ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ:-
ኣብ መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ እቲ ቀዳማይ ተመራጺ ኩልኻ ዕዉታት ክትኮነሉ ዘኽእል ማእከላይ ፍታሕ ምርካብ እዩ። እዚ ኣብ ዘይተኻእለሉ ግና፡ ናብ ሓዴኻ ሰዓሪ ሓዴኻ ድማ ተሰዓሪ እትኾነሉ ናይ “ንሓዴና እያ” ቃልስን ህልኽን ክትኣቱ ናይ ግድን እዩ። ናብቲ ምዕቡል ኩልኻ ሰዓሪ እትኾነሉ ኩነታት ምብጻሕን ዘይምብጻሕን ብሓደ ኣካል ናይቶም ተወዳደርቲ ዝውሰን ዘይኮነስ ናይ ክሎም ቅሩብነት ዝሓትት እዩ። ክልቲኦም ወይ ሓዲኦም ንናይ ሓባር ተዓዋትነት ቅሩብ ኣብ ዘይኮነሉ ከምዚ ሎሚ ኣባና ኤርትራውያን ወሲኽካ ኣብ ብዙሕ ኩርነዓት ዓለም ዝረአ ዘሎ ናይ መን ሰዓረ ውድድር ኢኻ ትኣቱ።
ኣብ ኩነታት ኤርትራ እቲ ዘሎ ፍልልይ ብናይ ክልቴኻ ተዓወቲ እትኾነሉ ንክዛዘም ዝተገብረ ጻዕርታት ኩሉ ብሰንኪ “ብውድባት ሓሸውየ የለን” ዝሕመረቱ ስስዑን ነጻግን ባህርያት ጉጅለ ህግደፍ ክትግበር ኣይተኻእለን። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እነሆ፡ ጉጅለ ህግደፍ ህልውና ናይ ለውጢ ሓይልታት’ኳ ክቕበል ቅሩብ ኣይኮነን። ነቲ ርኡይ ኤርትራዊ ተቓውሞ ንሓንሳብ ብጉልባብ ወያነ ንሓንሳብ ድማ ብኢድ ኣእታውነት ምዕራባውያን ከጐልብቦ ይጽዕር ኣሎ። እቲ ብዘይካ ከምኡ ምግባር ካልእ መተካእታ ዘየብሉ ደንበ ተቓውሞ ድማ፡ ነቲ ጉጅለ ኣወጊዱ ኣብ ቦታኡ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ይቃለስ ኣሎ።
እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ድማ እቲ ናይ ምንጽጻግን፡ ክልቴኻ ዕዉታት እትኾነሉ ኩነታት ዘይምፍጣርን ኣብቲ ኣብ መንጎ ጉጅለ ህግደፍን ኤርትራዊ ተቓውሞን ዘሎ ምትፍናን ከይተደረተ፡ ኣብ መንጎ ሕድሕድ ተዋሳእቲ ደንበ ተቓውሞ’ውን ዝተላብዐ ሕዱር ሕማም ምዃኑ እዩ። ኩልና ከም ዘይንስሕቶ፡ ሎሚ ህዝብና ካብ ጉጅለ ህግደፍ ዝጽበዮ ርህሩህ ልቢ ከም ዘየብሉ ኣረጋጊጹ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ክጠፍኣሉ ጥራይ እዩ ዝቃለስ ዘሎ እምበር፡ ሓሳቡ ክቕይር ኣይጽበዮን እዩ። ካብ ህግደፍ ሕማቕ ዜና ክሰምዕ እንከሎ ድማ ዝተጸበዮ ስለ ዝኾነ ኣይሕደሶን እዩ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ብዝፍጠር ምኽንያቱ ብዘይርደኦ ፍልልያትን ተቐራሪብካ ዘይምስራሕን ዝሓድሮ ሻቕሎት ግና ኣዝዩ ዓሚቕ እዩ። ምኽንያቱ ናይቲ ዝተጸበዮ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ምልክት ይርኢ ስለ ዘየለ።
ኣብ መንጎ ክልተ ሓይልታት፡ ከምዚ ኣብ መንጎ ደንበ ተቓውሞናን ጉጅለ ህግደፍ ቃልሲ ክካየድ እንከሎ፡ ነቲ ቃልሲ ፍሉይ ቆላሕታ ሂቦም ውጽኢቱ ዝጽበዩ ኣካላት ንዓቕሚ ናይቶም ተተፋነንቲ ሓይልታት ከወዳድርዎ ዝተለምደ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ምውድዳር ድማ ”እዚ ካብቲ ይሕይል ወይ ይሓምቕ” ዝብል ሓሳብ ይሕዙ። ኣብ ቃልስና እቲ ቀንዲ ዋናን በዓል ዋኒንን ናይቲ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነ ከምቲ ቀደም ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንውድባት ኤርትራ ዘወዳድሮም ዝነበረ፡ ሎሚ እውን ንደንበ ተቓውሞን ጉጅለ ህግደፍን ከወዳድር ናይ ግድን እዩ። ኣብቲ ውድድር ዝተፈላለዩ ኣወዳደርቲ ኣካላት ነናቶም መወዳደሪ መዕቀንታት ኣለዎም። ከከም እምነቶም፡ ንኣጽዋር፡ ብዝሒ ሰዓቢ ወይ ሰራዊት፡ ናይ ግዳም ሓይሊ ደገፍን ገንዘባዊ ዓቕሚን ከም ናይ ብቕዓት መምዘኒ ክወስድዎም ይርኣዩ። እቲ ዝያዳ ቆላሕታ ክወሃቦ ዝግባእን ግና ግቡእ ክብደት ክወሃቦ ዘይንርእዮን፡ ሓደ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዝምረሓሉ ፖሊሲ ወይ ኣተሓሳስባ እዩ። ናይ ሓደ ሓይሊ ብቕዓት ኣብ ምምዛን እዞም ዝተዘርዘሩ ካለኦት መስፈርታት፡ ቦታ የብሎምን ማለት ኣይኮነን። ኣገዳስነቶም ከከም መድረኹ ከም ዝፈላለ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ንኣብነት ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንብዝሕን ዓይነትን ተዋጋኢ ሓይልን ኣጽዋርን በሪኽ ቦታ ክወሃቦም ባህርያዊ ነይሩ። ከምዚ ሎሚ ኣተሓሳስባ ቅድሚት ይሰራዕ ንብሎ ዘለና። ንሓደ መዕቀኒ በሪኽ ቦታ ክወሃቦ እንከሎ እቶም ዝተረፉ እውን ብደረጀኦም ክዝንግዑ ኣይግበኦምን ኢልና ኣለና። ንኣብነት ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና ንኣጽዋርን ዓቕሚ ውግእን ቀዳማይ ደረጃ ክወሃቦ እንከሎ፡ ነቲ “ድሕሪ ዓውት ኣብነጻ ኤርትራኸ ነየናይ ኣተሓሳስባ ኢና ከነሰስን?” ዝብል ቆላሕታ ክንፈጎ ኣይመነበሮን። ብሰንኪ ሽዑ ኣርሒቕካ ዘይምርኣይ ኢና እምበኣር ሎሚ ዋጋ ንኸፍል ዘለና።
ኣብዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ እምበኣር እቲ ቅድሚት ክስራዕ ዝግበኦ ጉዳይ ምጥራይ ሓድሽ ኣተሓሳስባ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንጉጅለ ህግደፍ’ኳ ርእይዎን መዚንዎን እዩ። ድሕሪ ሕጂ ካብኡ ዝጽበዮ ሓድሽ ኣተሓሳስባ የብሉን። ንኣካላት ደንበ ተቓውሞ እውን ብመንጽር ኣተሓሳስባኦም እዩ ክመዝኖም ዝግበኦ። እቲ ካልእ መምዘንታት እውን ኣይረሳዕ፡ እንተኾነ ካልኣዊ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ሓይልታት ተቓውሞ እውን ንዓቕሙ ብመንጽር ዝሓዞ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ እዩ ክመዝኖ ዝግበኦ። ኣብ መንጎ ሓይልታት ተቓውሞን ኣብ መንጎ ጉጅለ ህግደፍን ዘሎ ፍልልይ፡ ሓደ ካብ ኤርትራ ወጻኢ እቲ ሓደ ድማ ኣብ ኤርትራ ብምህላዉ ኣይኮነን ክምዘን ዝግበኦ። ኣብ መንጎ ክልቲኡ ወገናት ዘሎ ናይ ፍልልይ ርሕቀትዩ ብመንጽር ኣተሓሳስባ እዩ ክርኣይ ዝግበኦ። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ውድቀት ጉጅለ ህግደፍ ዝጽበዮ ሓድሽ ገጽ ዘይኮነስ ሓድሽን ምዕቡልን ኣተሓሳስባ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።
ንሕና ውድባት በቲ ሓደ ወገን ምስ ጉጅለ ህግደፍ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ነንሕድሕድና ኣብ ቃልስን ውድድርን ኢና ንነብር ዘለና። ቃልስን ውድድርን ፈላሊኻ ክረኣዩ ስለ ዘይክእሉ። ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ውድድር ካብ ሃለና “እዚ እዩ ሓያል ናይ ውድድር ጐድነይ” እንብሎ ክህልወና ናይ ግድን እዩ። ስለዚ እቲ ክንየተሉ ዝግበኣና ዓቕሚ፡ ብረት፡ ገንዘብ፡ ናይ ግዳም ደግፍን ዕርክነትን ዘይኮነ፡ ዘጥረናዮ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ተዘሪኡ ሰናይ ዘፍሪ ሓድሽ ኣተሓሳስባ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ሓድሽ ኣተሓሳስባ ኣብ ውሽጥኻ ብዝካየድ ረቂቕ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዝምዝገብ እምበር ብሓገዝ ዝትኮብ ኣይኮነን። ንጉጅለ ህግደፍ ስዒርናዮ እንብል ብኣካል ከነወግዶ እንከለና ኣይኮነን። እቲ ሓቀኛ ዓወትና ነቲ ሕጂ ናይ’ቲ ጉጅለ ኩሉ እኩይ ተግባራቱ መንጠሪ ኮይኑ ዘሎ ጸረ ህዝብን ሃገርን ኣተሓሳስባ ዳሕራይ ከም ዘይምለስ ከነብርሶ ክንክእል እንከለና እዩ። እዚ እንተዘይጌርና ግና፡ እቲ ጉጅለ እንተወደቐ’ውን፡ እቲ እከይ ኣተሓሳስባኡ፡ ብሓደስቲ ኣሳሰይቲ ዳግማይ ናይ ምጥጣዕ ዕድሉ ዕጽው ኣይክኸውንን እዩ። እዚ ድማ ብናይ ጉልበት ዘይኮነስ፡ ብናይ ኣተሓሳስባ ቅልጽም’ዩ ዝረጋገጽ። “ናይ ኣተሓሳስባ ዓቕሚ” ምምዕባል ሰፊሕን ኣብ መስርሕ ዝረጋገጽን ኮይኑ፡ ንኹሎም እዞም ኣብ ደንበ ተቓውሞና ዘሳቕዩና ዘለዉ ድኽመታት ዝዓጽፍ እዩ።
ስለ'ዚ፡ ኣብ ኣተሓሳስባናን ፖለቲካዊ ንቕሓትናን ለውጢ ከንገብር እንተደኣ ዘይክኢልና፡ ኣብ ጸቢብን ኣዕናውን ናይ ሕድሕድ ቃልስታት ዕንክሊል ክንብል ክንግደድ ኢና። እዚ ድማ፡ንዕምሪ ናይ'ቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘናውሕ ዕድል ክፈጥር ኢዩ።
31 መጋቢት 2015
EPDP Urges EU to Empower Pro-Democracy Forces Instead of Helping the Repressive Regime in Asmara
Written by EPDP Information OfficeIn a memorandum sent today, 31 March, to the European Union (EU), the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) expressed utter dismay with the regional body’s plans to help the dying though still repressive regime in Asmara, and urged Europe to stand with the victimized Eritrean people.
