ንኩነታት ቀዲምናን ሓቅታት ጓሲናን ፍርዲ ኣይንሃብ

2015-11-19 11:29:42 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2156 times

ንኩነታት ተቐዳዲምካ ምምዛንን ቅድመ-ፍርዲ ምሃብን ዝኸፈአን ዓንቃፍን እዩ። ብፍላይ ከኣ ካብ ናትካ መዐቀንን ግንዛበን ጥራይ ምምርኳስ ኣዝዩ ጎዳኢ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ንኩነታት ኣብ ክንዲ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ መርትዖታት ቀሪብካ ገምጋም ምሃብ ብባዕላውን ውልቃውን ሚዛናት ምሃብ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ከኣ ነቲ እወንታውን ኣሉታውን ደዋዊስካ፡ ነቲ ናይ ሎሚ ምዕባለ ብናይ ትማሊ ብምዕቃን ሚዛን ትህቦ እሞ ናብ ቅኑዕ ዲዩ ወይ ናብ ግጉይ ፍርዲ ከብጸሓካ ኣብ ዘይትርደኣሉ ደረጃ ትበጽሕ። ስለዚ ንኩነታት ቀዲምና ወይ ንሓቂ ጓሲና ብታህዋኽ እንህቦ ፍርዲ ይኹን ሚዛን ሃስያ ክህልዎ ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ።

 

ብዛዕባ ኩነታት ኣቐዲምና ክንዛረብን ነቲ ኩነታት ከምድላይና ገርና ክንገልጾ ከሎናን ኣብቲ ዝመጽእ ኩነታት እንታይ ኣሎ እንታይከ ክህሉ ይኽእል ኢልና ክነመዛዝን ናይ ግድን ይኸውን። ከምኡ እውን ኣብ ከባቢና ነቲ ናትና ዝመሳሰል ይኹን ሓዲሽ ነገር እንተልዩ ኣቐዲምና ክንመሚ ድማ ከድልየና እዩ። ምኽንያቱ ምስቲ ኣብ ከባቢና ዘሎን ሓዲሽ ምዕባለን ካብቲ ከባቢና ወጻኢ ዝተራእየ እንተሎን ኣመዛዚና ነቲ ዘሎ ወይ ክመጽእ ይኽእል እዩ ዝበሃል ሚዛናት ወይ ፍርዲ ክንህብ ብዙሕ ዘጸግም ኣይከውንን።

 

እቲ እንህቦ ሚዛናት ይኹን ገምጋም ሃናጺ ወይ ኣዕናዊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሃናጺ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሃናጺ ዝኾነ ሓሳባትን ጠቓምን ሓጋዝን ዝኾነ መደብ ምስ ዝህልው እዩ። ኣብ ዓለምና ብዙሓት ሽግራት ከጋጥሙ እንከለዉ መብዛሕትኡ እዋን በቲ ኣብ መጀመርታ ዝረአ ውልቃዊ ስምዒት እዩ ዝጥመት ወይ ዝግምገም። ኣብ ከምዚ እዋን ነቲ ኣብ ኣእምሮና ንቐርጾ ስእሊ ናይቲ ክነቕርቦ እንደልዮ ፍታሕ ኣብ ክሊ ከባቢና ተሓጺሩ እዩ ዝውሰን። እዚ ከኣ ዓይንና ኣብ ክንዲ እንተላይ ንዝረሓቐ ምጥማት በቲ ኣብ ጥቓና ንዘሎ ጉዳያት ጥራሕ ንኽነድህብ ንውሰን ወይ ተሓጺርና ንተርፍ። ስለዚ ውልቃዊ ህይወትና ድሒሩ ምስቲ ዝሰፍሐ ማሕበራዊ ኩነታት ምትእስሳሩ ዘይተርፍ ስለዝኾነ ካብቲ ዘሎና ስምዒትን ተረድኦን ነቒልና ክንትንትን ከሎና ንዝሰፍሐ ኩነታት ኣብ ምግላጽ ንጽገም።

 

ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሽግራት ኩሉ ግዜ ባህርያዊ ኣይኮነን። ማለት ኣብ ምዕባለ ብማሕበራዊ ዝተሃንጸ ወይ ዝተመስረተ እዩ። ንሱ ድማ ነቲ ኪኖ ጽባሕ ክመጽእ ብዛዕባ ዝኽእል ለውጢ ዝምልከት፡ ቄናን ፍርዲ ንህብ እሞ ኣብ ንስምዒትና ዝገዝኡ ነጥብታት ጥራይ ብምድሃብ ነቲ ክኸውን ዝግበኦ እወንታዊ ጉዳያት ንዝንግዖ። ስለዚ ውልቃዊ ድሌታትናን ስምዒታትናን ምስቲ ዝሰፍሐ ማሕበራዊ ምትእስሳርን ነዚ ዝሕግዝ ቅኑዕ ቅርጻን ክወሃሃድ ስለዘይክእል ኣብ ምናልባታት ኣቲና ነቲ ሰናይ ገዲፍና ናብቲ ኣሉታዊ ገጹ ጥራሕ ክንሓስብ ንደፋፋእ። ስለዚ ካብዚ ኣካይዳዚ ክንወጽእ ይግበኣና። ካብዚ ክንወጽእ እንተዘይክኢልና ግና ምዕቡል ኣተሓሳስባን እወንታዊ ውጽኢትን ክንስእን እዩ ዘገድደና።

