ወያ ሽግ ሓርነትን ደሞክራስንከ?

2016-03-08 22:53:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 2753 times

ጉጅለ ህግደፍ ዛዕባታት እንዳቀያየርካ፡ ናይ ህዝቢ ኣቓልቦ ምቕያር ካብቲ ዝፍለጠሉ ተንኮለኛ ጥበባት ሓደ እዩ። እንሆ ከኣ ግዜ ሓልዩ ህዝብና ንዘለዎ ክቱር ፍቕሪ ናጻነት ብምምዝማዝ ሓድሽ ቅዲ ፈጢሩ፡ ብዛዕባ ዑደት “ሽግ ናጻነት” ካብ ዝዛረብ ወርሓት ሓሊፉ። ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት ሽግ ወሊዕካ ብናይ ገዛገዛ ዓኾዃይ ዘይኮነስ ኩሉ ክቡር ዋጋ ህይወትን ንብረትን ከፊሉ ዘምጸኣ ብሌን ዓይኑ ስለ ዝኾነት እምብዛ ሽግ ሒዝካሉ ምዛር ኣይመድለዮን። ግን ድማ ደሓን ይኹን። እቲ ቀዳማይ ሕቶኡ ብዛዕባታ ባዕሉ ዘምጸኣ ግና ድማ ዘየሰተማቐራ ሽግ ናጻነት ኣይኮነን። ቀንድን መሰረታውን ሕቶኡን ምቁማቱንሲ ብዛዕባ’ታ ብሂግዋን ዋጋ ከፊሉላን ክነሱ ደሃያ ዝጠፈኣቶ “ሽግ ሓርነትን ደሞክራስን” እዩ።

ኩልና ከም ዘይንዝግዖ ህግደፍ ካብ ህልውን እዋናዊ ተባራዕን ሕቶ ህዝቢ ንምህዳም ዝጥቀመሉ ቀንዲ ብልሓት ኣብ ናይ ቀደም ኩነታት ምንባር እዩ። ካብቲ ህዝብና ሎሚ ዝሓቶ ዘሎ መሰረታዊ ሕቶታት ንምህዳም፡ ነቲ ህዝቢ ባዕሉ ዝወዓለሉ፡ ስርሒታት፡ ናደው፡ ፈንቅል … ወዘተ ንቕድሚት የምጽእ። ንኣገዳስነት ኣብ ነጻነት ዝተኸፍለ ዋጋ ነቲ ዋና ከፋሊ ይደጋገመሉ። ነዚኣቶም እሞ ድማ ብምጡን ዓቐን ምዝካሩ ኣይመጸገመን። ግና ድማ ነቶም ሎሚ ክምለሱ ዝግበኦም ሕቶታት ደፊኖም ክቐርቡ እንከለዉ ብኹሉ መለክዒ ንምድንጋር ዝተማህዘ ተንኮል ምዃኑ እዩ ዘነጽር። እቲ ጉጅለ ከምኡ ዝገብረሉ ምኽንያት ንጹር እዩ። እዋናውን መሰረታውን ሕቶ ህዝቢ ከመልስ ዝኽእል ባህሪ ስለ ዘየብሉ ካብኡ ንምህዳምን፡ ንህዝቢ ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ቃልሲ ምእንቲ ደሞክራስን ኩሉ መሰላትን ኣላጊሱ ንምህውታት’ዩ።

ብዛዕባ ክብደትን ክቡርነትን ናጻነት ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዝኾነ ኣካል ኣስተምህሮ ኣየድልዮን እዩ። ምኽንያቱ ዕምቆትን ምረትን ናይቲ ንናጽነት ዝተኸፍለ ዋጋ ስለ ዝፈልጥ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባር ክሳብ ክንደይ መሪርን ኣስቃቕን ምንባሩ’ውን ስለ ዘይርሰዖ። ምስዚ ኩሉ ከኣ ናጽነት ብሓርነት፡ ደሞክራስን ምኽባር ኩሉ መሰላትን ተዘይተሰንዩ ትርጉም ከምዘየብሉ ካልእ ህዝቢ ኤርትራ መምህር ዘይደልየለኡ ሓቂ እዩ። ምኽንያቱ ሎሚ ዝነብሮ ዘሎ ዘይእዉጅ ግዜ መግዛእቲ ኣዳዕዲዑ ስለ ዝርዳእ። ካብዚ ተረድኦ እዚ ብምንቃል እዩ እምበኣር ግዜ መግዛእትን ናጽነት ኣብ ትሕቲ ወጽዓ ጉጅለ ህግደፍን ምፍልላዩ ጸጊምዎ ዘሎ።

ግዜኡ ድሮ ዝኽሪ ብሩራዊ ኢዮበልዩ መዓልቲ ናጻነት ኤርትራ ስለ ዝኾነ፡ እታ ካብ ናቕፋ ነቒላ ዝተባህለት ሽግ ነጻነት ደሓን ትዙር። ናጻነት ግና ኣብ ሃልሃልታ ናይታ ሽግ ዘይኮነስ ኣብ ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ስለ ዘላ ዙረታ ዘምጸኦ ሓድሽ ነገር የለን። ነዚ ብምስትውዓል ህዝቢ ኤርትራ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ መሰረታዊ ሕቶኡ፡ ሕቶ ሓርነት፡ ሕቶ ደሞክራሲ፡ ሕቶ ልዕልና ፍትሕን ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን፡ በታ ካብ ቀደማ ኣብ ልቡ ዘላ ሽግ ናጽነት ኣቢሉ ሸፊንዎ ንክሓልፍ ዕድል ክህቦ ኣይግባእን። ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ድማ “እዛ ሽግ እዚኣስ ኣብ ልበይ ኣላ፡ እታ ክሳብ ሕጂ ሃንቀው ዝብላ ዘለኹ ሽግ ሓርነትን ደሞክራስን ደኣ ትዙር” ዝብል ድምጹ ከስምዕ ይግበኦ። ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ከኣ “ድሕሪ ሕጂ ህጹጽ እዋናዊ ጉዳይ ዝሓለፈ ተመኩሮ ብምድግጋም ክሕባእ ኣይግበኦን” ይበል።

ህዝቢ ኤርትራ መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ከኽብር ዝዳሎ ዘሎ፡ ፍረ ቃልሱ ኣብ ዝተሓረመሉ እዩ። ነዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ከኣ ከም መቐይሮ ካብ ወጽዓ ናብ ራህዋ ክጥቀመሉ ይግበኦ። ህዝብና ካብ ተመኩሮኡ ከም ዝተማህሮ ጉጅለ ህግደፍ ዝወጸሉ ወጻዒ እዩ። ወጻዒ ከኣ ነቲ ዝውጸዖ ወገን ፈትዩ ዝልግሶ ራህዋ የለን። ወጻዒ ብስሙር ቅልጽም ናይቶም ዝውጸዖም ክሰዓር እንከሎ ጥራይ እዩ ራህዋ ዝመጽእ’ሞ ሃየ “ዝተጠልመት ሽገይ ደኣ” ንበል።

Last modified on Tuesday, 08 March 2016 23:56