ቤት ጽሕፈት ጕዳያት መንእሰያት 4ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ
Written by ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰደህኤትማሊ ዕለት 22 ሕዳር 2015 ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ 4ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብዓወት ኣቓኒዑ። ኣብቲ ብተለኮንፈርንስ ንሊዕሊ ክልተ ሰዓት ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ኣኼበኛታት ትግባረ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ መደባቶም ድሕሪ ምግምጋምን ሓበረታ ድሕሪ ምልውዋጥን፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ኣጀንዳ ዝኾነ ስለምንታይ ብኩራት መንእሰያት ኣብ ዝካየድ ሃገር ናይ ምድሓን ሃገራዊ ቃልሲ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ብዕምቆት ዘትዮም።
ኣብዚ ኣርእስቲዚ ኣኼበኛታት ንብዝሓ-ተሳትፎ መንእሰያት ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ መኸላእታ ዝኾኑ ብዙሓትን ዝተፈላለዩን ምኽንያታት ብኹሉ ሸነኻት ከምዘለዉ እኳ ኣንተዘርዘሩ፣ እቲ ቀንዲ ጠንቅታት እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ግን ብቀጥታ ምስ መንእሰያት ተራኺብካ ካብኦ ምስምዑ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ብሓባር ኣስሚሮምሉ። ነዚ ዕላሚዚ ንምትግባር ድማ ኣባላትን ዘይኣባላትን ዘይብል መጠነ ሰፊሕ መጽናዕቲ ከምዘድሊ ብምእማት፣ ንመጽናዕቲ ዝሕግዝ ሰነዳት ኣተዳሉ 5ተ ዝኣባላታ ሽመገለ መዚዞም።
ንርእሱ ዘይከኣለ ዜጋ ንህዝቡን ንሃገሩን ኣይበቅዕን እዩ፣ መንእሰያትናውን ካብ ከርፋሕን ትሑትን ህይወት ናብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ህይወትን መነባብሮን ይመጹ ስለዘለዉ፣ ዕቁባ ምስ ረኸቡ ኮነ ከይረኸቡ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ህይወት ጸቅጥን፣ ጭንቀትን፣ ብስጭትን ዝመልኦ ስለዝኾነ እዚ ኩነታትዚ ንባዕሉ ንመንእሰያትና ንድሕነት ህዝቦምን ሃገሮምን እጃሞም ከየበርክቱ ሓሊኹ ካብዝሓዞ ሓደን ቀንድን ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ሪኢቶውን ኩሎም ኣኼበኛታት ዝተሰማምዑሉ ነጥቢ ነይሩ። ካብዚ ተረድኦዚ ብምብጋስ ድማ፣ ኣባላት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፈይ ሰልፍኻ ማሕበረይ ማሕበርካ ንዝብሉ ፈላላዪ ሓጽርታትን ድልድላትን ሰጊሮም ንኹሉ ኤርትራዊ ዘብኡ መንእሰይ መባእታዊ ሓገዝ ከበርክቱ ቃል ኣትዮም። እቲ ከም መበገሲ ንመንእሰያት ክወሃብ ተመዲቡ ዘሎ ሓገዝ፣ መንእሰያት ኣኣብ ዘለውዎ ሃገርን ከባብን ኣቀዲምካ መስቲ ሕግታት፣ ኣገባባት፣ ዝተፈላለዩ ዕድላትን፣ ቀልጢፎ ንኽላለዩን ተጠቀምቱ ንክኾኑን ዝሕግዞም ሓበረታታትን ኮርሳትን ምሃብ፣ ከሙውን ኣብ ኣምር ደሞክራስን መንፈሱን፣ ሰብኣውን፣ ፖለቲካውን፣ ቁጠባውን፣ ማሕበራውን፣ ባህላውን መሰላቶም ንዝምልከት ብቁዕ ኣፍልጦ ከምዝህልዎም ዝሕግዝ ኣስተምህሮታት ምሃብ እዩ። ኮሚተ ምኽርን ምልመላን ድማ ምስ ምትሕብባር ናይ ካልኦት ኣባላት ነዚ መድብዚ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ሓላፍነት ወሲዳ።
ክብርን ሞገስን ንስዉኣትናን ስንኩላትናን
ዓውት ንዲሞክራስያዊ ቃልስና
ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰደህኤ
እቲ ቀደም ህጻውንቲ ከለና እዛ ሓቂ አዝያ ክብርቲ እያ ኔራ። ጊዜ ቁልዕነት ሓቂ ዶ ይሕሸካ ወርቂ ተባሂልና እንክንሕተት ሓቂ ነበረት መልስና። አብ ገዛ ዝኾነ ጥፍአት እንክንፍጽም አቦታትና ቁልፊ አዴታትና ድማ ሞኾስ ሒዞም ቀዳመይቲ ሕቶ ዝሓቱና ዝነበሩ ሓቂ ተዛረብ ትብላ ቃል እያ ዝነበረት። ኩሉ ጊዜ ትደጋገም ዝነበረት አነ’ውን ዘይርስዓ ዘረባ አላ “ሓቂ መራር’ያ” ትብል። ከም ናተይ እምነት ሓቂ መራር ዝኾነትሉ ቀንዲ ምኽንያት አብዛ ዓለምና ሓሰውቲ ስለ ዝበዝሑ እዩ እምበር ከም ሓቂ ዝጥዕም ዋላ ሓንቲ ነገር እኳ የልቦን። እንተ ሓሶት ግና ልክዕ ከም ጋንግሪን እያ ሓንሳብ ብጽፍሪ እግርኻ እንድሕሪ ጀሚራትካ ብቕጽበት እያ ናብ ጸጉሪ ርእስኻ ትድይብ። ሽዕኡ መንፈስካ ብሓሶት ይውረር ከይተረዳአካ ንስብ ዘይኮነስ ንነብስኻ’ውን ክትሕስዋ ትጅምር።
ካብ ብሓሶት ትድብሰኒስ ብሓቂ እንተርዳእካኒ ይሕሸኒ ዝብል ምስላ ፈረንጂ አንቢበ። ነዛ ምስላ አዝየ ፈትየያ፤ ምኽንያቱ ሓሶት ንበሃሊአ ዘይኮነስ ንሰማዒአ’ውን መርዚ ስለዝኾነት ። አብ ነፍሲ ወከፍ ሓሶት ሚዛንካ፡ ሚዛን ቤተሰብካ፡ ሚዛን ፈተውትኻን ብጾትካን ተፉኩስ ከም ዘለኻ ክትፈልጥ አገዳሲ እዩ። ካብ ህንጡይነት ዝተላዕለ ዝናፈስ ዘይተረጋገጸ ወረታት አብ እዝንኻ ምስ ዝበጽሕ፤ ከምዚ ዝብል ዘይጥሉል ወረ ሰሚዔ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ካብኡ ሓሊፉ ተሪፉ ግና ነቲ ዝረኸብካዮ ቤላ ቤለው ወረ ከም ጭቡጥ ወሲድካ፤ ናትካ ቀመማት ሓዊስካ ይፈልጥ እየ ንኽትብል ሓሶት ወረ ምብታን ዋላ’ኳ ፋይል ቤት ፍርዲ እንተዘይኽፈተ፤ ርእሱ ዝኸአለ ገበን እዩ።
ከምቲ ተኽልንኪኤል ገብሩ (ወዲ ገብሩ) ዝበሎ ሓሳውን ቆርበትን እንዳሓደረ እዩ ዝፎኩስ። ንሓደ ሰብ ፍተዎ ጽልአዮ ሓሲኻ እንተሕመምካዮ፡ እንተሞትካዮ፡ እንተአጸለምካዮ፡ እንተኽፋእካዮ ጊዜያዊ እምበር እታ ሓቂ ዊዒላ ሓዲራ ምውጻአ አይተርፋን እዩ። ሓሳዊ ሰብ ኩሉ ጊዜ እኩባት ሓሰውቲ ከናዲ እዩ ዝውዕል፤ ምክንያቱ ንሓሶት ኣብ ዝኾነ ቦታን ጊዜን መሸጢ ዕዳጋ ስለዘይትረኽበላ። እግረ መንገድይ ነዞም ደለይቲ ፍትሒ ኢና፤ ንስለ ሓቅን ርትዕን ኢና ንቃለስ እንብል ሰባት ምሕጽንታ አሎኒ። ንምንታይ ኢና ስርዓት ኢሰያስ ሓሳዊ ወስላት መደናገሪ ስርዓት እዩ እንዳበልና ንባዕልና አብዘይተደልየ ሓሶትን ቤላ ቤለውን ጊዜና ነጥፍእ ዘለና። ብሓሶት ኢሰያስ ሰለስተ ጊዜ ተቐቲሉስ ተንሲኡ። ሃገርና ካብ ዓማጺ አሕዲግና ከነማሓድር ዘይከአልናስ፤ ነዛ ዓለምና ካብ ክርስቶስ መንጢልና ከነመሓድራን ዕምሪ ደቂ ሰባት ክንውስንን ንመጣጠር ዘለና ኮይኑ ይስመዓኒ። እንድሕር አብ ውሽጢ ዓዲ ከምቲ ዝድለ ውዳበ ዘይገበርና ኮይና ውዳቤና ከነሓይል ጭቡጥ ሓበሬታ ንረኽበሉ ባይታ ክንፈጥር እምበር፤ ብዘይ መርትዖ ዘይተረጋገጸ ወረ ምዝርጋሕ እንታይ ፋይዳ ይርከቦ እንትርፎ ፉኽሰትን ሓሳርን። ንምንታይ ኢና እቲ ዝዓበየ ፍልጥት ካብ ዘይምፍላጥ ከም ዝብገስ እንርስዖ።
ግደፎ ኢሰያስ ሞይቱ ዝብል ስብራ ወረ ዘርጊሕካ፤ ብዓብይኡ ንኢሰያስ ቀቲልካዮ እንድሕር መጺኻ እውን አገናዕ ዝብል ደምበ ተቓውሞ አይኮነን እኮ ዘለና። እዚ ዘለናዮ ደምበ ተቓውሞ ንኢሰያስ ቀቲልካዮ ምስ እትመጾም ከማን፤ ብኢዱ ክንሕዞ ምስ ቀረብና ኮነ ኢልካ ኢኻ ቀቲልካዮ ኢሎም እውን ክሳላበጡ ዝኽእሉ አፈ ጮለታት ዝመልእዎ ደምበ እዩ። ስለዚ ህድእ ኢልና አስተውዒልና ምኻድ ከድልየና እዩ። እንተዘየሎ አንባቢ ዘይብሉ ኩልና ኤርትራውያን ጸሓፍቲ፤ ሰማዒ ዘይብሉ ኩላትና ተዛረብቲ ንኸውን አለና። ነቲ ንሕንጥጦ ጹሑፋት ቅድሚ ናብ ህዝቢ ምዝርጋሕና ንነብስና ክልተ ሰለስተ ጊዜ ደጋጊምና እንተነንብቦ ክንደይ ሰናይ ምኾነ ኔሩ። እንተዘየልቦ መን’ዩ ጋዜጠኛ አየናይ’ዩ ጸሓፊ እንታዋ’ዩ ተንታኒ ፖለቲካን ቃልስን እኮ ንምፍላጡ ሓርቢቱና። ክሽነ፡ ሳሎንን መደቀሲ ክፍልን መደበር ቴሌቪዥን ኮይነን፤ ምንም ክንዲ ፍረ ጣፍ ትኸውን ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ውልቀ ሰባት ተንተንቲ ፖለቲካ ተቐይሮም ንውድባትን ውልቀሰባትን ከናሽው ዓንገረር ክብሉ አእዛንና ጸሚምና። እዚ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዓለምና አክንዲ ብጉቡእ እንጥቀመሉ እንዳ ስዋ ቀይርናዮ።
አብዛ ሓጻር ጊዜ ጥራይ ኢሰያስ አብ ጀርመን ባደን ባደን ይሕከም አሎ፤ አብ ኮማ አትዩ፤ አእምሮኡ ስሒቱ፤ ፊሊጶስ ብሕማም ምኽንያት ኢሰያስ ካብ ስልጣን ከምዝተአለየ መግለጺ ሂቡ ንግዚኡ ሃገር ይመርሕ አሎ፤ ብወዲ ካሳ፡ ማንኪ፡ ክሻን ፊሊጶስን እትምራሕ ሽማግለ ቆይማ ንስልጣን ኢሰያስ ተረኪባቶ አላ፤ መስፍን ሓጎስ ሃገር ከመሓድር ተጸዊዑ፤ እዞም ሰብ ጽገና ገዲፎምና ክኸዱ ምሽብሻባት ይገብሩ አለው፤ ጀነራላት ነንሓድሕዶም ዒሉ መጥረጢኻ ሓሉ ዝዓይነቱ ነብሰ ሓለዋ ይገብሩ አለው፤ አብዚ ጠጠው ከብሎ እምበር ክንደይ ኢልካ ክውዳእ ሓሶት ሎም ዘመን ይሰውረና እዩ ዘብል። ሕጂ’ውን ይውዓል ይሕደር ኢሰያስ ምኻዱ አይተርፎን እዩ። መን ምስ ነበረ እሞ ንሱ ንዘንተ እለት ክነብር። ዓሰርተ ጊዜ ኣብ ሃገርና ንህግደፍ ካብ ሱር መሰረቱ ዝሕግሕግ ሱር በተኽ ለውጢ እዩ ዘድልየና ዘሎ ኢልና ካብ ዘይዓቕምና ቱልቱላ ንነፍሕ፤ ንሕና ንነብስና ካብ ሓሶትን ሰክታርያን ፖለቲካን ካልኦት ጎዳእቲ ባህርያትን ነጻ ዘውጽእ ሱር በተኽ ለውጢ እንተንጋብዛ ዶ አይምሓሸን። ሽዑ አፍና መሊእና ደረት አፍ ልብና ነፊሕና ናይ ፍትሒ ናይ ሰላም ናይ ዲሞክራስን ናይ ሓቅን ተቓለስቲ ኢና እንብል።
ሕጂ’ውን ዝዕወት እቲ ሓቀኛ ቃልሲ ጥራይ’ዩ !!!
