ሎሚ ኣብ ኤርትራ መልሲ ዝህብ እዩ ዘየለ እምበር፡ “ስለምንታይ?” ኢልካ ክትሓትት ዘገድዱ ተርእዮታትሲ መሊኦም እዮም፡ ንኹሉ ንኤርትራ ዝምልከት ናይ ስለምንታይ ሕቶታት ምዝርዝዛር ከም ዘጸግም ርዱእ ኮይኑ፡ ዝተወሰኑ ምዝርዛር ግና ዘጸገም ኣይኮነን፡
ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ከም ዝሕብሮ ህዝቢ ኤርትራ ብመጽንርቲ እዚ ይጎድሎ ዘይበሃል ምእንቲ ነጻነት ሃገሩ ዝኸፈሎ መስዋእትን ዋጋን ብኹሉ መለክዒ ተጠቃሚ ኣይኮነን; እኳ ደኣ ቅድም ዝነበሮ መሰላት ኣብ ዝተቕንጠጠሉ ደረጃ ወዲቑ ኣሎ። እዚስ ስለምንታይ?
ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ ብሕገመንግስቲ ናይ ዘይምረሓ ሃገራት ኣብነት ምጥቃስ ከድሊ እንከሎ ቅድሚት እትስራዕ ኮይና ኣላ። ብመንጽርቲ ህዝባ ኣዝዩ ሕጊ ዘኽብር ምስ ምዃኑ እዚ ህልዊ ኩነታት ንኤርትራ ውርደት እዩ። በቲ ካልእ መልክዑ ክረአ እንከሎ ህግደፍ ህዝቢ ዝመርሓሉ ምስቲ ዝምራሕ ህዝቢ ዝኣተዎ ውዕል የብሉን። ከምኡ ብምዃኑ ከኣ እቲ ዲክታቶር መቆጻጸሪ ዘየብሉ ፊን ከም ዘበሎ ንክኸይድ ዕድል ከፊትሉ ከም ድላዩ ይዕንድር እነሆ። ግን ስለምንታይ?
ኣብ ኤርትራ ንሓደ መንግስቲ፡ መንግስቲ ካብ ዘብልዎ ኣካላት፥ ሓጋጊ፥ ፈጻምን ፈራንድን የለዉን። ዋላ ብደረጃ’ቲ በይናዊ ገዛኢ ውድብ ህግደፍ ናይ ባይቶ ናይ ፈጻሚ ዝበሃል ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣወሳስናን የለን። ክንዲ ኩሎም ሓደ ዝዓወነ ሰብኣይ ከም ድላዩ ይገብር፡ እዚኸ ስለምንታይ?
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ፍትሒ የለን፡ ዜጋታት ብዝኾነ ገበን ተኸሲሶም ምስተኣስሩ ካብቲ ካብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝበዝሕ ግሉጽን ሚስጢራውን ኣብያተ-ማእሰርቲ ኣበይ ቦታ ከም ዝተኣስሩ ኣይፍለጡን። ብቤተሰቦምን ሃይማኖታዊ መራሕቶምን ኣይብጽሑን፡ ሓበሬታ ንቤተሰቦም ኣይወሃብን። ጉዳዮም ተጻርዩ ተኸሲሶም ዋላ ንስሙ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ኣይቀርቡን። ሳሕቲ ዝቐርቡ ኣካላት ከኣ ወይ ባዕላቶም ወይ ጠበቓ ኣቒ`ሞም ኣይከላኸሉን። ስለዚ ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ተኣሲርካ ማለት ተፈሪዱካ ማለት እዩ። እዚ’ው ንስለምንታይ?
ኣብ ኤርትራ ሓሳብካ ብዝኾነ መልክዕ ናይ ምግላጽ መሰል የለን፡ ካብቲ መንግስቲ ክበሃለሉን ክዕለለሉን ዝደልዮን ተሰሪሑ ዝዝርጋሕን ወጻኢ ሓሳብ ምቕራብ ገበን እዩ፡ ሓሓሊፉ “ከምዚ ክትብል ትሓስብ ኣለኻ” ተባሂልካ ምእሳር’ውን ዝውቱር እዩ። እሞ ስለምንታይ?
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሚድያ ዝርካቡ ኩሉ ናይ መንግስቲ እዩ፡ ዝህቦ ኣገልግሎት ከኣ ዘይሩዘይሩ ንዋንኡ ምግልጋልን ምሕላውን እዩ። ናይ መንግስቲ ዘይኮነ ናይ ህዝቢ ስምዒት ዘንጸባርቑ ናይ ብሕቲ ሚድያ ክልኩል እዩ፡ ዝኣመንካሉ ሃይማኖት ምስዓብ’ውን ኣይፍቀድን። ስለምንታይ?
ኤርትራውያን ስለምንታይ ጉዳይ ምርጫታት ዝተፈላለዩ ብተለቪዥናት ኣብ ምርኣይ ጥራይ ይውሰኑ። ንሳቶምከ ከምቶም ብሚድያ ናይ ምምራጽ መሰሎም ክጥቀሙ እንከለዉ ዝዕዘብዎም ዝመርሕዎም ናይ ምምራጽ መሰል ዘይህልዎም። ከምኡ ንክኾነሎምከ ዘይሓቱን ንምትግባሩ ዘይቃለሱን፡ እዚ’ውን ካልእ ስለምንታይ።
ኩልና ከምእንፈልጦ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ተዓጽያ ናብ ኣብ ሕድሕደን ዘይራኸባ ናእሽቱ ኮለጃት ከም ዝተጎዘየት ፍሉጥ እዩ። ንሱ ከይኣክል ተመሃሮ መላእ ኤርትራ ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ካብ ወለዶም ተፈልዮም ኣብ ሓንቲ ካለኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሳዋ ኣብ ትሕቲ ውተሃደራዊ ምምሕዳር ክመሃሩ ግዱዳት እዮም። እተን ብዙሓት ምሁራት ዘፍረያ ኣብ በበይኑ ኩርነዓት ሃገርና ዝርከባ 2ይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ተዓጽየን እየን። እዚኸ ስለምንታይ?
እቲ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝብል ስም ዝተዋህቦ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣብ ክንዲ ከምቲ ክጅመር እንከሎ ዝተሓስቦ 18 ኣዋርሕ ዝኸውን ናብ ደረት ዘየብሉ ግዜ ተቐይሩ። ብሰንኪዚ ከኣ ብዙሓት መንእሰያት ኣይካብ ትምህርቲ ኣይካብ ሓዳር ዘርሞዘርሞ ከም ዝተረፉ ኩልና ንፈልጦ እዩ። ብሰንክዚ ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደትን ኣብ ስደተን ኣደዳ ዘይተኣደነ ጸገማት ይኾኑ ኣለዉ። ግና እዚ እውን ስለምንታይ ኣይተባህለን፡
ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ካብ ኤርትራ ናብ ካልእ ሃገር ክንቀሳቐሱ ወይ ኣይክእሉን እዮም ወይ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ጽኑዕ ምቁጽጻር ዝወሃብ መሰል ኮይኑ ኣሎ። እዚ መሰልዚኸ ስለምንታይ ይንፈግ?
