ጉጅለ ሃገራት ኣዕሩኽ ሱዳን ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ጀርመናዊ ዲፕሎማት ቮልከር ፐርዘስ ኣብ ሱዳን ንክቕጽሉ ዘለወን ደገፍ ገሊጸን። እዚ ደገፍ ናይቲ ጉጅለ ዝተገልጸ፡ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃን እቶም ዲፕሎማት ንክወጹን ሕብረት ኣፍሪቃ ኢትዮጵያን ዝተፈላለያ ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን   ከይተሓባበርዎምን ዘቕረብዎ መጸዋዕታ ተኸቲሉ እዩ።

ኣባላት ናይቲ ንሱዳን  ናብ ሕገመንግስታዊ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ኣብ ምስግጋር ክተሓጋገዝ፡  ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቖመ ጉጅለ ኣዕሩኽ ሱዳን፡ ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ጃፓን፡ ኔዘርላንድስ፡ ሳዑዲ ዓረቢያ፡ ስፐይን፡ ሽወደን፡ ስዊዘርላንድ፡ ዓባይ ብሪታንያ፡ ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን እዮም።

ጀነራል ኣልቡርሃን ነቲ ናይ ተቓውሞ መግለጺ ዘውጽኡ፡ እቶም ፍሉይ ልኡኻ ኣብ ሱዳን ንክቕጽሉ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኣናወሓሎም እዮም። ድሕሪ መግለጺ ጀነራል ኣልቡርሃን  ናይ ጀርመን ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር  ደኒስ ኩመታት ብስም ሃገሮምን ብስም እቲ ጉጅለ ኣዕሩኽ ሱዳንን፡ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ መግለጺ ጀነራል ኣልቡርሃን ምሉእ ብምሉእ ክኹነን ዝግበኦ እዩ ኢለምዎ።

እቶም ጀርመናዊ ወሃቢ ቃል ከም ዝበልዎ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን፡ እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ውግእ ክቋረጽ፡ ንምክልኻል ሲቪል ዜጋታትን ጽጉማት ሰብኣዊ ሓገዝ ንክረኽቡን ብዘይዕረፍቲ ክሰርሑ ከም ዝጸንሑ መስኪሮም። ኣተሓሒዞም ድማ እቶም ጀርመናዊ ዲፕሎማት ኣብ ሱዳን ኮይኖም ምስራሕ እንተጸጊምዎም፡ ኣብቲ ኣብ ናይሮቢ ዝኸፈትዎ ቤት ጽሕፈት ኮይኖም ተልእኮኦም ከም ዝቕጽሉ ሓቢሮም።

ፈረንሳን ኣሜሪካን ብወገነን፡ ምስቲ ናይ ጀርመን ዝመሳሰል፡ ንቀጻልነት ናይቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ሱዳን ዝድግፍ መግለጺ ኣውጺኦም። ብፍላይ ኣሜሪካ ብ27 ጉንበት 2023 ኣብቶም ጀርመናዊ ፍሉይ ልኡኽ ዘለዋ ዕበት ገሊጻ ምንባራ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዚቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ10ን 11ን ሰነ 2023፡ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ክልተ መዓልታት ሰሚናር፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ሓምለ 2023 ዝካየድ 4ይ ጉባአ ሰልፎም ንምዕዋት ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋግጾም። አብ መኽፈቲ እዚ ሰሚናር ቃል ዘስመዐ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ “ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝነበረ ኣጸጋሚ ግዜ ኮቪድ-19ን ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታትን ሰጊርና ኣብ ድሮ 4ይ ጉባአ ሰልፊ ምብጻሕና ዘሕብን እዩ” ኢሉ። ኣተሓሒዙ  ቅድሚ ሓደ ዓመት ብማእከላይ ባይቶ ተመዚዘን ክሰርሓ ንዝጸንሓ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባኤን ሓጻይት ሽማግለን  ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ቀጺሉ፤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መደባቱ ኣብ ምዕዋትን ናይ ኤርትራዊ  ውዳበታት ሓባራዊ መቃለሲ መድረኽ ኣብ ምፍጣር ከካይዶ ዝጸንሐ ጻዕሪን መግለጺ ኣቕሪቡ። ከምኡ ድማ ኣብ ከባቢና ዘሎ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ምዕባለን ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ዘሕድሮ ተጾኖን ጠቒሱ።