ሰለሙን ገብረእየሱስ
ኦክላንድ ካሊፎርንያ
ሰባት ኣብ ፖለቲካዊ ይኹን ካልእ መዳያት ኩሉ ግዜ መጻኢ ዝሓሸ ክኾነሎም ምጽባዮምን ምብሃጎምን ዝተለምደ እዩ። እዚ ድሌትን ባህግን ናይ ግሎም ጥራይ ከም ዘይኮነ ስለ ዝፈልጡ ድማ ምስቶም ከም ናቶም ድሌትን ባህግን ዘለዎም ወገናት ክደላለዩ ናይ ግድን እዩ። ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ከም ድሌቶም ድሌት ዘለዎም ወገናት ምድላይ ድማ ነቲ ኩሎም ዝደልይዎ ብሓባር ከዕውትዎ ቅኑዕ ኣገባብ ምዃኑ ስለ ዝግንዘቡ እዩ። እቲ ካልእ ናይዚ ምስጢር ድማ ካብ በይንኻ ኮይንካ ሓቢርካ ዝያዳ ዓቕምን ድምጽን ክፍጠር ስለ ዝከኣል እዩ። እቲ ምቅርራብ ናይ ቀጻልነቱ ውሕስነት ዝኸውን ዝምረሓሉ ሕግን ስርዓትን እንተዘይሃልይዎ ከምዘይዕወት ስለ ዝፈልጡ ከኣ ነዚ ብዘረጋግጽ ኣገባብ ክስርዑ ወይ ክውደቡ ይግደዱ። ከከም ምርጫኦም ናይ ውድብ፡ ሰልፊ ወይ ካልእ ስያመ ይሕዙ። እዞም ዝወደቡ ኣካላት ካብ ህዝቢ ዝፍጠሩ ኣብ ህዝባዊ ባሕሪ ዝነብሩ ብዓሳ ዝምሰሉ እዮም። ዓሳ ብዘይባሕሪ ክነብር ከም ዘይክእል እዚ ውዳበታት እ’ዚ’ውን ብዘይ ህዝቢ ክነብር ኣይክእልን እዩ።
ውዳበ ሓይሊ እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ብዘይ ውዳበ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ እውን የለን። ለውጢ ዝብህግ ግና ድማ ወሳንነት ውዳበ ዘይኣምን ኣካል እንተኾይኑ ነቲ ዝጭረሓሉ ለውጢ እውን ከረጋግጾ ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ። ውዳበታት፡ ውድባት ይኹና ሰልፍታት ከምኡ’ውን ማሕበራት ነቶም ሕግታተን ተቐቢሎም ኣብ ትሕቲአን ዝተወደቡ ኣካላት እምበር ንህዝቢ ዝውክላሉ ሕጋዊ መሰል የብለንን። ንህዝቢ ኣይውክላን ማለት ግና ዝቃለሳሉ ዕላማ ነቶም ውሱናት ኣባላት ውድብ ወይ ሰልፊ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነስ ናይ መላእ ህዝቢ ኩለመዳያዊ ረብሓ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። እዚ ንረብሓ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእተወ ማለት ግና ከከም ባህሪ ናይቲ ውዳበ ክሰፍሕን ክጸብብን ይኽእል። ኩሉ ውዳበ ባህጊ ናይ ህዝቢ ከማልእ ዝተሰለፈ እዩ ማለት እውን ኣይኮነን። ህዝቢ ዝውጽዑ ሓይልታት እውን ጸረ-ህዝቢ ዓቕሚ ንምጥራይ ክውደቡ ናይ ግድን እዩ። ብዘይ ውዳበ ዝፍጠር ሃናጺ ኮነ ኣዕናዊ ዓቕሚ ምፍጣር ስለ ዘይከኣል።
ኣብ ደንበ ተቓውሞና ሓሓሊፉ ካብዚ ዘይተወገነ ኩነታት ከም መዋጸኦ ተባሂሉ ካብ ዝቀላቐል እሞ ክትቅበሎ ዘጸግም ሓሳባት ሓደ ኣብ መንጎ ኣድላይነት ውደባን ግደ ህዝብን ዘሎ ዝንቡዕ ሚዛን እዩ። እቲ ንውድባትን ሰልፍታትን ሓሚቐን ብዝብል ዝወርድ በሊሕ ነቐፈታ ሓደ እዩ። እዚ ኣበሃህላዚ ዝጐድሎ ፍትሓውነት’ኳ እንተሃለወ፡ መሰረታዊ መሰል ምውዳብ ከም ሓጥያት ክውሰድ እንከሎ ከኣ ብዝያዳ ፍትሓዊ ኣይኮነን። ኣብ እቲ ውድብ ድዩ ሰልፊ ዘርኣዮ ድኽመት ምዝራብን ምንቃፍን እንተኾይኑ ጽቡቕ እዩ። ብፍላይ እቲ ነቐፈታ ምስ መተካእታኡ ክኸውን እነክሎ ድማ ዝያዳ ሃናጽን ንቡር ኣካይዳን ይኸውን። ንቁልቁል ዝኣፉ ውድባት ውድባት ስለ ዝኾና ጥራይ ንህዝቢ ጠሊመነኦን ኣግዲዐነኦን ምባል ግና ኣይኮነንዶ ክትቅበሎ ክትሰምዖ’ውን ዝስርንቕ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዝገደደ ድማ፡ ንህዝቢ ኣንጻር ውድባት ንክለዓል ምጽውዑ ደለይቲ ለውጢ መፍቶ ወጻዕቲ ንክኾኑ ኣፍደገ ዝኸፍት ምዃኑ እዩ። እዚ ነቐፈታ ፍትሓዊ ንክኸውን ቅድሚ ኩሉ ካብቲ ብጉልባብ ውድባት ንጥዑይን ንሕሙምን ኣብ ሓደ መጉእ ምውቃጥ ክወጽእ ኣለዎ። ደሓር እቲ ንውድባት ብዘይወዓለኦ ገበን ምኽሳስ ካብቲ ንዓኣተን ዝጐድኦ፡ ነቲ ከሳሲ ካብ መስመሩ ኣውጺኡ ዘህውትቶ ምዃኑ እዩ እቲ ዝያዳ ሓደገኛ። ከም ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ ነዚ ብዝመሳሰል፡ “ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ እተን ኣባላቱ ዘይነበራ ውድባት እየን ኣፍሪሰነኦ” ዝሕመረቱ ሓሳብ ኣንቢብና። እቲ ከሳሲ ቅድሚዚ “እቲ ባይቶኸ ካብ መጀመርታኡዶ ኣብ ዘይፈርስ ባይታ ተደኲኑ ነይሩ?” ኢሉ ተዝሓትት ኣዝዩ መመልከዓሉ ነይሩ። ባይቶ ከም ሓደ ፖለቲካዊ ጽላል ኣብ ውድድር ክነብር ግና ባህርያዊ እዩ። ካብ ተወዳደርቲ ሓደ ክስዕር እቲ ካልእ ክሰዓር ግና ውሁብ እዩ። እንተ ክትስዕር ወይ ክትሰዓር ዝውስን ከኣ ውሽጣዊ ኩነታትካ እዩ።
“ህዝቢ ንውድባት ከይተጸበየ ንፖለቲካዊ ጉዳዩ ባዕሉ ክሕዞ ኣለዎ” ዝብል ኣበሃህላ ዕድሜኡ ነዊሕ እዩ። ጽቡቕ ድማ እዩ። ካብቶም ብድፉኑ ንህልዊ ውዱብ ሓይልታት ኣምሪሮም ዝቃወሙ ወገናት ክመጽእ እንከሎ ግና ትርጉሙ ኣይርደኣካን እዩ። ማለት ህዝቢ ጉዳዩ ባዕሉ ይሓዝ ማለት ኣብ ገገዝኡ ኮይኑ ንህግደፍ ይራገም ማለት ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ። ብተረደኦና ህዝቢ ንጉዳዩ ባዕሉ ይሓዞ ማለት፡ ነቲ ኩነታት ከምቲ ዝደልዮ ገይሩ ክውግኖን ከመሓድሮን ይግባእ ማለት እዩ። ዝያዳ ክበርህ እንከሎ ድማ ትርጉሙ እቲ ዝብህጎ ለውጢ ባዕሉ ከረጋግጾ ኣለዎ ማለት እዩ ክኸውን ዝግበኦ። እዚ ድማ ብዘይካ ተወዲብካ ሓይልን ዓቕምን ብምፍጣር ብኻልእ ኣቋራጭ መንገዲ ከቶ ኣይመጽእን እዩ። ስለዚ ንህዝቢ ውድብ ይኹን ሰልፊ ኣየድልን እዩ ኢልካ ካብ ምጉስጓስ ናትካ ውድብ ፍጠር እንተኾይኑ እቲ መጸዋዕታ ዝንጸግ ኣይኮነን። እቲ ውደባ ብታሕቲ ይጀመር ብላዕሊ ከኣ መዕቀኒኡ እቲ ዝምስረተሉ ፖሊሲ እዩ ክኸውን። ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ከምኡ እውን ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝመላለስ ናይ ርክብ መስመራት ክህልዎ ድማ ናይ ግድን እዩ። እቲ ምውዳብ ነዘን ነብሰን ወዲበን ምስ ኩሉ ድኽመታተን ዝቃለሳ ዘለዋ ውድባት ምቅዋም ዓሊሙ ዝብገስ ዘይኮነስ፡ ንሳተን ክገብረኦ ዘይከኣላ ንምግባር እንተኾይኑ ጸገም የብሉን። እዚ ማለት ድማ እተን ተወዲበን ኣብ መድረኽ ቃልሲ ዘለዋ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ዘይሰለጠን ውድባት ካብቲ መድረኽ ይተኣለያልና ዘይኮነስ፡ ካብቲ እትነቕፎ ኣካይደአን ዝሓሸ ርኢቶ ሒዝካ ምውድዳረን እዩ እቲ ቅኑዕ ክኸውን ዝግበኦ።
ሓደ ነገር ክበርህ ዝግበኦ፡ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ክሳብ ሕጂ ከም እንፈልጦ ዝኾነት ውድብ፡ ነቶም ብውሽጣዊ ቅዋማ ክቕየዱ፡ ቅሩባት ዝኾኑ ኣባላታ እምበር ናይቲ ምስኣ ዘይተወደበ ህዝቢ ወኪል እየ እትብል የለን። ምናልባት ግና “ርኢቶይ ንድሌት ህዝቢ ዘንጸባርቕ እዩ፡ እሞ ህዝቢ ምሳይ ይሰልፍ” ኢልካ ምጽዋዕን ምልዕዓልን እንተኾይኑ ንቡር እዩ። ነዚ መጸዋዕታ ተቐቢልካ፡ “ሕራይ ኣብ እዚ ውድብዚ ኣለኹ ወይ ድማ የለን እዚ መትከላቱ ንባህገይ ስለ ዘየንጸባርቕ ምርጫይ ካልእ ውድብ ወይ ሰልፊ እዩ” ናይ ምባል መሰሉ ከኣ ሕሉው እዩ። ግዜኡ ኣኺሉ፡ እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ህዝብን ውድባትን ዘሎ ዓለባ ሳሬት ምስተቐንጠጠ ውድባት ነናተን ምርጫ ሒዘን ናብ ህዝቢ ክቐርባ እየን። ናይ ህዝቢ ተቐባልነት ንክረኽባ ድማ ክጽዕታ እየን። እዚ ኣብዚ እዋንዚ ዝካየድ ዘሎ ጐስጓስ ከኣ ነቲ ናይ ሽዑ ነጻን ሰላማውን ናይ ርኢቶታት ውድድር መንጸፍ እዩ። ኣብቲ መድረኽቲ፡ ህዝቢ ብዝወስዶ ምርጫ እሞ ድማ ብሕገመንግስታዊ ውሕስነት ርኢቶኣ ተቐባልነት ዝረኸበ፡ ውድብ፡ ሰልፊ ወይ ግንባር ኣፋ መሊኣ ወኪል ህዝቢ እየ ክትብል እያ። ህዝብን ዝተሳዕራ ውድባት ከኣ ክምእዘዝዋ ክግደዱ እዮም። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ኣብዚ ዘለናዮ እዋን እውን ብዛዕባ ህዝቢ ብመን ይውከል ጌጋታት ኣይረአን ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ግዜ ምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ፡ ንምምቕራሕ መሪሕነት ኣብ ዝምልከት ካብቲ ጠቕላላ መናብር 60% ብመንገድ በርገሳዊ ማሕበራት ኣቢልካ ንወከልቲ ህዝቢ ክወሃብ። 40% ድማ ንወከልቲ ውድባት ክወሃብ ይበሃል ነይሩ። “ውድባትን ንህዝቢ ዘይውክላሉ በርገሳዊ ማሕበራት ከኣ ወከልቲ ህዝቢ ዝኾናሉ ደኣ ከመይ እዩ?” ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ከም ዝነበረ ከኣ ዝዝከር እዩ። ብሓቂ ከኣ ውሱናት ብናቶም ድሌት ዝመስረትወን ማሕበራት’ውን ወከልቲ ህዝቢ ክኾና ኣይክእላን እየን። ንውድባት ”እንታይ ገይረን?” ኢልካ ምሕታት ጽቡቕ እዩ። ግና ድማ “ኣነኸ እንታይ እገብር ኣለኹ?” ብዝብል ክጅመር እንከሎ እዩ ኣድማዒ ዝኸውን።
23 ሕዳር 215
ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ መላእ ዓለም፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዘውርዶ ዘሎ ግፍዒን ኢ-ሰብኣዊ ግህሰትን ንምቅላዕን ንምኹናንን፡ ሰፊሕ ብሰላማዊ ሰልፊን ንዝምልከቶ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ጥርዓን ብምቕራብን ብዓውታን ብጥምረትን ይንቀሳቐስሉ ኣለዉ።
ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ከም ኣካል ናይ`ቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝነጥፍ ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡-
-
ምስ መርማሪት ኮሚሽን እትደጋገፍ ሓይሊ ዕማም ንምቛም፣
-
ህዝቢ፡ ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይ`ዚ ኩሉ ሕሰመ-መከራ ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ብህዝባዊ ቃልሲ ንምልጋስ ብሓባርን ጥምረትን ዋና ኮይኑ ዝዕጠቐሉ ናይ ቃልሲ መርሖ ንምስልሳል፣
ንሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ይጽውዕ።
ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ነባሮ ኮሎራዶ፡ ኣብ`ዚ ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ`ዚ ክሳተፉ ብኽብሪ እናጸዋዕና፡ ኩለን ከተማታት/ስተይትስ ሰሜን ኣሜሪካ ተመሳሳሊ ተበግሶ ክወስዳን፡ ነታ ብዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ክትቀዉም ዘለዋ ሓይሊ ዕማም ከነቑማን ውዓል ሕዳር ዘይባሃሎ ውራይ ጌርና ክንወስዶ ነማሕጽን።
ዕለት ኣኼባ፡ ሕዳር (November) 29, 2015
ቦታ፡ ኣብ ኣዳራሽ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ኮሎራዶ
ሰዓት፡ 4 ድሕሪ ቀትሪ።
ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ
ورشة عمل للتنظيمات الإرترية بفرانكفورت
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريشاركت وفود تمثل حزب الشعب الديمقراطي الارتري وتنظيمات وأحزاب سياسية ومنظمات مجتمع مدني أخرى في ورشة عمل عقدت في يومي الثالث عشر والرابع عشر من نوفمبر 2015م بمقر عمدة مدينة فرانكفورت الألمانية، نوقشت فيها موضوعات في غاية الأهمية، وقد اتفق الحضور علي عشر نقاط تتعلق بإزالة نظام اسمرا الدكتاتوري وتهيئة مناخ انتقال سلس بعد سقوط النظام.