Addressed to Ms Federica Mogherini, the EU High Representative for Foreign Affairs and Security Policy and Vice-Chairperson of the EU Commission, with copies to Mr. Donald Tusk, President of the Council of EU; Mr. Jean-Claude Junker, President of the EU Commission; Mr. Martin Schulz, President of the European Parliament, and to foreign ministries of all the 28 EU Member States, the memorandum regretted EU’s plan of repeating another mistake of vainly trying to engage an incorrigible regime that failed it in the past.
Messrs Donald Tusk, Martin Schultz and Jean Claude Junker
The EPDP message also listed priority areas in which the European Union can be of help to the distressed 6 million Eritreans at this critical hour in their life. Copied below is the full text of the memorandum.
Your Excellency EU High Representative Mogherini,
We in the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP), an organization in exile struggling for democratic change, are addressing this message to your esteemed office, with copies to all concerned in the European Union, to express our utter dismay about the reported intention of the EU to once more resort to gestures of appeasement with the incorrigible and Africa’s most repressive regime in Asmara.
When the UN Commission of Inquiry on Eritrea submitted its interim report to the UN Human Rights Council on 16 March 2015 affirming that “most Eritreans have no hope for their future” under the current regime, the EU representative, Mr. Peter Sorensen, welcomed the report as “an excellent work” and stated that the EU was “deeply concerned about the persisting human rights violations” in Eritrea. The EU message to the Council also regretted that the Eritrean regime is refusing all cooperation and access to the country where “arbitrary arrests, disappearances, torture, extra-judiciary killings….” are taking place and restriction of freedoms is widely reported.
EU member states that addressed the UN Human Rights Council on 16 March, among them Germany, France and UK, also strongly supported and endorsed the EU statement.
The Council of the European Union
Dear Ms Mogherini,
The EU’s generous grant of €122 million in 2007 did nothing to change the regime from continuing violating human and political rights of its own. Both the EU and the Eritrean regime appeared to have agreed to ignore the Cotonou Agreement stipulating that any support from the EU was strictly conditional to good governance and respect of human rights. To the contrary, the regime in Asmara continued to defy ande violate the Cotonou Agreement and the EU funds had proven to have helped to strengthen the criminal security apparatus of the regime. As a result, more displacement and flight of desperate refugees increased since that time.
Dear Madam,
The Eritrean people deserve sympathy and support and not the repressive regime that victimized them for decades. We therefore appeal to your esteemed office to listen to our people’s appeals to the EU to stop re-empowering a regime whose days now appear numbered.
Instead of supporting the repressive regime, we request the EU and its member states to do the following:
- To tell the regime in Asmara that it does not deserve EU support until it stops all the cruelties it is meting out against its own people.
- The EU to initiate an extensive package programme for Eritrean refugees in the Horn of Africa. This programme can provide academic education, skill training and scholarships and prepare young and disadvantaged Eritreans for a better future in post-dictatorship Eritrea. It can be financed mainly by the technical assistance funds suspended for over a decade by many countries because of the Asmara regime’s bad human rights record.
- We also ask the EU to forget the Asmara regime and engage Eritrean non-state political and civil society actors. These pro-democracy actors deserve your support for empowerment now.
To sum, a resumption of support to the regime in Asmara will again prove to be a wrong action by the EU. It will prove to be repeating a failed experience? We therefore urge the EU and its member states not to spend time and resources on such futile endeavor that will not yield the intended results. Eritreans will continue fleeing the country as long as the regime of Isayas Afeworki in is in power.
መጸዋዕታ ንህዝባዊ ኣኼባን ባህላዊ ምሸትን
Written by ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከለንን ከባቢኡንኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ዝመርሖ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ንዕለት 11 ሚያዝያ 2015 (11.04.2015) ኣብ ከተማ ከለን ክካየድ ኢዩ። ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ሃገርን ሰዲህኤን መብርሂ ከቕርብ ኢዩ።
ድሕሪ ኣኼባ ድማ፡ ብወናማት ሙዚቀኛታት ሰላም ዑቕባይ፡ ኢዮብ ተስፋማርያም፡ ሰሚር ክፍላይ፡ ሰናይ መሓርን ኣለም ኣሰፋውን (ዕምባባ) ናይ ወጋሕ ትበል ለይቲ ባህላዊ ምሸት ተዳልዩልኩም ኣሎ።
ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከለንን ከባቢኣን ንዅሉ ግዱስ ዜጋን ወጻእተኛን፡ ኣብ'ዚ ዕለት'ዚ ተዳልዩ ናይ ዘሎ መደባት ተኻፋሊ ክኸውን ብትሕትና ይዕድም።
ህዝባዊ ኣኼባ ዝጅመረሉ ግዜ፡- ሰዓት 14፡00 ( ወይ ሰዓት 2፡ ድሕሪ ቀትሪ)
ኣድራሻ ወይ ቦታ ኣኼባ፡- Quäker Nachbarschftsheim
Kreutzerstrße 5-9
50672 köln
መጓዓዝያ፡- U-bahn 5 ካብ köln HBF ይጽዓኑ። ኣብ ( Haltestelle ) Hansbockler platz ይወርዱ። ንቕድሚት ምስ ወጹ፡ ናብ ቦታ ኣኼባ ዝሕብር ምልክት ተኸቲሎም ናብ ቦታ ኣኼባ ከበጽሑ ይኽእሉ።
ብደሓን ምጹ!!!
ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከለንን ከባቢኡን
ንሕና፡ ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ፡ ንሃገራዊ ስኒትና ዝዓናቕፉ ጉዳያት ክንፈትሕ፡ ቀጻሊ ሰሚናራት ከነካይድ ተበጊስና። ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ኣካል ናይ`ተን ድሮ ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ ተጠራኒፈን ዝነጥፋ ዘለዋ ዓሰርተ-ሰለስተ ከተማታት እያ። ዕላማና፡ ኤርትራ ካብ ጥፍኣት ድሒና፡ ቅዋማዊት ሃገር ንክትከውን ቀጻሊ ጻዕሪታት ምክያድ`ዩ።
ኤርትራውያን ተቐማጦ ኮሎራዶ፡ ሚያዝያ 26 2015 ኣብ ዝጅመር ሰሚናር፡ ኣብነታዊ መርኣያ ክኸውን ኩሉ ምድላዋት ክንገብር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣሚና፡ ክሳብ ቅዋማዊት ኤርትራ እትህነጽ ጻዕሪታትና ቀጻሊ እዩ።
በዚ ኣጋጣሚ`ዚ፡ ኩለን ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣብ ከከተመአን ነዚ ንቕሎታት`ዚ ደጊፈን፡ ክብገሳን፡ ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ ሰፊሕ ጎስጓስ ክግበራን ነተባብዕ።
ጸዋዒትና ንኩሎም ኤርትራውያን፡
- ኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ተመሳሳሊ ተበግሶ ክወስዱ፣
- ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ ብህጹጽ ንምግባእ፡ ኩሉ ዘድሊ ምስንዳኣት ክትግበር፣
መፍትሒ ሽግራትና ተጋቢእና ምልዛብ እዩ!
ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝወርድ ዘሎ ስቓይ ይኣክል!
ለውጢ፡ ብተሳትፎ ናይ ነፍሲ-ወከፍና እዩ ዝረጋገጽ!
መዓስ? ... ሕጂ!!!!
ሽማግለታት ሰሚናር
ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ
03/30/2015
Eritrean Tv Demtsi Hezbi 29 March 2015
ሰሚናር ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ጨናፍር ሽወደንን ደንማርክን ክፉት ህዝባዊ ኣኼባን ኣብ ከተማ ቨክሾ ብምዉቕ ኣገባብ ተሳላሲሉ
Written by ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ካብ ሽወደንሓርነታዊ ቃልስና ክዕወት ዘተ ብዘይቅድመ ኩነት !!! ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፡ ሰሚናር ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ጨናፍር ሽወደንን ደንማርክን ክፉት ህዝባዊ ኣኼባን ብ27-29 መጋቢት 2015 ኣብ ከተማ ቨክሾ፡ ሽወደን፡ ብምውቕ ኣገባብ ተሰላሲሉ። ኣብ'ዚ ሰሚናር'ዚ፡ 2 ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ፡ ማለት ኣቶ ረዘነ ተስፋጽዮን፡ ሓልፊ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጕዳያት፣ ኣቶ ተኽለ መለኪን፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት፤ ከምኡ ውን፡ ክልተ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰልፍና ማለት ወይዘሮ ገርጊስ ነጋሽ፡ ምክትል ኣደ ወንበር ቤት ጽሕፈት ጕዳያት ደቂ ኣንስትዮን ኣቶ ኣማኑኤል በራኺ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ኣቶ ነጋሲ ሓምደ ወኪል ስርዒታውን ገንዘባውን ጕዳያት ኣብ ዞባ ኣውሮጳ ተኻፊሎም ነይሮም።
ኣባላት ሰሚናር ካብ ዓርቢ ሰዓት 18፡30 ኣትሒዞም ኢዮም ናብ ከተማ ቨክሾ ክኣትዉ ጀሚሮም። ዋዕሮ ኣባል ወይዘሮ ሮሚ ኢብራሂም ምስ ስድራቤታ ኰይኖም ድማ፡ ንኣጋይሽ ቡን፡ ሻሂ፡ ሕብስቲ ድራር ብፍሕሽው ኣገባብ ብምቕራብ ንኣጋይሽ ሰሚናር ኣአንጊዶም። እቶም ኣቐዲሞም ዝመጹ ኣባላት ሰሚናር ድማ፡ ነቲ ኣዳራሽ ናይ ኣኼባ ብዝተፈላለዩ ጭርሖታት፡ ስእልታትን ዕንባባታትን ሰሊሞም። ብድሕር'ዚ ምውቕ ዕላልን ጸወታን ዝነበሮ ምስዮት ኣጋይሽ ኣብ ከባቢ ሰዓት 3፡00 ናይ ለይቲ ናብ መዳቕሶኦም ከይዶም።
ንጽባሒቱ ዕለት 28 መጋቢት 2015 ካብ ሰዓት 7፡00 ክሳብ ሰዓት 9፡00 ናይ ንግሆ ኣብ ዝነበረ ሰዓታት ኣባላት ሰሚናር ነቲ ብእቶ በረኸት ገብርኣብ ዝተዳለወሎም በብዓይነቱ ምኡዝ ቍርሲ ድሕሪ ምምጋብ ልክዕ ሰዓት 9፡00 ሰሚናር ተጀሚሩ።
