ጉዳይ ልዑላውነት ደኣ ጉዳይ ህግደፍ መዓስ ኮይኑ!

2015-04-10 12:58:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3809 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ጉጅለ ህግደፍ ክሕበኣሎም ካብ ዝፍትን ብዙሓት በዓትታት ሓደ፡ ንነብሱ ምስ ኤርትራን ልዑላውነታን ክለሓግ ምፍታን እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ድማ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት፡ ኣብ መንጎ ኤርትራ ከም ሃገርን ህዝብን ኣብ መንጎ ጉጅለኡን ዘሎ ዝምድና ከመይ ምዃኑ ከብርህ ክሕተት እንከሎ “ንሕና ህግደፍን ኤርትራን መን ክልተ ኣካላት ገይሩና” ዝብል ናይ ስንባደ መልሲ ዝህብ። “ንሕና ሃገር ንሕና ህዝቢ” ዘድርፍ እውን ነዚ ንምድማቕ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ድማ ኣብ ልቢ ግሩሃት “ህግደፍ እንተዘየልዩኮ ህልውናና ከም ሃገርን ህዝብን ውሕስነት ኣይክህልወናን እዩ” ዝብል ራዕዲ ክፈጥር ዝጸንሐ። ሎሚ ሎሚ ግና ህልውና ኤርትራ፡ ከም ህዝብን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ዘውድቐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብዝኾነ መለክዒ ናይ ልዑላውነት ተሓላቒ ክኸውን ከም ዘይክእል እንዳነጸረ መጺኡ ኣሎ። እዚ ዝምዕብል ዘሎ ክውንነት እምበኣር ጉጅለ ህግደፍ ልዑላውነት ከም ዘየውሕስ ዘረድእ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እዚ መሰረታዊ ዕማምዚ ነዚ ዛህሩ ዝጠፈኦ ጉጅለ ዝምጠው ዘይኮነስ ንዓና ነቶም ንለውጥን መጻኢ ብሩህ ተስፋ ኤርትራን ንቃለስ ዘለና ሓይልታት ተቓውሞን ህዝብናን ብዝያዳ ዝምልከት ብምዃኑ ሓላፍነት ዘሰክመና እዩ።

ኩልና ዘይንክሕዶ ሓፈሻዊ ኣረዳድኣ ኣሎ። ህዝብን ሃገርን ነበርቲ እዮም። ስርዓታት ግና ሓለፍቲ እዮም። ጉጅለ ህግደፍ ከዓ ከምቲ ድሌቱ ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ከም ቁርዲድ ተላሒጉ ዝነብር ዘይኮነስ ክሓልፍ እዩ። ንሕና እቶም ንምውጋዱ ንቃለስ ዘለና ከዓ ነቲ ዘይተርፍ ምሕላፉ ናይ ምቅልጣፉን ዕድመ ናይቲ ብሰንኩ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ መከራ ናይ ምሕጻሩን ሓላፍነት እዩ ዘለና። እቶም “ኣብ ህላወ ህግደፍ ኢና ንረብሕ” ኢሎም ሞይቱ እንከሎ “ኣሎ እምበር” እንዳበሉ ትንፋስ ክሰኹዕሉ ከንቱ ድኻም ዝደኽሙ፡ እንዳወሓዱ ዝኸዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ወገናት እውን ሃጽ እንተበሉ ቁሩብ ዕድመ ከናውሕሉ እንተዘይኮይኖም ካብ ሕልፈት ከድሕንዎስ ፍጹም ኣይክእሉን እዮም።

