ንሕና’ኳ ካብኣ እንተወጻእና፡ ኤርትራ ግና ካባና ኣይትወጽእን’ያ

2018-04-23 19:50:26 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1863 times

ጉዕዞ ኤርትራን ህዝባን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ብዙሕ ሓጐጽጐጽን ውረድ ደይብን ዘይተፈልዮ ምዃኑ ንኹልና ንጹር እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እቲ ነዚ ዘይርጉእ ማዕበል ናይ ምህዳእ ቃልሲ ከኣ ኩሉ ዋጋ እንዳተኸፈሎ ማዕሪኡ ቀጻሊ ጸኒሑን ኣሎን። እቲ ዘይርጉእነት ከከም ናይቶም ነቲ ዘይርጉእነት ዝፈጥርዎ ኣካላት ባህርን ናይቲ ዝዋስእሉ ግዜ ምዕባለን ዝተፈላለዩ ጠባያት ዝጸንሕዎን ዘለዉዎን እዩ። መድረኻት ናይ ርሑቕ ገዛእቲ፡ ዝተፈላለዩ ስርዓታት ኢትዮጵያን ሕጂ ኣብ መስርሕ ዘሎ ስርዓት ህግደፍን በብመልክዑ ምረት ወጽዓ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝግለጸሎም እዮም።

ብዙሕ ንድሕሪት ከይተመለስና፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ምረት ወጽዓ ኣዝዩ ዓሚቝን ብዙሕ መልከዓት ዝሓዘን እዩ። ፖለቲካዊ ናጽነት የለን ቁጠባዊ ሓርነት’ውን ከምኡ። ኩሉ መሰላት ዕጹው እዩ፡ ፍትሒ’ውን ካብኡ ኣይፍለን። ህዝባዊ ተሳትፎን ትካላዊ ኣሰራርሓን የለን፡ ብኣንጻሩ ናይ ሓደ ኣልማማ ዝድህኽ ፍሉይ ጉጅለ ትምክሕትን ጸቢብነትን ሰማይ ዝዓረገ እዩ። ፍርሒ፡ ስግኣትን ዘይምትእምማንን ሳዕሪሮም ኣለዉ። ደረት ዘየብሉ ግዱድ ውትህድርናን ክሳብ ብደረጃ ቤተሰብ ናብ ታሕቲ ወሪድካ ዘሎ ጸቢብ ምቁጽጻርን እንተውሲኽካሉ ከኣ እቲ ጉዳይ መመሊሱ’ዩ ዝመርር። እቲ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ጉዳይ ከኣ ናይቲ ነዚ ኩሉ ሕማቕ ምስሊ ዓጺፉ ምእንቲ ራህዋ ዝቃለስ ዘሎ ኣካል ድሌትን ሓይልን ኣተሃላልዋ ትሕቲ ትጽቢት ምዃኑ እዩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ካብቲ ብዙሕ ምርጫታት ናይቲ ነዚ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ሕማቕ ኤርትራዊ ምስሊ ቀይሩ ናብ ሓድሽን ዝሓሸን ምዕራፍ ናይ ምስግጋር ትውልዳዊ ሓላፍነት ዘለዎ መንእሰይ ስደት ምዃኑ እዩ። ዋሕዚ ኤርትራዊ መንእሰይ ናብቲ ግዝያዊ መዕገሲ’በር መሰረታዊ ፍታሕ ዘይኮነ ስደት ኣብ ቀጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ህዝብን ሳዕቤኑ ዘሰንብድን ዘስግእን ምዃኑ ሎሚ ኣይኮነንዶ ንኤርትራዊ ንሕብረተሰብ ዓለም እውን ዘየደቅስ ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ዋላ’ኳ ግዝያዊ መስተርሆ ንምርካብ ካብ ኤርትራ እንተወጻእና ኤርትራ ግና ወርትግ ካባና ከምዘይትወጽእ ዕለታዊ ህይወት ነፍሲ ወከፍና ዝምስክሮ እዩ። ክንሓዝን ክንሕጐስ፡ ክንጥዒ ክንሓምም፡ ክንጠሚ ክንጸግብ፡ ከምኡ እውን ክንውለድን ክንመውትን እንከለና፡ ኤርትራ ምሳና ኣላ። ስለዚ ብዛዕባ እዛ ንሕና’ኳ ካብኣ እንተወጻእና ንሳ ግና ካባና ዘይትወጽእ ኤርትራና ብጽሞና ክንሓስብ ትውልዳዊ ግደታና እዩ። እቲ ንሳ ካባና ስለ ዘይትወጽእ ብዛዕባኣ ምሕሳብና ቅኑዕን ናይ ግድንን እዩ። እቲ ንሓስቦ ብዛዕባ ብኸመይ ይርህዋን ትቐስንን ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ብኸመይ እቲ ተጻዒንዋ ዘሎ ኣርዑት ሓጺን ይተርር ክኸውን እንከሎ ግና፡ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ዘሕዝን ጥራይ ዘይኮነ ንደለይቲ ለውጥን ራህዋ ከቢድ ሓላፍነት ዘሰክም እዩ።