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝተባርዐ ውግእ እቲ ነቲ ውግእ ከም ዝጀመረ ብዓለምለኻዊ ናይ ምጽራይ ኣካል ዝተመስከሮን ክኽሕስ ዝተገደደን ጉጅለ ህግደፍ ብዝኣመኖኳ 19 ሺሕ ኤርትራውያን መንእሰያት ተሰዊኦም። ነዚ ሓቢኡ እዩ ከኣ ዲክታተር ኢሳይያስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ክቕበል እንከሎ “በቲ ውግእ ኣይከሰርናን” ዝበለ። እሞ ድማ ናብቲ ቅድሚ ውግእ ክግበር ዝኽእል ዝነበረ ከምስል ዝነጸጎ ዝርርብን ወደኽደኽን ተመሊሱ። እዚ’ውን ሰለምንታይ ክበሃል ዝግበኦ’ዩ።
ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ምስ ሃበ፡ ዶብ ኣብ ባይታ ንከይምልከት ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕጥይጥይ ምስተራእየ፡ ኢሳይያስ ከምስል ብናይ ሓሶት ብነድሪ “ዶብ ከይተጠረረ ዘተ ዝበሃል ኣሽካዕላል እዩ” ክብል ጸኒሑ። በዚ ድማ ነቲ ጉዳይ ን17 ዓመታት ጅሆ ሒዝዎ ጸኒሑ። ሕጂ ግና በዚ መጸ ከይተባህለ ዘተ ምቕባል ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ምምልካት ዶብ እውን ጠንጢንዎ ኣዲስ ኣበባ ከይኣኸሎ ክሳብ ሃዋሳ ከይዱ ጋብን ፈረስን ተሰሊሙ። ፍቕሪ ሰማእታት ኤርትራን ሕግን ዘይኮነስ፡ ፍቕሪ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ስዒርዎ ክቆጻጸ እንከሎ ንዝተዓዘቦ ገሪምዎ። ሕጂ’ውን ስለምንታይ?
ህግደፍ ከም ቁርን ኣስሓይታን ካብ ዝፈርሖ ጉዳያት ሓደ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ርኢቶ እዩ። እዚ ናይ ርኢቶ ፍልልይ ናብ ተቓውሞ ኣብ ዝምዕብለሉ ድማ የዕበድብዶ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ነቲ ምስ ኩሉ ሕጽረታቱ ዓለም እትፈልጦ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ “ዋላ ትንፈር እምበር ጤል እያ” ብዝዓይነቱ ኣይቅበሎን እዩ። ሓሓሊፉ ክጸቦ እንከሎ ከኣ ብወያነነት ይኸሶ። ከምቲ ደርጊ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ብናይ ኣዕራብ ፔትሮ ዶላር ዝተገዘ ገይሩ ዝኸሶ ዝነበረ። በቲ ሓድሽ ዓርኩ ዲና መራሒኡ ክንብሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ንተቓወምቱ ተቓወምቱ ዘይኮኑስ መወዳድርቱ ገይሩ ዝገልጾም ቋንቋ’ውን ናብ ልቡ ኣይምለስን። ናይ’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መልእኽቲ ናብኡ’ውን ዝጥምት ምዃኑ ንዝተረድኦ ኣይመስልን። እቲ ዘገርም ከኣ ናቱ ጽዕነት ኣቐሚጡ ንዳውድ ኢብሳ ሓደ ካብ ነባራት መራሕቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ንለማ መገርሳን ኣብ ኣስመራ ክሽምግል ዘይምሕናኹ እዩ። ስለምንታይ?
እምበኣር እቲ ናይ ኤርትራ ስለምንታያት ኣዝዩ ብዙሕ ስለ ዝኾነ፡ ከምቲ “ዘረባን መዓንጣን ቆሪጽካ እምበር ስሒብካ ኣይውዳእን” ዝበሃል ስለምንታያትና ኣብዚ ከነቋርጽ። እዚ ስለምንታያት’ዚ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶታት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ከምቲ “ፈሊጡ ዝደቀሰስ ሓራሚ ነይንቕንቖ” ዝበሃል፡ ህግደፍ ሓሲብሉ ኮነ ኢሉ ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰታት፡ ገበናትን ጥሕሰታትን ስለ ዝኾነ፡ እንተ ሓተትናዮ’ውን ከምዘይምልሰልና ስለ እንፈልጥ “ስለምንታይ?” ኢልና ኣይንሓቶን ኢና፡
ስለዚ እዚ ለስምንታይ ናብቲ ናይዚ ግህሰታት ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ዝቐርብ ዘሎ። ምኽንያቱ ናይቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘሎ በደላት ተሰካሚ ንሱ እቲ ህዝቢ ስለ ዝኾነ። ካብዚ በደልዚ ሓራ ክወጽእ ዘለዎ ከኣ ባዕሉ ብቓልሱ ጥራይ ስለ ዝኾነ። እቲ ናይ ካልኦት ኣበርክቶ መመላእታ እዩ።
Radio Demtsi Harnnet Kassel 09.08.2018
Written by Demtsi Harnnet Kasselቃል ናጻ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ንሰላምን ዲሞክራስን ዞባ ኣውረጳ
Written by ናጻ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ንሰላምን ዲሞክራስንፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት 2018 ንሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን ደለይቲ ፍትሒ ጸዊዑ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤበቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኸይድ ዘሎ ንመጻኢ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸልው ዘሰንብድ ዝምድና ዝተሻቐሉ ናይ ብዙሓት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ መራሕቲ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት 2018 ብ4 ነሃሰ 2018 ኣብ ዘስምዕዎ መደረታን ዘካየድዎ ምይይጥን ዝሓደሮም ሻቕሎትን ስንባደን ኣቃሊሖም።
እቶም መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣተሓሒዞም ነቲ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራ ዘንጸላሉ ዘሎ ስግኣት ተረዲኦም፡ ኣብ ቀጻሊ ዘተኣማምን ሃገራዊ ምንቅስቓስ ፈጢርካ እቲ ውልቃዊ ዲክታቶር ኣብ ኤርትራ ዝያዳ ጉድኣት ከየውረደ ንምዕጋቱ ክስራሕ ከም ዝግበኦ ኣንጸባሪቖም። እቶም ሓደ ድሕሪ ሓደ መደረ ዘስምዑ መራሕትን ወከልትን ውድባት ኤርትራ ነቲ “ብሓባር ንስራሕ ከነድምዕ፡ ብሓባር ነድምጽ ከነስምዕ” ዝብል ናይቲ ፈስቲቫል መሪሕ ጭረሖ ናይ ምትግባሩ ኣገዳስነት ኣጉሊሖም።
ኣብቲ ብወይዘሮ ኣድያም ተፈራን ኣቶ ግርማይ ዘሚካኤልን ዝተመርሐ ኣገዳሲ መኣዲ ዘተ፡ ናይቲ ፈስቲቫል ኣሰናዳኢት ኮሚተ፡ ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ናይ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤን ኣቦመንበር ኣቶ ተስፋማርያም ክብረኣብ መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ። ደድሕሪ መኽፈቲ ቃል ኣቶ ተስፋማርያም ክብረኣብ ከኣ ትምህርታዊ መግለጺ ብዶ/ር ክላውስ-ዲየተር ግሮዘ ካብ ሓምላይ ሰልፊ ጀርመን ቀሪቡ።