الورشة التي نظمها معهد فلسبورغ الألماني المختص في حل النزاعات وقضايا سياسية واجتماعية أخرى أتاحت لذوي الشأن الارتري مناقشة كل القضايا المتعلقة بإسقاط النظام القمعي القائم في البلاد، كما بحثت الورشة موضوع الانتقال السلمي والسلس الي نظام ديمقراطي تعددي يخلف هذا النظام. هذا وقد قدم المشاركون رؤاهم المتعلقة بهذا الأمر كتابياً.
شارك في الورشة حوالي ثلاثين شخصاً يمثلون تنظيمات وأحزاب سياسية ومنظمات مجتمع مدني ارترية، أحزاب وصحف ألمانية، أعضاء بالمعهد الألماني المذكور ومتعاونون معه، كما شارك بصفة مراقبة كلٌّ من الدكتور/ محمد خير، الدكتور/ دانئيل رزني ومراقبان آخران من حركة الوحدة الارترية لإنقاذ الوطن، هذا وقد مثل حزب الشعب الديمقراطي الارتري كلٌّ من الأخ/ ولد يسوس عمار مسئول العلاقات الخارجية ونقوسي طقاي عضو المجلس المركزي للحزب.
تبادل إدارة جلسات الورشة كلٌّ من مدير المعهد المنظم للورشة السيد/ هارموت كول، غونتر شرويدر المختص في الشؤون الارترية والدكتور/ ياكوب أبراهام.
هذا وقد ناشد المشاركون في الورشة المعهد إشراك عدد أكبر من التنظيمات السياسية والمدنية في كل ما يدعو اليه مستقبلاً من نشاطات تتعلق بالقضايا الارترية.
في الختام وقع المشاركون علي توصلهم لاتفاق تام علي النقاط المذكورة أدناه:
-
العمل سوياً من أجل التغيير الديمقراطي في ارتريا.
-
السعي الي إيجاد حلول سلمية.
-
البحث عن سبل مشتركة لتحقيق الانتقال السلمي وحكم القانون
-
فصل الدين عن الحكم، علي أن تضمن الدولة حرية الأديان.
-
إيقاف القمع والقبضة العسكرية المهينة.
-
بناء العلاقة مع دول الجوار علي أساس الاعتراف بسيادة ارتريا الوطنية ووحدة أراضيها.
-
الإقرار باعتبار اللغتين العربية والتجرينية لغتين رسميتين لعمل الدولة، مع ضمان مساواة جميع اللغات الارترية.
-
الاتفاق علي الحد الأدنى من الحكم السياسي اللا مركزي
-
تحقيق المزيد من مشاركة فئتي المرأة والشباب.
10- مناشدة قوى التغيير داخل حزب النظام والجيش الارتري أن تكون جزءاً من عملية الانتقال السلمي للسلطة.
الحزب يعزي الاشتراكي الديمقراطي الألماني
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريبمناسبة وفاة المستشار الألماني الأسبق هيلموت شميث بعث الأخ/ منقستئاب اسمروم رئيس حزب الشعب الديمقراطي الارتري ببرقية تعزية الي قيادة الحزب الاشتراكي الديمقراطي الألماني يعرب فيها عن مشاركتهم الأحزان.
أرسلت البرقية الي عناوين كلٍّ من سغمار قابريل رئيس الحزب، مارك ستاينمير وزير الخارجية الألماني وقسطنطين واينوف منسق عام التحالف التقدمي للأحزاب التقدمية في العالم، يجدر بالذكر أن كلا الحزبين - الألماني والارتري – عضوان مؤسسان لهذا التحالف العالمي.
عدَّدَت البرقية مآثر الفقيد لدى كلٍّ من حزبنا وبقية أحزاب التحالف الزميلة فضلاً عن قيادته للنهضة الألمانية بجعلها قوة اقتصادية ضخمة أوربياً وعالمياً.
توفي شميث في العاشر من نوفمبر 2015م بمسقط رأسه هامبورغ وهو في السادسة والتسعين من العمر. عرف شميث بشراهة التدخين وحب الصراحة والوضوح في الأقوال والمواقف، وفي حزبه كان ينتمي الي تيار يسار الوسط واختط لنفسه طريق السير علي قضبان السياسة المستندة إلي الواقع.
ኣብ ናይ 100 ዓመታትጉዕዞ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራዝነበረተረኽቦታትን ፍጻሜታትን፥ካብ ኣቦሓጎታትና፡ ኣቦታትና፡ ንሕና፡ ደቅና ክሳብ ደቂ ደቅና ከም ታሪኽ እንተዝሕበር፥ነፍሲወከፍ ዝተሳተፈ ዝረኣየ ዝሰምዔ እንተዝነግር ወይ እንተዝጽሕፍ ንስፍሓቱን ጻዕቂ ብዝሑን ፡ ልክዕ ዳርጋ 100 ዓመት ክወስድ ይኽእል እዩ እንተበልና ዝተጋነነ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ዓለምና ዘይተነግረ እምበር ዘይተፈጸም የለን።
ከምቲ ኣብ ታሪኽ ዝዝንቶ ማለት``ንጉስ ሰሎሙን፡ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝርኤ ይደጋገም ደኣ ኣምበር ሓዲሽ ኣይኮነን``ኢሉ ይብሃል። ምናልባት እዚ ኣባሃህላ ብጽሞና እንተ ኣስተብሂልናሉ ናብ ክትኣምኖ ዝመርሕ ግብራዊ ትርኢ ወይ ትረክብ።ኣብ እንነብረሉ ዘሎና መዋእል በዘይካ እዚ ዝተራቐቐሓዲሽ ናይ ተክኖሎጂ (ዲጂታል) ዓለም ተነቃፊ ጽንዓቱን ኣገልግሎቱን ዝተወሰነ ጊዜ ዝኾኑ ብልሓታት ፍልስፍናታት ፈጠራታትን እንተዘኮይኖም፡ በቶም ናይ ቅድሚ 2000ዓመታት ዝተሰርሑን ዝተፈጥሩን ጹኑዓትን ብኣገራሚ ብልሓትን ክእለትን ዝተስረሑ ዝወረስናዮ ምዕባሌ ዝጸንሓና ኢና ክሳብ ሎሚ እንጥቀመሎም ዘሎና።
ከም ኣብነት መስተንክርዝኾነብልሓት ፍላስፍናንፈጠራታትን ናይ ግብጻውያን፡ ግሪኻውያንሮማውያን...ወዘተ ምስ እንዝክር፡ ናይ ሎሚ ዘሎ ሰብ ብብቕዓት ይኹን ብጉልበት ክሰርሕን ክፈጥርንኣይከኣለን። እንታይደኣ በቲፍልስፍና ናይ በዓል ሶክራተስፈጠራ ናይ ጋሊለዮ ጋሊለይ፥ማርኮኒ፡ ምሕደራታት ግብጻውያን ፎርዖናት ናይ ግሪኻውያን፡ ናይ ሮማውያን ናይ ንጉሳውን ቤተ ክህነትን ... ወዘተ ኣብ መጨረስታ ከኣ ናይ ለኒን ማርክስ ... ወዘተ ከማዕብል ወይ ከመሓይሽ ዝግበሮ ብሩህ ግብራዊ ምስክር እዩ።
ኮይኑ ግና ከምቲ እንነብሮ ዘሎና መዋእል፥ብሰንኪ ፖሊቲካውን ምጣኔሃብታውን ሕብረተሰባውን ዘይምዕሩይ ሂወት፥እቲ ብልሓቶም ወይ ፈጠራኦም ንሕና ናይ ሎሚ ደቂ ሰባት ወነንቲ ሓይሊ ስልጣን ኮና፡ነቲ ዝነበረ ፈጠረታት ናብ ናይ መን ዓብለለ ውድድራት ክንጥቀምሉ ህርድግ ንብል ኣሎና። ዋላ እኳ እቶም ዘለዉና ኪኢላታት ጸሓፍቲ፡ ደረስቲ፡ ደረፍቲ፡ መራሕቲ ገዛእቲ ምስ ኣታሓሳስቦኦምን ጥቅሞምን ኣዛሚዶም ነቲ ተረኽቦ ቁንጭል ቁንጭል ኣቢሎም ብረቀቕቲ ሜላታት ክትንክፍዎንከተግብርዎን እንተፈተኑ፡ ኣኸቲሎም እውን ክሳብ ብሓይሊ ብዓመጽ ከተግብርዎ፡ ወይ እውን ብዘሎዎም ትሕዝቶን ስልጣንን ጠውዮም ብኻልእ ከም ዝተፈጸመ ኣቅሪቦም፡`ኢደይ ሕጹብ ከም ፒላጦስ..`ክብሉ እንተፈተኑ ሓቅን ነቲ ተረኽቦን ዝተፈጸመሉ እቲ ቦታ መሬት እምኒ ገረብ ዋላ ክዛረብን ክጽሕፍን ዘይክእል ይምሰል፡ ወዲ ሰብ ብዘይተጸበዮ ብገለ ክዛረብ ወይ ክሕበር ከመልክት ክሳብ ክምስክር ይከኣል ስለ ዝኾነ ... ታሪኽ ግን ብፍጹም ኣይምሕርን እዩ።
ብተወሳኺ ከኣ ... `በትሪ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን`ዝብል ለባምን ብሩህንብሱልንምዕዶ ኣቦታትና ክንዝክር ንገደድ። ምኽንያቱ ህልዊ መሪር ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብፍላይ ከኣ ኣሰካፊ ብዝሒ ዋሕዚ ዕሸላት መንስእሰያትንህይወቶም ኣብ ቅድሜና ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገና ክጠፍእእንዳረኤና ከም ዘይናትና ክንሰግሮ ወይ እውን ንዓና ከም ዘይምልከት ንስኻትኩም(ተቋወምቲ ዉድባት መራሕቲ..ወዘተ) ንሶም (ተቋወምቲ ዉድባት ማሕበራት) ኢልና ... ኣብዚ የለኹ ኣብቲ የለኹ... ክንብል እንታይ ይበሃል?
