ሰላም ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፣

ንተካፈልቲ ፈስቲቫል፣ ውድባትን ሰልፍታትን ማሕበራትን ኤርትራዊያንን፣

ክቡራት ዕዱማትን ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራን፣ ሰላም እንዳ ብልኩ።

ንውድብና ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ፣ንዝገበርኩምልና ሕውነታዊ መጸዋዕታ መሰረት ብምግባር፡ ብሽም ውድበይ ተ.ሐ.ኤን ብሽመይን፡ ክብ ዝበለ ምስጋና ከማሐላልፍ ከለኹ ፍናን ይስማዓኒ።

ቀጺለ ናብ መልእኽተይ ክኣቱ፡ሃገርና ኤርትራ ብምልእታ ከይተቆርመመታ ምስ ኩለን ደሴታታን ወደባታን። ውድብና ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ፡ከም ወትሩ ተጠርኒፍካ ሽግርካ ፈቲሕካ፣መሰል ኩለን ብሄራት ኤርትራን፣ ንክልቲኡ ሃይማኖትን ዝኸብረላ ቅዋማዊት ሃገር ክንሃንጽ፡ ክንሰርሐሉ ዝጸናሕናን ዘለናን እዩ፡«፡

መትከል ተሐኤ ንሙሉእ ነጻነት ኢርትራ ካልእ መታካእታ የብሉን ዝብል እዩ።ንድሕሪት ክመልሰኩም ደልየ ዘኮንኩስ፡ እንታይ ደኣ ሐቂ ስለ ዝኾነ እንበር«ተ.ሐ.ኤ ካብ ኣፍደገ ኣስመራ፣ ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት፣ ዝተመለሰትሉ ምኽንያት ብሐይሊ ግንባርን ወያነን ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ ብኣነ ይበልጽ ተ.ሐ.ኤ ክትፈርስ ኪኢላ።

ሐባኢ ቁስሉ ሐባኢ ፈውሱ፣ ሕጂ ውን እንተ ኮነ፣ ብኣነ ይበልጽ፡ን27 ዓመት ንህዝብና መፍተት እዚ ጉሒላ ጉጅለ ገርናዮ፣ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሐዝ እዩሞ፣እዚ ዘለናዮ ሂምት ኣነ ይበልጽ ዝበሃለሉ እዋን ኣይኮነን፣ስለዚ ኩልና እቶም ንፍትሒ ንቃለስ ዘለና፣ውድባትን ሰልፍታትን ውልቀ ሰባትን፣ካብ ተሐታትነት ነጻ ስለ ዘይኮና፣ንፍልልያትና ኣወንዚፍና መድሕን ህዝብን ሃገርን ክንከውን ይግበኣና።

 

(1)ዓመት መጸ፣ ሃናጺ ዝኾነ ርኢቶን ሐሳባትን ይወርድ እሞ፣ኣብ ግብሪ ምትርጓም ግና ባዶ፣(2)ክልእስ ይትረፍ   ኣኣብ ዘለናዮ ሃገራት ንሰላማዊ ሰልፊ ኣዋሃሃዲት ትኸውን፣ ናይ ሐባር ሽማግለ ክነቅውም ኣይበቃዕናን።

(3)ከምዚ ሕጂ ኣጋጢሙና ዘሎ ምስ ተረኸበ፣ሃታሃታ ኢልካ ብዘይ ተወደበ ኣጋባብ፣ኣነ እባ ናይ ሕጊ ኪኢላ፣ ኣነ እባ ዶክተር እንዳበልካ፣ ክራባታ ገርካ ንቕድሚት ጉያ ይኸውን።

(4)ካብኡ ምስ ተመለስካ ውጺኢቱ ድማ ዘይምርድዳእ ይፈጥር፣ ህዝቢ ይጸነት ንሕና ንዛረብ፣ህዝቢ ይስደደ ንሕና ሕድ ሕድ ንሰሐሐብ፣ንፋሽሽታዊ ጉጅለ ኢሰያስ ብዘረባ ከኣሊ ዝሐስብ እንተሎ፣ሐላፍነትካ ካብ ምዝንጋዕ ሐሊፉ ኣልእ ትርጉም የብሉን። ስለዚ እንዳ ሰምዔ ዝደቀሰ ነቕኒቕካ ኣይተስምዖን እዩሞ፣ሕጂ ውን እንተ ተጠርኒፍና ካብ ህግደፋዊያን፣ ደለይቲ ፍትሒ ንበዝሕ፣ ተጠርኒፍና መድሕን ህዝብና ክንከውን፣ብስኒት ወዓል ሕደር ዝይበሃልርሉ ወቕቲ ሕጂ እዩ።

(5)ዓደቦኻ ክዝመት ዶ ዓይንኻ ትዕመት፣እዚ ኣቲናዮ ዘለና ተኣፋፊ እዋን፣ዕላማ ጉጅለ ኢሰያስ ከም ጸሐይ ቀትሪ ንኹሉ በሪሁሉ እዩ እሞ«ካብ ተሐታትነት ነጻ ስለ ዘይኮና፣ ተራኺቦም ከለዉስ ጽባሕ ንራኸብ ከይብሉ ገዲፍና፣ሕጂ ዝያዳ ኩሉ ዓጽሚ ሰማእታትና ከይወግኣና፣ወሲና ክንሰርሐሉ ዝግበኣና ግዝየ እዩ።

(6)ደጊም ያኣክል ህድሞይ ህድሞኻ ኣጉዶይ ኣጉዶኻ ገዲፍና«ብደገን ብውሽጥን ብስኒት፣ ንሕጊ ኣልቦ ጃንዳ ህግደፍ ኣሊና«ኣብ ቦቱኡ ቅዋማዊት ኤርትራ ሃኒጽና   ንዓመታ፣ ምስቲ ሰላምን ቅሳነትን ሐርነትን፣ ዝጽበ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ«ኣብ ኩሉን ከተማታትናን ገጠራትናን ሃገርና ክነሕፎ፣ ምንዮትና ወሰን የብሉን።

ኣብ መደምደምታ ጽንኢልኩም ዝሰማዕኩሙኒ የመጉስ፣ ዕውት እንካን ሃባን ዘተን፣ፈስታቫልን ክኾነልና እንዳ ተመነና። ውድብና ተ.ሐ.ኤ ከም ወትሩ፣ንድሕነት ህዝብን ሃገርን፣ምስ ኩሎም ሃገራዊያን ውድባትን ሰልፍታትን፣ ሲቡካዊያን ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን፣ክንሰርሕ ድልዋት ምዃና ንገልጽ።

ል ውድብ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ፣ ኣብ ፈስቲቫል ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብወኪል ተ.ሐ.ኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ኣብ ሃገር ጀርመን።ወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ« ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና«ስዕረት ንህግደፍን ዓንገልቶምን።

ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽና ብሓበራ

ዝኸበርኩም ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ,ኣቦ መንበር ሰደህኤ

ዝኸብርኩ ኣቶ ሚካኤል ሱ ሎቨንሽታይን ሰልፊ ሰዲኡ

ዝከበርኩም ኣቶ ክላውስ ዴተር ጎትዘ ሓምላይ ሰልፊ

ዝኸበርኩም ተውከልቲ ሰልፍታትን ውድባትን ስቪካዊ ማሕበራትን    

ዝኸበርኩም ኣባላት ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫልን ኣባላት ኤደማን

ንኹሉ ብሕታዊ ጉዳያትኩም ኣወንዚፍኩም ንዝተገበረልኩም ዕድመ ኣኽቢርኩም፡ ኣብዚ ኤርትራዊ ፈስቲቫል እዚ ብኣካል ምስታፍኩም ፡ ዝስማዓና ሓጎስ ድሕሪ ምግላጽ ፡ ብስመይን ብስም እቲ ልዕሊ ሓደ ክፍላ ዓመት ኣብ ምድላው ዝጸንሐ ፡ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል 2018 ፡ እንኻዕ ብደሓን መጻእኹም እናበልኩ ክብ ዝበለ ምስጋናይን ሰላምታይን የሕልፍ ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ኤደማ ጀርመን ከምቲ ኣብ ናይ ዕድመ ደብዳቤኡ ኣስፊርዎ ዘሎ ነዚ ፈስቲቫል እዚ ከሳሲ እንከሎ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ኤርትራዊ ሰልፊ ይኹን ስቪክ ማሕበር ዝያዳ ረብሓ ዘረጋግጸሉ ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘይ ኣድልዎ ከዋስእ ከም ዕላማ ኣብ ፕሮግራሙ ስለዘቐመጠ እዩ።እዚ ድማ ካብቲ ዘለዎ ማሕበራዊ እምነትን ሰብኣዊ ሓልዮትን ተበጊሱ ንኤርትራዊ ኣብ ድያስፎራ ንዝነብር ዘሎ ከገልግል ከም ዕላማ ስለዝሰርዖ ጥራሕ እዩ ። ስለዚ ነዚ ህያው ዝኾነ ህያብ ብኹሉ ዓይነት መራኸቢ ብዙሓት ተጠቕምና ጸዋዒት ክንዝርግሕ ከሎና ኩሉ ወዲ ሃገር ኣብ መላእ ክፍለ ዓለምና ዝርከብ ክሳተፎን ተቐቢሉ ናብ ጥቕሙ ከውዕሎን ዕድል ዝኸፍተሉ ምዃኑ ክልለ ይግብእ።ብሓጺሩ ብዛዕባ ሃገሩን ህዝቡን ፡ ናይ ገዝእ ርእሱ ናይ ስደት ሃለዋቱን ናይ ሃገሩን ህዝቡን መሰረት ገይሩ ኣብ ሃገሩ መሰል ምዝታይ ዝተሓረሞ ብሓባር ንኽሰርሕ ሽግራቱ ዝፈትሓሉ መራሕ መንገዲ ባይታ ምፍጣርና እዩ ዘረድእ ።