ድሕሪዚ እቶም መራሕቲ ኣኼባ ንመራሕቲ’ቲ መኣዲ ዘተ ብትግርኛን ዓረብን ዓዲሞም። እቶም ነናይ ውድቦም ርኢቶ ከቕርቡ ናብ መድረኽ ዝተዓደሙ፡ ኣቶ ሑሴን ከሊፋ ኣቦመንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ርኢቶኡ ብዓረብ ብሓጺሩ ምስ ኣቕረበ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ውድብ ቃል ከኣ ብኣቶ በርሀ ዑቕባዝጊ ብትግርኛ ተነቢቡ። ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ኣንበሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርስ ኣባል ፈጻሚ ኮሚተ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ቃል ካብ ዘስምዑ ነይሮም። ብዘይካዚ መንሱር ዓብደልሃዲ ካብ ግንባር ሃግራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ኣቶ ሳልሕ ሰባሕ ኣቦመንበር ኤርትራዊ ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቕስ፡ ኣቶ መንግስተኣብ ኣፈወርቂ ካብ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ፡ ኤርትራ፡ ኣቶ ክፍለዝጊ ገብረመድህን ኣቦመንበር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ፡ መንእሰይ ሮበል ሃይለ ካብ ሕብረት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ዶ/ር መሓመድ ብርሃን እድሪስ ካብ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ወ/ሮ ኣልጋነሽ ገብረ ካብ ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ወ/ሮ ገርግስ ነጋሽ ካብ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ሰዲህኤ፡ ኣቶ ባህታ ሃይለማርያም ካብ ግንባር ዲሞክራስያዊ ሓድነት ኤርትራ፡ ኣቶ ጀማል እስማዒል ካብ ሊግ ኤርትራዊ መታሕት፡ ኣቶ ክብረኣብ ምስግና ካብ ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራን ኣቶ ገብረሂወት ክፍለ ካብ ኤርትራዊ ስምረት ንዲሞክራስያዊ ለውጥን እውን ኣብቲ ፈስቲቫል ቃል ዘስምዑ ተሳተፍቲ ነይሮም።


ኣብ መወዳእታ ብፍሉይ እቶም ተወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባት ተራኺቦም ተላዚቦም። ከም ውጽኢት ልዝቦም ከኣ ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ብሓፈሻ ተረዳዲኦም።
- በቶም ተወከልቲ ዝቐረበ ሓሳባት ተመሳሳልን መሰረታውን ምዃኑ
- ኣብዚ ፈስቲቫል ዝተሳተፉ ውድባት ከም ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ዝካየድ ዘሎ ዘይቅቡል ኣተሓሕዛ ዝምድና ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ዝኾነ ውክልና ዘየብሉ ጨቛኒ ኤርትራዊ ጉጅለን ሻቕሎቶም ዕዙዝ ምዃኑ።
- ስለዚ እተን ውድባት ህጹጽነት ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ተበግሶታት ሓባራዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝያዳ ኣድላይነት ኣብ ሕድሕድካ ምልዛብ ኣገዳሲ ምዃኑ።

ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ ዕለተ ቀዳም 4 ነሃሰ 2018 ድሕሪ ቀትሪ ተሳተፍቲ ብዛዕባ መዋጸኦ ካብዚ ሕጂ ኤርትራ ኣትያቶ ዘላ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ንልኡላውነታ ዘስግእን ብዛዕባቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታትን ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ዕድመኡ ክሃርፎ ዝጸንሐ ሰላማውን ልኡላውነት ሃገሩን ክበርሃሎም ናብቶም ኣብ መድረኽ ዝነበሩ ሓቲቶም።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣቐዲሙ ኣብ ዕለተ ዓርቢ፡ ጉባአ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤን ሰሚናር ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ምሕዳስ ሰልፍን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ተኻይዶም። ምስቲ ዘይተለምደ ሓያል ሙቖት እቲ ብነባራትን መንእሰያትን ኤርትራውያን ዝቐረበ ባህላዊ ፕሮግራም ናብ ሰንበት ዘውግሕ ምሉእ ለይቲ ተኻይዱ።
ንኢትዮጵያዊ ሰባኺ ሱራፌል ደምሴ ክሰምዑ ኣብ ፊት ኣስመራ ፓላስ ሆቴል ዝተኣከቡ ኤርትራውያን
ንኢትዮጵያዊ ሰባኺ ሱራፌል ደምሴ ክሰምዑ ኣብ ፊት ኣስመራ ፓላስ ሆቴል ዝተኣከቡ ኤርትራውያን
ሰዓብቲ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያናት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ምስቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኤርትራ ዝተጓዕዘ ሱራፌል ደምሴ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ሰባኺ ተራኺብኩም ወይ ተቐቢልኩም ብዝብል ይእሰሩ ኣለዉ።
እቶም ኣመንቲ ብሲቪል ዝተኸድኑ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ካብ ኣባይቶም ከም ዝተወስዱ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኣሰሩ 5 ኣመንቲ ኣብ ኣስመራ 5ይ መደበር ፓሊስ ተታሒዞም ከም ዘለዉን ገለ ድማ ኣብቲ 'ካርሸሊ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ 2ይ መደበር ፓሊስ ተታሒዞም ከም ዘለዉ ጸብጻባት ገሊጾም።
ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ'ዚ ሓድሽ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ዝዋሃብ ርእይቶ ንምርካብ ተወኪስና ነይርና ዛጊት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ግን የለን።
- መንግስቲ ኤርትራ 35 ናይ ሃይማኖት እሱራት ይፈትሕ
- ኤርትራውያን ክትግበሩ ዝደልይዎም ሓሙሽተ መሰረታዊ ለውጥታት
- መጻኢ ብደሆታት መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን
ኣብቲ እቲ ሰባኺ ዝሰብከሉ ዝነበረ ቦታ ተራእዮም ዝተባህሉ ካልኦት ድማ ተተጸዊዖም ይሕተቱ ምህላዎም፡ ገለ ድማ ይድለዩ ከም ዘለዉን እቶም ምንጪታት የረድኡ።