ሓውቲ ኣድያም ተፈራ ኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብወገና ናይቲ ሰሚናር ኣጀንዳን መስርሕን ምስ ኣፋለጠት ናይታ ሽማግለ ናይ ሓደ ዓመት ጉዕዙ ከመይ ከም ዝነበረን ኣባላት ሰልፊ ንምዕዋት 4ይ ጉባኤ ዘርኣይዎ ምትሕብባርን ጻዕርታቶምን ድሕሪ ምድህሳስ፡ ብስም ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንመላእ ኣባላት ሰልፍን ተሓባበርትን ኣመስጊና። መራሕቲ ንኡሳን ክፍልታት ናይ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብወገኖም፡ ኣብተን ዝመርሕወን ክፍልታት ክካየድ ዝጸንሐ ስረሓት ብዝምልከት ሓጸርቲ ጸብጻባት ኣቕሪቦም።

ናይዚ ሰሚናር ቀንዲ ኣጀንዳታት፡ ናብ 4ይ ጉባአ ቀሪቡ ናይ ዝጸድቕ ንድፊ ቅዋምን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን  ከምኡውን ስረሓት ሓጻይት ሽማግለን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ምድህሳስ ነይሩ። በዚ መሰረት ኣደ መንበር ሓጻይት ሽማግለ ሓውቲ ኣስገደት ምሕረተኣብ፡ ሓጻይት ሽማግለ ዘካየደቶን ተካይዶ ዘላን ንጥፈታትን ኣብ ምንታይ ደረጃ በጺሑ ምህላዉን ብዝርዝር ኣረዲኣ። ካብቶም ናብ ጉባአ ቀሪቦም ንክምረጹ ብኣባላት ተሓጽዮም ዘለዉ  ድማ፡ ክማልእዎ ዝድለ ዕማም ኣመልኪታ መብርሂ ሂባ፡ ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ሕቶታት ድማ መሊሳ።

ተሳተፍቲ ሰሚናር ኣብዚ ናይ ክልተ መዓልታት፡ ሰሚናር ብኣቦመንበርነት ሓላፊ ንኡስ ሽማግለ ምስንዳእ ንድፊ ሰነዳት ሓው ደስበለ ካሕሳይ እናተመርሑ፡ ካብቲ ንድፊ ክበርሃሎም ብዛዕባ ዝደልይዎም ሓሳባት በብዓንቀጹ ብዕምቆት ተመያይጦም። ኣድላይ ኣብ ዝበልዎ ድማ መተካእታ ሓሳባት ኣቕሪቦም። ኣብቲ ጉባአ ብፍሉይ ክረኣዩ ዝበልዎም ነጥብታት እውን ኣነጺሮም። በዚ ድማ ክልቲኡ ሰነዳት ኣብቲ ጉባአ ቀሪቡ ንክጸድቕ ተጻፊፉ። ተሳተፍቲ ኣብ መዛዘሚ ሰሚናር ናብቲ ጉባአ ክቐርቡ ዝበልዎም ተወሰኽቲ ለበዋታት ኣቕሪቦም።

ኣብ መስርሕ ምስንዳእ ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ፡ ኣብ ርእስቲ ብጨናፍር ክካየድ ዝጸንሐ ክትዓትን ምእካብ ኣገደስቲ ሓሳባትን፡ ብተመሳሳሊ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰሚናራት ክካየድ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኮመንዌልዝን ዕቤትን/ Commonwealth & Development፡ ብ8 ሰነ 2023 ኣብ ኤርትራ ናብ ዝነብሩ ዜጋታት ዓብይ ብሪታንያ ናይ መሬት ጉዕዞ ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ። ኣብዚ መጠንቀቕታኡ፡ እንግሊዛውያን ኣብ ከባቢ 25 ኪሎሜተር ምስ ኤርትራ ካብ ዘራኽቡ ዶባት ኢትዮጵያን ጅቡትን ጥቡቕ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ። ኣብዚ መጠንቀቕታኡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያን ጅቡትን ብምድሪ ዘራኽባ ዶባታ ከም ዝዓጸወትን ምስ ሱዳንን ግና ክፉት ከምዘሎ ሓቢሩ።  (ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ 1,050፡ ምስ ሱዳን 686፡ ምስ ጅቡቲ ድማ 110 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ናይ መሬት ዶባት ኣለዋ።)

