ሕብረት ኤውሮጳ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝጸንሖ ስኽፍታ ኣሕዲስዎ

2023-10-27 19:31:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 656 times

ሕብረት ኤውሮጵ ምስ መበል 78 ጠቕላላ ጉባአ ባይቶ  ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝተተሓሓዘ  ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብዛዕባ   ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝለዓለ ሻቕሎት ከም ዝሓደሮ  ኣፍሊጡ። በቲ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ንክከታተል ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘ ኣካል ናብቲ ኣኼባ ብዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጌና ብዙሓት ሰባት ብጃምላ ይእሰሩን ብዘይፍሉጥ ኩነታትን ኣብ ዘይፍሉጥ ቦታትን ይስወሩን ምህላዎም፡ ሕብረት ኤውሮጳ ምርድኡ ኣፍሊጡ።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ መግለጺኡ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ተሰዊሮም ዘለዉ ናብ መድረኽ ብምምጻእን ነቶም ብዘይፍርዲ ብጃምላ ተኣሲሮም ዘለዉ ድማ ናብ ፍርዲ ብምቕራብ ስጉምቲ ንክወስድ ተሪር መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ብጃምላ ምእሳርን ምስዋርን፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምእካብን ምውዳብን ምንፋግን ኩሎም ዓለም ለኻዊ ሕግታት  ሰብኣዊ መሰል ዝግህሱ ምዃኖም ድማ ኣብቲ ንኤርትራ ብትሪ ዘጠንቀቐሉ መግለጺ ኣስፊሩ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝዝውተር ዘሎ ግዱድ ውትህድርናን ናይ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዕስክርናን፡ ብሓፈሻ ነቲ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ንመንእሰይ ኤርትራ ኣብ ጨንቂ ኣውዲቕዎ ዝጸንሐን ዘሎን ከምኡ እውን ቀንዲ ጠንቂ ስደት ምዃኑ ብሰፊሑ ዘርዚሩ።

እቲ ሕብረት መንግስቲ ኤርትራ ብመሰረት እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝወሰኖ፡  ኣብ ትግራይ ዝተረፈ ሰራዊቱ ጠቕሊሉ ንከውጽእ ኣዘኻኪሩ። ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ድማ ኣብ ግዜ ውግእ ኣብ ትግራይ ብዕጡቓት ሓይልታት ዝተፈጸሙ ኩሎም ሰብኣዊ ግህሰታት ብናጻን ኣፍልጦ ዘለዎ ኣካልን ተመርሚሮም ክጻረዩ ጸዊዑ።

Last modified on Friday, 27 October 2023 21:37