ሎሚ ሓሓሊፉ ከም ዝስማዕ ተቓዋሚ ኮይንካ ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ ከም ዘቐንዝወካን ዘሰክፈካን ምቅላሕ፡ ከም ነቲ ስርዓት ምሕጋዝን ናቱ ዕማም ክትዓምም ምድንዳንን ኣምሲሎም ዝቐርቡ ኣርሒቖም ዘይጥምቱ ምዕዝምዛማት ይስምዑ እዮም። እዚ ሓደገኛ ምዕዝምዛም’ዚ ክንዲ ጉዳይ ልዑላውነት ዝኣክል መሰረታዊ ጉዳይ፡ ነቲ ንሃገርናን ህዝብናን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ስማዊ መንግስትነት ሒዙ ዘሎ ጉጅለ ከም ድላዩ ክዋራዘየሉ ክም ምግዳፍ ዝቑጸር እዩ። ምናዳ ምናዳ ንሓደ ጉዳይ ልዑላውነት ዘሻቐሎ ውድብ ድዩ ማሕበር ምናልባት’ውን ውልቀ ኤርትራዊ፡ ከም ምስቲ ጉጀለ ዝደናገጽ ኣምሲልካ ክትገልጾ ምፍታን፡ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ “እዛ ዓብይ ኣጀንዳ ልዑላውነት ብዘይካይ ዝዓማ የለን” ዝብሎ “እወ ሓቅኻ ንሳስ ንስኻ ጥራይ ኢኻ እትኽእላ” ኢልካ ኢድካ ካብ ምልዓል ተፈልዩ ስለ ዘይረኣ፡ ነቲ “ ጉዳይ ልዑላውነት ኤርትራ ዝያዳ ጉጅለ ህግደፍ ነዓይ እዩ ዝምልከተኒ” ዝብል ኣካል ኣገናዕ ክንብሎ’ኳ ተዘይተባዕና፡ ከነዕንቅፎ ምፍታን ግና ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ልዑላውነታ ኣብ ዘየገድሰና ሃገር ንደሞክራሲያዊ ስርዓት እንቃለስ ኮይና ከይንቐርብ ድማ ምስትብሃል ከድልየና እዩ።

ርግጽ እዩ ጉዳይ ልዑላውነት ኣብ ቅድሜና ካብ ዘለዉ፡ በዳህቲ ዕማማት ሓደ እምበር ዕማምና ንሱ ጥራይ ኣይኮነን። ጉዳይ ህዝቢ ዝማእከሉ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካል እውን ናትናን ናይ ህዝብናን ዓብይ ዕማም እዩ። እቲ ዝትከል ደሞክራሲያዊ ስርዓት ከዓ ኣብታ ልዑላውነታ ዘዕቆበት ኤርትራ እዩ። እቲ ቀንዲ ናይዚ ክንተኽሎ ንቃለሰሉ ዘለና ስርዓት ተጠቃምን ተዋሳእን ከዓ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ልዑላውነታ ኣብ ዘዕቆበት ኤርትራ፡ ህዝቢ ማለትና ቀጥዒ ክመልእ እንከሎ ጥራይ “ኤርትራዊ እየ” ዝብል ማለትና ኣይኮነን። ርግጽ እዩ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዝተፈላለዩ ዕማማት ከተተግብር ክትነቅል እንከለኻ፡ እቲ ኣብ ሕድሕዶም ዘሎ ምትእስሳራትን ምጽልላዋትን ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ካብ ኣብ ሓደ ግዜ ናይ ዛዕባታት ምድውዋስ ንምድሓን ቀዳምነታትካ ምስራዕ ናይ ግድን እዩ። “ብዙሕ ዝደሊ ሓደ ይስእን” ምእንቲ ከይከውን። ቀዳምነታት ክንሰርዕ እንከለና፡ ኣብ ግምት ክኣትዉ ካብ ዝግበኦም መምዘንታት፡ ናይቲ ዕማም ባህርያትን ንመጻኢ ዕማማት ዝጸርጎ መንገድን፡ ናይ’ቲ ምእንታኡ እትቃለሰሉ ህዝቢ ድሌትን ዝንባለን፡ ናትካ ናይ ምፍጻም ዓቕምን ከባቢያዊ ጽልዋን ካብቶም ብዙሓት ውሑዳት እዮም። ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ እውን፡ ሓደ ካብ መሰረታዊ ዕማማትና ምዃኑ ርዱእ ከይኑ ቀዳምነታትና ክንሰርዕ እንከለና “ኣብቲ ግቡእ ቦታኡ ነቐምጦ” ዝብል ሓሳብ ክቐርብ ግቡእን ተቐባልነት ዘለዎን እዩ። ልዑላውነት ነቲ ህልውና ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ጉጅለ ህግደፍ ዝተገድፈ ሕዛእቲ ስለ ዝኾነ ናብኡ ገጽኩም ተወዝ ከይትብሉ ምባል ግና ተቐባልነት የብሉን።

