ኣብ እንዳ ጉጅለ ህግደፍ ዘይተነግረ’ምበር ዘይተፈጸመ ግህሰት ከምዘየለ ኩልና እንረዳደኣሉ እዩ። እንሆ ድማ ኣብ ቀጻልነት ናይቲ ስርዓት ረብሓ ዘየብሎም ወተሃደራቱ ኣብ ቀንዲ ጐደናታት ኣስመራ ኣንጻር ሰላማውያን ሰባትን ህጻናትን ብግህዶ ወጽዓን በደልን ፈጺሞም ክሳብ ሕጂ ዝርዝሩ ዘይተፈልጠ ጉድኣት ኣውሪዶም። እዚ ናይቲ ስርዓት ተግባራት ሓድሽ ኣይኮነን። ናይቲ ህዝቢ ቅሉዕ ተቓውሞ ግና ብትሕዝቶኡ ዘይኮነ ብኣገባቡ ሓድሽ እዩ። ናይዚ ናዕቢ ቀንዲ መልዓሊ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ “ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣልእስላምያ” ዘርኣዮ ኢድ ኣእታውነት እዩ። እንተኾነ እዚ ኢድ ኣእታውነትን ግህሰት ናይ እምነት መሰልን ነዊሕ ግዜ ዝገበረን ኣብ ኩሉ እምነታትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ኤርትራ ዝበጸሐ ምዃኑ ከኣ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። ምዕጻው ቤት ትምህርቲ ካቶሊካዊ ዘርኣ ክህነት ከረንን ምእሳር መምህራኑን ከም ናይዚ ቀረባ ሰሙናት ናይ ግህሰት ተዘክሮ ክጥቀስ ዝከኣል እዩ።

ኣገባቡን ግዜኡን ደኣ ይፈላለ እምበር መራሕትን ሰዓብትን ዝተፈላለያ እምነታት ኤርትራ እውን ኣንጻርቲ ስርዓት ብዝተፈላለዩ መልከዓት ተቓውምኦም ከርእዩ ጸኒሖም እዮም። ንፓትርያርክ ኦርቶደኩሳዊት ቤተክርስያን ወሲኽካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን መራሕቲ ሃይማኖት ክውሰድ ዝጸንሐን ዘሎን ስጉምትታት ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ድሕሪቲ ንዓለም ዘደንጸወ ተረኽቦ ደሴት ላምፓዱሳ ዘመሓላለፍዎ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል መልሲ ዝደሊ ሕቶ ከኣ ዕምቆት ናይቲ መራሕትን ሰዓብትን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኤርትራ ከካይድዎ ዝጸንሑ ናይ እምነት መሰል ምርግጋጽ ቃልሲ ዘርኢ እዩ። እዚ ናይ 31 ጥቅምቲ 2017 ተረኽቦ ኣስመራ ከባቢ ኣኽርያ ከኣ፡ እቲ ግህሰት መሰል እንዳገደደ ክኸይድ እንከሎ እቲ ምእንቲ መሰል ዝግበር ቃልሲ ከኣ ማዕሪኡ እንዳዓረገ ከም ዝኸይድ ዘረድእ እዩ።

ስርዓት ህግደፍ ከም መርኣያ ናይቲ ንህዝቢ ከፋፊልካ ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ሕልሙን ሜላኡን ነዚ መላሲ ዘይብሉ ተቓውሞ ከም ንቕሎ ሰዓብቲ ውሱን እምነት ኣምሲሉ ከቕርቦ ከም ዝፍትን ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ኣብ ግዜ ምንቅስቓስ በዓል ወዲ ዓሊ ምግንዛብ ይከኣል። እንተኾነ ህዝቢ እንዳተዓሸወ ክነብር ባህርያዊ ሰለ ዘይኮነ፡ ውዲቱ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነት ኣይክረክብን እዩ። ብእንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኣብ ኣኽርያ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝቢ ኤርትራን መሰላቱን ከም ዝተወስደ ገይሩ ከም ዝርደኦ ዘማትእ ኣይኮነን። ነዚ ፈኸም ክብል ጸኒሑ ሃልሃል ክብል ጀሚሩ ዘሎ ተቓውሞ ብሓባር ከም ዘባረዖ ከኣ ፍሉጥ እዩ።

እዚ እምብዛ ዝመረረ ግህሰት መሰል ዝወለዶ ተቓውሞ፡ ክንደይ ሰባት ተሳቲፈምዎን እንታይ ጉድኣት ኣስዒቡን ብዘየገድስ ናብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዘመሓላልፎ ውዑይ መልእኽቲ ኣለዎ። እዚ ተረኽቦ፡ ናብ  ናይ ኩሉ እምነታት ሰዓብትን ደለይቲ ፍትሕን መሰልን ኤርትራውያን፡ ናብ ኩሎም ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ፡ ናብቲ ኣንጻር ረብሓኡ ክነሱ ዕድመ ናይቲ ዓመጸኛ ጉጅለ  ኣብ ምንዋሕ ዝሰርሕ ዘሎ ወተሃደራውን ጸጥታውን ትካላት ኤርትራን ናብ ሕብረተሰብ ዓለምን ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኣለዎ።

ርግጽ እቲ ጉዳይ ጉዳይና ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ውሽጢ እንነብር’ሞ ድሕሪ ወድቀት ጉጅለ ህግደፍ ብዝገሃድ ራህዋ እንጥቀምን ንምርግጋጹ እንጽዕትን ኤርትራውያን ወገናት፡ እቲ እንብህጎ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ቀንዲ ሰብ ዋኒን ስለ ዝኾና ቅድሚት ክንስራዕ ይገበኣና። ቅድሚት ክንስራዕ ኣለና ማለት ቅድም ነቲ ስርዓት ምውጋድ፡ ደሓር ድማ ብደሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ምትክኡ ኣብ ዘሎ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልሲ ተጊህናን “ንዓይ” ዘይኮነ “ንዓና” እንዳጉላሕና ፡ “ንሕናን ንሳቶምን”  እንዳተበሃሃልና ዘይኮነ “ንሕና” እንዳበልና ስንና ነኺስና ንቃለስ ማለት እዩ። እዚ ናይ ትማሊ ናይ ኣስመራ ተቓውሞ ድማ እቲ ዘይከኣል ዝመስል ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ከም ዝከኣል ዘመላኽት እዩ። ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ ፍትሒ ዘይኮነስ፡ ምግዳድን ዓመጽን ዝመሰረቱ ጉጅለ ኣብ ቅድሚ ሓይሊ ህዝቢ ፈራህ እዩ እሞ ክንደፍሮ እምበር ክንፈርሖ ኣይግበኣናን። ከምቲ ብዙሓት ወገናት ዝርድእዎ፡ ትንፋስ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሓይልን ግፍዕን እያ ተሰዂዓ ዘላ። ነዚ ኣብ ምትግባር ኣብ ቅድሚት ኣሰሊፍዎም ዘሎ ከኣ ናይ ጽጥታ ትካላቱ እዮም። ስለዚ ሓይልታት ጸጥታን ምክልኻልን ኤርትራ ዳሕራይ ጉዳያት ካብ ኢዶም ምስ ወጹ ኣብ ክንዲ ምጠዓስ ሕጂ ከሎ ጌና ህዝባዊ ወገናውነቶም ብተግባር ከርእዩ ይግበኦም።

ከባብያውን ዓለም ለኻውን ትካላትን ምእንቲ ኩሉ መሰላት ወዲሰብ ዝሕለቑ ማሕበራትን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይፍጸም ንዘሎ ግህሰት መሰል ርእዮም ከምዘይረኣዩ ብምሕላፍ፡ ገለን ናይ ስቕ ገለን ድማ ነቲ ስርዓት ናይ ምሕጋዝ ዝንባለታት ከርእዩ ንዕዘብ ኣለና። እዞም ወገናት ቀዳምነት ዝህብዎ ንነናቶም ረብሓ ምዃኑኳ እንተዘተኻሕደ፡ እዚ ግን ብዋጋ ግህሰት መሰል ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን እንከሎ ዓገብ ክበሃል ዝግበኦ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ  ነዚ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ዝፈስስ ዘሎ ግህሰት መሰል ከቕልብሉ እዋኑ እዩ። እዚ ብእምኒ ወንጭፍ ዘይትግበር ናይ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ማዕቀብ ብምእዋጅ ጥራይ ዝረጋገጽ ዘይኮነ፡ ሳዕቤኑ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይጐድእ ኣገባብ  ዘተግብር ስጉምትታት ንክውሰድ በዚ ኣጋጣሚ ምዝኽኻሩ ኣገዳስን እዋናውን እዩ ንብል።

Wednesday, 01 November 2017 21:38

Eritrea protest update: defiance and calls for unity

Written by

2 Comments

I have received this from a contact working through the ‘Freedom Friday’ network.