እቲ መጠንቀቕታ ኣተሓሒዙ ናብ ኤርትራ ዝጐዓዙ ዜጋታት ዓባይ ብሪታንያ፡ ነቲ ናብ ኤርትራ ንምእታው ዘድሊ ቅድመ-ኩነታት ትኹረት ክገብርሉ፡ ኩነታት ብቕልጡፍ  ክቕየር ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ከእትዉን ምስቲ ጉዕዞ ዝሰርዓሎም ኣካል ቀጻሊ ርክባት ንክህልዎምን ኣዘኻኺሩ። ናብ ኤርትራ ኣብ ዝግበር መገሻ ዝያዳ ካልእ ግዜ ናይ ኢንሹራንስ ውሕስነት ምሓዝ ከም ዘድሊ እውን ጠቒሱ።

እቲ ናይ ኮመንዌልዝ መግለጺ፡ ምስቲ መጠንቀቕታ ኣተሓሒዙ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ዘካየዶ ውግእ ብምትሕሓዝ ብ14 መስከረም 2022፡ ወተሃደራዊ ተመኩሮ ናብ ዘለዎም  ኤርትራውያን  ዘቕነዐ ሃገራዊ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ። እቲ ክተት ኣብዚ እዋንዚ ድሕሪ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ብስምምዕ ጠጠው ምባሉ እውን ቀጻሊ ኣሎ ኢሉ። እዚ ድማ ኣብ ከባቢ ኣስመራን ካልእ ከባብታት ኤርትራን ክውሰድ ዝድለ ጸጥታዊ ስጉምቲ ከይህሉ ዘመልክት እዩ ኢሉ።

በዚ መሰረት ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ እንግሊዛውያን ናይ ጸጥታ ኣካላት ካብ ዝርከብሉ ከባቢ ክርሕቁ ከምዘየብሎም ኣገንዚቡ። ኩሎም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ወጻእተኛታት፡ እንተላይ ዲፕሎማት ካብ ኣስመራ ንምውጻእ ኣቐዲሞም ኣመልኪቶም ክጸንሑ ከኣ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቆንስላዊ ኣገልግሎት ኣዝዩ ውሱን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ኤርትራ ምስ መጥቃዕቲ፡ ሞትን ማእሰርትን ዝኣመሰሉ ዝተኣሳሰር ህጹጽ ሓገዝ ንምርካብ ኣብ ኣስመራ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ብሪታንያ ብህጹጽ ከፍልጡ ከም ዝግበኦም ኣድራሻ ብምጥቃስ ኣጠንቂቕዎም።

ኣባላት ምቁጽጻርን ምጽራይን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መቐለ ብወግዒ ሓላፍነት ኣብ ዝተረከብሉ።

 ሕብረት ኣፍሪቃ መስርሕ ምቁራጽ ተኹሲ ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ ክቆጻጸርን ከጻርን ናይ ዝመዘዞ ወተሃደራዊ ኮሚተ ዕድመ፡ ክሳብ መጻኢ ወርሒ ታሕሳስ 2023 ከም ዘናወሒ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣድላይነት ናይዚ ምቁጽጻርን ምጽራይን ኮሚተ፡ ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዪጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተኸተመ ስምምዕ ቀጻሊ ምቁራጽ ተኹሲ ኣገዳሲ ቦታ ዝሕዝ እዩ። ኣብቲ ስምምዕ ኣብ ዓንቀጽ 11 ዕድመ ናይቲ ወተሃደራዊ ተቖጻጻርን መጻረይን ኮሚተ 6 ኣዋርሕ ዝብልኳ እንተኾነ ከም ኣድላይነቱ ንክናዋሕ ዝፈቅድ እዩ።

እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመዘ ወተሃደራዊ ኮሚተ፡ ብኬንያዊ መጀር ጀነራል ስቴፈን ራዲና ዝምራሕ ኮይኑ፡ ኣባላቱ  ኮለኔል ሩፋይ ኡማር ማሪንጋ ካብ ናጀሪያን ኮሎኔል ተፎ ሰኮለ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃን እዮም። እዚ ኮሚተ ብ29 ታሕሳስ 2022 እዩ ብወግዒ ኣብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ተመስሪቱ።

እዚ ናይ ምቁጽጽጻር ኮሚተ ካብ ዝምስረት ክልተ ግዜ ብዛዕባ መስርሕ ኣተገባብራ ውዕል ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ትግራይ ነቲ ዝመዘዞ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃን ተወከልቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን መግለጺ ሂቡ። ኣብቲ ዝሃቦ ካለኣይ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ምርካብ ከቢድ ብረትን ጉዳይ ማእከላይን ናእሽቱን ኣጽዋርን ኣብ መስርሕ ከም ዘሎን ጠቒሱ፡ ከም ጥዕና፡ ምኽፋት ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ባንክን ህዝባዊ መጐዓዝያን ዝኣመሰሉን ኣገልግሎታት ድማ ከም ዝተጀመረ ገሊጹ። በዚ መሰረት ኣብቲ ናይ 19 ጉንበት 2023 መግለጺ መጀር ጀነራል ስቴፈን ራዲና መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ ካብ 85 ክሳብ 90 ካብ ሚእቲ ከም ዝተተግበረ ገሊጾም።

 ብመሰረት ጸብጻብ ናይቲ ኮሚተ፡ ብመንጽርቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተበጽሓ ናይ ኣተገባብራ ስምምዕ ብዘይካ ምፍታሕ ዕጥቂ፡ ዕጡቓት ኣምሓራን ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘይኮኑ ዕጡቓትን ካብ ትግራይ ክወጹ ዝተባህለ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሰሜንን ሰሜናዊ ምብራቕን ትግራይ፡ ከምኡ እውን ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ ምዕራብ ትግራይ ከምዘይወጹ ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

ካብ ማሕበራዊ መድያ ዝተወስደ ምስሊ

ኤርትራውያ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሓምለ 2023፡ ኣብ ኣዳራሽ ኢቨንት ፕላዛ/EVENT PLAZA ከካይድዊ ዝመደብዎ ኣኼባታት ክቕጽል ከምዘይደልያ፡ ከንቲባ ከተማ ራይስዊክ  ሃገረ ሆላንድ ሁሪ ሳሂን ምግላጸን፡ ምንጭታታ ብምጥቃስ ዜና ደሃይ/DEHAI NEWS ኣፍሊጣ። እተን ከንቲባ እቲ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባታት ክካየድ ዘይፈቕዳ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ደገፍቲ መንግስት ህግደፍን ተቓወምትን ብዝተራእየ እሞ ብዓወት ተቓወምቲ ዝተደምደመ ምትሕንናቕ ብምስትውዓል እየን።

ናይተን ከንቲባ ወሃቢ ቃል ብወገኑ ነቲ ኣብ ሆላንድ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ምትሕንናቕ ንምግታእ ኣኼባ ብምስራዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ በተደጋጋሚ ዕግርግር ዝፍጠረሉ ኣዳራሽ ኢቨንት ፕላዛ/EVENT PLAZA ክሳብ ምዕጻው ምኻድ ከም ዘድሊ ጠቒሶም። ካብዚ ሓሊፉ ቤት ጽሕፈት  ከንቲባ እታ ከተማ ንምቁጽጻር ምእንቲ ክትዕሞ፡ ነቲ ኣዳራሽ ክውንኖ ከም ዝደሊ እውን ብተወሳኺ ኣስፊሩ። ወዲ 83 ዓመት ዋና እቲ ኣዳራሽ ግና እቲ 27 ዓመታት ክግልገለሉ ዝጸንሐ ኣዳራሽ ካብ ኢዱ ክወጽእ ከምዘይደሊ ኣፍሊጡ።

