ደቂ ኣንስትዮ ንመሰለን ሎሚ’ውን ኣብ ኢደን’ዩ

2016-03-07 07:08:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2368 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ጾታዊ ወጽዓ ደቂ ቅንስትዮ ኣዝዩ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ኮይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ ወጽዓ መሪርወን ነዚ ወጽዓ ንምውጋድ ብወግዒ ተወዲበን ድምጸን ኣስሚዐን ቃልሲ ዝጀመራ ቅድሚ 106 ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ኣሜሪካ ብዝተላዕለ መሰረታዊ ናይ መሰል ሕቶ ምዃኑ ታሪኽ ተጋድሎ ደቀኣንስትዮ ዓለም ይሕብር። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ናብዚ ሕጂ ዘለዎ  ደረጃ ዓለም ለኻዊ ዝኽሪ 8 መጋቢት ንምብጻሕ ኣብ ምውሳን ዝኽበረሉ ዕለት ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ “ሕቶ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ እዩ?” ዝብል ንምውሳን እውን ብኣዝዩ ብዙሕ ደረጃታትን ዝተሓላለኸ መስርሕን ክሓልፍ ጸኒሑ እዩ።

ደቂ ኣንስትዮ ድርብ ወጽዓ እዩ ዘለወን። በቲ ሓደ ወገን ጾታዊ ወጽዓ በቲ ካልእ ወገን ደማ ከም ኩሉ ዜጋ ዘጋጥመን ኩለመዳያዊ ወጽዓ። ቃልሰን እውን ከምኡ ድርብ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብምዃነን ዘጋጥመን ጾታዊ ወጽዓ ክህልወን እንከሎ፡ ከከም ናይቲ ዝነብራሉ ሃገር ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ዝመሓደረሉ ስርዓትን ባህላዊ ተጽዕኖን ኣብ ገሊኡ ዝያዳ ዝመረረ ከም ዝኸውን ዝሰሓት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ብቑጠባዊ ምዕባለን ብደሞክራሲያዊ ዕቤትን ኣብ ዝሓሸ ዝርከብ ዓለም፡ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ብቑጠባ ኮነ ብስርዓተ-ምሕደራ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ናይ ዝርከባ ሃገራት ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ዝኸበደ እዩ። 

ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ናይቲ ዝተረፈ ሓፋሽ ህዝቢ ኩለመዳይዊ ወጽዓ ኣብ ዘይተፈትሓሉ በይኑ ፍታሕ ዝረክብ ኣይኮነን። ደሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ቁጠባዊ ዕቤትን ኣብ ዝበኾረሉ ኩነታት ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ በይኑ ተነጺሉ ክፍታሕ ዘይሕሰብ እዩ። ደሞክራሲያዊ ስርዓትን ቁጠባዊ ዕቤትን ውሑስ ኣብ ዝኾነሉ ስርዓት  ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምውጋዱ ዕድል ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። እዚ ማለት ደቂ ኣንስትዮ ወጽዓአን መሰረታዊ ፍታሕ ክረክብ ከም ዝግበኦ ዝተረደአ ሕብረተሰብ ኣብ ዘይተፈጥረሉ መፍትሒ ዝረክብ ኣይኮነን። ደቂ ኣንስትዮ ወጽዓአን ዝፍታሕ ነቲ ዝውጸዐን ተጻራሪ ጾታ ከም ጸላኢ ብምውሳድን ብምትህልላኽን  ዘይኮነስ ናይቲ ወጽዓ ክብደት ተረዲኡ ናይቲ ፍታሕ ኣካል ከም ዝኸውን ብምግባር ክኸውን ይግበኦ።

ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ህብረተሰብነተን ብተግባር ዘርኣያሉ ብዙሕ ተመኩሮታት ምግላጽ ዝከኣል ኮይኑ፡ ኣብዚ መዳይ ተመኩሮ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚት ከም ዝስራዕ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ተመኩሮ እዚ ኣብ ኩሉ መስርሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተንጸባረቐ ኮይኑ ብፍላይ ድማ ኣብቲ መሪር ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልስና ንናጽነት በሪኹ ተራእዩ’ዩ። ኣብዚ መሪር ቃልሲ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ጾታዊ ፍልዩነተን ተጽዕኖ ከይፈጠረለን፡ ማዕረ ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብቲ ዝኸበደ ብልሒ ናይቲ ቃልሲ ወተሃድራዊ ግጥማት እውን ከይተረፈ መስተንክር ሰሪሐን እየን። ንናይ ካለኦት ውጹዓት ደቂ ኣንስትዮ’ውን ግዜ ዘይስዕሮ ኣብነት ኣውሪሰን።

ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ከምቲ ምእንቲ ነጻነት ዝኸፈለኦ ዋጋ ኣብዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ እሞ ኣብ ውሽጡ ከም ቀንዲ ዕማም ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓቖፈ፡ ዝተሓላለኸ  ናይ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ቃልሲ እውን እጃመን ካብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ እንተዘይኮይኑ ንታሕቲ ከም ዘይኮነ ክርደኣ ጥራይ ዘይኮነ ነዚ ተረድኦ ዝምጥን ተሳተፎ ከም ዝጽበየን ኣብ ቦታኡ ዘሎ እዩ።  ተሳትፎአን ኣብ ዝበኾረሉ ወይ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ኣዝዩ ኣብ ዝዛሕተለሉ ወጽዓአን  ክፍታሕ ከምዘይክእል ከዓ ክርደኣ ይግበአን። ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ እውን ብኩራት ደቂ ኣንስትዮ መሰረታዊ ጸገም ናይቲ ቃልሲ ገይሮም ክርድእዎ’ሞ ናይ ግድን ህጹጽ ፍታሕ ክረኽብሉ ይግበኦም።

ደቂ ኣንስትዮ ካብዚ ቃልሲ ዝርሕቃሉ ዘለዋ ምኽንያት፡ ምናልባት ናይቲ ዝሓለፈ ቃልሰን ጻማ እንታይ ከም ዝኾነ ስለ ዝረኣያ’ሞ ብኣኡ ስለ ዝሰከሓ ክኸውን ይኽእል ዝብል ግምት ኣሎ። ናይዚ መንቀሊኡ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ጥልመት እንድዩ፡ እዚ ጥልመት ኣብኣተን ዝተደረተ ዘይኮነስ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣረኻኺብሉ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ክርሰዓኦ ኣይግበአንን። እቲ ፍታሕ ከዓ ቃልሲ እምበር ስቕታን ካብ ቃልሲ ምርሓቕን ከም ዘይኮነ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ነዘኻኽረን። እንተ’ቲ ምረት ናይቲ ዘሕልፈኦ ዘለዋ መከራ ዘርዚርካ ዝውዳእ ስለ ዘይኮነ ብድብድቡ “ኣስካሕካሒ” ኢልናዮ ክንሓልፍ ይሓይሽ።

ሰደህኤ ብመሰረቱ ውን ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ከም ሰልፊ ኮነ ከም ሃገር ኣዝዩ ፍሉይ ቆላሕታ ዘድልዮ ምዃኑ ስለ ዝርዳእ፡ ኣብ ፖለቲካዊ  መደብ ዕዮኡ “ደቂ-ኣንስትዮ ፍርቂ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ኢየን። መሰለን ብሕጊ ተሓልዩ፡ ብግብሪ ኣብ ኵሉ ህይወት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ማዕረ ተሳትፎ ከም ዝህልወን ንምግባር፡ ሰዲህኤ ከይተሓለለ ክሰርሕ ኢዩ።” ብዝብል ኣስፊሩ ይርከብ። ካብዚ ሓሊፉ እውን እዚ ሰልፊ ንግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ቃልሲ ንምዕዛዝ ካብ ዘለዎ ድልውነት ብምንቃል ካብቲ 9 ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚኡ ሓደ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝከታተል እዩ። እዚ ሰልፋዊ ቅርቡነት ኣብ ፍረ ክበጽሕ ግና ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ወሳኒ ክነሱ ክሳብ ሕጂ በቲ ዝተሓተ ደረጃኡ እውን ኣዕጋቢ ዘይምዃኑ ናብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ዕዙዝ እዩ።

ስለዚ ከምቲ ወለድና “ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ” ዝብልዎ፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ 8 መጋቢት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንዝከረሉ ዘለና፡ ብሓፈሻ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓርበኛታት ኣደታተን መስዋእቲ ዝኸፈላሉ፡ ግና ድማ ኣብቲ ዝድለ ምዕራፉ ዘይበጸሐ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላእ ክሳተፋ መጸዋዕታና ነቕርበለን።

ብዘይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕወት ቃልሲ የለን!

8 መጋቢት 2016

Last modified on Monday, 07 March 2016 08:17