ንሕና መን ኢና፥ብመን ኢና ንዛረብ ዘሎና ንዝክር ኣሎናዶ?ኣካል ናይቲ ንዛረበሉ ዘሎና ህዝቢ ምዃና ንዝክሮዶ ኣሎና?ወይ እታ ሃገር ብመንዲያ ሃገር ትብሃል ?በይኖም ብዘይብኣና ወይ ንሕና ብዘይብኦም እታ ሃገር ክትህሉ፡ ክትስመ ትኽእል ዲያ? ከም ልሙድ ዝረኤን ዝስማዕን ክትምልከት ከሎኻ ሎሚ ህዝብና ጽምእት ናይ ለውጢ ስለ ዘሎዎ ዝመጸ ወይ ዝረአሓዲሽ ወረ ወይ ተርእዮ ፍጻሜ ብታህዋኽከይተመራመረ ይኽተሎ፡ ወይ ቅልጡፍ ሚዛን ወይ ፍርዲ ክህብ ይርኤ ይርከብ።
እዚ ኩሉ ስለምታይ ይጥቀስ ኣሎ ይበሃል ይኸውን፥ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ምጥቃስሱ ድማሃለዋት ህዝብናን ፍትውቲ ሃገርና ኤርትራንኣብመሪርንሓደገኛኩነታትተሳጥሖም ዘለዉ ብሓባር ኰና ክነድሕኖም ዘይምህቃንናሓደ፡በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ክልተ በላሕቲ ህሞት ፡ ምጀመርታ ንክብርን ድሕነትን ነብስና፥ድሓር ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ሓርነታዊ ተጋድሎ ካብቲ ተወዲቡ ዝሳተፍ ዘሎ እቲ ከይተወደብ ዝዛረብ ዘማርር ዝኸስስን ዝፈርድን ዝጽበን ዘሎ ዳርጋ 99% ህዝብና ስለ ዝኾነ እዩ። ካብዚ ምንቃል ከኣ እምበኣርደቂስናተንሲኢናብምሕሳብ መልሱ ናበይ ወይ ካብ መን ምዃኑንምሃብኣዝዩ ዝሕርብት ስለዝኾነ መልሲ ንምርካብሃየ እስኪ ብሓባር ብጽሞና ንሕሰበሉ ንማኸር ንዛተ። እቲ ናይ 50 ዓመታት ተመክሮ ቃልሲወይ እውን ተመክሮ ሰውራ ዓቢ ዩኒቨርሲት ስለዝኾነ ኣበይ ተጋጊና ስለ ምንታይከተጋጊና ብኸመይ ፈቲሕናዮ እንታይ ከሲርና እንታይ ከሲብና ስለምንታይ ዝብሉ ብህድኣት ብጽሞና ብምክእኣልንምክብባርንብጎደና ልዝብንዘተንንሲኒት ነዕብያ መድሕን ሃገርናን ህዝብናን ክብርናን ልዕላውነትናን፡ እዋናዊ ትጽቢትን፡ ድሌትን፡ መልእኽትን፡ ዉጹዕ ጽኑዕ ህዝብና ምእንቲ ክዕወትን ክሰምረልናን ብቅንዕና ንጋደል። ከምቲ ኣርእስቲ ዝሕብሮ ዘሎ ኤርትራዊ ሓወይ ሕብተይ ኣንዓሹ እቲ ሕቶ ንዓና እዩ ዝሓተና ተመሊሹ...ከመይ ንዝብል ኩሉ ናትና፡ ካብና፡ ብኣና፡ ንዓና፡ ስለ ዝኾነ ነብስና ክንሓትት ክንልውጥ እምነ ኩናዕ ናይ ዕላማና ይኹን።
ታሪኽ ኣይምሕርን እዩ !!! በትሪ ሓቂ ትቀጥን እምበር ኣይትስበርን !!!
ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና !!!
ውድቀት ንገባቲ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ።
ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤሪትራ ጨንፈር ደቡብ ጀርመን፣ ብሰሪ መእከቢ ቦታ ንዝጸንሐ ግዝያዊ ምትዕንቓፍ ሰጊሮም ስሩዕ ኣኼባ ጨንፈር ኣብዝሐለፈ ቀዳም ዕለት 14 ሕዳር 2015 ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት ኣካይዶም። ኣባላት ጨንፈር ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ብዕምቆት ድሕሪ ምዝርራብ፡ ተግባራዊ ናይ ስራሕ መደባት ሰሪዖም።
1. ሓፈሻዊ ገምጋም ጨንፈር፡
ህልዊ ኩነታት ጨንፈር ብግቡእ ድሕሪ ምግምጋም፡ ኣቐዲሙ ብኤለትሮኒካዊ መንገዲ ክካየድ ዝጸንሐ ርኽክባት ወይ ኣኼባታት፡ ኣብ ህጹጽ ኩነታት ሐበሬታታት ንምልውዋጥን መዘኻኸሪ መደባትን እንተዘይ ኮይኑ፡ ከምቲ ብኣካል ተራኺብካ ዝሳለጥ ኣኼባታት ኣድማዒ ስለዘይኮነ፡ኣብ መጻኣኢ ወርሐዊ ኣኼበኦም ብኣካል ተራኺቦም ከካይድዎ ወሲኖም።
2. ሓባራዊ ዕማማት፡
ኤርትራውያን ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንምትካልን ፍትሒ ንምንጋስን ናይ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ዜጋታት ሓባራዊ ጽምዶ ስለዝሐትት፡ነዚ ንምዕዋት ኣባላት ጨንፈር ምስ ኣብከባቢኦም ዝርከቡ ንፍትሒ ዝቃለሱ ብዝካኣል መጠን ጻዕርታቶም ከሐይሉ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።
ኣብ መጠረሽታ፡ ኣባላት ጨንፈር መርኣያ መደባቶም ኣብ ትግባረ ንምውዓል፡ ኣብቲ ኤርትራውያን ደለይት ፍትሒ ምስ ክፍሊ ባህሊ እምቢ ንምልኪ ብምውህሃድ ዝተዳልወ ባህላዊ ለይቲ፡ ኣብ ምድማቁ ተሳቲፎምን ምስ ዝተፈላለዩ ጉዱሳት ብምርኻብ እውን፤ ኣገዳሲ ዝርርብን ናይሓበረታ ምቅይያርን ምክያዶም ይፍለጥ።
ንኩነታት ተቐዳዲምካ ምምዛንን ቅድመ-ፍርዲ ምሃብን ዝኸፈአን ዓንቃፍን እዩ። ብፍላይ ከኣ ካብ ናትካ መዐቀንን ግንዛበን ጥራይ ምምርኳስ ኣዝዩ ጎዳኢ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ንኩነታት ኣብ ክንዲ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ መርትዖታት ቀሪብካ ገምጋም ምሃብ ብባዕላውን ውልቃውን ሚዛናት ምሃብ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ከኣ ነቲ እወንታውን ኣሉታውን ደዋዊስካ፡ ነቲ ናይ ሎሚ ምዕባለ ብናይ ትማሊ ብምዕቃን ሚዛን ትህቦ እሞ ናብ ቅኑዕ ዲዩ ወይ ናብ ግጉይ ፍርዲ ከብጸሓካ ኣብ ዘይትርደኣሉ ደረጃ ትበጽሕ። ስለዚ ንኩነታት ቀዲምና ወይ ንሓቂ ጓሲና ብታህዋኽ እንህቦ ፍርዲ ይኹን ሚዛን ሃስያ ክህልዎ ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ።
ብዛዕባ ኩነታት ኣቐዲምና ክንዛረብን ነቲ ኩነታት ከምድላይና ገርና ክንገልጾ ከሎናን ኣብቲ ዝመጽእ ኩነታት እንታይ ኣሎ እንታይከ ክህሉ ይኽእል ኢልና ክነመዛዝን ናይ ግድን ይኸውን። ከምኡ እውን ኣብ ከባቢና ነቲ ናትና ዝመሳሰል ይኹን ሓዲሽ ነገር እንተልዩ ኣቐዲምና ክንመሚ ድማ ከድልየና እዩ። ምኽንያቱ ምስቲ ኣብ ከባቢና ዘሎን ሓዲሽ ምዕባለን ካብቲ ከባቢና ወጻኢ ዝተራእየ እንተሎን ኣመዛዚና ነቲ ዘሎ ወይ ክመጽእ ይኽእል እዩ ዝበሃል ሚዛናት ወይ ፍርዲ ክንህብ ብዙሕ ዘጸግም ኣይከውንን።
እቲ እንህቦ ሚዛናት ይኹን ገምጋም ሃናጺ ወይ ኣዕናዊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሃናጺ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሃናጺ ዝኾነ ሓሳባትን ጠቓምን ሓጋዝን ዝኾነ መደብ ምስ ዝህልው እዩ። ኣብ ዓለምና ብዙሓት ሽግራት ከጋጥሙ እንከለዉ መብዛሕትኡ እዋን በቲ ኣብ መጀመርታ ዝረአ ውልቃዊ ስምዒት እዩ ዝጥመት ወይ ዝግምገም። ኣብ ከምዚ እዋን ነቲ ኣብ ኣእምሮና ንቐርጾ ስእሊ ናይቲ ክነቕርቦ እንደልዮ ፍታሕ ኣብ ክሊ ከባቢና ተሓጺሩ እዩ ዝውሰን። እዚ ከኣ ዓይንና ኣብ ክንዲ እንተላይ ንዝረሓቐ ምጥማት በቲ ኣብ ጥቓና ንዘሎ ጉዳያት ጥራሕ ንኽነድህብ ንውሰን ወይ ተሓጺርና ንተርፍ። ስለዚ ውልቃዊ ህይወትና ድሒሩ ምስቲ ዝሰፍሐ ማሕበራዊ ኩነታት ምትእስሳሩ ዘይተርፍ ስለዝኾነ ካብቲ ዘሎና ስምዒትን ተረድኦን ነቒልና ክንትንትን ከሎና ንዝሰፍሐ ኩነታት ኣብ ምግላጽ ንጽገም።
ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሽግራት ኩሉ ግዜ ባህርያዊ ኣይኮነን። ማለት ኣብ ምዕባለ ብማሕበራዊ ዝተሃንጸ ወይ ዝተመስረተ እዩ። ንሱ ድማ ነቲ ኪኖ ጽባሕ ክመጽእ ብዛዕባ ዝኽእል ለውጢ ዝምልከት፡ ቄናን ፍርዲ ንህብ እሞ ኣብ ንስምዒትና ዝገዝኡ ነጥብታት ጥራይ ብምድሃብ ነቲ ክኸውን ዝግበኦ እወንታዊ ጉዳያት ንዝንግዖ። ስለዚ ውልቃዊ ድሌታትናን ስምዒታትናን ምስቲ ዝሰፍሐ ማሕበራዊ ምትእስሳርን ነዚ ዝሕግዝ ቅኑዕ ቅርጻን ክወሃሃድ ስለዘይክእል ኣብ ምናልባታት ኣቲና ነቲ ሰናይ ገዲፍና ናብቲ ኣሉታዊ ገጹ ጥራሕ ክንሓስብ ንደፋፋእ። ስለዚ ካብዚ ኣካይዳዚ ክንወጽእ ይግበኣና። ካብዚ ክንወጽእ እንተዘይክኢልና ግና ምዕቡል ኣተሓሳስባን እወንታዊ ውጽኢትን ክንስእን እዩ ዘገድደና።
ብመሰረቱ ኣብ ባዕላዊ ዝኾነ ባህጊ ወይ ግምት እንህቦ ሚዛን ናብቲ ጭብጣዊ ዝኾነ ነገራት ወይ ጉዳያት ዝመርኰስ ዘይኮነስ ኣብ ክንድኡ ካብ ናትካ እምነት፡ ርእይቶን ወይ እውን ውልቃዊ ምርጫኻ ተላዒልካ እትወስዶ ምርጫ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ውልቃዊ ትዕዝብቲ ዘይፍለ ብምዃኑ ቅኑዕ እዩ ወይ ግጉይ እዩ ኢልካ መደምደምታ ክትህበሉ ዘይከኣል እዩ። ብኣንጻሩ እቲ ወድዓዊ ዝኾነ ግና ኣብ ባዕላዊ ስምዒት ጥራይ ዘይሕጸር ሚዛን ኮይኑ፡ መግለጺ ናይቲ ጭቡጥ ዝኾነ ጉዳይ ወይ ቅኑዕ ወይ ጌጋ እዩ ናብ ከብለካ ዝኽእል መረጋገጽን መርትዖታትን ዝውከስ ብምዃኑ እቲ ኣተሓሕዛ ቅኑዕ እዩ ወይ ኣይኮነን ንኽትብል የኽእለካ።
ኩሉ ግዜ ካብናይ ገዛእ ነፍስና ተመኲሮ ጥራይ ምስ እንነቅል፡ ንኩሉ ኩርነዓት ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ጭብጣዊ መረጋገጺ ክተቕርብ ስለዘይትኽእል ናይቲ ዘንቀድካዮን ዝሓሰብካዮን ውጽኢት እዚ እዩ ውጽኢቱ ኢልካ መደምደምታ ክትህበሉ ዘይከኣል እዩ። ስለዚ ንኩነታት ቀዲምናዮ ባዕላዊን ኣብ መጽናዕቲ ዘይተመርኰሰ ፍርዲ ክንፈርድ ምስ እንጅምር ምናልባት ውጽኢቱ ከምቲ ዝተጸበናዮን ዝመዘንናዮን ዘይከኸውን ስለ ዝኽእል ነቲ ንጽበዮ ውጽኢት ኣቐዲምና ብኣሉታዊ ትንቢት ክንቅድሞ የብልናን።
ንኩነታት ቀዲምና ክንትንትን እንተ ኮይና፡ መርትዖታት ዝተሰነየ ምስ ዝኸውን ከምኡ እውን ካብ ኣሉታዊ ሚዛናት ዝያዳ ንእወንታዊ ትጽቢት ዘንጸባርቕ ክኸውን ድማ ዝሓሸ እዩ። ምኽንያቱ ብዝሓለፈ ኣሉታዊ ተመኩሮ ጥራሕ ተመርኲስካ ንመጻኢ ብኣሉታ ምግምጋሙ ነቲ ጸጽቡቑ ጸቒጥካ ከም ምሕላፍ እዩ ዘስምዕ። እቲ ካብ ሕጂ ክንከዶ ዝግበኣና መስርሕ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ተማሂርካ፡ ኩለን ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ውልቀሰባትን ብዝሓወሰ ናይ ዘተ መኣዲ ዝግበር እውን ዝዓበየ መጽናዕቲ ዘድልዮ እዩ ክኸውን። ኣብ ከምዚ ህሞት ዝካየድ ምይይጥ ወይ ዘተ እቶም ዘሰማምዑን ዝፈላልዩን ነጥብታት ብምትንታን ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ክብጻሕ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
