ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት
ንፍትሓዊ ማዕርነት ዝወላዕኪ ክርቢት
ብዘይግልጽ ምልጽ ናይ ካልኦት ትጽቢት
ንንጹር ዕላማ ጸረ ድሑር ትዕቢት
ንቓልሲ ዓዲማ ንኩለን ብሕብረት።
ኣካል ናይ'ዚ መስርሕ ኤርትራዊት ኣደ
ከም ኣባል ደቂ ኣንስትዮ ዓለም በቲ ሓደ
ጸረ ባዕዳዊ ስርዓት ምግዛእኪ ዝለመደ
ጸጋኺ ግሒጡ ፍጹም ዝሰወደ
ንቓልሲ ወሲንኪ ንግሆ ከይረፈደ።
ኣብ ክንዲ ምሕንቓቕ ተመርዒኺ ሕጽኖት
ብትብዓት ነቒልኪ ደድሕሪ ቀዳሞት
ኣብ'ቲ ከርፋሕ ናብራ ናይ ምህላው ወይ ሞት
ስለ መሰል ፍትሒ ንራህዋ ዳሕረዎት
ብትብዓት ወሲንኪ ንኽትከፍሊ ህይወት።
ኣብ'ቲ ጽንኩር ኩነት ናይ ጅግንነት ቦታ
ድምብርጽ ከይበላ ጾታዊ ፍጥረታ
ታሪኽ ኣመዝጊባ ማዕረ ምስ ኣሕዋታ
ኣብ ኲናት ትድብል ዘይብላ መሰታ
ተኣምር ሰሪሓ ከፊላ ህይወታ፡፡
ኤርትራዊት ኣደ'ወ እዛ ጅግና
ብውሽጢ ብደገ ደጀን ናይ ሰውራና
ምስጢርና ዓቂባ ምስጢር ተስንቐና
ዕሩቓት ትኸድን ቀንጢጣ ዝባና
ዕዙዝ'ዩ ሞያኺ ኣብ መስርሕ ቃልስና።
ብሳላ ጅግንነትኪ ዝተረኽበት ዓወት
ደሞም ከይነቐጸ ናይ ስዉኣት ብጾት
ጽባሕ ነጻነትና ኣብ ዘይመልእ ዓመት
ስልጣኑ ከጣጥሕ ኣትዩ ኣብ ሓፈትፈት
ሽዑ እያ ጅሚራ ናይ ሎሚ ባርነት።
ፍትሓውያን ከሕቅቕ ዓገብ ካብ ዘይንብል
ስንኩላን ክቕንጽል ብቓሉ ካብ ንዕልል
ውላድና ክዘምት ካብ በልናሉ ዕልል
ኣብ ጕድኒ ሬሳታትና ጓይላ ካብ ንዘልል
ባዕልና'ምበር መን ሂብዎ ዕድል።
ሽደን ኤርትራዊት ኣብ ሸዊት ዕድመኺ
መሪር ህይወት ቃልሲ ከም ንቡር ወሲድኪ
ኣብ ከበሳን ቆላን ታሪኽ ዝጸሓፍኪ
ንመሰል ተቓሊስኪ መሰል ዘይምርካብኪ
ዓለም ገሪምዋ ብመሪር ወጽዓኺ።
እዛ ናጻነትና ኣሽሓት ዝተኸፍላ
ፍቕሪ ከይትጥጥዕ ወደቦ ዘይብላ
ውሉዳ ከይስስን በጃ ዝሓልፈላ
ራሕሪሕዋ ከይዱ ተስፋ ስኢኑላ።
ብሉጻት ከፊልኪ ንፍትሒ ንሰላም
ኣብ ራህዋ ክትነብሪ ተቐንጢጡ ጸላም
ክብርኺ ክሕሎ ኣልቦ ዓመጽ ሓራም
ወፊርኪ ክትኣትዊ ብብርሃን ብጸላም
ዘይተጸበኽዮ ደጊሱኪ ሕማም።
ሃገራዊ ኒሕኪ ብተንኰል ገምጊሙ
መልኣኽ ተመሲሉ ኣብ ጽላልኪ ቆይሙ
ናይ ሳጥናኤል ባህሩ ባርኖስ ተሽፊኑ
ስልጣኑ ከጠጥሕ ጎረቤት ዓዲሙ
ናትኪ እናመሰለ ኣንጻርኪ ዓሊሙ።
ቅዋም ከይሰርሕ ፍጹም ካብ ሓንገደ
ናይ ምዝራብ ዕዽል እንካብ ተኣገደ
ሰሪሕካ ናይ ምንባር መሰል ከይተፈቕደ
ዘዝወለድክዮ መንእሰይ ንስድት ካብ ከደ
እንታይ ኢና ክንጽበ ካብዚ ዝገደደ።
መሰል ተሓልዩ ሃገር ከይቀሰነት
መግቢ ዕለት ረኺባ ህይወት ከይተዋሕሰት
ንግሆ ዝወፈረ ከይተመልሰ ምሸት
ፍቅሪ ከይሰፈነ ኣብ መንጎ ስድራ ቤት
ስቓይና ከብቅዕ ኣይሕሰብን ዘበት።
ኣብ ገዛእ ሃገርኪ ሰላም ካብ ሰኣንኪ
ክሽየጡ ክልወጡ መናአሰይ ውላድኪ
ሓዳርኪ ክስወር ህጣሙ ዘይብልኪ
ግራት ጓሂ ኮይንኪ ጽማልያ ካብ መሰልኪ
ንለውጢ ተንስኢ ኣልዕሊ ቅልጽምኪ።
ዕድልኪ ገይርዎ ካብ መረረ ህይወት
ዕጉስ ባህርያትኪ ካብ ተቆጽረ ድኽመት
ንራህዋ ተበጅኺ ካብ ወረደ ድንገት
ኣብ ውሽጢ ገዛኺ ካብ ዝመላለስ ውርደት
ሕጅውን ብቓልሲ'ዩ ዝረጋገጽ ማዕርነት ምስ ክብረት።
ሓብተይዶ ክብለኪ ፍላይ ማንታይ
ሓዳረይዶ ክብለኪ ፍንጫሕ መሰንገለይ
ብጸይተይዶ ክብለኪ ተባዕ መቓልስተይ
ኣብ ራህዋ ኣብ ጸገም የማነይቲ ኢደይ።
እዚ ንጹር ስእሊ ኩነታት ሃገርና
ቋንቋና ዝዛረብ ሃገራዊ ጓና
ምጥፋአና ዝሕልሙ ሱርና መሰረትና
ሓደ'ዩ ጸላኢና ንወድና ጓልና
ሓቢርና ንእለዮ ከይተፈላለና።
ናይ መሬትና ሽሻይ ክመልእ ቆፎና
ዒባ ከይሓርሞ'ቲ ማሙቕ ደምበና
ኣብ ዓዶም ክሕንቅቁ ዕሸላት ደቅና
ንስርዓት ህግደፍ ነዚ ስሱዕ ጋውና
ግሒጥካ ኣብ ምጉሓፍ ኣብ ጎድንኽን ኣሎና።
ዓንደጽዮን ግርማይ
ጀርመን
8 መጋቢት 2016
መላእ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ን8 መጋቢት ምእንቲ ክብረንን ንሰብኣዊ መሰለንን ተቓሊሰን ዝዕወታላ መዘከሪት ዕለት እያ። እዛ ክብርቲ ዕለት እዚኣ ነተን ፍርቂ ሕብረተሰብ ዝኾና ደቂ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ትምልከት ዘይኮነትስ ንመሰል ወዲ ተባዕታይ እውን ዝሓወሰት እያ። ምኽንያቱ ወዲ ተባዕታይ ሓዳር ገይሩ ጓል ስለ ዝወልድ’ሞ ጓሉ ክትውጻዕ ወይ ክትጭኰን ስለ ዘይደሊ ክኸላኸለላ ናይ ግድን እዩ።
በዛ ዕለት እዚኣ ቤት ጽሕፈት ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ5 መጋቢት 2016 ንቃለ መሓትት ቀሪበን ንዝሃብኦ ጽማቚ መልስታት ንኣንባቢ እነሆ ንብል ኣለና።
እቲ ቃለ መሓትት በቲ ወናም ደራፋይ ኣልኣሚን ዓብደል ለጥፍ ብቋንቋ ተግረ ‘’ይማ’’ ኣደይ ትብል ዝደረፋ ደርፊ እዩ ተኸፊቱ።
**************
ብዛዕባ 8 መጋቢት ምስ ሓርነታዊ ቃልሲ ዘለዋ ምትእስሳር ዝምልከት ሕቶ ማለት እዛ ዕለት ኣዚኣ ንዝኽሪ እተን ኩለን ኣደታትን ኣሓትን ኣንጊሀን ንመሰለንን ንክብረንን ክብላ ዝተዋደቓላን ዝተቓለሳን ብኡ መሰረት ከኣ ንምዕዋቱ ዝተሰወኣን ዝሰንከላን ብሰንኪ ጨቋኒ ስርዓት ተጠሊመን ኣብ ፈቀዶ በረኻን ባሕርን ህይወተን ዝጠፍአት ክብርን መጎስን፡ ነተን ህልዋት ከኣ ዮሃና ምባል እዛ ዕለት እዚኣ ምስ ሓርነታዊ ቃልሲ ዘለዋ ምትእስሳር እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ሰብኣዊ ርህራሀ ዝጎደሎ ግፍዒ ንምውጋድ ጌና ተሪር ቃልሲ ይጽበየን ከምዘሎ እትእምት ምዃና ገሊጸን።
እቲ ንድርብ ወጽዓ ካብ ሱሩ ክመሓው ዝተቓለሳሉ ጌና ከምዘይተዓወተን ክቃለሳ ከምዝግበአንን ብሩህ እዩ። መሰል ጓል ኣንስትይቲ ንበይና ክተረጋግጾ ስለዘይትኽእል ናይ ደቂ ተባዕትዮ ደገፍ ከም ዘድልየን ውን ሓቢረን።
ኩሉ ከም ዝፈልጦ ግደ ጓል ኣንስተይቲ ካብ መስርሕ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ኣዝዩ ዕዙዝ ዝነበረ ኮይኑ፥ ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ተሳቲፋ ከም ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ የሕዋታ ተስዊኣን ሰንኪላን ንናጽነት ሃገርና እውን ዘውሓሰት እያ። ብፍላይ እተን ኣብ ገጠራት ዝቕመጣ ዝነበራ ኣደታት ውጉእ ብምዕንጋልን፥ ኣብ ግዜ ውግእ እውን ማይን ዝብላዕን ሒዘን እናዓለላ የቕርባ ነይረን። ኣብ ውሽጢ ከተማ ዝነበራ እውን እነተኾና ኣብ ናይ ስለያ ጉዳይ ካብ ውሽጢ ጸላኢ ሓበረታ ረኺበን ንገድሊ ኤርትራ የስንቓ ነይረን። ኣብ ስደት ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ እውን ሸቂላ ስልማታን ገንዘባን ንገድሊ ተወፊ ነይራ እያ። ስለዚ ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ ካብ ቦዂሪ ሰውራ ጀሚራ ተቓሊሳ ንሰውራ ክሳብ ዓወት ጸብሐት እያ።