ኣብ 28 ጉንበት 2023 መበል 32 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ምዕራብ ሆላንድ ኣብ እትርከብ ከተማ ራይስዊክ፡ ዘዳለዎ መደብ ንምብታን ኤርትራውያን ተቓወምቲ ብዘርኣይዎ መኸተ ዕግርግር ምስ ሓየለ፡ ፖሊስ ናይታ ሃገር ሄሊኮፕተር  ክሳብ ምጥቃም በጺሑ ከም ዝነበረ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ኤምባሲ ኤርትራ እቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ዝተዳለወሉ ኣኼባ ብውሳነ ከንቲባ እታ ከተማ ምስተሰረዘ፡ ካልእ ምርጫ ክረክብኳ ላዕልን ታሕትን እንተበለ፡ ሓንሳብ “ሓደገኛ እዩ” ተባሂሉ ስለ ዝተሰረዘ፡  ምምሕዳርን ፖሊስን ናይታ ከተማ ዝኾነይኹ ክገብሩ ኣይፈቐድሎምን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን  ኤምባሲ ኤርትራ ኣብዛ ከተማ ኣብ ተመሳሳሊ ኣዳራሽ ዝመደቦ ኣኼባ ከም ዝፈሸለ ዝዝከር እዩ። እዚ ኩነታት እምበኣር፡ መርኣያ ተዓዋትነት ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ እዩ።

ብ ኤርትራን ትግራይን ብ4 ሰነ 2023 ከባቢ ሰዓት ሸውዓተን ርብዕን ናይ ንግሆ፡ ትሑት ዝዓቕሙ ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ፡ ነዚ ዝከታተል ዓለም ለኻዊ ትካል ኣፍሊጡ። ናይቲ ምቅጥቃጥ መሬት ዓቕሚ 4.7 ሬክተር ስኬል ኮይኑ፡ ዘጋጠመሉ ቦታ ድማ ካብ ከተማ ኣስመራ ንወገን ደቡባዊ ምብቕራ 136 ኪሎሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ እዩ። እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ዕምቆቱ 10 ኪሎሜተር ጥራይ ምንባሩን ከምዚ ዓይነት ዕምቆት ዘለዎ ምንቅጥቃጥ መሬት እምብዛ ሓደገኛ ዘይምዃኑ ተሓቢሩ።

በቲ ሓበሬታ መሰረት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብቲ እቲ ምንቅጥቃጥ ዝነቕለሉ ማእከላይ ቦታ ዝበሃል፡  ነፍሲ ወከፈን 300 ኪሎ ሜተር እየን ዝርሕቃ። ካብ ክልቴን ሃገራት ናብዚ ማእከል ዝቐረበት ንወገን ምብራቓዊ ሰሜን 55 ኪሎሜተር ዝርሕቀታ ከተማ ዓዲ ግራት ምዃና ተሓቢሩ። ብተመሳሳሊ ካብዚ ማእከል ናይቲ ምንቅጥቃጥ ዝበሃል ቦታ፡ መንደፈራ 122፡ መቐለ 124 ከረን 207፡ ኣክሱም 134፡ ከምኡ ድማ ምጽዋዕ 127 ኪሎ ሜተር ርሒቐን ይርከባ። ብዛዕባዚ ምንቅጥቃጥ ተሰሚዕዎም ናብ ዝምልከቶ ኣካል ጸብጻብ ዘቕረቡ ክልተ ሰባት ኮይኖም፡ ንሳቶም ድማ ካብ ከተማ መቐለ ምዃኖም ተፈሊጡ።

ድሕሪ ከምዚ ዝኣመሰለ ትሑት ሓይሊ ዘለዎ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝሓየለ ከም ዝኽተል ዝግመት እዩ። እንተኾነ  ንከምዚ ኣብ ከባቢ ኤርትራን ትግራይ ዘጋጠመ ተኸቲሉ ዝሓየለ ናይ ምምጻእ ዕድሉ 94% ዘሰክፍ ከምዘይኮነ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ ከባቢ ኤርትራን ትግራይን ካብ 9 ጥሪ 2023 ኣትሒዙ ከጋጥም ካብ ዝጸንሐ ምንቅጥቃጥ መሬት እዚ ናይ 4 ሰነ 2023 ዝሓየለ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ከኣ ኣብዚ ከባቢና  ሸውዓተ 4.7ን ካብኡ ንላዕልን ዝሓይሎም ምንቅጥቃጣት መሬት ተመዝጊቦም።