መደብ ኤርትራዊ ፈስቲቫል ክንሕጽጽ ከሎና እቲ ከም ቀዳማይ ሕቶ ዝለዓል ኣበይ ንግበሮ ንዝብል ሕቶ ምስ መለሽና ኢና መደብ ምድላዋት እንጅምሮ።ኣብዚ ክዝከር ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ ሰናይ ድልየት ምምሕዳር ከተማ ፍራንክፎርት ስለ ዝተሓወሶ ፤ብጠቕላልኡ ሃገረ ጀርመን ሰብኣዊ መሰላት ዘኽብርሉ ሕግታትን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን ስለዝውንን : ተጠቀምቲ ናይዚ መሰላት እዚ ክንከውን ዝኻኣልና ።

ኣብ ሃገርና እዚ መሰላት እዚ ስለ ዝተነፍገና ኢና ናብ ስደት እንውሕዝ ዘሎና ። እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል ኣብ ሓደ ዓጺቕ ምዕራፍ ንልዑላውነትን ክብርን ሃገርና ኤርትራ ዝፈታትን ኩነት ኣብ ዝራኣየሉ ዝካየድ ዘሎ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብኽልተ ተጻረርቲ ሓይልታት ዝሳቐ ዘሎ ምኻኑ ኩልና እንሰማማዕሉ እዩ ።እቲ ቀንዲ ንሃገርና ናብ ናይ ሽግር ዓዘቕቲ ዘእተዋ እቲ መላኺ ስርዓት ክኸውን ከሎ በቲ ካላኣይ ሸነኽ ድማ ብደንበ ተቓውምቲ ዝፍለጥ ዝተበታተነ ኣተሃላልዋ ዝውንን ፡ ነንሕድ ሕዱ ዝናኸስ ፡ ብሓደ ተጠሚሩ ክቃልስን ንመላኺ ስርዓት ክብድህ ዘይካኣለን እዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ኣተሃላልዋ ደንበ ተቃውሞ እዚ ካብ ኮነ፤እቲ ዝዓበየ ዋኒኑ ክኸውን ዘለዎ ንኣረጊት ኣተሓሳስባ ወጊዱ ንሃገር ህዝብን ንምድሓን ዘኽእሎ ሓዱሽ ቅዲ ክምህዝ ዝግደደሉ መዋእል ንኣቱ ኣሎና ።ስለዚ እዚ ብኤደማ ተቐሪብልኩም ዘሎ ዕድል ናይ ብሓባር ምዝታይ ክትጥቐምሉን ነቲ ፈላሊይኩም ዝጸንሐ መጋረጃ ቀዲድኩም ክትቀብርዎን ብሓባር ከትድምጹን ከትስምዑን ብሓባር ክትሰርሑን ከተድምዑን ዘሰጋግር ጎደና እዩ ። እዚ ምስ እትገብሩ ድማ ተቐባልነት ብህዝቢ ትረኽቡን ንምውዳቕ መላኺ ስርዓት ድማ ተቃላጥፉን።

ኤደማ ነዚ መደብ ፈስቲቫል እዚ ክሰርዕ ከሎና ፡ ሓያል ቁጣባዊ ዓቕሚ ስለዘለዎ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብ ጉልበትን ተውፋይነትን ኣባላት ማሕበርን ኣባላት ሰደህኤ ኣብ ዞባ ኤውሮጳ ተኣማሚኑ ዝዕጠቐሉ ሃገራዊ ውራይ እዩ።ስለዚ ክናኣድን ክምስገንን ዝግበኦ ኣባል እዩ ። ኩሉ ተጠቃሚ ናይዚ ፈስቲቫል እዚ ፡ ካብ ውልቀ ሰብ ክሳብ ሰልፍታትን ማሕበራትን ዝደመረ ፡ እዚ ማሕበር እዚ ንዝህቦ ዘሎ ኣገልግሎት ቆላሕታ ክትገብርሉ ንእግረ መንገደይ እጽውዕ ፤ነዚ ዘሕልፎ ዘለኹ ጸዋዒት ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓሉ ሓላፍነት ናይ ነፍሲ ወከፍና እዩሞ ።ኣብ ማህደር ልብኹም ኣስፊርኩም ሞራላውን ነገራውን ሓገዝኩም ከተወፍዩ የዘኻኽረኩም ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ንሕና ከም ኤደማ ፡ ብሓባር ዝተላዘበ ህዝቢ ናይ ሓባር ራኢ ሒዙ ፡ ንናይ ሓባር ጸላኢኡ ክብድህ ይኽእል እዩ ዝብል ዕግበት ስለ ዘሎና ፤ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ስቪክ ማሕበራትን ኣብ ዝሃለዋ ይሃልዋ ፍልልያተን ኣጻቢበን ንዝበለየ ተመክሮአን ገምጊመንን ፤ ታሪኻዊ መቐይሮ ክገብራን፡ ንመላኺ ስርዓት ንምውዳቕ ከም ቀዳማይን ወሳንን ኣጀንዳ ኣቐሚጠን ፤ በቲ ካላኣይ ሸንኽ ድማ ድሕሪ ምውዳቁ ክትግብር ዘለዎ ጠማሪ ሰነድ ኣዳልየን ክብገሳ ምሕጽንታና ነቕርብ። ብስኒትን ብምክብባርን ኮፍ ኢሉ ክላዘብን ነቲ ንዓመታት ሸንኾለል ከብለን ዝጸንሐ ዘይኣፍራይ ኣኻይዳ ፡ እንተትስ ብፍቶት እንተስ ብግዲ ትጥለባሉ ወሳኒ መድረኽ እዩሞ ካብዚ ቀራና መንገዲ ክተወጻን ነቲ ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዝኸታተል ዘሎ ህዝብና ተስፋ ዝህብ ናይ ሓባር ድምጺ ከተጋዋሓ ንላበወክን ።

ኣብ መወዳእታ ፡ ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ሎሚ፡ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ፡ ሃገርና ኤርትራ እታ በኣማእት ኣሻሓት መስዋእቲ ዕላውነታ ዘረጋገጸት ንሓደጋ ተሳጢሓ ኣብ ዘላትሉ ፡ ልዕሊ 18 ዝኾኑ ቦታውያን ተውከልቲ ዝኾኑ ፖለቲካዊ ውድባትን ስቪኽ ማሕበራትን ብሓባር ክዝትዩ ኣዳሊናልኩም ኣሎና ። ነዚ ዕድል እዚ ክትጥቀምሉ ተስፋ ንገብር ። ብተውሳኺ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫልና ንዓኻትኩም ንምእንጋድ ዘዳለዎ ሽሻይ ስለ ዘሎ ባዕልኹም ንነብስኹም ዓንግሉ ።ብሩኽ ምጅማርን ምውዳእን ሰላምን ፍቕርን ምርድዳእን ዝዓሰሎ ፈስቲቫል ይግበረልና።ጽን ኢልኩም ብምስማዕኹም የቐንየለይ።

ራህዋ ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ                                                                  

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና

ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል 04.08.2018

ዝኸበርኩምኣዳላውቲበዓልኤርትራ 2018

ዝኸበርኩም መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ፈስቲቫል፣

እንቋዕ ኣብ ዓመታዊ በዓል ኤርትራ 2018 ኣብቀዓኩም። ብዝገበርኩምልና ዕድመ እናኣመስገና ፈስቲቫልኩም ዕዉት ከምዝኸውን ጥርጥር የልብልናን።

ዝኸበርኩም ኣዳላውቲ በዓል ኤርትራ፣ ሎሚ ሃገርና ኣብ ቃራና መንገዲ ትርከብ ኣላ። ንሱ ከኣ፣ ሃገርና ክትጠፍእ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ስቅ ኢልና ንርኤ እሞ ታሪኽ ነጥፍእ፣ ወይ ድማ ብሓባር ሃገር ነድሕን እሞ ዝጀመርናዮ ታሪኽ ንፈጽሞ ዝብል እዩ። ኣብዚ ህሞት እዚ ከኣ ኢኹም ነዚ ፈስቲቫል ኣኢንጊድኩም ዘለኹም። ኣቦታትና ክምስሉ “ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምርቓ” ይብሉ። ብወገና ፈስቲቫል ፍራንክፉርት ምርቓ እዩ ንብሎ። ስለምንታይ ዝብል ለባም ከምዝበሃል፣ ምኽንያትና ከኣ ብከምዚ ንገልጾ። ምስላ እንግሊዝ ከምዝብሎ “The right time at the right place”። ሓቂዩ ኣብ ግቡእ ግዜን ቦታን ኣለኹም። ኣብዚ ካብ ኩሉ ኵርነዓት ተኣኪቡ ዘሎ ዜጋ “ሃገር ነድሕን” ኢሉ ብሓደ ድምጺ ክወጽእ ምቹእ ባይታ ፈጢርኩም ኣለኹም።

ዝኸበርኩም ኣዳለውትን ተሳተፍትን፣ ግዜ ወርቂ እዩ ከምዝበሃል ኣብ ፍራንክፉርት ረኺብናዮ ዘለና ዕድል ብቀሊሉ ዝርከብ ኣይኮነን። ግዜ ከሎካ ግዜ ኣይትጸበ እዩ እሞ፣ ንዘሎና ግዜ ተጠቂምኩም ኩሉ ዜጋ ኤርትራ ብልዕላውነት ሃገር ዝግደስ ክትጽውዑ ንላቦ።