ሓንቲ ካብዚኣቶም ካብ ደገ ዝመጸት ኮይና ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ሰባኺ ተቐቢላ ብምእንጋዳ ካብታ ሃገር ክትወጽ እንከላ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተታሒዛ ብኣባላት ጸጥታ ከም ዝተወሰደት እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።
ሓደ ካብዞም ተኣሲሮም ዘለዉ ተኸተልቲ ናይቲ እምነት፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ንጉሆ ሲቪል ዝተኸደኑ ኣባላት ጸጥታ ካብ ቤቱ ከም ዝወሰድዎን፡ ቤተሰቡ ጸኒሐም ናብ ቤት ማእሰርቲ 'ካርሸሊ' ከም ዘለዉ ክፈልጡ ኪኢሎም።
ቤተሰብ መግቢ ከብጽሕሎም እኳ ዝፍቀድ እንተኾነ፡ ብኣካል ግን ከራኽብዎም ከም ዘይከኣሉ ቤተሰብ ናይቶም ግዳያት ሓቢሮም።
"ብመጀመርታ ጽርግያ ስለዝዓገቱ'ዮም ተኣሲሮም ዘለዉ ድሕሪ ቀዳመ ሰንበት ክንፈትሖም ኢና ሎሞም ነይሮም። ሰኑይ ምስከድዎም ግን 'ንሕና ንፈልጦ የብልናን፡ ሃገራዊ ድሕነት'ዩ ኣሲርዎም ኢሎሞም" ክብል ገለ ቤተሰቦም ዝተኣሰርዎም ሰባት ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
One Day Seyoum መብዛሕትኡ ጊዜ ናይ ሕልና እሱራት ናብ ቤት ፍርዲ ኣይቀርቡን'ዮም
መብዛሕትኦም እዞም ዝእሰሩ ዘለዉ ተኸተልቲ ናይቲ እምነት፡ ነቲ ብ18 ሓምለ ምስ ፈላማይ በረራ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ዝመጸ ሩፋኤል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍሉጥ ኢትዮጵያዊ ሰባኺ ዝተቐበልዎን፡ ኣብቲ ንሱ ዝሃቦ ሓጺር ስብከት ዝተሳተፉ ምዃኖም'ውን ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።
እዚ ናይ ሕጂ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ሓቂ ምዃኑ ንኩነታት ሰዓብቲ ናይቲ እምነት ኣብ ኤርትራ ብቐረባ ዝከታተል ኣቶ ከሰተ በራኺ ካብ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃበና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
"ድሕሪ'ቲ ውዕል ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ታኣወጀ ኣዚና ኢና ተሓጎስና ብዙሕ'ውን ተስፋ ጌርና፡ ብዙሕ ለውጢ ክመጽእ'ዩ ኢልና ተጸቢና" ድሕሪ ምባል እንተኾነ ግን ዝተቐየረ ነገር ከም ዘየለ ብምጥቃስ "እቲ ማእሰርቲ ይቕጽል'ዩ ዘሎ" ይብል ከሰተ።
ኣቶ ከሰተ በራኺ ብተወሳኺ ሰባኺ ሱራፌል ደምሴ ብዛዕባ'ቶም ብሰንኩ ዝተኣሰሩ ኣመንቲ ክጣበቕ ጸዊዑ።
ምስ'ዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ብሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያናት ኤርትራ ዝተጻሕ ከም ዝኾነ ዝንገረሉ ቅሉዕ ደብዳቤ ንኢትዮጵያውያን ሰበኽቲ ኣብ ኤርትራ ብምምጻእ ንኣመንቶም ኣብ ሓደጋ ከይውድቑ ተማሕጺኑ።
እቶም ቅድሚ ቁረብ ሰሙናት ዝወጹ 35 እሱራት 'ውን ብዋሕስ ኣማኢት ኣሽሓት ናቕፋ ከም ዝተፈትሑን ምስቲ ምስ ኢትዮጵያ ተበጺሑ ዘሎ ሰላም ዘተኣሳስር ከም ዘይብሉን ተዛሪቡ።
ክሳብ ሕጂ ዝተኸሰስሉ ምኽንያት ብወግዒ ከም ዘይተነግሮምን ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዘይቀረቡን ተፈሊጡ'ሎ።

ANADOLU AGENCY መንግስቲ ኤርትራ ብምግሃስ ሰባዊ መሰላት ክኽሰስ ጸኒሑ'ዩ
ኣብ ኤርትራ ተኸተልቲ ናይቲ እምነት ዝኾኑ ሰባት ኣብ ዝተፈላዩ እዋናት ከም ዝእሰሩን ሓሓለፎም'ውን ከም ዝፍትሑን ይግለጽ።
ኣብቲ እቲ ሰባኺ ኣብ ኣስመራ ዝኣተወሉ ዕለት 18 ሓምለ ንባዕሉ 35 ዝኾኑ ንዓመታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ ተኸተልቲ ናይቲ እምነት ምፍትሖም ቢቢሲ ኣቃሊሑ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ኤርትራ መብዛሕትኡ እዋን ናይ ሕልና እሱራት ናብ ቤት ፍርዲ ኣይቀርቡን'ዮም።
ኣብ ግንቦት 2002 መንግስቲ ኤርትራ ንኹለን ኢቫንጀሊካውያን (ጴንጠኮስታል) ኣብያተከርስትያን ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ገለ መራሕተን ዝርከብዎም ብኣሚኢት ዝቑጸሩ ኣመንተን ክኣስር ጸኒሑ'ዩ።
ኩቡራት እሰንዳቲ ሽማገለን አባላት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር ጀርመን!
ኩቡር አቦ መንበር ኩብራት መራሕቲን ኣባላትን ሰልፊ ደሞክራስያዊ ህዝቢ ኤርትራ!
ኩብራት ተወከልቲ ውድባትን ዕድማት አጋይሽን!
አቐዲመ አብዚ ልሙድ ዓመታዊ ባዓል ኤርትራ ክንሳተፍ ዝገብርኩምልና ዕድመ ብስመይን ብስም ውድብና ሰደግኤ ከመስግን ይፈቱ። ቀጽለ ከአ እዚ ኤርትራዊ ባዓል'ዚ ንዓኹም ከም ሰልፊ ድሞክራሲያዊ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ አባልኩም ተራኺቡ ዓመታዊ ኩሉ መዳይዊ ቃልሱ ክግምግምን ስራሓቱ አጻፊፉ ክሕዝን ዝገብር ኮይኑ፡ ንእግረ መገዱ ከአ ንአብዚ ከባቢ ዝቕመጥ ህዝብናን ተቓልስቲ ውድባቱን ተራኺብና ኢህን ሚህን እንብለሉ ምቹእ ኣፍደገ ዝኸፍት ኣገዳሲ ናይ ቃልሲ መድረኽን ቦታን እዩ። ስለዚ እዚ ከምዚ ዝበለ ባዓል ጥቕሙ ብግቡእ ተረዲእና ኩልና ተሓባቢርና ከነህብትሞን ከነማዕብሎን ናብ ረብሓ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከነውዕሎን ስለ ዝግባእ፡ ከይተሓለልኩም ነዚ ክውን ንምግባር እትራባረቡ ውድባትን ውልቀ ባእታታትን ክትምጎሱ ይግባእ። እንቋዕ ብሰላም አብዚ ጽንብል እዚ ክንራኸብ አብቃዓኩምን አብቃዓናን ንብለኩም።
ኩብራትን ኩብራንን ተቓልስቲ ሰልፊ ደሞክራስያዊ ህዝቢ ኤርትራ፥ ተቓለስቲ ውድባት ኤርትራ፥ ብቐንዱን ብዓቢኡን ከኣ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ወጥርን መስገድልን እናሕለፈ መጺኡ ኣብ ታሪኽ ማሀደራትና ጥራይ ተመዝቡ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ዋናታትን ተዋሳእቲን ባዕላትና ዝተዋደቕናሉን ንዋደቐሉ ዘሎና ጉዳይ'ዩ። እዚ ሎሚ አብዚ ተራኺብና ክንጋባእ መድረኽ ተኸፊቱልና ዘሎ እውን ብጊዲኡ አካል ናቱ'ዩ። ኤርትራውያን አብ ስደት እንርከብ ገና ንውራይና ነኺስና ሒዝና ከምዘሎና እውን ዘማላኽት'ዩ።
