ዕለት 3 ኣህጉራዊ መዓልቲ ነጻ ፕረስ ብደረጃ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተወሰነ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ከቢራ ዊዒላ። ሃገረ ኤርትራ ብድምጺ ህዝባ፡ ህዝባዊ ረፈረንዱም ኣካይዳ ብ99.8% ውጽኢት ናጽነታ ኣረጋጊጻ ኢሉ እዩ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ባይቶ ሕቡራት መንስታት ኣቅሪቡ ፡ ኣብ መደበር ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ሰንደቓ ዕላማኣ ተሰቂላ ዘምበልበለትሉ ዓመተ 1993 እዩ። ( ብእምንቶናን እቲ ሓቅን ግና ተባዕ ተጋዳላይ ህዝቢ ኤርትራን ጀጋኑ ተጋደልቲ ደቁን፡ ጀመርቲ ተ. ሓ .ኤ . ደምደምቲ ከኣ ደቁ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ፡ንባዕዳዊ ጸላኢ ግዝኣት ኢትዮጵያ ብወተሃደራዊ ዉግእ ሲዒሮም እዮም ሃገሮም ነጻ ኣውጺኦምዋ። ኮይኑ ግና እቲ ከዳዕ ህግደፍ ምስ ጓና ወያኔ ትግራይ ዉዲት ዝኣተዎ ዉዕል ክትግብር ብሃንደበት ህዝቢ ዘይተጸበዮ ናብ ረፈርንዱም ኣምበርኪኹ ንዝነበረ መሪር ተጋድሎ ከበቲ መስዋእትን ዝኸፈለሉ መሪር ቃልሲ ፡ ዝነበሮ ጽማኣት ትጽቢት ናጽነት ብርግጽ 100% ብዘየማትእ ነጻነት ሃገሩ ከም ዘድመጸ ኢና ነረጋግጽ። 0,02 ህግደፍ ብሓሶት ከደናግር ዝፈጠሮ ምኻኑ ኢና ንኣምን) ሲዒቡ ሓፈሻዊ ጉባኤ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ንእማመ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዩኔስኮ ጸብጻባቱን ተቐቢሉ፡ ንግንቦት 03 ዓለማዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ክትከውን ወሲኑ። እታ ሎሚ ዘላ ኣኤርትራ ህግደፍ ከኣ ተቀቢላቶ እያ። ኮይኑ ግና ፡ እታ ንመግዛእታዊ ጎበጣ ስዒራ ብኸቢድ መስዋእቲ ናጽነታ ኣረጋጊጻ ኩሉ ዓይነት ሰብኣዊ መሰላት ከተኽብር ትጽቢት ዝተገብረላ ኤርትራ ግን ኣብ 1996 ንዝጀመራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት፤ ብሰንኪ ኣተሓሕዛ ኣልያ ኩናት ኢትዮ ኤርትራ፤ ኣብ መንጎ መራሕቲ መንግስትን ግንባርን ብዝተኸስተ ጎንጺ፤ ርእይቶ ነቐፍቲ መንግስቲ ሕማቅ መናባብሮ ህዝብን ጉጉይ ምሕደራን ንዲሞክራስያዊ ክብሪ ኤርትራውያን ንክዕረን ክእረምን ክመሓየሽን ስለ ዝሓበራ ስለ ዝመሃራ ስለዘአንገዳን ካብ መስከረም 2001 ክሳብ ሕጂ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ንኩለን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ከም ዝዕጸዋ ጌሩ።