እዚ ጽንኩር መድረኽ ዘለናዮ ኣብ ጥቅሚ ህዝብን ሃገርን ክዛዘም ቈራጽ መሪሕነትን ሰፊሕ ውደባን ዝለዓለ ጠለብ ኣለዎ። ኩለን ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ኩሎም ዜጋታት ብሓፈሻኡ ኣብዚ ኣምርዚ ክዓስሉ ግዜ ዝጠልቦ ዘሎ እዩ።

ንሕና ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እንርከብ ኣብ ሃገርና ተንጸላሊዩ ዘሎ ደመና ሸርሒ ከም ኩሉኹም ኣሰኪፉና እዩ ዘሎ። በዚ’ውን ምስ ኩሉ ዜጋ ኮና ሃገር ንምድሓን ብሓደ ድምጺ ከንሰርሕ እዩ ቀዳማይ መደብና።

ከምዝዝከር ዞባና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓያል ውሽጣዊ ፈተነ ኣጓኒፍዎ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ፈተነ ብጸዓት መሰረታት በርዒኑ። ሎሚ ዓመት ዞባና ብዕጽፍታት ይዓብን ይሰፍሕን ኣሎ።

ኣብ መደምደምታ ንኩሉ ጻዕርታትኩም እናኣሞጐስና፣ ዕዉት ፈስቲቫል ክኸውን ንምነ። ናይ ብሓደ ድምጺ ኰንካ ምስራሕ ክሰፍሕ ከኣ ንምሕጸን።

 

ልዑላውነት ኤርትራ ህያው እዩ

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና

ዞባ ሽማግለ ሰሜን ኣመሪካ

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዝኸበርኩምንዝኸበርክንን ወከልቲ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ዕዱማት ኣጋይሽና

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን መሰረታት ሰዲህኤ

 

ኣቐዲመ፡ ንዕድሜና ኣኽቢርኩም/ን ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2018 ክትሳተፉ ብምምጻእኩም ክብ ዝበለ ምስጋናይ ከቕርበልኩም/ን እፈቱ። ቀጺለ፡ ነዚ ፈስቲቫልዚ ክውን ንምግባር ከይሰልከየት ዝሰርሐት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ናእዳይን ምስጋናይን ከቕርበላ እፈቱ።

 

ናይ ሎም ዘበን ፈስቲቫል ኣብ ዓለምና ይኹን ኣብ ዞናና ድማ ብፍላይ ዓበይቲ ክስተታት ኣብ ዝግሃድሉ ዘለዉ እዋን ይካየድ ምህላዉ ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። ነዚ ዕድል’ዚ ተጠቒምና፡ ከም ተቓወምቲ ስርዓት ህግዲፍ መጠን፡ ነዚ መድረኽ’ዚ ሓሳብ ንሓሳብ እንለዋወጠሉን ግብራዊ ስጕምቲ ንምውሳድ እንብገሰሉን መንቀሊ መስመር ጌርና ክንጥቀመሉን ድማ ትጽቢት ህዝብናን ሰልፍናን ኢዩ።

Chairmans Speech 3 

ክቡራትን ክቡራንን

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ሓያላት መንግስታት ዓለምና፡ ኣብ ዓሚቝ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ጂኦ-ፖለቲካዊ ውድድር ኢየን ተጸሚደን ዘለዋ። ኣብ መንጐ ኣመሪካ ብሓደ ሸነኽ ኣብ መንጐ ቺና፡ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ካናዳን ድማ በቲ ካልእ ሸነኽ ናይ ንግዲ ውግእ ተኸፊቱ ኣሎ። ኣብ መንጐ ሩስያን ኢራንን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ብሓደ ሸነኽ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ድማ በቲ ካልእ ሸነኽ ብጠንቂ ምስሓብ ኣመሪካ ካብ’ቲ ምስ ኢራን እተበጽሐ ስምምዕ ኑክልያራዊ ሓይሊ ኢራን፡ ዝተፈጥረ ቅልውላው እውን ኣሎ። ኣብ መንጐ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ብምኽንያት ዋሕዚ ስደትን ኣቀባብልኦምን ዝምልከት ዘይምርድዳኣት ኣብ ጥርዚ በጺሑ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። ገለ መንግስታት፡ ስደተኛታት ኣብ’ታ ቀዲሞም ዝረገጽዋ ሃገር ኢዮም ዑቝባ ክሓቱ ዘለዎም ይብሉ፤ ገለ ድማ፡ ኣይኰነን እቲ ጾር ብማዕረ ክንስከሞ ኣሎና ይብሉ፡ ገለ ድማ ንሕና ፈጺምና ስደተኛታት ኣይንቕበልን ኢና ብምባል ዶባቶም ክዓጽዉ ዝደልዩ ኣለዉ።

 

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ድማ፡ ኣብ ጕዳይ ሱርያ ብዝምልከት፡ ሩስያ፡ ቺና፡ ቱርኪ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኢድ ምትእትታው ይገብራ ኣለዋ።

 

ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ/ኪዳን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ኣብ ልዕሊ ንሰንዓ ዝቖጻጸሩ ዘለዉ ሓይልታት ሖቲን ሓይልታት ነፍስሄር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕን ውግእ ኣዊጆም ኣለዉ። ንግስነት ዓረብ ወይ ኣራብ ኤሚረይትስ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ወተሃደራዊ መደበር ብምቛም ኣንጻር ሓይልታት ሖቲን ሓይልታት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕን መጥቃዕቲ ተካይድ ኣላ። ቱርክን ኢራንን ቀጠርን ድማ ነዚ ውግእ’ዚ ክዅንንኦን ክቃወምኦን ይርኣያ ኢየን።

 

ብተወሳኺ፡ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ/ኪዳን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ድማ፡ ነቲ ኣብ የመን ጀሚርዎ ዘሎ ውግእ ንኽጥቀመሉን ንቀይሕ ባሕሪ ካብ ሰልኩታት ናይ ኢራንን ጽልዋኣን ንምቍጽጻርን ዝዓለመ፡ ብዓረባዊ ንግስነት ወይ ዓማራት ኣቢሉ ዝተኻረዮ ወተሃደራዊ መደበር ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ መስሪቱ ኣሎ።

Chairmans Speech 1

 

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከኣ፡ ኣመሪካ፡ ፈረንሳ፡ ቺና፡ ጃፓን፡ ቱርኪ፡ ጣልያን፡ ኣብ ጅቡቲ መደበራት ኣለወን። ህንድን ኢራንን ድማ ክስዕባ ይደናደና ኣለዋ። ቱርኪ፡ ኣብ ሶማልያን ጅቡትን ወተሃደራዊ መደበራት ኣለዋ፡ ኣብ ሰዋኪን ውን ተወሳኺ መደበር ናይ ምኽፋት መደብ ኣለዋ።

 

ኵለን እዘን ሃገራት እዚኣ’ተን ብሓደ ሸነኽ ጸጥታ ናይ መተሓላለፊ መራኽበንን ንግደንን ዝዀነ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕላው ኰይኑ፤ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ጽልዋአን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ንምስፋሕ ኢየን ዝጓየያ ዘለዋ።

 

ክቡራትን ክቡራንን

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ድማ ብፍላይ ዝርአ ዘሎስ ሓድሽ ክስተታት ናይ ዓለምና ኣትኵሮ ስሒቡ ዘሎ ጕዳይ ስለዝዀነ፡ መደረይ ኣብኡ ዘትኰረ ክኸውን ኢዩ።

 

ሰዲህኤ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጋህደ ለውጢ ህዝብታት እታ ሃገር ዝደረኽዎ ለውጢ ኢዩ ዝብል እምነት ኢዩ ዘለዎ። መንግስቲ ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ሪፑብሊክ ኢትዮጵያ ህጹጽ ኣዋጅ ብምእዋጅ ነቲ ናይ ህዝብታት ኢትዮጵያ ናዕቢ ከህድኦ እኳ እንተፈተነ፡ ስለዘይሰለጦ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ጸገም ብኵራት ናይ ሰናይ ምሕደራን ምብስባስ ናይ ኢህወደግን ምዃኑ ኣሚኑ፡ ጥልቂ ምሕዳስ ዝብሎ መስርሕ ከካይድ ምውሳኑ ድማ ዝፍለጥ ኢዩ።

 

ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ዝወሰዶ፡-

1.   ንእሱራት ብሓፈሻ፡ ንናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ድማ ብፍላይ ምፍታሕ፤

2.   ንህጹጽ ኣዋጅ ምልዓል፤

3.   ኣብ ደገ ንዝርከቡ ኢትዮጵያውን ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪላውያን ማሕበራት፡ ሚድያታት ኣብ ክንዲ ከም ጸላእቲ ከም ተወዳደርቲ ብምርኣይ ኣብ ሃገሮም ኣትዮም ብሰላማዊ ኣገባብ ክወዳደሩን ክሰርሑን ምጽዋዖም፤

4.   ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዝነበረ ናዕቢ ንምህዳእ ብቐዳማይ ሚንስተር ዝተገብሩ ዑደታትን ኣኼባታትን፤

