EDAlogo

تجري علي قدمٍ وساق الاستعدادات لإقامة مهرجان ارتريا 2015م بفرانكفورت، يعد المهرجان سنوياً من قبل الرابطة الارترية الديمقراطية غير الربحية والتي تهدف من خلاله تنظيم المنتديات الفكرية والسياسية بين القيادات السياسية والمدنية من جهة وجماهير الشعب من جهة.

هذا وقد تقرر مبدئياً أن تقام فعاليات المهرجان في الفترة من الحادي والثلاثين من يوليو (تموز) الي الثاني من أغسطس (آب) 2015م ( 31/ 7 – 2/ 8/ 2015م ).

وكالعادة فإن المهرجان ساحة للقاء الأهل والأقارب وتبادل التحايا وتجديد الود والأشواق بين من تباعدت بينهم المسافات واختلفت المشارب، لذا يجد الكل نفسه في هذا المهرجان داعياً وليس مدعواً فقط.

العنوان المكاني:

Campus der Johann Wolfgang Goethe-Universität

Mertonstr. 26-28

60325 Frankfurt/Main

وسنوافيكم بأية تطورات أو إعلانات لاحقة تتعلق بالمهرجان

مع فائق التقدير والاحترام

إخوانكم وأخواتكم في اللجنة التحضيرية للمهرجان

ገዲም ተጋዳላይ ተስፋማርያም ወልደማርያም ክፍሉ፡ ብ 27 መጋቢት (March 27) 2015 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ጆርጅያ-ኣትላንታ ድሕሪ ምዕራፉ፡ ብ 08 ሚያዝያ (April 08) 2015 ኣብ ዓዲ-ኳላ፡ ስድራቤቱ፡ ቤተሰቡን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኸብዎ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ስውእ ተስፋማርያም ወልደማርያም፡ ንዝሓደሮ ሕማም ሕክምናዊ ምክትታል ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን፡ ብኣካል ካብ ርሑቕን ቀረባን ብምምጻእ፡ ከምኡ`ውን ስልኪ ብምድዋል ሞራላዊ ደገፍ ንዝገበርክሙሉን፡ ምስ ዓረፈ ድማ፡ ሓዘን ኣብ ዝተገብረሉ ቦታ ብኣካል ብምምልላስ፡ ስልኪ ብምድዋል፡ ኢመይል ብምልኣኽን ኣብ ናይ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታ ብምጽሓፍን፡ ዘጸናናዕኩሙናን: ዕረፍቲ ተስፋማርያም ንዘቃላሕኩሙልና ናይ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታን፡ ተኻፈልቲ ሓዘንና ንዝኾንኩም ብሙሉእኩምን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ልባዊ ምስጋናና ነቕርብ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ናይ መፋነዊ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት (Funeral Ceremony) ብኣካል ተረኺብኩም ሬሳ ወላዲናን ሓውናን ዘፋነኹም ነበርቲ ኣትላንታን ከባቢኣን፡ ከምኡ`ውን ካብ ካልኦት ግዝኣታት ናይ ኣመሪካ ዝመጻእኩም፡ መቓልስቱ፡ መማህርቱ፡ መታዓብይቱን ፈተውቱን፡ ንተስፋማርያም ክብሪ ብምሃብኩምን ንዓና ድማ ተኻፈልቲ ሓዘንና ስለዝኾንኩምን ደጊምና ልባዊ ምስጋናና እናቕረብና ሕሰም ኣይትርከቡ ንብል። ኣብ ሓመድ ድበ ናይ ተስፋማርያም ወልደማርያም ክፍሉ ዝተረኽብኩም ብምሉእኩም ምስጋናና እናቕረብና፡ ሕሰም ኣይትርከቡ እንዳበልና ሓዘንና ከምጽዓጸና ብኣኽብሮት ክንገልጽ ንፈቱ።