አብ ዝሓለፈ ጉዕዞና ቃልስና ኩላትና ከም ንፈልጦን ከም መስርሕ ናይ ቃልሲን ከአ ዓወታትን ውድቀታትን ብቢእዋኑ ዝግለጹ ከነመዝግብ ከም ዝጸናሕና ብግብሪ ዝተራጋግጸ ነገር'ዩ። ሐደ ካብቶም ዓወታትና ብልዕልነት ጎሊሑ ዝረኤ፡ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ሲዕርና ሃገርና ሐራ ምግባርን ምዕቃቡን ዝምልከት ኮይኑ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከአ ከም ውድቀትን ፍሽለትን ዝረአዩ ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓተ መንግስቲን ምሕድራን ስጋብ ሕጂ ክንሃንጽ ዘይምብቃዕናን ዘይምኽአልናን ቀንዲ ረቛሒ መሰረታዊ ሽግርና'ዩ። ካብዚ ፈሊኻ ዘይርኤ እውን ሃገራዊ ዕርቅን ስኒትን ዘውሐሰ፥ አብ ነብሱን ሕድሕዳዊ ምትእምማን ዝተከለ ጽኑዕ ማሕበረሰብን ሕበረተሰብን ከይንገብር፡ ብውሽጥን ብደገን ስለ ዘተስርሓሉ በቲ ሐደ ወገን፡ ብካልእ ወገን ከአ ነዚ አብ ንቡር ቦትኡ ዝመለስ ወይ ዘስተኻክል ብሓያል ህዝባዊ ውዳበ ዝተሰነ ዕቱብ ቃልሲ ስለ ዘይተገብረ ሎሚ ከም ህዝብን ሃገርን ንሓደጋ ተቓሊዕና ንርከብ ከምዘለና ከም ጸሐይ ቀትሪ ንኹሉ ብሩህ'ዩ።
ብወግና ጠንቂ ናይ'ዚ ክውንነት'ዚ ቀንዲ ተሓታቲ፡ ብቐዳምነት ዝስራዕ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ/ህግደፍ እዩ። መኽንያቱ ንህዝቢ ኣብ ኩሉ መዳያቱ ማለት ፖሎቲካዊ፥ ኢኮኖምያዊ፥ ማሕብራዊ ሰረቱ ኮነ ኢሉ ክለምስን ክማስንን ዝገብር እስትራተጂ ብምኽታል፡ ህዝብን ሃገርን አራኺሱ እንሆ ሎሚ ተግባሩ ፈጢጡ ኣብ ቅርዓት ወጽኡ ብጋህዲ ይረኤ አሎ። ሎሚ ከምህዝቢ (ከም ከብቲ) ተኸብኪብና አበይናይ ዕዳጋ ንወርድ አሎና፡ ከም ሃገር ከአ አብይ ገጽና ሸታሕታሕ ንብል አሎና ንምርአይ ዘጸግም ነገር ከምዘይለ፡ ጊዜ ባዕሉ ቁልጭ አቢሉ የረኤና አሎ። ስለ'ዚ ነዚ እቕረ ዘይባሃሎ ጸላኢና፡ ንጥፍአትና ተዋፊሩ ዘሎ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ/ ጉጅልኡን ዝስዕር ንጹር ዕላማ አብ ቅድመና አቐሚጥና፡ አብ ናይ ቀዳምነት ቦታ ሰሪዕና ሓይልታትና ከነዋሃህድን ብሓባር ክንሰርሕን ነዚ ዘገልግል ናይ ሓባር ጽላል ከነቕውምን ሰፊሕ ህዝቢ ኣብኡ ዓሲሉ ብተግባር ክንሰርሕ ጸላኢና ከነውግድን ይግባእና።
ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ እዚ ክንገበር እንተ ዘይበቕዕና፡ ብካልአይ ቦታ ናይቲ ውድቀት ታሓታቲ ይገብረና። እቲ ዘገርም መብዛሕቱ ፖሎቲካዊ ውድባት ኤርትራ ነቲ ጸገም ካብ ዓንተብኡ አለልይዎ ከብቅዕ፡ መኽንያቱ ወፍሪ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ንመን የገልግል? ዕላምኡኸ እንታይ ንምግባር'ዩ? ኣቐዲሙ አሚቱ ከብቅዕ፡ ነዚ ዝዓጽፍ ቃልሲ ብዝተዋሃሃደ ውደባ ዝተስነ ስጋብ ሕጂ ዘሎ እዋን ሰፊሕ ህዝቢ አብ ጎኑ አሰሊፉ ተሰማዓይን እምነት ክንበረሉ ዝኽእል ሐይሊ ክገብርን ክመርሖን ዘይምብቅዑ ዘሎ ክፍተትን ሕመቕን'ዩ። ውድባት ነዚ ክፍተት'ዚ አብ ቀረባ ጊዜ ክንሽፈን እንተ ዘይበቒዕናን፡ ሕመቓትና ቀልጢፍና እንተ ዘይአማዓራሪናን ከአ ካብ ታሪኻዊ ተሓታትንነት ተጋላገልና ማለት ዘበት'ዩ። ሰለ'ዚ ካብ ዝጸናሕናዮ ቲሐዘ ጸኒሓዊ አረአእያ ተጋላጊልና ነዚ መድረኽ ዝብቅዕ ቃልሲ ከነታአታቱን ከነተግብርን መድርኽ ካብ ማንም ጊዜ ንላዕሊ ይጠልበና አሎ። ህዝብን ሃገርን ማእከል ዝገብር ሰውራዊ መሪሕ ሓሰብ ተረሲዑ፡ እቲ ዝበዝሕ ስጋብ ሕጂ ክካየድ ዝጸንሐ ናብ ውሽጥኻ ዝግብር ቁርቁስን ምትንዃላትን ከይዱ ከይዱ ከአ ብበትሪ ጸላኢኡ ዝጓሰ ደምበ ተቛውሞ ኣገልግሎቱ ንጸላኢ እምበር ንሃገር ህዝብን ዘድሕን ከም ዘይኮነ ብንጹር ክፍለጥን ክቕመጥን ይግባእ።
ስለዚ ስጋብ ሕጂ ክንክተሎ ዝጸናሕና ናይ ቃልሲ ጥብብ ደጊምና ክንፍትሾ፡ ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ? መኽንያቱ ፈሊጥና፡ ጌጋታትና ቀልጢፍና ክንእርም ብኡ መጠን ከአ ሓድሽ ነዚ መድረኽ ዝበቅዕ ናይ ቃልሲ አንፈትን አሰላልፋን ክንሕዝ መተካእታ ዘይብሉ ምኻኑ ፈሊጥና ነብስና አዳሊና ክንቀረብን ክንውሳአሉን ይግባአና።
ብወገና ከም ውድብ ሰደግኤ ነዚ እዋን ዝበቅዕ መልክዕ ውዳበ ቀሪጽና፡ መንንግስቲ ኣብ ሃይማኖት ሃይማኖት ድማ ኣብ መንግስቲ ኡዱ ዘይተአታቱ ሰፊሕ ሕብረ ብሐራዊ ግንባር ህዝቢ ማእከሉ ዝገብረ፡ ተመራጻይ መልክዕ ውዳበ እዩ ንብል። ብዚ መጠን ከአ 4 ውድባት ብሓባር ተሳማምዕና ሐደ ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ (ኤሃግ) አቑምና ብሓባር ክንሰርሕ ጀሚርና አሎና።
ብወገን ስልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እውን ብተማሳሳሊ ብዓል አርባኦተ ነጥቢ እማመኹም ድሮ ክልተ ዓመት ዝገብረ ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። ነዚ ናብ ዝለዓለ ደረጅኡ ንምስግጋር ግን ብትብዓት ናብ ዘተ ኮፍ ኢልካ ክእቶ ዘይምግባር ዝርኤ ሕመቕ ብኽልቲኡ ወገን ከም ዘሎ ክንሕብር ንፈቱ። ትብዓት ወስኺና ከአ አብ ዘተ ክንአቱ በዚ አጋጣሚ'ዚ ነዚ ዝምልከቶ አካላትና ከንዘኻኽር ንደሊ።
ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ጊዚ ክጭወ ተፈቲኑ እዩ።፡ ሓጂ እውን ድሕሪ 27 ዓመት ልዑላውነት ኤርትራ ከም ሃገር፡ አብቲ ዝነበርናዮ መግዛእቲ ንድሒሪት ዝመልስ ፈተነ ይቀላቐል ኣሎ። በዚ ጊዜያዊ ሓድሽ ምዕባለ ተሰኪምዎ ዝመጽእ ህቦብላ ንፋስን መአዝና ከይንስሕት፡ ህድእ እልና፡ ቅኑዕ ኣንፈት ናይ ሰላም መገዲ ኣጽኒዕና ብምሓዝ ውሽጣዊ ኤርትራዊ ዕዮ ገዛና ብግብእ ክንምልስ አልና። ሰላም ቅድም አብ ገዛና ክትሰፍር ስለ ዝግብአ፡ ንቀጻሊ ዘላቒ ሰላም ዘጎልብት ዓቕሚ ከነጥሪ ኩሉ መዳያዊ ቅድመ ምድላው ክንገብርን ህዝቢ ዝግባእ ሐበረታ ረኺቡ ብንቕሓት ክሳተፍን ብኡ መጠን ዋናን ባዓል ውራይን ኮይኑ፡ ንረብሕኡ መሊኡ ክዋሳእ ኣብ ምግባር ዝካየድ ቃልሲ ብጊዜያዊ ሓደሽቲ ኩነታት ከይተዳናገረ ክቕጽል ይግባእ።
ብስም ናይ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም ተኸዊሉ ዝመጸና ዘሎ መዘዝ አውንትኡን አሉትኡን ብግቡእ አለሊና ንልዑላውነት ህዝብን ሃገርን ጥቕምን ረብሓን ዝዕቅብ ጽኑዕ መረገጽ ከይተሸራረፈ ተግባራዊ ኮይኑ ክቕጽል ዘሎና ሓላፍነት ፈሊጥና ውራይና ቀጥ አቢልና ሰፊሕ ህዝቢ ከም ቀድሙ ኣብ ቃልሱ ጽኒዑ ሕላፍነቱ ክዋጻእ ኩልና ኢድ ንኢድ ተታሐሒዝና ሓባራዊ ስራሓት ክነማዕብል፡ ፖሎቲካዊ ውድባትና ከአ ጉብእ ኣንፈት አማራርሐ ክህባ በዚ አጋብጣሚ'ዚ ክንሕብርን ከነዘኻርን ንፈቱ። ሰድግኤ ውድብና ከአ ከም ዎትሩ አብዚ መዳይ'ዚ ነብሱ ቅሩብ ገይሩ ይርከብ ከም ዘሎ ደጊምና ነረጋግጸልኩም። ብዝተረፈ ናይ ሎሚ አኼባና ድሙቕን ብሱልን ክትዕ አካይዱ ንቃልስና ዝጥቅም ስንቂ ሒዝና ክንከይድ ዘሎና ስነናይ ትምኒት ይገልጸልኩም። ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩሚኒ የመስግን የቕንያልና።
ምሕዝነት ሓይልታት ኤርትራ ይደልድል!