ነቲ ሰሚናር ዘማእክሉ ዝነበሩ ኣቶ ጽሃየ ቀለታን ወይዘሮ ሮሚ ኢብራሂምን ንኣጋይሽ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምትሕልላፍ፤ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ኣካላዊ ርክብ ክግበር ድሌትን ሕልምን ስውእ ተቓላሳይ ኪዳነ ገብርኣብ ስለዝነበረ፡ ነዚ ፍጻሜ'ዚ ክውን ዝገበርኩም ኣባላት ጨናፍር ሽወደንን ደንማርክን ነመስግን፤ ክቡር ብጻይና ነብሰሔር ኪዳነ ገብረኣብ ድማ፡ ትምኒትካ ተፈጺሙ ኢዩ'ሞ ቅሰን ብምባል ኢዮም ከፊቶሞ።
ቀጺሎም፡ ነቶም ኵሉ ውራዮም ገዲፎም ኣብ ሰሚናር ዝመጹ ውፉያት ኣባላት፡ ከምኡ'ውን፡ ብቅቡል ምኽንያታት ናይ ጥዕናን ስራሕን ክካፈሉ ዘይከኣሉ፡ ግን ከኣ፡ ናይ ደገፍን ጽቡቕ ትምኒትን መልእኽቲ ዝለኣኹ ኣባላት ሰልፊ ሰልፊ ካብ ሃፓራንዳ፡ ኡመዮ፡ ሰልፍተዮ፡ ኦስተርሱንድ፡ ስቶኮልም፡ ኡፕሶላ ፡ ሊድሾፒን ኣመስጊኖም።
ካብ ኣቦ ወንበር ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ጨንፈር ኖርወይ፡ ኣቶ ዳዊት ኣርኣያ ዝተላእከ ናይ ምሕዝነትን ደገፍን መልእኽቲ ድሕሪ ምንባብ፡ ድማ መድረኽ ንኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ተገዲፉ። ኣቶ ረዘነ ተስፋጽዮን፡ ብዛዕባ ሃለዋትን ንጥፈታትን ሰልፊ ብሓፈሻ፡ ኣብያተ-ጽሕፈታት ፈጻሚ ሽማግለ ዘካየድኦ ንጥፈታት ድማ ብፍላይ ብዝርዝር ን45 ደቓይቕ ዝኸውን ግዜ ገሊጹ። ንካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ ንምድላው ብኣሰናዳኢት ሽማግለን ናይ ሕጸ ሽማግለን ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ውን ኣብሪሁ። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ተወፋይነትን ግደን ጨናፍር ሽወደን ደንማርክን ኖርወይን ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ኢዩ ብምባል ንኢዱ።
ኣስዒቡ ሰዲህኤ ብዓቕሙ ንህዝቢ ዝህቦ ዘሎ ኣገልግሎት ዝንዓቕ ከምዘይኰነ ሓቢሩ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ህጻናት ትምህርቲ ንክረኽቡ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ወድሸሪፈይ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ቤት ትምህርቲ ከፊቱ ዝገብሮ ዘሎ ምርብራብ ኣመጒሱ። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ነቶም ኣብ ከሰላ ዝርከቡ ኣካለ ጽጉማን ዝኣሊ ናጻ ማሕበር፡ ንምድጋፍ ኣባላት ሰዲህኤ ዘበርክትዎ ዓቢ ተራ ውን ኣመስጊኑ። ከምኡ'ውን፡ ንደቂ ተጋደልቲ፡ ናይ ርሑቕ ወላዲ ብዝብል ፕሮጀክት፡ ኣብ ግዳም ዝርከቡ ኣባላትን ዘይኣባላትን ሰልፊ ዘበርክትዎ ዘለዉ ሓገዛት ንኢዱ። ነዚ ተሳታፍነት'ዚ ንምዕባይን ወጻእተኛታት ውን ንኽሳተፍዎ ንምግባርን ነቲ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራ አሐዲሱ ክሰርሕ ጀሚሩ ምህላዉ ውን ኣሚቱ።
ብድሕሪኡ ሓው ተኽለ መለኪን፡ ዝተበደለ መንእሰይ ብዝብል ኣርእስቲ፡ ንሃለዋት መንእሰያትና ብመሳጥን ስነፍልጠታውን ኣገባብ ን35 ደቓይቕ ዝኸውን ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ነዚ ኣብ ትሕቲ ህግዲፍ ዝተወልደን ዝዓበየን መንእሰይ፡ ዘጋጥም ዘሎ ኣካላውን ስነኣእሙራውን ማህሰይትን ኢሰብኣዊ ግፍዕታትን ውን ሓደ ብሓደ እናጠቐሰ ብኣብነታት ኣሰንዩ ኣብሪሁ።
ብድሕሪ ሓጺር ናይ ሻሂ ዕረፍቲ ድማ፡ ወይዘሮ ገርጊስ ነጋሽ፡ ምክትል ኣደመንበር ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ሰዲህአ፡ ብዛዕባ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮን ብሓፈሻ፡ ብዛዕባ ቃልሲ ኣብ ሰዲህኤ ተወዲበን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮን ኣመልኪታ 30 ደቓይቕ ዝወሰደ መግለጺ ኣቕሪባ። ደቂ ኣንስትዮ ናይ ገዛእርእሰን ማሕበራትን ምትእስሳራትን እናገበራ ብንቕሓት ንመሰላተን ክቃለሳ ድማ ጸዊዓ። ኣባላት ሰልፊ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ኣብ ከም'ዚ ዝኣመሰላ ማሕበራትን ምትእስሳራትን ኣትየን ግዴአን የበርክታ ከምዘለዋ ኣረዲኣ።