ኮሚስዮን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ካብቶም ግዳያት ዝበጽሖ ጥርዓናት መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣማኢት ኤርትራውያ ስደተኛታት ሓተትቲ ዕቑባ ብኣልማማ ይእሰሩ ከም ዘለዉ ምምስካሩ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ/ADDIS STANDARD ሓቢራ። እዞም ስደተኛታት ምዃኖም ዝገልጽ ምስክር ወረቐት ከቕርቡ ዘይከኣሉ ዝተባህሉ ኤርትራውያን፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ-ከተማታት እዮም ዝእሰሩ ዘለዉ።

እቲ ኮሚስዮን ብ2 ሰነ 2023 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ማእሰርቲ ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ መእዘዚ ወረቐት ይካየድ ምህላዎም ጠቒሱ፡ እሱራት ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀርቡ እውን ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ድማ ናብቲ ተኣሲረምሉ ዘለዉ ቦታታ በጺሑ፡ ክሳብ ዓሰርተ መዓልታት ብዘይኣፍልጦ ቤት ፍርዲ ዝተኣስሩ ኤርትራውያን  ከም ዝረኸበ ኣረጋጊጹ።

ነቶም እሱራት ከም ዝተነግሮም፡ እቲ ኣእሲርዎም ዝተባህለ ገበን ብዘይፈቓድ ወረቐት ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎምን ኣብኡ ስረሓት ከካይዱ ምፍታኖምን እዩ። ካብቶም እሱራት ብዘይካቶም ወረቐት ዘየብሎም ወረቐት ሃልይዎምስ ዘይተሓደሰ ዝሓዙ እውን ኣለዉዎም። እዚ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ናይቶም ስደተኛታት ምንቅስቓሶም ዝግድብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕጊ ስደተኛታት ዝጥሕስን ጉዳዮም ቀጻሊ መፍትሒ ከይረክብ ዝዕንቅፍን ምዃኑ ናይቲ ኮሚሽን መገለጺ ኣረዲኡ።

.እቲ ኮሚስዮን ተኸታቲሉ ከም ዘረጋገጾ፡ መሕዳስ መንነት ናይቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምትሕብባር፡ ትካል ስደተኛታትን ካብ ስደት ትመለስትን ኢትዮጵያ ምስ ፖሊስ ብምትሕብባር ዝትግበር እዩ። ጠንቂ ምእሳር ናይዞም ኤርትራውያን ከኣ ናይዞም ክልተ ኣካላት ስራሕ ብስሩዕ ዘይምቕጻሉ ምዃኑ ተጸብጺቡ።

ኮሚሽነር፡ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መመት

እቲ ብሙሳ ፋቂ መመት ዝምራሕ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ጉዳይ ሱዳን ኣሳታፊ ብዝኾነ ኣገባብ ክፍተሓሉ ዘኽእል ዝበሎ ፖለቲካዊ መስርሕ ከም ዘቕረበ መርበብ ሱዳን ትሪቡን ብ1 ሰነ 2023 ኣብ ዘውጸኣቶ ዜና ሓቢራ። እቲ ፖለቲካዊ መስርሕ ዝተገልጸ፡ መሓመድ ኢል ሓሰን ለባት ወሃቢ ቃል ናይቲ ሕብረት፡ እቲ ኮሚሽን ብ31 ጉንበት 2023 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብዘቕረብዎ ጸብጻብ እዩ። ኣብዚ ኣኼባ ብዛዓባ’ቲ ንጉዳይ ሱዳን መፍትሒ ንክኸውን ቀሪቡ ዘሎ ፖለቲካዊ መስርሕ ዓሚቕ ምይይጥ ከም ዝተኻየደ’ውን ተፈሊጡ።