ምዩቕ ዘይንብለላ ኤርትራ ክንሃንጽ ኢና!
ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታትና!!
ሰደግኤ ዞባ ኤውሮጳ
04/05 ሐምለ 2018
ኣቦመንበር ሰዲህኤ ተቓለስቲ ምእንቲ ድሕነት ሃገር ኣበርቲዖም ንክሰርሑ ኣብ ፈስቲቫል 2018 መጸዋዕታ ኣቕሪቡ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2018 ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ተሳተፍቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራ ዝዝንቢ ዘሎ ሓደጋ ንምውጋድ ብሓባር ንክሰርሑ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ንሱ ናይዚ ዓመት ህጹጻት ኣጀንዳ ደለይቲ ፍትሒ ክልተ እየን ንሳተን ከኣ፡ ኩነታት ተቓውሞ ኤርትራ ምምዕርራይን እዚ ዝረአ ዘሎ ጽልሙት ዝምድና መንግስታት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ምዃኖም ጠቒሱ።

ሕጂ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ኤርትራ ካብ ኩሉ ግዜ ዝኸፈአ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ህልዊ ዓለም ለኻዊ ምዕባለ ደህሲሱ ዝያዳ ከኣ ኣብቲ ንከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ዝጸሉ ጉዳያት ኣተኲሩ። ብፍላይ ብዛዕባ ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ብሳዑዲ ዓረብያን መሕዙታን ዝምራሕ ጉዳይ የመን ኣስፊሑ ገሊጹ።
ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ብዛዕባዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ለውጥን ዝሓለፈ ጌጋታት ንምእራም ዝተወስደ ስጉምትታትን ሕጽረታት ናይቲ ፈደራላዊ ምምሕዳርን ብዝምልከት ኣስፊሑ ገሊጹ። ካብቲ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወስደ ውሳነታት፡ ብዘይቅድመ ኩነት ምቕባል ነቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ዶብን ንምትግባር ዝተራእየ ትብዓትን እቲ ቀንዲ ምዃኑ ጠቒሱ። ምስዚ ኩሉ ግና ኣቶ መንግስተኣብ ብዛዕባቲ ኩነታት ናብ ንቡር ምምላስን ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝብን ብዝብል ዝውሰድ ዘሎ ህዉኽን ዘይእመንን ስጉምትታት ዝሓደሮ ስኽፍታ ኣይሓብአን።

ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ እቲ ዝኸይድ ዘሎ ኣገባብ ዕድመ ወጽዓ ኣብ ኤርትራን ንምንዋሕ ዝተማህዘን ንህዝቢ ኤርትራ ዘዋርድን ምዃኑ ኣገንዚቡ። ኣተሓሒዙ ድማ ስላም ውግእ ብዘይምህላው ጥራይ ዝግለጽ ከምዘይኮነ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብኩራት ልዕና ሕጊ፡ ኣገልግሎታት ትምህርትን ጥዕናን ካልኦትን ኣብ ኤርትራ ከምዘየለዉ ኣመልኪቱ።

ኣቶ መንግስተኣብ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ተሃዋስን ብርግጸኝነት ንከባቢና ብኣሉታ ዝጸሉን ምዃኑ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ቀራና መንገዲ ዘሎ ኮይኑ ንምፍዋሱ ከኣ ዝለዓለ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ከም ዝሓትት ንተሳተፍቲ ገሊጹ።

ብዘይካቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኸይድ ዘሎ ምዕብልና እቲ ዝዓበየ ጉዳይ ግቡእ መልክዑ ምትሓዝ ዘድሊ ዘይጥርኑፍ ኣተሃላልዋ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ምዃኑ ኣቶ መንግስተኣብ ኣብዚ መደረኡ ገሊጹ። ንሱ ኣስዒቡ እቲ ምርጫታት ምህላው ወይ ዘይምህላው ምዃኑ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ሃገር ናይ ምድሓን ስጉምቲ ንክንወስድ ግዜ ከምዘይብልና ኣስፊሩ። ወይ ሕጂ ስጉምቲ ምውሳድ ወይ ድማ ዘይምህላው ኣብ ቅድሜና ዘለዉ ምርጫታት እዮም ኢሉ። ኣብ መወዳእታ ከኣ መደረኡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ሓደ ዘድምዕ ሃገራዊ ሓይሊ ንክምስረት ብምጽዋዕ መደረኡ ዛዚሙ።
More...
At Eritrea Festival 2018, EPDP Chairman Urges Compatriots to Work Hard for National Salvation
Written by EPDP Information OfficeIn his keynote address at the Eritrea Festival 2018 in Frankfurt, EPDP Chairman Menghesteab Asmerom urged participants on the urgency of joint Eritrean action to ward off the looming dangers to the very continuation of Eritrean sovereign existence. He said the priority agenda item for Eritrean justice seekers this year are two - namely, the status of the Eritrean opposition and the murky relation building up between the two governments in Asmara and Addis Ababa.

The EPDP chairman, who believed the present Eritrean situation to be more critical than ever, accessed significant global developments with emphasis on the regional tensions re-alignments directly affecting the Horn of Africa and Red Sea basin. In particular, he talked in length about the involvement of the Eritrean regime in the conflict in Yemen which is driven by the Saudi Arabia and its coalition members in the region.
Mr. Menghesteab Asmerom also took sufficient time to describe the fast changing situation in Ethiopia and the significant steps taken to address past mistakes and shortcomings of the federal state. Among the important decisions taken was accepting the Algiers Agreement without preconditions and commitment to implement the final and binding ruling of the Eritrea-Ethiopia Boundary Commission (EEBC). However, he did not hide his deep concern about the so-called hasty and treacherous steps taken towards what were called as "normalization" measures to "promote" people to people relations.
The EPDP Chairman considered the obscure arrangement forged between the two governments as blatant insult to the Eritrean people and meant to prolong in state control the repressive and deceitful clique in Asmara. He defined peace not as the absence of war but the prevalence of rule of law, education, health services and general wellbeing of the people and added, "all of these and more are lacking in Eritrea".
The EPDP Chairman said the situation in Ethiopia is still volatile and the outcome will for sure affect Eritrea and the rest of the region. He added that the Eritrean situation is also at cross-roads and needed massive public participation in giving it the right direction.
Besides the Ethio-Eritrean relations, the other major agenda item for Eritreans is the fragmented existence of the Eritrean opposition camp which still waiting for urgent action to mend it. He stressed that the choice is "to be or not to be" and that no time is left for us to take the appropriate measures for national salvation. "We act now or we perish, no other alternative", he concluded his call for urgent steps towards creating a viable national force to rescue an endangered national survival.