ኣቶ ነጋሲ ሓምደ ድማ፡ ብሕጽር ዝበለ ኣገባብ ውደባውን ገንዘባውን ሃለዋት ሰዲህኤ ዞባ ኣውሮጳ ከመይ ከምዘሎ ገሊጹ። ጨናፍር ስካንዲናቪያን ኣብ ክልቲኡ ማለት ኣብ ውድባውን ገንዘባውን መዳያት ዕዙዝ ግደ ከም ዘለወን ሓቢሩ። ቀጺሉ ከኣ ከም ኣባል ኣሳናዳኢት ሽማገለ 2ይ ጉባኤ ሰዲህኤ መጠን፡ ተሳላሲሉ ዘሎ ምስንዳኣትን በጺሕዎ ዘሎ ብርክን ዘተኣማምን ምዃኑ ኣስሚርሉ።
መግለጺታት ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ኣኼበኛታት ንሓሰ ሰዓት ፈረቓን ዝኸውን ግዜ፡ ብህዱእን ሃናጽን ዝዀነ መንፈስ ተመያይጦም፡ ሕቶታቶም፡ ርእይቶታትም ለበዋታቶምን ድማ ኣቕሪቦም።
ኣብ መደምደምታ፡ ኣማእከልቲ ሰሚናር፡ ኣቶ ጽሃየ ቀለታን ወይዘሮ ሮሚ ኢብራሂምን፡ ነቶም መግለጺ ዝሃቡ ኣባላት ኣመስጊኖም፤ ብሰማያዊ ጨርቂ ሕብሪ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ዝተኣስረ ዕታር ቀይሕ ጽገረዳ ዕንባባ ኣበርኪቶምሎም። ኣባላት ሰሚናር ኣባላት ብጨብጨባ ብምስናይ ኣኺባ ተዛዚሙ፡ ኣኼበኛታት ድማ ናብ ምሳሕ ኣምርሑ።
ሰዓት 3.00 ድሕሪ ቀትሪ ኣገደስቲ ገዳይም ተጋደልትን ሓደስቲ ስደተኛታትን ዝተሳተፍዎ ሰለስተ ሰዓትን ፈረቓን ዝወሰደ ሰሚናር ተኻይዱ። ኣቶ ረዘነ ተስፋጽየን፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጕዳያት ሰዲህኤ፡ ንኣመሰራርታ ሰልፊ ኣመልኪቱ ንዝነበሩ ብድሆታት ክመይ ከምእተሰግሩን ብሰፊሕ ኣረዲኡ። ነቲ ጀብሃን ሻዕብያን ዝብል ታሪኻዊ ፍልልያት ሰጊሩ፡ ንህዝቢ ዘርብሕ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ንምህናጽ ዝዕላምኡ ቃልሲ ዘካይድ፡ ንመጻኢ ዝጥምት ሰልፊ ምዃኑ ሓቢሩ። ዕላማና ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ ኰይኑ፡ ከም'ዚ ኣብ ጭርሖ ትርእይዎ ዘለኹም፡ ሰላማዊ ፖለቲካውን ቃልስን ልዝብን ዝማእከሉ ኣገባብ ዝኽተል ሰልፊ ኢዩ ኢሉ። ብድሕሪኡ ሓው ተኸለ መለኪን፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ውን ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ።
ናይ ሕቶን ርእይቶን መድረኽ ምስ ተኸፍተ፡ ካብ ኣኼበኛታት ብዙሓት ርእይቶታትን ሕቶታትን ቀሪቦም። ገለ ካብ'ቶም ዝቐረቡ ኣገደስቲ ሕቶታት ንሓድነት ደምበ ተቓውሞ፡ ለውጢ ካብ ውሽጢ'ዶስ ካብ ግዳም? ሃለዋት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምልከት ነበረ። ነዚ ሕቶታት'ዚ ድማ፡ መራሕቲ ኣኼባ መልስታቶምን ርእይቶታቶምን ሂቦምሉ።
ድሕሪ ሰሚናር ምዝዛሙ፡ ዶክተር ሃብተሚካኤል ተኽለ፡ ንሕማም ሽኰርን ጠንቅታቱን ክግበር ዝግብኦ ጥንቃቐታትን ክንክንንን ዝምልከት ሓደ ሰዓት ዝወሰደ ጠቓሚ ኣስተምህሮን ምኽርን ሂቡ። ካብ ኣኼበኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶታት ድማ መሊሱ።
ኣብ መንጎ ከኣ፡ ዋዕሮ ወይዘሮ ሮሚ ኢብራሂምን ዉፍይ በዓል ቤታ ኣሕመድን፡ ከምኡ'ውን፡ ዉፍይ ተቓላሳይ በረኸት ገብረኣብን፡ ብናቶም ወጻኢታት ንኣኼበኛታት ዝገበርዎ መስተንግዶታት ብምምጓስ፡ ናይ ኵሎም ኣባላት ሰሚናር ክታም ዝሓዘለ ካርድን ዐዕታሮ ዕንባባ ንነፍስወከፎም ተሰሊሞም። ከምኡ'ውን፡ ነቶም መስተ፡ እንገራ፡ ቅጫን ሕምባሻን ተሸኪሞም ዝመጹን ዝመጻን ኣሕዋትን ኣሓትን ጽሃየ ቀለታ፡ ገርጊስ ነጋሽ፡ ኣልጋነሽ ኢሳቕ ኣልጋነሽ ያቆብን ክብ ዝበለ ምስግና ቀሪቡሎም።
ኣብ መወዳእታ፡ ድሕሪ ቍርሲ፡ ተኻፈልቲ ሰሚናር፡ ፈተውትን ቤተሰብን ነብሰሄር ኪዳነ ገብርኣብ፡ ናብ ቦታ መቓብር ብምኻድ፡ ኣብ መቓብሩ ዕንባባ ብምቕማጥን ናይ ሕልና ጸሎት ብምዕራግን ናይ ሰለስተ መዓልታት ውዕሎኦም ዛዚሞም።
راديو إرينا يكذِّب خبر ضرب المقاتلات الاثيوبية مناطق بارتريا
Written by نقلاً عن راديو ارينانقلاً عن راديو ارينا 27 مارس 2015م
ثبت أن ما تناقلته المواقع الالكترونية ووكالات الأنباء في يوم الجمعة الموافق للعشرين من مارس 2015م من انتهاك اثيوبيا للأراضي الارترية وضربها من ثم كلاً من منجم جبل بيشا لتعدين الذهب ومعسكر ماي عداقا للجيش الارتري خبر عارٍ من الصحة.