ሕቶ ጓል ኣንስተይቲ ድርብ ወጽዓ ከም ምዃኑ መጠን ነዚ ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ምዕዋት ቃልሳ ዓቢ እጃም ዝነበራ ኮይኑ ሕጂ እውን ኣብ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ማሕበራትን ዘለዋ ናብራ ከቢድወን ዘስቀጣ ብዙሓት እየን። ይኹን እምበር ኣብ ልዕሊ እቲ ቃልሲ ምስቲ ድርብ ወጽዓ ተደማሚሩ ኣብ ገዛ እውን ይጽገማ እዩ። ብዂረት ምትሕብባር ናይ ደቂ ተባዕትዮ ስለዘሎ ከኣ ኣብ ኣኼባ ንኽትሳተፋ እኳ ደቀን ገዲፈ ክሳተፋ ኣይከኣላን። ስለዚ ነዚ ድርብ ወጽዓ ተቓሊስና ክነዕወት ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ወድባትን ክሳተፋን ኣብ ደረጃ ናይ ውሳኔ ቦታ ክበጽሓን ክንሕግዘን ኣተሓሳስባና ክንቅይር ይግባእ። እቲ ወዲ ተባዕታይ እውን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ክቕይርን ንሕቶ ጓል ኣንስተይቲ ክኣምንን ክቃለስን ኣለዎ።
ብተወሳኺ ወጽዓ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሕብረተሰብ ግና ኣይተፈልጠን ዘሎ። ስለዚ ጓል ኣንስተይቲ ክትነቕሓሉን ነቲ ወዲ ተባዕታይ እውን ክተዕግብን ክተንቅሕን ንመሰለይ ከኣ “ባዕለይ ኣለኹሉ” ክትብል ኣለዋ። ውጽዓና ከኣ ኣብ ዲክታቶር ዘይኮነስ ኣብ ውድባትን ውን ኣሎ። ጓል ኣንስተይቲ ክትዕወት እንተኾይና እምበኣር ቅድም ቀዳድም ጉዳይና ባዕልና ክንሕዞ ይግባእ። ካልኦት ክገብሩልና ክንጽበ የብልናን። ክወሃበና እንተኾይኑ ክንዕደግ ምዃና ውን ክንፈልጥ ይግባኣና። በዚ ኣቢልና ከኣ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ምትካል ግደና ክነበርክትን፡ ሓደ ድልዱል ናጻ ማሕበር ክንምስርትን፥ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ክንወዳደርን ኣሎና።
ሕቶ ደቂ ኣንስትዮ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል እውን ስለዝኾነ፥ መሰል ከኣ ተመጽዊቱ ስለዘይወሃብ ምልኪ ለጊሱ ዲሞክራሲያዊ ኣብ ምትካል ዝግበር ቃልሲ ምስቲ ናብራ ከቢድ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ስርሕ ውዒልና ናይ ገዛ ስራሓት ይጽበየና። ምስኡ እውን እቲ ባህላዊ ድሕረት ወጺዑናን ጨኲኑንናን ኣሎ። ቃልስና እምበኣር እንተላይ ኣንጻር ባህላዊ ድሕረት ስለዝኾነ ነፍስና ክንልውጥን ብንቕሓት ክንገጥሞ እንተኾይና ብተሳትፎ እዩ ዝመጽእ። ሎሚ ሎሚ እኳ ይሓይሽ እምበር መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክበዓል ተባሂሉስ ደቂ ተባዕትዮ በይኖም ከብዕልዎ ትርኢ። ጓል ኣንስተይቲ ምስ ናእሽቱ ህጻናት ኣብ ገዛ ክትጸንሕ። ይኹን እምበር ኣብ መርዓን፥ ጥምቀትን፥ ሓዘንን ከኣ ሰብኣይን ሰበይትን ተተሓሒዞም ይሳተፉ።
ሎሚ ኣሽንኳይዶ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ዋላ እቲ ጨቋኒ ስርዓት ከይተረፈ “ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ” ዝብል ኣብ ቅዋም ዘይሓንጸጸ የለን። ግን ከኣ ኣብ ቅዋም ይሰፍር ማለት ይትግበር ማለት ኣይኮነን። እቲ ድሕረት ኣብ ኩልና ስለዘሎ ግዳ ኣብ ተግባር ኣይውዕን። ኣብ ዝሃሎና ንሃሉ እቲ ድሕረት ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብታ ጓል ኣንስተይቲ እውን ኣሎ። ስለዚ ኣብ ውሽጢ ንሃሉ ኣብ ብደገ ምንጪ ወጽዓና ሓንቲ እያ ንሳ ከኣ ድሕረት እያ። ጉዳይና ባዕልና ክንልዓዓለሉ ኣሎና። ሕጂ ከኣ ክነረጋግጾ እንተዘይ ክኢልና፡ ጽባሕ ውን ክንጥለም ኢና። ኣብ ዘዘለናዮ ሰልፍታት እቲ ንምረሓሉ ቅዋም ንመሰልና ክንቃለስ ከምዘሎናን ኣብቲ ናይ ውሳኔ ቦታ ክንበጽሕ ዘኽእለና ክኸውን ይግበኦ። ስለዚ መሰልና ዝጣበቕ ናጻ ማሕበር ክህልወና ኣድላዪ እዩ።ደቂ ኣንስትዮ ሓደሓደ ግዜ ኣንጻር ጠቕምና ንቃለስ ኢና። እዚ ከኣ ብዘይ ኣፍልጦ ዝግበር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ጉዳይና ባዕልና ኣብቲ ዘሎ ውድባት ክንሳተፍን ንመሰልና ዝከላኸል ወይ ዝጣበቕ ናጻ ማሕበር ክህልወና ይግባእ። ሃማደአ ዝበሃል ማሕበር እውን’ኮ ኣሎ። ግና ኩሉ ማሕበር እየ ስለ ዝበለ ወይ ስለ ዘቆመ ንኹሉ ይውክል ማለት ወይ ይከላኸል ማለት ኣይኮነን። ወጽዓና ሓደ ክንሱ በበይንና ማሕበራት ምምስራት ነመሰል ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ምጥባቕ ዘዳኽም እምበር ዘተባብዕ ኣይክውንን።
እታ ፍርቂ ህብረተሰብ ኤርትራ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ሎሚ እውን ተጠሊማ እያ። ኣብ መጻኢት ኤርትራ ጥልመት ንኸይድገም ከኣ መሰልና ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ክንከተታተል የድሊ። ንመሰልናን ንማዕርነትናን ዝምልከት ከመይ ገርና ኣብ ቅዋም ክሰፍር ከምዘለዎ ክንቃለስ ኣሎና። ኣብ ወጻኢ ኰይንና ኣብ ቅዋም ይስፈር ይኸውን፡ እምበር ቃልስና መሰልን ግቡኣትን ከም ጓል ኣንስተይቲ ማዕረ ስራሕ ማዕረ ደሞዝ፡ ዕረፍቲ ኣብ ግዜ ሕርሲ፡ .... ወዘተ ዝኣመሰሉን ነቲ ጸቓጢ ባህሊ ዝውግድ ኣብ ቅዋም ኣስፊርና ኣብ ተግባሬኡ ክንጽዕር ኣሎና። ብተወሳኺ ጉዳይና ክዕወት ዲሞክራሲያዊ ቃልስና ክነዕውት ይግባኣና። እዚ ክነዕውት ምቅላስ ንመሰላት ደቂ ሰባት ክሕሉ ዝኽእል ሕጊ ስለ ዝፍጠር እዩ። ነዚ ክንገብር እተዘይበቒዕና መሰል ክንረክብ ኣይክንክእልን እና። ስለዚ ኣብ ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ እጃምና ልዑል ክኸውን እቲ ምትእስሳር ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሰልፍና ክዕንብብ ኣለዎ። ሃገራዊ ቃልሲ ይተዓወት ጥራሕ እምበር ደርባዊ ቃልሲ ደሓር ክንገጥሞ ምባልና እኮ እዩ መስልና ተጠሊሙ ዘሎ ኣብ ኤርትራ። ኣብ ዝተፈላለየ ፋሕ ኢልና ኣብ ዝተፈላለየ ኩርሲ ኮፍ ንበል፡ ኣብ ዝተፈላለያ ማሕበራት ንሃሉ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምትካል ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እዩ ረብሓና። ሓድነትና እዩ እምበኣር እንደልዮ ዕላማ ክዕወት ዝኽእል። ነቲ ድሑር ሕብረተሰብኣዊ ሕማማት እውን ክንቃለሶ ኣሎና። ኣብ ፖለትካዊ ቃልሲ ተሳቲፎና ክዓዝዝ ኣለዎ። ነዚ ክልተ ወጽዓ ኣለና ኢልና ንዕኡ ንምዕማም 8 መጋቢት ንዝሓለፈ እንመዝነሉ ንመጻኢ ከኣ ገምጊምና እንሕንጽጸሉ፡ ክግበር ኣለዎ ዝበሃል እንተልዩ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባኡ ክመሃራን ብዛዕባ ጉዳየን ክፈልጣን ኣለወን። ክነቕሓ ውን ይግባእ። ኣብ ኩሉ መዳያት ተሳቲፈን ክቃለሳ ኣለወን። ርኽክብ ዓቢ ተራ ኣለዎ፥ ብኡ መሰረት ድምጽና ዓው ክነበልን ክንስማዕን ንኽእል። ኣብዚ እዋንዚ ድምጺና ይስማዕ’ኳ እንተሎ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኻት ክንሳተፍ ክንክእል ኣሎና። ሎሚ ኣብ ኩሉ ሃማደኣ እያ ድምጻ ትስማዕ ዘላ። ስለዚ ንሕናባ ኣሎና ክንብል ይግባእ።