ሎሚ ከምቲ ዓለምና ብሳላ ኩለመዳያዊ ስልጣነ ናብ ንእሽቶይ ቁሸት ተቐይራ እያ እንብሎ፡ ናትና ናይ ለውጢ ቃልሲ ወሲኽካ ኣብ ሓደ ውሱን ኩርናዕ ዝረአ ፖለቲካዊ ምዕባለ ዓይኒ ብዙሓት ክስሕብ ናይ ግድነት እዩ። ኣብ ርሑቕ ከይከድና ኣብዚ ከባቢና ዘሎ ጉዳይ፡ ሱማልያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሊቢያ፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፐብሊክ፡ የመን … ወዘተ ኣብቲ ፖለቲካዊ ሜዳ ብዓል መን ይጻወቱ ኣለዉ ምዕዛብ ኣገዳሲ’ዩ። እቶም ኣብቲ ጉዳይ ኣእዳዎም ዘእትዉ ኣካላት ከካብ ናይ ሃገሮም ሃገራዊ ረብሓ ዝነቅል ሕሳባት ከም ዝህልዎም ቅድሚ ኩሉ ኣይንዘንግዕ። ነዚ ረብሓኦም ንምዕዋት ድማ ናይታ ኢዶም ዘእትዉላን ንብረቶምን ገንዘቦምን ዘፍስሱላን ሃገር ቀዳምነታት ብመንጽር እቲ ዝጽበይዎ ረብሓኦም ክሰርዕዎ ዓይኒ ከም ዘይሓስዩ ኣይንረስዕ። ኣብዚ ኢና እምበኣር ጉዳያትና ምስ ኩነታትና በቲ ንሕና እነቐምጦ ናይ ጉዳያት ኣሰራርዓ ከም ዝኸይድ ንምግባሩ ክንጸንዕ ዝግበኣና። እዚ ዕማምዚ ኣብ ሓደ ጸሓይ ዝውዳእ ዘይኮነስ ነብሱ ኣብ ዝኸኣለ መስርሕ ዝጥረ እዩ።

ፈቲናዮን መሪጽናዮን ዘይኮነ፡ ብባህሪኡ ቃልሲ ቀጻሊ እዩ። ኣብ ተመኩሮና’ኳ ነጻነትና ከነርጋግጽ ኣንጻር መግዛእቲ ተቓሊስና ልዑላዊት ሃገር ወኒንና። ድሕሪኡ’ውን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ደኣ ተሳጊርና እምበር ቃልሲ ኣይተቛረጸን። እነሆ ከዓ ምእንቲ ደሞክራሲ ኣንጻር ምልኪት ንቃለስ ኣለና። እዚ ምዕራፍዚ’ውን ክንድቲ ክበልዖ ዝግበኦ ግዜ ምስ በለዐ ክዕወት ናይ ግድን እዩ። ድሕሪኡ ድማ ኣብ ካልእ ሓድሽ ምዕራፍ ቃልሲ፡ ምእንቲ ዕቤት ኣንጻር ድሕረትን ድኽነትን ክቕጽል እዩ። ዕቤት ምስ ተዋሕሰ ድማ እቲ ዝተዋሕሰ ዕቤት መስመሩ ኣሐይሉ ክቕጽልን ንድሕሪት ከይምለስን እቲ ቃልሲ ቀጻሊ እዩ። እዚ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እንዳተሰጋገረ ዝቕጽል መስርሕ እምበር ብሓደ ወለዶ ዝዕመም ኣይኮነን። ካብዚ ብምቃል እዮም ድማ ምሁራት “ትውልዲ ጠጠው ከምዘይብል፡ መስርሕ ቃልስን ለውጥን እውን ተተሓሒዞም ቀጸልቲ እዮም” ዝብሉ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሓሳብ ንምጽብራቕን መጻኢ ዓወት ከተማዕዱ እንከለኻ፡ ኣቐዲሙ ዝተመዝገበ ዓወት እንዳዓቀብካ ምዃኑ ንምግንዛብን፡ ኣብ መቕድም ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ ተልእኾ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መላእ ሓርነት ህዝባ ዘውሓሰት፡ ልዑላውነታ ዝሓለወትሓድነት ህዝባዘዕቆበት፡ ድኽነትን ሕማማትን ዝሰዓረት ፡ክብርታት ህዝብና ዝሓለወት፡ ብልጽግቲ ቅዋማዊት ደሞክራስያዊት ሃገር ምህናጽ ምቅላስ እዩ፤”ዝበሎ ምጥቃሱ ኣገዳሲ እዩ።

10 ማዝያ 2015

Last modified on Friday, 10 April 2015 15:00