Martin


Activists from yesterday’s protest are sending a call for national unity against PFDJ actions against religious schools.

In an impassioned appeal for unity across all faiths the activists stated:

“Unsurprisingly the regime is attempting to taint this as a religious move aimed at asserting Moslem dominance in the country.

However neither the actions of the government in closing religious schools not the actions yesterday were about one religious group.

There were Christians protestors on the streets yesterday and some are actually in prison alongside their Moslem brothers.

Yesterday at the mosque we made it clear that our issues are issues of freedom and liberty and not confined to religion or one religious group.

In fact what must be clear is that the schools shut include the Catholic school in at the Cathedral as well as the Orthodox school at Enda Mariam.

We are all victims of the same persecution and yesterday we stood up against them together.

We appeal to all our brothers and sisters to continue to stand in solidarity and reject any attempts to divide and paly us against each other.”

Arbi Harnet [Freedom Friday] commends the unity with which Eritreans across the globe have stood up to PFDJ yesterday and appeals for on-going unity as we stand in solidarity with our people  inside Eritrea.

Source=https://martinplaut.wordpress.com/2017/11/01/eritrea-protest-update-defiance-and-calls-for-unity/

News from Asmara had it over the week that the PFDJ regime as usual attempted to interfere in the internal affairs of Al-Diaa Al-Islamia School (commonly known as Ustaz Beshir Mohammed Nur private school) in Asmara and was resisted by the teaching staff, students and their parents. The regime interference included an attempt to impose new guidelines by changing existing school curriculum. It demanded that girls and boys of the school should attend same classes, that girls should not use head-covers and that no religious subjects should be given in Al-Diaa Al-Islamica the school. To further intimidate the general public, the regime arrested the school headmaster and some teachers for having opposed the regime impositions in the private school.

 

On Tuesday, 31 October 2017, residents of the Akhriya locality of Asmara and environs as well as compatriots in the Eritrean capital came out to peacefully demonstrate their grievances but were immediately confronted by a shooting spree of regime forces bent at terrorizing the people and silencing the popular resistance. 

 

Reports of various sources indicated during the day that the popular resistance was expanding to the towns of Keren, Agordat and Afabet.

 

The divide and rule tactics of the PFDJ regime and its undue interferences in the affairs of religious institutions and their private properties in the country have been too numerous to list. (Only to cite an example or two), the regime dethroned the legitimate head of the Eritrean Orthodox Church and appointed its own "Patriarch"; interfered in the affairs of monasteries, seizedtheir properties, and even dared to force Eritrean clergy to join its military and "national" services.

 

 

The Eritrean People's Democratic Party (EPDP) strongly condemns the Eritrean  regime's use of raw force against unarmed demonstrators trying to air out peacefully their grievances. The EPDP also demands the release of all incarcerated teachers, students and parents and calls upon all Eritreans inside the homeland and abroad as well as the Eritrean Defense Forces to stand on the side of their victimized people and reverberate theirr grievances and cries.

 

Likewise, the EPDP urges the African Union and the rest of the international community to vehemently condemn the recent actions of the Eritrean regime against all private schools in Eritrea.

  

Victory to Peaceful Popular Resistance!!

Menghesteab Asmerom,

EPDP Chairman,

31 October, 2017

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጋበርያ ናይ ጨቋኒ ስርዓት ምዃን ገዲፍካ ስቅያት ህዝቢኻ ዘብቀዓሉ መስመር ክትሕዝ ደጋጊምና  ጻውዒት ክነቕርበልካ እዋኑ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ከምቲ ቅድሚ ሎሚ “ህዝብን ሰራዊትን ሓደ ኢድ” ዝብል ጭርሖ ዘቃላሕና፡ ሎሚ ውን ምልኪ ብምውጋድ ቅሳነትካን ቅሳነት ህዝብኻን ክተውሕስ ነዘኻኽረካን ንምሕጸነካን ኣለና።

እቶም ላዕለዎት ሰብ ጸሩራ ንዓኻ ምስ ህዝብኻ ኣዳምዮም፡ ጽባሕ ንግሆ መሬት ምስ ጸበበቶም ንገዛእ ርእሶም “እግረይ ኣውጽእኒ” ኢሎም ኣብ ተሓታትነት ከእትዉኻ ኢዮም። ንሶም ብዝገበርዎ ገበን ንስኻ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክትፍደዮ ኢኻ። ንስኻ ንበይንኻ ጥራሕ ዘይኮንካስ እንተላይ ስድራ ቤትካ ንዘልኣለም ኩኑናት ኮይኖም ክሳቐዩ ኢዮም።

በዚ ናይ ትማሊ 31 ጥቅምቲ 2017 ህዝቢ ንመሰሉን እምነቱን እንተሓተተ ንስኻ ኣብ ክንዲ ኣብ ጎኑ ድው ትብል ከም ጠለበዱ ብጥይት ክትሃድኖ፡ እቶም ተሃደንቲ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ምዃኖም ብሓቂ ዘንጊዒካ ዲኻ? እዚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝብል ስያሜ ዝለበስካኮ ህዝቢ ክትቀትልን፥ መሰሉ ክትዕፍንን ዘይኮነስ፥ መሰል እቲ ካብኡ ዝወጻእካ ህዝቢ ንኸተኽብር እዩ። ነዚ ጥሒስካ በትርን እምንን ንዝሓዘ ዓቕሉ ዝጸበቦ ሰላማዊ ህዝቢ ብብረት ክትምልዕሶ እንከለኻስ እምበርዶ ኤርትራዊዶ ኤርትራ ኢኻዶ ኣየብለካን?

በዚ እንተቐጺልካ፡ ጽባሕ ካብ ተሓታትነት ክተምልጥ ዘይትኽእልን ገበነኛ ምዃንካ ክትርዳእዶ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣደታትካ ክሕጎሳን ክቐስናን እምበር፥ ብካብ ከሰዕአ ዝወጻእካ ክሓዝናን ክበኽያን እስኪ ኣስተውዕል። ሰራዊት ምኽልኻል ሃገር  ከምቲ ስምካ ዝሕብሮ ዘይትዋሳእ። ስርዓት ኢሰያስ ስርዓት ውሑዳት፥ ተረባሕቱ እውን ከምኡ ውሑዳት ኢዮም። ንስኻኸ እንታይ እዩ ረብሓኻ? እዚ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣልእስላምያ ጉዳይ ጽባሕ ኣብ መንጎ ህዝቢ ክፈጥሮ ዝኽእል ሓደገኛ ኩነት ንስኻ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝፈጠርካዮ ኮይኑ ከም ገበነኛ ከሕትተካ እዩ።

በዚ ንስኻ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ዝወሰድካዮ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ፡ ኣብቲ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ክኸፋፍል ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፡ ናይቲ ንኤርትራዊ ብዙሕነት ናይ ምግሃስ ውዲት ተኻፋሊ ትኸውን ኣለኻ። ተግበርቲ ናይቲ ውዲት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ረብሓኦም ረብሓኻ ኣይኮነን። ዘርብሑኻ ነይሮም እንተዝኾኑ እስከ ህልዊ መነብብሮኦምን መነበባሮኻን ኣወዳድሮ። ንስኻ ካብዚ ህልዊ ወጻዒ ስርዓት ዝረኸብካዮ ረብሓ፡ ዘይክፈሎ ውትህድርና ስደትን ሳዕቤናቱን እዩ። ስለምንታይ ኢኻኸ ዓይኒኻ ኣዕሚትካ፡ እዝንኻ ዓጺኻን እእምሮኻ ኣደንቊርካን እትወስዶ ዘሎኻ ስጉምት፡ ንኣኻ ንስድራኻን ህዝብኻን ዝልክም ምዃኑ ዘይስቖረካ?