ኣብ መወዳእታ ዘይተጠርነፈ ስለዘይዕወት ኩሉ ደላይ ፍትሒ ተጠርኒፉ ክቃለስ ይግባእ። ነቲ ንጽባሕ ንኤርትራ የርብሕ እንብሎ ክነዕብዮ፡ ነቲ ሃሳዪ ዝኾነ ከኣ ከነወግዶ፡ “ጥርናፈ ዋጋ የብሉን” ዝበሃል ገዲፍና ሹሙ ዝጠፍኦ ንሕቢ ከይንኸውን ነዚ ዝሓለፈ ቃልስና ክንመሃረሉ እምበር ክነነኣእሶ ኣይግባእን። ካብቶም ዝሓለፉ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ተማሂርና ኢና ንቕድሚት ክንሓስብ ንኽእል። ስለዚ ነቲ ጀጋኑ ዝወደቓሉ ቃልሲ ክነኽብሮ ይግባኣና። ምጽልላምን ምንእኣስን ንረብሓና ኣይኮነን። እሞ ድኽመታትና እንዳኣረምና ቃልስና ክዕወት ብሓባር ተጠርኒፍና ንቃልስ ።
ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ሰሜን ኣሜሪ
ተበግሶ ነፍስኻ ምኽኣል፡
ንኤርትራውያን ኣካለ-ጽጉማን (ውጉኣት ሓርነትና - ከሰላ) ፡ ብቐጻሊ- ዘጽልሉ ቤት፡ ዝሰትይዎ ማይ፡ ዝበልዕዎ መግቢ ክህልዎምን፣ ከይዓርቁ፡ ከይጽገሙ፡ ሰኣን ብቑዕ ሕክምና ብቓንዛ ከይሳቐዩ፡ ከየስተማስሉን፡ ኤርትራውያንን ግብረ-ሰናያዊ ሕልና ዘለዎም ፈተውትን በብዓመቱ ወፈየኦም ከየቋርጹ ዝሕግዙ ምህላዎም ብሓበን ንዝክሮምን ነመስግኖምን።
ሎሚ፡ ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ፡ ንሓዱሽ ብድሆ ይጽውዑና ኣለዉ-
ብድሆ ንነፍስኻ ምኽኣል!!!
ብድሆ ነፍስኻ ምኽኣል፡ ክትግበር $40,000.00 ይሓትት። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ መጋቢት 6፡ 2016፡ ብሓልዮት ረድዮ ድምጺ ኤርትራ-ናዝ የማነን መስከረም.ነትን መደብ ወፈያ ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ`ዚ ዝተጠቕሰ ዕለት፡ ኣዝዮም ውፉያት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ሓጺር ሰዓታት ልዕሊ $4,100.00 ዶላርን 100.00 ፓውንድስ ክዋጻእ ክኢሉ።
እቶም ወፈየኦም ዘበርከቱ ኤርትራውያን፡
ክዋጻእ ክኢሉ። ኣሎ በረከት!!!
ክሳብ እቲ ዝደለ ዘሎ መጠን ገንዘብ ዝእከብ ወፋያ ቀጻሊ`ዩ።
ሰንበት፡ መጋቢት 13፡ 2016፡ መደብ ወፈያ፡ ብረድዮ ድምጺ ኤርትራን መሰከረም.ነትን ካብ ሰዓት 1፡00 ድሕሪ ቀትሪ (ኣቆጻጽራ ኒው ዮርክ) ጀሚሩ ክሰላሰል እዩ።
ምስጋና፡
ንኹሎም ልዑል ልግሲ ዘበርክቱ ዘለዉ ምስጋናና ወሰን የብሉን። ከምኡ`ውን፡ ሓው ሕድራይ ፍሳሃ፡ ን13 መጋቢት ምስ ረድዮ ድምጺ ኤርትራ ተታሒዙ ንዝነበረ መደብ ክቋረጽን፡ ኣብ ክንድኡ እቲ ጊዜ ነዚ ዝዓበየ ጉዳይ ውጉኣት ሓርነት ክኸውንን ነዘቕረቦ ሓሳብ ከየመስገንናዮ ክንሓልፍ ኣይንደልን።
ቀጥታ ናብ ባንክ ወፈያኹም ከተበርክቱ ንእትደልዩ፡-
Organization name-
Association of Disabled Eritreans in North America
Bank: Chase Bank
Bank Account: # 901128439
Routing # 071000013
ንዝኾነ ሓበሬታ፡
ሰብ ሕልና`ዩ ሓይሉ፣ ገንዘባዊ ትሕዝቶ ኣይኮነን። ስለዝኾነ፡ ብስም ውጉኣት ሓርነትና መደበር ከሰላ
ብቐጻሊ ንእተበርክትዎ ልግሲ ብልቢ ነመስግን።
ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉሜን ኣሜሪካ።
ጉጅለ ህግደፍ ዛዕባታት እንዳቀያየርካ፡ ናይ ህዝቢ ኣቓልቦ ምቕያር ካብቲ ዝፍለጠሉ ተንኮለኛ ጥበባት ሓደ እዩ። እንሆ ከኣ ግዜ ሓልዩ ህዝብና ንዘለዎ ክቱር ፍቕሪ ናጻነት ብምምዝማዝ ሓድሽ ቅዲ ፈጢሩ፡ ብዛዕባ ዑደት “ሽግ ናጻነት” ካብ ዝዛረብ ወርሓት ሓሊፉ። ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት ሽግ ወሊዕካ ብናይ ገዛገዛ ዓኾዃይ ዘይኮነስ ኩሉ ክቡር ዋጋ ህይወትን ንብረትን ከፊሉ ዘምጸኣ ብሌን ዓይኑ ስለ ዝኾነት እምብዛ ሽግ ሒዝካሉ ምዛር ኣይመድለዮን። ግን ድማ ደሓን ይኹን። እቲ ቀዳማይ ሕቶኡ ብዛዕባታ ባዕሉ ዘምጸኣ ግና ድማ ዘየሰተማቐራ ሽግ ናጻነት ኣይኮነን። ቀንድን መሰረታውን ሕቶኡን ምቁማቱንሲ ብዛዕባ’ታ ብሂግዋን ዋጋ ከፊሉላን ክነሱ ደሃያ ዝጠፈኣቶ “ሽግ ሓርነትን ደሞክራስን” እዩ።
ኩልና ከም ዘይንዝግዖ ህግደፍ ካብ ህልውን እዋናዊ ተባራዕን ሕቶ ህዝቢ ንምህዳም ዝጥቀመሉ ቀንዲ ብልሓት ኣብ ናይ ቀደም ኩነታት ምንባር እዩ። ካብቲ ህዝብና ሎሚ ዝሓቶ ዘሎ መሰረታዊ ሕቶታት ንምህዳም፡ ነቲ ህዝቢ ባዕሉ ዝወዓለሉ፡ ስርሒታት፡ ናደው፡ ፈንቅል … ወዘተ ንቕድሚት የምጽእ። ንኣገዳስነት ኣብ ነጻነት ዝተኸፍለ ዋጋ ነቲ ዋና ከፋሊ ይደጋገመሉ። ነዚኣቶም እሞ ድማ ብምጡን ዓቐን ምዝካሩ ኣይመጸገመን። ግና ድማ ነቶም ሎሚ ክምለሱ ዝግበኦም ሕቶታት ደፊኖም ክቐርቡ እንከለዉ ብኹሉ መለክዒ ንምድንጋር ዝተማህዘ ተንኮል ምዃኑ እዩ ዘነጽር። እቲ ጉጅለ ከምኡ ዝገብረሉ ምኽንያት ንጹር እዩ። እዋናውን መሰረታውን ሕቶ ህዝቢ ከመልስ ዝኽእል ባህሪ ስለ ዘየብሉ ካብኡ ንምህዳምን፡ ንህዝቢ ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ቃልሲ ምእንቲ ደሞክራስን ኩሉ መሰላትን ኣላጊሱ ንምህውታት’ዩ።
ብዛዕባ ክብደትን ክቡርነትን ናጻነት ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዝኾነ ኣካል ኣስተምህሮ ኣየድልዮን እዩ። ምኽንያቱ ዕምቆትን ምረትን ናይቲ ንናጽነት ዝተኸፍለ ዋጋ ስለ ዝፈልጥ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባር ክሳብ ክንደይ መሪርን ኣስቃቕን ምንባሩ’ውን ስለ ዘይርሰዖ። ምስዚ ኩሉ ከኣ ናጽነት ብሓርነት፡ ደሞክራስን ምኽባር ኩሉ መሰላትን ተዘይተሰንዩ ትርጉም ከምዘየብሉ ካልእ ህዝቢ ኤርትራ መምህር ዘይደልየለኡ ሓቂ እዩ። ምኽንያቱ ሎሚ ዝነብሮ ዘሎ ዘይእዉጅ ግዜ መግዛእቲ ኣዳዕዲዑ ስለ ዝርዳእ። ካብዚ ተረድኦ እዚ ብምንቃል እዩ እምበኣር ግዜ መግዛእትን ናጽነት ኣብ ትሕቲ ወጽዓ ጉጅለ ህግደፍን ምፍልላዩ ጸጊምዎ ዘሎ።