ዝኸበርክን/ኩምን ኣዳለውቲ ፈስቲቫል 2018
ዝኸበርክን/ ኩምን መሪሕነትን ተወከልቲን ሰልፍታትን ውድባትን ማሕበራት
ዝኸበርክን/ኩምን ዕዱማት ኣጋይሽን ተሳተፍቲ ፈስቲቫልን ብሓፈሻ፡
ብመጀመርታ ኣብ ፈስቲቫል 2018 ንኽንሳተፍ ዝገበርኩምልና ዕድመ ብስመይን ብስም ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ጀርመንን ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል እንዳኣ መስገንኩ፡ ልባዊ ሰላምታይ የቕርብ። እንቛዕ ከኣ ኣብዚ መኣዲ ዘተ ዝዓለመ ፈስቲቫልዚ ብሰላም ኣራኸበና እናበልኩ፡ ፈስቲቫልኩም ዕውት ኾይኑ፡ መንጸብረቕትኡ ነቲ ርሑቅ ዘለው ውጹዕ ህዝብና ዘተስፉን፡ ንህዝቢ ዘዕጥቅ፡ መገዲ ሰላምን ራህዋን ዝሕብር ክኸውን ትምኒትና ወሰን የብሉን።
ናይ ደንሃክ ኮንፈርንስ ዕውት ኮይኑ ንክውጽእ ከም ሰልፊን ከም ውልቀ ሰባትን ዘርኣክሞ ተውፋይነት፣ ንኣይን ንኩለን ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ንመስልክን ምልዓልክን፣ኣሎና ኣብ ጎንክን፣ ጻውዕትክን ብሰራት ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ሰለ ዝኮነ፣ እድ ንእድ ተታሓሕዝና ከነዔውቶ ምኻና ዘመስክር እዩ።
ሎሚ ድማ ነቶም ሎሚ ፈሰቲቫል ተካይዱ ዘሎኩምን ከምእውን ካብዚ ገዛ ወጻኢ ዝርከቡ ኣባላትኩም፣ ኣብዚ ገዛ ዘሎኩም ኣባላትን መሪሕነትን ናይ ዝተፋላለያ ምንቅስቃሳት ማሕበራት ወፈያኩም ብዝተፈላለየ መንገዲ ዘበርከትኩም/ክንን ደጊመ ከመስግን በዚ ኣጋጣሚ ፍቀዱለይ።
ውዕሎ ደንሃክ ዕውት ኮይኑ ወጺኡ ፣ ብዝተካእለና ኣብ ኤውሮፓ ዘሎና ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ተወዲበና ንመሰልና ደዎ ምስ እንብል ሩሕ ዲክታተርነት ዘብቅዓሉን፣ ሰጥመትና እነረጋግጽሉን እዩ።
መቀጽልታ ኮንፈርንስ ደንሃክ ንዝመጽእ ዓመት ኤውሮፓ ለከ ጉባኤ ንክግበር ንዳለው ኣሎና ንኩሉ እትህቡና ኣውንታዊ ሓገዘት ኣብ ማዕላኡ ክውዕልን ዕውታት ኮና ክንወጻን ዝለዓለ ጻዕርና እዩ ሓገዝኩም ኣይፈለየና ደጊመ የመስግን።
ኤርትራ ከም ሃገር፡ ኣብ ናይ ዓለም ካርታ ንኽትህሉ ኩሉ ዝካኣሎ ዝኸፈለ ህዝብና፡ ሰላምን ራህዋን፡ ፍትሕን ተሐሪምዎ ኣብ ዘስካሕክሕ ሕሰምን መከራን ክሳብ ምጽናትን ኣብጺሑዎስ፣ እዚ ትልክ ዝብል ዘሎ ስርዓት ድማ ከም ሓደ ድኑስ ህዝቢ ወሲድዎስ ንህና ቀደም ኮነ ሎሚ ወዳእትካ ኢና ሸግርካ ድማ ብቡን ምቅዳሕ ቁርሲ ምዕዳል ወዲእናዮ ዝብሉ ኣጋንንቲ ለይቲን ስራኤል መዓልቲ
ዝኮኑ ውልቀ-ሰባት ክዝምሩን ልቦም ክሃርሙን ተዓዚብና።
ዓጀብ በሉ እዛ ምቅናይስ ገለ ከተስምዓን ዶ ኮን ትከውን?
ኣብ ዕርበቶም መንፈርፈር ኣውጺኦ ክጸድቁ ደልዮምይኮኑ፣
እቲ ዘገድስ ሕጂ ሎሚ ክንሰርሖ ዘሎና ሰላምን ቅሳነትን ህዝቢ ኤርትራ ንኤርትራውያን ይምልከተና መበገሲና ድማ ቁጽሪ ዘይኪነስ ነባሪ ልዝብ፣ ቀጻሊ ዘተን፣ሰለ ዝኮነ ሕጂውን ዝዓግተና የሎን መኣዲ ዘተ ነዳሉ ፣ከም ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ኣብቲ ኩሉ ድስቲ ኩስኩስቲ ናይዚ መስርሕ ወሳኒ ግደ ክንጻወት ድልዋት እና።
ጻውዕትና
1, መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓዲ ይኩን ኣብ ደገ ዘሎካ ውጽኢት ቃልስካ እዩ ነባሪ ውሕስነትካ፣ ሰለ ዝኮነ ንዝሓልፍ ስርዓታት ዘይኮነ ጠመቴካ መጻኢ ወሎደካ እዩ ።
2, ዕጡቅ ሰራዊት ኤርትራ ሓለዋ ህዝብካ ኣብ እድካ ኣሎ እወ ንህዝበይ በል።
3, ኣብ ዲያስፖራ እትርከብ፣ካብ ዝሃጎጎ ግራት ዝሕፈስ ምህርቲ ዮሎን ፣ህዝቢ ከይ ባደመ ንዘተ ዕጠቅ
4, ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ብፍላይ፣ ኣዚ ኣትዩና ዘሎ ጛህሪ ሓሙክሽቲ ኮና ከይንቅህም ንህዝብና ዘዝሕልን ዝዕንግልን ከነብርክት ካብ ዘሎናዮ ዓሮ ንበል ከምተን ወሓሉ እኖታትና።
5, መንእሰያት ኤርትራ ዝተበድልካዮ በድል ኣብ ደቅካ ከይትርእዮ፣ ሎሚ ደዎ በል ሓድግካ ክቀስን።
6, ምሁራንን/ትን ሞያ ነባሪ ዳኣምበር ሓላፊ ኣይኮነን፣ ሞያኩም ህያው ገበርዎ/በርኦ ህዝቢ ንምድሓን።
7, ለባማት ካብ ኩሉ ወሎዶን ጾታን ልቦና ናይ ተፈጥሮ ህያብ ሰለ ዝኮነ ልቦናኩም ተቀቢሩ ክይተርፍ እንሆ ግዜ ይሓቶኦኩም ኣሎ ናይ ዓገብን ኣሰይ ክትብሉ።
ንዝሰማዕኩምኒ ብትሕትና የመስግን
ራህዋን ቅሳነት ንዝተሸገረ ህዝቢ
ሓባራዊ ዘተና መራሒ ቃልሰና
ክንዕወት ኢና !!
ብሰም ደቂ ኣንስትዮ ጀርመን
ደጊመ ዓወት ንፍስቲቫል ይምነ
መኣዲ ልዝብን ዘተን ይዓንብብ!
ፍራንክፎርት 04.8.2018
EPDP Renewal and Europe-Zone Conventions Are Held in Frankfurt
Written by EPDP Information OfficeOn 3 August 2018, the EPDP Commission for Party Renewal held a membership meeting on the renewal process while delegations of EPDP branches in Europe held their 4th Congress at the Eritrea Festival venue in Frankfurt Germany.