12 ኣዳለውትን ጸሓፍትን ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም። ክሳብ ሕጂ ብዘይካ በቶም ተቐይዶሙሉ ኣብ ዝነበሩ ኣብያተ ማእሰርቲ ቀዳማይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ፡ እምባትካላን ዒራዒሮን ሓለውቶም ዝነበሩ ገለ ገለ ጽቡቅ ዕድል ረኺቦም ዝሃደሙ እሞ ካብ ሃገር ዝወጽኡ ሰባት ዝተዛረብዎ እንተዘኮይኑ ብወገን መንግስቲ ህግደፍዝተዋህበ ዝኾነ ይኹን መግለጽን ሓበሬታን የሎን። ይኹን እምበር እቶም ጋዜጠኛታትን ከምኦም ምምሕዳር ጌጋ ኣሎ ህዝቢ ይሓሚ ኣሎ ዝወጻእናሉ ዕላማን፡ ሕድሪ ሱዉኣትና ይገኣስ ኣሎ፡ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ንግበር ዝበሉ 11 ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ዝነበሩ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ተቀፊዶምስ ብዝተፋለለየ ምኽንያት ሕማም ስቅያት ግፍIዒታትን ከምዝሞቱ ብዘይወግዓዊ መገዲ ይግለጽ ጸኒሑን ኣሎን። መላኺ መንግስቲ ህግደፍ ነቲ ኣብ መስከረም 2001 ዝዓጸዎ ህላዌ ብሕታዊ ሕትመት መዓስ ከምዘልዕሎን ከምዝኸፍቶን ኣብ ዝሕተተሉ እዋን፡ ብሰንኪ ጎበጣ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ዝተፈጥረ ሃዋሁወ ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም ክሳብ ዘይተፈትሐን ብምኽንያት ሃገራዊ ድሕነትን ውሕስነትን ከምዘየልዕሎ እዩ ዝዛረብ። ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ብጋዜጠኝነት ንኣስታት 16 ዓመታት ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዝሰርሐ ጋዜጠኛ ዓብዱ መሓመድ ዓንዱ፡ " ኣብ ኤርትራ ኣፈኛ ናይ መንግስቲ ኮንካ ኢኻ ትሰርሕ 'ምበር ነጻ ጋዜጠኛ ኮነካ ናጽነት ተሰሚዑካ ንጉድለታት ክትነቅፍን ከም ድላይካ ክትጽሕፍን ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኢዩ" ይብል።

ሳሕቲ፤ ተኣማንነት ንምርካብ ወይ ንይምሰል መታለልን ነቀፈታዊ ጽሑፋት ክጽሕፉ ብናይ ቀረባ ሓለፍቱ ትእዛዝ ይወሃቦም ከም ዝነበረ እንተኾነ ግና ብጸቢብ ከም ዝሓልፍን ንሕትመት ዝበቅዕ ሒደት ምዃኑን ይገልጽ። ዓብዱ መሓመድ ዓንዱ ቀይዱ ዝሰገረ ቀጺሉ ዝብሎ ናጽነት ሕትመት፤ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፤ ዓሌት ምስ ዓሌት ከናቑት ተኽእሎ ክህልዎ ከም ዝኽእል ብምዝኽኻር፤ ኣብ ኤርትራ ጉዳይ ናጽነት ሕትመት በይኑ ቆንጺልካ ክርአ ዝከኣል ዘይኮነን ነጻ ዝኾነ ፍርዳዊ ኣካል ብቕዋም ዝምእዘዝ መንግስቲ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ከይተፈትሑ ናጽነት ሕትመት በይኑ ክመጽእ ከም ዘይክእል ይዛረብ። ብነጻነት ሓሳባትካ ናይ ምግላጽ ዕድላት ክህሉ ከሎን ብግቡእ ዝጥቀምሉ ትካላትን መራኸቢ ብዙሓንን ጋዜጠኛታትን ክህልዉ ከለዉ ግና "ንህዝቢ ከም ህዝቢ ዘቑሙን ንህዝቢ ከም ህዝቢ ዝሃንጹን ከም ህዝቢ ብሱል ኮይኑ ህይወቱ ክመርሕ ሓድነቱን ናጽነቱን ኣኽቢሩ ክነብር ዘኽእሎ ፕረስ ኢዩ" ይብል። ቀዳማይ ዲግሩ ካብ ኣስመራ ዩኒቨርሰቲ ካልኣይ ዲግሪ ከኣ ካብ ደልሂ ሃገረ ህንዲ ዝተቀበለ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ቴድሮስ ኣብርሃም፤ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን ብምምያ ከይሓለፈ ዝሕተምን ዝዝርጋሕን ጽሑፋት ከምዘየሎ ድሕሪ ምግላጽ ፤ ንናጽነት ፕረስ ኣብ ሓንቲ ሃገር ንዘለዎ ኣስተዋጽኦ ብኽመዚ ዝስዕብ የብርህ፤