ግዜኡ ድሮ ዝኽሪ ብሩራዊ ኢዮበልዩ መዓልቲ ናጻነት ኤርትራ ስለ ዝኾነ፡ እታ ካብ ናቕፋ ነቒላ ዝተባህለት ሽግ ነጻነት ደሓን ትዙር። ናጻነት ግና ኣብ ሃልሃልታ ናይታ ሽግ ዘይኮነስ ኣብ ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ስለ ዘላ ዙረታ ዘምጸኦ ሓድሽ ነገር የለን። ነዚ ብምስትውዓል ህዝቢ ኤርትራ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ መሰረታዊ ሕቶኡ፡ ሕቶ ሓርነት፡ ሕቶ ደሞክራሲ፡ ሕቶ ልዕልና ፍትሕን ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን፡ በታ ካብ ቀደማ ኣብ ልቡ ዘላ ሽግ ናጽነት ኣቢሉ ሸፊንዎ ንክሓልፍ ዕድል ክህቦ ኣይግባእን። ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ድማ “እዛ ሽግ እዚኣስ ኣብ ልበይ ኣላ፡ እታ ክሳብ ሕጂ ሃንቀው ዝብላ ዘለኹ ሽግ ሓርነትን ደሞክራስን ደኣ ትዙር” ዝብል ድምጹ ከስምዕ ይግበኦ። ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ከኣ “ድሕሪ ሕጂ ህጹጽ እዋናዊ ጉዳይ ዝሓለፈ ተመኩሮ ብምድግጋም ክሕባእ ኣይግበኦን” ይበል።
ህዝቢ ኤርትራ መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ከኽብር ዝዳሎ ዘሎ፡ ፍረ ቃልሱ ኣብ ዝተሓረመሉ እዩ። ነዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ከኣ ከም መቐይሮ ካብ ወጽዓ ናብ ራህዋ ክጥቀመሉ ይግበኦ። ህዝብና ካብ ተመኩሮኡ ከም ዝተማህሮ ጉጅለ ህግደፍ ዝወጸሉ ወጻዒ እዩ። ወጻዒ ከኣ ነቲ ዝውጸዖ ወገን ፈትዩ ዝልግሶ ራህዋ የለን። ወጻዒ ብስሙር ቅልጽም ናይቶም ዝውጸዖም ክሰዓር እንከሎ ጥራይ እዩ ራህዋ ዝመጽእ’ሞ ሃየ “ዝተጠልመት ሽገይ ደኣ” ንበል።
ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰደህኤ ብ6 መጋቢት 2016 ንመበል 7ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብዓወት ኣቃኒዑ። ኣብቲ ንሊዕሊ 2 ሰዓታት ዝወሰደ ኣኼባ ተጋባእቲ ብመሰረት እቲ ኣቀዲሙ ተሓቢሩ ዝነበረ ኣብ ጸብጻብ ናይ 2ይ ርብዒ ዓመት ናይ ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ብሓፈሻ፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ዕማም ድማ ብፍላይ ብምትኳር ሰፊሕ ክትዕ ኣካይዶም። ኣብ ጸብጻብን ግምገማን ናይ ነፍሲ ወከፍ ጉጅለን ቤት ጽሕፈትን ድማ ዘይነበረ ምዕባለታትኳ ተመዝጊቡኳ እንተተረኽበ፣ንምሕያሉ ግን ዝያዳ ጻዕሪን ተወፋይነትን ከምዝሓትት ኣኼበኛታት ኣስሚሮምሉ።
ብምቅጻል መንእሰያት ምስቲ ናይ ርሑቅን ቀረባን ናይ ቃልሲ መደባቶም፣ ንፈስቲቫል 2016 እውን ብድምቀት ንምብዓል፣ ካብሒጂ ኩልንተነኣዊ ምድላዋት ክገብሩ ከምዘለዎም ወሲኖም። ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ብፍላይ፣ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሰልፍን ኩሎም ጨናፍርን ድማ ኣብ ጎኖም ደው ክብሉን፣ ንሞራላውን ንዋታውን ደገፎም ከዐዝዙን ተማሕጺኖም።
ዓወት ንህዝባዊ ደሞራስያዊ ቃልሲ!!!
ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰደህኤ
ሎሚ መን እዩ ኤርትራዊ ???
ኤርትርዊ መንነት ብምንታይ እዩ ዝረጋገጽ ???
ክቡራት ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ እዛ ፍትውቲ ኤርትራ ፡
ደቂ ምድረ ባሕሪ !!! (ደቂ መሪዩስ ኤሪትሩዩስ !!! )
ቅድሚ ገለ መዓልታት ልክዕ ብዕለት 03 መጋቢት 2016 ኣብ ሓርነት ኦርግ ዕላዊ ልሳን ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ” ሃገራዊ መንነት እዩ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ዘብል” ኣርእስቲ ተዋሂቡዝተጻሕፈምስ ኣንበብኩ ካብ ነዊሕ ጊዜ መልሲ ዘይረኸብኩሉን ኣብ ሓንጎለይ ድቃስ ዝኸላኣንን ዝርብጸንን ዝነበረ ብምትንካፉ፡ ሓያሎ ዝተፋላልዩ ሓሳባት ኣብ ሓንጎለይ ክውሕዙ ጀመሩ። ብፍላይ እዚ... ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ ዝብል ኣባሃህላ መታለሊ ቢሂል ብህግደፍን ደገፍቱን ዝዝመር ብምኳኑ ፡ እታ ሓደ ልቢ ትብል ተጋራጫውትን ሓቂ ዝሰሓተትን ኣሰካፊት እያ ንዓይ ፡ግና ከኣ ብሃገራዊ መንነት እትብል ስለ እትጅምር ደጋጊመ ብምንባብ ክሓስብ ተገደድኩ። እዚ ጽሑፍ ናይ ሓርነት ኦርግ ብልክዕ ዘቀመጦ እንተሃልዩ ግርም ገይሩ ቅኑዕ ብናይ ዓለምና ኣቋቁማን ሕግን ዝተመርኮሰ ስለ ዝኾነ ትርጉም ሃገርን ሃገራዊ መንነት ከምዚ ዝኽተል ገይሩ ኣቅሪብዎ ይርከብ፡ “ኣብ ሓደ ውሱን ጂኦግራፊካዊ ክሊ ዝነብር ህዝቢ፡ መበቆሉ ብዘየገድስ ምሉእ እንታይነቱን መንነቱን በቲ ዝነብሮ መሬትን ዘለዎ ዶብን ኣረጋጊጹ ማለት ኢዩ። እዚ መንነት እዚ ዘይፈሓቚን ዘይልውጥን ኮይኑ ናይ ሓባር ሃገር ንዝውንን ህዝቢ መለለይኡ ማለት ኢዩ ”ይብል ኣነ እውን ተረድኦይን እምንቶይን ኮይኑ 100%ምስኡ ይሰማማዕ ። ቀጺሉ እውን ከምዚ ይብል “እዚ መንነት እዚ ንኹሉ ኣብታ ናይ ሓባር ሃገር ዝነብር ሕብረተሰብ፡ እቲ ዘለዎ ዝተፈላለየ ልምዲ፡ ባህልን እምነትን ትውልድን ዓቂቡ ተሓቛቚፉ፥ በታ ናይ ሓባር ረቛሒት ሃገር ኣቢሉ ሓደ ህዝቢ (ሓደ ልቢ)ምዃኑ እዩ ዝእምት። ከመይሲ ሃገር ዘይትከፋፈልን ዘይትቆራረስን ስለዝኾነት። እቲ መንነት ከኣ ክምኡ ዘይጎዛዘ ብምዃኑ ኢዩ እቲ ሓደ ልብን ሓደ ህዝብን ዘብል” ይብል እዚ ኣባሃህላን መግለጽን እውን ልክዕ ቅኑዕ ቅቡልን ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ግርም እሞ ሓደ ሕያዋይ ሓታቲ ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ኣብዘን ዙርያ ሃለዋት 25 ዓመታት ተመርኲሱከ ኤርትራዊ መነንት ከመይ እዩ ??? መን እዩ ኤርትራዊ ኢሉ እንተሓተት መልሱ እንታይ እዩ ??? ኤርትራዊ ክትኸውን እንታይ ከተማልእ ኣሎኻ ??? ከምዚ እቲ ሓተታኣብ ላዕሊ ዝጠቀሶ ኣነ እውን ዝኣምነሉ ድዩ ወይስከምቲ ንዓይ ይኹን ንሓያሎ ኤርትራውያን ዘገርም ናብ ጸልማት መጻኢ ዝሕብርን ኣባሃህላ ናይ መራሒ መላኺ ስርዓት ግህደፍ ን3ይ ጊዜ ዓው ኢሉ ዝደጋገሞ ፡ በዘይካ ኣባል ህዝባዊ ግንባር ኣብዛ ሃገር ካልእ እምንቶ ዘሎዎ ሰብ ናብ ካልእ ፕላነት ይኺድ ዝበሎ እዩ ??? ኤርትርዊ ክትኸውን ኣባል ህዝባዊ ግንባር ክትኸውን ኣሎካ ይብለና ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ትልምሽ ???