እንተ ቅድሚ ሎሚ ተፈቲኑ እንዲዩ እሞ ነቲ ዝተፈተነ ገዲፍካ ካልእ ሃሰውሰው ምባል እንታይ ኣድለየ ዝብል ሕቶታት ክለዓል ናይ ግድን እዩ። እቲ ቅድሚ ሎሚ ዝተኻየደ ፈተነታት ብሃታሃታ እምበር ብመጽናዕትን ተመኲሮኣዊ ዳህሳስን ዝተሰነየ ኣይነበረን። ከከይተበገሰ ኣብ ክኹለፍ ዝጸነሓሉ ምኽንያት ከኣ እዚ ስንኩፍ ኣበጋግሳኡ እዩ። ንብሕጂ እውን እቲ ቅኑዕ መንገዲ፡ ንጉዳያት ግዜ ሂብካ፡ ንኩሉ ኩርነዓት ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ጉዳይና ጉዳይ ብዙሓት ምዃኑ ተቐቢልካ ብዝካየድ መጽናዕቲ እምበር፡ መጽናዕትን ወኸሳን ዘይብሉ ብህዉኽ ኣካይዳ ምኻድ ኣብ ቅኑዕ ባይታ ኣየርግጸናን እዩ።
ድራር መንታይ
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ
ኣብዚ ዝሓለፈ ራብዕቲ (13-14 ሕዳር 2015) ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት፡ ኣብ ሓደ ታሪኽዊ ኣዳራሽ ንኤርትራ ዝምልከት ዓውደ-መጽናዕቲ ተጋቢኡ ነይሩ። ነቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ዝወደበ፡ ምስጋና ዝግበኦ ጀርመናዊ ትካል መጽናዕቲ ፈልስበግ ይበሃል። ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ሓያሎ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ በርገሳዊ ማሕበራትን ብውልቆም ክዕዘቡ ዝተዓደሙ ኤርትራውያንን ተሳቲፎም ነይሮም። እዚ ዓውደ-መጽናዕቲ ዝዘተየሎም ዛዕባታት፡ በቲ ሓደ ወገን ህልዊ ኣሰካፊ ኩነታት ኤርትራ ዝዳህሰሱ ክኾኑ እንከለዉ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ “ኣብ መጻኢት ኤርትራኸ እንታይ ይገበር?” ዝብል ሕቶ ኣብ ምምላስ ዝዓለሙ ጉዳያት እውን ኣልዒሉ’ዩ።
ብዛዕባዚ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ከሎ ጌና ከይተጋበአ ጀሚሩ ብዙሓት ሕቶታት ክለዓሉ ጸኒሖም እዮም። ብመንጽር’ቲ ዝሓለፍናዮ ምትእምማን ዝተሓረሞ ተመኩሮ፡ ኣብ ከምዚ ንነብሮ ዘለና ህሞት፡ ሓደ ጉዳይ እንተተቐልቂሉ፡ ሕቶታት ምልዓል ዝተለምደ እዩ። እቶም ሕቶታት እቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ንዝተጋበኣሉ ቦታ፡ ንኣመራርጻ ተሳተፍቱ፡ ንመንነት እቲ ወዳቢት ትካልን እቲ ፍጻመ ዝተኻየደሉ ግዜን ዝምልከቱ እዮም። ነዞም ሕቶታት ንምምላስ ዝኾነ እዚ ጉዳይ ዝምልከቶ ኤርትራዊ ናቱ ግምት ክህብ ይኽእል እዩ። እቲ ውዱእ መልሲ ዝህብ ግና እቲ ዝዓደመ ኣካል እዩ። ንኣብነት ነቶም ተሳተፍቲ በየናይ መለክዒ መሪጽዎም ዝምልከት መልሲ ንተዓዳማይ ዘይኮነስ ንዓዳማይ ዝምልከት እዩ። በቲ ኮነ በዚ ግና እዞም ዝተላዕሉ ጉዳያት ስለምንታይ ይለዓሉ’ኳ ተዘይተባህለ እቶም መሰረታውያን ዛዕባታት ንሳቶም ኣይኮኑን። ቀንዲ መንቀሊኦም ከኣ እቲ ኣብ ሕድሕድና ሳዕሪሩ ዘሎ ዘይምትእምማን ምዃኑ ንጹር እዩ። “ብተመን ዝተዳህለስ ብልሕጺ ሰንበደ” ስለ ዝኾነ።
ኣብዚ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ኣበይን ብመንን ተላዒሉ ብዘየገድስ፡ እቲ ኣብቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ዝተላዕለ ጉዳያት “ክሳብ ክንደይ ኤርትራዊ እዋናዊ ዛዕባ ነይይሩ?” እዩ ክኸውን ዝግበኦ ዝብል ሚዛናት ምሃብ ዝሓሸ ኣዩ። እቲ ዛዕባ ዋላ’ኳ ብውሱናት ተሳተፍቲ ተተዘተየሉ ክሳብ ክንደይ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝንባለን ሻቕሎትን ኣብ ግምት ኣእትዩ እዩ እቲ ግቡእ ቆላሕታ ክወሃቦ ዝግባእ ነጥቢ። ደሓር ኣብ ክንዲ ንመሰረታዊ ትሕዝቶ ናይቲ መጋባእያ፡ ኣፈጻጽማኡን ኣመራርጻ ተሳተፍቱን ዝኣመሰሉ ተክኒካዊ ዛዕባታት፡ ጽልዋ’ኳ እንተሃለዎም፡ ንዓኣቶም ጥራይ ንቕድሚት ምምጻእ ክሳብ ክንደይ ከም ዝሃሰየና ተመኩሮና ዝምስክሮ እዩ። ኣብ ሓደ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ፡ “ስለምንታይ ጉዳይ ስምረት ውድባት ኤርትራ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ይዝተየሉ” ዝብል ክርክር ዘኽፈለና ዋጋ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ጉዳይና ሰፊሕ ኣእምሮን ነዊሕ ጉዕዞን ዘድልዮ ምዃኑ ኩልና ዘይንክሕዶ እዩ። ብመንጽር እዚ ተበግሶ ፍራንክፈርቲ ናይ ሓደ ጉዕዞ መጀመሪ እምበር ናይ ሓደ ምዕራፍ መዛዘሚ ኣይኮነን። ስለዚ እቶም ኣብዚ ዓውደ-መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ወገናት፡ ንመጻኢ ንናይ ብዙሓት ተሳትፎ ኣፍደገ ንምኽፋት ክጽዕቱ፡ እቶም ትማሊ ዘይነበሩ ድማ ኣብ መጻኢ ክሳተፉ ቅርቡነቶም ከርእዩ እዩ ዝግበኦም። ማለት፡ ሎሚ ካብ ትማሊ፡ ጽባሕ ድማ ካብ ሎሚ ዝሓሸ ክኸውን ከም ዝግበኦ እንዳ ብናን ንቕድሚት እንዳማዕደናን ኢና ክንጐዓዝ ዝግበኣና።
ዓውደ መጽናዕቲ ፍራንክፈርቲ ዝነበሮ ግሉጽነት ሓደ ብልጫኡ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዮም ድማ ተሳተፍቲ ንፖለቲካዊ እምነቶም ዘነጽር ሓጸርቲ ሓባሪ ጻብጻባት ምስ ኣቕረቡ፡ ብክታም ዓሰርተ ወከልቲ ተስተፍቲ ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራት ኣሰንዮም፡ ኣብ ከመይ ዝኣመሰሉ መረዳድኢ ነጥብታት ከም ዝተሰማምዑ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣወጁ። ኣብቲ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ 10 መረዳድኢ ነጥብታት ከይኣተኻ “ንሕና ሰብ ናይ ሓባር ሃገራዊ ዋኒን ኢና። እቲ ፍታሕ ከኣ ኣብ ውሱናት ዘይኮነስ ኣብ ኩልና እዩ ዘሎ።” ኢልካ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ከፍ ምባል፡ መሰረታዊ መፍትሒ ንጉዳይና ኣብ ምርካብ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። “ንተኣከብ ሽዑ ምኽሪ ክርከብ” ከም ዝበሃል። በቶም ኣብዚ መጋባእያ’ዚ ዘይወዓሉ፡ ብመልክዑ ዝተፈልየ ኮይኑ፡ ካብ ኤርትራዊ መስመር ከይወጸ በብኹርናዑ ዝካየድ ተመሳሳሊ መገባእያ’ውን ተመሳሳሊ ክብደት ክወሃቦ’ዩ ዝግባእ። ስለምንታይ ጽባሕ እቲ ንኹሉ ዝዕግብ ፍታሕ ካብዚ በብኩርንዑ ዝግበር ተበግሶታት እዩ ክውህለል።
ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ ተበጺሖም ዘለወ ሓፈሻዊ መሰማምዒ ነጥብታት መብዛሕትኦም ሓደስቲ ስለ ዘይኮኑ “እንታይዶ ሓድሽ ጉዳይ መጺኡ እዩ” ከም ዝበሃል ፍሉጥ እዩ። እዚ ኣበሃህላ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብሓሳብ ተሰማሚዕካ ከተብቅዕ ኣብ ተግባር ናይ ምጉርባስ ተመኩሮና ዝመጸ እዩ። እንተኾነ ንሕና ”ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝፈሸልናዮ ሎሚ’ውን ክንፈሽል ኢና” ዝብል ጽልሙት ዘይኮነስ፡ “ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፍሽለታትና ተማሂርና ካብ ሕጂ ንድሕሪትስ ኣይክንፈሽልን ኢና” ዝብል ትስፉው እምነት ኣሕዲርና፡ ነዚ ስምምዕና ናብ ምትግባር ገጽና ብናህሪ ክንምርሽ ይግበኣና። ንፍሽለት ሓደ መዓልቲ ስዒርና እነወግዶ እምበር፡ ከም መናብርትና ጌርና ክንርዕሞ ኣይግበኣናን’ዩ።
ካብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ፍራንክፈርት ዝተሰማማዓሉ መረዳድኢ ነጥብታት፡ “ኣብ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ብዝምልከት ብሓባር ምስራሕ። መንግስትን ሃይማኖት ምፍልላይን፡ መንግስቲ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ከም ዘረጋግጽ ምግባርን። ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ምርግጋጽ ልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ዘትከለ ዝምድና ምምዕባል። ምርግጋጽ ዝያዳ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን። ዓረብን ትግርኛን ከም ወግዓዊ ናይ ስራሕ ቋንቋታት ምቕባልን፡ ናይ ኩሉ ቋንቋታት ኤርትራ ማዕርነት ምሕላውን።” ዝብሉ ነጥብታት ይርከብዎም። እዚኣቶም ብዝተወሰኑ ተሳተፍቲ ኣካላት ይጽደቑ እምበር ንዝኾነ ደላይ ፍትሒ ዘግልሉ ኣይኮኑን።
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ኣብዚ መዳይዚ ሸቶኡ፡ ኩሎም ኤርትርውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ተኣማሚኖም ዝዋስእሉ ሰፊሕ መድረኽ ምፍጣር እዩ። እዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ብኣቋራጭ ዝብጻሕ ከም ዘይኮነ ስለ ዝኣምን ከኣ፡ ናብዚ ንምብጻሕ ኣብ ዝሕግዙ መድረኻት ካብ ምስታፍ ኣይክበኩርን እዩ። ተሳትፎኡ ኣብ ዓውደ-መጽናዕቲ ፍራንክፈርት ከኣ ብመንጽር’ዚ ዝረአ እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ውሳነኡ “ሰደህኤ ምስ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ንምዕዋቱ ከይተሓለለ ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሕ ቅሩብ ምዃኑ ደጊሙ የረጋግጽ።” ኢሉ ምስፋሩ ድማ ነዚ እምነቱን ቅሩብነቱን ዝያዳ ዘትርር እዩ።
17 ሕዳር 2015
More...
