ሓቂ (TRUTH)

2015-11-24 13:24:37 Written by  ሰለሙን ገብረእየሱስ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2389 times

እቲ ቀደም ህጻውንቲ ከለና እዛ ሓቂ አዝያ ክብርቲ እያ ኔራ። ጊዜ ቁልዕነት ሓቂ ዶ ይሕሸካ ወርቂ ተባሂልና እንክንሕተት ሓቂ ነበረት መልስና። አብ ገዛ ዝኾነ ጥፍአት እንክንፍጽም አቦታትና ቁልፊ አዴታትና ድማ ሞኾስ ሒዞም ቀዳመይቲ ሕቶ ዝሓቱና ዝነበሩ ሓቂ ተዛረብ ትብላ ቃል እያ ዝነበረት። ኩሉ ጊዜ ትደጋገም ዝነበረት አነ’ውን ዘይርስዓ ዘረባ አላ “ሓቂ መራር’ያ” ትብል። ከም ናተይ እምነት ሓቂ መራር ዝኾነትሉ ቀንዲ ምኽንያት አብዛ ዓለምና ሓሰውቲ ስለ ዝበዝሑ እዩ እምበር ከም ሓቂ ዝጥዕም ዋላ ሓንቲ ነገር እኳ የልቦን። እንተ ሓሶት ግና ልክዕ ከም ጋንግሪን እያ ሓንሳብ ብጽፍሪ እግርኻ እንድሕሪ ጀሚራትካ ብቕጽበት እያ ናብ ጸጉሪ ርእስኻ ትድይብ። ሽዕኡ መንፈስካ ብሓሶት ይውረር ከይተረዳአካ ንስብ ዘይኮነስ ንነብስኻ’ውን ክትሕስዋ ትጅምር።

ካብ ብሓሶት ትድብሰኒስ ብሓቂ እንተርዳእካኒ ይሕሸኒ ዝብል ምስላ ፈረንጂ አንቢበ። ነዛ ምስላ አዝየ ፈትየያ፤ ምኽንያቱ ሓሶት ንበሃሊአ ዘይኮነስ ንሰማዒአ’ውን መርዚ ስለዝኾነት ። አብ ነፍሲ ወከፍ ሓሶት ሚዛንካ፡ ሚዛን ቤተሰብካ፡ ሚዛን ፈተውትኻን ብጾትካን ተፉኩስ ከም ዘለኻ ክትፈልጥ አገዳሲ እዩ። ካብ ህንጡይነት ዝተላዕለ ዝናፈስ ዘይተረጋገጸ ወረታት አብ እዝንኻ ምስ ዝበጽሕ፤ ከምዚ ዝብል ዘይጥሉል ወረ ሰሚዔ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ካብኡ ሓሊፉ ተሪፉ ግና ነቲ ዝረኸብካዮ ቤላ ቤለው ወረ ከም ጭቡጥ ወሲድካ፤ ናትካ ቀመማት ሓዊስካ ይፈልጥ እየ ንኽትብል ሓሶት ወረ ምብታን ዋላ’ኳ ፋይል ቤት ፍርዲ እንተዘይኽፈተ፤ ርእሱ ዝኸአለ ገበን እዩ።

ከምቲ ተኽልንኪኤል ገብሩ (ወዲ ገብሩ) ዝበሎ ሓሳውን ቆርበትን እንዳሓደረ እዩ ዝፎኩስ። ንሓደ ሰብ ፍተዎ ጽልአዮ ሓሲኻ እንተሕመምካዮ፡ እንተሞትካዮ፡ እንተአጸለምካዮ፡ እንተኽፋእካዮ ጊዜያዊ እምበር እታ ሓቂ ዊዒላ ሓዲራ ምውጻአ አይተርፋን እዩ። ሓሳዊ ሰብ ኩሉ ጊዜ እኩባት ሓሰውቲ ከናዲ እዩ ዝውዕል፤ ምክንያቱ ንሓሶት ኣብ ዝኾነ ቦታን ጊዜን መሸጢ ዕዳጋ ስለዘይትረኽበላ። እግረ መንገድይ ነዞም ደለይቲ ፍትሒ ኢና፤ ንስለ ሓቅን ርትዕን ኢና ንቃለስ እንብል ሰባት ምሕጽንታ አሎኒ። ንምንታይ ኢና ስርዓት ኢሰያስ ሓሳዊ ወስላት መደናገሪ ስርዓት እዩ እንዳበልና ንባዕልና አብዘይተደልየ ሓሶትን ቤላ ቤለውን ጊዜና ነጥፍእ ዘለና። ብሓሶት ኢሰያስ ሰለስተ ጊዜ ተቐቲሉስ ተንሲኡ። ሃገርና ካብ ዓማጺ አሕዲግና ከነማሓድር ዘይከአልናስ፤ ነዛ ዓለምና ካብ ክርስቶስ መንጢልና ከነመሓድራን ዕምሪ ደቂ ሰባት ክንውስንን ንመጣጠር ዘለና ኮይኑ ይስመዓኒ። እንድሕር አብ ውሽጢ ዓዲ ከምቲ ዝድለ ውዳበ ዘይገበርና ኮይና ውዳቤና ከነሓይል ጭቡጥ ሓበሬታ ንረኽበሉ ባይታ ክንፈጥር እምበር፤ ብዘይ መርትዖ ዘይተረጋገጸ ወረ ምዝርጋሕ እንታይ ፋይዳ ይርከቦ እንትርፎ ፉኽሰትን ሓሳርን። ንምንታይ ኢና እቲ ዝዓበየ ፍልጥት ካብ ዘይምፍላጥ ከም ዝብገስ እንርስዖ።

