ተበግሶ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ

2015-11-23 08:17:24 Written by  ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2051 times

Colorado 1

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ መላእ ዓለም፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዘውርዶ ዘሎ ግፍዒን ኢ-ሰብኣዊ ግህሰትን ንምቅላዕን ንምኹናንን፡ ሰፊሕ ብሰላማዊ ሰልፊን ንዝምልከቶ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ጥርዓን ብምቕራብን ብዓውታን ብጥምረትን ይንቀሳቐስሉ ኣለዉ።

ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ከም ኣካል ናይ`ቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝነጥፍ ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡-

  1. ምስ መርማሪት ኮሚሽን እትደጋገፍ ሓይሊ ዕማም ንምቛም፣

  2. ህዝቢ፡ ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይ`ዚ ኩሉ ሕሰመ-መከራ ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ብህዝባዊ ቃልሲ ንምልጋስ ብሓባርን ጥምረትን ዋና ኮይኑ ዝዕጠቐሉ ናይ ቃልሲ መርሖ ንምስልሳል፣

ንሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ይጽውዕ።

ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ነባሮ ኮሎራዶ፡ ኣብ`ዚ ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ`ዚ ክሳተፉ ብኽብሪ እናጸዋዕና፡ ኩለን ከተማታት/ስተይትስ ሰሜን ኣሜሪካ ተመሳሳሊ ተበግሶ ክወስዳን፡ ነታ ብዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ክትቀዉም ዘለዋ ሓይሊ ዕማም  ከነቑማን ውዓል ሕዳር ዘይባሃሎ ውራይ ጌርና ክንወስዶ ነማሕጽን።

ዕለት ኣኼባሕዳር (November) 29, 2015

ቦታ፡ ኣብ ኣዳራሽ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ኮሎራዶ

ሰዓት፡ 4 ድሕሪ ቀትሪ።

ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ

Last modified on Monday, 23 November 2015 09:21