"ናጽነት ፕረስ ንህዝቢ ግሉጽ ዝኾነ ሓበሬታ ኣብ ምልውዋጥን ፡ ከይሰገአ እቲ ክብሎን ክነቕፎን ዝደሊ ሃህ ኢሉ ክዛረብ ዝፈቕድ'ዩ ፡ ብዓቢኡ ሓንቲ ሃገር በየናይ ኣንፈት ምዕባለ ትኸይድ ኣላ ኣብ ዝብሉ ናጻ ምይይጣት ንክህሉ ዓቢ ሮቓሒ'ዩ " ድሕሪ ምባል ህዝቢ ብምንገዲ ናጽነት ፕረስ ካብ ቤላቤሎውን ኮንዶኾንን ዝኾኑ እንተታት ወጽዩ ሓቐኛን ውዱዕን ሓበሬታ ንኽረክብ ዝሕግዝ'ዩ ፡ ነቲ ህዝቢ'ውን መሰሉ'ዩ" ይብል።

ግንቦት 3፤ ዓመት ዓመት፦ ነቲ መሰረታዊ መትከላት ናይ ፕረስ ነጻነት ንምጽምባል፡ ንኩነታት ነጻነት ፕረስ ኣብ መላእ ዓለም ንምግምጋም፡ ኣብ ልዕሊ ናጽነት ሚድያ ንዝወርድ መጥቃዕቲ ንምክልኻልን፡ ኣብ ዕማም ጋዜጠኝነት ህይወቶም ንዝሰኣኑ ጋዜጠኛታት ንምዝካርን ዝጽምበል ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ነጻ ፕረስ ኢዩ። ሎሚ ዓመት እዚ መዓልቲ ኣብ ትሕት "ንስልጣን ተሓታቲ ምግባር፡ ሚድያ፡ ፍትሒን ልዕልና ሕግን" ዝብል ቴማ ዝኽበር ክኸዉን ከሎ፡ንኣገዳስነት ሕጋዊ ሃዋሁው ንነጻነት ፕረስ ዘስምር ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ነጻ ዝኾነ ፍርዳዊ ኣካል ኣብ ምርግጋጽ ሕጋዊ ውሕስነት ንነጻነት ፕረስን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ንዝፍጸም ገበናት ናብ ሕጊ ኣብ ምቕራብ ዘተኮረ ኢዩ። እቲ ቴማ ብተወሳኺ ብዛዕባ ርእሰኻ ናይ ምግላጽ ነጻነት ዘሎ ሕጋዊ ሓጓፋት ንምድህሳስ ዝዓለመ ኢዩ።

ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ገዲም ተጋዳላይ ስዉእ ስዩም ዑቅባሚካኤን ብስዩም ሓረስታይ ዝፍለጥ፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ራዲዮና ናይ 28/04/2018 ዘቃላሕናዮ ስዩም ኣብ ፈስቲቫል ጀርመን ዝሃቦ ታሪኻዊ ኣስተምህሮ …ነጻ ኤርትራዊ ዜና ማዕከን ክህሉ ሚዛን ስልጣን ክሕሎ ህዝቢ ከይብደል ከይጥለም ምእንቲ ፡ ናይ ዓወትና እስትርተጂ …ዉሕስነት ዲሞክራሲ … ክስተታት ዲሞክራሲ ክድኮን ሕጋዊ ሰረት ሂወት ህዝቢ ዉሑስ ክኸውን ነጻ ኤርትራዊ ዜና ማዕከንን ክህሉን ምቋም ነጻ ሕዝባውያን ማሕበራት ሕጂ …ካብ ውልቀ ጀሚሩ ዉድባት ክህሉ ኣሎዎ እዩ ኢሉና ሓሊፉ … ተሰዊኡ….