ምሉኣት ስድራቤት

ምስግና ባህታ 

በሊሕ ናይ በላሕቲ ‘ሳርያም ናበይ ደኣ ከድካ

እንታይ ደአ ሃወኸካ ግዜኳ ዘይሃብካ

ንመን ደኣ ገዲፍካላ እታ ትፈትዋ ሃገርካ

ንመን ደኣ ሂብካዮ ነቲ ተፍቅሮ ህዝብኻ።

             ኣየ ሓንጎል፡ ኣየ ራእይ፡ ኣየ ትንተናታት

             ተውህቦስ ነይሩካ ናይ ጽሑፍ ድርሰታት

             እንታይ ደኣ ኾለፈካ ከይወዳእካ ገለጻታት

             ህዝብኻ ኮ ይጽብየካዩ ነይሩ ስለ ዘይረኸበ መልስታት።

እዝክር ኲሉ ናይ ግዜ  ሰብዓታት

 ማሕበር  ተመሃሮ ኣብ ምምስራት

ዝመራሕካዮ ዕዉት ቃልሲ ብብቕዓት

ዘዳለኻዮ ብሱል ትሕዝቶ መጽሔታት።

                          ዝቐጸለ ቃልሲ ናይ ጀብሃ ውሽጣዊ ስርርዓት

                          ኣብ ዩኒቨርሲቲ ይኹን ኣብ ኲሉ ቤት ትምህርታት

                          ብዝንኣድ ፓለቲካዊ ብስለት ክልሰ-ሓሳባዊ ብቕዓት

                          ኣተኣሳሲርካዮ ኢኻ ምስ ናይ ጀብሃ ገስጋሲ መደብ-ዕዮታት።

ጻውዒት ሃገር ኣኺሉ ናብ ሜዳ ምስ ወጻእካ

ነቲ ክውንነት ውድብ ብወድዕነት መዚንካ

ብስምዒት ጥራይ ምቅላስ ጎዳኢ’ዩ ቢልካ

ብብስለትን ጥርናፈን ንለውጢ ምቅላስ  መኺርካ።

                                     ንስምረት ውድባት ዘበርከትካዮ ግዴታት

                                     ምስክር እዩ ዝጽሓፍካዮ ኲሉ ዓንቀጻት

                                      ዘቕረብካዮ ናይ ልዝብ ሃናጺ ርእይቶታት

                                     ዘይሕከኽ እዩ ካብ ናይ ታሪኽ መዝገባት።

ናይ ክፍሊ ዕዮ ዜና ፈጻሚ ኴንካ ብብቕዓት ተመሪጽካ

ብብሱል ጽሑፋት ንህዝብና ኣነቓቒሕካ

ኣብ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ’ውን ምዕባሌ ኣበርኪትካ

ብሉጽ ዕዮ ፈጺምካ ኢኻ ታሪኽ’ዩ ምስክርካ።

                                ጒዕዞ ስምረት ፋሕ ኢሉ ምስ ኮነ ሕድሕድ ኲናት

                                 ሃገራዊ ሓይሊ ምድምሳስ ዝተገብረ ውዲታት

                                ንኲሉ ዘሕዘነ ሃገራዊ ውድቀታት

                                እንሆ ሕጂ ጎሊሁ ይርአ’ሎ ዘኸተሎ ሳዕቤናት።

   ጅግና ሰራዊት ሓርነት ዝበደሎ ዘይብሉ

   ተወሳኺ ቅንጸላታት ሰብ ራሳይ ኣውረዱሉ

   ዕልዋ ያኢ መፍትሒ ተባሂሉ

   ጅግና ብጻይካ  መልኣከ ዝተሰውኣሉ።

                                          እዚ ኮይኑ ምስ ኣምራሕካ ናብ ስደትካ

                                          ካብ ተፍቅሮ ህዝብኻ እተፈትዋ ሃገርካ

                                          ተፈሊኻ ከም ስደተኛ ምንባር ስቓይ ስለ ዝኾነካ

                                          ብዙሕ ኣይሰለጠካን ኣብ ዳሕራይ ግዜታትካ።

      በቲ ብሉጽ ሓንጎልካ ደሊብካ ዝያዳ ፍልጠት

      ክትመርሕን ክትምህርን ኣብ ዩኒቨርሲታት

      ከተመስክር ምዃንካ ናይ ኣፍሪቃ ኲርዓት

      ክትጽሕፍን ክትገጥምን ዝነበረ ባህግታት

      ከይፈጸምካ ምኻድካ’ዩ ዘሎና ጣዕሳታት።

                                         መደምደምታ  ምዕራፍ ናይ  ቃልሲ ህይወትካ

                                         ክትፍጽም ካብ ዝነበረካ ድሌት ተኾሊፍካ

                                         ካብ ኮነስ በል ስኽፍ ኣይበልካ

                                         ዘዂርዕ ታሪኽ ገዲፍካላ’ኻ ኤርትራ ሃገርካ።

      ሓንቲ መዓልቲ፡ ራኢኻ ኮነ ሕልምኻ

      ናይ ሓራን ብልጽግትን ኤርትራ ሃገርካ

      ክርኢ’ዩ እቲ ውጹዕ፡ ብዱል ህዝብኻ

      ምኻድ ካብ መረጽካስ፡ ዕረፍ ብሰላምካ።

           ካብ ብጻይካ ምስግና ባህታ 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡

ንምእመናን ክርስትናን፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብጠቕላላን  እንቋዕ ናብ  በዓል ትንሳኤ ኣብጽሓኩም እናበለ፡  ስቅያት ህዝብና ዝድምደመሉ፡ ዓመተ ሰላምን ራህዋን ድማ ዝጅምረሉ በዓል ክዀነልና ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ጉጅለ ህግደፍ ክሕበኣሎም ካብ ዝፍትን ብዙሓት በዓትታት ሓደ፡ ንነብሱ ምስ ኤርትራን ልዑላውነታን ክለሓግ ምፍታን እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ድማ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት፡ ኣብ መንጎ ኤርትራ ከም ሃገርን ህዝብን ኣብ መንጎ ጉጅለኡን ዘሎ ዝምድና ከመይ ምዃኑ ከብርህ ክሕተት እንከሎ “ንሕና ህግደፍን ኤርትራን መን ክልተ ኣካላት ገይሩና” ዝብል ናይ ስንባደ መልሲ ዝህብ። “ንሕና ሃገር ንሕና ህዝቢ” ዘድርፍ እውን ነዚ ንምድማቕ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ድማ ኣብ ልቢ ግሩሃት “ህግደፍ እንተዘየልዩኮ ህልውናና ከም ሃገርን ህዝብን ውሕስነት ኣይክህልወናን እዩ” ዝብል ራዕዲ ክፈጥር ዝጸንሐ። ሎሚ ሎሚ ግና ህልውና ኤርትራ፡ ከም ህዝብን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ዘውድቐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብዝኾነ መለክዒ ናይ ልዑላውነት ተሓላቒ ክኸውን ከም ዘይክእል እንዳነጸረ መጺኡ ኣሎ። እዚ ዝምዕብል ዘሎ ክውንነት እምበኣር ጉጅለ ህግደፍ ልዑላውነት ከም ዘየውሕስ ዘረድእ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እዚ መሰረታዊ ዕማምዚ ነዚ ዛህሩ ዝጠፈኦ ጉጅለ ዝምጠው ዘይኮነስ ንዓና ነቶም ንለውጥን መጻኢ ብሩህ ተስፋ ኤርትራን ንቃለስ ዘለና ሓይልታት ተቓውሞን ህዝብናን ብዝያዳ ዝምልከት ብምዃኑ ሓላፍነት ዘሰክመና እዩ።

