ንሰብኣዊ መሰላት ብምግሃስ፡ ንግዝኣተ-ሕጊ ብምጥሓስ ዝረጋገጽ መሰረታዊ ለውጢ የለን

2015-03-27 05:21:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3449 times

ርእሰ-ዓንቀጽ

ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሜዳ፡ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ፡ ብዛዕባ መሰረታዊ ለውጢ ዝብል ኣምር ሓደ ዝዀነ ኣረዳድኣ የለን። ገሊኡ ንመሰረታዊ ለውጢ፡ ብውግእ ወይ ብዓመጻዊ ኣገባብ ጥራሕ ዝመጽእ ለውጢ ገይሩ ይርድኦ። ገሊኡ ድማ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጕጅለን ደገፍቱን ከም ሰባት ብምድምሳስን ብምቕንጻልን ዝረጋገጽ ለውጢ ገይሩ ክገልጾ ይፍትን። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ መሰረታዊ ለውጢ ማለት፡ ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣልጊስካ ብኻልኦት ሰባት ምትካእ ገይሮም ይርድእዎ። እዚ ግን፡ እቲ ቅኑዕ ኣገላልጻ ናይ መሰረታዊ ለውጢ ኣይኰነን።

መሰረታዊ ለውጢ ማለት ነቲ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ስርዓት ብኻልእን ዝማዕበለን ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ስርዓት ምትካእ ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ ህልዊ ኵነታት ኤርትራ፡ ንምልካዊ ስርዓት ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካእ ማለት ኢዩ። እዚ ከኣ መስርሕ እምበር፡ ብሓደ ለይቲ፡ ወይ ብሓደ መዓልቲ ወይ ብሓደ ዓመት ዝረጋገጽ ኣይኰነን። ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ምስግጋር ማለት፡ ብምእላይ ምልካዊ መንግስቲ ጀሚሩ፡ ብርግኣት ዝሰፈኖ መሰጋገሪ መድረኽ ኣቢሉ፡ ናብ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምብጻሕ ኢዩ። እዚ መስርሕ'ዚ ብዙሕ ብድሆታት ዘለዎ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይመስለናን። ናብ'ዚ ዕላማ'ዚ ንምብጻሕ ድማ፡ ስኒት፡ ዕርቂ፡ ፍትሒ ....ወዘተ ምንጋስ የድሊ። ዲሞክራሲ፡ ብናይ ወለዶታት ቀጻሊ ቃልስታት እናዓመቘን እናዓዀዀን ዝኸይድ እምበር፡ ከም ቃንጥሻ ጽባሕ ውድቀት መንግስቲ ኢሳያስ በቝሉ ዝሓድር ማና ኣይኰነን። ኣብ ኣፍሪቃ ዝህነጽ ዲሞክራሲ፡ ብሓጺር ግዜ፡ ማዕረ'ቲ ኣማእት ዓመታት ዝወሰደ ህንጻ ዲሞክራሲ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ክኸውን ክንጽበዮ ውን ኣይንኽእልን ኢና።

መሰረታዊ ለውጢ ብምልጋስ ናይ'ቲ ምልካዊ መንግስቲ ጥራሕ ዝረጋገጽ ኣይኰነን። ንምልኪ ኣልጊስካ፡ ብምልኪ ምትካእ ውን ኣሎ ኢዩ። እቲ ለውጢ መሰረታዊ ክኸውን፡ ናይ ህዝቢ ወይ ሕብረተሰብ መነባብሮ፡ ንቕሓትን ኣተሓሳስባን ውን ክቕየር ክኽእል ኣለዎ። ሕብረተሰብ ንምቕያር ዘገልግል ቀንዲ መሳርሒ ድማ፡ ውግእ ዘይኰነስ ትምህርቲ ኢዩ። ገለ ውልቀሰባት ወይ እኩባት ሰባት ለውጢ ስለዝደለዩ፡ ለውጢ ይመጽእ ማለት ኣይኰነን። ለውጢ ብባህግን ምንዮትን ጥራሕ ክረጋገጽ ኣይክእልን ኢዩ። ናይ ለውጢ መስርሕ ብሕግታት ኢዩ ዝግዛእ። ለውጢ ክረጋገጽ እምበኣር፡ ሕብረተሰብ ብምሉእ ክቕየር ወይ ክልወጥ ኣለዎ። ህዝቢ ምንጪ ናይ ስልጣን፡ ምንጪ ናይ ለውጢ ምዃኑ ብልቢ ኣሚንካ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ብምስራሕ ከኣ'ዩ ለውጢ ዝረጋገጽ። ናጽነት ናይ ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ስለዝኣመነሉን ስለዝተቓለሰሉን ኢዩ ተረጋጊጹ እምበር፡ ብውሑዳት ሰባት ዝተመጠወሉ ህያብ ኣይኰነን።

