ጓል-ኣንስተይቲ ኣብቲ ጉዳያ ባዕላ እንክትዛረብ

2016-03-09 22:21:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 2686 times

መላእ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ን8 መጋቢት ምእንቲ ክብረንን ንሰብኣዊ መሰለንን ተቓሊሰን ዝዕወታላ መዘከሪት ዕለት እያ። እዛ ክብርቲ ዕለት እዚኣ ነተን ፍርቂ ሕብረተሰብ ዝኾና ደቂ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ትምልከት ዘይኮነትስ ንመሰል ወዲ ተባዕታይ እውን ዝሓወሰት እያ። ምኽንያቱ ወዲ ተባዕታይ ሓዳር ገይሩ ጓል ስለ ዝወልድ’ሞ ጓሉ ክትውጻዕ ወይ ክትጭኰን ስለ ዘይደሊ ክኸላኸለላ ናይ ግድን እዩ።

በዛ ዕለት እዚኣ ቤት ጽሕፈት ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ5 መጋቢት 2016 ንቃለ መሓትት ቀሪበን ንዝሃብኦ ጽማቚ መልስታት ንኣንባቢ እነሆ ንብል ኣለና።

እቲ ቃለ መሓትት በቲ ወናም ደራፋይ ኣልኣሚን ዓብደል ለጥፍ ብቋንቋ ተግረ ‘’ይማ’’ ኣደይ ትብል ዝደረፋ ደርፊ እዩ ተኸፊቱ።

**************

ብዛዕባ 8 መጋቢት ምስ ሓርነታዊ ቃልሲ ዘለዋ ምትእስሳር ዝምልከት ሕቶ ማለት እዛ ዕለት ኣዚኣ ንዝኽሪ እተን ኩለን ኣደታትን ኣሓትን ኣንጊሀን ንመሰለንን ንክብረንን ክብላ ዝተዋደቓላን ዝተቓለሳን ብኡ መሰረት ከኣ ንምዕዋቱ ዝተሰወኣን ዝሰንከላን ብሰንኪ ጨቋኒ ስርዓት ተጠሊመን ኣብ ፈቀዶ በረኻን ባሕርን ህይወተን ዝጠፍአት ክብርን መጎስን፡ ነተን ህልዋት ከኣ ዮሃና ምባል እዛ ዕለት እዚኣ ምስ ሓርነታዊ ቃልሲ ዘለዋ ምትእስሳር እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ሰብኣዊ ርህራሀ ዝጎደሎ ግፍዒ ንምውጋድ ጌና ተሪር ቃልሲ ይጽበየን ከምዘሎ እትእምት ምዃና ገሊጸን።

እቲ ንድርብ ወጽዓ ካብ ሱሩ ክመሓው ዝተቓለሳሉ ጌና ከምዘይተዓወተን ክቃለሳ ከምዝግበአንን ብሩህ እዩ። መሰል ጓል ኣንስትይቲ ንበይና ክተረጋግጾ ስለዘይትኽእል ናይ ደቂ ተባዕትዮ ደገፍ ከም ዘድልየን ውን ሓቢረን።

ኩሉ ከም ዝፈልጦ ግደ ጓል ኣንስተይቲ ካብ መስርሕ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ኣዝዩ ዕዙዝ ዝነበረ ኮይኑ፥ ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ተሳቲፋ ከም ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ የሕዋታ ተስዊኣን ሰንኪላን ንናጽነት ሃገርና እውን ዘውሓሰት እያ። ብፍላይ እተን ኣብ ገጠራት ዝቕመጣ ዝነበራ ኣደታት ውጉእ ብምዕንጋልን፥ ኣብ ግዜ ውግእ እውን ማይን ዝብላዕን ሒዘን እናዓለላ የቕርባ ነይረን። ኣብ ውሽጢ ከተማ ዝነበራ እውን እነተኾና ኣብ ናይ ስለያ ጉዳይ ካብ ውሽጢ ጸላኢ ሓበረታ ረኺበን ንገድሊ ኤርትራ የስንቓ ነይረን። ኣብ ስደት ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ እውን ሸቂላ ስልማታን ገንዘባን ንገድሊ ተወፊ ነይራ እያ። ስለዚ ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ ካብ ቦዂሪ ሰውራ ጀሚራ ተቓሊሳ ንሰውራ ክሳብ ዓወት ጸብሐት እያ።