ኣንታ ንሃገርን ህዝብን ክትሓስብ ሓደራ ዘለካ ሰራዊት ብውሑዳት ተረባሕቲ ሕቚኻ ይስበር ከምዘሎ ስለምንታይ ዘይተስተብህል። ሰራዊት ደርጊ፡ እቲ መሳርሒ ዝገብሮ ዝነበረ ስርዓት ምስወደቐ ፍቕርን ደገፍን ህዝቢ ተነፊግዎ፡ ኣብ ምንታይ ሓደጋ ከምዝወደቐ ትምህርቲዶ ኣይኮነካን እዩ። ንስኻ እውን ኣብ ጎድኒ ህዝብኻ ደው እንተዘይ ኢልካ  ጽባሕ መሬት ምስ ወገሐ ህዝቢ ኣይናተይን ምስ በለካ ኣብ ዘይምለስ ጣዕሳ ክትወድቕ ኢኻ።

ኣንቱም ንመላኺ ስርዓት እተሻድኑ ዘሎኹም ውሑዳት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልካል ሃገር’ውን፡ ጽባሕ ምስ ወገሐ ህዝቢ ባዕሉ ብወረጦ ክለቕመኩም እዩ። ካብ ዓይኒ ህዝቢ ዝኽወል ነገር ከምዘየለ ክትስትውዕሉ ድማ ህልዊ ኩነታት ይሓተኩም ኣሎ። “ምኸሮ ምኸሮ፡ እንተኣበየ መከራ ይምከሮ” ከም ዝበሃል፥ ደጊም ጨቋኒ ስርዓት ብኣባላት ምክልኻል ኣቢሉ ህዝቢ ንከበሳብስ ትንፋስ ትሰዂዓሉ ዘለኻ ንስኻ ሰራዊ ኢኻ። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ካባኻ ካብ ውላዱ ዘራይ እንተሰኣነ ጽባሕ ግን ብናቱ ልዕልና ብዝወጽእ ሕጊ ሕነ ክፈዲ ግድን’ዩ እሞ ካብዚ ንምድሓን ካብ ስምዒታዊ ኣካይዳ ወጺእካ፡ ኣብ ጐኒ ህዝብኻ ክትስለፍ እዋኑ እዩ። ደጊም ኤርትራውያን ኣዴታት ብሰንኪ ሰራዊት ባዕዲ ዝነበዐኦን ጸሊም ዝተኸድነኦን ይኣኽለን። ብሰንዲ ውላደን ክነብዓን ጸሊም ክኽደናን ዕዳኡ ናባኻ ከቢድ ምዃኑ ኣስተብል። ኣዚ ጉዳይ “ደጊም ይኣክል” ክበሃል ይግበኦ።

ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን ፡ መዲብዎ ዝጸንሐ ዓመታዊ ኣኼባ ማሕበር ብዕለት 29-10-2017 ኣካይዱ። እዚ ማሕበር’ዚ “ ጥርናፈ ህዝብና ዋሕስ ዓወትና እዩ “ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጨርሖ ዝተኻየደ ዓመታዊ ኣኼባ ማሕበር ተሳተፍቲ ካብ ኣምስተርዳምን ከባቢኡን ዝተሳተፍዎ ኰይኑ ፥ ብሽማግለ ማሕበር ፡ ዓመታዊ ጸብጻብ ፥ ማለት ዝተኻየዱ ንጥፈታት ናይ ህዝባዊ በዓላትን ፡ ምስ ኣብ ሆላንድ ዝርከቡ መንግስታዊ ትካላት ዝትየኻየዱ ርኽክባት ፡ ብሓፈሻ እዚ ማሕበር እዚ ንኽድልድል ዝተኻየዱ ጐስጓሳት ፡ ከምኡ’ውን ገንዘባዊ ጉዳያት ዘጠቓለለ ጸብጻብ ፡ ቀሪቡ። ኣኼበኛ ብወገኑ ንዝቐረበ ጸብጻብ ግቡእ ገምጋምን ምዛናትን ብምግባር ፡ ሃናጺ ርእይቶታት ብምቕራብ ንዝቐረበ ጻብጻብ ብኣወንታ ተቐቢልዎ። ድሕሪ ዝቐረበ ጸብጻብ ፡ ዝነበረ ነጥበ ክትዕ ኣጀንዳ፥

1. ኣብ መደብ ዕዮን ዓንዲ-ሕጊ ማሕበርን ክመሓየሽ ዘለዎ ጉዳይ ምርኣይ
2. ማሕበርና ዝስስነሉን ኣብ ካልኦት ከተማታት ብተመሳሳሊ ዝትከለሉ ጐስጓሳትን ምክያድ
3. ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝብና ፡ ከባቢናን ምርእይ
⦁ ብፍላይ’ውን ሓድነት ህዝብና ንምብትታን ዝካየድ ዘሎ ትሕተ ሃገራዊ ውደባታን ጐስጓሳትን ብዓቕምና ክንምክቶም ዘሎና ብድሆታትን ርኢና።
⦁ ከነስተውዕለሎም ዘሎና ፡ ብቐረባ ጸለውቲ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ….ወዘተ
4. ምምራጽ ኣካያዲት ሽማግለ ማሕበር

ኣኼበኛ ፡ ኣብ ዝተጠቕሱ ነጥበ ክትዕ ኣጀንዳ ብዕምቆት ፡ ኣብ ናይ እንካን ሃባን ተደጋጋፊ ሓላፍነታዊ ልዙብ ርእይቶታት ተጸምደ። ኣገደስቲንሃነጽትን እዋናውያን ንጥፈታትን ክካየዱ ርእይቶታትን ለበዋታትን ቀሪቦም ።

ብድሕሪዚ ምምራጽ ሓዳስ ኣካያዲት ሽማግለ ፡ ሓደ ካብቲ መደብ ስለዝነበረ፥ ብምልኡ ኣኼበኛ ፥ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኣካያዲት ሽማግለ ማሕበር ኣቚምና ። ናይዚ መዓልቲ’ዚ ኣኼባ ፍሉይ ዝገብሮ ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ብመሰረት ዕላማ ማሕበር ሓላፍነታውን ፡ ልዙብ ሃናጺ ዝደጋገፍ ርእይቶታቱን ንዕላማ ማሕበር ዘደንፍዕ ፥ ሞራል ዝህብ ምንባሩ ንኩሉ ኣባል ምስጋናን ሞጐስን ይግባእ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኩሉ ኣብ ሆላንድ ዝነብር ኒሕ ዘለዎ ኤርትራዊ ክንብሎ እንደሊ፥ ሓድነት ህዝብና ኣብ ሕሉፍ ዘካየዶን ብሕጂ ከካይዶ ዘሎውን ወሳኒ ስለዝዀነ ፥ ንሓድነትና ንክብትኑ ዝካየዱ ወስታታት ንምብዳህ ፡ ናብ ሃገርናን ህዝብናን ዝጠመተ ነጻ ማሕበር ኣብ እትነብርሉ ከተማታት ከተቑሙ በዚ ኣጋጣሚ ንጽውዕ ።

ህዝባዊ ውደባ ይሰስን !!
ሓድነትና ዋሕስ ዓወትና እዩ !!

ሽማግለ ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን

ስርዓት ህግዲፍ፡ ከም ኣመሉ፡  ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣልእስላምያ (ብልምዲ መድረሳ ስታዝ በሺር መሓመድ ኑር) ተባሂላ እትፍልጥ ቤት ትምህርቲ ኢዱ ከእቱ ፈቲኑ፡ ካብ መምህራንን ተመሃሮን ወለድን ተቓውሞታት ከጋጥሞ ከምዝጸንሐ፡ ናይ’ዚ ቀረባ መዓልቲ ዜና ኰይኑ ጸኒሑ ኢዩ። ሓላፊ ቤት ትምህርትን መምህራንን ነቲ ብስርዓት ህግዲፍ ዝቐረበሎም ናይ ስርዓት-ትምህርቲ ምልውዋጥ፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብሓባር ክምሃሩ ኣለዎም ዝብል ጸቕጢ፡ ደቂ ኣንስትዮ ሕጃብ ወይ መቕንዓት ጌረን ናብ ቤት ትምህርቲ ከይኣትዋ፡ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ከይውሃብ ዝብል መምርሒታት ስለዝተቓወሙ ስርዓት ህግዲፍ፡ ንህዝቢ ንምርዓድ ሓላፊ ቤት ትምህርትን ገለ መምህራንን ብለይቲ ካብ ገዝኦም ጨውዩ ኣብ ማእሰርቲ ከምዘእተዎም ተፈሊጡ።

 

 

ሰሉስ  ዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ህዝቢ ኣስመራ፡ ብሓፈሻ፡ ህዝቢ ኣኽርያን ከባቢኣን ድማ ብፍላይ፡ ተቓውሞኡ ብሰላማዊ ኣገባብ ንምግላጽ ኣብ ጽርግያ ኣብ ዝወጽሉ፡ ወተሃደራት ህግዲፍ ጠያይቲ ብምትኳስ ከርዕድዎን ክብትንዎን ፈተኑ።

 

እቲ ተቓውሞ ግን፡ ደኣ ኣብ ካልእ ቦታታት ኤርትራ (ከረን ኣቝርደትን ኣፍዓበትን፡  ከምዝለሓዀ ዝተፈላለዩ ናይ ሓበሬታ ምንጪታት ክገልጹ ይስምዑ ኣለዉ።

 