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ትካል ተሓላቒ ነጻ ፕረስ ኣብ ዘዉጽኦ ጸብጻብ ንኤርትራ በቲ ንፕረስ እትህቦ ናጽነት ካብ 180 ሃገራት መበል 179 ሰሪዑዋ ኣሎ። ኣብቲ ን180 ሃገራት ዘመልክት ጸብጻብ ኤርትራ ን ሰሜን ኮርያ ጥራይ ቀዲማ መበል 179 ተርታ ሒዛ ኣላ። ኣብዚ ተርታ ኖርወይ ቀዳመይቲ ክትከዉን ከላ ሽወደንን ሆላንድን ካልኣይትን ሳልሰይትን ኮይነን ኣለዋ። ሓደ ካብቶም ኣብ 2001 ዝተኣሰሩ'ሞ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ጋዜጠኛታት ኤርትራዊ ሽዊድናዊ ዳዊት ኢሳቕ ብዙሕ ተዘሪቡሉ ተጻሒፉስ ክሳብ ኣብ 2017 ዩኔስኮ ናይ ጉሌርሞ ካኖ ዓለማዊ ሽልማት ናጽነት ፕረስ ጌሩ ከም ዝሸለሞ ይዝከር፡፡ ኮይኑ ግና ክሳብ ሎሚ ሃለዋት ዳዊት ይኹን እቶም 26 ድዮም 29 ህቡባት ጋዜጠኛታ ደሃይ የለን ዓለም ዋላ እውን እቲ ዝምልከቶ ማሕበር ማንም ለውጥ ኣየምጽኤን ስለምታይ ??? ... መልሲ ካብ ኩልና !!!

ነጻ ፕረስ መሪሕ ሂወት ናይ ዓለምና እዩ !!!

ምምሕዳር ድምጺ ሓርነት ካብ ሽወደን።

ከመዓልኪ ወርሒ 5 ወርሒ ግንቦት !

ራሕሲ ጠሊ ተስፋ ዓዃይ ንሓረስቶት፡

ጸሓይ በሪቃ ብፍስሃ ተቀልቂላ ብመስኮት

ሕጻናት ብማይ ክጨናጓጉዑ ብዝሑል ልዙብ ምቆት

ማላውቲ ይዕንድሩ ዕያዊቲ ምራኹት ጥቦት

ፍትውቲ ወርሒ ተስፋ ኣዝመራሰናይ ክራማት።

                               ሰላም ንዓኺ ወርሒ 5 ወርሒ ግንቦት !!

                                ባሕቲ መዓልትኺ ናይ ሪሂጸ በላዕ ንግደት፡

                               ፍረ ቃልሱ ዝጭራሓላ ብስጡም ሓድነት

                               ቀጻሊ ጥምጥሙ ዝእውጀላ ኣንጻር መዝማትነት

                               ኣርማኡ ገቲሩ ዝሕብረላ ኣህጉራዊ ምሕዝነት።

ድርብ ክብርን ዝኽርን ኣዓኺ ወርሒ ግንቦት !!!

ዕለት 24 ተወሲኻ ነጻነት ናይ ዕሸል ሃገርና ልደት፡

ሳላ ጀማሪ ሰራዊት ሓርነት ደምዳሚ ህዝባዊ ሰራዊት

ብድርብ ቃልሲ ህዝብና እኩብ ድምር ዓወት ፡

ድሕሪ 30 ዓመታት ሲዒሮሞ ንገዛኢ ባዕድነት

ልዕላውነት ለቢሳ ኤርትራና ወጺኣ ነጻነት።

                               ተሻቂለ ኣነስ ወርሒ 5 ወርሒ ግንቦት !!!!

                                 ብደስታ ክንዝክረኪ ብዓቢ ፍስሃ ብኽብረት

                                 ብፍናን ሓረስታይ ኣብዑሩ ዘይሃሲ ፈኲስ ስበት ፡

                                 ኣህጉራዊ ምሕዝነት ንግርማ መሰል ሃገራውነት

                                 ኩልና ደቅኺ ተደሲትና ብሓባር ክንዲ ንጻወት ፡

                               መንጎ መንጎ ኮይኑና ብድርብ ዝኽርኺ ከይንድሰት

                               ገቲኡና መላኺ ስርዓት ህግደፍ ቀይርዋ ባርነት ።

27 ዓመቱ ኮይኑ ዲሂኹ የእትዩና ኣብ ደልሃመት !!!