ጨንፈር ማእከል ሰ.ዲ.ህ.ኤ ብዕለት 15-11-2015 ክምወትሩ ወርሓዊ ምዱብ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ካብ ሰዓት 14፡00 ድ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 17፡30 ድ.ቀ. ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ ብዋና ጸሓፊ ጨንፈር ኣቶ ኣፈወርቂ ኪዳነ እዩ ተኸፊቱ። ብምቕጻል ኣብዝሓለፈ ወርሒ ዝተሰላሰለ ንጥፈታት ሰልፊ ብቀደም ተኸተል ተገሊጹ። ፡ብቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጸወዐ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ዘለዉ ናይቲ ሰልፊ ኣባላት ዝተሳተፍዎን ንኣስታት 5 ሰዓታት ዝቐጸለ ኣኼባ 7 ሕዳር 2015፡ ዕዉትን ሰፊሕን ኣኼባ ምንባሩን፡ ብፍላይ ነቶም ኣብዚ ኤለክትሮኒካዊ ክሳተፉ ዕድል ዘይረኸቡ፣ ኣባላት ጨንንፈር ማእከል ሰ.ዲ.ህ.ኤ ትሕዝቶ ናይቲ ኣኼባ ብዝርዝር ተሓቢሩ።
ካብኡ ብምቕጻል ልኡኽ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ኣብቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ፓርላማ ብዕለት 09.11.2015 ዝተኻየደ ኣኼባ ብምስታፍ፡እቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ንልምዓት ተባሂሉ ክወሃብ ዝተሓስበ 200 ሚልዮን ኤውሮ ክወሃቦ ኣይግባእን ዝብል ድምጾም ዘስምዕሉ፡ እቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ንኸይውሃቦ ዘቅርብዎ ምኽንያት እቲ ገንዘብ ተቐቢሉ ኣብቲ ዝተሓስበ ልምዓት ይኹን ኣብ ምውጋድ ሕሱም ሰብኣዊ መሰላት ከውዕሎ ኣይክእልን እዩ ካብ ዝብል እምነት ተበጊሶም ከምዝወሰኑ ተገሊጹ። ኮምኡ ውን መምርሕን ዲስፕሊን ሰልፍን ብምዝክኻር ኣኼባ ናብቲ ካልኣይ ኣጀንድኡ ተሳጋጊሩ፡
ቀጺሉ ዝሰዓበ ኣጀንዳ ግደ መንእሰያት ኣብ ዝካይድ ቃልሲ ንዲሞክራስየዊ ለውጢ ፡ ኣብዚ ኣጀንዳዚ ከም መእተዊ ብሓብቲ ፈቨን ጊደዎን ኣቀድም ኣቢላ ዋና ጸሓፊት ጨንፈር ማእከል ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ኮይና ተመሪጻ ብምመጽኣ ኣብቲ ኣኼባ ተረኺባ ንጉዳይ መንእሰያት ዝምልከት ስፍሕ ዝበለ ሓበሬታ ኣማሓላሊፋ፡፡ኮምኡ ውን ኣባላት መሪሕነት ዞባ ኤውሮፓን ንኡስ ዞባ ጀርመንን ኣብ ኣኼባ ተረኺቦም ነበሩ፡፡
ነዚ ኣኼባ‘ዚ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር እንተኔሩ ከኣ፡ መንእሰያት ኣብ ቅድሚት ኮይኖም ኣኼባ ክመርሑን ከካትዑን ኣንፈት ሓድሽ ነጥበ መቀይሮ ኣብ ጉዳይ ምስግጋር ስልጣን ንምርካብ ምቅርራብ ኣንፈት ዝሃበ ይመስል ነበረ፡ ክትዕ መንእሰያት ብግሉጽን ነጻ ሓሳባትካ ምግላጽን ብምባሩ ንኹሎም ስለዝመሰጦም ክሳብ ኣብ ጉዕዝኦም ዘጋጠምዎም ዝነበሩ ሽግራት እናዘከሩ ብምዝራቦም፡ ግን ከኣ ድማ ነዚ ግዳይትዚ ንኽኾኑ ዝደረኾም ኩነታት ዘኪሮም በርቲዖም ንኽቃለሱ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንምምጻእ ንምቅልጣፍ ግዲኦም ሓጋዚ ከምዝነበረ ብዙሓት ካብ መንእሰያት ይርድእዎ ከምዘይነበሩ ተዛሪቦሙሉ፡፡
ኣብ ክትዕ መንእሰያት ዝነበረ ሚዛን ብመንነትና ጸኒዕና፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሕን፡ ሰላምን፡ ዲሞክራስን ኣንጊስና ንሃገርና ምልማዕን፡ ምምዕባልን ክኸውን ኣሎዎ ዝብል ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣእምሮና ከነሕድሮ ከምዘሎና ዝብል ሓያል ጭርሖ ዝነበሮ ክትዕ ተኻይዱ፡፡ አኼባ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓትን ፈረቃን ምዉቅ ትምህርታዊ ሓዘል ክትዓትን ምርድዳእን ብዝኽሪ ሰማእታት ተዛዚሙ፡፡
ብሰዲህኤ ተዳልዩን ተመሓይሹን ናብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብየካቲት 2010 እንደገና ዝቐረበ መሰጋገሪ ውጥን ኤርትራ (መ.ው.ኤ)
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
መልእኽቲ ካብ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ክቡራንን ክቡራትን ዜጋታት፡
ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘቘሙ ሰልፍታትን ውድባትን፡ ካብ ዝምስረቱ ኣትሒዞም፡ ከም ካልኦት ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፡ ንኤርትራን ህዝባን ገጢሙዎም ዘሎ ገዚፍ ብድሆ፡ ሰላማዊን ግብራዊን ብዝኾነ ኣገባብ ፍታሕ ኣብ ምርካብ ብጽሒቶም ንምብርካት፡ ኣብ ዝተናውሐ መስርሕ ምንዳይ ሃናጺ መንገድታትን ኣገባባትን ተቖሪኖም ጸኒሖም።
ንሃገርና ኣጋጢሙዋ ዘሎ ዝዓበየ ቅልውላው ዘላቒ መፍትሒ ዝርከበሉ፡ ብሰላማዊን ዲሞክራስያውን ኣገባብ፡ ንህልዊ ሓደ ሰልፋዊ ምልኪ ስዒርና፤ ኣብ ቅዋም ብዝተመልሓቐን ብዝሐ ሰልፋዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት፡ ክንትክኦ ምስ እንበቅዕ ጥራሕ’ዩ ዝብል እምነት ኣሎና።
እዚ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ኤርትራዊ ዕቱብ ተሳትፎ ዝሓትት፡ ሓያል ሃገራዊ ዕማም ኢዩ። ሰላማዊን መሃዝን ኣገባብ ብምኽታል፡ ፍልልያትና ንምእላይ፡ ብውፉይነት እንተ ዘይሰሪሕና፣ እቲ ሰማእታትና ክቡር ሂወቶም ዝኸፈሉሉ ዕላማ ምህናጽ ፍትሓዊትን ብልጽግትን ኤርትራ፡ ከነሰላስሎ ኣይንኽእልን ኢና።
ሰልፍና፡ ነዚ መሰጋገሪ ውጥን፡ ከም መንጠሪ ባይታ ንህንጸት ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ የቕርቦ ኣሎ። ካብ ኩሎም ኤርትራውያን፡ ነዚ ውጥን ንምጽፋፍን፡ ኣብ መወዳእታ ከም ሰነድ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኮይኑ ክጸድቕን ዘኽእሎ፡ ኣወንታዊን ነቐፌታዊን መወስኽታ ክረክብ ከኣ ይጽበ። ነዚ ውጥንዚ ብምጥቃም፡ ህዝብና፡ ነቲ ኣብዚ ግዜ’ዚ ንኩሉ መዳይ ሂወቱ ተቖጻጺሩ ዝርከብ ምልካዊ ስርዓትን ዘሕዝን ውጽኢቱን፡ መኽተምታ ንምግባር፡ ጠማሪ ስትራተጂ ኪኾኖ ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎና። ብተወሳኺ ከኣ፡ እዚ ውጥን’ዚ፡ ንህዝብና፡ ናብ እዋን ሰላማዊ ምስግጋር ንምብጻሕ ኪሕግዞን ክመርሖን ኢዩ ኢልና ንኣምን።
ፖለቲካዊ ፍልልያትና ብግቡእ ከየመሓደርና፡ ነቲ ክንዮ ውልቀ መራሕቲን፡ ፖለቲካዊ ሰልፊታቶምን፡ ዘሎ ዕማም ምህናጽ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ትካላትን፡ ከነተግብር ኣይከኣልን ኢዩ። ከም ኤርትራውያን መጠን፡ ብመሰረት ሓባራዊ ምርድዳእን መብጽዓ ንሃገራዊ ህላዌናን፡ ካብ ኩሎም ዝከኣሉ ኣማራጺታት፡ እቲ ዝበለጸ ፍታሕ ንምልላይ፡ ኣብ ሓደ መኣዲ ዘተ ኮፍ ክንብል ኣሎና።
ብልዑል ተስፋን ዓቢ ትጽቢትን፡ ነዚ መሰጋገሪ ውጥን፡ ርኢቶኹም ክትህቡሉ እንደገና ናባኹም ነቕርቦ ኣሎና። ነዚ ጻዕሪ’ዚ ንምዕባይ፡ ኣበርክቶ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ብኣኽብሮት ንዕድም።
ሰላማዊ ምስግጋር፡ ምእንቲ ናጽነት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምእንቲ ምርግጋጽ ዲሞክራሲ ኣብ ሃገርና፡ ክንቃለስ ናይ ዘሕለፍናዮ ዕድሜና ኣወንታዊ መዛዘሚ ክኸውን ኢዩ። ሕልሚታትና፡ ንደቅናን ደቂ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋን፡ ሰላምን ናጽነትን ዘውሕስ፡ ምስረታ ሓቀኛ ትካላትን ግዝኣተ ሕጊን ኣብ ሃገርና ምርኣይ ኢዩ።
ዓወት ናይዚ ተበግሶ፡ ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ንጡፍ ተሳትፎን ሃናጺ ግብረ መልስን ዝምርኮስ ምዃኑ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ይኣምን።
ወልደየሱስ ዓማር
ኣቦ መንበር
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ።
መሰጋገሪ ውጥን ኤርትራ
መራሒ ካርታ ንዲሞክራሲያዊት ኤርትራ፡
ጽሟቕ ሓበሬታ፡
“መሰጋገሪ ውጥን ኤርትራ - መራሒ ካርታ ንዲሞክራሲያዊት ኤርትራ”፡ ኣብ ቅርጺን ተራን ናይቶም ብዙሓት ኣካላትን ትካላትን ዝግለጸሎም፡ ክልተ ምዕራፋት ዝተኸፍለ ኢዩ።
ምዕራፍ ሓደ፡ እዚ ቅድመ መሰጋገሪ ኢዩ። ኣብዚ ቅድመ መሰጋገሪ መድረኽ ነዞም ዝስዕቡ መድረኻት የነጽር፡- (ሀ) ንመስርሕ ምስግጋር ኣስከሬን ንምንጻፍ፡ ሰፊሕ ዚሰረቱን ንኩሉ ዘሳትፍን ቀዳማይ ዋዕላ ምጽዋዕ፡ (ለ) ካብ መንጎ’ቶም ተሳተፍቲ ዋዕላ ዝኾኑ፡ ሃገራዊ ቤትምኽሪ ሽማግለታት ምምራጽ። ኣብ መንጎ ናይ ዲያስፖራ ፖለቲካዊ ሓይሊታት፡ ህዝባውያን ማሕበራት፡ ናጻ ተዋሳእቲ ፖለቲካ ውልቀ-ሰባትን ካልኦትን፡ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ቅጥዒን መስርሕን ምርጫ ሃቤሽ ዝምልከት፡ ሰፊሕ ምይይጥ ይግበር። ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት፡ ኣብ እዋን ቀዳማይ ምዕራፍ መስርሕ ምስግጋር፡ ኣብ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊን፡ ፖለቲካዊን ፖሊሲታት ሃገር ዝካየዱ ዘተታትን ሞያዊ መጽናዕቲታትን፡ ዝመርሕን ዘወሃህድን ዝለዓለ ስልጣን ኪኸውን ኢዩ። ንትግባረ ናይ’ዚ ሓላፍነታት’ዚ፡ ሃቤሽ፡ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ቻርተር ናይ ምፍጻም ተራ ዝህልዎን፡ ከም ዕለታዊ ንጥፈታት፡ ኣካያዲ ናይቶም ብሃቤሽ ዝወጹ መምርሒታት ኮይኑ ዘገልግልን፡ ፈጻሚ ሽማግለ ይምዝዝ። ፈጻሚ ሽማግለ፡ ተሓታትነቱ ንሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ኮይኑ፡ ናይ ስራሕ ጸብጻባቱውን ንዕኡ የቕርብ። ንስርሓቱ ብግቡእ ንምፍጻም፡ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ዝተፈላለያ ሽማግለታት ሓይሊ ዕማም ናይ ምምስራት ስልጣን ይህልዎ።
ምዕራፍ ክልተ፡- ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ምምስራት። ህሉው መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ፡ ክሳብ ምግባእ ኣብ ዲያስፖራን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዝነብር ክፋላት ህዝቢ ኤርትራ ብምልኣት ዝሳተፈሉ፡ ሃገራዊ ዋዕላን ምቛም መሰጋገሪ ባይቶን፡ ኣብ ዝህሉ ግዜ፡ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት፡ ሃገር ናይ ምምራሕ ምሉእ ሓላፍነት ይወስድ። ኣብ ካልኣይ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተመርጸ መሰጋገሪ ባይቶ፡ ከም መሰጋገሪ ሓጋጊ ኣካል ኮይኑ ይሰርሕ፡ ክሳብ ምዝዛም መሰጋገሪ እዋን ንዝህሉ ግዜ ዘገልግል መሰጋገሪ ቅዋም የጽድቕን፡ ነቲ መስርሕ ክሳብ ምስረታ ቅዋማዊ መንግስቲ ይመርሕን። ይኹንምበር፡ ክሳብ ቀዋሚ ቅዋም ዝጸድቕን፡ ዝተመርጸ መንግስቲ ስልጣን ዝርከብን፡ መሰጋገሪ ባይቶ፡ መዓልታዊ ንጥፈታት መንግስቲ ዝመርሕ ኣካል ይምዝዝ (የቕውም)።