ሕቶ ሰላምን ውግእን ውን ምስ መስርሕ ለውጢ ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ሰላም እንተደኣ ዘይሃልዩ ስራሕ፡ ህንጻ፡ ምዕባለ ይኹን ዲሞክራሲ ዝብሃል ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። ህዝቢ፡ ኵሉ ግዜ ምስ ሰላም ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ምኽንያቱ ድማ፡ ውግእ ማለት፡ ዕንወት፡ ብርሰት፡ ሞት፡ ስንክልና፡ ስደት፡ ጥሜት ....ወዘተ ማለት ስለዝዀነ። ህዝቢ ኣመና መሪርዎ ንነብሱ ንምክልኻል እንተዘይኰይኑ፡ ንመሰል ናይ ካልኦት ንኽረግጽ ወይ መሬት ናይ ካልኦት ክምንዝዕ ኢሉ ንውግእ ኣይመርጾን ኢዩ። ስለ'ዚ፡ ብውግእ ዝረብሑን ውግእን ወረ ውግእን ዝፈጥሩን ገበነኛታት መራሕቲ ጥራሕ ደኣ'ምበር፡ ኣህዛብ ከምዘይኰኑ ክስመረሉ ይግባእ።

ኣብ ግዜ ውግእ፡ ወለዲ ኢዮም ንዕሸላት ደቆም ዝቐብሩ፤ ኣብ ግዜ ሰላም ግን፡ እቶም ንኣሽቱ ደቆም ኢዮም ንወለዶም ዝቐብሩ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ኣብ ግዜ ሰላም፡ እቲ መብዛሕቱ ዝመወት እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ክኸውን ከሎ፤ ኣብ ግዜ ውግእ ግን፡ እቲ ክጐይን ክዋጋእን ዝኽእል መንእሰይ ኢዩ ዝመውት። ስለ'ዚ ውግእ፡ ንመንእሰያት ዘብርስ ተርእዮ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኰነን። ብዘይ መንእሰይን ብዘይ ትምህርትን፡ ክምዕብል ኰነ ክብልጽግ ዝኽእል ሃገር ከምዘየለ ድማ፡ ኵላትና እንቕበሎ ኵነታት ሃገርና ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ።

ግዝኣተ-ሕግን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ውን ኣገዳስቲ ቅድመ-ኵነት ንመሰረታዊ ለውጢ ኢዮም። ሰባት መሰሎምን ክብሮምን እንተደኣ ዘይተኸቢሩ፡ ኣብ ልምዓትን ምዕባለን ሃገር ኣወንታዊ ግደ ክህልዎም ኣይክእሉን ኢዮም። ዓመጽን ዓፈናን ኣብ ዝነገሶ ሕብረተሰብ መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝከኣል ኣይኰነን። ዝተዓፈነን ዝተዓመጸን ሰብ ይኹን ህዝቢ ኵሉ ዓቕምታቱ ንምዕባለን ለውጥን ክጸምዶ ፈጺሙ ዘይሕሰብ ኢዩ።

ዓመጽ፡ ጭቆና፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ውግእ ምስ መሰረታውን ኣወንታውን ለውጢ ዘይጠዓዓሙ ኣምራት ኢዮም። ንኣብነት፡ ብህዝባዊ ናዕቢ ዝተረጋገጸ ውድቀት ናይ ምልካዊ መራሒ ሊብያ፡ ፕረሲደንት ጋዳፊ፡ ብናይ ቀቢላን ሃይማኖትን ውድባት ስለዝተጨውዩ፡ ህዝቢ ግዳይ ናይ ምሕረት ዘይብሉ ውግእ ሕድሕድ ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ሱርያ እውን፡ ብሰላማዊ ሰልፍታት ዝጀመረ ናይ ለውጢ ጠለብ፡ ብናይ ውግእ ጐይቶት ተጨውዩ፡ ናብ ዘሕዝን ደም ምፍሳስ ከምርሕ ተራእዩ ኢዩ።

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ብዝኸፈተቶ ውግእ፡ ምልካዊ መንግስቲ ሳዳም ሑሴን ክወድቕ'ኳ እንተኸኣለ፡ ህዝቢ ዒራቕ ግን፡ ግዳይ ሃይማኖታውን ቀቢላውን ግርጭታትን ግዳይ ሕንፍሽፍሽን ውግእ ሕድሕድን ኢዩ ኰይኑ። ኣመሪካ ንሰራዊት ናይ ሳዳም ሑሴን ፋሕ ምባላ፡ ሓደ ካብ'ቲ ጠንቂ ናይ ዘይምርግጋእ ናይ'ታ ሃገር ምዃኑ ሎሚ ዋላ ኣመሪካውያን ውን ክዛረብሉ ይስምዑ ኢዮም።

ኣብ ቱኒዝያ ግን፡ እቲ ህዝባዊ ናዕቢ ንስርዓት ናይ ቢን ዓሊ ዓልዩ፡ ብሰላማዊ ናይ ምስግጋር መድረኽ ኣቢሉ፡ ናብ ብዙሓት ሰልፍታት ዝዋስእሉ ቅዋማዊ ስርዓት ተሰጋጊሩ ኣሎ። ቱኒዝያውያን፡ ነዚ መኽሰብ'ዚ ንምሕላው ኣበርቲዖም ይሰርሑ ኣለዉ።

ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ዝተኸስቱ ኣወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ተራእዮታት ትምህርቲ ክቕሰመሎም ዝኽእሉ ተመኵሮታት ኢዮም።

Last modified on Friday, 27 March 2015 06:25