ሕቶ ጓል ኣንስተይቲ ድርብ ወጽዓ ከም ምዃኑ መጠን ነዚ ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ምዕዋት ቃልሳ ዓቢ እጃም ዝነበራ ኮይኑ ሕጂ እውን ኣብ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ማሕበራትን ዘለዋ ናብራ ከቢድወን ዘስቀጣ ብዙሓት እየን። ይኹን እምበር ኣብ ልዕሊ እቲ ቃልሲ ምስቲ ድርብ ወጽዓ ተደማሚሩ ኣብ ገዛ እውን ይጽገማ እዩ። ብዂረት ምትሕብባር ናይ ደቂ ተባዕትዮ ስለዘሎ ከኣ ኣብ ኣኼባ ንኽትሳተፋ እኳ ደቀን ገዲፈ ክሳተፋ ኣይከኣላን። ስለዚ ነዚ ድርብ ወጽዓ ተቓሊስና ክነዕወት ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ወድባትን ክሳተፋን ኣብ ደረጃ ናይ ውሳኔ ቦታ ክበጽሓን ክንሕግዘን ኣተሓሳስባና ክንቅይር ይግባእ። እቲ ወዲ ተባዕታይ እውን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ክቕይርን ንሕቶ ጓል ኣንስተይቲ ክኣምንን ክቃለስን ኣለዎ።

ብተወሳኺ ወጽዓ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሕብረተሰብ ግና ኣይተፈልጠን ዘሎ። ስለዚ ጓል ኣንስተይቲ ክትነቕሓሉን ነቲ ወዲ ተባዕታይ እውን ክተዕግብን ክተንቅሕን ንመሰለይ ከኣ “ባዕለይ ኣለኹሉ” ክትብል ኣለዋ። ውጽዓና ከኣ ኣብ ዲክታቶር ዘይኮነስ ኣብ ውድባትን ውን ኣሎ። ጓል ኣንስተይቲ ክትዕወት እንተኾይና እምበኣር ቅድም ቀዳድም ጉዳይና ባዕልና ክንሕዞ ይግባእ። ካልኦት ክገብሩልና ክንጽበ የብልናን። ክወሃበና እንተኾይኑ ክንዕደግ ምዃና ውን ክንፈልጥ ይግባኣና። በዚ ኣቢልና ከኣ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ምትካል ግደና ክነበርክትን፡ ሓደ ድልዱል ናጻ ማሕበር ክንምስርትን፥ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ክንወዳደርን ኣሎና።

ሕቶ ደቂ ኣንስትዮ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል እውን ስለዝኾነ፥ መሰል ከኣ ተመጽዊቱ ስለዘይወሃብ ምልኪ ለጊሱ ዲሞክራሲያዊ ኣብ ምትካል ዝግበር ቃልሲ ምስቲ ናብራ ከቢድ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ስርሕ ውዒልና ናይ ገዛ ስራሓት ይጽበየና። ምስኡ እውን እቲ ባህላዊ ድሕረት ወጺዑናን ጨኲኑንናን ኣሎ። ቃልስና እምበኣር እንተላይ ኣንጻር ባህላዊ ድሕረት ስለዝኾነ ነፍስና ክንልውጥን ብንቕሓት ክንገጥሞ እንተኾይና ብተሳትፎ እዩ ዝመጽእ። ሎሚ ሎሚ እኳ ይሓይሽ እምበር መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክበዓል ተባሂሉስ ደቂ ተባዕትዮ በይኖም ከብዕልዎ ትርኢ። ጓል ኣንስተይቲ ምስ ናእሽቱ ህጻናት ኣብ ገዛ ክትጸንሕ። ይኹን እምበር ኣብ መርዓን፥ ጥምቀትን፥ ሓዘንን ከኣ ሰብኣይን ሰበይትን ተተሓሒዞም ይሳተፉ።