እዛ ንሱ ሓዳስ ኤርትራ ዝብለና ዘሎ ብዕሊ ደኣ ኣየጠመቃን እምበር እታ ኣነ ዝፈጥራ ዘሎኹ ሃገር ናይ ህግደፍ(ህዝባዊ ግንባር) ኤርትራ ክብለና እዩ ዝዳሎ ዘሎ ። ድሮ ከይተረድኣና ንንቡራት ንሃገር ኤርትራ ዘቆማ ኣውራጃታትና ደምሲሱ ዞብ ደቡብ ማእከል ሰሜን ...ወዘተ ኢሉ ናብ 6ተ ደባሊቁ ቆራሪጽዋ ኣሎ። እሞ ከ ደኣ ንሕና ከም ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ንገብር ኣሎና ??? ጉድ ናይ ህግደፍ ዘስደምም እዩ ገንዘብ ኤርትራ ስለምታይ ናቅፋ ኢሉ ብቦታ ዝጽዉዖ ??? ጠንቃምን ሰባብን ሕሉፍ ዊዲተኛ ህግደፍ ሕቡእ ሚስጢር ዘሎዎ ኮይኑ እምበር ደጀን ዕርዲ ዱፋዓት ኤርትራ ክንደይ መስተንክርን ጅግንነትን ዝተፈጸመሎም ንወትሩ ዘይርስዑ ክዝከሩ ዘሎዎም ቦታታት ኣሽሓት እንድዮም፡ ናቅፋ ፍሉይ ዘብላ እንታይ እዩ ??? ሓንቲ ማንም ዘይክሕዳ ባሕቲ መስከረም ኣብ ጎቦታት ኣዳል ንዓወት ተጋድሎና ዘበገሰት ቦታ እኳ ብቀረባ ኣላ። ብዝያዳ ዝያዳ እውን እቶም ማእለያ ዘይብሎም ጀጋኑ ተጋደልቲ ኤርትራውያን ካብ 1961 ክሳብ 1991 ደሞም ኣፍሲሶም ኣዕጽምቶምን ከስኪሶም ነጻ ዝውጽእዋ ሃገር ተረሲዕም ተካሒዶም ኣብ ክንደኦም ኣብ ርእሲ ከተማና ኣስመራ ሓወልቲ ጫማ (ሽዳ) ክገብር ከሎ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራን ህልዋት ተጋደልቲ ኤርትራውያንን እንታይ ትብሉ ??? ኦ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ትብል ???
ጸሃየ ቀለታ ሽወደን
I am writing this piece to expose something that continually perturbs my conscience; I have to speak it out now because no one knows when one passes away. I also earnestly call on those brothers and sisters who were with me in the incident to speak out. It is imperative that we find in our own separate ways how and to whom these crimes should be told. It is also timely to loudly speak and tell about it to our own people.
There is no need of talking here about my identity except informing that I was born in the 1960s and joined the the Eritrean People's Liberation Front (EPLF) in the 1980s; presently, I live in the western world. Those of us who know many of the brutally inhumane and untold crimes committed and still being committed against our people by the People's Front for Democracy and Justice (PFDJ) are not few in number. Many of us also know some of the crimes PFDJ committed against non-Eritreans. The one I am narrating here below is one of those crimes.
It is to be remembered that in the 1990s, relations between the Sudan and Eritrea were bad. In 1996, before we attacked the Sudan, the leadership deployed us [Army Corps No. 271] in region of Nakfaand Karora passing this order: "the Sudan is a threat to our security by sheltering terrorism and Jihad; be at full alert; we will attack them". Our [commanders}, who previously said that Egypt, Ethiopia and Uganda were supportive of the action later on changed the message and said: "Those countries have changed their viewpoints, but we will continue what we have planned".
On this basis, a two-front heavy attack was opened on 27/03/1997 by our Army Corps 271 led by Abdu Remech and his deputy Wedi Keshi. One flank of the attack covered the area from the Sudanese Karora up to Merafit; and the other flank attacked Sudanese army positions from Denbobet up to Jelhandi in the Red Sea; the Sudanese army encampments at Karora, Habokhayt, Ayterbay, Adaret, Agit-Keseret, Agit-Merafit and up to Jelhandi were cleared. Only to justify that the attack was made by the Sudanese opposition fronts and not by the Eritrean army, there were insignificant number of fighters from the armed wings of John Gerang, Sadiq al Mahdi and of Dr. Abdul Aziz (Halfawi). Their presence was nominal.
After 4 days and in some places 5 days, all the Sudanese army positions were put under Eritrean army control. We stayed in all of them till June 1998 except that the Eritrean unit that was in Merafit retreated to Agig after only three days.
[But after 14 months] in June 1998, we retreated [back to Eritrea] when the Sudanese army attacked us in huge numbers. The small units of Sudanese opposition fighters also retreated with us. After our retreat, we occasionally fired heavy shells to the Sudanese army in addition to a few attacks by the air force.
When we opened the initial attack [on 27 March 1997], we were ordered not only to capture camps but also to kill soldiers [massively]. Two weeks after the start of the attack, our brigade leader Wedi Tekeste called a meeting and told us: "beside the Sudanese soldiers killed in the battles, we had taken 1,273 prisoners. However, we asked the Sudanese opposition organization, especially that of John Gerang, to take care of them, but they refused saying they had no capacity to do so. Therefore, we were afraid of outside knowledge and world condemnation [of our attack on the Sudan] and therefore we had no choice but to shoot all the prisoners". At this point, some members of our brigade started to protest against such action but they were intimidated and silenced. The Sudanese opposition fighters also did not show any reaction about the killing [of 1,273 Sudanese prisoners].
Other than this, it is known that [the Eritrean Army] Corps No. 381 had also launched an attack in the Kassala region during that time. However, they did not remain long in the positions they attacked. I am also not fully aware of what mistakes were committed in that zone. Those of you who were in the Kassala region attacks may tell what happened. But what was heard was that leaders of the Eritrean Army Corps 381 killed the Sudanese army officers captured in the battles by burning them inside a cottage using benzene. The other information I was made aware by knowledgeable persons was that 105 Tigre speaking Ben-Amer soldiers of the Sudanese army who fled from the Sudanese army refusing to fight against their brethren in the Eritrean army, were executed and collectively damped in two huge burial vaults. This crime aimed to hide the Eritrean army's action in the Sudan. Then, when will [the eye witnesses] tell the tales of innocent victims killed in front of their eyes? Why are we keeping silent instead of exposing the crimes we witnessed? I want to say the time has come for all of us to speak out and reveal all what we know so that a new dawn of justice can replace the ugly secrets of the past.
The crime I mentioned in relation to Army Corps 271 is one of the agonizing crimes against humanity committed by PFDJ. It has given me so many sleepless years. When I heard that the UN Commission of Inquiry on Eritrea will give its final report about its findings on crimes committed against humanity, I decided to speak out and release it even to the general public. I know that those who were with me and know what I know are pained by the act as much as I am. It is thus time for me and my compatriots who witnessed these acts to come forward and show readiness to be first-hand witnesses. It is also hoped and recommended that the UN Commission of Inquiryinvestigates acts at the level of Wedi Tekeste [head of Army Corps 271] and upwards in the hierarchy [of PFDJ].
[Sincerely]
Your Eritrean brother, who hopes to see criminals facing justice in a better Eritrea
Award for Seada Fekadu comes as number of Eritreans granted protection in the UK plummets
Seada Fekadu’s world was turned upside down when her father was arrested for his work with the opposition in Eritrea. Photograph: Riffy Ahmed
A young Eritrean woman who fled to the UK after her father was arrested for his political activities in her home country will receive an award for helping and inspiring other migrants and refugees.
Her award comes as the number of Eritreans granted protection in the UK has plummeted after a change in Home Office advice on asylum requests from the repressive east African country.
At 16, Seada Fekadu’s world was turned upside down when her father was arrested for his work with the opposition in Eritrea. Fearing for her safety, an aunt paid for Fekadu to escape the capital, Asmara. Fekadu took a boat to neighbouring Djibouti, caught a plane to Paris and made her way to Calais, where she and others were smuggled in a lorry to London’s Waterloo.
“In Calais, they put you in a truck, you don’t have a choice. ‘You have to take this one,’ the agent said. I didn’t know where I was going. The truck dropped us near a police station, they found us a translator and after two hours, social services came,” she said.
In a sense she was one of the lucky ones. Fekadu arrived in Britain before the current migration crisis currently engulfing Europe. Getting to the UK in the back of the truck was relatively easy in 2011. Since then, Fekadu has built a new life. She is studying for her BTec – physics is her favourite subject – and has offers from four universities to study biomedical science.
“I want to become a doctor to help people, it’s about saving lives. I’ve wanted to be a doctor since I’ve been a child,” she said.
“Young Roots helped me gain confidence. Now it’s my turn to help others,” she said. “I’ve been in their situation so I can understand them and I’m happy to help. They are young, I am young, we are like friends.”