ስርዓትህግዲፍ፡ኣብሃይማኖታዊጕዳያትኢዱእናእተወገዛዚዑንምግዛእ፡ ንብረት ኣብያተ-ክርትያናትንምውራስ፡ ዘይፈንቀሎ እምኒ የለን። ንጳጳስ ኣውሪዱ ናቱ ጳጳስ ዝሸይም፡ ንገዳማት ዝደፍርን ንብረተን ዝሰልብን፡ ንመራሕቲ ሃይማኖት  ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክገብሩ ዘገድድ፡ ኣረሜናዊ ስርዓት ኢዩ።

 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ  ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ነዚ ጥርዓንን  ተቓውሞኡን  ብሰላማዊ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ዝገልጽ ዝነበረ ኣጽዋር ይኹን ዕጥቂ ዘይብሉ ህዝቢ ብወተሃደራት ህግደፍ ዝተፈነወሉ  ናይ ጠያይቲ ተዅስን ማህረምትን ይኹንን። ስርዓት ህግዲፍ ነቶም ኵሎም ኣሲርዎም ዘሎ መምህራንን ወለድን ተመሃሮን ብህጹጽ ክፈትሖም ድማ ይጠልብ። መላእ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም ዘሎ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ድማ፡ ኣብ ጐድኒ እቶም ግፉዓቱን ውጹዓትን ደው ክብሉን ንኣውያቱ ከቃልሑን ይምሕጸን።

 

ሓድነት ኣፍሪቃን ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብን ድማ ኣብ ልዕሊ ኵለን ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ናይ ብሕቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ብስርዓት ኢሳያስ ዝፍጸም ዘሎ ዓፈና ክዅንንኦ ይጽውዕ። 

 

ዓወት ንሰላማዊ ህዝባዊ ተቓውሞ!!

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

31 ጥምቲ 2017

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

ነገራት ካብ ሥሩዕ መንገዲ ወጺኦም  ክበላሸዉ ከለዉ፥ ኅብረተ-ሰብና ዝጥቀመሉ ሓደ ኣበሃህላ ኣሎ። ንሱ ድማ ነቲ ንሕጊ ኣኽብሮት ዘይብሉ ወገን፥ ሥርዓት ንምትሓዝ ክድለ ከሎ “-ዝባን-ሕጊ-” ዝብል ኣበሃህላ ክጥቀም፥ ኅብረተ-ሰብና ክሠርሓሉ ዝጸንሐ ባህልና’ዩ። ስለዚ’ውን እቲ “-ዝባን-ሕጊ-” ዝብል ቃል፥ ከም ታቦት ዝፍራህን ዝኸብርን ቃል ስለ-ዝነበረ፥ ብምንም ተኣምር ረጊጽካዮን ጥሒስካዮን ክኽየድ ይከኣል ከም-ዘይነበረ፥ እቲ ነባር ባህልና ሕያው ምስክር’ዩ።

ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ቤተ-ክርስቲያን-ተዋሕዶ ድማ፥ ነገራት ካብ ዝበላሸዉ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። ንምዕራዮም ወይ ሥርዓት ንምትሓዞም ተባሂሉ፥ ዝተገብረ ጻዕርን ድኻምን’ኳ ብዙሕ እንተኾነ፥ ዛጊት ዘምጽኦ ለውጢ ግና ኣሎ ኣይበሃልን። ስለዚ ድማ እዛ ብቕድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ጥንታዊት ቤተ-ክርስቲያን እዚኣ፥ ንህልውናኣ ኣብ ዝፈታተን ቀራና-መንገዲ ትርከብ ምህላዋ፥ ዘይፈልጥ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

ስለዚ ድማ’ያ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ኣደራዕ ክትቅበል ትርከብ ዘላ። ስለዚ ድማ’ያ በብግዚኡ ተሸይሞም ብዝተላእኩላ ፓትርያርክታት፥ ክትምራሕ ዝጸንሐትን ሕጂ’ውን ዘላን። ክሳብ ሕጂ ግና ባዕላ ይደልዎ ኢላ ዝመረጸቶ ፓትርያርክ የብላን። ብሕጊ ዝቖመን ንሕጊ ዝግዛእን ሲኖዶስ ከይሃለወ ‘ውን፥ ሲኖዶስ ወሲኑዎ እናተባህለ፥ መወዳእታ ዘይብሉ ዕንወት ክፍጸም ጸኒሑ’ዩ። ንእምነትን ረብሓን ቤተ-ክርስቲያን ዝውክል ሲኖዶስ ግና፥ ትማሊ ኣይነበረን ሎሚ’ውን ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

ካብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ክፍለ-ዘመን ጀሚራ ድማ፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ፖለቲካ ተታሒዛ እናሃለወት፥ ነፃ’ያ ተባሂላ ክንገረላ ጸኒሑ’ዩ። ነፃ ግና ኣይነበረትን፥ ነፃ ኮይና’ውን ኣይትፈልጥን። የግዳስ ዝተኣዘዘቶ ክትፍጽምን ዝተጻሕፈላ ከተንብብን ከም-ዝጸንሐት’ዩ እቲ ታሪኻ ዝዛረብ። ከም-ዝፍለጥ ብስማ ብዙሕ ተባሂሉ ብዙሕ’ውን ተገይሩ’ዩ። ብዛዕባ’ቲ ዝበሃልን ዝግበርን ግና፥ እታ ብጳጳሳታ ዝተጠልመት ቤተ-ክርስቲያን፥ ምንም ትፈልጦ ነገር የብላን።

ይኹን እምበር እቲ ኣብ ልዕሊ’ዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ክፍጸም ዝጸንሐ ግህሰተ-ሕጊ፥ ምስ ማእሰርቲ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዘተሓሕዙዎ ኣለዉ። እዚኣቶም ግና እቶም ንጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ብርሑቕ ዝፈልጥዎ ጥራይ’ዮም ክኾኑ ዝኽእሉ። ከመይሲ ቅድሚ’ቶም  ፓትርያርክ ምእሳሮም፥ ኣብ ዝነበረ ግዜ ክልተ ፓትርያርክ ነይሮም’ዮም። ንሳቶም ግና ብሽመት ዝመጹ እምበር፥ ብመንገዲ ቀኖና ክምረጹ ዝኸኣሉ’ዮም ነይሮም ዝበሃል ታሪኽ የልቦን።ማለት ኣብ መንጎ ሽመትን ምርጫን ዘሎ ፍልልይ ምርዳእ ኣገዳሲ’ዩ። ክሳብ ራብዓይ-ፓትርያርክ ድማ፥ ብሽመት እምበር ብምርጫ ዝመጸ ፓትርያርክ፥ ኣሎ ዝበሃል ታሪኽ ከምዘየሎ፥ ግልጺ ዝኾነ ሓቂ’ዩ። እንድሕሪ ነገር ክጅመር ከሎ፥ ካብ ሱሩ መሠረቱ ነፃ ዘይነበረት ድማ፥ ነፃ ኮይና ፓትርያርክ መሪጻ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና።

ስለዚ እቲ መንበረ-ፓትርያርክ ብመጀመርታ፥ “ሀ” ኢሉ ክቐውም ከሎ፥ ኣብ መሠረት ሕጊ ረጊጹ ክቐውም ዕድል ኣይረኸበን። ኣብቲ እዋን’ቲ እቶም ሓደ ክልተ ንቕሓት ነይሩዎም ዝበሃሉ ዉሉደ-ክህነትና፥ እቲ ዘይሕጋዊ ኣከያይዳ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን ኣጸቢቑ ይርድኦም’ኳ እንተነበረ፥ እቲ ኣብ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶና ዝነበረ ንቕሓት ግና፥ ኣብ ማእከል ቤተ-ክርስቲያን እንታይ ይግበር ከም-ዝነበረ፥ ክፈልጥ ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ንቕሓት ዝበጽሐ ስለ-ዘይነበረ፥ ዝበልካ ኣንተበልካ’ውን ክግበር ዝከኣል ነገር ኣይነበረን። ከመይሲ እቲ ዋና ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ ሕዝቢ፥ እቲ ዝፍጸም ዝነበረ ግህሰተ-ሕጊ ተረዲኡዎ ክልዓል እንተ-ዘይክኢሉ፥ ውሉደ-ክህነት ንበይኑ ክግበሮ ዝኽእል ኣይነበረን።