5.   ንስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ብዘይ ቅድመ-ኵነት ተቐቢሉ ንምትግባሩ ድልውነቱ ምግላጹ፡... ብሓቂ ኣብ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ብፍላይ ተራእዩ ዘይፈልጥን መዘና ዘይብሉን ተባዕን ናይ ለውጢ ተበግሶ ስለዝዀነ ናእዳን መጐስን ዝግብኦ ምዃኑ ከየስመርኩሉ ክሓልፍ ኣይደልን። ሰዲህኤ፡ ንሰላምን ዲሞክራስን ፍትሕን ዝቘመ ሰልፊ ስለዝዀነ፡ መርገጻቱ ኣብ ጕዳይ ዶብ ንጹር ስለዝነበረን ደገፉን ናእዳኡን መግለጺታት ብምውጻእ ክገልጾ ምጽናሑ ዝፍለጥ ኢዩ።

 

እዚ ለውጢ’ዚ፡ ብመሰረቱ ናይ ህዝብታት ኢትዮጵያ ተቓውሞታት እኳ እንተዀነ፡ ናይ ኣመሪካ ብዓብዪኡ፡ ናይ ስዑዲ ዓረብን ንግስነት ዓማራትን ኪዳን ድማ ብኻልኣይ ደረጃ ዝተሓወሶ ድርኺትን ባርኾትን ምንባሩ እውን እምነትን ገምጋምን ሰልፍና ኢዩ።

 

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኣምባሳደር ኣመሪካ፡ ኣቶ ማይክ ራይነር፡ መንግስቲ ኣመሪካ ቅድሚ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምጻኡን ድሕሪ ምምጻኡን ንመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከተራኽቦም ከምዝጸንሐት፡ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት ኣረጋጊጽዎ ኣሎ። ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት ኤርትራ፡ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ናይ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣማኻሪ፡ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝርከብዎ ልኡኽ  ኤርትራ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣቶ ደሳለኝ ሃይለማርያም ብመንጐኝነት ኣመሪካ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ከምዝተራኸቡ ኣምባሳደር ማይክ ራይነር ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት ሕብእብእ ብዘይብሉ ኣገባብ ኣጋሊጽዎ ኢዩ። “ዶብ ከይተጠረረ ዝምድናና ናብ ንቡር ክምለስ ኣይክእልን ኢዩ” … “ዶብ ድሕሪ ምጥራሩ ግን ንጽባሒቱ ዝምድናና ንምምሕያሽ ልዝብ ክንጅምር ድልዋት ኢና” ዝብል ዝነበረ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ መልሓሱ ዓጺፉ፡ ምምሕዳር ኢትዮጵያን ሰራዊቱን ካብ’ቲ ንኤርትራ እተበየነ ቦታታት ከይወጹ እንከለዉ፡ ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሽኻል ከይተነብረሉን እንከሎ፡ ልኡኹ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስዳዱ ኣዝዩ ዘደንጹን ዘገርምን ጕዳይ ኢዩ ኰይኑና። እቲ ዝኸፍአ ከኣ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተኸዊሉ ቅድሚ ጠቕላል ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ምምጻኡ ኣትሒዙ ንህዝቡ ከይሓበረ ብምስጢር ክራኸብ ምጽናሑ ኢዩ። ስርዓት ኢሳያስ፡ ብርግጽ ዘደንጹን ምርድኡ ዘጸግምን ጥልመት ንዝኣተዎ መብጽዓታት ኢዩ ፈጺሙ። ብዓል ሃይለማርያም ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)ን ብጾቱን፡ ነቲ ጐንጺ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰላም ክፍታሕ ነይርዎ፡ ቅዋም ኣብ ግብሪ ይውዓል፡ ስለዝበሉ’ዶ ኣይኰነን ብኽድዓት ዝተኸሱ። ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብምንባሮም ጥራሕ’ዶ ኣይኰነን ብስርዓት ኢሳያስን መጋበርያታቱ ዝዀኑ ናይ ሚድያ ማዕከናትን ብኽሕደት ክኸሰሱን ክጽልሙን ዝጸንሑ!!!!!!!። ሎሚ ደኣ እንታይ ሓድሽ ተረኺቡ፡ ዶብ ከይተሓንጸጸ ናብ ኢትዮጵያ ጕያግያ? ትማሊ ይኹን ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኢህወደግ’ዶ ኣይኰነን?

Chairmans Speech 2

 

ነዚ ውሳኔ’ዚ ድማ ኣብ 20 ሰነ፡ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ምግዋሑ፡ ብሓቂ ዘሕዝንን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ንዕቀት ዘርእን ተረኽቦ ኢዩ። ዶባትና ከይተጠረረ ኣይንልዛብን ኢሎም ብስም ሰማእታት ከም ዘይመሓሉን ከም ዘይጠሓሉን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ን16 ዓመታት ብሓደ እግሩ ጠጠው ከምዘየበልዎን ረሲዖም፡ መቓብር ሰማእታት ብነፋሪት ሰጊሮም ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ዕሽሽ ኢልካ ክሕለፍ ዘለዎ ጕዳይ ኣይኰነን። ጥልመትን ክሕደትን ምዃኑ ክስመረሉ ዘለዎ ተረኽቦ ኢዩ።

 

ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ንዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ እንተዘይኰይኑ፡ ናይ ሃገረ ኤርትራ ምሽርራፍ ልዑላውነትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ መስዋእትን ኣገዲስዎ ኣይፈልጥን ኢዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ሎሚ ንዅሉ በሪህሉ ክኸውን ተስፋ ንገብር። ሕጂ ቀዳምነት ተዋሂቡ ዝስርሓሉ ዘሎ ድማ፡ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምጥራር ዘይኰነስ፡ ወደባት ኤርትራ ናይ ምጥቃም፡ ኤምባሲታት ክልቲኡ መንግስታት ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ምኽፋት፡ ናይ ኢትዮጵያ ኣየር መንገድ በረርኣ ክትጅምርን ዜጋታት ክልቲኡ ሃገራት ካብን ናብን ክንቀሳቐሱ ምፍቃድን ኢዩ። ጕዳይ ምጥራር ዶብ ከም ህጹጽ ጕዳይ ከምዘይርእይዎ ብቃልን ብግብርን ደጋጊሞም የረጋግጽዎ ኣለዉ። ዶባት ኣይክዓግቱናን ኢዮም፡ ዶባት ትርጕም የብሎምን ዝብል መዝሙር ኢዩ ዝዝመር ዘሎ። ጽባሕ ፍልልይ ምስ ተረኸበ ድማ ንውግእ ክጽውዕና ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኰነን።

 

እዚ ብሸነኽ ስርዓት ኣስመራ ዝውሰድ ዘሎ ስጕምታት ግሉጽነት ዘይብሉን ህዝቢ ዘየሳትፍን ስለዝዀነ፡ ናበይ ገጹ ኢዩ ክምዕብል ብጥንቃቐ ምክትታሉ ከድሊ ኢዩ። ድምጺ ሰላም ክስማዕ ከሎ ምሕጓስ ንቡር’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ጅማሮ ዘሎ እሞ ከኣ ውሽጠ-ውሻጠኡ ጌና ዘይተፈልጠ ጕዕዞ ስለዝዀነ፡ ዳንኬራ ምብዛሕ ኣየድልን ኢዩ።

 

ሰላም ማለት፡ ውግእ ዘይምህላዉ ማለት ጥራሕ ኣይኰነን። ሰላም ማለት፡ ምዕባለ፡ ልምዓት፡ ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ሓድነት፡ ግዝኣተ-ሕግን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ማለት ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ከኣ፡ እዚ ኵሉ ከምዘየለ ክንርስዕ የብልናን።

 

Chairmans Speech 4

 

ኣብ ኤርትራ ቅዋም የለን፡ ተቓወምቲ ስርዓት ዝዋስእሉ ባይታ የብሎምን፡ ናጻ መራኸቢ ብዙሓን ወይ ሚድያ የለን፡ ብናጽነት ዝንቀሳቐስ ብሕታዊ ጽላት የለን፡ በሽሓት ዝቝጸሩ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ኣለዉ፡ መንእሰያት ኣብ ደረት ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዕድሜኦም የብልዩ ኣለዉ። እዚ ከይተፈትሐ ኣብ ኤርትራ ሰላም ኣሎ ኢልካ ምዕላል የዋህነት ወይ ዕሸልነት ኢዩ። ኤርትራ ምስ ነብሳ ከይተዓረቐት ምስ ግዳም ክትተዓረቕ ዘይሕሰብ ኢዩ። ጽባሕ መራሕቲ ተቓውሞ ኣረክቡና ምባልን ጸላም ተኸዲንካ ቅንጸላዊ ስርሓት ምክያድን ድማ ዘይተርፍ ኢዩ።

 

ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ክስተት መዕለቢኡ እንታይ ክኸውን ኢዩ ጌና ዝተነጸረ ኣይኰነን። እቲ ናይ ለውጢ መስርሕ ተጀሚሩ እምበር ኣይተወድአን። ክልተ ሓይልታት ወይ ክልተ መንግስታት ዝዋጠጥሉ ዘለዉ ሜዳ ኢዩ ዝመስል ዘሎ። ስለዝዀነ ድማ፡ ኢትዮጵያን ፖለቲካዊ ሓይልታታን ኣብ ቃራና መንገዲ ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ ምባል ይከኣል። ወይ ተረዳዲኦም መፍትሒ ክረኽቡ፡ ወይ ድማ፡ ንህዝብታት ሃገርን ኢትዮጵያ ንሓደጋታት ብርሰትን ዕንወትን ዘቃልዕ ናይ ህልኽን ቂምን ስጕምታት ምምራጽ ኢዩ።  ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም እንተደኣ ሰፊኑ፡ ረብሓ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ጐረባብቱን ኢዩ። ብኣንጻሩ ከኣ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይምርግጋእን ዕንወትን እንተሰፊኑ፡ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ጐረባብቲ ሃገራትን ዓቢ ክሳራ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ እውን ከምኡ።