መእተዊ ንመሰጋገሪ ውጥን ኤርትራ፡
ህዝቢ ኤርትራ፡ ዳግማይ፡ ኣብ ፈታንን ዘይንቡርን ኩነት ኣትዩ ይርከብ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ፡ ኣንጻር’ቲ ኣብ ልዕሊኡ ጨካንን እንኮ-ሰልፋዊ ስርዓት ጺዒኑሉ ዘሎ ዘቤታዊ ውልቀ መላኺ ስርዓት ደው ክብልን፡ እቲ ፍሉጥ ጽንዓቱ ዳግም ከረጋግጽን ይሕተት።
ሎሚ ህዝብናን ሃገርናን፡-
- ክቡር ሂወት ደቁ ዝተኸፍለሉ፡ ኣሽሓት’ውን ኣካሎም ዝሰንከሉሉን፡ ነባሪ ስነ ኣእምሮኣዊ በሰላ ሓዲጉሎምን፡ ዝተረኽበ ክብሪታት ሃገር ተኻሒዱን፡ ንውሑዳት ኣብ ስልጣን ዘለዉ ውልቀ ሰባት ብዘርብሕ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ተተኪኡን፤
- ምእንቲ ናጻን ዲሞክራሲያዊትን ኤርትራ ክውንቲ ንምግባር፡ ብነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊት ስድራ ዝተኸፍለ ኣካላዊ፡ ንዋታዊን፡ ስነኣእምሮኣዊን መስዋእቲ፡ ባኺኑን፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተረኽበ መኽሰባትውን ብውሑዳት ኣብ ስልጣን ዘለዉ ውልቀሰባት ተባሒቱን፤
- እቶም ካብ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ብሂወቶም ዝኣተዉ ጀጋኑ ተቓለስቲ፡ ብድኽነትን ጸቕጥን ዝተመልአ ሂወት የሕልፉ ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ጽልሙት ዝኾነ መጻኢ ኣብ ቅድሚኦም ኣሎ፤
- ብዙሕ ሓቀኛን ብዝለዓለ ደረጃ ዝርአን ባህሊታት ህዝብና ተራኺሱን፡ ናይ ወለዶታት ማሕበራዊ ክብሪታቱ ኣንቆልቍሉን፤
- መንእሰያት፡ ኣንጻር ድሌቶምን ንኣጠቓላሊ ምዕባለ ሃገር ዘዕኑን: ናይቲ ስርዓት ወተሃደራዊ ዕንደራ ንምርዋይ: ኣብ ቀጻሊ ግዱዱ ዕስክርና ይርከቡ፤
- ዘይጥዑይ ቁጠባዊ ፖሊሲ ንምዕዋትን ንካልእ ዝርወትን፡ ኩሉ ሃገራዊ ገንዘብን ጸጋታትን ነጺፉ፤
- ሕጊ-ኣልቦ ዝኾነ ስርዓት፡ ብኣሽሓት ንዝቑጸሩ ዜጋታት፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ጋዜጠኛታት፡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፡ ፖለቲከኛታት፡ ደቀንስትዮ፡ መንፈሳውያንን መራሕቲ ሃይማኖታት ውልቀሰባትን፡ መማህራን፡ ተመሃሮ ወዘተ፡ ብዘይ ፍርድን ፍትሕን ብኣሰቃቒ ኣገባብ ኣሲሩ፤
- ቀጻሊ ምምልላስ ድርቂ ኣብ ዘለወሉ ህሞት፡ ዘይልቦናዊ ኣብያ ንመተካእታ ዘይብሉ ሓገዛት ማሕበረሰብ ዓለም፡ ንሃገርና ናብ ዓሚቕ ዓጸቦ የእትዩዋ፤
- ስእነት እሩምን ብሱልን ዲፕሎማሲን፡ ቅጥዒ-ኣልቦ ኣቀራርባ ተደሚሩዎን፡ ንኤርትራ ተወሳኺ ተነጽሎ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣስዒቡላ፣
- ጻሕታሪ ኵናት ዝኾነ ባህርያት ናይቲ ስርዓት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርናን ዞባናን እዚ ዘይብሃል ዕንወት ኣኸቲሉ፣
- ኣብ ትሕቲ ሓልዮቱ ዝጸደቐ ቅዋም፡ ኣብ ከብሒታት ንዓመታት ተሰጊጡ ደሮና እንዳ ኣከበ፡ እቲ ርእሱ ዝሸመ መንግስቲ፡ ጸረ ብዝሐ-ሰልፋዊ ዲሞክራሲ ዝኾነ እዉጅ መርገጺኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣገዲዱዎ፤
- ናይቲ ስርዓት ፍጹም ሸለልትነት ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ሓርነታትን መባእታዊ መትከላት ግዛኣተ-ሕጊን ብሩህ ኮይኑስ፡ ሎሚ፡ ኤርትራ፡ ብግብሪ፡ ዝወደቐት ሃገር ኮይና ትርከብ።
እምበኣርከስ፡ እኩብ ድምር ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰን ካልኦት ዓበይቲ ናይ ምንቁልቋል ኣንፈታትን ኢዩ፡ ንኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ከም ኩሎም ተቓለስቲ ሓይሊታት፡ ሃገር ናይ ምድሓን ከቢድ ጻዕሪታት ከካይድ እኹል ደራኺ ምኽንያት ዝኾኖ። እምነት ኤዲኪ፡ ሃገር ካብ ፍጹም ዕንወትን ቅብጸት ተስፋን ምድሓን፡ ልዕሊ ኩሉ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታትን ንጥፈታትን፡ ቀዳምነት ክሕዝ ኣለዎ ኢዩ። ነዚ ንምርግጋጽ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ነዚ ንድፊ መሰጋገሪ ውጥን፡ ንዘተ፡ ንክትዕን፡ ንዝያዳ ምድንፍዑን ምምዕባሉን፡ ናብ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት፡ ህዝባውያን ማሕበራት፡ ግዱሳት ውልቀ ሰባትን፡ ብዓቢኡ ከኣ፡ ንህዝቢ ኤርትራ የቕርቦ።
ጽኑዕ እምነት ኤዲኪ፡ ዕድል ሃገርና ኤርትራ ኣብ ኢድ’ዚ ጨካንን ዘይሓላፍነታዊን መርሕነት ክሕደግ የብሉን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ግዝኣተ ውልቀ-ምልኪ ፍጹም ከብቅዕን፡ ዘመነ ሓርነት ውልቀሰብን ብዙሓዊ ዲሞክራሲን ኣብ ልዕሊ መቓብር ስዉኣትና ብምህናጽ፡ መንፈሶም፡ ቅሳነት፡ ሰላምን እፎይታን ክረክብ ኣለዎ። ቅዋማዊ ምሕደራን ግዛኣተ ሕጊን ኣብ ምሉእ ክፋላት እዛ ውልዶ ሃገርና ክነግስ ኣለዎ።
መብጽዓ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡
መራሒ መትከላት መሰጋገሪ ውጥን፡
መሰጋገሪ ውጥን፡ ብመንፈስ ሰላም፡ ፍትሒን ሰብኣዊ መሰላትን ዝተመርሐ ኢዩ። ኣንጻር ቂምን ፍድየተ-ሕነ ስጉምቲታትን ደው ዝበለን፡ ብድሌታት ህዝቢ ኤርትራ ዝተገዝአን ኢዩ። መሪሕ መትከላቱ ከኣ ኣብዞም ዝስዕቡ ሓቂታት ዝተመስረቱ ኢዮም፡-
- ነፍሲ ወከፍ ዜጋ፡ ኣብ ንመሰጋገሪ መስርሕ ዝምልከት ኩሉ መዳያዊ ምይይጣት ምሉእ ዕድል ተሳትፎ ክህልዎ ኣለዎ፣
- መስርሕ ምስግጋር ሕጋውን ሰላማውን ከም ዝኸውን ንዜጋታት ክረጋገጽ፣
- ናጽነትን መሬታዊ ሓድነትን ሃገርና ብጽኑዕ ምውሓሱ፡
- ዕድመ መስርሕ ምስግጋር ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ይውሰን
ተሳተፍቲ ፋልማይ ዋዕላ መሰጋገሪ ውጥን/ ቀዳማይ ምዕራፍ
እዚ እማመ መሰጋገሪ ውጥን’ዚ፡ ንመስርሕ ምስግጋር ዝኸውን ኣስከሬን ንምስኣል፡ ሰፊሕ መሰረት ዘለዎን ንኹሉ ዘሳትፍን፡ ዋዕላ ኪካየድ ከም ዘድሊ ይግምት። ነዚ ውጥን’ዚ ኣብ ፍሉጥ ናይ ግዜ ገደብን ብልዑል ናይ ምትሕብባር መንፈስን ኣብ ግብሪ ክትርጎም ከኣ፡ ተሳተፍቲ፡ ቅሩብነቶም፡ ሃገራዊ ራኢኦምን ተዓጻጻፍነቶምን፡ ከርእዩ ፍቓደኛታት ክኾኑ ይግባእ።
ኣብ ውሽጢ ኤርትራዊ ውሁብ ኩነታት፡ መባእታዊ ፖለቲካዊ ናጽነት ዘየፍቅድ ዘይንቡር ኩነታት ብምህላዉ፡ ኣብ ኤርትራ ሓደ ሰፊሕን ምሉእ ዝኾነን ሃገራዊ ዋዕላ ክካየድ ከም ዘይከኣለ ኤዲኪ ብዕምቆት ይርዳእ። ብሰንኪ’ዚ ሃዋሁዚ ከኣ፡ ክብ ኢሉ ተገሊጹ ከም ዘሎ፡ ሓፈሻዊ ዝርዝር ቅርጺን ዕማማትን መድረኽ ቅድመ-ምስግጋር ከቕርብ፡ ሓደ ዋዕላ ኣብ ወጻኢ ሃገር ክጋባእ ኢዩ።
ኩሎም ተሳተፍቲ ዋዕላ፡ ብናይ መወዳእታ ውሳነታት ዋዕላ ቅዩዳት ኢዮም። ኣብ መንጎ ሓባራዊ ውሳነ ዋዕላን፡ ፖለቲካዊ መርገጺ ናይ ሓንቲ ኣባል ናይዚ ዋዕላ ዝኾነት ውድብ፡ ጉጅለ ትኹን ወይ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መርገጺ ረጽሚ ምስ ዘጋጥም ከኣ፡ ውሳነ ዋዕላ ይዕብልል።
ኤዲኪ፡ ምስ ካልኦት ተቓለስቲ ሓይሊታት፡ ህዝባውያን ማሕበራት፡ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ማሕበረሰባትን ናጻ ውልቀሰባትን ብምምኽኻር፡ ዋዕላ ኣብ ምውጣንን ምፍጻምን ተበግሶ ክወስድ ኢዩ።
ኣቀዋውማ ኣካላት ኣብ ምሉእ መስርሕ ምስግጋር፡
ቀዳማይን ካልኣይን ምዕራፋት።
ናይ ምስግጋር ተካላት ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ከም ዘሎ ቅርጺ ኪኾኑ ንርኢ፡-
- ኣብ ወጻኢ ዝጋባእ ዋዕላ፡ ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ ኣብ ግብሪ ከውዕል ንሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት (ሃቤሽ) ዝመርጽን ሓላፍነት ዝህብን ኣካል ኢዩ። ሃገራዊ ቻርተር ብተሳተፍቲ ቀዳማይ ዋዕላ፡ ነቲ ዝተበጽሐ መሰረታዊ ስምምዕ ዘነጽር፡ ናይ መወዳእታ ሰነድ መድረኽ ቅድመ-ምስግጋር ኢዩ።
- ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት (ሃቤሽ)፡ ብመሰረት ብዋዕላ ዝተዋህቦ ሓላፍነት፡ ሃቤሽ፡ ኣብ መስርሕ መድረኽ ቅድመ-ምስግጋር ዝለዓለ ስልጣን ዝህልዎ ኣካል ኢዩ።
- ፈጻሚ ሽማግለ (ፈሽ)፡ ብሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ዝምዘዝ (ዝቐውም) ኣካል ኮይኑ፡ እዚ ካብ ምዝዛም ቀዳማይ ዋዕላ ኣትሒዙ ክሳዕ ካልኣይ ዋዕላ፡ ነቲ ብቤት ምኽሪ ሃገራዊ ሽማግለ ዝወጸ መምርሒታት ናይ መዓልታዊ ምምሕዳራዊ ሓላፍነት ኣለዎ።
- መሰጋገሪ ባይቶ (መባ)፡ ህሉው ስርዓት ካብ ስልጣን ምስ ተኣልየ፡ ኣብቲ ብምትሕብባርን ምምኽኻርን ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታትን ፈጻሚ ቦርድን ዝውደብ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ዝቐውም ፡ መሰጋገሪ ባይቶ ኤርትራ ኢዩ።
- መሰጋገሪ መንግስቲ (መመ)፡ ክሳብ ብዲሞክራሲያዊ ምርጫ ሃገራዊ ባይቶን መንግስትን ዝቖሙ፡ ሃገር ንምምሕዳር፡ ብመሰጋገሪ ባይቶ ዝቐውም መሰጋገሪ መንግስቲ ኢዩ።
ቀዳማይ ዋዕላ (ቅድመ-ምስግጋር)፡-
ኣብ ደገ ብዝርከቡ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ በርገሳውያን ማሕበራትን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ምሁራትን …ወዘተ ዝሳተፍሉ ዋዕላ ኢዩ።
ዕማማት ዋዕላ፡-
-
ቻርተር ቅድመ-ምስግጋር የጽድቕ፣
-
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ይመርጽ፣
-
ዕድመ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ይውስን፣
-
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ዝምርሓሉ ሕግታትን ቅጥዕታትን ይሕንጽጽ፣
-
ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምውዳቕ ዝዓለመ ፖሊሲታትን መደባትን ይሕንጽጽ
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት፡-