ስለዚ’ውን ነዚ ዝተባህለ ድኽመት ከም ምኽንያት ብምጥቃም፥ እቲ ፖለቲካዊ-ኃይሊ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስቲያን ኢዱ ክመልስን፥ ንኽቈጻጸራ ዘኽእሎ’ውን ምቹእ-ባይታ ስለ-ዝፈጠረ፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ከም ሓንቲ መንግሥታዊት-ትካል ተቘጺራ፥ እቲ ብቅድስና ዝፍለጥ ታሪኻ ክሳብ እትስእን ታሕቲ ወሪዳ፥ ዝበሉዋ ክትከውን ወይ ዝኣዘዙዋ ክትፍጽም ምጽንሓ ዝፍለጥ’ዩ። ብግዳም ንዝርኢ ግና፥ ሲኖዶስን ፓትርያርክን ዘለዉዋ፥ ነፃ ቤተ-ከስቲያን መሲላ’ያ ክትርአ ጸኒሓ። እቲ ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ሓቂ ግና ብኣንጻሩ ካልእ’ዩ ነይሩ።

ነዚ ሕጊ ዝረግጸ ኣከያይዳ’ዚ፥ በብግዚኡ ክቃወሙ ዝጸንሑ ኣቦታት ነይሮም’ዮም። እቲ ክበጽሖም ዝጸንሐ ዕጫ ግና ተነጽሎን ማእሰርትን ስደትን እዩ። ከም መቐጸልታ’ዚ ኩሉ ከኣ’ዩ፥ እቶም ተስፋ ቤተ-ክርስቲያን ክኾኑ’ዮም ተባሂሉ ብብዙሕ ትጽቢት ክግበረሎም ዝጸንሑ፥ ሠለስተ-ካህናት መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም፥ ካብ ዝሓለፈ 13-ዓመት ጀሚሮም፥ ኣብ ትሕቲ መቑሕ ኣትዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ኣብዚ ፍጻሜ’ዚ ድማ ብኣውርኡ እቲ ብዮፍታሔን ሃብቶም ርእሶምን ክዝወር ዝጸንሐ መንበረ-ፓትርያርክ፥ ዋና ከሳስን ተዋሳእን ኮይኑ ምርካቡ፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ከመይ ዝበለ መጻብቦ ኣትያ ከም-ዝጸንሐትን ከምዘላን፥ ንምርድኡ ዝጽግም ኣይኮነን።  

ብመንጽር’ዚ ኣበሃህላ’ዚ ክርአ ከሎ፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ዋና ነይሩዎ ክበሃል፥ ምስቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ሓቂ ክሳነየልና ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚ ድማ’ዩ እቲ ዝኾነ ሞያ ነይሩዎ ዘይበሃል ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ፥ መሳልል-ፖለቲካ ተጠቒሙ ኣብ መንበረ-ፓትርያርክ እግሩ ከዕርፍ ዝኸኣለ፥ እቲ “-ዋና-ጸሓፊ-” ዝብል ዝነበረ መደብ ሥርሑ፥ ናብ “-ዋና-ኣማሓዳሪ ቤተ-ክርስቲያን-” ብምቕያር ድማ፥ ነታ ዋና ዝሰኣነት ቤተ-ክርስቲያን፥ ንልዕሊ 13-ዓመት ዝኸውን ከም-ዘይሓልፍ ክፍርሳን ከዕንዋን ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

መወዳእታኡ ግና እቲ ደምበ-ተዋሕዶና፥ ነቲ ኩሉ ኣፍራሲ-ተልእኮ ዮፍታሔ ተጻዊሩዎ ክኸይድ ዝኽእል ኮይኑ ስለ-ዘይተረኽበ። ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ዝመርሑዎ ኃያል ተቓውሞ፥ ከልዕል ከም-ዝኸኣለ ዝፍለጥ’ዩ። በዚ ተቓውሞ ‘ዚ ድማ፥ እቶም ክልተ ብዕድልን ገንዘብን ቤተ-ክርስቲያን ከላግጹ ዝጸንሑ፥ እኩያን ተባሂሎም’ውን ክግለጹ ዝኽእሉ፥ ማለት ዮፍታሔ ዲሜጥሮስን ሃብቶም ርእሶምን፥ እቲ ተቓውሞ ብዘልዓሎ ማዕበል፥ ካብ ደምበ መንበረ-ፓትርያርክ ተሓግሒጎም ክወጹ ከም-ዝተገብረ፥ ኩሉ ዝፈልጦ ናይ ትማሊ ታሪኽ እዩ።

ይኹን እምበር እቲ መንበረ-ፓትርያርክ ግና፥ ጸርዩ ክጸሪ ዝኽእል ኮይኑ ኣይተረኽበን። ስለዚ ድማ ብድሕሪ ዮፍታሔን ሃብቶምን’ውን፥ ኣባ-ሉቃስ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ሰላም ክህቡዋ  ዝደልዩ ኮይኖም ኣይተረኽቡን። ኣብ ዓዲ ጥራይ ዘይኮነ፥ ካብ ኤውሮጳ ክሳብ ኣሜሪካ ዝርከብ ሰበኻታት፥ ሰላም ከም-ዘይርከብ ንምግባር ብቐጻሊ ሓዊ ክመልሱሉ’ዮም ዝተላዕሉ። እቲ ካብ ኣፎም ክወጽእ ዝስማዕ ዘሎ ቃላት፥ ካብ ሓደ ናይ ፖለቲካ ካድረ እምበር፥ ካብ ኣፍ ሓደ ኣብ መዓርገ-ጵጵስና ዝርከብ ጳጳስ ክወጽእ፥ ዝኾነ ሰብ ክጽበዮ ዝኽእል ኣይነበረን። ንሶም ግና በቲ ጥዑም ክዛረብ ዘይተዓደለ ልሣኖም ኣቢሎም፥ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ከናውጹዋ ዋና ሥርሐይ ኢሎም ተታሓሒዞሞ ይርከቡ ኣለዉ።

እቲ ምስ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዕርቂ ተገይሩ ብምባል፥ ዝጀመሩዎ ናይ ሸፈጥ-ጸወታ ከኣ፥ ገና ከይተበገሰ ከሎ’ኳ ምፍሻሉ እንተ-ተረጋገጸ፥ ንሶም ኣባ-ሉቃስ ግና ሕጂ’ውን ዓሪፎም ክቕመጡ ዝደልዩ ኮይኖም ኣይረኣዩን ዘለዉ። እቲ ብመሪሕነቶም ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ጸቕጢ ብምግባር፥ ክትግበር ዝተደልየ እኩይ ፈተነ’ውን፥ ሓንሳዕ ጥራይ ዘይኮነ ተደጋጋሚ ፍሽለት’ዩ ከጋጥሞ ዝተራእየ። ንሶም እዞም ጸረ ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ ኣቕዋም ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ጳጳስ እዚኦም ግና፥ ሕጂ’ውን ካብቲ ቤተ-ክርስቲያን ንምንዋጽ ዝተበገሱሉ እኩይ ሓቐነ፥ ንድሕሪት ክምለሱ ዝደልዩ መሲሎም ይረኣዩ የለዉን። እኳደኣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ሰላምን ምርግጋእን ከም-ዘይርከብ ንምግባር፥ ኣበርቲዖም ይንቀሳቐሱ ምህላዎም፥ ክንደይ ዘጉሂ ክንደይ ከኣ ዘሕዝን’ዩ። ንሕና ግና እግዚኣብሔር ይቕረ ይበለሎም ምባልና ክንቅጽል ኢና።

እምበኣር ነዚ ኩሉ’ዚ ክዕዘቡ ድሕሪ ምጽናሕ’ዮም፥ እቶም ኩሉ ግዜ ሓበን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝኾኑ ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን፥ ኣንጻር ኣባ-ሉቃስ ሕጂ’ውን ተቓውሞ ኣልዒሎም ዝረከቡ ዘለዉ። ርግጽ’ዩ ኣባ-ሉቃስ በዓል-ግዜ ከም ምዃኖም መጠን፥ ነቶም ገዳማውያን ኣቦታት ኣብ ሞቁሕ ከእትዉዎምን፥ ናዅራ ከም-ዝሰፍሩ ክገብሩዎምን ይኽእሉ እዮም። ግዳስ ኣንድዒ ደኣ ንዕኦም ዘይርኣዮም ከይከውን እምበር፥ ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶናስ ብማእሰርትን ሞቑሕን ዝፍታሕ ዕጥቂ ከም-ዘየልቦ ክርድኡ ምተገብኦም ነይሩ’ዩ።