ኩልና ዘይንክሕዶ ሓፈሻዊ ኣረዳድኣ ኣሎ። ህዝብን ሃገርን ነበርቲ እዮም። ስርዓታት ግና ሓለፍቲ እዮም። ጉጅለ ህግደፍ ከዓ ከምቲ ድሌቱ ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ከም ቁርዲድ ተላሒጉ ዝነብር ዘይኮነስ ክሓልፍ እዩ። ንሕና እቶም ንምውጋዱ ንቃለስ ዘለና ከዓ ነቲ ዘይተርፍ ምሕላፉ ናይ ምቅልጣፉን ዕድመ ናይቲ ብሰንኩ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ መከራ ናይ ምሕጻሩን ሓላፍነት እዩ ዘለና። እቶም “ኣብ ህላወ ህግደፍ ኢና ንረብሕ” ኢሎም ሞይቱ እንከሎ “ኣሎ እምበር” እንዳበሉ ትንፋስ ክሰኹዕሉ ከንቱ ድኻም ዝደኽሙ፡ እንዳወሓዱ ዝኸዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ወገናት እውን ሃጽ እንተበሉ ቁሩብ ዕድመ ከናውሕሉ እንተዘይኮይኖም ካብ ሕልፈት ከድሕንዎስ ፍጹም ኣይክእሉን እዮም።

ሎሚ ሓሓሊፉ ከም ዝስማዕ ተቓዋሚ ኮይንካ ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ ከም ዘቐንዝወካን ዘሰክፈካን ምቅላሕ፡ ከም ነቲ ስርዓት ምሕጋዝን ናቱ ዕማም ክትዓምም ምድንዳንን ኣምሲሎም ዝቐርቡ ኣርሒቖም ዘይጥምቱ ምዕዝምዛማት ይስምዑ እዮም። እዚ ሓደገኛ ምዕዝምዛም’ዚ ክንዲ ጉዳይ ልዑላውነት ዝኣክል መሰረታዊ ጉዳይ፡ ነቲ ንሃገርናን ህዝብናን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ስማዊ መንግስትነት ሒዙ ዘሎ ጉጅለ ከም ድላዩ ክዋራዘየሉ ክም ምግዳፍ ዝቑጸር እዩ። ምናዳ ምናዳ ንሓደ ጉዳይ ልዑላውነት ዘሻቐሎ ውድብ ድዩ ማሕበር ምናልባት’ውን ውልቀ ኤርትራዊ፡ ከም ምስቲ ጉጀለ ዝደናገጽ ኣምሲልካ ክትገልጾ ምፍታን፡ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ “እዛ ዓብይ ኣጀንዳ ልዑላውነት ብዘይካይ ዝዓማ የለን” ዝብሎ “እወ ሓቅኻ ንሳስ ንስኻ ጥራይ ኢኻ እትኽእላ” ኢልካ ኢድካ ካብ ምልዓል ተፈልዩ ስለ ዘይረኣ፡ ነቲ “ ጉዳይ ልዑላውነት ኤርትራ ዝያዳ ጉጅለ ህግደፍ ነዓይ እዩ ዝምልከተኒ” ዝብል ኣካል ኣገናዕ ክንብሎ’ኳ ተዘይተባዕና፡ ከነዕንቅፎ ምፍታን ግና ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ልዑላውነታ ኣብ ዘየገድሰና ሃገር ንደሞክራሲያዊ ስርዓት እንቃለስ ኮይና ከይንቐርብ ድማ ምስትብሃል ከድልየና እዩ።

ርግጽ እዩ ጉዳይ ልዑላውነት ኣብ ቅድሜና ካብ ዘለዉ፡ በዳህቲ ዕማማት ሓደ እምበር ዕማምና ንሱ ጥራይ ኣይኮነን። ጉዳይ ህዝቢ ዝማእከሉ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካል እውን ናትናን ናይ ህዝብናን ዓብይ ዕማም እዩ። እቲ ዝትከል ደሞክራሲያዊ ስርዓት ከዓ ኣብታ ልዑላውነታ ዘዕቆበት ኤርትራ እዩ። እቲ ቀንዲ ናይዚ ክንተኽሎ ንቃለሰሉ ዘለና ስርዓት ተጠቃምን ተዋሳእን ከዓ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ልዑላውነታ ኣብ ዘዕቆበት ኤርትራ፡ ህዝቢ ማለትና ቀጥዒ ክመልእ እንከሎ ጥራይ “ኤርትራዊ እየ” ዝብል ማለትና ኣይኮነን። ርግጽ እዩ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዝተፈላለዩ ዕማማት ከተተግብር ክትነቅል እንከለኻ፡ እቲ ኣብ ሕድሕዶም ዘሎ ምትእስሳራትን ምጽልላዋትን ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ካብ ኣብ ሓደ ግዜ ናይ ዛዕባታት ምድውዋስ ንምድሓን ቀዳምነታትካ ምስራዕ ናይ ግድን እዩ። “ብዙሕ ዝደሊ ሓደ ይስእን” ምእንቲ ከይከውን። ቀዳምነታት ክንሰርዕ እንከለና፡ ኣብ ግምት ክኣትዉ ካብ ዝግበኦም መምዘንታት፡ ናይቲ ዕማም ባህርያትን ንመጻኢ ዕማማት ዝጸርጎ መንገድን፡ ናይ’ቲ ምእንታኡ እትቃለሰሉ ህዝቢ ድሌትን ዝንባለን፡ ናትካ ናይ ምፍጻም ዓቕምን ከባቢያዊ ጽልዋን ካብቶም ብዙሓት ውሑዳት እዮም። ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ እውን፡ ሓደ ካብ መሰረታዊ ዕማማትና ምዃኑ ርዱእ ከይኑ ቀዳምነታትና ክንሰርዕ እንከለና “ኣብቲ ግቡእ ቦታኡ ነቐምጦ” ዝብል ሓሳብ ክቐርብ ግቡእን ተቐባልነት ዘለዎን እዩ። ልዑላውነት ነቲ ህልውና ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ጉጅለ ህግደፍ ዝተገድፈ ሕዛእቲ ስለ ዝኾነ ናብኡ ገጽኩም ተወዝ ከይትብሉ ምባል ግና ተቐባልነት የብሉን።