-
ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ዋዕላ ይምረጽ፣
-
ዕድመ ስልጣኑ ክሳብ ምግባእ ሃገራዊ ዋዕላ ኢዩ፣
ዕማማት ሃገራዊ ቤት ምኽሪ፡-
-
ኣብ ዋዕላ ዝጸደቕ ቻርተር ኣብ ግብሪ የውዕል፣
-
ኣብ ዋዕላ ዝተሓንጸጹ መደባትን ፖሊሲታትን ኣብ ግብሪ የውዕል፣
-
ከም ሓጋጊ ኣካል ኰይኑ፡ ፈጻሚ ሽማግለ ክፍጽሞ ዘለዎ መደባትን ፖሊሲታትን ይሕንጽጽ፣ ሕግትታን ቅጥዕታትን የወጽእን፣
-
ፈጻሚ ሽማግለ ይምዝዝ፣
-
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምስ ወደቐ ከም ግዝያዊ ፓርላማ ኰይኑ፡ ካብ ውሽጡን ካብ ደገን ብቕዓት ብዘለዎም ዜጋታት ክሳብ ምግባእ ካልኣይ ሃገራዊ ዋዕላ ዘመሓድር ግዝያዊ መንግስቲ ይምዝዝ፣
-
ድሕሪ ምውዳቕ ህሉዊ ስርዓት፡ ምስ ግዝያዊ መንግስቲ (ፈጻሚ ሽማግለ) ብምውህሃድ፡ ንምስንዳእ ካልኣይ ሃገራዊ ዋዕላ ይሰርሕ፣
- ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካዊ ምይይጥ ናይ መስርሕ መሰጋገሪ መድረኽ ምሉእ ተሳትፎ ክህልዎ ምእንቲ፡ ዓዳምን ሰላማውን ሃዋሁ ይፈጥር፣
ኣኼባታት ቤት ምኽሪ ሽማግለታት፡-
- ሓደ ግዜ ኣብ ዓመት ብኣካል ይራኸብ።
- ብመሰረት ናይ ግዜ ሰሌዳን መደብን፡ ኩነታት ዝፈቕዶ እንተ ኮይኑ፡ ህጹጽ ኣኼባ ብምጽዋዕን፡ ስራሕ ፈጻሚ ሽማግለ ይመርሕን ይቆጻጸርን። ኣኼባ ሃገራዊ ቤትምኽሪ ሽማግለታት፡ እንተወሓደ፡ ብ2/3 ናይ ኣባላቱ፡ ኮሩም ይመልእ።
- ኩሉ ውሳነታቱ፡ ብመሰረት ብ2/3 ድምጺ ካብ ኣብ ኣኼባ ዝተረኽበ ኮረምን ድምጽን ይኸውን።
ፈጻሚ ሽማግለ፡
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት፡ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ይምዝዝ። ቁጽሪ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ብሃገራዊ ቤትምኽሪ ሽማግለታት ዝውሰን ኮይኑ፡ ዝለዓለ ኣኽብሮት ዘለዎምን ክኢላታትን ዝሓዘ ይኸውን። ንኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ፡ ብዝተኻእለ መጠን፡ ኣዕጋቢን ርትዓዊን ክፍሊትን ኣበልን ብሃገራዊ ቤትምኽሪ ሽማግለታት ኪቕረበሎም ኢዩ።
ዕማማት ፈጻሚ ሽማግለ፡-
- ንፖሊሲታት ናይቲ ጽላል ውድብ ኣብ ግብሪ የውዕልን፡ ንበብግዚኡ ብሃገራዊ ቤትምኽሪ ሽማግለ ዝሓለፉ ውሳነታት የፈጽምን።
- ፈጻሚ ሽማግለ፡ ተሓታትነቱ ንሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ኮይኑ፡ ጸብጻባቱ ናብኡ የቕርብ።
- ከም ኩነታቱ፡ ዝተፈላለያ ሽማግለታትን ንኡሳን ሽማግለታትን የቕውም። ኣባላተን ይምዝዝ፡ ስርሓተን ይመርሕን ይቆጻጸርን።
- ምስ ምምስራት መሰጋገሪ መንግስቲ ብመሰጋገሪ ባይቶ፡ ህላወኡ የብቅዕ።
ኣኼባታት ፈጻሚ ሽማግለ፡-
- ኣብ ርብዒ ዓመት ስሩዕ ኣኼባኡ የካይድ፣
- ህጹጽ ኣኼባኡ ብኣቦ መንበር ወይ 2/3 ካብ ኣባላቱ ይጽዋዕ፣
- 2/3 ካብ ኣባላቱ እንተደኣ ተራኺቦም ኣኼባኡ ሕጋዊ ኢዩ፣
- ውሳኔታቱ ብክልተ ሲሶ ብዝሒ ድምጺ ይሓልፍ፣
ናጻ ተጸባጻቢ ኮሚቲ፡
ዕማማት ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታትን ፈጻሚ ሽማግለን፡ ብሓፈሻ፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ምርካብ ዘመተን ጻዕርን፡ ከምኡ’ውን ናጻ ተጸባጻቢ ኣካል ንክህሉን፡ ኣድላይ ይገብሮ።
- ናጻ ተጸባጻቢ ኣካል ኣብ ዋዕላ ይምዘዝን ጸብጻባቱ ንሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት የቕርብን።
- ምስ ፈጻሚ ሽማግለ ብናይ ቀረባ ምትሕብባር ይሰርሕ።
- ሰርሓት ተጸባጻቢ ኣካል ኣህጉራዊ ደረጃ ይኽተል።
ካልኣይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡
ሃገራዊ ዋዕላ፡ ንሃገርና፡ ናብ ዲሞራሲያዊነትን ንሁር ግስጋሰን ልምዓትን ዝመርሕ ሰላማዊ ምስግጋር ንምስላጥ ሓጋዚ ኢዩ። ኤዲኪ፡ ደምበ ተቓውሞ ንዓመታት ዘዋህለሎ ተመክሮታት፡ ካልኣይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምግባእ ክሕይል ኣለዎ ኢሉ ይኣምን። እዚ፡ ንኩሎም ኤርትራውያንን ማሕበረሰብ ዓለምን፡ ኤርትራውያን፡ ዜጋታታ ሰላምን ብልጽግናን ዘስተማቕሩላ ዲሞክራሲያዊት ሃገር ንምምስራት ኣብ ኩሉ ግንባራት ክሓብሩ ምውሳኖም ዘመልክት ኣወንታዊ ሓበሬታ ክህብ’ዩ።
ብተመክሮታት ስርሓት ቀዳማይ ዋዕላን ትካላቱን ተሓጊዙ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝጋባእ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ንዲሞክራሲን ግዛኣተ ሕግን ዝካየድ ቃልሲ ንምዕዋት ዘቀላጥፍን፡ ፖለቲካዊ ስልጣን፡ ካብ ህሉው ገባቲ ስርዓት፡ ናብ መሰጋገሪ መንግስቲ ክሰጋገር ዝድርኽ ስትራተጂን ይሕንጽጽ።
ሃገራዊ ዋዕላ፡ ልሙጽ ምስግጋር ስልጣን ከውሕስ፡ ሃገር፡ ጥጡሕ ቅዲ ሂወት ክረክብን ቁጠባዊ ዝላ ክህሉን፡ ርግኣት ከረጋግጽን ክሰርሕ ኢዩ።
ሃገራዊ ዋዕላ፡ ኣብዞም ዝስዕቡ ሃገራዊ ስትራተጂካዊ ጉዳያት ይዛተን፡ ኣብ ሓፈሻዊ ሓባራዊ ስምምዕ ክበጽሕን ኣለዎ፡-
- ምቛም ኣብ እዋን መሰጋገሪ መድረኽ ናይ ሓጋጊነት ዝለዓለ ስልጣን ንዝህልዎ መሰጋገሪ ባይቶ።
- ኣብ እዋን ምስግጋር፡ ናይ ሃገርና ሰላም፡ ርግኣትን ሃገራዊ ጸጥታን ዝዕቀበሉ ኣገባብ።
- ቀዋሚ ቅዋም ሃገር ምኽላስን ከመይነት ኣገባብ ምጽዳቑን።
- ምስረታ፡ ዕማማትን፡ ስልጣንን፡ መስጋገሪ መንግስቲ።
- ሃገራዊ ምርጫን ምቛም ፖለቲካዊ ሰልፊታትን፣ ምንዳፍን ምጽዳቕን ንዕኦም ዝምልከቱ ሕጊታትን።
- ምጽዳቕ ሃገራዊ ቻርተር።
- ምዝታይን ምጽዳቕን መሰጋገሪ ቅዋም።
- ተወሰኽቲ፡ ከም ሃገራዊ ቁጠባ፡ ዝምድናታት ወጻኢ፡ ጉዳይ ዳግመ ውደባ ሰራዊት፣ … ወዘተ ዝኣመሰሉ ነጥቢታት።
ነባሪ ዝኽሪ ንሰማኣታትና፡
የካቲት 2010 ዓም፡፡
ኣቦመንበር ሰደህኤ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ስጉምቲ ንክውሰድ ናብ ዝጸውዑ ፕረሲደንት ፈረንሳ ናይ ምሕዝነት መልእኽቲ ሰዲዱ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ናብ ፕረሲደንት ፈረንሳ ፍራንሰስ ሆላንደ ህጹጽ ናይ ምሕዝነት መልእኽቲ ሰዲዱ። ንሱ ኣብቲ መልእኽቱ በቲ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሲቪል ኣብ ሰዓታት ለይቲ ዝወረደ ኣስካሕካሒ ህልቂት ከቢድ ሓዘን ከም ዝተሰመዖ ገሊጹ፡ ኤርትራዊ ምሕዝነት ምስ ህዝብን መንግስትን ፈረንሳን ጠቒሱ።
.
ኣቦመንበር ሰደህኤ ናይዚ ብ15 ሕዳር 2015 ናብ ፕረሲደንት ፈረንሳ ዝለኣኾ ናይ ምሕዝነት መልእኽቲ ቅዳሕ ናብ ናይታ ሃገር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሎረንት ፋቢዩስ እውን ሰዲዱ። ኣቦመንበር ሰደህኤ፡ በቲ ፕረሲደንት ፈረንሳ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንኤርትራ ብዝምልከት ብዘቕረብዎ ኣገዳሲ ምልክታ ናይ ምስጋና መልእኽቲ ክሰድድ’ኳ መደብ እንተነበሮ፡ ብሰንክቲ ኣብ ኣብ ፓሪስ ዘጋጠመ ዘሕዝን ኣጋጣሚ ኣደንጉይዎ ኣሎ።
ፕረሲደንት ፈረንሳ ሆላንድ፡ ኣብቲ ብ11 ሕዳር 2015 ኣብ ቫለታ ማልታ ዝተጋበአን ዝያዳ 60 መራሕቲ ካብ ኣፍሪቃን ሕብረት ኤሮጳን ዘሳተፍዎ ኣኼባ፡ ጉዳይ ኤርትራ ዓብይ ቆላሕታ ክረክብ ዝግበኦ ዛዕባ ምዃኑ ምግላጾም ዝዝከር እዩ። ንሶም ኣብቲ ሽዑ ዘስሞዎ ቃል፡ ብዛዕባ ኤርትራ ዋላ ሓደ ኣይተዛረበን። ኤርትራ ብሰንኪ ዘይቅርዑያት መራሕታ ህዝባ ገዲፍዋ እንዳኸደ ጥራያ ትተርፍ ዘላ ሃገር እያ ኢሎም፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ነዚ ሕማቕ ኩነታት ዝፈጠሩ መራሕቲ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ተጽዕኖ ንክግበር ድማ ጸዊዖም። እዞም መራሒ ፈረንሳ ሆላንድ ኣስዒቦም ኤውሮጳን መላእ ዓለምን ንኤርትራ ብዝምልከት ፖለቲካዊ ኮይኑ፡ ጥቡቕ ዲፕሎማሲ ዝሓትት ዕማም ከም ዝጽበዮም’ውን ጠቒሶም እዮም።
EPDP Chairman Sends Solidarity Message to French President Who Lately Called for Action on Eritrea
Written by EPDP Information OfficeIn an urgent memo sent to the French President Francois Hollande, the chairman of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP), Mr. Menghesteab Asmerom, expressed "profound shock and dismay" to learn about the brutal massacre of innocent civilians in Paris and sent "deep Eritrean sympathies and solidarity with the people and Government of France "at this dark hour in the street of Paris, the City of Lights".
The message was sent on 15 November with a copy to French Foreign Minister Laurent Fabius. The EPDP chairman was about to send a message of gratitude to the French President about his latest favourable remarks about the situation in Eritrea but had to delay it due to the sad developments in Paris.
It is to be recalled that President Holland stated told the Valletta Summit on 11 november, at which over 60 leaders from both Africa and the European Union were attending, that Eritrea is a major issue that need to be looked at. He said: " Nobody is talking about it. It is a country that is becoming empty of its own population with unscrupulous leaders who let their people go". He called for a maximum political pressure on the Eritrean leaders who have created this sad situation. Mr. Holland added that on Eritrea, Europe and the rest of the world have "a job to be done which is political and which needs a strict and demanding diplomacy."