ዓቢ ሕቶ ንኩሉ ኤርትራዊ ??????

2016-03-08 22:00:14 Written by  ጸሃየ ቀለታ ሽወደን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2617 times

ሎሚ መን እዩ ኤርትራዊ ???

ኤርትርዊ መንነት ብምንታይ እዩ ዝረጋገጽ ???

ክቡራት ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ እዛ ፍትውቲ ኤርትራ ፡

ደቂ ምድረ ባሕሪ !!! (ደቂ   መሪዩስ   ኤሪትሩዩስ !!! )                                                                                                

ቅድሚ ገለ መዓልታት ልክዕ ብዕለት 03 መጋቢት 2016 ኣብ ሓርነት ኦርግ ዕላዊ ልሳን ሰ.ዲ.ህ.ኤ.    ” ሃገራዊ መንነት እዩ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ዘብልኣርእስቲ ተዋተጻሕፈምስ ኣንበብኩ ካብ ነዊሕ ጊዜ መልሲ ዘይረኸብኩሉን ኣብ ሓንጎለይ ድቃስ ዝኸላኣንን ዝርብጸንን ዝነበረ ብምትንካፉ፡ ሓያሎ ዝተፋላልዩ ሓሳባት ኣብ ሓንጎለይ ክውሕዙ ጀመሩ። ብፍላይ እዚ... ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ ዝብል ኣባሃህላ መታለሊ ቢሂል ብህግደፍን ደገፍቱን ዝዝመር ብምኳኑ ፡ እታ ሓደ ልቢ ትብል ተጋራጫውትን ሓቂ ዝሰሓተትን ኣሰካፊት እያ ንዓይ ፡ግና ከኣ ብሃገራዊ መንነት እትብል ስለ እትጅምር ደጋጊመ ብምንባብ ክሓስብ ተገደድኩ። እዚ ጽሑፍ ናይ ሓርነት ኦርግ ብልክዕ ዘቀመጦ እንተሃልዩ ግርም ገይሩ ቅኑዕ ብናይ ዓለምና ኣቋቁማን ሕግን ዝተመርኮሰ ስለ ዝኾነ ትርጉም ሃገርን ሃገራዊ መንነት ከምዚ ዝኽተል ገይሩ ኣቅሪብዎ ይርከብ፡ኣብ ሓደ ውሱን ጂኦግራፊካዊ ክሊ ዝነብር ህዝቢ፡ መበቆሉ ብዘየገድስ ምሉእ እንታይነቱን መንነቱን በቲ ዝነብሮ መሬትን ዘለዎ ዶብን ኣረጋጊጹ ማለት ኢዩ። እዚ መንነት እዚ ዘይፈሓቚን ዘይልውጥን ኮይኑ ናይ ሓባር ሃገር ንዝውንን ህዝቢ መለለይኡ ማለት ኢዩ ”ይብል ኣነ እውን ተረድኦይን እምንቶይን ኮይኑ 100%ምስኡ ይሰማማዕ ። ቀጺሉ እውን ከምዚ ይብል እዚ መንነት እዚ ንኹሉ ኣብታ ናይ ሓባር ሃገር ዝነብር ሕብረተሰብ፡ እቲ ዘለዎ ዝተፈላለየ ልምዲ፡ ባህልን እምነትን ትውልድን ዓቂቡ ተሓቛቚፉ፥ በታ ናይ ሓባር ረቛሒት ሃገር ኣቢሉ ሓደ ህዝቢ (ሓደ ልቢ)ምዃኑ እዩ ዝእምት። ከመይሲ ሃገር ዘይትከፋፈልን ዘይትቆራረስን ስለዝኾነት። እቲ መንነት ከኣ ክምኡ ዘይጎዛዘ ብምዃኑ ኢዩ እቲ ሓደ ልብን ሓደ ህዝብን ዘብል” ይብል እዚ ኣባሃህላን መግለጽን እውን ልክዕ ቅኑዕ ቅቡልን ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ግርም እሞ ሓደ ሕያዋይ ሓታቲ ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ኣብዘን ዙርያ ሃለዋት 25 ዓመታት ተመርኲሱከ ኤርራዊ መነንት ከመይ እዩ ??? መን እዩ ኤርትራዊ ኢሉ እንተሓተት መልሱ እንታይ እዩ ??? ኤርትዊ ክትኸውን እንታይ ከተማልእ ኣሎኻ ??? ከምዚ እቲ ሓተታኣብ ዕሊ ዝቀሶ ኣነ እውን ዝኣምነሉ ድዩ ወከምቲ ንዓይ ይኹን ንሓያሎ ኤርትራውያን ዘገርም ናብ ጸልማት መጻኢ ዝሕብርን ኣባሃህላ ናይ መራሒ መላኺ ስርዓት ግህደፍ ን3ይ ጊዜ ዓው ኢሉ ዝደጋገሞ ፡ በዘይካ ኣባል ህዝባዊ ግንባር ኣብዛ ሃገር ካልእ እምንቶ ዘሎዎ ሰብ ናብ ካልእ ፕላነት ይኺድ ዝበሎ እዩ ??? ኤርትርዊ ክትኸውን ኣባል ህዝባዊ ግንባር ክትኸውን ኣሎካ ይብለና ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ትልምሽ ???