 

ስለ’ዚ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ሃገራት ተንጠልጢሉ ዘሎ ሓደጋታት ናይ ዘይምርግጋእን ብርሰትን ንምፍታሕ፡ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዲሞክራስያዊ ባይታ ዝሰፍሓሉ ዕድላት ወይ ባይታታት ምፍጣር፡ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ክብርትታትን ምሕላው፡ ህዝቢ ዋና ሃገሩን ምንጪ ስልጣን ምዃኑን ምእማን ይድለ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ፡ ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት መጻኢ ዕድሎም ኣብ ምውሳን ደረት ዘይብሉ ተሳትፎ ክህልዎም ምፍቃድ ይግባእ።

 

ክቡራትን ክቡራንን

ኣስዒበ ዝዛረበሉ ጕዳይ ብዛዕባ ደምበ ተቓውሞና ኢዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ደምበ ተቓውሞና፡ ብሓደ ሸነኽ፡ ብቍጽሩ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዛየደ ከምዝመጸ ዘይከሓድ’ኳ እንተዀነ፡ ብኻልእ ሸነኽ ግን፡ ዝእክቦን ዝመርሖን ሓይሊ ወይ ውደባ ስኢኑ ኣንፈቱ ስሒቱ ዕንይንይ ክብልን ኣብ ዘይመስረተታዊ ጕዳያት ነንሓድሕዱ ክዋጠጥን ብዙሕ ዕድላት ከምዘጥፍአ ኣሉ ክብሃል ዝከኣል ጕዳይ ኣይኰነን።

Chairmans Speech 5

 

ኣብ ዞናናን ሃገርናን ዓብይቲ ምዕባለታት እናተኸስቱ እንከለዉ፡ ተራና ክንጻወት እንተዘይክኢልና፡ ህላዌና ትርጕም ኣይክህልዎን ኢዩ። ስለ’ዚ፡ ደምበ ተቓውሞና እውን ኣብ ቃራና መንገዲ ኢዩ ዘሎ። ወይ ነቲ ክንከዶ ዝጸናሕና ዘየዐዉት ጕዕዞ ኣሪምና፡ ንህዝብናን ነንሕድሕድናን ይቕሬታ ሓቲትናን ተሓታቲትናን፡ ንሓባራዊ ዕላማታት ብሓባር ምቅላስ ኢዩ፤ ወይ ድማ፡ በብሓደ ናብ ምቅሃምን ዘይምህላውን ኵነት ምስግጋር፡ ማለት ቀስ ብቐስ ምሟት ኢዩ። ሳልሳይ ምርጫ የብልናን። እዚ ህጹጽ ምላሽ ዝሓትት እዋናዊ ብድሆ ድማ ሎሚ ኣብ ቅድሜና ተደቂኑ ኣሎ። ምርጫና እቲ ቀዳማይ ከምዝኸውን ኣይንጠራጠርን ኢና። ብግብሪ ንምትግባሩ ግን ጽባሕ ዘይኰነስ ሎሚ ክንብገስ ይግብኣና።

 

ምዕቡላት ሃገራት ንኣማእት ዓመታት ኢዮም ኣቐዲሞም ዝሓስቡ፤ ንሕና ግን ንእለቱ ወይ ንኣዋርሕ ጥራሕ ኢና ንሓስብ፡ ኣመሪካ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተኸተሎ ፖሊሲ፡ ንጐረባብቲ እስራኤል ኣዳኺምካ ንነዳዲ ማእከላይ ምብራቕ ምቍጽጻር ኢዩ ነይሩን ዘሎን። ስለ’ዚ ከኣ ኢዩ ንዒራቕን ሱርያን ንምድኻም ኣንጻረን ውግኣት ዘዋዓውዑ። ስዒባ ክትዳኸም ዝተበየነላ ድማ ኢራን ኢያ።

 

ምዕቡላት ሃገራት ንቐርኒ ኣፍሪቃ መዲበናሉ ዘለዋ ውጥን ንጥቕምና ድዩ ወይስ ንጥቕሞም ንምፍላጥ ክንጽዕርን ክንማራመርን ይግባእ። ስለ’ዚ መጻኢ ዕድልና ንምውሳን ተሳትፎ ናይ መላእ ህዝብናን ውድባትናን ክረጋገጽ ኵሉ ዝከኣለና ዋጋ ክንከፍል ኣሎና። ጕዳይና ባዕልና ደኣ’ምበር ናይ ወጻኢ ሓይልታት ክውስኑልና ኢድና ኣጣሚርና ክንጽበ ኣይግባእን።

 

 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ሰዲህኤ፡ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ኣብ ዲፕሎማስያውን ህዝባውን ዜናውን መዳያት ዝነጥፋ ናይ ሓባር ሽማግለታት ኣቝሞም ርእይቶኦም ናብ ህዝብን መንግስታት ዓለምን ከብጽሑ ዝጽውዕሉ ምዝናይ ዘይሓትት እዋናውን ህጹጽን ህሞት ምዃኑ ከዘኻኽር ይፈቱ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ድማ፡ ብህጹጽ ርክብ ክግበር ጻውዒትና ነቕርብ ኣሎና።

 

ናይ ሎምዘበን ፈስቲቫል 2018 ዝዓበየ ኣጀንዳ እዚ ኣብ ኤርትራ ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ዘሎ ኵነታትን ሃለዋት ሓድነት ደምበ ተቓሞናን ክኸውን ኢዩ።

 

ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

4 ነሓሰ 2018

ዝኸበርኩም ኣዳለውቲ ፈስቲቫል ኣትላንታ

ኣብዚ በዳሂ እዋን ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ሓደ መኣዲ ኣምጺእኩም ንቀዳማዊ ሕቶ ክፍትሽ ምግባርኩም ናእዳ ይግበኣኩም። ብዝገበርኩምልና ዕድመ መሰረት ተሳተፍቲ ብምዃና ከኣ ኣዚና ነመስግነኩም።

ዝኸበርኩም ኣዳለውቲ ፈስቲቫል ከምኡ’ውን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ኣትላንታ፣ ሎሚ ሃገርና ኣብ ቀራና መንገዲ ትርከብ ኣላ። ንሱ ከኣ፣ ሃገርና ክትጠፍእ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ስቅ ኢልና ንርኤ እሞ ታሪኽ ነጥፍእ ወይ ድማ ብሓባር ሃገር ነድሕን እሞ ዝጀመርናዮ ታሪኽ ንፈጽሞ ዝብል እዩ። ኣብዚ ህመት ከኣ ኢኹም ነዚ ፈስቲቫል ኣኢንጊድኩም ዘለኹም። ኣቦታትና ክምስሉ “ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምርቃ” ይብሉ። ብወገና ፈስቲቫል ኣትላንታ ምርቃ እዩ ንብሎ። ምስላ እንግሊዝ ከምዝብሎ “The right time at the right place” ሓቂዩ ከም ግዜን ቦታን ዝመስሎ የሎን።

ዝኸበርኩም ኣዳለውትን ተሳተፍትን፣ ግዜ ወርቂ እዩ ከምዝበሃል ኣብ ኣትላንታ ረኺብናዮ ዘለና ዕድል ብቀሊሉ ዝርከብ ኣይኮነን። ግዜ ከሎካ ግዜ ኣይትጸበ እዩ እሞ፣ ንዘለኩም ግዜ ተጠቂምኩም ኩሉ ዜጋ ኤርትራ ብልዕላውነት ሃገር ዝግደስ ክትጽውዑ ንላቦ።

ንሕና ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እንርከብ ኣብ ሃገርና ተንጸላሊዩ ዘሎ ደመና ሸርሒ ከም ኩሉኹም ኣሰኪፉና እዩ ዘሎ። በዚ’ውን ምስ ኩሉ ዜጋ ኮና ሃገር ንምድሓን ብሓደ ድምጺ ከንሰርሕ እዩ ቀዳማይ መደብና።

ኣብ መደምደምታ ንኩሉ ጸዓታትኩም እናኣሞጐስና፣ ዕዉት ፈስቲቫል ክኸውን ንምነ። ናይ ብሓደ ድምጺ ኮንካ ምስራሕ ክሰፍሕ ከኣ ንምሕጸን።

 

ልዑላውነት ኤርትራ ህያው እዩ

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና

ዞባ ሽማግለ ሰሜን ኣመሪካ

ኣብዚ እዋንዚ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽቡ ጉዳያት ኣብ ዝለዓልሉ፡ ሓደስቲ ሓረጋት ክቀላቐሉ ንከታተል ኣለና። ካብቶም ሓደስቲ ሰብ ግዜ ሓረጋት፡ ምድማር፡ ፍቕሪ ይስዕር፡ መንደቕ ምፍራስ፡ ድንድል ምህናጽ ዝብሉ ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ናይዞም ኣበሃህላታት ትርጉምን ተልእኮን ነናብ ዝሰሓብካዮ ዝሰሓብ ኮይኑ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ነናቶም ግምታት ይህብዎም ኣለዉ። ንኣብነት ምድማር ክሳብ ሕጂ እንፈልጦን ዝተመሃርናዮን ሓደ ካብቲ ኣርባዕተ መባእታዊ መደባት ቁጽሪ ምዃኑ እዩ። ሕጂ ብበዓል ኢሱ ግና ናብ ካልእ ሸፈጥ ዝማዕበለ እዩ ዝመስል።