ሎሚ ከምቲ ዓለምና ብሳላ ኩለመዳያዊ ስልጣነ ናብ ንእሽቶይ ቁሸት ተቐይራ እያ እንብሎ፡ ናትና ናይ ለውጢ ቃልሲ ወሲኽካ ኣብ ሓደ ውሱን ኩርናዕ ዝረአ ፖለቲካዊ ምዕባለ ዓይኒ ብዙሓት ክስሕብ ናይ ግድነት እዩ። ኣብ ርሑቕ ከይከድና ኣብዚ ከባቢና ዘሎ ጉዳይ፡ ሱማልያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሊቢያ፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፐብሊክ፡ የመን … ወዘተ ኣብቲ ፖለቲካዊ ሜዳ ብዓል መን ይጻወቱ ኣለዉ ምዕዛብ ኣገዳሲ’ዩ። እቶም ኣብቲ ጉዳይ ኣእዳዎም ዘእትዉ ኣካላት ከካብ ናይ ሃገሮም ሃገራዊ ረብሓ ዝነቅል ሕሳባት ከም ዝህልዎም ቅድሚ ኩሉ ኣይንዘንግዕ። ነዚ ረብሓኦም ንምዕዋት ድማ ናይታ ኢዶም ዘእትዉላን ንብረቶምን ገንዘቦምን ዘፍስሱላን ሃገር ቀዳምነታት ብመንጽር እቲ ዝጽበይዎ ረብሓኦም ክሰርዕዎ ዓይኒ ከም ዘይሓስዩ ኣይንረስዕ። ኣብዚ ኢና እምበኣር ጉዳያትና ምስ ኩነታትና በቲ ንሕና እነቐምጦ ናይ ጉዳያት ኣሰራርዓ ከም ዝኸይድ ንምግባሩ ክንጸንዕ ዝግበኣና። እዚ ዕማምዚ ኣብ ሓደ ጸሓይ ዝውዳእ ዘይኮነስ ነብሱ ኣብ ዝኸኣለ መስርሕ ዝጥረ እዩ።

ፈቲናዮን መሪጽናዮን ዘይኮነ፡ ብባህሪኡ ቃልሲ ቀጻሊ እዩ። ኣብ ተመኩሮና’ኳ ነጻነትና ከነርጋግጽ ኣንጻር መግዛእቲ ተቓሊስና ልዑላዊት ሃገር ወኒንና። ድሕሪኡ’ውን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ደኣ ተሳጊርና እምበር ቃልሲ ኣይተቛረጸን። እነሆ ከዓ ምእንቲ ደሞክራሲ ኣንጻር ምልኪት ንቃለስ ኣለና። እዚ ምዕራፍዚ’ውን ክንድቲ ክበልዖ ዝግበኦ ግዜ ምስ በለዐ ክዕወት ናይ ግድን እዩ። ድሕሪኡ ድማ ኣብ ካልእ ሓድሽ ምዕራፍ ቃልሲ፡ ምእንቲ ዕቤት ኣንጻር ድሕረትን ድኽነትን ክቕጽል እዩ። ዕቤት ምስ ተዋሕሰ ድማ እቲ ዝተዋሕሰ ዕቤት መስመሩ ኣሐይሉ ክቕጽልን ንድሕሪት ከይምለስን እቲ ቃልሲ ቀጻሊ እዩ። እዚ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እንዳተሰጋገረ ዝቕጽል መስርሕ እምበር ብሓደ ወለዶ ዝዕመም ኣይኮነን። ካብዚ ብምቃል እዮም ድማ ምሁራት “ትውልዲ ጠጠው ከምዘይብል፡ መስርሕ ቃልስን ለውጥን እውን ተተሓሒዞም ቀጸልቲ እዮም” ዝብሉ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሓሳብ ንምጽብራቕን መጻኢ ዓወት ከተማዕዱ እንከለኻ፡ ኣቐዲሙ ዝተመዝገበ ዓወት እንዳዓቀብካ ምዃኑ ንምግንዛብን፡ ኣብ መቕድም ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ ተልእኾ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መላእ ሓርነት ህዝባ ዘውሓሰት፡ ልዑላውነታ ዝሓለወትሓድነት ህዝባዘዕቆበት፡ ድኽነትን ሕማማትን ዝሰዓረት ፡ክብርታት ህዝብና ዝሓለወት፡ ብልጽግቲ ቅዋማዊት ደሞክራስያዊት ሃገር ምህናጽ ምቅላስ እዩ፤”ዝበሎ ምጥቃሱ ኣገዳሲ እዩ።