እዛ ንሱ ሓዳስ ኤርትራ ዝብለና ዘሎ ብዕሊ ደኣ ኣየጠመቃን እምበር እታ ኣነ ዝፈጥራ ዘሎኹ ሃገር ናይ ህግደፍ(ህዝባዊ ግንባር) ኤርትራ ክብለና እዩ ዝዳሎ ዘሎ ። ድሮ ከይተረድኣና ንንቡራት ንሃገር ኤርትራ ዘቆማ ኣውራጃታትና ደምሲሱ ዞብ ደቡብ ማእከል ሰሜን ...ወዘተ ኢሉ ናብ 6ተ ደባሊቁ ቆራሪጽዋ ኣሎ። እሞ ከ ደኣ ንሕና ከም ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ንገብር ኣሎና ??? ጉድ ናይ ህግደፍ ዘስደምም እዩ ገንዘብ ኤርትራ ስለምታይ ናቅፋ ኢሉ ብቦታ ዝጽዉዖ ??? ጠንቃምን ሰባብን ሕሉፍ ዊዲተኛ ህግደፍ ሕቡእ ሚስጢር ዘሎዎ ኮይኑ እምበር ደጀን ዕርዲ ዱፋዓት ኤርትራ ክንደይ መስተንክርን ጅግንነትን ዝተፈጸመሎም ንወትሩ ዘይርስዑ ክዝከሩ ዘሎዎም ቦታታት ኣሽሓት እንድዮም፡ ናቅፋ ፍሉይ ዘብላ እንታይ እዩ ??? ሓንቲ ማንም ዘይክሕዳ ባሕቲ መስከረም ኣብ ጎቦታት ኣዳል ንዓወት ተጋድሎና ዘበገሰት ቦታ እኳ ብቀረባ ኣላ። ብዝያዳ ዝያዳ እውን እቶም ማእለያ ዘይብሎም ጀጋኑ ተጋደልቲ ኤርትራውያን ካብ 1961 ክሳብ 1991 ደሞም ኣፍሲሶም ኣዕጽምቶምን ከስኪሶም ነጻ ዝውጽእዋ ሃገር ተረሲዕም ተካሒዶም ኣብ ክንደኦም ኣብ ርእሲ ከተማና ኣስመራ ሓወልቲ ጫማ (ሽዳ) ክገብር ከሎ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራን ህልዋት ተጋደልቲ ኤርትራውያንን እንታይ ትብሉ ???                                                  ኦ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ትብል ???

ጸሃየ ቀለታ ሽወደን

Last modified on Tuesday, 08 March 2016 23:02