ሎሚ ኣሽንኳይዶ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ዋላ እቲ ጨቋኒ ስርዓት ከይተረፈ “ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ” ዝብል ኣብ ቅዋም ዘይሓንጸጸ የለን። ግን ከኣ ኣብ ቅዋም ይሰፍር ማለት ይትግበር ማለት ኣይኮነን። እቲ ድሕረት ኣብ ኩልና ስለዘሎ ግዳ ኣብ ተግባር ኣይውዕን። ኣብ ዝሃሎና ንሃሉ እቲ ድሕረት ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብታ ጓል ኣንስተይቲ እውን ኣሎ። ስለዚ ኣብ ውሽጢ ንሃሉ ኣብ ብደገ ምንጪ ወጽዓና ሓንቲ እያ ንሳ ከኣ ድሕረት እያ። ጉዳይና ባዕልና ክንልዓዓለሉ ኣሎና። ሕጂ ከኣ ክነረጋግጾ እንተዘይ ክኢልና፡ ጽባሕ ውን ክንጥለም ኢና። ኣብ ዘዘለናዮ ሰልፍታት እቲ ንምረሓሉ ቅዋም ንመሰልና ክንቃለስ ከምዘሎናን ኣብቲ ናይ ውሳኔ ቦታ ክንበጽሕ ዘኽእለና ክኸውን ይግበኦ። ስለዚ መሰልና ዝጣበቕ ናጻ ማሕበር ክህልወና ኣድላዪ እዩ።ደቂ ኣንስትዮ ሓደሓደ ግዜ ኣንጻር ጠቕምና ንቃለስ ኢና። እዚ ከኣ ብዘይ ኣፍልጦ ዝግበር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ጉዳይና ባዕልና ኣብቲ ዘሎ ውድባት ክንሳተፍን ንመሰልና ዝከላኸል ወይ ዝጣበቕ ናጻ ማሕበር ክህልወና ይግባእ። ሃማደአ ዝበሃል ማሕበር እውን’ኮ ኣሎ። ግና ኩሉ ማሕበር እየ ስለ ዝበለ ወይ ስለ ዘቆመ ንኹሉ ይውክል ማለት ወይ ይከላኸል ማለት ኣይኮነን። ወጽዓና ሓደ ክንሱ በበይንና ማሕበራት ምምስራት ነመሰል ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ምጥባቕ ዘዳኽም እምበር ዘተባብዕ ኣይክውንን።

