ሰሚናር ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ጨናፍር ሽወደንን ደንማርክን ክፉት ህዝባዊ ኣኼባን ኣብ ከተማ ቨክሾ ብምዉቕ ኣገባብ ተሳላሲሉ

2015-03-30 21:01:23 Written by  ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ካብ ሽወደን Published in EPDP News Read 3110 times

ሓርነታዊ ቃልስና ክዕወት ዘተ ብዘይቅድመ ኩነት !!! ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፡ ሰሚናር ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ጨናፍር ሽወደንን ደንማርክን ክፉት ህዝባዊ ኣኼባን ብ27-29 መጋቢት 2015 ኣብ ከተማ ቨክሾ፡ ሽወደን፡ ብምውቕ ኣገባብ ተሰላሲሉ። ኣብ'ዚ ሰሚናር'ዚ፡ 2 ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ፡ ማለት ኣቶ ረዘነ ተስፋጽዮን፡ ሓልፊ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጕዳያት፣ ኣቶ ተኽለ መለኪን፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት፤ ከምኡ ውን፡ ክልተ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰልፍና ማለት ወይዘሮ ገርጊስ ነጋሽ፡ ምክትል ኣደ ወንበር ቤት ጽሕፈት ጕዳያት ደቂ ኣንስትዮን ኣቶ ኣማኑኤል በራኺ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ኣቶ ነጋሲ ሓምደ ወኪል ስርዒታውን ገንዘባውን ጕዳያት ኣብ ዞባ ኣውሮጳ ተኻፊሎም ነይሮም።

VaexjoeSeminar 1

ኣባላት ሰሚናር ካብ ዓርቢ ሰዓት 18፡30 ኣትሒዞም ኢዮም ናብ ከተማ ቨክሾ ክኣትዉ ጀሚሮም። ዋዕሮ ኣባል ወይዘሮ ሮሚ ኢብራሂም ምስ ስድራቤታ ኰይኖም ድማ፡ ንኣጋይሽ ቡን፡ ሻሂ፡ ሕብስቲ ድራር ብፍሕሽው ኣገባብ ብምቕራብ ንኣጋይሽ ሰሚናር ኣአንጊዶም። እቶም ኣቐዲሞም ዝመጹ ኣባላት ሰሚናር ድማ፡ ነቲ ኣዳራሽ ናይ ኣኼባ ብዝተፈላለዩ ጭርሖታት፡ ስእልታትን ዕንባባታትን ሰሊሞም። ብድሕር'ዚ ምውቕ ዕላልን ጸወታን ዝነበሮ ምስዮት ኣጋይሽ ኣብ ከባቢ ሰዓት 3፡00 ናይ ለይቲ ናብ መዳቕሶኦም ከይዶም።

ንጽባሒቱ ዕለት 28 መጋቢት 2015 ካብ ሰዓት 7፡00 ክሳብ ሰዓት 9፡00 ናይ ንግሆ ኣብ ዝነበረ ሰዓታት ኣባላት ሰሚናር ነቲ ብእቶ በረኸት ገብርኣብ ዝተዳለወሎም በብዓይነቱ ምኡዝ ቍርሲ ድሕሪ ምምጋብ ልክዕ ሰዓት 9፡00 ሰሚናር ተጀሚሩ።

VaexjoeSeminar 2

ነቲ ሰሚናር ዘማእክሉ ዝነበሩ ኣቶ ጽሃየ ቀለታን ወይዘሮ ሮሚ ኢብራሂምን ንኣጋይሽ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምትሕልላፍ፤ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ኣካላዊ ርክብ ክግበር ድሌትን ሕልምን ስውእ ተቓላሳይ ኪዳነ ገብርኣብ ስለዝነበረ፡ ነዚ ፍጻሜ'ዚ ክውን ዝገበርኩም ኣባላት ጨናፍር ሽወደንን ደንማርክን ነመስግን፤ ክቡር ብጻይና ነብሰሔር ኪዳነ ገብረኣብ ድማ፡ ትምኒትካ ተፈጺሙ ኢዩ'ሞ ቅሰን ብምባል ኢዮም ከፊቶሞ።

ቀጺሎም፡ ነቶም ኵሉ ውራዮም ገዲፎም ኣብ ሰሚናር ዝመጹ ውፉያት ኣባላት፡ ከምኡ'ውን፡ ብቅቡል ምኽንያታት ናይ ጥዕናን ስራሕን ክካፈሉ ዘይከኣሉ፡ ግን ከኣ፡ ናይ ደገፍን ጽቡቕ ትምኒትን መልእኽቲ ዝለኣኹ ኣባላት ሰልፊ ሰልፊ ካብ ሃፓራንዳ፡ ኡመዮ፡ ሰልፍተዮ፡ ኦስተርሱንድ፡ ስቶኮልም፡ ኡፕሶላ ፡ ሊድሾፒን ኣመስጊኖም።