ንሃገርና ሽማ ኣባላሹ ጌሩዋ ንጽልቲ ቁሸት ፡

ምስ ኩሎም ጎረባብትና ኣመል ገርዎ ክናቆት                                                              

ህዝብና ብሕሰም ገጹ ተደዊኑ መሲሉ ሕመት

ብራዕዲ ብሂወቱ እናረኣየ ገርዎ ከም ዝዕመት

ትሕቲ ምድሪ መቊሕዎ ከይዛረ ከይሕተት

ሕድሪ ስዉኣት መብጽዓ ህዝቢ ተረጊጹ ይዝመት

ኣረሚን ስርዓት ደፊኣኡ ኣኽሊል ጥልመት።

                               ሰሚዕኪ ዶ ወርሒ 5 ወርሒ ግንቦት ?

                               እዚ ትምክሕተኛ ብዱዕ ተዓዛዚርዎ ንዕቀት

                              መፍትሒ ሓብሪ ኣሎኪ ናይ ሰውራ ሙኩር መሰረት

                               ንዒ እባ ገለ ግበሪ ኣንቲ ተቃላሲት ወርሒ ግንቦት

                               ኣበግስዮ ሰውራ ሸቃላይ ዝገንፈሎ ጭቆና ምረት

                               ይኣኽለካ በልዮ ንዉልቀ ምልኪ ግበርሉ ነባሪ ደረት

                                ክድሕን መንእሰይ ካብ ሰሃራ ሲናይ ቀለብ ዓሳ ህልቀት።

ነባሪ ክብርን ዝኽንር ንጀጋኑ ሰማእታትና !!!

ባሕቲ ግንቦትን 24 ግንቦትን ንወትሩ ክበራ !!!

ውድቀት ንዉልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ።

ጸሃየ ቀለታ ... 2006 >>>>>> >>>>>> 2018

    

                                                                                                                                                                                                                            

Friday, 04 May 2018 22:26

ሓውኻ ኣይበድልካ!

Written by

ወዲ ሰብ ካብ ግዜ ህጻንነቱ ጀሚሩ እዩ ኩነታት ስድራቤቱን ከባቢኡን ክፈልጥን ክመሃርን ዝኽእል። ካብዚ ነቒሉ ብዕድመ እናደፍአ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ከኣ ካብቲ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ምስቲ ማሕበራዊ መስርሓት ይኹን ወይ ትምህርቲ ዝረኽቦ ተመክሮ ኣብ ኣተዓባብያኡን፥ ኣተሓሳስባኡን እንተስ ብኣውንታ ወይ ብኣሉታ ክጽሎ ምዃኑ ዘይተርፍ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ፍትሓዊነትን ቅንዕናን እትኣምን ሓንቲ ስድራቤት፥ ብመንጽር ለይትን መዓልትን እትቆያቑን እትበኣስን ስድራ ቤት ዝወለድ ቆልዓ እንታይ ዓይነት ባህርያት ከም ዝህልዋ ክንግንዘብ ንኽእል ኢና። ልክዕ እዩ ወዲ ሰብ ንዓቕሚ ኣዳምን ህይዋንን ምስ በጸሐ መኻይዱ እንተዘየነጸረ፡ ወይ ኣብ ደልሃመት ወይ እውን ኣብ ስልጣኔ ገጹ ክኸይድ ምዃኑ ዘካሕድ ኣይኮነን። ከምቲ”መን ምዃንካ ክነግረካስ ምስ መን ከም እትኸይድ ንገረኒ” ዝበሃል ኢዩ ነግሩ::

