ናይ ኣተሓሳስባ ዓቕምና ኣብ ለውጢ’ዩ ክሕይል ዝግብኦ!

2015-03-31 21:48:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3302 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ:-

ኣብ መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ እቲ ቀዳማይ ተመራጺ ኩልኻ ዕዉታት ክትኮነሉ ዘኽእል ማእከላይ ፍታሕ ምርካብ እዩ። እዚ ኣብ ዘይተኻእለሉ ግና፡ ናብ ሓዴኻ ሰዓሪ ሓዴኻ ድማ ተሰዓሪ እትኾነሉ ናይ “ንሓዴና እያ” ቃልስን ህልኽን ክትኣቱ ናይ ግድን እዩ። ናብቲ ምዕቡል ኩልኻ ሰዓሪ እትኾነሉ ኩነታት ምብጻሕን ዘይምብጻሕን ብሓደ ኣካል ናይቶም ተወዳደርቲ ዝውሰን ዘይኮነስ ናይ ክሎም ቅሩብነት ዝሓትት እዩ። ክልቲኦም ወይ ሓዲኦም ንናይ ሓባር ተዓዋትነት ቅሩብ ኣብ ዘይኮነሉ ከምዚ ሎሚ ኣባና ኤርትራውያን ወሲኽካ ኣብ ብዙሕ ኩርነዓት ዓለም ዝረአ ዘሎ ናይ መን ሰዓረ ውድድር ኢኻ ትኣቱ።

ኣብ ኩነታት ኤርትራ እቲ ዘሎ ፍልልይ ብናይ ክልቴኻ ተዓወቲ እትኾነሉ ንክዛዘም ዝተገብረ ጻዕርታት ኩሉ ብሰንኪ “ብውድባት ሓሸውየ የለን” ዝሕመረቱ ስስዑን ነጻግን ባህርያት ጉጅለ ህግደፍ ክትግበር ኣይተኻእለን። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እነሆ፡ ጉጅለ ህግደፍ ህልውና ናይ ለውጢ ሓይልታት’ኳ ክቕበል ቅሩብ ኣይኮነን። ነቲ ርኡይ ኤርትራዊ ተቓውሞ ንሓንሳብ ብጉልባብ ወያነ ንሓንሳብ ድማ ብኢድ ኣእታውነት ምዕራባውያን ከጐልብቦ ይጽዕር ኣሎ። እቲ ብዘይካ ከምኡ ምግባር ካልእ መተካእታ ዘየብሉ ደንበ ተቓውሞ ድማ፡ ነቲ ጉጅለ ኣወጊዱ ኣብ ቦታኡ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ይቃለስ ኣሎ።

እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ድማ እቲ ናይ ምንጽጻግን፡ ክልቴኻ ዕዉታት እትኾነሉ ኩነታት ዘይምፍጣርን ኣብቲ ኣብ መንጎ ጉጅለ ህግደፍን ኤርትራዊ ተቓውሞን ዘሎ ምትፍናን ከይተደረተ፡ ኣብ መንጎ ሕድሕድ ተዋሳእቲ ደንበ ተቓውሞ’ውን ዝተላብዐ ሕዱር ሕማም ምዃኑ እዩ። ኩልና ከም ዘይንስሕቶ፡ ሎሚ ህዝብና ካብ ጉጅለ ህግደፍ ዝጽበዮ ርህሩህ ልቢ ከም ዘየብሉ ኣረጋጊጹ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ክጠፍኣሉ ጥራይ እዩ ዝቃለስ ዘሎ እምበር፡ ሓሳቡ ክቕይር ኣይጽበዮን እዩ። ካብ ህግደፍ ሕማቕ ዜና ክሰምዕ እንከሎ ድማ ዝተጸበዮ ስለ ዝኾነ ኣይሕደሶን እዩ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ብዝፍጠር ምኽንያቱ ብዘይርደኦ ፍልልያትን ተቐራሪብካ ዘይምስራሕን ዝሓድሮ ሻቕሎት ግና ኣዝዩ ዓሚቕ እዩ። ምኽንያቱ ናይቲ ዝተጸበዮ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ምልክት ይርኢ ስለ ዘየለ።