10 ማዝያ 2015

ጸጋይ ነጋሽ

ዓዲ-ዃላ ሰሚዓዶ መርድእ ዕረፍትኻ

ከተማኣ፡ ስግር ማይ-ላፎኣ ውዒላቶ`ዶ ቀብርኻ፣

ደንጎሎ (ማይጻዕዳ)፡ በጺሕዎም`ዶ መኣውይቲ ስንብታኻ።

ምድሪ-ፈላሲ፡ ደቂ-ቦኽሪ ዓይላ-ጉንደት

ቆሓይን፡ እንዳዝማች- ዑቕቢት

ማይ-ጻዕዳ-መራጉዝ፡ ተኸላ፡ ውዒሎም`ዶ ብኽተት።

ወለዶ ዓጽመ-ስጋኻ ዘሳፈሐ ከም ሮማዲ

ንኣካለ-ጉዛይ፡ ንሓማሴን፡ ዝጠርነፈ ስምዲ፡

ኣብ ሓመድ-ድበኻ ዝውዕሉስ ማእለያ ዘይብሎም ህዝቢ።

ሰሚዐን`ዶ ሳንጀርጆ፡ ሳንታ-ፋሚልያ

ኣርከባ`ዶ ኣብ ሓመድ-ድበኻ፡ ብጉያ-ጉያ፣

ቆልዓ ምህረይ ወልደማርያም፡ እቶም በዓል ቅያ።

ኣለኒ ዛንታ፡ ብሰፊሑ ዝዝንቶ

ጸኒሑኒ ታሪኽ፡ ምሁራዊ ኣበርክቶ፡

ናይ ወላዲኻ ፍልጠት፡ ዓሚቝ ትሕዝቶ።

ወሪሲካ`ኻ፡ ሰሚድካዮ፡ ቅኒት ወላዲኻ

ነቢበዮ፡ ``ስነ-ቅኔኣዊ ድፍንቕ`` ግጥምኻ

ኣጽኒዕካዮ ይበል ውርሻ! ` ት ውልቀ-ነጻነት ባህልኻ።

ኣንታ ሓወይ! ኣይተሃውኽካን`ዶ?

ነይሩካ እንድዩ ብዙሕ እትውርቖ እትስንዶ፣

ህይወት ከም ጽላሎት ከም`ትሓልፍ

ዘንጊዕካዮ እመስለኒ፡ ከም`ትብል ኩልፍ?

ተጸብየካ ነይረ ክትጽሕፍ ዘይተኸለሰ ታሪኽ

ስለዝፈልጥ ብርዕኻ፡ ንሓቂ ዘይትሓንኽ፡

 ቃልዕ ክኸውን `ቲ ዝነበረ ብድሆታት

ውድብ ኣፍሪሱ፡ ዘምረሐ ናብ ስደታት፡

ኔርካ `ውን ኣብ መብዛሕትኡ ርኽክባት ምስ ህ.ግ.ሓ.ኤ.

ውዒልካ፡ ተኻራኺርካ፡ ሰሚዐ፣

ኣብ ገድሊ ህዝቢ ኣንቢበዮ ነቲ ላህመቱ

ምህላዉ ግን ኣይስሕትን፡ ዝፈርዘመ ክስተቱ።

ተስፋማርያም፡ እወ፡ ተሃዊኽካ

የርክበሉ እንዳበልካ፣

ሒዝካ ግምሪ-ፍልጠት ዘይተበርበረ፡

እንታይ ክዓብሰልና፡ ምስኻ እንተተቐብረ?

ምስ ወያነ-ሓርነት ትግራይ፡ ከምኡ`ውን ኢ.ፒ.ኣር.ፒ.

ንሃገር ወኪልካ፡ ዘቲኻ ዝፈረምካዮ ስድቢ፣

ኣይሰነድካዮን ከይትኸውን ተሰኪፈ-

                       ኣብ`ታ መጽሓፍካ `` ህያው ደብሪ .....``?

ስነ-ጽሑፋዊ ብቕዓትካ፡ ነባሪ ኣሰር

ሃንዳሲ፡ ናይ ምሕሳብ ብቕዓትካ ተኣምር!

ውስጠ-ሃንደበትካ `ውን፡ ተረዲአዮ

ኣብ`ታ ``ርእሰ-ዘተ፤ ምስ ጽሞና```  ግጥምኻ በጺሐዮ- ... ...

... ... ናበይ ደኣ ኢኻ ብድድ እትብል`ከ?

                                           ብሓደ ኣፊቱ!

                                                       ወፍ ከይበልካ?!

ብጻድቃን ኢለካ!

                ብርዒ ኣልዒለ`ንደ`የ፣

                                     ኣይፋልካ!!

ኰፍ`ሞ በል።

               ምህረይ ጽሞና፤ መዓልካ!!

ግጥሚ`ዶ፡ ቅኔ ከፍልሓልካ!!