ከመይሲ ባዕሎም ኣባ-ሉቃስ ንመቑሕ ኣሕሊፎም ዝሃቡዎም፥ ካብ ዝሓለፈ 13-ዓመት ጀሚሮም ተሞቒሖም ዝርከቡ ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ዉሑዳት ኣይኮኑን። እንተኾነ “-እስመ በእንቲኣከ ይቀትሉነ ኩሎ ኣሚረ። ወኮነ ከመ ኣባግዕ ዘይጠብሁ። ንቃህ እግዚኦ ለምንት ትነውም-” እናበሉ ደኣ፥ እታ እግዚኣብሔር መልሲ ዝህበላ መዓልቲ ይጽበዩ ኣለዉ እምበር፥ ዕጥቁ ፈቲሑ ንድሌት በዓል ኣባ-ሉቃስ ዝምብርከኽሲ፥ ዛጊት ተረኺቡ ዝበሃል ታሪኽ ኣይተሰምዐን። እዚ ከኣ ኣባ-ሉቃስ ኣዐርዮም ይፈልጡዎ እዮም።ስ

ብዝተረፈ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ, ቀሲስ-ገብረ-መድኅን ገብረ-ጊዮርጊስ, ቀሲስ-ፉጹምብርሃን ገብረ-ንጉሥ, ቀሲስ-ተኽለ-ኣብ መንግሥተ-ኣብ, መሪ-ጌታ ይትባረክ በርሀ፥ በደልኩም ኣሚንኩም ይቕሬታ ሓቲትኩም ድሕሪ ምፍራም፥ ክትወጹ ትኽእሉ ኢኹም ዝብል ብመዓር ዝተሸፈነ ዕረ ቀሪቡሎም ከም-ዝነበረ ዝፍለጥ እዩ።

ንሳቶም እቶም ምእንቲ ቅድስናን ክብርን ቤተ-ክርስቲያን ክብሉ፥ ኣብ መቑሕ ዝበልዩ ዘለዉ ኣቦታት ግና፥  ኣብቲ ዝተዳለወሎም መጻወድያ ሕራይ ኢሎም ዝኣትዉ ኮይኖም ኣይተረኽቡን። እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ነቶም ሕማም ርእሲ ቤተ-ክርስቲያን ኮይኖም ዝንቀሳቕሱ ዘለዉ ኣባ-ሉቃስ፥ ይጠፍኦም’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን።

ብዝተረፈ ኣብቲ 2 መስከረም 2010 ዓ/ም (2017) ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ዘሕለፉዎ ቃለ-ውግዘት፥ ንኣባ-ሉቃስን ኣባ-ባስልዮስን “-ሕዝበ ክርስቲያን ዘፋልስን፥ ቤተ-ክርስቲያን ዘፍርስን-” ተግባር ኣብ ምፍጻም ይርከቡ ኣለዉ ብምባል፥ ነቲ ተግባሮም ኣውጊዞሞ ኣለዉ። ግዚኡን ሰዓቱን ሓልዩ ዝተወስደ ቃለ-ውግዘት ብምዃኑ ድማ፥ ምሉእ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ ዝደገፎን ዝተሰማማዓሉን ውሳኔ ኮይኑ’ዩ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ውግዘት’ዚ ከኣ ብምንም ዓይነት ጥሒስካዮ ክሕለፍ ዝግባእ ኣይነበረን። እቶም ጳጳስ ክትብሎም ዘጸግሙ ኮይኖም ዝርከቡ ዘለዉ ኣባ-ሉቃስ ግና፥ ሕጂ’ውን ጌግኦም ክእርሙን ኣብ ልቦም ክምለሱን ዝደልዩ መሲሎም ኣይረኣዩን ዘለዉ።

ናቶም ከይኣክል ግና፥ እቶም ብቅዉም-ነገር ዝፍለጥ ታሪኽ ኣለዎም ዘይበሃሉ ኣባ-ቄርሎስ፥ ነቲ ሲኖዶስ እውክል’የ ብምባል ጠበቓ ኣባ-ሉቃስን ኣባ-ባስልዮስን ኮይኖም ክርከቡ ምድላዮም’ዩ። ግዳስ ወዮ ደኣ ንሶም ዝፈልጡዎ ነገር ዘይብሎም ኮይኖም እምበር፥ ፓትርያርክ ዘይብሉ ሲኖዶስ፥ ሲኖዶስ ክበሃል ከም-ዘይከኣል፥ በየናይ ቋንቋ እንተ-ዝንገሮም ኮን ክርድኦም ምኸኣለ ይኸውን-?! ንሶም ኣባ-ቄርሎስ ግና፥ ምስ ቤተ-ክርስቲያን ተረሓሒቖም ማዕዶ ተቐሚጦም ይርከቡ ስለ-ዘለዉ፥ ዘይተጻሕፈ ከንብቡ እንተ ተራእዩ ዘገርም ኣይኮነን።

ብዝተረፈ እንኳንዶ ንኻልኦት፥ ንርእሶም ክውክሉኳ ዘይክእሉ ክነሶም፥ ጠበቓ ካልኦት ኮይነ ክርከብ’የ እንተበሉ፥ እቲ ስበት ደኣ ምስሓቡ ከይ-ጨንቆም እምበር፥እኽእል’የ በሃሊ እንተደኣ ኮይኖምሲ፥ እንሆ ፈረስ እንሆ ሜዳ ካብ ምባል ሓሊፍና፥ ክንብሎም እንደሊ ካልእ ዘረባ የልቦን። ከመይሲ ኣባ-ቄርሎስ ኢሎም ኣይሎም ከምጽኡዎ ዝኽእሉ ለውጢ ስለ-ዘየሎ’ዩ።

ንመንነት ኣባ-ቄርሎስ ካብ ዝገልጽ ሓደ’ውን፥ እቲ ቤተ-መቕደስ ኣምላኽ መሕብኢ ብረት ክኸውን ብምፍቃዶም ምኽንያት፥ ሰርቲፊኬት ክቕበሉ ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ዝቐረቡሉ ግዜ፥ ኣርበኛ ተባሂለ ኢሎም ኩርዕርዕ ኢሎም ክርኣዩ ምድላዮም፥ ብዙሓት ብዕድል’ታ ዘይተዓደለት ቤተ-ክርስቲያን ክሓዝኑ ከለዉ፥ በቲ ታሕቲ ዝወረደ ዘሕፍር ተግባርም ድማ፥ ዝሓፈሩ ዉሑዳት ኣይነበሩን። ካብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ታሕቲ ወሪዶም መዓርጎም ዘዋረዱ ጳጳሳት ከኣ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ እትጽበዮ ተስፋ የብላን።

ብዝኾነ ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን፥ ኣንጻር ኣባ-ሉቃስን ኣባ-ባስልዮስን ዘሕለፉዎ ውግዘት፥ ዝበልካ እንተበልካ ንድሕሪት ዝምለስ ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ውግዘት’ዚ ንኸይፍጸም በዓል ኣባ-ሉቃስ ክፈጥሩዎ ኣብ ዝኽእሉ፥ ኣድማን ሕልኽልኽን ተሳታፊ ኮንካ ምርካብ፥ ኣንጻር ቤተ-ክርስቲያን ምስላፍ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ብዝተረፈ እዚ ውግዘት’ዚ፥ ኣቕሊልካ ክርአ ስለ-ዘይግባእ፥ እቶም ዘራያት በዓል ኣባ-ሉቃስ ኮይኖም ክለዓሉ ዝኽእሉ ወገናት፥ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኢዶም መሊሶም ከይርከቡ፥ ተዓገሱልና ኢልካ ምጥንቃቖም ኣገዳሲ ኮይኑ ይስመዓና

ከመይሲ ንሕቶ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣይሰምዕን’የ ምባል፥ ፈኸም እናበለ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን ከይሃለዎ ስለ-ዘይተርፍ፥ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብናይ ትማሊ ዓይኒ ክትርእዮ ምፍታን፥ ዘይተደልየ ጸገም እምበር ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሕጂ፥ ከምቲ ቅድሚ ዕሥራ-ዓመት ዝነበሮ፥ማንም መጺኡ ክዕንድረሉ ዝኽእል መድረኽ ከም-ዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ። ማለት ሕጂ ዋናታት ዘለዉዎ መድረኽ ክኸውን በቒዑ’ዩ። ስለዚ እቲ ብከም በዓል ኣባ-ሉቃስ ኣቢልካ ክግበር ዝድለ ናይ ፖለቲካ ጸወታ ክብቅዕ ኣለዎ በሃልቲ ኢና።

ስለዚ ነዚ ብኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ኣቢሉ ዝቐርብ ዘሎ ተቓውሞ፥ ብጐነጽ ወይ ብማእሰርቲ ኣቢልካ ፍታሕ ክርከበሉ ኢልካ ምሕሳብ፥ ብልቦና ዝተጠመተ ኣሠራርሓ’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። የግዳስ እቶም ሰብ-ፖለቲካ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክውክሉ ዘይክእሉ፥ ምስ ከም በዓል ኣባ-ሉቃስ ክሠርሑ ካብ ምድላይ፥ ንሕዝቢ ተዋሕዶ ክውክሉ ምስ-ዝኽእሉ ኣቦታት ርክብ ብምግባር፥ እቲ ጸገም ክታሕ ክረኽበሉ ዝኽእል መንገዲ ክርከብ ምተኻእለ።