ካብ ኣቦ ወንበር ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ጨንፈር ኖርወይ፡ ኣቶ ዳዊት ኣርኣያ ዝተላእከ ናይ ምሕዝነትን ደገፍን መልእኽቲ ድሕሪ ምንባብ፡ ድማ መድረኽ ንኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ተገዲፉ። ኣቶ ረዘነ ተስፋጽዮን፡ ብዛዕባ ሃለዋትን ንጥፈታትን ሰልፊ ብሓፈሻ፡ ኣብያተ-ጽሕፈታት ፈጻሚ ሽማግለ ዘካየድኦ ንጥፈታት ድማ ብፍላይ ብዝርዝር ን45 ደቓይቕ ዝኸውን ግዜ ገሊጹ። ንካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ ንምድላው ብኣሰናዳኢት ሽማግለን ናይ ሕጸ ሽማግለን ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ውን ኣብሪሁ። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ተወፋይነትን ግደን ጨናፍር ሽወደን ደንማርክን ኖርወይን ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ኢዩ ብምባል ንኢዱ።

VaexjoeSeminar 3

ኣስዒቡ ሰዲህኤ ብዓቕሙ ንህዝቢ ዝህቦ ዘሎ ኣገልግሎት ዝንዓቕ ከምዘይኰነ ሓቢሩ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ህጻናት ትምህርቲ ንክረኽቡ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ወድሸሪፈይ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ቤት ትምህርቲ ከፊቱ ዝገብሮ ዘሎ ምርብራብ ኣመጒሱ። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ነቶም ኣብ ከሰላ ዝርከቡ ኣካለ ጽጉማን ዝኣሊ ናጻ ማሕበር፡ ንምድጋፍ ኣባላት ሰዲህኤ ዘበርክትዎ ዓቢ ተራ ውን ኣመስጊኑ። ከምኡ'ውን፡ ንደቂ ተጋደልቲ፡ ናይ ርሑቕ ወላዲ ብዝብል ፕሮጀክት፡ ኣብ ግዳም ዝርከቡ ኣባላትን ዘይኣባላትን ሰልፊ ዘበርክትዎ ዘለዉ ሓገዛት ንኢዱ። ነዚ ተሳታፍነት'ዚ ንምዕባይን ወጻእተኛታት ውን ንኽሳተፍዎ ንምግባርን ነቲ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራ አሐዲሱ ክሰርሕ ጀሚሩ ምህላዉ ውን ኣሚቱ።

ብድሕሪኡ ሓው ተኽለ መለኪን፡ ዝተበደለ መንእሰይ ብዝብል ኣርእስቲ፡ ንሃለዋት መንእሰያትና ብመሳጥን ስነፍልጠታውን ኣገባብ ን35 ደቓይቕ ዝኸውን ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ነዚ ኣብ ትሕቲ ህግዲፍ ዝተወልደን ዝዓበየን መንእሰይ፡ ዘጋጥም ዘሎ ኣካላውን ስነኣእሙራውን ማህሰይትን ኢሰብኣዊ ግፍዕታትን ውን ሓደ ብሓደ እናጠቐሰ ብኣብነታት ኣሰንዩ ኣብሪሁ።

 

ብድሕሪ ሓጺር ናይ ሻሂ ዕረፍቲ ድማ፡ ወይዘሮ ገርጊስ ነጋሽ፡ ምክትል ኣደመንበር ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ሰዲህአ፡ ብዛዕባ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮን ብሓፈሻ፡ ብዛዕባ ቃልሲ ኣብ ሰዲህኤ ተወዲበን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮን ኣመልኪታ 30 ደቓይቕ ዝወሰደ መግለጺ ኣቕሪባ። ደቂ ኣንስትዮ ናይ ገዛእርእሰን ማሕበራትን ምትእስሳራትን እናገበራ ብንቕሓት ንመሰላተን ክቃለሳ ድማ ጸዊዓ። ኣባላት ሰልፊ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ኣብ ከም'ዚ ዝኣመሰላ ማሕበራትን ምትእስሳራትን ኣትየን ግዴአን የበርክታ ከምዘለዋ ኣረዲኣ።

ኣቶ ነጋሲ ሓምደ ድማ፡ ብሕጽር ዝበለ ኣገባብ ውደባውን ገንዘባውን ሃለዋት ሰዲህኤ ዞባ ኣውሮጳ ከመይ ከምዘሎ ገሊጹ። ጨናፍር ስካንዲናቪያን ኣብ ክልቲኡ ማለት ኣብ ውድባውን ገንዘባውን መዳያት ዕዙዝ ግደ ከም ዘለወን ሓቢሩ። ቀጺሉ ከኣ ከም ኣባል ኣሳናዳኢት ሽማገለ 2ይ ጉባኤ ሰዲህኤ መጠን፡ ተሳላሲሉ ዘሎ ምስንዳኣትን በጺሕዎ ዘሎ ብርክን ዘተኣማምን ምዃኑ ኣስሚርሉ።

መግለጺታት ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ኣኼበኛታት ንሓሰ ሰዓት ፈረቓን ዝኸውን ግዜ፡ ብህዱእን ሃናጽን ዝዀነ መንፈስ ተመያይጦም፡ ሕቶታቶም፡ ርእይቶታትም ለበዋታቶምን ድማ ኣቕሪቦም።