እታ ፍርቂ ህብረተሰብ ኤርትራ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ሎሚ እውን ተጠሊማ እያ። ኣብ መጻኢት ኤርትራ ጥልመት ንኸይድገም ከኣ መሰልና ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ክንከተታተል የድሊ። ንመሰልናን ንማዕርነትናን ዝምልከት ከመይ ገርና ኣብ ቅዋም ክሰፍር ከምዘለዎ ክንቃለስ ኣሎና። ኣብ ወጻኢ ኰይንና ኣብ ቅዋም ይስፈር ይኸውን፡ እምበር ቃልስና መሰልን ግቡኣትን ከም ጓል ኣንስተይቲ ማዕረ ስራሕ ማዕረ ደሞዝ፡ ዕረፍቲ ኣብ ግዜ ሕርሲ፡ .... ወዘተ ዝኣመሰሉን ነቲ ጸቓጢ ባህሊ ዝውግድ ኣብ ቅዋም ኣስፊርና ኣብ ተግባሬኡ ክንጽዕር ኣሎና። ብተወሳኺ ጉዳይና ክዕወት ዲሞክራሲያዊ ቃልስና ክነዕውት ይግባኣና። እዚ ክነዕውት ምቅላስ ንመሰላት ደቂ ሰባት ክሕሉ ዝኽእል ሕጊ ስለ ዝፍጠር እዩ። ነዚ ክንገብር እተዘይበቒዕና መሰል ክንረክብ ኣይክንክእልን እና። ስለዚ ኣብ ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ እጃምና ልዑል ክኸውን እቲ ምትእስሳር ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሰልፍና ክዕንብብ ኣለዎ። ሃገራዊ ቃልሲ ይተዓወት ጥራሕ እምበር ደርባዊ ቃልሲ ደሓር ክንገጥሞ ምባልና እኮ እዩ መስልና ተጠሊሙ ዘሎ ኣብ ኤርትራ። ኣብ ዝተፈላለየ ፋሕ ኢልና ኣብ ዝተፈላለየ ኩርሲ ኮፍ ንበል፡ ኣብ ዝተፈላለያ ማሕበራት ንሃሉ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምትካል ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እዩ ረብሓና። ሓድነትና እዩ እምበኣር እንደልዮ ዕላማ ክዕወት ዝኽእል። ነቲ ድሑር ሕብረተሰብኣዊ ሕማማት እውን ክንቃለሶ ኣሎና። ኣብ ፖለትካዊ ቃልሲ ተሳቲፎና ክዓዝዝ ኣለዎ። ነዚ ክልተ ወጽዓ ኣለና ኢልና ንዕኡ ንምዕማም 8 መጋቢት ንዝሓለፈ እንመዝነሉ ንመጻኢ ከኣ ገምጊምና እንሕንጽጸሉ፡ ክግበር ኣለዎ ዝበሃል እንተልዩ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባኡ ክመሃራን ብዛዕባ ጉዳየን ክፈልጣን ኣለወን። ክነቕሓ ውን ይግባእ። ኣብ ኩሉ መዳያት ተሳቲፈን ክቃለሳ ኣለወን። ርኽክብ ዓቢ ተራ ኣለዎ፥ ብኡ መሰረት ድምጽና ዓው ክነበልን ክንስማዕን ንኽእል። ኣብዚ እዋንዚ ድምጺና ይስማዕ’ኳ እንተሎ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኻት ክንሳተፍ ክንክእል ኣሎና። ሎሚ ኣብ ኩሉ ሃማደኣ እያ ድምጻ ትስማዕ ዘላ። ስለዚ ንሕናባ ኣሎና ክንብል ይግባእ።

ኣብ መወዳእታ ዘይተጠርነፈ ስለዘይዕወት ኩሉ ደላይ ፍትሒ ተጠርኒፉ ክቃለስ ይግባእ። ነቲ ንጽባሕ ንኤርትራ የርብሕ እንብሎ ክነዕብዮ፡ ነቲ ሃሳዪ ዝኾነ ከኣ ከነወግዶ፡ “ጥርናፈ ዋጋ የብሉን” ዝበሃል ገዲፍና ሹሙ ዝጠፍኦ ንሕቢ ከይንኸውን ነዚ ዝሓለፈ ቃልስና ክንመሃረሉ እምበር ክነነኣእሶ ኣይግባእን። ካብቶም ዝሓለፉ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ተማሂርና ኢና ንቕድሚት ክንሓስብ ንኽእል። ስለዚ ነቲ ጀጋኑ ዝወደቓሉ ቃልሲ ክነኽብሮ ይግባኣና። ምጽልላምን ምንእኣስን ንረብሓና ኣይኮነን። እሞ ድኽመታትና እንዳኣረምና ቃልስና ክዕወት ብሓባር ተጠርኒፍና ንቃልስ ።

Last modified on Wednesday, 09 March 2016 23:25