ኣቶ ሃብቶም ዮውሃንስ ኣብ መድረኽ ዘተ መንእሰይ ሰዲህኤ ኣስተምህሮ ሂቡ

2018-04-22 09:01:10 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2177 times

ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ተማራማርን ኣቶ ሃብቶም ዮውሃንስ ብ21 ሚያዝያ 2018 ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት ሰዲህኤ ኣብ ዝወደቦ ኣብ Eritrean EPDP Youth Discussion Corner Room ናይ ኣስተምህሮ መድረኽ ፓልቶክ ”ኣብ ሃገርና ስለምንታይ ግዝኣተ ሕግን ደሞክራስን ደንጒዩ? ንኽቀላጠፍከ እንታይ ክግበር ኣለዎ?” ኣብ ትሕቲ ዝብል ሓሳብ ንተሳተፍቲ ሰፊሕን መሳጥን ኣስተምህሮ ሂቡ።

ኣቶ ሃብቶም የውሃንስ ኣብ መእተዊ ኣስተምህሮኡ፣ ካብ ግዝኣተ ሕጊ ወጺኡ ብጸቢብ ድሌቱን ብባህጉን ዝመሪሕ ውልቀ ሰብ ኮነ ሰልፊ ልክዕ ከም ልጓም ዘይብሉ ፈረስን መልሐቕ ዘይብላ መርከብን እዩ፣ ምኽንያቱ ንባህጊ ናይቲ ይመርሖ ኣለኹ ዝብሎ ህዝቢ ዘይኮነስ ንባህግታቱን ንውልቃውን ጉጅላውን ረብሓታቱን ስለ ዝመርሕን ዝገዝእን ኢሉ። ንኣገዳስነት ኣምራት ደሞክራስን ግዝኣተሕግን ኣመልኪቱ ኣብ ዝጠቐሶ ከኣ፣ ክልተ ካብ ሕድሕድ ክነጻጸሉ ዘይክእሉን፣ ሓደ ብዘይ’ቲ ካልእ ክህሉ ዘይክእሉን ባህርያውያን ጸጋታት ከም ዝኾኑ ኣብሪሁ።

ተመራማርን ጋዜጠኛን ሃብቶም ብመሰረት መጽናዕቱ፡ ምልኪ፡ ውልቀሰባዊ ምልኪ፣ ውልቀ ሰልፋዊ ምልኪ፣ ወተሃደራዊ ምልኪ ተባሂሉ ኣብ ሰለስተ ዓይነት ከም ዝኽፈል ድሕሪ ምብራህ፣ ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልኪ ካብዚ ሰለስቲኡ እቲ ውልቀሰባዊ ምልኪ ከምዝኾነ ኣስሚርሉ። እዚ ውልቀሰባዊ ምልኪ እቲ ዝበኣሰ ምልኪ ምዃኑ ከኣ ገሊጹ። ምኽንያቱ ውልቀሰባዊ ምልኪ ዝበኣሰ ዝኾነሉ፡ ዝኾነ ትካላዊ ኣሰራርሕ ዘየፍቅድን ዘዕኑን ናይ ጭቆናን ወጽዓን ኣገባብ ስለ ዝኾነ።

ኣብ ሃገርና ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ዘሎ ምልኪ፡ ሃንደስቱን ዘወርቱን ውልቀመላኺ ፕረሲደንቲ ኢሰይያስ ኣፈወርቅን ናይ ጭቆና መሓውራቱን እዮም ምስ በለ፡ ኣቶ ሃብቶም እቲ ደላይ ለውጥን፣ ንምቅልጣፍ እቲ ለውጢ ዝነጥፉ ኣካላትን እውን ዘርእይዎ ድኽመት ዕድመ ምልኪ ንክናዋሕ ዘለዎ ኣሉታዊ ግደ ጠቒሱ። ናይቲ ደላይ ለውጢ ሓቀኛ ድሌትን ትሕዝቶን ዘይምግንዛብ፣ ባህርን፣ ዓቕምን፣ ናይቲ ዝቃውምዎ ዘለዉ ምልክን መላኽን ዘይምርዳእ፣ ድሕሪዚ ነቲ መድረኽ ዝዳረግ ቃልሲ ከተካይድ ዘይምብቃዕ፣ መተካእታ ክትከውን ዘይምኽኣል ዝብሉ ከም ኣብነት ድኽመት ናይ ለውጢ ሓይልታት ዘርዚሩ። ኣብ ገለገለ እዋናት ኣብ ዘይመሰረታውን ዘይእዋናውን ጉዳያት ዝያዳ ኣድሂብካ ግዜ ብምጥፋእ ወርቃዊ ዕድላት ምሕላፍን ነቲ ቃልሲ ተኪኡ ከቐጽሎ ዝኽእል ሓይሊ ክትፈጥር ዘይምብቃዕን እውን ከም ኣካል ናይቲ ብናይ ለውጢ ሓይልታት ዝረአ ድኽመት ጠቒስዎ።

ኣብቲ ኣብ ሃገርና ለውጢ ንኽቀላጠፍከ እንታይ ክግበር ኣለዎ? ዝብል ኣተኲሩ ከኣ ጋዜጠኛ ሃብቶም፣ ካብ ጥቕመይ ጥቅምኻ፣ ረብሓይ ረብሓኻ ዝብል ጸቢብ ናይ ምትህልላኽ ባህርያት ናጻ ዝኾነን ዝተወሃሃደን ቃልሲ ምክያድን፣ ናብ ሃገርን ህዝባን ዘቀደመን፣ ካብ ናይ ብሔረይ ብሐርካ፣ ሃይማኖተይ ሃይማኖትካ፣ ዝብሉ ጸበብቲ ምጉጅጃላት ወጺእና ብሓባር ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጽላል ክነጽልል፣ ኣድላይ ምዃኑ ኣዕዚዙ ገሊጹ። ካብዚ ሓሊፉ ናይ ግዳም ሓይሊ ኣብ ጉዳይና ዝተሓጋገዘ እምበር ንጉዳይና ከም ድላዩ ዘይዝውረሉ ኣገባብ ክንክተል ኣድላይ ምዃኑ ኣስፊሩ። ኣብ ርእሲዚ ገለጻኡ ተሳተፍቲ ኣብ ዙርያ እቲ ዘቕረቦ ኣስተምህሮ ንዘቕረብዎ ሕቶታት ግቡእ መልሲ ሂቡ።

Last modified on Sunday, 22 April 2018 11:05