እዞም ነቲ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ሓድሽ ፍቕሪ ክለዓል እንከሎ ዝለዓሉ ዘለዉ ዘበን ኣምጸኦ ሓረጋት ዝያዳ ብናይ ኢትዮጵያ መራሕትን መራኸቢ ብዙሓንን ገኒኖም ክቃልሑ ኢና ንዕዘብ ዘለና። ኣብ ገለገለ ቦታታት ከኣ ነዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኸይድ ዘሎ ዳርጋ ብስምዒታት ዝተነድቀን ኣሳታፊ ትካላዊ ባህሪ ዝጐድሎን ምዕባለ “ትድግፍ ዲኻ ትቓወም” ንምባል “ተደሚርካ ዲኻ ኣይተደመርካን?” ክብሉ ንዕዘብ ኣለና። ብናተይ ርኢቶ ኩሉ ዝድመር ብዙሕ ውጽኢት ይህብ ማለት ኣይመስለንን። ንኣብነት ሓደ ሺሕ ኣውንታ (posetive) ምስ ሓደ ሺሕ ኣሉታ (negative) ክድመር እንከሎ ውጽኢቱ ክልተ ሺሕ ዘይኮነስ ዜሮ እዩ ዝኸውን። ብመንጽርዚ ዶ/ር ኣብይ ምስ ኢሱ እንተተደሚሮምስ ክልተ ናይ ምዃን ዕድሎም ጸቢብ እዩ። ብኣንጻሩ ውጽኢቶም ዜሮ ናይ ምዃን ዕድሎም ሰፊሕ እዩ። “መነኦም ኣውንታ መነኮምከ ኣሉታ ስለ ዝኾኑ?” ንዝብል ሕቶ ከኣ ምዃንኳ ምሉስ እዩ ብዝኾነ ብሓባር ክንምልሶ ዝበኣና እዩ።

መንግስቲ ህግደፍ እዞም እንተላይ ንዓኡ ዝምልከቱ ሓረጋን ክዝረቡን ክጸሓፉን እንከለዉ ዘስመዖ ድምጺ የለን። ንህዝቢ ኤርትራ እውን ብዛዕባ እዚታት ዝህቦ መብርሂ የለን። ህዝቢ ካብ ኣስመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክገይሽን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጹ ኣጋይሽ ክቕበልን እንከሎ፡ ስለምንታይ እቲ ዝነበረ ዕጽዊ ኩነታት ናብዚ ዝረአ ዘሎ ፈዳሕዳሕ ከም ዝማዕበለ ዘብረሃሉ የለን። እዚ ኩሉ ናይ መንግስቲ ህግደፍ ምጽቃጥን ስቕታን እምበኣር፡ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተላይ ንኤርትራ ዝምልከት ዝህቦ መግለጽታት ተቐቢልዎ እዩ ዘስምዕ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝተዓርቁ ክልተ ናይ ኢትዮጵያ ኦርተደኩስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ሲኖዶሳት ምትዕራቖም ብዝምልከት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ርኢቶ ክህቡ እንክለዉ፡ ናይ ኤርትራ ሲኖዶስ እውን ተመሳሳሊ ጸገም ስለ ዘለዎ “ክንዓርቆም ኢና” ዝመንፈሱ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ነዚ መልእኽቶም ዝተኸታተለ ሓደ ኤርትራዊ “ኣንታ ወያ ኣብይ ክመርሓና ወኪለዮ ኣለኹስ ጀሚራ ግዲ እያ” ኢሉ ዘስሓቐኒ መመሊሰ ክዝክሮ እንከለኹ ይገርመኒ።

ብኣንጻርዚ፡ ንነዊሕ ዓመታት ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክለዓል እንከሎ ዝዝውተሩ ዝነበሩ ሃንደበት ህልም ኢሎም ዝጠፍኡ ሓረጋት ኣለዉ። ውዕል ኣልጀርስ፡ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ኮሚሽን፡ መሬትና ተወሪሩ እንከሎ ዘተ ዝበሃል የለን፡ ምጥራር ዶብ ቅድመ-ኩነት ንዘተ እዩ፡ ናይ ንጉሆ እንተጠሪርና ድሕሪ ቀትሪ ክንዛተ ድልዋት ኢና … ዝብሉ ሓረጋት ካብቶም ደሃይ ዘጥፍኡ እዮም። ኣብ ክንዲ’ዞም ሓረጋት እዚኣቶም ፡ ኤምረትስ፡ ሱዕድያ፡ ኣሜሪካ እንዳበልካ ናይ ለጋስ ኢድ ዘለወን ሃገራት ኣስማት ከም ጾለተ-ዘወትር ምድጋም ከኣ ናይ በዓል ዲክታቶር ኢሱ ቀንዲ ተግባር ኮይኑ ኣሎ። ዘሄግን ባድመን ዝበሃላ ከተማታት እሞ ጉጅለ ኢሳይያስ ከም ቁርን ኣስሓይታን ዝፈርሐን ኮይነን ኣለዋ።

እቲ ምድማር ዝበሃል ቃል ኣብ ኢትዮጵያ ክጅመር እንከሎ ኣብ ክሊ ኢትዮጵያ ዝሕጸር ይመስል ነይሩ ትርጉሙ ከኣ ኢትዮጵያዊ ሓድነትና ነደልድል ማለት ይመስለና ነይሩ። ሕጂ ግና ናብ ምስ ኤርትራ እውን ሰጊሩ ኣሎ። ብዙሓት ዝህብዎ ትርጉም ከኣ እቲ ኣብ ሓምሳታት ፈደረሽ ምስ ኢትዮጵያ ምስ ፈረሰ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይደልዮን ዘይፈልጦ፡ ንክሳዳዊ ረብሓ ሰብ ገዚፍ በትሪ ኣብ ኣርዑት መስፍናዊ መንግዛእቲ ኢትዮጵያ ምስተቖርነት ሳዕቤኑ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ገይሮም ዝትርጉምዎ ብዙሓት እዮም። ከምኡ ከምዘይኮነ ሓላፍነት ወሲዱ ዘብርህ ኤርትራዊ ኣካል እንተዘየልዩ ከኣ ትርጉሙ ከምኡ ከምቲ ዝበሃል እዩ ክውሰድ። መንግስቲ ህግደፍከ መብርሂ ዘይህበሉ ዘሎ፡ በዚ ትርጉምዚ ስለ ዝተሰማምዐ ድዩ? ዝብል ከኣ ካልእ ሓቢርና እንምልሶ ሕቶ እዩ ክኸውን።

ኣብዚ እዋንዚ ብፍላይ ብወገን ናይ ኢትዮጵያ መራኸቢ ብዙሓን፡ “መንደቕ ኣፍሪስና ድንድል ክንሃንጽ ኢና” ዝብል ጥቕሲ ኣብ ኣፍልቢ ብዙሓት ዝልጠፍ’ዩ ኮይኑ ዘሎ። ብናይ ብዙሓት ርኢቶ እቲ ዝፈርስ መንደቕ ንዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ እቲ ድንድል ድማ መንገዲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምኽፋቱ ከም ዝውክል ገይሮም እዮም ዝርድእዎ። ከምኡ ከምዘይኮነ ዘብህር ኣካል ክሳብ ዘየለ ከኣ ትርጉሙ ከምኡ ኮይኑ እዩ ክቕጽል። ግን እቲ ድንድል ምህናጽስ ግርም ምህናጽ ዝመስልዎ ስለ ዘየለ። ወዮ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክጥረር ንጽበዮ ዝነበርና ልኡላውነት ኤርትራ ዘውሕስ መንደቕ ምፍራስከ እንታይ ኣምጸኦ። “እቲ ድንድል ንክህነጽ ናይ ግድን እቲ መንደቕ ክፈርስ ኣለዎ ዝበለኸ መን እዩ?

ዝኸበርክንን ዝኸብርኩምን  

ከም ፖለቲካዊ ብጻይን ከም ወኪል ሰልፊ ሓምላይ (Bündnis 90/Die Grünen) እየ ተዓዲመ ዘሎኹ። ከም ወኪልን ፖለቲከኛን ብጻይን ድማ ናይ ልቢ ሰላምታይ ይብጻሕኩም። ሰልፍና ይኹን ኣነ ኣብ ጎኒ ኩሎም ንፍትሕን ንመሰል ደቂ ሰብን ዝቃለሱን ከምኡ‘ ውን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ደው ክንብል ምኻና ነረጋግጸልኩም።

ከምቲ ኩላትና ንዕዘቦ ዘሎና፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ዕርቂ መስርሕ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ናይ ዕርቂ መስርሕ ግን ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ ፓለቲካዊ ለውጢ ክምጽእ እዩ ኢልካ ክትግምት ኣጸጋሚ እዩ። ብርግጽ ግን: እዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ንመላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ዉሑዳት ብጾቱን ዘገልግል እዩ። ነታ ሃገር እውን ጨዉዮማ እዮም።

ብርግጽ ኣብዞም ዝመጹ ዘለዉ 10 ዓመታት ዕድመ ምልኪ ከብቅዕ ምኻኑ ርዱእ እኻ እንተኾነ: መላኺ ኢሰያስ ግን ብፍርሒ ዝተገዝኤ ሰብ ስለዝኾነ: ንኡ ዝትክኦ እውን ከዳሉ ኣይኮነን። ካብዚ ብምንቃል: ኣብ ደገ ዘሎ ዲሞክራስያዊ ደንበ ተቓዉሞ: ብሓባር ነዛ ዕለት ክዳሎን ሓላፍነት ክስከምን ኣለዎ። ኣነ እውን ብዝተኻእለኒ መጠን ክተሓባበርን ክሰርሕን ድሉው እየ።