ስንብታይ`ያ እዚኣ ኣይተስተዋሕዳ

ኣብ ዘይትምለሰሉ መገሻኻ፡ ይጽናሓካ ጻዕዳ።

                ሓውካ፡ ጸጋይ ነጋሽ

                                   04/08/2015

Tuesday, 07 April 2015 17:28

Eritrean Tv Demtsi Hezbi 5 April 2015

ሳዕቤናት ብኩራት ደሞክራኢያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ምብዛሑ፡ ሓደ ክልተ ኢልካ ዝዝርዘር ዘይኮነስ፡ ብሓፈሻ ንህልውና ናይታ ክቡርን መሪርን መስዋእትነት ዝተኸፍላ ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ዘሎ ጉዳም ተርእዮ እዩ። ብሰንኪ ደሞክራስያውነት በዂሩ ዲክታተርነት ምስዕራሩ፡ ኤርትራዊ ኩለመዳያውነት ኣብ ሕማቕ ዘይኮነስ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕን ኣስጋእን ደረጃ ወዲቑ ከም ዘሎ ባዕሉ ዝዛረብ ዘሎ እዩ። ካብ ምዕጻው ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ ስእነት ሕክምና፡ ካብ ግዱድ ዕስክርና ክሳብ ኢደወነናዊ ማእሰርቲ፡ ካብ ህልቂት ዓዲ ኣብየቶ ክሳብ መቕዘፍቲ ላምፐዱሳ፡ ካብ መስርዕ ንባኒ ክሳብ መስርዕ ንመጐዓዝያ፡ ካብ መሬት ምዝማት ክሳብ ምፍራስ ኣባይቲ ኣንዳበልካ፡ እንተዘርዚካዮ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዘሕዝን ጥራይ ዘይኮነስ ዘዕብድ እዩ። ኩነታት ናይቲ ናብ ብርሰት ገጹ ዝምዕብል ዘሎ ስደት እንተወሲኽካሉ ድማ ክሳብ ክንደይ መጻኢ ህዝብናን ሃገርናን ጸልማት’ኳ ተዘይበልናዮ ድብዙዝ ምዃኑ ምርድኡ ዝእግም ኣይኮነን።

ጉዳይ ስደትን መጻኢ ዕድል ሃገርናን፡ ኣብዚ ሎሚ እዋን ንዓና ነቶም ሰብ ጉዳይ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነስ ንዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ሰብኣዊ ማሕበራትን ኣዝዩ ኣሰካፍን ድቃስ ዝኸልእን ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ገሊኡስ ንሕና ምስቲ ዘስካሕክሕ ተረኽቦ ግዲ ተለማሚድና ካባና ንላዕሊ ዝሻቐሉ ዘይኤርትራዊ ወገናት ይረኣዩ እዮም። “ወዮ ናይ ጸላኢ ዕርድታት ብምጥሓስ ዝፍለጥ ዝነበረ ኤርትራዊ ትብዓትን ኒሕን ዶባት ጥሒስካ ናብ ስደት ብምውሓዝ እምበር ተደዊኑ” ዝብሉ ወገናት እውን ብዙሓት እዮም። ንሕና ግና ወይ ከምቲ “ መነባብሮይ እንተ ኢልካዮስ መቓብር እውን ይመውቕ” ዝብልዎ ግዲ ኮይኑ ነቲ ጸገም ናትና ኢልናዮ፡ እቲ ስደት ክንድቲ ክንስከፎ ዝግበኣና ዘሻቕለና ዘሎ ኣይመስለንን።

ቅድሚ ሕጂ ተደጋጊሙ ከም ዝተገልጸን እቶም ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ እውን ከምዘይስሕትዎ፡ ስደት ናይ ተቓውሞ መግለጺ እምበር መሰረታዊ ፍታሕ ዘምጽእ ወፍሪ ኣይኮነን። እቲ ንክትስደድ ጠንቂ ዝኾነካ ምኽንያት እንተዘይፈቲሕካዮ፡ ኣብቲ ዝተሰደድካዮ እውን ደድሕሬኻ እንዳኸደ እዩ ዘሰኩነካ። እዚ ሓቂ’ዚ እቶም ካብ ኤርትራ ኣሸሓት ማይላት ርሒቕም ተሰዲዶም ክነሶም ዘይረሃዎም ኤርትራውያን ዝምስክርዎ ዘለዉ እዩ። እቲ ጠንቂ ስደት ዝኾነ ኣብ ኤርትራ ዓሪዱ ዘሎ ጉሒላ ጉጅለ እንተዝውገድ ግና እታ ንምድላያ ነዊሕን ዘይውሑስን ማይላት ንጐዓዘላ ዘለና “ራህዋ” ኣብ ኤርትራ ከካብ ገዛና ከይወጻእና እውን መረኸብናያ። እዚ ጠንቂ ስደትን ብርሰት ኮይኑ ዘሎ ብውሑዳት ጐሓላሉ ዝተደኰነ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብቃልሲ ጥራይን ጥራይን እዩ ዝውገድ። ዓዲ ገዲፍካሉ ምኻድ ግና መሊሱ ከም ዘሻድኖ ባዕሉ በብግዜኡ ብኣዝዩ ጽዩፍ ቃላት ይገልጸልና ኣሎ። “ሓተላ” እትብል ቃል ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣይንረስዕ። እምበኣር እቶም ነዚ ዘርኢ መርገም ክቃለስዎ ዝግበኦም ብሓፈሻ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓትን ራህዋን ክኾኑ እንከለዉ፡ ናትና ናይ ኤርትራውያን ግደ ግና ብፍላይ መሪሕ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ካብ ውድቀት እቲ ጉጅለ መሪሕ ተረባሕቲ እውን ንሕና ኢና።

ሎሚ ኣብ ፈቐዶ ኩርናዓት ዓለምና ኣደዳ ኩሉ ሳዕቤናት ስደት ኮይኖም ዘለዉ ኤርትራውያን እውን፡ እቲ ፍታሕ እዚ ኣብ ላዕሊ ትጠቒሱ ዘሎ ምዃኑ ኣይክሕድዎን እዮም። ምረት ስደት ዕረ ከም ዝጥዕም ኣስተማቒሮም ናብ መድረኽ ቃልሲ ዝምለሱ ኣዝዮም ውሑዳት ምህላዎም ድማ ናይዚ ምስክረነት እዩ። ብሓፈሻ ግና ነቲ ግንዛበኦም ኣብ ምትግባሩ ዘለዎም ትግሃት ኣዝዩ ትሑት እዩ። ነዚ ጉጅለ ከይቃለስዎ ኣጸጊሞሙና ዝብልዎም፡ ካብ ምንቃፍ ንደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ጀሚርካ ብዙሓት እዮም። ካብቶም ከም ዕንቅፋት ዝዝርዝርዎም መብዛሕትኦም ዘይከሓዱ’ኳ እንተኾኑ፡ ተቓሊስካ ዘይዕረዩ ግና ኣይኮኑን። ምቅላስ ማለት ኣብ ዝተጸርገ መንገዲ ምምራሽ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እንተላይ ምጽራግ መንገዲ ቃልሲ ዘጠቓልል እዩ። “ድሌትን ድልውነትን እንተልዩ፡ እቲ መንገዲ ኣሎ” ከም ዝበሃል።

