ሕብረት ኤውሮጳ ንኤርትራ ስምዕታ ኣቕሪቡ
2016-03-11 10:23:59 Written by ጽሑፍ ተለቭጅን ሽወደን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2265 timesባይቶ ኤውሮጳ: ኤርትራ ንኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢስቕን ካልኦት እሱራትን ክትፈትሕ ስምዕታ ሂቡ። ኣብቲ ትማሊ ሓሙስ ባይቶ ኤውሮጳ ዝወሰዶ ውሳኔ በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዓሙቕ ስክፍታ ከም ዘለዎ ብምግላጽ: ንናይ ኤውሮጳ ኮሙሽን: እቲ ንኤርትራ ዝውሃብ ሓገዝ ኣብ ጁባ መንግስቲ ኤርትራ ክኣቱ ከምዘይብሉ ክሰርሕ ኣገንዚብዎ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ክሳብ 1,9 ምልያርድ ክሩኖር ንምዕባለን ምቅላስ ድኽነትን ኣብ ኤርትራ ተባሂሉ ክሳብ ዓመት 2020 ክወሃብ ወሲኑ ከምዝነብረ ዝዝከርዩ።
ጽሑፍ ተለቭጅን ሽወደን 10 መጋቢት 2016