ቀዳሞት ወለድና ብፋላይ ንጓለንስተይቲ ዝምልከቱ ብርክት ዝበሉ ሕግታት ኣመዝጊቦም ኢዮም። ሓደ ካብኡ ንጓልንስተይቲ ብዝኾነ ይኹን ናይ ዓመጽ ኢድ ከየንብረላ ዝብል ሕጊ ነይሩ። “ስለምንታይ እዮም ወለድና ከምኡ ሓጊጎም?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን እዩ። እቲ መልሲ ጓለንስተይቲ ብፍጥረታ ድኽምቲ እያ። እዚ ማለት ብሓንጎል ዘይኮነስ ብኣካል ማዕረ ወዲ ተባዕታይ ሓይሊ የብላን ካብ ዝብል ብሂል እዩ ዝነቅል። ስለዚ እቲ ሓይላን ዝከላኸለላን ሕጊ እዩ ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ እዩ።

ሎሚ ኤርትራውያን ናብራ መሪሩናን ፖለቲካዊ ቅሳነት ብምስኣናን፥ መሰላትና’ውን ብምግፋፉ፥ ናእሽቱናን ዓበይትናን ሃገርናን ህዝብናን ጠንጢና ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ብምስዳድና ነቲ በቦታትና ዘጽንሐ ሕጊ እናጠሓስና ንኸይድ ኣሎና። ንክብረት ጓለንስተይቲ እውን ኣብ ግምት ንእቱ የለናን። ስለዚ ኣካላዊ ይኹን ዘለና ኤርትራውያን በደል ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊት ሓብትና ምፍጻም ቅኑዕ ወይ ቅቡል ኣይኮነን። ሎሚ ኣብ ስደት ብምህላውና እቲ ሕጊ ዓድና እንተዘይኣኽበና፥ ጽባሕ ዓድና ርህይዋ፡ ቅዋማ ኣጽዲቓ ስርዓታ ምስ መስረተት ግና ወይልኡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ በደል ይኹን ጉድኣት ወይ ዝኾነ በደል ዝፈጸመን መሰላ ዝገሃሰን።

ኣብ ስደት ኣብ ዓዲ ጓና ኰይንና ንደቂ ኣንስትዮ ኣሕትና ክንብድል ቅኑዕ ስነምግባር ኣይኮነን። ንጓለ ንስተይቲ ዝውጽዕ ወይ ዝብድል ወይ’ውን ኣካላዊ ማህሰይቲ ዘውርድ ስልጡን ዘይኮነስ ኣዝዩ ናይ ክፍለዝመና ንድሒሪት ከምዘሎ እዩ ዝእምት። እዚ ኣብ ስደት ዝፍጸም በደል ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ እትፍጽምዎ ዘሎኹም ግፍዒ ናይ ብሓቂ ጸረ-ምዕብልናን ስልጣነን ምዃኑ ክትግንዘቡ ይግበኣኩም።

ኣብ ኤውሮጳ፥ ኣመሪካ፥ እስራኤል፥ ዩጋንዳ፥ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኮታ ኣብ ኩሉ ክፍለ ዓለማት ዝርከቡ ኤርትራውያን ደቂ ተባዕትዮ ክሳ ክንደይ ኢዮም ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ኣኽብሮት፥ ምሕብሓብን፥ ምትሕግጋዝ ጠባይ ዘለዎም። ክንደይከ እዮም ፍትወት ነፍሲ ኣጥቂዕዎም፥ ነታ ሓወይ፥ ረደኣየይ፥ ከዋንየይ ኢኻ ኢላ ብእምነት ዝተጸገዓቶም ኤርትራዊት ዘጨንቕዋ፥ ገንዛባ ክዘምቱን፥ ካብኣ ወሊዶም ዝኽሕዱን። ወረ ክሳብ መቕተልቲ ዝበጽሑስ ናይ ብሓቂዶ ሕልና፡ ፈሪሃ እግዚኣብሄርን ሕግን ኣሎዎም ድዩ ዘብል እዩ።