Fekadu, now a trustee at the charity, takes youngsters to museums, to play football, to swim and for trips outside London. In recognition of her work, Fekadu will receive an award recognising women with a migrant or refugee background who provide inspiring leadership.
“So much of our time is taken up with communicating negative stories, we wanted to show the hopeful and positive work being done,” said Laura Padoan from the UNHCR, the UN agency for refugees, a joint organiser of the Women on the Move awards with the Forum, a migrant group. The event is on Friday at the Royal Festival Hall.
“She certainly stood out for her maturity and resilience despite what she went through. It’s really remarkable,” said Padoan, one of the judges.
The timing of Fedaku’s flight from Eritrea was fortunate. The Home Office last March advised that people from the country were no longer at risk of persecution if they returned home. The updated advice said citizens who left without permission – many of them to escape its indefinite military service – would not face persecution if they returned.
Yet the researchers behind the report, which the Home Office cited heavily, publicly distanced themselves from the findings, claiming the report was unsubstantiated and distorted. In June, the UN issued a damning report which concluded that the Eritrean government’s systematic use of extrajudicial killing, torture, rape, indefinite national service and forced labour may amount to crimes against humanity.
The UNHCR estimates that 5,000 people leave Eritrea every month and Eritreans account for the largest group of people applying for asylum in the UK, with 3,729 applications in 2015, a 48% increase over 2014. Eritrea also had the highest number of unaccompanied asylum-seeking children last year at 694.
As a result of the Home Office advice, the proportion of initial decisions allowing Eritreans to stay plummeted to 48% in 2015 from 87% in the previous year. Meanwhile, the number of appeals from Eritreans soared from 172 in 2014 to 1,718 in 2015. Eighty percent of those Eritrean appeals determined in 2015 were allowed (which means refugee status for five years), an increase from 44% in the previous year.
Asked whether she misses Eritrea, Fedaku says: “Sometimes I miss my friends, but I don’t have much time to think about home, I have to study and the friends around me are like family, like home.”
ሓርነት፡ ኣብዚ እዋንዚ ክብደት ወጽዓ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ከመይ ትገልጽዮ?
ኤርትራ ኣልኣዛር፡ ብመጀመርያ ብምኽንያት 8 መጋቢት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ መግለጺ ንኽህብ ንዝተዋህበኒ ዕድል ልባዊ ምስጋናይ የቕርብ። ነዚ እተካይድዎ ዘለኩም ዘይሕለል ቃልሲ ድማ የሞግስ። ናብቲ ጉዳየይ ክኣቱ።
ወጽዓ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ኩሉ እዋን ዝኸበደን ዝመረረን እዩ ክበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ እቲ ዘሎ ኩነታት ዝያዳ ንኣዴታት ስለዝሃሲ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራዊ ኣብ ዘይተጸበዮ ከርፋሕ ሃለዋት እዩ ዝነበር ዘሎ። ኣብ ዓዱ ቀሲኑ ብሰላምን ብፍቕርን ክነብር እናደለየ፡ ብሰንኪ ባርባራዊ መግዛእቲ ህግዲፍ ክስደድ ይግደድ ኣሎ። ንኣብነት ባርነት ሃገራዊ ኣገልግሎት መሪርዎም መንእሰያት ኣብ ዝስደድሉ፡ ወለዲ እዮም ዝእሰሩን ዝሳቐዩን። ውሉዳ መውደቒኡ ዘይፈለጠት ኤርትራዊት ኣደ ሻቕሎት ከይኣኽላ፡ ካልኦት ደቃ ዛሕዚሓ ትእሰር ወይ ድማ ኣቦ እንተሎ ንሱ ይእሰር’ሞ፡ ንሳ ፈቐዶ ኣብያተ-ማእሰርት በዓል ቤታ ክትደሊ ከርተት ትብል። ምሉእ ናብራ ገዛ ድማ ሓላፍነቱ ናብኣ ይወድቕ። ነዚ ክትጸሮ ከኣ ዓቕሚ ይሓጽራ። ኣብ ሓደ ጊዜ ናይ ሰለስተ ዝተፈላለየ ሽግራት ግዳይ ትኸውን። መንእሰይ ጓል ኣንስተይቲ እንተኾነት ኣብ ሳዋ ክብራ ይድፈርን ትዕመጽን። ናብራ እንተገበረት ኣብ ልዕሊ በዓልቤታ ብዝወርድ ተጽዕኖ፡ ካብቲ ጸገም ኣይትድሕንን። በዓል ቤታ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ ዘሎ። እንተ ሃደመ ኣቦ ዘይብሎም ህጻናት ሒዛ ናይ ናብራኣ ጸገም ከይኣኽላ፡ ነቲ ካብ ኢድ መንግስቲ ዝጠፍኤ ሰብኣያ፡ ገንዘብ ክትከፍል ትግደድ። ምስዚ ኹሉ ደቃ ተዕንግለሉ ዓቕሚ እውን የብላን። ስለዚ ዝኽፈል ሲኢና ንሳ’ውን ከምቶም ወለዲ ትእሰር። ብዘይካ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብያተ-ሕክምና ወይ ኣብያተ-ትምህርቲ ምስራሕ ዘይፈልጥ ስርዓት ኣስምራ፡ ደቂ ኣንስትዮ በይነን ኣብ ዝኾናሉ ጊዜ ሰሪሐን ደቀን ከየዕብያን እኹል ትምህርቲ ከይረኽባን ኣቛሪጹ ናብቲ መወዳእታ ዘየብሉ ባርነት የእትወን።
ስርዓት ኣስመራ ነተን ምእንቲ ናጽነት ተጋዲለን ዝመጻ ሓርበኛታት’ኳ ኣይኮነን። ሓርበኛታት ወዓሩ ተጋደልቲ ምእንቲ ናጽነት ህይወተን ከፊለን ኣካለን ጎዲለን ክነሰን፡ ጻምአን ገለን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሳቀያ ከለዋ፡ ገለ ድማ ብድኽነት ከርተት ይብላን ይዋረዳን ኣለዋ። ሓሚመን ሕክምና የለን፣ ክራይ ገዛ ኣይርከብን እንተተረኽበ ከኣ ዋጋኡ ኣይከኣልን። እዛ ብዋጋ ሓርብኛታት ዝመጸት፡ ኣስቤዛ፣ እኽሊ፣ ማይን ኤለትሪክን ዘይብላ ሃገር፣ ንዜጋታታ ድቕድቅ ጸልማትን ናይ ስቅያት ደሴትን ኮይናተን ኣላ። ስለዚ እዛ ትምህርቲ፡ ምዕባለ፡ ብልጽግና፡ ሰላምን ፍቕርን ዝጎደላ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ንደቂ ኣንስቶዮ ዝያዳ ዝኸፈአት ሃገር እያ ክትበሃል ትኽእል።
ሓርነት፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ብመንጽር ምቅላሱ፡ ፖሊሲ ሰደህኤ ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ይግለጽ?
ኤርትራ ኣልኣዛር ፡ ብመንጽር ናይዚ ዘሎ ኩነታት ክርአ እንተኾይኑ ንዓይ ፖሊሲ ሰ.ደ.ህ.ኤ ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ መተካእታ ዘይብሉ እዩ። መሰል ደቂ ኣንስትዮ ይሕልው ጥራይ ዘይኮነስ ጓል ኣንስተይቲ ማለት መምህር ሕብረትሰብ ማለት ምዃኑ ይኣምን። ምዕብልትን ብልጽግትን ኤርትራ ንምህናጽ ግደ ጓል ኣንስተይቲ ዝለዓለ እጃም ከም ዘለዎ ዝርእን ብምሉእ ዓቕሙ ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ጻዕርታት የካይድን። ኣብ ዝኾነ ጽፍሒ ሓላፍነት ድማ ቦታ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ሕልው ክኸውን፡ ናይ ትምህርትን ስራሕን ማዕረ ዕድል ዝህብ፡ ንማዕረ ስራሕ ማዕረ ደሞዝ ይኣምን። ኣብ ጊዜ ሕርስን ጥንስን ቦታ ስርሐን ዝተሓለወ ጥራይ ዘይኮነስ ደሞዘን እናተኽፍላ ኣብ ገዝኤን ምስ ውሉደን ክዕርፋ ዕድል ክወሃበን ይኣምን። ሰደህኤ ንደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ዘስፈሮ “ደቂ-ኣንስትዮ ፍርቂ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ኢየን። መሰለን ብሕጊ ተሓልዩ፡ ብግብሪ ኣብ ኵሉ ህይወት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ማዕረ ተሳትፎ ከምዝህልወን ንምግባር፡ ሰዲህኤ ከይተሓለለ ክሰርሕ ኢዩ። ነዚ ክዉን ንምግባር፡ ኣንጻር ጓል-ኣንስተይቲ ዝውዕሉ ጐዳእቲ ባህልታት፡ ኣተሓሳስባታትን ልምድታትን፣ ከምኡ’ውን፡ ዓንቀፍቲ ፖለቲካዊ ማሕለኻታት ብሕጊ ንምውጋዱ ኣድላዪ ቃልሲ ክካይድ እዩ።” ዝብል ሓሳብ ይርከቦ። እዚ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዲክታተርነት ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ብኣንጻሩ፡ ኣብ ስቓይን ቤት ማእሰትን ጥራይ እዩ ማዕርነተ ድቂ ኣንስትዮ ዝሕልው። ተቓሊሰን ነጻነት ዘውሓሳ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝነብረኦ ዘለዋ ሃለዋት ከኣ ነዚ እዩ ዘመልክት።
ሓርነት፡ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ዘሰክፉ ጉዳያት ሓደ ምዝሕታል ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ናይ ለውጢ ቃልሲ’ዩ። እዚ ስለምንታይ ኣጋጢሙ?