ናይ ሎሚ ሰሚናር ዛዕባ „ናይ ትምህርቲ ድሕሪ ባይታ ዘይብሎም መንእሰያት ስደተኛታት ብኸመይ ኣገባብ ኣብ ማሕበራዊ ሂወት ሕብረተ-ሰብ ጀርመን ይወሃሃዱ?“ ዝብል እዩ።

ከም ናይ ቆልዑን መንእሰያትን ናይ ስነ ኣእምሮ ሓኪም: ንነዊሕ ዓመታት ንብዙሓት ሰደተኛታት ኤርትራዊያን ኣገልግሎት ሂበ እየ። ኩነታት ኤርትራ ብዝያዳ ስለ ትፈልጥዎ ብዕምቆት ምግላጽ ኣየድልን እዩ። ግን ብሓርፋፍ ምልካዊ ሂወት ኣብ ቆልዑን መንእሰያትን ዘስዕቦም ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ክገልጽ እየ።

ብዙሓት መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭኮና: መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ስቅያትን ኣብ ዓዶም ገዲፎም፣ ምድሪ በዳ: ሊብያ ከምኡ እውን ባሕሪ ጥሒሶም ንኤውሮጳ ይኣትዉ።

ወላ እውን ስድራ-ቤታዊ ኣተዓባብያን ሂወትን ንጠባይ ቆልዑን መንእሰያትን ኣጸቢቑ ይጸልዎ እዃ እንተኾነ: ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ግን: ኣተዓባብያን ሂወትን መንእሰያት ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

  1. እኹል ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ኣብ ግዜ ቁልዕነት ስለ ዘይርከብ: ብዙሓት ቆልዑ ኣብ ኤርትራ እኹል ናይ ኣካላትን ሓንጎልን ምዕብልና ስለዘብሎም: ትምህርቲ ክከታተሉ ጸገም ኣለዎም። ብቀጻሊ ዝረኣዩ ሕማማት እውን የጥርዩ።
  2. ዓይነት ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ብጣዕሚ ትሑት እዩ። ብዙሓት መምሃራን እውን ካብ ሃገሮም ስለተሰዱን: ብዙሓት ተማሃሮ እዉን ንሃገራዊ ኣገልግሎት ከይከዱ ብምባል: ትምህርቲ ብግቡእ ኣይከታተልዎን እዮም። በዚ ምኽንያት ከኣ: ብዙሓት መንእሰያት ስደተኛታት ቛንቛ ጀርመን ክመሃሩን ስሩዕ ትምህርቲ ክከታተሉን የጸግሞም።
  3. ብሰንኪ ውትህድርና: ብዙሓት ቆሉዑን ንኣሽቱ መንእሰያትን ኣብ ኤርትራ ብዘይ ኣቦ ይዓብዩ። በዚ ምኽንያት እዉን ጉድለት ስድራ-ቤታዊ ሂወት ኣሎ። ጠንቁ ድማ: ስእነት ስሩዕ ሂወትን ጉድለት ኣኽብሮትን እዩ።
  4. ብፍላይ ንሓደስቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝትንክፎምን ሂወቶም ኣብ ጀርመን ንኽሰርዑን ዘጸግሞም: ዘይምትእምማምን ጥርጠራን እዩ። ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣሕዋት: ኣደ: ኣቦ: ቆልዑ: ነንሕድሕዶም ከይተኣማመኑን ከምዝፈርሑን ገይርዎም እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ብዙሓት ስደተኛታት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ልዕሊ ዝሕግዝዎም ዝተሓባበርዎን ጀርመናውያን እምነት የብሎምን። ሓጋዚ ምኽሪ ናይ ዝኣልይዎምን ዝተሓባበርዎምን እዉን ኣይቅበሉን።
  5. ኣብ መደምደምታ: ብዛዕባ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ንቡዙሓት ሓደስቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዘጓንፎም ምጥቃስ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። ልክዕ ከምቲ ኩሉኻትኩም ዘይትስሕትዎ: በቲ ዝሕለፍዎ ሕማቅ ተመኩሮን: ስቅያትን: መግረፍትን ኣብ ውትህድርና ይኹን ኣብ ምድሪ-በዳ: ኣብ ሊብያ ከምኡ እውን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ: ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀትን ዘይምድቃስን ፍርሕን ኣሕዲሩሎም። እዚ ሕማቅ ተመኩሮ ግን: ድሕሪ ገለ ዓመታት ኣብ ሰላም ድሕሪ ምንባር: ክሓዊ ይኽእል እዩ። ውሱናት ሰባት ግን: ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕክምና የድልዮም እዩ።

ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩሙኒ የቀንየለይ

ዶ/ር ክላውስ ዲተር ግሮተ

Dr. Klaus-Dieter Grothe

3 ነሓሰ 2018፣ ምሕዳስ ሰልፊ ዝኣርእስቱ ሰሚናር ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት፣ ሃገር ጀርመን ተኻይዱ። ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ደ.ህ.ኤ) ፈስቲቫል ንኽሳተፉ ካብ ዝተፈላለየ ዞናታት ናይ ዓለም ተጓዒዞም ዝመጹ ናይቲ ሰሚናር ተሳተፍቲ ነይሮም።

ነቲ ሰሚናር ዝኸፈተ ኣቦ መንበር ኣሳናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ኣቶ ተስፋማርያም ክብርኣብ፣ ንኣኼበኛ እንቃዕ ደሓን መጻእኩም ብምባል፣ ብዛዕባ ተቐሪቡ ዝነበረ ሰሚናር መእተዊ ብምሃብ ንኣባላት ኮሚሽን ሕደሳ ብምልላይ መድረኽ ኣረኪቡ። ሰሚናር ብኣቦ መንበር ሕደሳ ኮሚሽን ኣቶ ፍስሃየ ሓጎስን ዶክተር ሃብተሚካኤል ተኽለብርሃንን ተኻይዱ።

Party Renewal

ኣባላት ኮሚሽን ሕደሳ ሰልፊ፣ ኣምር ሕደሳ ብምግላጽ፣ ንሓደ ዓመት ዝተኻየደ መጽናዕትን ትግባረኡን ኣመልኪቶም "ኣብ ተሓድሶ ሰልፊ እንታይ ክንገብር ንደልን ንኽእልን?"ዝብል ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም። ኣብ ናይ ተሓድሶ መስርሕ ንምእታው ብግምገማ ሓያልን ድኹምን ሰልፊ ተበጊሱ፡ ንሓያል ጎድንታቱ ብምዕቃብ ዝያዳ ንምሕያሉ ክጽዕር፡ ንዽኹም ጎድንታቱ ድማ መአረምታ ወይ መተካእታ ክረኽበሎምን ከምዘለዎ ኣብሪሆም። ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዝተዋህለለ ናይ ሓያልን ድኹምን ጎድንታት ዝርዝር ነጥብታት ብምልዓል፣ ኣኼበኛ ዘሳተፈ ዓሚቝ ክትዓት ተኻይዱ።

ኣብ መደምደምታ ካብ ኣኸበኛ ንዝቐረበ ሕቶታት ብምብራህ፣ ዝቐረበ ርእይቶታትን ለበዋታትን ብምምዝጋብ ሰሚናር ተዛዚሙ።

 

 

ሎሚ ዓርቢ 3 ነሓሰ 2018 ፡ 4ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ብኣቦወንበር ኣሰናዳኢትን ሓጻይትን ሽማግለ ሓው ጸሃየ ቀለታ ተኸፊቱ። ሓው ጸሃየ ናይ ሰላምታ መልእኽቲ ድሕሪ ምትሕልላፍ፡ ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ወከልቲ ኩለን ጨናፍር ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ኤውሮጳ ከም ዝተሳተፉ ድሕሪ ምግላጽ፡ ገለ ኣባላት ጉባኤ ድማ ብሕጋዊ ምኽንያት ከርክቡ ዘይከኣሉ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምሕባር ናይ ጉባኤ ምልኣተ ጉባኤ ከም ዝተረጋገጸ ኣመልኪቱ። ሕጋዊ ጉባኤ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ ከኣ ብወግዒ ምጅማር ስርሓት ጉባኤ ኣበሲሩ።