من جانب آخر تأكد تماماً أن ما تعرضت له المنطقتان المتضررتان من أضرار إنما كان من فعل تفجير قام به أفراد أو جماعات ما تزال مجهولة الهوية.
يجدر بالذكر أن المواقع الارترية والاثيوبية الالكترونية ظلت تتداول فيما بينها الخبر الذي أوردته صحيفة الصحافة السودانية عن تعرض منجم بيشا لغارات جوية اثيوبية دون التوثق من صحة الخبر من مصادر إضافية.
بما أن محطة راديو إرينا لم يتسنَّ لها حتى الآن التأكد من صحة وحقيقة الخبر الذي انتشر انتشاراً واسعاً، فسوف لن تألو جهداً في التحري عن الخبر.
أيضاً ثبت لإرينا تماماً أن فجر ذلك اليوم المزعوم وقوع الغارة فيه لم يشهد اختراق أية طائرة من أي نوع للأجواء الارترية.
كما أفادت تحرياتنا عن الأضرار التي لحقت بالمنطقتين أن إحدى القذيفتين أو المادتين المتفجرتين لم تلحق أضراراً بل تناثرت في العراء دون إلحاق ضرر بينما ألحقت الأخرى ضرراً جزئياً.
شركة التعدين العاملة بالمنجم بدورها أوردت أن العمل الذي وصفته بالإجرامي والتخريبي ألحق بها أضراراً محدودة، إلا أنه لم يكن له من أثر يذكر علي إنتاجها التعديني.
كذلك تأكد أن ما لحق من أضرار بمعسكر ماي عداقا بضواحي مدينة دقي محري اقتصر علي أضرار مادية محدودة للغاية.
من جهتها أكدت المصادر الناقلة لهذا الخبر أن أجزاءاً من مدينة دقي محري قد سمعت صوت التفجير الذي جرى بالمعسكر الذي يوجد بالقرب منها.
هذا وبينما نفى بيان للشركة المعدنة حدوث أضرار بشرية بالمنجم وما حوله لم يتسن للراديو بعد وجود أضرار قد لحقت بالبشر في المعسكر المذكور.
أيضاً لم يثبت حتى اللحظة ورود أنباء عن أن جهة ارترية معارضة قد ادعت المسئولية عما حدث ذلك اليوم من ضربٍ لمنطقتي بيشا وماي عداقا.
فرع كولن وضواحيها يعقد اجتماعه الدوري الثالث
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريعقد في السابع من مارس 2015م الاجتماع الدوري الشهري الثالث لفرع حزب الشعب الديمقراطي الارتري بمدينة كولن الالمانية وضواحيها بالمقر الرسمي للفرع. افتتح الاجتماع بكلمة ترحيب من رئيس الفرع السيد/ عند برهان يوهنس حيث رحب بصفة خاصة بحضور كلٍّ من السيد/ يماني زاملاي المسئول المالي بمنطقة ألمانيا للحزب والسيد/ قبر برهان آيطقب الذين كان لهما الدور المتميز في إعادة تنظيم الفرع في العام 2014م. ثم قام يوهنس بتنوير المجتمعين بآخر أنباء ونشاطات الحزب. وأشاد في نفس الوقت بنشاطات الفرع بصفة أخص وأبرزها تنظيم الفرع لأمسية ثقافية ناجحة في الثالث عشر من فبراير 2015م.
هذا ولتزامن الاجتماع مع الذكرى العالمية السنوية ليوم الثامن من مارس، يوم المرأة العالمي، تحدث عندبرهان بإسهاب عن دور ونضالات المرأة العالمية والارترية علي المستويين الوطني والعالمي والاقليمي، وأفاض في الحديث بصفة أخص عن دور المرأة الارترية في الكفاح الارتري المسلح حيث تقدمت الصفوف بشجاعة واقتدار واعتنقت السلاح وقدمت روحها فداءاً للوطن جنباً الي جنب أخيها الرجل.
ثم أتيحت الفرصة للسيد/ يماني زاملاي المسئول المالي بمنطقة ألمانيا للحزب والذي أشاد بدور الفرع المتميز ونشاطه المكثف في إنجاح المؤتمر الثاني للحزب، أما السيد/ قبر برهان آيطقب فقد ناشد الحضور تكثيف نضالاتهم من أجل اجتثاث الدكتاتورية من جذورها حتى لا تتناسل من جديد.
اختتم الاجتماع أعماله بتقديم الأسئلة والمقترحات والتوصيات والرد والتعليق عليها من قبل رئاسة الاجتماع ثم قام الجميع وقوفاً دقيقة حداد علي أرواح الشهداء.
خلال يناير 2015م 1113 لاجئاً ارترياً يدخلون معسكر الشجراب
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريMore...
نظام اسمرا يدعو مؤيديه لتنظيم تظاهرات مطالبة برفع الحظر عن ارتريا
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريأوردت مصادر الحزب أن نظام اسمرا قد دعا مؤيديه بالخارج لتنظيم تظاهرات ورفع مذكرات للجهات المعنية تطالب برفع الحظر المفروض علي ارتريا. وأضافت المصادر أن التظاهرات سوف تنظم باستخدام مسيرة بالدراجات الهوائية من السويد الي سويسرا.
يذكر أن الحظر الاقتصادي الدولي كان قد فرض علي نظام اسمرا لمساعدته التنظيمات الإرهابية المتطرفة التي تنشط في منطقة القرن الافريقي.