እቲ ኣብ ልዕሌና ክፍጸም ዘይንደልዮ ሕማቕ፡ ኣብ ልዕሊ ካለኦት ክፍጸም ክንፈቅድ ከምዘይብልና ርዱእ እዩ። እቶም ካብ ኤርትራ ወጺእና ግዝያዊ ትንፋስ ረኺብና ዘለና፡ ኣብቲ ንሕና ዝጸናሕናዮ ጭንቂ ዝገደፍናዮም፡ ወለዲ፡ ኣሕዋትን ቤተሰብን ብዓብዩ ከኣ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣለዉና። ንሳቶም’ውን ከማና ራህዋ ከም ዝጽበዩ ካባና ንላዕሊ ዝርደኣሎም የለን። በቲ ኣብ ወጻኢ ዝረኸብካዮ ብዝምድናዊ ኣረዳደኣ ዝሓሽ ናጽነትን ነገራዊ ዋንነትን ተጠቒምካ ንራህዋኦም ምጽዓት እምበር፡ ንወጽዓኦም እናዘከርካ እህህህህ ምባልን ውሱን ነገራውን ገንዘባውን ደገፍ ምግባርን መሰረታዊ ፍታሕ ከም ዘይከውን ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ በኺሩ ዘሎ ብናይ ለውጢ ቃልሲ ዝረጋገጽ እምበር ብገንዘብ ዝግዛእ ስለ ዘይኮነ። ሕሉፍ ሓሊፉ ንጉጅለ ህግደፍ “ፎእ ውርቅኻ ፎእ ጨርቅኻ” ኢልካ ራሕሪሕካዮ ወጺእካ ከተብቅዕ፡ ተመሊስካ ኣብ ከባቢኻ ናብ ዘለዉ ናይ ጭቆና ትካላቱ ውጥም ቅልቅል ምባል ግና፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ዓዲ ዝገደፍካዮም ተጸበይቲ ራህዋ ወገናት ምፍራድ እዩ።

ከምቲ ወለድና “ዓድኻ ዓዲ እንጀራኻ እዩ” ዝብልዎ ምስቲ ዘለኻዮ ከባብን ስርዓቱን ምልላይን ምስናይን ኣድላይ እዩ። እዚ ማለት ግና ኤርትራውነትካ ሓጢጥካ ትገድፎ ማለት ኣይኮነን። እንተዝፍተን’ውን ኣይከኣልን። ንኤርትራ ክትዝክራ እንከለኻ ግና ነቲ ኣብ ዓዲ ኣብ ማዕበል ወጽዓ ዝጣራዕ ዘሎ ህዝቢ መመሊሱ ዘጥሕል ዘይኮነስ፡ ናይ ራህዋ ባና ዝጋልህ ክኸውን ይግበኦ። ሎሚ ኣብ ቅድሚ እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘሎ ኤርትራዊ ናይ ማይን ሓውን ምርጫን ኣሎ። በቲ ሓደ ወገን ካብ ራህዋን ናጽነትን ህዝቢ ቀጻልነት ጭቆና ህግደፍ መሪጽካ ናይ ጣዕሳ መንገዲ ምሓዝ። እዚ እቲ ሓዊ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ዕድመ ህግደፍ ኣሕጺርካ ራህዋ ንምንጋስ ኣብ መስርዕ ቃልሲ ንለውጢ እጃምካ ንምብርካት ኣብ ቃል ኪዳንካ ምጽናዕ። እዚ ከኣ እቲ ማይ እዩ። ኮታ ኤርትራን ውጹዕ ህዝባን በቲ ሓደ ወገን፡ ህግደፍን ናይ ወጽዓ ትካላቱን ከኣ በቲ ካልእ ወገን ተፋጢጦም ኣለዉ። ኣብዚ “ነየናይ ትመርጽ?” እዩ እቲ ፈታኒ ሕቶ። ንኩነታት ሃገርና ብሓላፍነታዊ ሕልና ናይ ዘንበበ ወገን ምርጫ ኤርትራን ህዝባን ከም ዝኸውን ርዱእ’ዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ምስ ህግደፍ ዝዓብድ ተዓሚቱ “ሃገርን ህዝብን ጽቡቕ ኣለዉ” እናበለ ዝዝምር ኤርትራ ምስኡ ከምዘላ ዝዘንግዐ ኤርትራዊ የለን ማለት ኣይኮነን። ነዚ ግጉይን ንሃላዋታ ዘይምጥንን ምርጫ ዝተዓዘበት ኤርትራና፡ ኣፍ ኣውጺኣ ናይ ምዝራብ ዕድል እንተ እትረክብ፡ እንታይ መበለት ከኣ ኩልና እንርደኦ እዩ።

Last modified on Monday, 23 April 2018 21:53