ኮሚሽነር ሙሳ ፋቒ መሃመት፡ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ መስርሕ ፖለቲካዊ መፍትሒ ስትራተጂ ኣብ ጉዳይ ሱዳን፡ ኣሳታፊ ዝኾነ መድረኽ ፈጢርካ ኣብ መንጎ ሱዳናውያን ወተሓደራዊ ሲቪላውን ፖለቲካውን ኣካላት ሰፊሕ ዘተ ዝካየደሉ መድረኽ ምፍጣር ምዃኑ ኣረዲኦም።  ኣተሓሒዞም ከኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ፡ ንኹሎም ፖለቲካዊ ኣካላት ሱዳን እንተላይ ንናይ ጁባ ውዕል ፈረምቲ ዘተባብዕ እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝተገልጸ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ሒዝዎ ዘሎ ስትራተጂ፡ ንሱዳን ናብ ሲቪላዊ ህይወት ንምምላስ፡ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዳግማይ ንምህናጽ፡ ናይቲ ህዝቢ ህጹጽ ድሌት ፈሊኻ ንምርዳእን ብዝያዳ ድማ እታ ሃገር ናብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምቕራባን ከም ዝሕግዝ ተጠቒሱ። ወሃቢ ቃል ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ድሕሪቲ ኣኼባ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሱዳናውያን ልዕሊ ኩሉ ጉዳዮም ባዕላቶም ክውንኑ ይግበኦም ኢሎም።

እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብዚ እዋንዚ ንሱዳን ዘዋጽኣ፡ ብዘይ ናይ ስነ-ሓሳብን ካልእ ፍልልያትን ሓቢርካ ምብርካት ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ፡ ብፍላይ ድማ ከም ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኢጋድን ዝኣመሰሉ ኣካላት፡ ነቲ መስርሕ “ኣነ እንተዘይመራሕኩዎ” ከይበሉ ክድግፉ ይግበኦም ኢሉ።

እቲ መስርሕ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ተፈጢሩ ዘሎ ውግእ ኣብ ምፍታሕ ጥራይ ከይተወሰነ፡ ብዛዕባ ሕገመንግስታዊ ምስግጋርን ምምስራት ቀዋሚ መንግስት እውን ከተኩር ከም ዝግበኦ ዝእምት ሓሳብ እውን ቀሪቡ።

ክሳብ ሕጂ ሱዳናውያን ኣብ ምዝታይን ንዝተወሰነ መዓልታት ዝጸንሕ ንሰብኣዊ ጉዳያት ዝምልከት ተኹሲ ጠጠው ኣብ ምባል ተጸሚዶም ዘለዉ መንግስታት ኣመሪካን ሳዑዲ ዓረብያን ኮይኖም፡ እንተኾነ ከምቲ ዝድለ ውግእ ተጠው ከብሉ ከምዘይከኣሉ ዝፍለጥ እዩ።

ሳያስ ኣፈወርቂ ብ30 ጉንበት 2023 ንናይ ኣርባዕተ መዓልታት ብጽሖት ናብ ሩሲያ ከምርሕ እንከሎ፡ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣምበሳደር ማይክ ሃመር ድማ፡ ካብ 31 ጉንበት ክሳብ 6 ሰነ 2023 ዝጸንሕ መገሻ ናብ ኢትዮጵያን ጅቡትን ከካይድ እዩ።

ናይ ኢሳያስ መገሻ ናብ ሩሲያ ዕላማ ብዘይካ በተን ንሱ ዝውንነን ናይ ዜና ማዕከናት  ናይ ሩሲያ መራሒ ቭላድሚር ፑቲን ብዝገበረሉ ዕድመ ምዃኑ ምጥቃሰን፡ ዝተፈልጠ የለን። መገሻኡ ካብቲ ናይ ቻይና ዘይፍለይን ምስ ዞባዊ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት እምበር፡ ምስ ኤርትራዊ ዋኒን ዝዛመድ ከምዘይከውን ከኣ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ከም ዝሓበሮ፡  ኣምበሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ጅቡቲ፡  ኣሜርካዊ ኮማንደር ኣፍሪቃን ውሁድ ሓይሊ ዕማም ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ዝርከበሉ ዓውደ መጽናዕቲ  ጸጥታዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ  ክሳተፍ እዩ። ናይቲ ሓይሊ ዕማም ተግብራት ንዝፍጠር ቅልውላው መልሲ ኣብ ምሃብን ጸጥታዊ ስግኣት ኣብ ምምካትን ዝሰርሕ እዩ። ብዘይካዚ ምስ ሰብ መዚ ጅቡትን ከም መራሕቲ ኢጋድ ዝኣመሰሉ ዞባዊ ኣካላትን ተራኺቡ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ከም ዝዘራረብ ተገሊጹ።

ኣምበሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ኣተገባብራ  ናይቲ ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ምስ ሓለፍቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ተራኺቡ ክዘራረብ እዩ። ከምኡ እውን ብዛዕባ ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያት፡ መሰጋገሪ ፍትሒ፡ ተሓታትነት፡ ምፍታሕ ዕጥቂ፡ ምስንባትን ምጥያስን ናይቶም ዕጥቂ ዝፈትሑ ምስ ሓለፍቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ ኣብ መቐለ ከም ዝዘራረብ እቲ ንመገሽኡ ብዝምልከት ዝተዋህበ መግለጺ ሓቢሩ።

መገሻ ኢሳያስ ናብ ሩሲያ ኮነ፡ ምብጻሕ ኣምበሳደር ማይክ ሃመር ናብ ኢትዮጵያን ናብ ጅቡትን ኣብ ዞባዊ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ  ዘተኩር ተጻራሪ ወፍሪ እዩ መስል።

ስእሊ ካብ ዜና ሲኤንኤን/CNN

ብምክትል ሓላፊ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ተግባራት ኣብ ኢትዮጵያ ዝምራሕ ተወከልቲ ትካል ጥዕና ዓለምን ካልኦት ዘይመንግስታዊ ትካላትን ዝርከብዎ ጉጅለ፡ ኣብ ትግራይ ናብ ዓድታት ታሕታይ ኣድያቦ ኣትዩ ኣገልግሎት ከይህብ ብ25 ጉንበት 2023 ብሰራዊ ኤርትራ ከም ዝተኸልከለ ሲኤንኤን/ CNN ሰራሕተኛታት ዘይመንግስታዊ ትካላት ብምጥቃስ ሓቢራ።

እቶም ገበርቲ ሰናይ ኣካላት፡ ጉዕዘኦም ከይቅጽሉ ብሰራዊ ኤርትራ ዝተዓግተ፡ ካብ ከተማ ሸራሮ ኣስታት 16 ኪ/ሜ ተጓዒዞም፡ ኣብ ከባቢ ዋዕላ ንህቢ ዝበሃል ቦታ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ። እቶም ነቲ ጉዕዞ ዝዓንቀፉ ኣባላት ሰራዊ ኤርትራ፡ ኣብ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ ሓሙሽተ ቀበለታት ሰፊሮም ዘለዉ ምዃኖም እውን እቲ ዜና ጠቒሱ። ሪፖርተራት ሲኤንኤን/ CNN ፡ ኣብቲ ከባቢ ብሰራዊት ኤርትራ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮን ካልእ ግህሰታትን ከም ዝፍጸምን ህዝብቲ ከባቢ ሰብኣዊ ረዲኤት ከይረክብ ከም ዝኽልክሉን እውን ኣብቲ ጸብጻቦም ኣስፊሮም።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ እቲ ኮሚተ ብወግዒ ዝሃቦ መግለጺኳ እንተዘየለ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ኣተገባብራ ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዕጥቂ ምፍታሕ ሰራዊ ትግራይን ምውጻእ ዘይኢትዮጵያዊ ሰራዊትን ዕጡቕ ኣምሓራን ካብ ትግራይ ንምቁጽጻር ብሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ዝተመዘዘ ወተሃደራዊ ኮሚተ፡ ምንቅስቓስ ከም ዝዓንቀፈ እውን ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸብታት ክግለጽ ዝጸንሐ እዩ። ብወገን ምምሕዳር ህግደፍ ነዚ ብዝምልከት ዝተዋህበ ሓበሬታ ስለ ዘየለ፡ ነቲ ክሲ ከም ምቕባል ከም ዝቑጸር ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝገልጽዎ ዘሎ እዩ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ብተደጋጋሚ ንክወጽእ ክጽውዑ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር እዩ።

Page 17 of 137