ይኹን እምበር ንዝኾነ ዝቐርብ ሕቶ ኣይሰምዕን ኢልካ፥ ከምኡ’ውን ንፓትርያርክ-እንጦንዮስን ንካህናት መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለምን ኣብ ትሕቲ መቑሕ ሒዝካ ግና፥ ክመጽእ ዝኽእል ዝኾነ ፍታሕ ክህሉ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት የብልናን። ስለ’ዚ እቲ ንበዓል ኣባ-ሉቃስ ከም መጋበሪ ብምጥቃም፥ ክግበር ዝድለ ጸወታ ኣብዚ’ዩ ከብቅዕ ዘለዎ። ድሕሪ ደጊም ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻርና ጌርና ክንሕዛ ኢና ምባል፥ ኣብ ድቃስ ኮንካ ዝሕለም ሕልሚ እንተ-ዘይኮይኑ፥ ክትግበር ይኽእል’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን።

ከመይሲ ትማሊ ዋና ኣይነበራን። ሎሚ ግና ክብሪ ንዕኡ ንመድኃኔ-ዓለም ይኹን፥ ንዝኾነ መድረኽ ክገጥሙ ዝኽእሉ ምሁራን ወሊዳ’ያ። ስለ’ዚ እቲ ክሳብ ሕጂ ክግበር ዝጸንሐ ናይ ፖለቲካ-ጸወታ፥ ድሕሪ ደጊም ክድገም ከም-ዘይከኣል ምፍላጡ ኣገዳሲ’ዩ። ስለዚ ድማ ኢና እቲ ብኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ዝተመሓላለፈ ውግዘት ሕጋዊ ስለ-ዝኾነ፥ ነቲ ብኃይሊ ንምዕጋቱ ክግበር ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ-ምትእትታው፥ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ስለ-ዝኽእል፥ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ንሕዝቢ-ተዋሕዶ ዝግደፍ ዕዮ ገዛ ደኣምበር፥ ሰብ-ፖለቲካ ዝጭነቑሉ ጉዳይ ክኸውን ኣይግባእን ንብል ዘሎና።

ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

       

Africa, Eritrea, Horn of Africa, United States

 

Security Message for U.S. Citizens: Protests in Asmara

 

The U.S. Embassy has received reports of gunfire at several locations in Asmara due to protests.  The Embassy advises U.S. citizens to avoid the downtown area where protests appear to be more prevalent.  Streets in the downtown area may be closed, and police continue to maintain a significant presence.

Even demonstrations intended to be peaceful can turn confrontational and escalate into violence.  Avoid areas where demonstrations are taking place and exercise caution when in the vicinity of any large gatherings, protests, or demonstrations.  Review personal security plans, remain aware of your surroundings, including at local events, and monitor local news for information.  Maintain a high level of vigilance and take appropriate steps to enhance your personal security.

ዝኾነ ይኹን ሰብ ርእይቶኡ ክህብ መሰሉ እኳ እንተኾነ፥ እቲ ርእይትኡ ግና ቅቡል ዲዩ ኣይቅቡልን፥ እወንታ ዲዩ ኣሉታ ተባሂሉ ክምዘን ጽቡቕ እዩ። ብድፍኑ ኣየናይ ይሓይሽ ከይተመራመርካ ንዝኾነ ይኹን ርእይቶ ምንጻግ ወይ ከኣ ብኣሉታ ምምዛን ነቲ ጉዳይ ብግቡእ ክንርዳእ የድሊ። እወ! “ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ጎድኒ ህዝብኻ ደው በል” ዝብል ጻውዒት ወይ ርእይቶ ንኹልና ዘኽስብ እምበር ዘኽስር ኣይኮነን።

መጀመርያ እዚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ኣድራዕን መከራን ዝተፈልየ ራህዋን ቅሳነትን የብሉን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ኣብ ውሽጡ ብዋሕዲ ደሞዝ፥ ሕማቕ ምሕደራ፥ ዘይምዕሩይ ኣተሓሕዛ ይሳቐ ከምዘሎ ኩልና እንርድኦ ሓቂ እዩ። እወ! እዚ ሰራዊት እዚ ንኹሉ መከራ፥ ጥሜትን፥ ዕርቃንን ተጻዊሩ ንድሌታት እቲ መላኺ ስርዓት ብድፍኑ ብዕግበቱ የገልግልን ይፍጽምን ኣሎ ክንብል ግን ኣንጻር ለውጢ ተዓጠቕ ንብሎ ኣሎና ማለት እዩ ዝኸውን።

ቅድም ቀዳድም እዚ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ሰራዊት ዋላ እኳ ብፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት  ዘይተመልመለ እንተኾነ ናይ ፖለቲካ ሀ-ሁን ዲሞክራሲያዊ ራኢን ፍጹም ዘይብሉ ኣይኮነን። ስለዚ ነዚ ሰራዊት እዚ ኣብ ስለስተ ክፋላት ከፊልና ምርኣዩ ኣገዳስነት ኣለዎ። እዚ ክፋላት እዚ  ከኣ ላዕለዋይ፥ ማእከላይን ታሕተዋይን ጽፍሕታት ዝሓዘ ቀጸላታት ዘለዎ እዩ። እቲ ላዕለዋይ ጸፍሒ ገባርን ሓዳግን ኮይኑ በቲ ማእከላይ ጽፍሒ ኣቢሉ ነቲ ታሕተዋይ ጸፍሒ ትእዛዙ የመሓላልፍ። ሰራዊት ከኣ ናይ ግድን እዩ ክሳብ እቲ ጉዳይ ዝበርሃሉ ዝወሃቦ ትእዛዝ ከተግብር ።

ከምቲ ዝተጠቕሰ እቲ ሰራዊት ኩሉ ጥዒምዎ ከምዘየለ፥ ግን ከኣ ካብ ውሽጡ ነቲ ስርዓት ብፍሉይ ኣገባብ ዝተሓዙን ሓላፋታት ዘለዎምን ኣይሳእንዎምን እዮም። ምኽንያቱ ምልኪ ኩሉ ግዜ ረብሓኡ ኣብ ከፋፊልካ ግዛእ ስለዝኾነ። በዚ እቲ ሰራዊት ዘጋጥሞ ዘሎ ከርፋሕ ናብራ ዕድልን መድሎን ኣብ ዝረኽበሉ እዋን ነቲ መላኺ ስርዓት ክልውጦ ተኽእሎ ኣለዎ። ልክዕ እዩ እዚ ሰራዊት ምክልኻል ውልቃዊ ድሌታት ወይ እውን ናይ እኩባት ረብሓታት ዘለውዎ ሰራዊት ምዃኑ ክንክሕዶ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ክህሉ ከኣ ባህሪያዊ እዩ። እዞም ንውልቆም ዲዮም ንእኩብ ረብሓታቶም ጥቑዓት ዝኾኑ ከኣ እዮም ነቲ መላኺ ስርዓት ብዝያዳ ዘገልግልዎን ዝከላኸልሉን። ስለዚ “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ከም ዝበሃል ብኣልማማ ኩሉ ዝኹነን ወይ ዝነኣድ ኣይኮነን።

ኣብ ውሽጢ እዚ ሰራዊት እቲ ንለውጢ ዝብህግ ክሳብ ዝዕወት ኣብ ዲሞክራሲያውነት ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። ነዚ ከምዘይናትና ወይ ብኣተሓሳስባ ከም ኣካል ሓይሊ ተቓውሞ ምዃኑ ነጺግና ክንኩንኖ እንተዀንና፥ ነቲ ኣዕኑድ ናይቲ መላኺ ስርዓት ክንሰብሮ ኣይክንክእልን ኢና። እቲ ኩሉ ጻዕርና ፖለቲካዊ ቃልሲ ብምዃኑ ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ከኣ ተጻዋርነት እቲ ቀንዲ ሓያል ጎድኒ ናይ ቃልስና ኣካል እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ኣንጻርቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኣብ ለውጢ ዝርባሕ ኣካል ሰራዊት ምክልኻል ተጻብኦታት እንተኣዘውቲርና መሊስና ነቲ ዕድመ ስርዓት ጉንዖ ነወፍየሉ ኣሎና።