ኣብዚ ጉባኤ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣባላት ማእክላይ ባይቶን፡ ፈጻሚት ሽማግለን ከም ተዓዘብቲ ተሳቲፎም።

zc1

ጸብጻብ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ብሓው ጸሃየ ድሕሪ ምቕራቡ፡ መድረኽ ንኣቦ ወንበር ዞባዊ ሽማግለ ኣቶ ኢሳቅ ወልደማርያም ተዋሂቡ። ሓው ኢሳቅ ከም ኣቦ መንበር ስማግለ ዞባ ነቶም ኣብ ዉሽጢ 2 ዓመታት ዝተኻየዱ ዕዮታት ዞባ፡ ነተራ ነፍሲ ወከፍ ኣባላ ስማግለ ዞባ፡ ንተራን ሃለዋትን ጨናፍር ሰልፊ ኣብ ኤውሮጳ ዝምልከት ሰፊሕ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ንተራን ኣበርክቶታት ዞኣ ኤውሮጳን ምስ ሓይላታት ተቓውሞ ዝገብሮ ኣገዳሲ ናይ ዝምድና ምዕባሌን ኣውን ገሊጹ። በተወሳኺ ናይ ሓይልን ድኽመታትን ዞባ ዝርዝር መብርሂ ድሕሪ ምሃብ እዚ ዞባዚ ንሓያሎ ሃደስቲ መንእሰያት ሓተትቲ ዕቕባ፡ ዘይሕለል ደገፋት ዘበርክት ዞባ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ድሕሪ’ዚ ቃል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሓላፊ ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ቀሪቡ። ሓው ተስፋይ ንህልው ኩነታት ሃገርን፡ ደምበ ተቓውሞን ብምምልካት ኣብ ቅድሚ ህዝቢና ኰነ ሃይልታት ተቓውሞኡ ዘቐምጦ ብድሆታት ኣብሪሁ። ብተወሳኺ ንሃልዋት ሰልፍን ዞባ ኤውሮጳን ብዝምልከት፡ ብዓይኒ መርሕነታዊ ትካላት ክርአ ከሎ፡ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ እዋን ቅልውላው ውን ከይተረፈ፡ ሓድነቱ ሓልዩ ብኣድማዕነትን ተሪር ሰልፋዊ ሓልዮትን ቃልስታቱ ከካይድ ዝጸንሐ ዞባ ምዃኑ መስኪሩ። ኣብ ቅድሚ’ዚ ጉባኤ’ዚ ካብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣባላት ሰልፊ ዓቢ ትጽቢታት ከም ዘሎ እውን ሓቢሩ። ከምቲ ተነቢሩሉ ዘሎ ትጽቢታት ብዓወት ስራሓቱ ክዛዝም እውን ተመንዩ።

ቀጺሉ ጸብጻብ መሪሕነት ዞባ ናብ ምይይጥ ወሪዱ። ምስ ዝተገብረሉ ምምሕያሻት ድሕሪ ምጽዳቑ፡ ከኣ ንመጻኢ መድረኽ ዝጠመተ ክትዓትን ውሳኔታትን ለበዋታትን ተመሓላሊፉ።

ኣብ ምዝዛም ጉባኤ   7 ቅዉማትን 2 ተጠባባቕትን ዝኣባላታ መሪሕነት ዞባ ከምኡ’ውን ናይ ዞባ ኦዲተር በደሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ 4ይ ጉባኤ ዞባኡ ብዓወት ዛዚሙ።

ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ!

ክቡር ኣቦ ወንበር ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ተ/መንግስተኣብ ኣስመሮምን ክቡራት ኣባላት ፈጻሚት ሽማገለን ክቡራት ኣባላት ማእከላይ ባይቶን፡

ክቡራት ኣባላት ሽማለ ዞባ ኤውሮጳ ሰ.ዲ.ህ.ኤ.

ክቡራት መራሕቲ ንኡስ ዞባ ጀርመን ሰ.ዲ.ህ.ኤ.

ክቡራት መራሕቲ ጨናፍር ኤውሮጳ ሰ.ዲ.ህ.ኤ.

ክቡራት ኣባላት ወከልቲ 4ይ ጉባኤ ሰ.ዲ.ህ.ኤ.

ብስም ኣሳናዳኢት ሽማገለን ሓጻይት ሽማገለ ዞባ ኤውሮጳ ሰላምን እንቋዕ ብሰላም መጻእኩም፡ እዚ ታሪኻዊ 4ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ድሕሪ ሓጺር ጊዜ ማለት ልክዕ ዕለት 01 06 2018 ጀሚርና ብጽዑቅ ኣኼባታትን ርኽክባት ብምክያድ ብድሓን ዝኾነ ዉጺኢት ምብቃዕና ብዝነበረና ስጡም ዉፉይ ትግሃት ጻዕር እንሆ ብምልኣተ ተሳታፍነት ኣብ ትሕቲ ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ: ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ !!! ዝብ መሪሕ ጭርሖ ጉባኤና ክኸፍት ከሎኹ ምስ መሳርሕተይ ኣባላት ኣሳናዳኢት ሽማገለ ሓበን እናተሰምዓና እንቋዕ መጎሰና ይብል።

ክቡራት ተሳተፍቲ 4ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ፡

ዞባኹም ዞባና ዞባ ኤውሮጳ ስ.ዲ.ህ.ኤ. ፡ ብሓደ ንኡስ ዞባን፡ 11 ጨናፍርን ዝሓቆፈ ኮይኑ፡ ኣብ 8 ሃገራት ኤውሮጳ ዝነብሩ ህርኩታት ኣባላት እዮም። ከምቲ ኣብ ልዕሊ ዝተንከፍኩዎ ኣብ ባሕቲ ሰነ 2018 ብኣቦ ወንበር ሽማገለ ዞባ ኤውሮጳ ዝተማእከለ ኣኼባ 5ተ ዝኣባላታ ኣሳናዳኢትን ሓጻይትን ሽማገለ ቆምና። ንጊዜኡ ናይ በይንና ኣኼባ ጌርና ነብስና ንምስራዕ ናይ ስራሕ ምምቃል ማለት ኣቦ ወንበር ጸሃየ ቀለታ ( ካብ ሽወደን ) ዋና ጸሓፊ ታደሰ ኣስመላሽ ( ካብ ጀርመን ) ሰነዳትን ሎጂስቲክን ሙሴ ዓማር ( ካብ ኖርወይ ) ተኽለሰንበት ገ/ማርያም ( ካብ ሆላንድ ) ባይረ ገ/ወልዲ ( ካብ ሽወደን) ኮና ስራሕና ጀመርና። ብጻይና ባይረ ገ/ወልዲ ብሰንኪ ዉልቃዊ ጸገም ኣብ ሳልሳይ ኣኼባና ሲሒቡ። ዝተረፍና ኣባላት ኣሳናዳኢት ሽማገለ ድሕሪ 9 ስሩዕ ኣኼባታትን ኣቦ ወንበርን ዋና ጸሓፍን ከም ኣድላይነቱ መዓልታዊ እናተራኸብና ብግዱስ ተሓባበርነት ብ/ትዕበን ብ/ነጋስን እንሆ ብሓርፋፍ ካብ ዝረኸብናዮ ጸብጻብ ንጡፋት ኣባላት ዞባ ኤውሮጳ እንሆ 47 ተሳተፍቲ ጉባኤ ክኾኑ ከለዉ ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ንምትብባዕናን ስሪዒታዊ ክብርን ከኣ ከም ተዓዘብቲ ኣብ መንጎና ብምህላዎም ንሕበን።

ክቡራት ተሳተፍቲ 4ይ ጉባኤ ፡

ሎሚ 4ይ ጉባኤና ኣብ እነካይደሉ ዘሎና እዋን ብፍሉይን ኣገዳሲን ዝገብርዎ ጸለውቲ ዝኾኑ ዕዉታት ብድሆታት እነስምረሎምን ዕዉታት ብድሆታት ንምዝካር ፡                                      1ይ. ብመጀመርታ ሰልፍና ሰልፍኹም ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ዝሰገሮም ሓያላት ጽንኩራት መድረኽ ስጡምን መትከላዊ ንቅሓት ግዛተ ሕጊ ዝመለልያኡ ሓያል መሰረታት ኤውሮጳ ኣገናዕ ብምባል፡ ንለባምን ተባዕ ሕጋዊ ኣታላልያ መሪሕነት ሰልፍና ከኣ ኣድናቆትና ንገልጽ።

2ይ. ንህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ደምበ ተቋውሞኡን ብዓሚቁ ብምኩር ንቅሓትን ብምምዛን ምስ ኩሉ ደላይ ለውጢ እንኮፍትሒ ሓባራዊ ቃልሲ ምኻኑ ኣሚኑ ዘውጽኦ እማመ ብድርብ ነስምረሉ።

3ይ. ሓድሽ ተረኽቦ ናይ ኢትዮ ኤሪትረያ ሰላም ድምጺ ብወገ ኢትዮጵያ ብሩህ ግብራዊ ዕርቅን ምሕረትን ምስ ህዝቡ ጽቡቅ ክኸይድ ከሎ ብወገን ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ቀጻሊ ዕንደራን መናወራትን እንተዘይኮይኑ ጌና ጸልማት ብምህላዉ ስክፍ ከቢድ እዩ። ኮይኑ ግና መሪሕነትና ብጥንቁቅ ኣስተብህሎ ይከታተሎ ስለ ዘሎ እምንቶና ንጥቅሚ ተቃላሳይ ህዝብና ኣሕሊፉ ከም ዘይህብ ንኣምን ሙሉእ ደገፍና ደጊምና ነስምረሉ።

ኣብ መደምደምታ ከም ኣሳናዳኢት ሽማገለ ኣብ ሓጺር ጊዜ ዝተመኮርናዮ ክፍሊ ስርርዕ ሰልፍና ንኣሽቱ ድኽመታት ስለ ዝሬኤና ንምጽጋኑ ንምብርባሩ ኣስተምህሮ ሓጸርቲ ኮርስ ኮንፈረንስ ናይ መራሕቲ ጨናፍር ናይ ኣባላትን ንምምልማል ቅልጡፍ መደብ ክሰርዕ ንላቦ። ምዕቡል ዘሎናዮ መበል 21 ክፍለ ዘመን ቅኑዕ ብቁዕ ሰብ ናብ ቅኑዕ ቦታ !!! ተመክሮን ግድምናን መንቀሊ እምበር ዓይነታዊ ለውጢ ዝጥረ ብትምህርቲ ጥራሕ እዩ ብምባል ንላቦ።

ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ፡ ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ !!!

ኣሳናዳኢት ሽማገለ 4ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. 03 08 2018