ዝተቖጠዐን ተስፋ ዝቖረጸን በዓል ሓዳር ብፍላይ ብተባዕታዊ ጸብለልትነት ዝተጠቕዐ እንተ ኮይኑ ጎዳእን ጭካኔ ዝመልኦ ሕልና ዝውንን ክኸውን ስለዝኽእል፡ እታ ሕያወይቲ ጓለንስተይቲ ብእምነት ዝቐረበቶ የዋህ ጓለንስተይቲ ክመጻ ዝኽእል ሳዕቤን ስለዘይትፈልጥ ክትጥቃዕ ምዃና’ኳ እንተተረደአት ክተምልጠሉ ዘይትኽእል ኩነት የጋጥማ ከምዘሎ ናይ ኣደባብይ ምስጢር እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ መጀመርያ ዝነበረ ጽቡቕን ምውቕን ፍሽኽታን ሓልዮትን ዝመልኦ ዝምድና ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ሃንደበት ናብ ምብራዝ ገጹ ይድይብ። ኣብ መንጎ ጓለንስተይትን ወዲተባዕታይን ዝነበረ ፍቕሪ ድሮ ኣብ ምህሳስ ይበጽሕ እሞ እቲ ኣጆኺ ክብላ ዝግባኦ ሓዋ ናብ ክፍኣትን ተንኮልን ገጹ ይጓዓዝ። እዚ ከኣ ፍትሓውን ርትዓውን ካብ ምዃን ወጺኡ ስሰዐ፥ ፍትወት ነፍሲ፥ ሕማቕ ልምድን ባህልን ምዝውታር ዝወልዶ እዩ። ብፍላይ ድማ በቲ “ንጓል ኣንስተይቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርካ ዘይተእቱ እንተዀንካ ልኡኽ ሰበይ ኢኻቲ” ዝበሃል ኣጉል ፍልስፍና ዝግዛእ፡ መወዳኣትኡ ናብ ሓደጋ እዩ ዘቃልዕ። ስለዚ ኣማን ብኣማን ሓውካ ኣይበድልካ እዩ’ሞ ሓውካ ኣይበድልካ እዩ ነገሩ።

ብዕለት 1.05.2018 ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይቲ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳን ዝዳሎ ፈስቲቫል/ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ፍራንክፎርት 2018 ካልኣይ ኣኼባኣ ኣካይዳ። ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ካብ ዘሎው ትሽዓተ ኣባላት ማሕበርን ሰልፍን ዝቆመት ሽማግለ ኮይና፡ ቀንዲ ዕማማ ድማ፡ ነቲ ብሓልዮት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጅርመንን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን፣ ኣብ ፍራንክፈርት ህዝብን መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባትን፡ ሰልፍታትን፡ በርጌሳውያን ማሕበራትን ብምርኻብ ሃገራውን ህዝባውን ጉዳያት ንምርላዛብን ሓሳባቶም ንምልውዋጥን ዝካየድ ዓምታዊ በዓል ኤርትራ ንምዕዋት ድሮ ስርሓ ጀሚራ ትርከብ።

እዚ ብዕለት 01 ጉንበት 2018 ዝተኻየደ ኣኼባ ሽማግለ፣ ብኣቦ-መንበር ሽማግለ ኣቶ ተስፋማርያም ክብርእብ ተኸፊቱ። ኣኼባ ንኣጀንዳታቱ ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምርኣይ፣ ክሳብ’ቲ ዕለት’ቲ ዝተሰላሰሉ ዕማማት ገምጊሙ። ድሕርዚ ንዝትረፉ ዕማማት ንምስልሳልን ኣብ ምሉእ ፍጻመ ፈስቲቫል ንምብጻሕን ሽማግለ ኣብ ውሽጡ ነብሰ ስርዕን ኣርባዕተ ክፍልታት ዝሓቖፈ ምምቅቃል ዕዮን ገይሩ፣ ናይ ስራሕ መደባቱ ሰሪዑ ተበጊሱ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ፈስቲቫል ፍራንክፎርት፣ ሎሚ ዓመት እውን ኣብቲ ልሙድ ቦታ ኣብ ቦኮንሃይም ቫርተ ዝርከብ ኣደራሽ ናይቲ ዩንቨርስቲ ፡

Die Studierendenschaft der Johann Wolfgang Goethe – universität

Mertonstr. 26 – 28 60325 Frankfurt a. Main

ካብዕለት 03 ክሳብ 05 ነሓሰ 2018 (August 03 – 05.2018) ኣብዘሎ እዋን ክጋባእ እዩ።

ሽማግለ ፈስቲቫል 2018