ኣብ መንጎ ክልተ ሓይልታት፡ ከምዚ ኣብ መንጎ ደንበ ተቓውሞናን ጉጅለ ህግደፍ ቃልሲ ክካየድ እንከሎ፡ ነቲ ቃልሲ ፍሉይ ቆላሕታ ሂቦም ውጽኢቱ ዝጽበዩ ኣካላት ንዓቕሚ ናይቶም ተተፋነንቲ ሓይልታት ከወዳድርዎ ዝተለምደ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ምውድዳር ድማ ”እዚ ካብቲ ይሕይል ወይ ይሓምቕ” ዝብል ሓሳብ ይሕዙ። ኣብ ቃልስና እቲ ቀንዲ ዋናን በዓል ዋኒንን ናይቲ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነ ከምቲ ቀደም ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንውድባት ኤርትራ ዘወዳድሮም ዝነበረ፡ ሎሚ እውን ንደንበ ተቓውሞን ጉጅለ ህግደፍን ከወዳድር ናይ ግድን እዩ። ኣብቲ ውድድር ዝተፈላለዩ ኣወዳደርቲ ኣካላት ነናቶም መወዳደሪ መዕቀንታት ኣለዎም። ከከም እምነቶም፡ ንኣጽዋር፡ ብዝሒ ሰዓቢ ወይ ሰራዊት፡ ናይ ግዳም ሓይሊ ደገፍን ገንዘባዊ ዓቕሚን ከም ናይ ብቕዓት መምዘኒ ክወስድዎም ይርኣዩ። እቲ ዝያዳ ቆላሕታ ክወሃቦ ዝግባእን ግና ግቡእ ክብደት ክወሃቦ ዘይንርእዮን፡ ሓደ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዝምረሓሉ ፖሊሲ ወይ ኣተሓሳስባ እዩ። ናይ ሓደ ሓይሊ ብቕዓት ኣብ ምምዛን እዞም ዝተዘርዘሩ ካለኦት መስፈርታት፡ ቦታ የብሎምን ማለት ኣይኮነን። ኣገዳስነቶም ከከም መድረኹ ከም ዝፈላለ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ንኣብነት ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንብዝሕን ዓይነትን ተዋጋኢ ሓይልን ኣጽዋርን በሪኽ ቦታ ክወሃቦም ባህርያዊ ነይሩ። ከምዚ ሎሚ ኣተሓሳስባ ቅድሚት ይሰራዕ ንብሎ ዘለና። ንሓደ መዕቀኒ በሪኽ ቦታ ክወሃቦ እንከሎ እቶም ዝተረፉ እውን ብደረጀኦም ክዝንግዑ ኣይግበኦምን ኢልና ኣለና። ንኣብነት ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና ንኣጽዋርን ዓቕሚ ውግእን ቀዳማይ ደረጃ ክወሃቦ እንከሎ፡ ነቲ “ድሕሪ ዓውት ኣብነጻ ኤርትራኸ ነየናይ ኣተሓሳስባ ኢና ከነሰስን?” ዝብል ቆላሕታ ክንፈጎ ኣይመነበሮን። ብሰንኪ ሽዑ ኣርሒቕካ ዘይምርኣይ ኢና እምበኣር ሎሚ ዋጋ ንኸፍል ዘለና።

ኣብዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ እምበኣር እቲ ቅድሚት ክስራዕ ዝግበኦ ጉዳይ ምጥራይ ሓድሽ ኣተሓሳስባ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንጉጅለ ህግደፍ’ኳ ርእይዎን መዚንዎን እዩ። ድሕሪ ሕጂ ካብኡ ዝጽበዮ ሓድሽ ኣተሓሳስባ የብሉን። ንኣካላት ደንበ ተቓውሞ እውን ብመንጽር ኣተሓሳስባኦም እዩ ክመዝኖም ዝግበኦ። እቲ ካልእ መምዘንታት እውን ኣይረሳዕ፡ እንተኾነ ካልኣዊ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ሓይልታት ተቓውሞ እውን ንዓቕሙ ብመንጽር ዝሓዞ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ እዩ ክመዝኖ ዝግበኦ። ኣብ መንጎ ሓይልታት ተቓውሞን ኣብ መንጎ ጉጅለ ህግደፍን ዘሎ ፍልልይ፡ ሓደ ካብ ኤርትራ ወጻኢ እቲ ሓደ ድማ ኣብ ኤርትራ ብምህላዉ ኣይኮነን ክምዘን ዝግበኦ። ኣብ መንጎ ክልቲኡ ወገናት ዘሎ ናይ ፍልልይ ርሕቀትዩ ብመንጽር ኣተሓሳስባ እዩ ክርኣይ ዝግበኦ። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ውድቀት ጉጅለ ህግደፍ ዝጽበዮ ሓድሽ ገጽ ዘይኮነስ ሓድሽን ምዕቡልን ኣተሓሳስባ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።

ንሕና ውድባት በቲ ሓደ ወገን ምስ ጉጅለ ህግደፍ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ነንሕድሕድና ኣብ ቃልስን ውድድርን ኢና ንነብር ዘለና። ቃልስን ውድድርን ፈላሊኻ ክረኣዩ ስለ ዘይክእሉ። ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ውድድር ካብ ሃለና “እዚ እዩ ሓያል ናይ ውድድር ጐድነይ” እንብሎ ክህልወና ናይ ግድን እዩ። ስለዚ እቲ ክንየተሉ ዝግበኣና ዓቕሚ፡ ብረት፡ ገንዘብ፡ ናይ ግዳም ደግፍን ዕርክነትን ዘይኮነ፡ ዘጥረናዮ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ተዘሪኡ ሰናይ ዘፍሪ ሓድሽ ኣተሓሳስባ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ሓድሽ ኣተሓሳስባ ኣብ ውሽጥኻ ብዝካየድ ረቂቕ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዝምዝገብ እምበር ብሓገዝ ዝትኮብ ኣይኮነን። ንጉጅለ ህግደፍ ስዒርናዮ እንብል ብኣካል ከነወግዶ እንከለና ኣይኮነን። እቲ ሓቀኛ ዓወትና ነቲ ሕጂ ናይ’ቲ ጉጅለ ኩሉ እኩይ ተግባራቱ መንጠሪ ኮይኑ ዘሎ ጸረ ህዝብን ሃገርን ኣተሓሳስባ ዳሕራይ ከም ዘይምለስ ከነብርሶ ክንክእል እንከለና እዩ። እዚ እንተዘይጌርና ግና፡ እቲ ጉጅለ እንተወደቐ’ውን፡ እቲ እከይ ኣተሓሳስባኡ፡ ብሓደስቲ ኣሳሰይቲ ዳግማይ ናይ ምጥጣዕ ዕድሉ ዕጽው ኣይክኸውንን እዩ። እዚ ድማ ብናይ ጉልበት ዘይኮነስ፡ ብናይ ኣተሓሳስባ ቅልጽም’ዩ ዝረጋገጽ። “ናይ ኣተሓሳስባ ዓቕሚ” ምምዕባል ሰፊሕን ኣብ መስርሕ ዝረጋገጽን ኮይኑ፡ ንኹሎም እዞም ኣብ ደንበ ተቓውሞና ዘሳቕዩና ዘለዉ ድኽመታት ዝዓጽፍ እዩ።

ስለ'ዚ፡ ኣብ ኣተሓሳስባናን ፖለቲካዊ ንቕሓትናን ለውጢ ከንገብር እንተደኣ ዘይክኢልና፡ ኣብ ጸቢብን ኣዕናውን ናይ ሕድሕድ ቃልስታት ዕንክሊል ክንብል ክንግደድ ኢና። እዚ ድማ፡ንዕምሪ ናይ'ቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘናውሕ ዕድል ክፈጥር ኢዩ።

31 መጋቢት 2015

Last modified on Tuesday, 31 March 2015 23:52