ላዕለዋይ ተወካሊ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሰብኣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ መግለጺ ኣውጺኦም

2023-10-30 19:26:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 633 times

ስእሊ ካብ መርበብ ሕብረት ኤውሮጳ

ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ  ጆሴፍ ቦረል፡ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ይካየድ ብዘሎ ቀጻሊ ጐንጺ ይወርድ ብዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ይኽተል ብዛዕባ ዘሎ ሞት ሰባትን ብዝሓደሮም ተሪር ሻቕሎት  መግለጺ ኣውጺኦም።

በቶም ኤውሮጳዊ ላዕለዋይ ሓላፊ ዝወጸ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ህጹጽ ኩነታት ካብ ዝእውጅ ንደሓር ብዝተኻየደ ሰፊሕ ወፈራ ዝተኣስሩ ኢትዮጵያውያን ንክፍትሑ፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያን፡ ብተደጋጋሚ መሰል ሲቪል ሕብረተሰብ ንክሕሎን ህውከት ንክቋረጽን ክቐርብ ንዝጸንሐ መጸዋዕታታት ሕብረት ኤውሮጳ’ውን ዝቕበሎ  ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምስ ዝኾነ ልዝብ፡ ዕርቅን ሰላምን ዘምጽእ ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምምጻእ ዝካየድ መስርሕ ክተሓባበር ቅሩብ ምዃኑ ሓቢሩ። ኢትዮጵያውያን መንገዲ ሰላምን ዘተን ክኽተሉ ድማ ኣትሪሩ ጸዊዑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ዝረኣዩ ዘለዉ ሰብኣዊ ጥሕሰታት፡ ብዘይኣድልዎን ብብቕዓትን ክጻረዩን ዝምልከቶም ኣካላት ከኣ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓተቲ ንክኾኑ ተሪር መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

Last modified on Monday, 30 October 2023 20:34