 

ብመሰረቱ ኣብ ባዕላዊ ዝኾነ ባህጊ ወይ ግምት እንህቦ ሚዛን ናብቲ ጭብጣዊ ዝኾነ ነገራት ወይ ጉዳያት ዝመርኰስ ዘይኮነስ ኣብ ክንድኡ ካብ ናትካ እምነት፡ ርእይቶን ወይ እውን ውልቃዊ ምርጫኻ ተላዒልካ እትወስዶ ምርጫ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ውልቃዊ ትዕዝብቲ ዘይፍለ ብምዃኑ ቅኑዕ እዩ ወይ ግጉይ እዩ ኢልካ መደምደምታ ክትህበሉ ዘይከኣል እዩ። ብኣንጻሩ እቲ ወድዓዊ ዝኾነ ግና ኣብ ባዕላዊ ስምዒት ጥራይ ዘይሕጸር ሚዛን ኮይኑ፡ መግለጺ ናይቲ ጭቡጥ ዝኾነ ጉዳይ ወይ ቅኑዕ ወይ ጌጋ እዩ ናብ ከብለካ ዝኽእል መረጋገጽን መርትዖታትን ዝውከስ ብምዃኑ እቲ ኣተሓሕዛ ቅኑዕ እዩ ወይ ኣይኮነን ንኽትብል የኽእለካ።

 

 

ኩሉ ግዜ ካብናይ ገዛእ ነፍስና ተመኲሮ ጥራይ ምስ እንነቅል፡ ንኩሉ ኩርነዓት ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ጭብጣዊ መረጋገጺ ክተቕርብ ስለዘይትኽእል ናይቲ ዘንቀድካዮን ዝሓሰብካዮን ውጽኢት እዚ እዩ ውጽኢቱ ኢልካ መደምደምታ ክትህበሉ ዘይከኣል እዩ። ስለዚ ንኩነታት ቀዲምናዮ ባዕላዊን ኣብ መጽናዕቲ ዘይተመርኰሰ ፍርዲ ክንፈርድ ምስ እንጅምር ምናልባት ውጽኢቱ ከምቲ ዝተጸበናዮን ዝመዘንናዮን ዘይከኸውን ስለ ዝኽእል ነቲ ንጽበዮ ውጽኢት ኣቐዲምና ብኣሉታዊ ትንቢት ክንቅድሞ የብልናን።

 

ንኩነታት ቀዲምና ክንትንትን እንተ ኮይና፡ መርትዖታት ዝተሰነየ ምስ ዝኸውን ከምኡ እውን ካብ ኣሉታዊ ሚዛናት ዝያዳ ንእወንታዊ ትጽቢት ዘንጸባርቕ ክኸውን ድማ ዝሓሸ እዩ። ምኽንያቱ ብዝሓለፈ ኣሉታዊ ተመኩሮ ጥራሕ ተመርኲስካ ንመጻኢ ብኣሉታ ምግምጋሙ ነቲ ጸጽቡቑ ጸቒጥካ ከም ምሕላፍ እዩ ዘስምዕ። እቲ ካብ ሕጂ ክንከዶ ዝግበኣና መስርሕ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ተማሂርካ፡ ኩለን ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ውልቀሰባትን ብዝሓወሰ ናይ ዘተ መኣዲ ዝግበር እውን ዝዓበየ መጽናዕቲ ዘድልዮ እዩ ክኸውን። ኣብ ከምዚ ህሞት ዝካየድ ምይይጥ ወይ ዘተ እቶም ዘሰማምዑን ዝፈላልዩን ነጥብታት ብምትንታን ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ክብጻሕ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

 

እንተ ቅድሚ ሎሚ ተፈቲኑ እንዲዩ እሞ ነቲ ዝተፈተነ ገዲፍካ ካልእ ሃሰውሰው ምባል እንታይ ኣድለየ ዝብል ሕቶታት ክለዓል ናይ ግድን እዩ። እቲ ቅድሚ ሎሚ ዝተኻየደ ፈተነታት ብሃታሃታ እምበር ብመጽናዕትን ተመኲሮኣዊ ዳህሳስን ዝተሰነየ ኣይነበረን። ከከይተበገሰ ኣብ ክኹለፍ ዝጸነሓሉ ምኽንያት ከኣ እዚ ስንኩፍ ኣበጋግሳኡ እዩ። ንብሕጂ እውን እቲ ቅኑዕ መንገዲ፡ ንጉዳያት ግዜ ሂብካ፡ ንኩሉ ኩርነዓት ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ጉዳይና ጉዳይ ብዙሓት ምዃኑ ተቐቢልካ ብዝካየድ መጽናዕቲ እምበር፡ መጽናዕትን ወኸሳን ዘይብሉ ብህዉኽ ኣካይዳ ምኻድ ኣብ ቅኑዕ ባይታ ኣየርግጸናን እዩ።

 

ድራር መንታይ

Last modified on Thursday, 19 November 2015 12:34