Opened by welcoming remarks of Mr. Tesfamariam Kibreab, chairman of the preparatory committee of Eritrea Festival 2018, the meeting was conducted by Convention chairman, Mr. Fissehaye Hagos from California, USA, and Convention member, Dr. Habtemichael Teklebrhan from Sweden.
They briefed the meeting on the aims and achievements of the renewal process underway and what is expected from every party member at least from now till the next party congress in a year's time. Meeting participants expressed satisfaction with what has been so far done in reviewing both the shortcomings and strengths of the EPDP and made a number of recommendations for future action.
4th Europe-Zone Congress

Earlier on the same day, delegates of EPDP branches from several European countries held their 4th zonal congress moderated by the 4th Congress preparatory committee chairman, Mr. Zehaie Keleta and his team.

Mr. Isaac Woldemariam, the Europe-Zone leadership chairman, presented a general two-year report on past achievements and shortcomings and expressed satisfaction with the active participation of EPDP branches in Europe in joint activities conducted with sister organizations and movements in the continent.
Mr. Tesfai Woldemichael (Degiga), head of the EPDP organizational office, also addressed congress stressing the committed work being done by EPDP Europe by resolutely facing all internal and external challenges. The congress, which was attended also by EPDP chairman and some EC members, with concluded after electing a seven-member leadership and two reserve members.
ዓመት ዓመት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳን ብሓባር ሰፍ ዘይብል ገንዘብ ብምውጻእ ምስ ህዝቢ ክራኸብ ሰፊሕ በዓላት ንሓያሎይ ዓመታት ከዳልዉ ጸኒሖም። “ስለምንታይ ደኣ ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብን ጉልበትን ዝወጽእ?” ዝብል ሓታታይ ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ፈስቲቫል መራኸቢ፥ ፖለትካዊ ርእይቶኻ እተካፍለሉ፥ ምስ ካልኦት ውድባት ውን ተራኺብካ ናይ ምትእምማንን ሓሳብ ንሓሳብ እትለዋወጠሉን መድረኽ ምዃኑ ኩሉ ዝርደኦ እዩ።
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ጨናፍር ሰዲህኤን ኣብ ኤውሮጳን ሎምዘበን ውን ከምታ ቆጸርኦም ነቲ ፈስቲቫል ኣዳልዮም ኣብ ወጻኢ ንዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ፖለቲካውያን ውድባት፡ ሲቪክ ማሕበራትን ውልቀሰባትን ብምዕዳም ናይ ርእይቶኻ ምግላጽ መደብ ኣውጺኦም። በዚ መሰረት ብ4 ነሃሰ 2018 ቀዳም መዓልቲ ኩሎም ዕድመ ኣኽቢሩም ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ዝተኻፈሉ ውድባትን ማሕበራትን ነናቶም ቃል ኣስሚዖም። ኣብቲ ዘቕረብዎ ናይ ኩሎም ዝመሳሰል ኢዩ ነይሩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ብሓቂ ውን ከምኡ እዩ ነይሩ። እቲ ተሳታፋይ ህዝቢ ግን ካልእ ትጽቢት ከምዝነበሮ ካብቲ ብዕላላት ክስማዕ ዝጸንሐ ክትግንዘብ ይከኣል።
ኣብዚ እዋናዊ መድረኽ ብፍላይ ድማ እቲ ኣብዚ ከባቢና ዝነፍስ ዘሎ “ናይ ሰላም ንፋስ” ሃገርና ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝበለ እወንታዊ ዲዩ ወይ ኣሉታዊ ክትሽመም እያ ኣሻቓሊ መድረኽ፡ ትጽቢት ህዝብና ካብቲ ዝረአ ዘሎ ንላዕሊ እዩ። እወ! ፈስቲቫል ክበሃል እንከሎ ሓሳብካን ደገፍካን፥ እትገልጸሉ ባይታ እምበር ጥዑምን ልኡምን ቃላት ስለዘስማዕካ ሽዑ ንሽዑ ናይ ሓድነት ይኹን ናይ ስምምዕ ኣዋጅ ዝቃለሓሉ ከኸውን ኣይክእልን እዩ።
ይኹን እምበር እቲ ህዝብና ዝጽበዮ እቲ ሓንሳብ ቃል ሂብካ ዓመት ተጸቢኻ ነቲ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ዝተባህለ ምድጋም ኣይኮነን። እዚ ኣገባብ ንህዝብና ዳርጋ ተስፋ ኣቚሪጽዎ ዝጸንሐ እዩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይመስልን። እንታይ እዩ ህዝብና ዝጽበ? ምፍላጥ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። ህዝብና እዘን ኩለን ውድባት ሰሚረን ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ኣልጊሰን ሰላም ከንግሳ እዩ ድልየቱን ትጽቢቱን። እዚ ፖለቲካዊ ስኒትን ውህደትን እንተዘይርእዩ ግና “ክላእ ዘይከምቲ ናይ ዓሚ እዩ” እናበለ ተስፋ ናይ ምቑራጽ እናዛየደ እዩ ክኸይድ።
እዚ እዋናዊ መድረኽ’ዚ ኹለን ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ተራኺበን ክዛተያን መፍትሒ ከምጽኣን ዝኽእላሉ ዕድል እዩ። እዚ ዕድል እዚ እንተ ሓሊፍወን ግና ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ንምልጋስ ኣይኮናን ዝቃለሳ ዘለዋ ዝብል ስኽፍታ ከሕድር ምዃኑ ክንግምት ይግባእ።
ናይ ሎም ዝበን ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት ከኣ ኩሉ ሰብ ዝጽበዮ ዝነበረ እተን ተዓዲመን ዝነበራ ውድባትን ሰልፍታትን ገለ ናይ ብሓባር ክብላ እየን ኢሉ ንነፍሱ ኣብ ክብ ዝበለ ተስፋ ኣደይብዎ ስለዝነበረ፡ ከምቲ ሃንቀውታኡ ከምዘይከደ ርዱእ እዩ። ድሌት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን እተን ካልኦት ሰልፍታትን ውድባትን ግና ኣይተረሓሓቐን። ምኽንያቱ ሓደ እቲ እዚ መድረኽ ዝጠልቦ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ኣገባብ ኩለን ተሳተፍቲ ውድባትን ሰልፍታትን ኣብ ዝሃብኦ ቃል ይሰማምዓ እየን። እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ተግባር ኣብ ዝእተወሉ እቲ ናይ ምትእምማን ደረጃ ክብ ክብል ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
እቲ ካልእ ኣዋናዊ መድረኽ ዝጠልቦ ዘሎ ድማ እቲ ናይ ሓባር ልኡኽ ብስም ህዝቢ ኤርትራን ሰልፍታትን ዝዛረብን ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ዘካይድን ኣብ ምህላው እውን ይሰማምዓ እየን። እዚ እዩ እቲ ኣብ ፈስቲቫል ክግበር ዝከኣል ዕማም። ምኽንያቱ ኩለን ሰልፍታትን ውድባትን ተዳልየናሉ ክመጻ ስለዘይክእላ ዝብጻሕ ሃንደበታዊ ስምምዕ ፍርቂ መንገዲ ከይከደ ክቑጸ ስለዝኽል ውጺኢት ኣልቦ እዩ ዝኸውን። ስለዚ እተን ኣብዚ ፈስቲቫል ንምስታፍ ዕድመ ኣኺቢረን ዝተሳተፋ ውድባትን ሰልፍታትን ብዝቐልጠፈ ንኹሉ ዝሓቁፍ ኮንፈረንስ ንኸካይዳ ኩሉ ብሃገሩ ዝግደስ ኤርትራዊ ዜጋ ብፍላይ ስቪል ማሕበራት ተጽዕኖ ኣብ ምፍጣር ዓቢ ግደ ክጻወታ ይግበአን።