ስለዚ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምኽሳቡ ስለዝፈሸልና ኣብ ሓደ ቁራዕ ኣእቲና ክኹነን ኣለዎ ኣብ ክንዲ ምባል ንኽንከስቦን ኣብ ጎኒ ደለይቲ ፍትሒ ደው ንኽብል ክነኽእሎ ዝግበኣና ጉዳያት ክነማልእ ኣሎና። ነቲ ሰራዊት ብዝተኻእለ መጠን ካብ ናይ ምልካዊ ፖለቲካዊ ጸወታ ገለልተኛ ክኸውን ምጽዓር። ካልኣይ ነጥቢ ከኣ ኩሉ ኣባል ደምበ ተቓውሞ ብዝተኻእለ መጠን ሰራዊትን ህዝብን ናብ ጥብቕ ዝበለ ዝምድና ንምብጻሕ ዝደጋገፉሉ ኣገባብ ምዝውታር። ወተሃደር መብዝሕትኡ ግዜ ዓመጽ፡ ምፍርራሕን ምግዳድን እኳ ዝጥቀም እንተኾነ፡ ነዚ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ንኸየዘውትሮ መጸዋዕታ ምቕራብ ነውሪ የብሉን። ከምዚ ምግባር ኣብ ድሌታት ወተሃደራዊ መሪሕነት ናይ ጉጅለ ህግደፍ ምውዳቕ ወይ ምርዓም ማለት ኣይኮነን። ከም ኣብነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ  ሃገራዊ ጉባኤኣ ንናይ ሽዑ ኮማንዶስ ኣካል ህዝባዊ ቃልሲ እምበር ኣንጻር ናጽነት ኣይኮነን፡ ዋላ እኳ ንግዝያዊ ጠቕሙ ምስ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ደው እንተበለ ከም ጸላኢ ኣይንቖጽሮን ዝብል ውሳኔ ወሲዳ። ድሕሪ እዚ ሰራዊት ኮማንዶስ በብሓደ ይኹን ብእኩብ ናብ ሰውራ ኤርትራ ክጽንበሩ ጀመሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ማእከል ኣስመራ ንህዝቢ ካብ ስጉምቲ ሓይልታት መግዛእቲ ከምዝተኸላኸሉ ርኡይ ናይ ትማሊ ምስክር እዩ።

ብመንጽር’ዚ እዚ ህልዊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንስርዓት ህግዲፍ ደው ዘበለ ናይ ምልኪ ሰራዊት እዩ ኢልና ኣንጻር ህዝቡ ኣብ ክንዲ ዝብገስ፡ ኣንጻር እቲ ስርዓት ንኽብገስ መጸዋዕታ ምቕራብሲ ምስ ህግደፍ ምድንጋጽዶ የስምዕ ይኸውን? ነቲ ስርዓትሲ ደው ኣቢልዎ ዘሎ እዚ ፋሕ ከም ደቂ ዛግራ ኮይኑ ዘሎ ደምበ ተቓውሞዶ ኣይኮነን? ስለዚ ንሰራዊት ወትሩ መጸዋዕታ ምቕራብ ናብቲ እንደልዮ ዘሎና ለውጢ ተሓባባርን ተሓጋግዝን ጥራይ ንክኸውን ዘይኮነስ እንተላይ ንረብሓኡ ምዃኑ ምእማትን ኣብ ጎድኒ  ህዝቡ ደው ንኽብል ንምኽኣል ዝሕግዝ ኣገዳሲ መጸዋዕታ እዩ። ትርጉም ናይቲ መጸዋዕታ፡ ንህዝቢኻን ንሃገርካን ተኸላኸል፥ ነቲ ስርዓት ከኣ ፎእ በሎ ዝብል እዩ።

ስለምንታይ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ደው ክብል መጸዋዕታ ምቕራብ የድሊ እምበኣር ምኽንያቱን ኣድላይነቱን ንጹር እዩ። ነዚ ሓይሊ እዚ ኣብ ክንዲ ብኣሉታ ንጥምቶ ብእወንታ ጠሚትና ንእወንታዊ ትግባረ ክንጽውዖ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ኣንጻር ረብሓኡ ተሰሊፉ ስለ ዘሎ።  ብዘይካዚ፡ እዚ ስርዓት ከምቶም ዝሓለፉ ክሓልፍ ምዃኑ ናይ ግድን እዩ። ኣብ ከምዚ ህሞት ባዶነት ከጋጥም እንከሎ ነታ ሃገር ንግዚኡ’ኳ ይኹን ጸጥታን ምርግጋእን ናይ ምውሓስ ሓላፍነቱ ምዃኑ ክነተባብዖን ኣብ ጎንኻ ኣሎና ክንብሎን ብኣውንታዊ ጐኑ ክንርእዮን ኣድላይ’ዩ።  ከምኡ’ውን ቃልስና ብብሄራዊ፥ ሃይማኖታውን ሕብረብሄራውን ኣሰላልፋ ተፈላልዩ፡ ነናቱ ሰራዊት ዘለዎ ደምበ ተቓውሞ ነታ ሃገር ዝከላኸል ሓይሊ ክኸውን ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ነናቱ ሰራዊት ሒዙ ጽባሕ እውን ኣብ ነንሓድሕዱ ናይ መን ዓብለለ ጉስጢ እንተካይዱ፡ እቲ ሰራዊት “ኣይከምኡን” ክብል ትጽቢት ይግበረሉ።

ስለዚ ደምበ ተቓውሞ ካብ ዘሰማምዕዎ ዝፈላልይዎ ዝወሓዱ ክንሶም፡ ከምቲ ዝድለ ኣብቲ ዘሰማምዖ ሰጢሙ ክሰርሕ ኣብ መስርሕ ኣብ ዝሃለወሉ፡ ናብቲ ፈትዩ ዘይኮነስ ተገዲዱ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘገልግል ዘሎ ሰራዊት “ዋልታ ህዝብኻ ኩን” ዝብል መጸዋዕታ ምቕራብ፡ ከም ምድጋፍ ንዲክታቶሪያዊ ጉጅለ ኣምሲልካ ምርኣዩ ቅቡልን ቅኑዕን ኣይኮነን።

Providing concrete responses by action to recent baseless claims that surfaced in today's uncontrolled social media outlets, EPDP members in Europe and North America held a chain of six meetings during the last two weeks of October 2017 alone to reaffirm dedication to the party line; to the review past performances of their organs and branches and to start implementing the one-year action plans adopted at the recent 8th regular meeting of the party's Central Council. 

 

Seattle Branch Meeting

The EPDP Seattle branch in Washington State met on 15 October to discuss  questions raised by a handful party members in North America who wrongly defied  leadership decisions related to disciplinary measures taken against wrong-doers in the party, including Mesfin Hagos. The Seattle branch reaffirmed its unflinching respect to and protection of the 2015 EPDP constitution and related party rules and regulations. The meeting fully supported previous and recent Central Council decisions and  wished to inform EPDP members outside North America not to worry much about the localized hiccup that occurred in their zone during the past few months. The branch members commended and supported the speedy implementation of the EPDP proposal for joint work in the opposition camp and deeply regretted the waste of time by certain individuals whose words and actions only serve the common enemy of the people and the rest of the opposition camp.

 

Youth Affairs Office Meeting

Following the 21 October meeting of the Women's Affairs Office which was reported earlier, the Youth Affairs Office of the EPDP Executive Committee held its regular meeting on  26 October and reviewed past performances with identifiable shortcomings that have to be followed up, and the time-frame for implementing the Office's new action plan for year 2017-2018.  Both the regular meetings of these two party organs were conducted electronically.

 

Frankfurt Branch Meeting Attended by Party Chairman

A day after the 14 October meeting of the all-Germany branches meeting in the German financial capital of Frankfurt (also reported earlier), the EPDP branch for Frankfurt and Environs also held its regular monthly meeting on 15 October at which EPDP Chairman Menghesteab Asmerom was present. The monthly meeting was briefed on latest developments within the party, the opposition camp as well as events taking place in the Horn of Africa Red Sea regions. In relation to party matters, emphasis was given the objectives of and expectations from the unity proposal and the party renewal programme underway. 

 

Frankfurt Branch 15.10.2017

 

Party Chairman Menghesteab Asmerom took the opportunity of his attendance of the branch meeting to explain about a recent meeting he and his delegation attended in Berlin with important governmental and party officials to discuss problems of Eritrean refugees in Germany. He underlined the importance of the issues discussed at the Berlin meeting on future action to assist Eritrean refugees in Germany.

 

Meetings in Oslo 

On 14 October 2017, the Oslo branch held its 7th congress in the presence of two Executive Committee members of the party, Mr. Tesfai Woldemichael (Degiga),  head for Organizational Affairs, and Mr. Medhanie Habtezghi, head of Youth Affairs Office. It is to be recalled that the two EPDP leadership members earlier on 14 October led a public meeting which discussed hot issues of the hour, including the urgency of joint work by forces opposed to the dictatorship at home. 

EPDP Magazines