ግደፎ ኢሰያስ ሞይቱ ዝብል ስብራ ወረ ዘርጊሕካ፤ ብዓብይኡ ንኢሰያስ ቀቲልካዮ እንድሕር መጺኻ እውን አገናዕ ዝብል ደምበ ተቓውሞ አይኮነን እኮ ዘለና። እዚ ዘለናዮ ደምበ ተቓውሞ ንኢሰያስ ቀቲልካዮ ምስ እትመጾም ከማን፤ ብኢዱ ክንሕዞ ምስ ቀረብና ኮነ ኢልካ ኢኻ ቀቲልካዮ ኢሎም እውን ክሳላበጡ ዝኽእሉ አፈ ጮለታት ዝመልእዎ ደምበ እዩ። ስለዚ ህድእ ኢልና አስተውዒልና ምኻድ ከድልየና እዩ። እንተዘየሎ አንባቢ ዘይብሉ ኩልና ኤርትራውያን ጸሓፍቲ፤ ሰማዒ ዘይብሉ ኩላትና ተዛረብቲ ንኸውን አለና። ነቲ ንሕንጥጦ ጹሑፋት ቅድሚ ናብ ህዝቢ ምዝርጋሕና ንነብስና ክልተ ሰለስተ ጊዜ ደጋጊምና እንተነንብቦ ክንደይ ሰናይ ምኾነ ኔሩ። እንተዘየልቦ መን’ዩ ጋዜጠኛ አየናይ’ዩ ጸሓፊ እንታዋ’ዩ ተንታኒ ፖለቲካን ቃልስን እኮ ንምፍላጡ ሓርቢቱና። ክሽነ፡ ሳሎንን መደቀሲ ክፍልን መደበር ቴሌቪዥን ኮይነን፤ ምንም ክንዲ ፍረ ጣፍ ትኸውን ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ውልቀ ሰባት ተንተንቲ ፖለቲካ ተቐይሮም ንውድባትን ውልቀሰባትን ከናሽው ዓንገረር ክብሉ አእዛንና ጸሚምና። እዚ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዓለምና አክንዲ ብጉቡእ እንጥቀመሉ እንዳ ስዋ ቀይርናዮ።

አብዛ ሓጻር ጊዜ ጥራይ ኢሰያስ አብ ጀርመን ባደን ባደን ይሕከም አሎ፤ አብ ኮማ አትዩ፤ አእምሮኡ ስሒቱ፤ ፊሊጶስ ብሕማም ምኽንያት ኢሰያስ ካብ ስልጣን ከምዝተአለየ መግለጺ ሂቡ ንግዚኡ ሃገር ይመርሕ አሎ፤ ብወዲ ካሳ፡ ማንኪ፡ ክሻን ፊሊጶስን እትምራሕ ሽማግለ ቆይማ ንስልጣን ኢሰያስ ተረኪባቶ አላ፤ መስፍን ሓጎስ ሃገር ከመሓድር ተጸዊዑ፤ እዞም ሰብ ጽገና ገዲፎምና ክኸዱ ምሽብሻባት ይገብሩ አለው፤ ጀነራላት ነንሓድሕዶም ዒሉ መጥረጢኻ ሓሉ ዝዓይነቱ ነብሰ ሓለዋ ይገብሩ አለው፤ አብዚ ጠጠው ከብሎ እምበር ክንደይ ኢልካ ክውዳእ ሓሶት ሎም ዘመን ይሰውረና እዩ ዘብል። ሕጂ’ውን ይውዓል ይሕደር ኢሰያስ ምኻዱ አይተርፎን እዩ። መን ምስ ነበረ እሞ ንሱ ንዘንተ እለት ክነብር። ዓሰርተ ጊዜ ኣብ ሃገርና ንህግደፍ ካብ ሱር መሰረቱ ዝሕግሕግ ሱር በተኽ ለውጢ እዩ ዘድልየና ዘሎ ኢልና ካብ ዘይዓቕምና ቱልቱላ ንነፍሕ፤ ንሕና ንነብስና ካብ ሓሶትን ሰክታርያን ፖለቲካን ካልኦት ጎዳእቲ ባህርያትን ነጻ ዘውጽእ ሱር በተኽ ለውጢ እንተንጋብዛ ዶ አይምሓሸን። ሽዑ አፍና መሊእና ደረት አፍ ልብና ነፊሕና ናይ ፍትሒ ናይ ሰላም ናይ ዲሞክራስን ናይ ሓቅን ተቓለስቲ ኢና እንብል።

ሕጂ’ውን ዝዕወት እቲ ሓቀኛ ቃልሲ ጥራይ’ዩ !!!

ሰለሙን ገብረእየሱስ

ኦክላንድ ካሊፎርንያ    

Last modified on Tuesday, 24 November 2015 14:26