ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት
ንፍትሓዊ ማዕርነት ዝወላዕኪ ክርቢት
ብዘይግልጽ ምልጽ ናይ ካልኦት ትጽቢት
ንንጹር ዕላማ ጸረ ድሑር ትዕቢት
ንቓልሲ ዓዲማ ንኩለን ብሕብረት።
ኣካል ናይ'ዚ መስርሕ ኤርትራዊት ኣደ
ከም ኣባል ደቂ ኣንስትዮ ዓለም በቲ ሓደ
ጸረ ባዕዳዊ ስርዓት ምግዛእኪ ዝለመደ
ጸጋኺ ግሒጡ ፍጹም ዝሰወደ
ንቓልሲ ወሲንኪ ንግሆ ከይረፈደ።
ኣብ ክንዲ ምሕንቓቕ ተመርዒኺ ሕጽኖት
ብትብዓት ነቒልኪ ደድሕሪ ቀዳሞት
ኣብ'ቲ ከርፋሕ ናብራ ናይ ምህላው ወይ ሞት
ስለ መሰል ፍትሒ ንራህዋ ዳሕረዎት
ብትብዓት ወሲንኪ ንኽትከፍሊ ህይወት።
ኣብ'ቲ ጽንኩር ኩነት ናይ ጅግንነት ቦታ
ድምብርጽ ከይበላ ጾታዊ ፍጥረታ
ታሪኽ ኣመዝጊባ ማዕረ ምስ ኣሕዋታ
ኣብ ኲናት ትድብል ዘይብላ መሰታ
ተኣምር ሰሪሓ ከፊላ ህይወታ፡፡
ኤርትራዊት ኣደ'ወ እዛ ጅግና
ብውሽጢ ብደገ ደጀን ናይ ሰውራና
ምስጢርና ዓቂባ ምስጢር ተስንቐና
ዕሩቓት ትኸድን ቀንጢጣ ዝባና
ዕዙዝ'ዩ ሞያኺ ኣብ መስርሕ ቃልስና።
ብሳላ ጅግንነትኪ ዝተረኽበት ዓወት
ደሞም ከይነቐጸ ናይ ስዉኣት ብጾት
ጽባሕ ነጻነትና ኣብ ዘይመልእ ዓመት
ስልጣኑ ከጣጥሕ ኣትዩ ኣብ ሓፈትፈት
ሽዑ እያ ጅሚራ ናይ ሎሚ ባርነት።
ፍትሓውያን ከሕቅቕ ዓገብ ካብ ዘይንብል
ስንኩላን ክቕንጽል ብቓሉ ካብ ንዕልል
ውላድና ክዘምት ካብ በልናሉ ዕልል
ኣብ ጕድኒ ሬሳታትና ጓይላ ካብ ንዘልል
ባዕልና'ምበር መን ሂብዎ ዕድል።
ሽደን ኤርትራዊት ኣብ ሸዊት ዕድመኺ
መሪር ህይወት ቃልሲ ከም ንቡር ወሲድኪ
ኣብ ከበሳን ቆላን ታሪኽ ዝጸሓፍኪ
ንመሰል ተቓሊስኪ መሰል ዘይምርካብኪ
ዓለም ገሪምዋ ብመሪር ወጽዓኺ።
እዛ ናጻነትና ኣሽሓት ዝተኸፍላ
ፍቕሪ ከይትጥጥዕ ወደቦ ዘይብላ
ውሉዳ ከይስስን በጃ ዝሓልፈላ
ራሕሪሕዋ ከይዱ ተስፋ ስኢኑላ።
ብሉጻት ከፊልኪ ንፍትሒ ንሰላም
ኣብ ራህዋ ክትነብሪ ተቐንጢጡ ጸላም
ክብርኺ ክሕሎ ኣልቦ ዓመጽ ሓራም
ወፊርኪ ክትኣትዊ ብብርሃን ብጸላም
ዘይተጸበኽዮ ደጊሱኪ ሕማም።
ሃገራዊ ኒሕኪ ብተንኰል ገምጊሙ
መልኣኽ ተመሲሉ ኣብ ጽላልኪ ቆይሙ
ናይ ሳጥናኤል ባህሩ ባርኖስ ተሽፊኑ
ስልጣኑ ከጠጥሕ ጎረቤት ዓዲሙ
ናትኪ እናመሰለ ኣንጻርኪ ዓሊሙ።
ቅዋም ከይሰርሕ ፍጹም ካብ ሓንገደ
ናይ ምዝራብ ዕዽል እንካብ ተኣገደ
ሰሪሕካ ናይ ምንባር መሰል ከይተፈቕደ
ዘዝወለድክዮ መንእሰይ ንስድት ካብ ከደ
እንታይ ኢና ክንጽበ ካብዚ ዝገደደ።
መሰል ተሓልዩ ሃገር ከይቀሰነት
መግቢ ዕለት ረኺባ ህይወት ከይተዋሕሰት
ንግሆ ዝወፈረ ከይተመልሰ ምሸት
ፍቅሪ ከይሰፈነ ኣብ መንጎ ስድራ ቤት
ስቓይና ከብቅዕ ኣይሕሰብን ዘበት።
ኣብ ገዛእ ሃገርኪ ሰላም ካብ ሰኣንኪ
ክሽየጡ ክልወጡ መናአሰይ ውላድኪ
ሓዳርኪ ክስወር ህጣሙ ዘይብልኪ
ግራት ጓሂ ኮይንኪ ጽማልያ ካብ መሰልኪ
ንለውጢ ተንስኢ ኣልዕሊ ቅልጽምኪ።
ዕድልኪ ገይርዎ ካብ መረረ ህይወት
ዕጉስ ባህርያትኪ ካብ ተቆጽረ ድኽመት
ንራህዋ ተበጅኺ ካብ ወረደ ድንገት
ኣብ ውሽጢ ገዛኺ ካብ ዝመላለስ ውርደት
ሕጅውን ብቓልሲ'ዩ ዝረጋገጽ ማዕርነት ምስ ክብረት።
ሓብተይዶ ክብለኪ ፍላይ ማንታይ
ሓዳረይዶ ክብለኪ ፍንጫሕ መሰንገለይ
ብጸይተይዶ ክብለኪ ተባዕ መቓልስተይ
ኣብ ራህዋ ኣብ ጸገም የማነይቲ ኢደይ።
እዚ ንጹር ስእሊ ኩነታት ሃገርና
ቋንቋና ዝዛረብ ሃገራዊ ጓና
ምጥፋአና ዝሕልሙ ሱርና መሰረትና
ሓደ'ዩ ጸላኢና ንወድና ጓልና
ሓቢርና ንእለዮ ከይተፈላለና።
ናይ መሬትና ሽሻይ ክመልእ ቆፎና
ዒባ ከይሓርሞ'ቲ ማሙቕ ደምበና
ኣብ ዓዶም ክሕንቅቁ ዕሸላት ደቅና
ንስርዓት ህግደፍ ነዚ ስሱዕ ጋውና
ግሒጥካ ኣብ ምጉሓፍ ኣብ ጎድንኽን ኣሎና።
ዓንደጽዮን ግርማይ
ጀርመን
8 መጋቢት 2016