ዝምድንና ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝያዳ ይሕርፍፍ ኣሎ

2023-10-25 11:00:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 782 times

ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ናብ ኢትዮጵያ ዝገሹ ኤርትራውያን ናብ ኣዲስ ኣበባ “ኣይተኣትዉን” እናተባህሉ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ነናብ ዝመጽዎ ይምለሱ ከም ዘለዉ፡ ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰል እትነጥፍ ኤርትራዊት ወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም ሓቢራ። በዚ መሰረት፡ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምጋሽ መደብ ዘለዎም ኤርትራውያን ኩነታት ክሳብ ዝቕየር ጉዕዘኦም ከቋርጹ ኣተሓሳሲባ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ምእሳር ከም ዝጀመሩ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ይሕበር ኣሎ። እቶም ዝተኣስሩ ኣብ ዘይሕጋዊ ሸርፊ ገንዘብ ክሳተፉ ዝጸንሑ እዮምኳ እንተተባህለ፡ እቲ ኩነታት ንብዙሓት ኤርትራውያን እውን ዝጸልው ኩይኑ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ። ብሰንክዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝሓሸ ውሑስ እዩ ናብ ዝብልዎ ክልላት ኢትዮጵያን ኣብ ዳባት ናብ ዝርከብ መደበር ስደተኛታትን  ይብተኑ ከም ዘለዉ’ውን ተፈሊጡ። ብዙሓት ወገናት እቲ ኣብ ውግእ  ኢትዮ-ኤርትራ1998-2000 ዝተራእየ ምክልባት ኤርትራውያን ከይድገም ይሰግኡ ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ መደበር ስደተኛት ኤርትራውያን ኣለምዋጭ ተዓቚቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ከቢድ ስግኣት ከም ዝወደቑ፡ ናብ ዝኸድዎ ጠፊእዎም ከም ዝተጨነቑን ደገፍቲ ህግደፍ ድማ ዘይጭበጥ ሓበሬታ እናዘርግሑ ናብ ኤርትራ ንክምለሱ ይጉስጉስዎም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ናይዚ ኩሉዚ ዘይህዱእ ኩነታት ጠንቂ ብሓፈሻ ካብ 2018 ዝጀመረ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ  መንግስቲ ብልጽግና ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይ ወደብ ዓሰብ ተጠቃምነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ዋንነት ብዝምልከት ኣልዒልዎ ዘሎ ሓደገኛን ናብ ዝለዓለ ወጥርን ወተሃደራዊ ምትፍናንን ገጹ ከይዓርግ ዘስግእን ኣጀንዳ እዩ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ብ21 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡  “ተጠቃምነት  ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ዝምልከት፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ብዘይጻባእን ብዓለም ለኻዊ ውዕላት ብዝግዛእን ስምምዓት ኢትዮጵያ ክትጥቀም እሞ ክልቲኡ ህዝብታት ሓቢሩ ዝዓብየሉ ኩነታት ምፍጣር ከም ዝከኣል ርዱእ ምዃኑ ተገንዚቡ።”  ዝብል ሓሳብ ምስፋሩ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Wednesday, 25 October 2023 13:06