ኤርትራ ኣልኣዛር ፡ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፎአን ከምቲ ዝደለ ወይ ዝግባእ ኣይኮነን፡ እዚ ድማ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎዎ።
ቀዳማይ ንናጽነት ኣብ ዝተረብረ ቃልሲ ንምዕዋት ኣብ ሜዳ ብረት ዓጢቐን ብምቅላስ ህይወተን ዝኸፈላሉ ስለ ዝኾነ፡ ታሪኸን ዝድምስሳ ዘልዋ ስለ ዝመስለንን እቲ ስርዓት ልቢ ገይሩ ባዕሉ ክዕረ ብተስፋ ስለዝጽበያን። ካልኣይ ኣብ ስደት ዘለዋ ኣደታት ነቲ ምእንቲ ናጽነት ዝተኻየደ ቃልሲ ናይ ጉልበት ስራሕ ሰሪሐን ብኹሉ ዓቕመንን ክእለተንን ዘበርከታሉን ዕድመአን ብሙሉእ ዋጋ ዝኸፈላሉን ስለ ዝኾነ፡ ዋንነት ይስምዐን እዩ። ስለዚ ነቲ ዝገበርኦ ጻዕርታት ስለዝዝክራ ንምቅዋሙ ኣይጭከነለንን። ሳልሳይ ደቂ ኣንስትዮ ንሓደ ዝኣመናሉ ዕላማ ጸኒዐን እየን ዝሕዝኦ። እሙናት እየን። ዋላ ነቲ ዝርኤኦ ጌጋ ከምቲ ደቀን ኣብ ጊዜ ቁልዕነት ንዝገብርዎ ጌጋታት ሸለል ኢለን ዝርእይኦ፡ ነዚ ናይ ሎሚ ጸገም’ውን ከምኡ ስለዝርእይኦ። “ኣደስ ትሓብእ’ሞ ሓበላ ዓይንስ ኣይትሓብእን” እኳ ዝበሃል እንተኾነን፡ ንሳተን ግና፡ ነቲ ስርዓት ኩሉ ኣበሳኡ እናረኣያ ከምዘይርኣያ ይኮነን ክሓብኣሉ ይፍትና። ነዚ ዘስዓቦ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ሸፋጢ ጭርሖ ኢሰይያስ ኣፈወርቂ እዩ። “ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና” ዝብል። ንስርዓት ምቅዋም ከም ንሃገር ምቅዋም ኮይኑ ስለ ዘረርአ። እዚ ድማ ንሱ ዝፈጠሮ ዘይኮነ ካብ ከምኡ ዓይነት መለኽቲ ዝተማህሮ እዩ።
እቲ ካልእ ጉዳይ ውልቃዊ ረብሓ እዩ። ኣብ ዓዲ ንዘሎ ከም ገዛ ዝኣመሰለ ንብረት ክትብል ንህግደፍ ምንሓፍ። ኣብ ዓዲ ዘለዉ ወለድን ቤተሰብን ክሳብ ብህይወት ዘለዉ ምእንቲ ተመላሊስካ ክትበጽሖም፡ ርኢኻ ከም ዘይረኣኻ ምዃንን ምጽቃን እውን ኣሎ። እዚ ግን ውሕስነት ዘለዎ ኣይኮነን። ብኢድ እዚ ስርዓት ሓደስቲ ገዛውቲ ክፈርስን ክዓኑን ናይ ዓሚ ታሪኽ እዩ። ሎሚ ዓመት ዘይድገመለኡ ምኽንያት’ውን የለን።
ሕማቕ ኣተሃላልዋ ደንበ ተቓውሞ እውን ኣብዚ ዓብይ ግደ ኣለዎ። ልዕሊ’ቲ ንስርዓት ኢሰይያስ ክቃወሙ ዘጥፍእዎ ሓይልን ግዜን ኣብ ሓድሕድ ጸለመ ዝጠፍእ ይበዝሕ። ካብኡ ዝኸፍአ ድማ እቲ ተቓውሞ ነቲ ስርዓት ጠንጢኖም ንዝመጹ ሃገራውያን ብግቡእ ዝሓቁፍ ዘይምዃኑ እዩ። እዚ ከኣ ካልኦት ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ንክመጹ ዘተባብዕ ኣይኮነን። በዚ መሰረት ደቂ ኣንስትዮ’ውን ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ ዘየብልኩምን ዘይትከባበሩን፡ ንዝመጸኩም ኣይትቕበሉን ስለዚ ተስፋ ንዘይብሉ እንታይ ኢልና ንመጸኩም ዝብል ዕግበት ኣለወን።
ሓርነት፡ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ዝሕተላ ወጺአን ተሳትፎአን ኣብ ንቡር ቦታኡ ክምለስ እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብሊ።
ኤርትራ ኣልኣዛር፡ እቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ቃልሲ ዝካየደሉ ዘሎ ሓቢርካ ናይ ምስራሕን ሕድሕድ ምክብባርን ጻዕሪ ክቕጽልን ክዓብን ኣለዎ። ናብ ቃልሲ ንዝመጽእ ሃገራዊ ድማ ሓንጐፋይ ኢልካ ምቕባልን ምሕብሓብን የድሊ። ንዓኻ ነጻ ዘውጸኣካ ዘየለ ክንሱ፡ ኣብ ልዕሊ ሓውካን ሓብትኻን ምፍራድ ቅኑዕ ኣይኮነን። ፍርዲ ንዝመጽእ ህዝባዊ ፍርዲ ሓዲግካ ሎሚ ንናይ ሓባር ረብሓ ሓቢርካ ምቅላስ የድሊ። ከምዚ ተዘይገርካ ግና እቲ ክፈርሃካ ዝግበኦ ይተባባዕ። ምሳኻ ክስለፍ ዝግበኦ ድማ ኣይኣምነካን እሞ ይፈርሓካ። ከይደኸምካን ከይሰልከኻን ድማ እቲ ዘይፈልጠካ ከም ዝፈልጠካ ምግባር። ንኹሉ ኣብ ቅድሚ ዝፈርድ ህዝቢ ዕላማኻ ብግቡእ ምልላይ። ፈሊጡካ ክነሱ እንተ ዘይሰዓበካ ውሳነኡ ስለ ዝኾነ ድሓን። ብግቡእ ከይፈለጠ ንኹልኻ ብሓደ ክፈርደካ ግና ቅኑዕ ኣይኮነን። ስለዚ ነቲ ዘሎካ ዕላማን ራእን ኣብ ህዝቢ ኣቕሪብካ ምልላይን ኣባኻ ከም ዝዓስል ምግባሩን ድማ ናይ ነፍሲ ወከፍ ተቓላሳይ ሓላፍነት እዩ።
ሓርነት ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ 8 መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ተመሓላልፍዮ መልእኽቲ እንታይ ኣሎ?
ኤርትራ ኣልኣዛር ፡ ንኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ንኤርትራዊያን ኣደታትን ኣሓትን ዮሃና እንኳዕ ናብ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብጸሓና እብለን። ሎሚ ንመበል 106 ዓመት እነኽብሮ ዘሎና ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ በቲ ሓደ ወገን ነተን ምእንቲ ናጽነት ሃገርና ዝተዋደቓ፡ ዝተሰዋኣን ዝሰንከላን ጀጋኑ ሓርበኛታት፡ ብኽብሪ እንዝክረላ መዓልቲ እያ። በቲ ካልእ ወገን ድማ እተን ኣብ በረኻታት ሳሕራን ፈቀዶ ባሕርታትን ዝወደቓን ኣብ ስደትን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዝሳቐያ ዘለዋን ኣሓትና ብሓዘን እንዝክራላ መዓልቲ እያ። ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ 8 መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ እነቕርቦ ናይ ቃልስን ጽንዓትን ጻውዒት ናብ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘልዋ ኣሓት ደቂ ኣንስትዮ እዩ። ሓርበኛታት ወዓሩ ኤርትራዊያን ሎሚ እውን ከም ትማሊ፡ ታሪኽ ጽንዓትክን ክድገም ከምቲ ኣብ መድረኽ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ንጸላኢ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝጸረግክነኦ፡ ሕጂ እውን ብዋጋ ህይወትክን ይጣላዕ ንዘሎ ዓማጺ ስርዓት ኢሰይያስ ንሓዋሩ ካብ ሱሩ ንክመሖ ግደኽን ዓብይ ምዃኑ ዘክራ። ታሪኽ ጅግንነትክን ከይቋረጽ ናብ ናኣሽቱ ኣሓትክንን ደቅኽንን ናይ ምትሕልላፍ ሓላፍነትክን ኣይትዘንግዓ። ብሰላምን ፍቕርን እትነብራላ ብልጽግትን ምዕብልትን ሃገር ክትህነጽ ድማ ካባኻትክን ዝድለ ዋጋ ክፈላ። እተን ኣብ ዝሓልፈ ታሪኽ ገደ ዘይነበረክን ድማ ሃየ ሎሚ ሓደራ ኣሰር ስውኣትን ሓርበኛታትን ተኸተላ። እብለን።
ሓርነት፡ ስለቲ ነዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ብዝምልከት ዝሃብክዮ መብርሂ ብስም ኣንበብቲ ነመስግን
ኤርትራ ኣልኣዛር፡ ኣነ እውን ነዚ መልእኽቲ ንከተሓላልፍ ንዝኸፈትኩምለይ ዕድል አመስገን።
ሓድነትና ዓወትና ምክብባርና ድማ ጽንዓትና!!!