ዝተወሰና ሃገራት ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት በብዝጥዕመን ብምትንታን፡ ኤርትራውያን ብዘይካ ህርፋን ቁጠባዊ ረብሓ ክስደዱ ዘገድድ ፖለቲካዊ ጸገም ስለ ዘይብሎም፡ ናብ ዓዶም ክምለሱ ይኽእሉ እዮም ክብላ ይደናደና ኣለዋ። ኣብዚ ገለ ኣካላት መንግስቲ ደንማርክን ዓባይ ብሪጣንያን ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ሕብረት ኤውሮጳ እውን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ክሳብ ክንደይ ንህዝቢ ዘይሓሊ ገሃሲ ኩሉ ምሰላት ምዃኑ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቖሙ ኣጻረይቲ ኣካላት ንዝሃብዎ ምስክርነት ጓስዩ፡ ጁባ ናይቲ ጉጅለ ክመልእ ይወጣወጥ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ነዚ ንህልዊ ኩነታት ክሒድካ ምስ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ናይ ምምጽዳቕ ተግባራት፡ ናብ’ዞም ዝጠቐስኩዎም ዘይኤርትራዊ ኣካላት ጥራይ ነላግቦ ኣይኮነን። ኣፍራሲ ግደ ናይቶም ኣብ ሃገርና ምንባር ስኢና ኢሎም ናይ ሃገራት ናይ ምንባር ውሕስነት ምስ ረኸቡ፡ ኣብ ኤምባስታት ናይቲ ጉጅለ ከይዶም ጉንብሕ ጥልዕ ዝብሉ ኣካላት ብጽሒት እውን ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። እቲ ሓደ እንዳሃነጸ እቲ ሓደ ኣፍራሲ ኣብ ዝኾነሉ ኣብ ማእከል ተጠቃሚ እቲ ጉጅለ ምዃኑ ከዓ ክንዝንገዖ ዝግበኣና ኣይኮነን። ሕማቕ ምስሊ ናይቶም ናይ ብሓቂ ስደተኛ መሲሉና ዝራህራናሎም፡ ምናልባት እውን ንብረትና ሸይጥና ህይወቶም ዘድሓና ወገናት ሕማቕ ኣብነት እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ነቲ ዝሓለፍዎ መስርሕ ረሲዖም ሕንኮም ቀንጢጦም ኣብ ንግዲ ኣሓዋቶም ዝተዋፈሩ እውን ኣለዉ።

ከምቲ ዝተገልጸ ዓይኒ ማይ ስደት እንተዘይነጺፉ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወርድ በደል መወዳእታ የብሉን። ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ውጥም ቅልቅል ክብል ዝጸንሐ ኣብዚ እዋንዚ ግና በሪኹ ዝውረ ዘሎ ጉዳይ ምግዓዝ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ናብ ሩዋንዳን ዩጋንዳን ሓደ መርኣያ እዩ። መንግስቲ እስራኤል ኣብ ክንዲ በቲ ንስደተኛታት ዝምልከት ዓለም-ለኻዊ ሕጊ ተማእዚዙ ዘመሓድሮም ገንዘብ ከፊሉ ክጉሕፎም ዝወሰነ እዩ ዝመስል። እዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሳብ ክንደይ ሓሲሮም ከም ዘለዉ ዘርኢ እዩ። ምናልባት ድሕሪ ክንደይ መሰናኽል ናብ እስራኤል ምስ ኣተዉ ጸገሞም ዝተወደአ መሲልዎም ይነብር። ግና ኣይተወደአን። እንሆ ድማ ናብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ካልእ ናይ ስደት ዑደት ክጅመር።

ሩዋንዳ ብናተይ ግምት ኣይኮነንዶ ንናይ እንዳማታ ስደተኛታት፡ ካብ ዓዶም ብዝሓሸ ከተመሓድር፡ ክሳብዚ ቀረባ እዋን ብበበዓይነቱ ውግእ ሕድሕድ ትሕመስ ዝነበረትን ጌና ቁስላ ዘየሕወየትን እያ። ብደረጃ ቁጠባዊ ዕቤት እውን ንዜጋታታ ኣስሪሓስ፡ ናይ ካልእ ዜጋ ጉልበት ኣብ እትደልየሉ ደረጃ ዘይበጸሐት፡ ብመዳይ ዕቤት ንስሙ’ኳ ደሃያ ሰሚዕናያ ዘይንፈልጥ ህዝባ ምስ ተፈጥሮኣዊ ሃብቱ ጾሙ ዝሓድረላ ሃገር እያ። ምናልባት ኤርትራውያን ዝመብዛሕኦም ስደተኛታት ክትቅበል እትውስነሉ ዘላ ምኽንያት እውን ብዋጋ ስቅያቶም ካብ እስራኤል ዘይተኣደነ ሚልዮን ዶላራት ንምርካብ ይኸውን። ኩሉ ግዜ ናይ ግዜ ቅልውላው ነጋዶ ክህልዉ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ እነሆ በዓል ሩዋንዳን ዩጋንዳን፡ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ዝቐረቦ ናይ ጥፍኣት መኣዲ ተጠቀምቲ ክኾና ይደናደና ኣለዋ። ኤርትራውያን ድማ ኮንዶኾን ካብዚ ወጺእካ ራህዋ ይርከብ ኢሎም ካብ በዓል ሩዋንዳ ናብ ካልእ ከባቢ ጉዕዞ ምጅማሮም ኣይተርፍን ይኸውን። ሽዑ ዝኽፈል ህይወት ከዓ ክህልው እዩ።

