ኣኼባ ጨንፈር ሰዲህኤ( E.P.D.P) ፍራንክፎርትን ከባቢኣን

2015-11-18 14:45:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2216 times

ጨንፈር ማእከል ሰ.ዲ.ህ.ኤ ብዕለት 15-11-2015 ክምወትሩ ወርሓዊ ምዱብ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ካብ ሰዓት 14፡00 ድ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 17፡30 ድ.ቀ. ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ ብዋና ጸሓፊ ጨንፈር ኣቶ ኣፈወርቂ ኪዳነ እዩ ተኸፊቱ። ብምቕጻል ኣብዝሓለፈ ወርሒ ዝተሰላሰለ ንጥፈታት ሰልፊ ብቀደም ተኸተል ተገሊጹ። ፡ብቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጸወዐ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ዘለዉ ናይቲ ሰልፊ ኣባላት ዝተሳተፍዎን ንኣስታት 5 ሰዓታት ዝቐጸለ ኣኼባ 7 ሕዳር 2015፡ ዕዉትን ሰፊሕን ኣኼባ ምንባሩን፡ ብፍላይ ነቶም ኣብዚ ኤለክትሮኒካዊ ክሳተፉ ዕድል ዘይረኸቡ፣ ኣባላት ጨንንፈር ማእከል ሰ.ዲ.ህ.ኤ ትሕዝቶ ናይቲ ኣኼባ ብዝርዝር ተሓቢሩ።

Frankfurt151115 2

 

ካብኡ ብምቕጻል ልኡኽ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ኣብቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ፓርላማ ብዕለት 09.11.2015 ዝተኻየደ ኣኼባ ብምስታፍ፡እቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ንልምዓት ተባሂሉ ክወሃብ ዝተሓስበ 200 ሚልዮን ኤውሮ ክወሃቦ ኣይግባእን ዝብል ድምጾም ዘስምዕሉ፡ እቲመንግስቲ ኤርትራ ንኸይውሃቦ ዘቅርብዎ ምኽንያት እቲ ገንዘብ ተቐቢሉ ኣብቲ ዝተሓስበ ልምዓት ይኹን ኣብ ምውጋድ ሕሱም ሰብኣዊ መሰላት ከውዕሎ ኣይክእልን እዩ ካብ ዝብል እምነት ተበጊሶም ከምዝወሰኑ ተገሊጹ። ኮምኡ ውን መምርሕን ዲስፕሊን ሰልፍን ብምዝክኻር ኣኼባ ናብቲ ካልኣይ ኣጀንድኡ ተሳጋጊሩ፡

ቀጺሉ ዝሰዓበ ኣጀንዳ ግደ መንእሰያት ኣብ ዝካይድ ቃልሲ ንዲሞክራስየዊ ለውጢ ፡ ኣብዚ ኣጀንዳዚ ከም መእተዊ ብሓብቲ ፈቨን ጊደዎን ኣቀድም ኣቢላ ዋና ጸሓፊት ጨንፈር ማእከል ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ኮይና ተመሪጻ ብምመጽኣ ኣብቲ ኣኼባ ተረኺባ ንጉዳይ መንእሰያት ዝምልከት ስፍሕ ዝበለ ሓበሬታ ኣማሓላሊፋ፡፡ኮምኡ ውን ኣባላት መሪሕነት ዞባ ኤውሮፓን ንኡስ ዞባ ጀርመንን ኣብ ኣኼባ ተረኺቦም ነበሩ፡፡

Frankfurt151115 3

ነዚ ኣኼባ‘ዚ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር እንተኔሩ ከኣ፡ መንእሰያት ኣብ ቅድሚት ኮይኖም ኣኼባ ክመርሑን ከካትዑን ኣንፈት ሓድሽ ነጥበ መቀይሮ ኣብ ጉዳይ ምስግጋር ስልጣን ንምርካብ ምቅርራብ ኣንፈት ዝሃበ ይመስል ነበረ፡ ክትዕ መንእሰያት ብግሉጽን ነጻ ሓሳባትካ ምግላጽን ብምባሩ ንኹሎም ስለዝመሰጦም ክሳብ ኣብ ጉዕዝኦም ዘጋጠምዎም ዝነበሩ ሽግራት እናዘከሩ ብምዝራቦም፡ ግን ከኣ ድማ ነዚ ግዳይትዚ ንኽኾኑ ዝደረኾም ኩነታት ዘኪሮም በርቲዖም ንኽቃለሱ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንምምጻእ ንምቅልጣፍ ግዲኦም ሓጋዚ ከምዝነበረ ብዙሓት ካብ መንእሰያት ይርድእዎ ከምዘይነበሩ ተዛሪቦሙሉ፡፡

ኣብ ክትዕ መንእሰያት ዝነበረ ሚዛን ብመንነትና ጸኒዕና፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሕን፡ ሰላምን፡ ዲሞክራስን ኣንጊስና ንሃገርና ምልማዕን፡ ምምዕባልን ክኸውን ኣሎዎ ዝብል ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣእምሮና ከነሕድሮ ከምዘሎና ዝብል ሓያል ጭርሖ ዝነበሮ ክትዕ ተኻይዱ፡፡ አኼባ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓትን ፈረቃን ምዉቅ ትምህርታዊ ሓዘል ክትዓትን ምርድዳእን ብዝኽሪ ሰማእታት ተዛዚሙ፡፡

Last modified on Wednesday, 18 November 2015 15:56