ዝኽሪንመዓልቲደቂኣንስትዮ
ዘልኣለማዊዝኽርንክብርንንስውኣትና!!!
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ
ጾታዊ ወጽዓ ደቂ ቅንስትዮ ኣዝዩ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ኮይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ ወጽዓ መሪርወን ነዚ ወጽዓ ንምውጋድ ብወግዒ ተወዲበን ድምጸን ኣስሚዐን ቃልሲ ዝጀመራ ቅድሚ 106 ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ኣሜሪካ ብዝተላዕለ መሰረታዊ ናይ መሰል ሕቶ ምዃኑ ታሪኽ ተጋድሎ ደቀኣንስትዮ ዓለም ይሕብር። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ናብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ዓለም ለኻዊ ዝኽሪ 8 መጋቢት ንምብጻሕ ኣብ ምውሳን ዝኽበረሉ ዕለት ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ “ሕቶ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ እዩ?” ዝብል ንምውሳን እውን ብኣዝዩ ብዙሕ ደረጃታትን ዝተሓላለኸ መስርሕን ክሓልፍ ጸኒሑ እዩ።
ደቂ ኣንስትዮ ድርብ ወጽዓ እዩ ዘለወን። በቲ ሓደ ወገን ጾታዊ ወጽዓ በቲ ካልእ ወገን ደማ ከም ኩሉ ዜጋ ዘጋጥመን ኩለመዳያዊ ወጽዓ። ቃልሰን እውን ከምኡ ድርብ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብምዃነን ዘጋጥመን ጾታዊ ወጽዓ ክህልወን እንከሎ፡ ከከም ናይቲ ዝነብራሉ ሃገር ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ዝመሓደረሉ ስርዓትን ባህላዊ ተጽዕኖን ኣብ ገሊኡ ዝያዳ ዝመረረ ከም ዝኸውን ዝሰሓት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ብቑጠባዊ ምዕባለን ብደሞክራሲያዊ ዕቤትን ኣብ ዝሓሸ ዝርከብ ዓለም፡ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ብቑጠባ ኮነ ብስርዓተ-ምሕደራ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ናይ ዝርከባ ሃገራት ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ዝኸበደ እዩ።
ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ናይቲ ዝተረፈ ሓፋሽ ህዝቢ ኩለመዳይዊ ወጽዓ ኣብ ዘይተፈትሓሉ በይኑ ፍታሕ ዝረክብ ኣይኮነን። ደሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ቁጠባዊ ዕቤትን ኣብ ዝበኾረሉ ኩነታት ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ በይኑ ተነጺሉ ክፍታሕ ዘይሕሰብ እዩ። ደሞክራሲያዊ ስርዓትን ቁጠባዊ ዕቤትን ውሑስ ኣብ ዝኾነሉ ስርዓት ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምውጋዱ ዕድል ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። እዚ ማለት ደቂ ኣንስትዮ ወጽዓአን መሰረታዊ ፍታሕ ክረክብ ከም ዝግበኦ ዝተረደአ ሕብረተሰብ ኣብ ዘይተፈጥረሉ መፍትሒ ዝረክብ ኣይኮነን። ደቂ ኣንስትዮ ወጽዓአን ዝፍታሕ ነቲ ዝውጸዐን ተጻራሪ ጾታ ከም ጸላኢ ብምውሳድን ብምትህልላኽን ዘይኮነስ ናይቲ ወጽዓ ክብደት ተረዲኡ ናይቲ ፍታሕ ኣካል ከም ዝኸውን ብምግባር ክኸውን ይግበኦ።
ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ህብረተሰብነተን ብተግባር ዘርኣያሉ ብዙሕ ተመኩሮታት ምግላጽ ዝከኣል ኮይኑ፡ ኣብዚ መዳይ ተመኩሮ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚት ከም ዝስራዕ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ተመኩሮ እዚ ኣብ ኩሉ መስርሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተንጸባረቐ ኮይኑ ብፍላይ ድማ ኣብቲ መሪር ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልስና ንናጽነት በሪኹ ተራእዩ’ዩ። ኣብዚ መሪር ቃልሲ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ጾታዊ ፍልዩነተን ተጽዕኖ ከይፈጠረለን፡ ማዕረ ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብቲ ዝኸበደ ብልሒ ናይቲ ቃልሲ ወተሃድራዊ ግጥማት እውን ከይተረፈ መስተንክር ሰሪሐን እየን። ንናይ ካለኦት ውጹዓት ደቂ ኣንስትዮ’ውን ግዜ ዘይስዕሮ ኣብነት ኣውሪሰን።
ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ከምቲ ምእንቲ ነጻነት ዝኸፈለኦ ዋጋ ኣብዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ እሞ ኣብ ውሽጡ ከም ቀንዲ ዕማም ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓቖፈ፡ ዝተሓላለኸ ናይ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ቃልሲ እውን እጃመን ካብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ እንተዘይኮይኑ ንታሕቲ ከም ዘይኮነ ክርደኣ ጥራይ ዘይኮነ ነዚ ተረድኦ ዝምጥን ተሳተፎ ከም ዝጽበየን ኣብ ቦታኡ ዘሎ እዩ። ተሳትፎአን ኣብ ዝበኾረሉ ወይ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ኣዝዩ ኣብ ዝዛሕተለሉ ወጽዓአን ክፍታሕ ከምዘይክእል ከዓ ክርደኣ ይግበአን። ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ እውን ብኩራት ደቂ ኣንስትዮ መሰረታዊ ጸገም ናይቲ ቃልሲ ገይሮም ክርድእዎ’ሞ ናይ ግድን ህጹጽ ፍታሕ ክረኽብሉ ይግበኦም።
ደቂ ኣንስትዮ ካብዚ ቃልሲ ዝርሕቃሉ ዘለዋ ምኽንያት፡ ምናልባት ናይቲ ዝሓለፈ ቃልሰን ጻማ እንታይ ከም ዝኾነ ስለ ዝረኣያ’ሞ ብኣኡ ስለ ዝሰከሓ ክኸውን ይኽእል ዝብል ግምት ኣሎ። ናይዚ መንቀሊኡ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ጥልመት እንድዩ፡ እዚ ጥልመት ኣብኣተን ዝተደረተ ዘይኮነስ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣረኻኺብሉ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ክርሰዓኦ ኣይግበአንን። እቲ ፍታሕ ከዓ ቃልሲ እምበር ስቕታን ካብ ቃልሲ ምርሓቕን ከም ዘይኮነ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ነዘኻኽረን። እንተ’ቲ ምረት ናይቲ ዘሕልፈኦ ዘለዋ መከራ ዘርዚርካ ዝውዳእ ስለ ዘይኮነ ብድብድቡ “ኣስካሕካሒ” ኢልናዮ ክንሓልፍ ይሓይሽ።
ሰደህኤ ብመሰረቱ ውን ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ከም ሰልፊ ኮነ ከም ሃገር ኣዝዩ ፍሉይ ቆላሕታ ዘድልዮ ምዃኑ ስለ ዝርዳእ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ደቂ-ኣንስትዮ ፍርቂ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ኢየን። መሰለን ብሕጊ ተሓልዩ፡ ብግብሪ ኣብ ኵሉ ህይወት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ማዕረ ተሳትፎ ከም ዝህልወን ንምግባር፡ ሰዲህኤ ከይተሓለለ ክሰርሕ ኢዩ።” ብዝብል ኣስፊሩ ይርከብ። ካብዚ ሓሊፉ እውን እዚ ሰልፊ ንግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ቃልሲ ንምዕዛዝ ካብ ዘለዎ ድልውነት ብምንቃል ካብቲ 9 ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚኡ ሓደ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝከታተል እዩ። እዚ ሰልፋዊ ቅርቡነት ኣብ ፍረ ክበጽሕ ግና ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ወሳኒ ክነሱ ክሳብ ሕጂ በቲ ዝተሓተ ደረጃኡ እውን ኣዕጋቢ ዘይምዃኑ ናብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ዕዙዝ እዩ።
ስለዚ ከምቲ ወለድና “ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ” ዝብልዎ፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ 8 መጋቢት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንዝከረሉ ዘለና፡ ብሓፈሻ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓርበኛታት ኣደታተን መስዋእቲ ዝኸፈላሉ፡ ግና ድማ ኣብቲ ዝድለ ምዕራፉ ዘይበጸሐ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላእ ክሳተፋ መጸዋዕታና ነቕርበለን።
ብዘይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕወት ቃልሲ የለን!
8 መጋቢት 2016
ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ጨንፈር ሃገረ ሽወደን ን4ይ ጊዜኡ ዓመታዊ ጉባኤኡ ንዕለት 02 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ስቶኮልም( Grusås gränd160 ) ከካይድ ምኻኑ ኣካያዲት ሽማገለ ትሕብር። እዚ ናይ ገበርቲ ሰናይ ዝኾነ ማሕበር ናብ ከተማ ከሰላ ሱዳን ዝርከቡ ዉጉኣት ሓርነትን ብዝተፋላለዩ ምኽንያታት ኣካሎም ዝጎደሉ ኤርትራውያን ብግቡእ ዝሕግዝ ማሕበር እዩ።
እዚ ማሕበር እዚ ካብ ዝኾነ ፖሊቲካውን ሃይማኖታውን ዝምባሌ ነጻ ዝኾነ ሰብኣዊ ማሕበር ኮይኑ፡ ክሳብ ዝወግሕ ኩሉ ኤርትራዊ ርህሩህ ከይዝንግዕ ንጽዉዕ። ብዝመርጽኩሞ ኣገባብ ሓገዝኩም ክትልግሱ ንላቦ።
ፖስት ጂሮ 650565-5 እንሆ።