ኣብ መደምደምታ፡ ኣማእከልቲ ሰሚናር፡ ኣቶ ጽሃየ ቀለታን ወይዘሮ ሮሚ ኢብራሂምን፡ ነቶም መግለጺ ዝሃቡ ኣባላት ኣመስጊኖም፤ ብሰማያዊ ጨርቂ ሕብሪ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ዝተኣስረ ዕታር ቀይሕ ጽገረዳ ዕንባባ ኣበርኪቶምሎም። ኣባላት ሰሚናር ኣባላት ብጨብጨባ ብምስናይ ኣኺባ ተዛዚሙ፡ ኣኼበኛታት ድማ ናብ ምሳሕ ኣምርሑ።

ሰዓት 3.00 ድሕሪ ቀትሪ ኣገደስቲ ገዳይም ተጋደልትን ሓደስቲ ስደተኛታትን ዝተሳተፍዎ ሰለስተ ሰዓትን ፈረቓን ዝወሰደ ሰሚናር ተኻይዱ። ኣቶ ረዘነ ተስፋጽየን፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጕዳያት ሰዲህኤ፡ ንኣመሰራርታ ሰልፊ ኣመልኪቱ ንዝነበሩ ብድሆታት ክመይ ከምእተሰግሩን ብሰፊሕ ኣረዲኡ። ነቲ ጀብሃን ሻዕብያን ዝብል ታሪኻዊ ፍልልያት ሰጊሩ፡ ንህዝቢ ዘርብሕ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ንምህናጽ ዝዕላምኡ ቃልሲ ዘካይድ፡ ንመጻኢ ዝጥምት ሰልፊ ምዃኑ ሓቢሩ። ዕላማና ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ ኰይኑ፡ ከም'ዚ ኣብ ጭርሖ ትርእይዎ ዘለኹም፡ ሰላማዊ ፖለቲካውን ቃልስን ልዝብን ዝማእከሉ ኣገባብ ዝኽተል ሰልፊ ኢዩ ኢሉ። ብድሕሪኡ ሓው ተኸለ መለኪን፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ውን ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ።

ናይ ሕቶን ርእይቶን መድረኽ ምስ ተኸፍተ፡ ካብ ኣኼበኛታት ብዙሓት ርእይቶታትን ሕቶታትን ቀሪቦም። ገለ ካብ'ቶም ዝቐረቡ ኣገደስቲ ሕቶታት ንሓድነት ደምበ ተቓውሞ፡ ለውጢ ካብ ውሽጢ'ዶስ ካብ ግዳም? ሃለዋት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምልከት ነበረ። ነዚ ሕቶታት'ዚ ድማ፡ መራሕቲ ኣኼባ መልስታቶምን ርእይቶታቶምን ሂቦምሉ።

ድሕሪ ሰሚናር ምዝዛሙ፡ ዶክተር ሃብተሚካኤል ተኽለ፡ ንሕማም ሽኰርን ጠንቅታቱን ክግበር ዝግብኦ ጥንቃቐታትን ክንክንንን ዝምልከት ሓደ ሰዓት ዝወሰደ ጠቓሚ ኣስተምህሮን ምኽርን ሂቡ። ካብ ኣኼበኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶታት ድማ መሊሱ።

VaexjoeSeminar 5

ኣብ መንጎ ከኣ፡ ዋዕሮ ወይዘሮ ሮሚ ኢብራሂምን ዉፍይ በዓል ቤታ ኣሕመድን፡ ከምኡ'ውን፡ ዉፍይ ተቓላሳይ በረኸት ገብረኣብን፡ ብናቶም ወጻኢታት ንኣኼበኛታት ዝገበርዎ መስተንግዶታት ብምምጓስ፡ ናይ ኵሎም ኣባላት ሰሚናር ክታም ዝሓዘለ ካርድን ዐዕታሮ ዕንባባ ንነፍስወከፎም ተሰሊሞም። ከምኡ'ውን፡ ነቶም መስተ፡ እንገራ፡ ቅጫን ሕምባሻን ተሸኪሞም ዝመጹን ዝመጻን ኣሕዋትን ኣሓትን ጽሃየ ቀለታ፡ ገርጊስ ነጋሽ፡ ኣልጋነሽ ኢሳቕ ኣልጋነሽ ያቆብን ክብ ዝበለ ምስግና ቀሪቡሎም።

VaexjoeSeminar 4

ኣብ መወዳእታ፡ ድሕሪ ቍርሲ፡ ተኻፈልቲ ሰሚናር፡ ፈተውትን ቤተሰብን ነብሰሄር ኪዳነ ገብርኣብ፡ ናብ ቦታ መቓብር ብምኻድ፡ ኣብ መቓብሩ ዕንባባ ብምቕማጥን ናይ ሕልና ጸሎት ብምዕራግን ናይ ሰለስተ መዓልታት ውዕሎኦም ዛዚሞም።

Last modified on Monday, 30 March 2015 23:12