ኣኼባ ኣባላት ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
2015-11-20 18:23:17 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2252 timesኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤሪትራ ጨንፈር ደቡብ ጀርመን፣ ብሰሪ መእከቢ ቦታ ንዝጸንሐ ግዝያዊ ምትዕንቓፍ ሰጊሮም ስሩዕ ኣኼባ ጨንፈር ኣብዝሐለፈ ቀዳም ዕለት 14 ሕዳር 2015 ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት ኣካይዶም። ኣባላት ጨንፈር ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ብዕምቆት ድሕሪ ምዝርራብ፡ ተግባራዊ ናይ ስራሕ መደባት ሰሪዖም።
1. ሓፈሻዊ ገምጋም ጨንፈር፡
ህልዊ ኩነታት ጨንፈር ብግቡእ ድሕሪ ምግምጋም፡ ኣቐዲሙ ብኤለትሮኒካዊ መንገዲ ክካየድ ዝጸንሐ ርኽክባት ወይ ኣኼባታት፡ ኣብ ህጹጽ ኩነታት ሐበሬታታት ንምልውዋጥን መዘኻኸሪ መደባትን እንተዘይ ኮይኑ፡ ከምቲ ብኣካል ተራኺብካ ዝሳለጥ ኣኼባታት ኣድማዒ ስለዘይኮነ፡ኣብ መጻኣኢ ወርሐዊ ኣኼበኦም ብኣካል ተራኺቦም ከካይድዎ ወሲኖም።
2. ሓባራዊ ዕማማት፡
ኤርትራውያን ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንምትካልን ፍትሒ ንምንጋስን ናይ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ዜጋታት ሓባራዊ ጽምዶ ስለዝሐትት፡ነዚ ንምዕዋት ኣባላት ጨንፈር ምስ ኣብከባቢኦም ዝርከቡ ንፍትሒ ዝቃለሱ ብዝካኣል መጠን ጻዕርታቶም ከሐይሉ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።
ኣብ መጠረሽታ፡ ኣባላት ጨንፈር መርኣያ መደባቶም ኣብ ትግባረ ንምውዓል፡ ኣብቲ ኤርትራውያን ደለይት ፍትሒ ምስ ክፍሊ ባህሊ እምቢ ንምልኪ ብምውህሃድ ዝተዳልወ ባህላዊ ለይቲ፡ ኣብ ምድማቁ ተሳቲፎምን ምስ ዝተፈላለዩ ጉዱሳት ብምርኻብ እውን፤ ኣገዳሲ ዝርርብን ናይሓበረታ ምቅይያርን ምክያዶም ይፍለጥ።