባሩ፡ ብዘስደምም ፍጥነት፡ ኤምባሲታት ክኽፈት፡ ነፈርቲ ካብን ናብን ክልቲኡ ሃገራት ክበራ፡ ወደባት ኣብ ኣገልግሎት ክልቲኡ ሃገራት ክውዕል፡ ጽርግያታት ክሕደሱ፡ ተጓዓዝቲ ክልቲኡ ሃገራት ቪዛ ኣብ ኣየርፖርት ናይ’ቲ ዝኣተውሉ ሃገር ክወስድ ወዘተ ዝብል ስምምዓት ኣብ ግብሪ ክውዕል ይርአ ኣሎ።

ጕዳይ ምምልካት ዶብ ግን ኣብ’ዚኣ ዝብሃል ዘይብላ ህጥም ኢላ ተረፈት። ብኣንጻሩ፡ …ዶብ ወይ ድንበር ኣይዓግተናን ኢዩ…፡ ብፍቕርን ይቕሬታን ሰጊርናዮ ኢና፡ …እናተባህለ ብዳንኬራን ብጫውጫውታን ኢዩ ዝሕለፍ ዘሎ።

ዘበን ግርምቢጥ ማይ ንዓቐብ እዩ ኮይኑ ነገሩ። ዶብ ከይተሓንጸጸ ምምሕያሽ ዝምድናታት (normalization) ብዘስደምም ፍጥነት ንቕድሚት ክውንጨፍ ኢዩ ዝርአ ዘሎ። እቲ ን20 ዓመታት ኮለል ዘበለና ጭርሖታት ደኣ ኣበይ ኣተወ?

እዚ ናይ ዳንኬራ መድረኽ፡ ልክዕ ከም’ቶም ቀዳሞት ናይ ዳንኬራ መድረኻት ምስ ሓለፈ፡ እቲ ዝናብን ማዕበልን ምስ ሃደአ፡ እቲ ፍታሕ ዝደሊ ጕዳያት ባዕሉ ኣብ ቅድሚ ክልቲኦም መራሕቲ ክድቀን ኢዩ። እቲ ሰይጣን ኣብ ዝርዝር ኢዩ ዘሎ ዝብሃል ምስላ ድማ ክመጽእ ምዃኑ ብሩህ ኢዩ። ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ብኸመይ ንተግብሮ ምስ ተባህለ፡ ፍልልያትን ዋጢጥን ዘይተርፍ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ሽዑ’ኸ፡ ክልተ ጐርሓት ሓሙኽሽቲ ስንቆም እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዝፍለጥ የለን። ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብሪ እሙ ኢልካ ጥራሕ ምሕላፉ ኢዩ ዝምረጽ።

ስለ’ዚ፡ ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ ስለዝዀነ፡ ብመጀመርያ ዶባትና ምምልካትን ወይ ምንጻርን ልዑላውነት ሃገርና ምውሓስን ዕሽሽ ዘይብሃሎ ዕላማ ህዝብናን ሰማእታትናን ስለዝዀነ፡ ብዘይ ውዓል ሕደር ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ ኢልና ክንድርኽ ይግብኣና። ኣብ ርእስ’ዚ ድማ፡ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ጕዳይ ዶብ ጥራሕ ስለዘይኰነ፡ ነቲ ህዝብና ብድሕሪ ሃገራዊ ናጽነት ምጕንጻፉ ተሓሪምዎ ዘሎ መሰረታዊ ሓርነታትን መሰላትን ንምርግጋጽ ህዝቢ ኤርትራ ልክዕ ከም’ቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ዓው ኢሉ ድምጹ ከስምዕን ንምርግጋጹ ዘድሊ ዋጋ ክኸፍልን ክብገስ ኣለዎ።

ስለ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከልዕሎም ዘለዎ እዋናዊ ጠለባት፡-

  1. ኤርትራ ብቕዋምን ግዝኣተ-ሕግን ክትመሓደር፤
  2. ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ክፍትሑ፤
  3. ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክተርፍ። ብሕግን ብግዜን ዝተወሰነ ኣገልግሎት ጥራሕ ክኸውን፤
  4. መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራዊ ዜጋ ከይተሽራረፉ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ፤
  5. ተቓወምቲ ስርዓት ህግዲፍ ብናጻ ኣብ ሃገሮም ዝንቀሳቐስሉ ባይታ ምፍጣር፤
  6. ናይ ዕርቅን ይቕረ ምብህሃል መድረኽ ምኽፋት።

ላም ፍርቂ ጐድና ኣይትዓብር፡ ፍርቂ ጐድና ኣይትሃጥር ከምዝበሃል፡ እቶም ኣብ ሃገሮም ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ከረጋግጹ ዝደልዩ መንግስታትን መራሕትን ድማ ኣብ ኤርትራ እውን ንኽረጋገጽ ካብኦም ዝጥለብ ሓገዛት ከበርክቱ ይግባእ።