ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከተማ ለንደን ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ

2018-04-23 23:32:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3341 times

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝመርሖ፡ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ፡ ሓው ኣሰፋው በርሀን ሓው ሃይለ ወልዱን፣ ከምኡ’ውን፡ ኣባል ዞባ ሽማግለ ኣውሮጳን ኣቦ መንበር ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያን፡ ሓው ጐይትኦም መብራህቱ ዝርከብዎ ልኡኽ ሰዲህኤ ብ22 ሚያዝያ 2018 ኣብ ከተማ ለንደን ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ።

 

ሓው ጐይትኦም መብራህቱ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን ናይ ምስጋናን መልእኽቲ ንዕዱማት ኣጋይሽ ድሕሪ ምትሕልላፍ መድረኽ ንኣቦ መንበር ሰልፊ ኣመሓላሊፍዎ።

 

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ደጊሙ ንዕዱማት ኣጋይሽ ናይ ምስጋና መልእኽቲ ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣኼበኛታት ንዝኽሪ ሰማእታት ብሓፈሻ፡ ንዝኽሪ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሰውአ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ተጋዳላይ መሓመድ ኣሰሎ ድማ ብፍላይ ንሓደ ደቂቕ ደው ክብሉ ጸዊዑ።

 

ቀጺሉ፡ ካብ’ቲ ኣብ ዋዕላ ሃገራዊ ዘተ ኤርትራ ኣብ ለንደን ብሓው ዓብዱልረዛቕ ሙሳ ዝቐረበ ወረቐት ብምጥቃስ፡ ንሕና ብኸመይ ንምራሕ እምበር፡ መን ይመርሓና፤ ወይ ድማ መራሒና ራእይ እምበር፡ ውልቀሰብ፡ ጕጅለ፡ ቦታ…ወዘተ ክኸውን የብሉን ዝብል ሓሳብ ብምጥቃስ ኢዩ ጀሚርዎም።  ካብ’ዚ ተበጊሱ ድማ፡ ራእይ ናይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ዕድመ ስልጣኑ ምንዋሕን ረብሓኡን ረብሓ ናይ’ቶም ውሑዳት መጋበርያታቱን ምሕላውን ጥራሕ ምዃኑ ሓቢሩ። ነዚ ንምርግጋጽ ዝጥቀመሎም ስልትታት ከኣ፡ ኣብ ህዝቢ ፍርሕን ዘይምትእምማንን ከምዝነግሱ ብምግባር ህዝቢ ብ”ሰላም” ይነብር ኣሎ ዝብል ናይ ሓሶት ፕርፖጋንዳ ምዝርጋሕን ምዃኑ ኣረዲኡ።

London Meeting 2

ራእይ ናይ’ቲ ሰፊሕ ህዝብን ደለይቲ ፍትሒ ዝዀኑ ተቓወምቲ ውድባቱን ግን፡ ሓቀኛ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ብልጽግና ምርግጋጽን ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ምኽባርን ኢዩ ኢሉ።  እዚ ራእይ’ዚ ብምፍልላይ ዘይኰነ ብሓድነት፡ ብምንጽጻግ ዘይኰነ ብልዝብን ምቅርራብን፡ ብምፍርራሕ ዘይኰነ ብምትዕግጋብ ዝረጋገጽ ምዃኑ ከኣ ኣብሪሁ።

 

ኣስዒቡ፡ ተቓወምቲ ውድባት፡ ኵሎም ኣብ ዝሰማምዕሎም ነጥብታት ዝተመርኰሰ ሓባራዊ ዕዮ ክጅምሩ፡ ሓድነቶም ንምድልዳል፡ ኣብ ህዝባዊ፡ ዲፕሎማስያውን ዜናውን መዳይ ሓቢሮም ክዋስኡን ህጹጽ ኣድላዪነት ከምዘለዎ ኣስሚርሉ። ምስ’ዚ ብምዝማድ፡ እማመ ሰዲህኤ ንሓባራዊ ዕዮ ብዝርዝር ገሊጹ።

 

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ብምቕጻል፡ ብዘይ ተሳትፎ ናይ ህዝቢ ዝረጋገጽ ለውጢ ፈጺሙ ከምዘየለ ብምስማር፡ ህዝቢ ተጻባዪ ዘይኰነስ ሓቀኛ ናይ ለውጢ ተዋሳኢ ክኸውን ከምዘለዎ ኣገንዚቡ። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ከተማታትን ዝካየዱ ዘለዉ ህዝባዊ ምጥርናፋትን ህዝባዊ ተበግሶታትን ሰዲህኤ ደጋፊኦም ምዃኑ ሓቢሩ።

 

ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ኣብ ሰዲህኤ ዘጋጠመ ምፍንጫል ኣመልኪቱ፡ መበገሲታቱ ድሕሪ ምብራህ፡ ንቓልሲ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ብኣሉታ ዝጸሉ ተረኽቦ ምዃኑ ኣብሪሁ።

 

London Meeting 3

 

 

ሓው ኣሰፋው በርሀ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ምኽትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጕዳያትን ሰዲህኤ፡ ንሓያልን ድኹምን ጐድንታት ሰልፍናን ትካላቱን ናይ ምድህሳስን ናይ ምሕዳስን መስርሕ ሓንጺጹ ብዕቱብ ክሰርሓሉ ጀሚሩ ከምዘሎ ኣስፊሑ ገሊጹ።

 

ኤርትራውያን ምሁራት፡ ንፍልልያት ኣብ ምጽባብን ንዝፍጸሙ ጌጋታት ኣለልዮም ኣብ ምእራምን ግዲኦም ክጻወቱ ድማ ኣዘኻኺሩ።

 

ናይ ሕቶን ርእይቶን መድረኽ ምስ ተኸፍተ፡ ኣኼበኛታት ንዝርኣዮም ጕድለታት ተቓወምቲ ውድባት ብሓፈሻ፡ ንኣወንታውን ኣሉታውን ጐድንታት ናይ ሰዲህኤ ድማ ብፍላይ ዝምልከት ዘለዎም ስምዒታትን ተረድኦታትን ከይተሸቝረሩ ገሊጾም።

 

ኣባላት መሪሕነት ሰዲህኤ ድማ፡ ተሓጋጊዞም ንዝቐረበሎም ሕቶታት መሊሶምን ንክበርሁ ኣለዎም ዝበልዎም ጕዳያት ብግልጺ ብምቕራብን ኣኼባ ብምርድዳእን ምትዕግጋብን ተዛዚሙ።

Last modified on Tuesday, 24 April 2018 01:45