ከምዚ ከጋጥም እንከሎ “ወደን ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን” ይብሉ ወለድና። ክንጥቕሰን’ኳ ናይ ግድን እንተኾነ ቀንዲ ናይቲ ጉዳይ ተሓተቲ፡ እስራኤል፡ ሩዋንዳ፡ ዩጋንዳ ደንማርክን ብሪታንያንን ጥራይ ኣይኮናን። ካብ’ቶም ቀዳሞትን ቀንድን ተሓተቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝለዓለ እጃም ዝወስድ ኮይኑ፡ ዝተፈላለዩ ኣብዚ ጉዳይ ብጽሒት ዘለዎም ኤርትራውያን’ውን ኣለው። ስደት ከም መሰረታዊ ፍታሕ ወሲድና ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ምቅላስ ዕሽሽ ዝበልና፡ ከነምስል ስደተኛ’የ ኢልና ምሒልና ጥሒልና፡ ምስክርነት’ውን ሓቲትና፡ ውሕስነት ምስ ረኸብና ናይ “ይቕረታ ቀጥዒ” መሊእና ናብ ጉጅለ ህግደፍ እንሰግድ ክብሪ ኤርትራዊ ስደተኛታት ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ንክፈኩስ ኣሉታዊ ኣስተዋጸኦ ከም ዘበርከትና ኣይንዘንግዕ። ኣይንዘንግዕ ጥራይ ዘይኮነስ ሕጂ እውን ናብ ልብና ንምምላስ ብዘለና ጸቢብ ዕድል ክንጥቀም ይግበኣና። ካብዚ ወጻኢ ግና መሬት ምስ ወገሐ ጣዕሳኡ ኣይክወጸልናን እዩ። ኩልና ኤርትራውያን ከዓ ነቲ ከም ዜጋታት ኣጸቢቕና እንፈልጦ ህግደፋዊ ግስሩጥ ፖለቲካዊ ሃለዋት፡ ዘይኤርትራዊ ወገናት ከከም ዝጥዕሞም ጐዓጺጾም ክገልጽዎ እንከለዉ ብውሕዱ “ እቲ ሓቂ ከምኡ ኣይኮነን” ዝብል ድምጽና ከነስምዕ ይግበኣና። ዜግነታዊ ሓላፍነትና እውን እዩ። “ጉጅለ ህግደፍ ከልምዕ ስለ ዝኽእል ንልምዓት ዝኸውን በጀት ይፈቐደሉ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ የመሓይሽ ኣሎ …. ወዘተ” ዝብል ምስ ክውንነት ኤርትራ ዘይከይድ ድምጽታት ክንሰምዕ እንከለና ብውሕዱ “ኣይፋሉን” ዝብል በሪኽ ድምጺ እንተዘይኣስሚዕና ታሪኽ’ውን ከም ዝሓተና ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ካልእ’ኳ ተዘይገብርናስ ካብ ርእስኻ ምውራድን ነንዝምልከቶም ኣካላት ኣውያትካ ምስማዕከ መን ይኸልኣና?

8 ማዝያ 2015

 

 

Eritrean refugees in Tel Aviv (photo credit: Nicky Kelvin/Flash90)
Eritrean refugees in Tel Aviv (photo credit: Nicky Kelvin/Flash90)

Israel and Rwanda are discussing a deal in which the East African nation would take in illegal migrants from the Jewish state in exchange for favorable contracts.

Under the proposed agreement, which has come under scrutiny by human rights organizations, Israel would send hundreds of Eritrean and Sudanese nationals, many of them asylum-seekers, to Rwanda in return for favorable deals that include millions of dollars in grants, The East African reported Friday.

The information is based on statements made by Rwandan President Paul Kagame during a press conference in Kigali on Thursday, the paper reported. In addition to Rwanda, Israel is rumored to have reached a similar arrangement with Uganda, though neither Kampala nor Jerusalem confirmed this.

Asked by a reporter about the contacts, Kagame said he was not aware of the specifics but confirmed the talks were ongoing.

“On Rwanda and Israel, yes, I know there has been this discussion,” he said, “and it has been a debate in Israel about these Africans who have migrated to Israel as they do to other European countries. Some of them are either there illegally or with different status.”

Israel’s Interior Ministry confirmed this week in a statement that it will “expel immigrants from the detention centers” and encourage migrants “to leave Israel in a safe and respectable way” for specific African countries that would grant them legal immigration rights.

Approximately 50,000 Africans who entered Israel through Egypt live in Israel, which is bound by international treaties to let them stay while they have United Nations refugee status. However, they can be relocated to a third country willing to accept them. Israel’s deal with Rwanda and possibly with Uganda as well have been criticized by refugee rights groups, which have expressed concern over the human rights records of Rwanda and Uganda and questioned whether the refugees’ status would be honored once they arrive in Africa.

Many asylum-seekers are held in southern Israel’s Holot detention facility. In recent years, a new barrier along the Egypt-Israel border has stopped additional newcomers from arriving.

Read Source=http://www.timesofisrael.com/report-rwanda-and-israel-discuss-contracts-for-refugees-deal/

EPDP Magazines