هذا ونسبة للضغوط والآثار الثقيلة التي خلفها الحظر علي النظام بدأ يتودد للأنظمة الغربية بوعود من شاكلة العمل بالدستور المجمد، تحديد مدة الخدمة الوطنية ب 18 شهراً، الإفراج عن السجناء السياسيين ...الخ. كما يتخذ النظام وسيلة تنظيم التظاهرات هذه لإقناع العالم بأن له أنصار ومؤيدون من شعبه وأنه ليس دكتاتورياً معزولاً منبوذاً من الشعب.
يجدر بالذكر أن هذه التحركات المخادعة والوعود الكاذبة إنما تستهدف النيل من قوة واندفاع نضالات شعبنا الساعية لتحقيق الحرية والديمقراطية والعدالة وصيانة حقوق الانسان، ولن تنطلي علي أحد.
1/ تقوم سلطات نظام اسمرا الدكتاتوري بهدم أو مصادرة منازل ومنشآت المواطنين أو تغريمهم غرامات نقدية باهظة تحت حجة أنهم بنوها أو قاموا بترميمها دون إذن السلطات. وجدت تلك الخطوات التعسفية من السلطات مقاومةً عنيفة من المواطنين بمدينة عدي قيح وراح ضحية تلك المقاومة عدد من الضحايا.
2/ أمرت السلطات الارترية مواطنيها القاطنين بقرى ضواحي بادمي في كلٍّ من جارت، أركوب، هدامو، ألالا، مائيل، أمرتهم بالرحيل من قراهم الحدودية تلك الي داخل العمق الارتري. هذا وقد فسر المتابعون ذلك بأن السلطات تخلي تلك المناطق المحادَّة لاثيوبيا أو القريبة من حدودها لاستعمالها في أغراض استخبارية داخل ارتريا أو اثيوبيا فضلاً عن تخصيصها لنشاطات المعارضة الاثيوبية.
3/ تم تغيير مكان إقامة التنظيم الاثيوبي المعارض المعروف بالحركة الديمقراطية لشعب التجراي (دمهيت) من معسكر حارينا بالقرب من قلوج الي قرية قرقجي الواقعة علي الضفاف الشرقية لنهر القاش بالقرب من قونيا. هذا وتعزو المصادر ذلك الي تعرض الدمهيت لهجمات (الديمحاكوئي)، التنظيم الارتري المعارض المعروف باسم الحركة الديمقراطية لتحرير كوناما ارتريا.
يذكر أن بعض قوات الدمهيت لها معسكرات بالمرتفعات الارترية في كلٍّ من عدِّي موسيي وعالا. علماً أن بعض المراقبين يقولون أن حماية أمن أسمرا ليلاً توكل الي تلك القوات الاثيوبية.
4/ نسبةً للهروب المتواصل لجنود وضباط الجيش الارتري النظام وتأثيره الحاد علي حجم الجيش كماً ونوعاً فقد قرر النظام مؤخراً ضم مليشياته الشعبية التي ظل يدربها ويصنعها تحت مختلف المسميات، قرر ضمها الي الجيش النظامي ليخضعها للوائح والقوانين العسكرية.
Eritrea/Europa: Exil-Eritreer zahlen Zwangssteuern an die Diktatur
Written by Esther Saoub und Lena Kampf, ARD
Flüchtlinge werden gezwungen, Geld nach Eritrea zu überweisen.
Sie fliehen vor Armut und Unterdrückung – und werden dann gezwungen, das diktatorische System weiter zu finanzieren, durch eine sogenannte "Aufbau-Steuer". Eritreer in aller Welt zahlen zwei Prozent ihres Einkommens an die eritreische Regierung. Wenn sie dies nicht tun, erhalten sie von ihrem Geburtsland weder einen neuen Pass noch offizielle Dokumente.
Eritrea steht in der Kritik der UN, denn das totalitäre Regime unterstützt die Opposition der Nachbarstaaten – auch militante Gruppen wie Al Shabab. Doch trotz UN Sanktionen unternehmen europäische Regierungen nichts dagegen, dass Exil-Eritreer und anerkannte eritreische Asylbewerber dazu gezwungen werden, Geld nach Eritrea zu überweisen.
Einzige Gegenmaßnahme der Bundesregierung und anderer EU-Staaten: das Geld darf nicht mehr durch die Botschaften oder Konsulate eingetrieben werden. Doch Recherchen von SWR und NDR zeigen, dass dies weiterhin geschieht. Und da teils auch Sozialhilfeempfänger zahlen, fließt somit Geld aus Staatskassen – auch aus deutschen – in die Destabilisierung des Horns von Afrika.
Autorinnen: Esther Saoub und Lena Kampf, ARD
Stand: 27.03.2015 14:40 Uhr
Eritrea: Spurensuche in einem verschlossenen Land
Written by Autorin: Sabine Bohland, ARD Nairobi
Jeden Monat fliehen 2000 Menschen aus dem "Nordkorea Afrikas".
Mehr als 350.000 Eritreer haben nach UN-Informationen ihr Heimatland bislang verlassen, rund sieben Prozent der Bevölkerung. Willkürliche Verhaftungen sind an der Tagesordnung, die männliche Bevölkerung wird zu einem jahre- und oft sogar jahrzehntelangen Militärdienst gezwungen, auf der Rangliste der Pressefreiheit steht das Land weltweit auf dem allerletzten Platz – noch hinter Nordkorea.
ARD-Korrespondentin Sabine Bohland hat nach monatelangem Warten ein Journalisten-Visum erhalten und konnte sich auf schwierige Spurensuche im eritreischen Alltag begeben: Was ist das für ein Land – dieses sogenannte "Nordkorea Afrikas"?
Autorin: Sabine Bohland, ARD Nairobi
Stand: 27.03.2015 14:43 Uhr